Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ እስራኤል ሓደ ንጹህ ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ከም “ኣሸባሪ ተጠርጢሩ”፣ ብሓይልታት ጸጥታ እስራኤል ተቐቲሉ።

ኣብ ከተማታት እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ገኒኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣  Be’er Sheva  ኣብ ዝተባህለ ኸተማ፣ ኣብ መዓርፎ ኣውቶቡስ ሓደ ዓረብ ዝመበቆሉ ኣጥቃዒ ኣብ ልዕሊ ሓደ እስራኤላዊ ወተሃደር ቅትለት ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል፣ ንሓደ ከም “ኣሸባሪ ጠርጢርናዮ”

ኣብ ከተማታት እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ገኒኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣  Be’er Sheva  ኣብ ዝተባህለ ኸተማ፣ ኣብ መዓርፎ ኣውቶቡስ ሓደ ዓረብ ዝመበቆሉ ኣጥቃዒ ኣብ ልዕሊ ሓደ እስራኤላዊ ወተሃደር ቅትለት ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል፣ ንሓደ ከም “ኣሸባሪ ጠርጢርናዮ” ዝበሉዎ ንጹህ ኤርትራዊ ስደተኛ ብጥይት ወቒዖም ከምዝቐተሉዎ ምንጭታት ካብ እስራኤል ሓቢሮም።

እቲ ዛጊት ስሙ ዘይተጠቕሰ ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ብኸቢድ ተወቒዑ ናብ Soroka ዝተባህለ ሆስፒታል ድሕሪ ምውሳዱ ከምዝዓረፈ እቲ ሆስፖታል ኣረጋጊጹ።

እቲ ብዘይወዓሎ ገበን ብጥይት ተወቒዑ ህይወቱ ዝሰኣነ ኤርትራዊ ስደተኛ ብላኼማ ኣብ ዝሞተሉ እዋን፣ ሓደ ኣቐዲሙ ዒላማ ናይቲ “ኣሸባሪ” ዝኾነ እስራኤላዊ ወተሃደር ክመውት ከሎ 9 ካልኦት ሰባት ከምዝቖሰሉ ማዕከናት ዜና እስራኤል ሓቢረን። ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል ነቲ ዓረብ ዝመበቆሉ ናይ ፈለማ ኣጥቃዒ ኣብ ዝሃደኑሉ እዋን ነቲ ኤርትራዊ ከም ዝቐተሉዎ ካብ ጋዜጣታት እስራኤል ዝተረኽበ ኣፈናዊ ሓበሬታ ይእምት።

ካብቲ ናይ ቶኽሲ ዕግርግር ነብሱ ከድሕን ዝፈተነ ኤርትራዊ ብጥይት ጸጥታ እስራኤል ብኸቢድ ተወቒዑ ኣብ መሬት ምስ ወደቐ፣ ግብረሸበራዊ ዝመሰሎም ሓለፍቲ መንገዲ ብእግሮም እናቐላልዑ ከምዝሃረሙዎን “ሞት ንኣዕራብ” እናበሉ ጡፍ ከምዝበሉሉን liveleak.com ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ጠቒሱ። ነቲ ግዳይ ናብ ሆስፒታል ክወስዱዎ ዝተጓየዩ ናይ ረዲኤት ሓካይም ካብቲ ህዝቢ ተቓውሞ ከምዘጋጠሞም ‘ውን እቲ መርበብ ሓበሬታ የመልክት።

እቲ ግዳይ ኣብ ዝነብረሉ ዝነበረ ከባቢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣማውታ ናይዚ ንጹህ ኤርትራዊ ብግቡእ ተመርሚሩ ብወግዒ ክግለጽ ናብ መንግስቲ እስራኤል ጠለብ ከቕርቡ ኣለዎም።

ኣብ እስራኤል ብቕንያቱ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕግርግር ገኒኑ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ኤርትራውያን ውልቃዊ ጥንቃቐ ከዘውትሩ፣ ነዚ ናይ ሎሚ ፍጻሜ ምርኩስ ብምግባር ከኣ፣ ከም ማሕበረሰብ ተተርኒፎም ብመንግስቲ እስራኤል ውሕስነት ክግበረሎምን ከምዚ ናይ ሎሚ ዝኣመሰለ ተግባር ከይድገምን ክምሕጸኑ ይግባእ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
57 COMMENTS
  • AHMED SALEH October 19, 2015

    A picture of dead human being in front of our eyes and some idiots
    have no decency to play politics at his expense . Cowards refuse to
    recognize the given limit but stupid attempts to drag issues to their
    side .
    Let them entertain at this Eritreans unfortunate situations , that is
    fine it won’t last long .
    May God rest his soul and my condolences to his family .

    • tekle October 19, 2015

      Mengeste semay yewrska hawey nitom himak zegbru ezgabher baliu kemedom kehibom iu …sedra beti qenat yhabom

  • Adulis October 19, 2015

    RIP

  • Tesfit October 19, 2015

    መንግስተ ሰማይ የዋርስካ ክቡር ሓው።
    እኒተ እቶም ገበርቲ እከይ፣ አዝግሄር ባዕሉ ይፍደዮም፣ እንታይ ይገበር።
    ጽንዓት ንስድራን ቤተሰብን።

  • dawit October 19, 2015

    Mengstesemay ybka keteltka kea edom ayseanu

  • FM October 19, 2015

    The life of Eritreans has been dispensible and we have become complacent to their plight. It is not that people have politicized it too much but to the contrary, those of us in the Diaspora did not politically organize ourselves in the defense of Eritrean lives pressuring the government policies wherever we are around the wolrd. However, this incident is tragic, the victim was found at the wrong place in the wrong time. I hope is death won’t be in vain. My heart goes to his family and friends, who had hoped that he finally was in safe place.

  • Lul October 20, 2015

    ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት በሃልቲ ኢና ብሂወት ሰብ ዝጣልዓ ዘሊዋ ደኣ ኣበይ ተሓቢኣን ሕጂ፡ድምጽክን እባ ሃባ ዋላስ ትረኽባሉ ረብሓ የልቦን።ነቶም ከምዚ ዓይነት ስእልታት ናይ የሕዋትና ተውጽኡ መልእኽቱ እንታዩ ክርድኣኒ ኣይክእልንዩ ነቶም ወለድን ፈተውትን ናይ መዋቲ ሓሲብና እንተንገብሮ ልዕሊ ኹሉ ግን ክብረት ናይቲ መዋቲ (ሬሳ)እንተሓሎና ሰናዩ የሕዋተይ።መስኪናይ ሓወይ ሕማቕ ርካብ ረኺብካ ኢኻሞ እግዚኣብሄር ኣብ የማናይ ኢዱ ይቐበልካ ንስድራቤት ድማ ጽንዓት ይሃብ።

    • bereketey October 20, 2015

      They r waiting for they r masters

  • Stefanos.Menghesteab October 20, 2015

    ብጣዕሚ ዘሕዝን ወረ ፡ ንምዉት ዝሃርም ህዝቢ፡ ካኣ ብጣዕሚ የተሓሳስብ ።
    ንዉጹዕ መንግሰተሰማይ የዋርሶ ንበተሰቡ ካኣ ጽንዓት ይሃብ።

  • saba October 20, 2015

    This is to much to take in RIP yehwatey.My heart gose to his family and friends.He is in a better place no more pian.God loves you all.

  • STK October 20, 2015

    He will wipe every tear from their eyes. There will be no more death’ or mourning or crying or pain, for the old order of things has passed away.

  • Hagos October 20, 2015

    … blaming Israel is an Arab pass-time sport. When will grow up and talk about Eritreans in Arab slavery and save the ones under the Jehadi Islamic State and in Arab jails …?

POST A COMMENT