Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ እስራኤል ሓደ ንጹህ ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ከም “ኣሸባሪ ተጠርጢሩ”፣ ብሓይልታት ጸጥታ እስራኤል ተቐቲሉ።

ኣብ ከተማታት እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ገኒኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣  Be’er Sheva  ኣብ ዝተባህለ ኸተማ፣ ኣብ መዓርፎ ኣውቶቡስ ሓደ ዓረብ ዝመበቆሉ ኣጥቃዒ ኣብ ልዕሊ ሓደ እስራኤላዊ ወተሃደር ቅትለት ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል፣ ንሓደ ከም “ኣሸባሪ ጠርጢርናዮ”

ኣብ ከተማታት እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ገኒኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣  Be’er Sheva  ኣብ ዝተባህለ ኸተማ፣ ኣብ መዓርፎ ኣውቶቡስ ሓደ ዓረብ ዝመበቆሉ ኣጥቃዒ ኣብ ልዕሊ ሓደ እስራኤላዊ ወተሃደር ቅትለት ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል፣ ንሓደ ከም “ኣሸባሪ ጠርጢርናዮ” ዝበሉዎ ንጹህ ኤርትራዊ ስደተኛ ብጥይት ወቒዖም ከምዝቐተሉዎ ምንጭታት ካብ እስራኤል ሓቢሮም።

እቲ ዛጊት ስሙ ዘይተጠቕሰ ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ብኸቢድ ተወቒዑ ናብ Soroka ዝተባህለ ሆስፒታል ድሕሪ ምውሳዱ ከምዝዓረፈ እቲ ሆስፖታል ኣረጋጊጹ።

እቲ ብዘይወዓሎ ገበን ብጥይት ተወቒዑ ህይወቱ ዝሰኣነ ኤርትራዊ ስደተኛ ብላኼማ ኣብ ዝሞተሉ እዋን፣ ሓደ ኣቐዲሙ ዒላማ ናይቲ “ኣሸባሪ” ዝኾነ እስራኤላዊ ወተሃደር ክመውት ከሎ 9 ካልኦት ሰባት ከምዝቖሰሉ ማዕከናት ዜና እስራኤል ሓቢረን። ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል ነቲ ዓረብ ዝመበቆሉ ናይ ፈለማ ኣጥቃዒ ኣብ ዝሃደኑሉ እዋን ነቲ ኤርትራዊ ከም ዝቐተሉዎ ካብ ጋዜጣታት እስራኤል ዝተረኽበ ኣፈናዊ ሓበሬታ ይእምት።

ካብቲ ናይ ቶኽሲ ዕግርግር ነብሱ ከድሕን ዝፈተነ ኤርትራዊ ብጥይት ጸጥታ እስራኤል ብኸቢድ ተወቒዑ ኣብ መሬት ምስ ወደቐ፣ ግብረሸበራዊ ዝመሰሎም ሓለፍቲ መንገዲ ብእግሮም እናቐላልዑ ከምዝሃረሙዎን “ሞት ንኣዕራብ” እናበሉ ጡፍ ከምዝበሉሉን liveleak.com ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ጠቒሱ። ነቲ ግዳይ ናብ ሆስፒታል ክወስዱዎ ዝተጓየዩ ናይ ረዲኤት ሓካይም ካብቲ ህዝቢ ተቓውሞ ከምዘጋጠሞም ‘ውን እቲ መርበብ ሓበሬታ የመልክት።

እቲ ግዳይ ኣብ ዝነብረሉ ዝነበረ ከባቢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣማውታ ናይዚ ንጹህ ኤርትራዊ ብግቡእ ተመርሚሩ ብወግዒ ክግለጽ ናብ መንግስቲ እስራኤል ጠለብ ከቕርቡ ኣለዎም።

ኣብ እስራኤል ብቕንያቱ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕግርግር ገኒኑ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ኤርትራውያን ውልቃዊ ጥንቃቐ ከዘውትሩ፣ ነዚ ናይ ሎሚ ፍጻሜ ምርኩስ ብምግባር ከኣ፣ ከም ማሕበረሰብ ተተርኒፎም ብመንግስቲ እስራኤል ውሕስነት ክግበረሎምን ከምዚ ናይ ሎሚ ዝኣመሰለ ተግባር ከይድገምን ክምሕጸኑ ይግባእ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
57 COMMENTS
  • ተወልደመድኅን October 19, 2015

    ንሕና ንባህሪ እስራኤላውያን ዝኾነና እንተኾነና ክንቅይሮ ኣይንኽእልን ኢና።ንሳቶም ኣብቲ ሲኦል ዘለዎ ቦኣት ይነብሩ ስለዘለው፡ክዛረብን ከሰምዕን ምስጀመረ ውላዶም ንዝጠርጠሮ ክቀትልን ክትኩሰሎን’ዩ ዝምህርዎ።ብዘይካ ኡ ከምቲ ኣብ ኩሉ ኦኣለም ዘጋጥም ዘሎ ኣብ ርእሲ ስደተኛ ጽል ኣት’ውን ክህሉ’ዩ ስለዚ ንሕና፡ዝጸረፍና ኣንተጸረፍና ግፍዐናታት ….ካልእ ኣንተበልና ነቲ ናይ ዓመታት ባህሪ እስራኤላውያን ክንቅይር ኣይንኻልን ኢና።ንሕና ክንቅየር ኣሎና።ምኽንያቱ መሰል ናይ ኤርትራዊ ዜጋ ክብሪ መሰረት ገይሩ ምስ መንግስታት ክደራደር ዝኽእል መንግስቲ ይኹን ኣተሓሳስባ መራሕቲ የብልናን።ስለዚ ንሕና ነቲ ክንቅይሮ ዘሎና ምቅያር፡ጸገማት ምእንቲ ክቃለሉ ጉዳይ ምርኣይ ጽቡቕ’ዩ።ክንፈልጦ ዘሎና ኤርትራዊ ጥራይ ኣይኮነን ዝቅተል ዘሎ፡ኤርትራዊ’ውን ይቀትል ኣሎ’ዩ።እዚ ኩሉ ሃገር ምስ ኣን ዘምጸኦ ቅልውላው ስለዝኮነ፡ነቲ ቅልውላው ምፍታህ’ዩ ዝበለጸ።

  • Abdullah October 19, 2015

    መጀመርታ ሰላም ንኩሉኹም ተከታተልቲ ኣሰና
    ኣነ ሙስሊም ኢየ፥ እዚ ዝሞተ ሓውና ብጣዕሚ ደንጊጸሉ
    እቲ ዘሕዝን ግን መጀመርታ መርበብ ሓበረታ ኣሰና ነቲ ነቶም ኣይሁድ ክቀትል ሓሲቡ ዝነበረ ፍልስጤማዊ *ግብረሽበራዊ* ሰሚኩሞ፥፥ ነቶም ቀተልቲ ኣይሁድ ወላውን ነቲ ኤርትራዊ ሓውና ዝቀተሉ ግብረሽበራውያን ኣይበልኩሞምን ፥፥ ብጣዕሚ ኣስደማሚ ዜና ካብ ኣሰና፥ ክቡር ሓው ኣማንኤል እያሱ ካብ መርበብ ሓበረታካ ከምዚ ኣይተጸበናን፥
    ካልኣይቲ ነጥቢ፥ እቶም ኣብዚ ዓምዲ ሪኢቶኩም ጥቡ ዘለኩም ብክብረትኩም ብዘይ ጸርፊ ካብ ኣርእስቲ ከይወጻኩም ክትላዘቡ ይላቦ ብፍላይ እታ ብሽም ልዋም ኢልኪ ትጽሕፊ ዘለኪ እቲ ትጽሕፍዮ ዘለኪ መርኣያ ስድነትኪ ምዃኑ ኣይዘንግዒ

    • awet October 19, 2015

      B kara n selemawi seb ziqetlu palestine ginreshiberawyan iyom iko.

    • wedi golgol October 19, 2015

      Abdullah natka eyu zgerm rieto.gbreshberawi mbal entay tsegem sle zelewo eka kemiu aytsebekun kab assena.com tbl zeleka…..zkone seb zketl zebele gbre shberawi eyu haymanotu bzeyehgeds

      • Alamin October 19, 2015

        Haku eu Abdulahi Kulukhum nai zena makenat papagalo nai mirabawian ekhum

  • tesfay teame October 19, 2015

    ክኖ ሲደት ምሕሳብ የድልየና ኣሎ ኒቲ ዓድና ኣግዲፉና ዘሎ ስርዓት ኢደኢድካ አሊና ነልጊሶ

  • adal October 19, 2015

    Eritrean asylum seeker Haftom Zarhum, 29, reportedly was in Beersheba to obtain his visa

  • adal October 19, 2015

    Eritrean asylum seeker Haftom Zarhum, 29, reportedly was in Beersheba to obtain his visa

  • Aman October 19, 2015

    I was deeply touched and unable to work this morning when I saw the sad video, and given a commpassionate leave for today. Brothers and Sisters, it is not our right or duty to identify or label who is terrorist or not. We all need to do just one and only one thing, lets stand together and get rid of the bunch of losers who are laughing at our misery, PFDJ. The Isreali are acting in revenge for their soldier and the Palastinians are fighting for their right and land. What is my poor brother doing there????

  • lemlem October 19, 2015

    What do you expect from people living unproclaimed war day in and out.It a very sad moment.I hope the government of Israel will admit this terrible mistake.we Eritrean are thankful by the people of Isreal for their hospitality as refugees.Very sad unspeakable

  • hazani October 19, 2015

    Dear brother rest in peace and may God give you in heaven beside good angels. Time to control emotions and blaming anyone will not bring the innocent victim to his loved ones.

    • hazani October 19, 2015

      sorry for my poor English but I mean God keep you with his good angels beside himself.

  • Semir October 19, 2015

    Rip

  • Berhe Tenesea October 19, 2015

    The Eritrean youth is considered as a commodity to be sold for a profit by Bedewins.
    Eritreans after independence are pain.
    We are treated like garbage in many middle eastern country and in racist society of Isreal.
    Eritreans are described as the most abused people on the planet.
    Now no one- the Eritrean people and the mafia regime will ask about him.
    No diplomatic raw will happen regarding this. As far as Iseyas is concerned nothing has happened.
    people who worship Satan,will always have a Diablos called Iseyas, as a greatest reward from hell.

POST A COMMENT