ኣብ ኣንጎላ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ኤርትራ ርእሰማሎም ከውፍሩ ንምእማን ዝፈተነ ዶር ወልዳይ ፍጡር ሕቶታት ገጢሙዎ።
ሓላፊ ማእከል ወፍሪ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዶር ወልዳይ ፍጡር፣ ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት ኣብ ኣንጎላ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ርእሰማሎም ከውፍሩ ንምእማን ፈተነ ‘ኳ እንተካየደ፣ ብሓቂ ናይ ወፍሪ ሃዋህው ዘይምህላዉ ዘቃልዑ ሕቶታት ከምዝገጠሙዎ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም። ንሱ
![](https://archive.assenna.com/wp-content/uploads/2013/12/Dr_weldai.jpg)
ሓላፊ ማእከል ወፍሪ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዶር ወልዳይ ፍጡር፣ ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት ኣብ ኣንጎላ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ርእሰማሎም ከውፍሩ ንምእማን ፈተነ ‘ኳ እንተካየደ፣ ብሓቂ ናይ ወፍሪ ሃዋህው ዘይምህላዉ ዘቃልዑ ሕቶታት ከምዝገጠሙዎ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።
ንሱ ኣብቲ ኣስታት 200 ኤርትራውያን ዝተረኽቡሉ ኣኼባ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ 104 ሰብ ርእሰማል ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ከካይዱ ኣመልኪቶም ከምዘለዉ ገሊጹሎም። ሓያለ ካብኣቶም ሆቴላት ንምስራሕ ዝሓተቱ ክኾኑ ከለዉ፣ ገለስ ወረ ብዓል 5 ኮኾብ ሆቴል ናይ ምህናጽ መደብ ዘለዎም እዮም ክብል ክምስጦም ፈቲኑ።
እንተኾነ እቶም ኣኼበናታት፣ “ኣብ ኤለትሪክ ዘይብሉ ዓዲ ከመይ ኢልና ከነውፍር ንኽእል? ኩሉ ሰብ ዓጢቑ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት እናሃለወ ኸ ሰራሕተኛታት ካበይ ኢና እንረኽቦ? ስለምንታይ እዩ ኸ ዝስተ ማይ ዝሰኣን ዘሎ? ኣንስትና ክንጽበራና ፍቓድ ዘይትህቡወን ከ ስለምንታይ፣ ንምንታይ እየን መውጽኢ ቪዛ ዝኽልኣ ዘለዋ?” ዝብሉ ሕቶታት ኣቕሪቦምሉ።
ዶር ወልዳይ ብወገኑ፣ “ኣመሪካን ወያነን ኣብ ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት ኩነታት ሸሚሞምና ከምዘለዉ ክርድኣኩም ኣለዎ። ዶብና እንተተሓንጺጹ ኩሉ ነገር ክፍታሕ እዩ” ብምባል ነቲ ንዓመታት ዝበለየ ተራ ዘረባ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብጥሪኡ ደጊሙሎም።
90 ሚእታዊት ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ፣ ሰራሕተኛታት ናይቶም ኣብ ዱባይ፣ ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝነበሩ ኣብ ኣንጎላ ግንዘቦም ዘውፈሩ ኤርትራውያን ሰብ ዋኒን ክኾኑ ከለዉ፣ ብናይ ኤርትራ ፓስፖርት ስለዝንቀሳቐሱ ዘይምስታፎም ተቓውሞ ከይምሰል ‘ሞ ዕንቅፋት ከየጋጥሞም ደኣምበር ካብ ህግደፍ ቁምነገር ተጸብዮም ዝተሳተፉ ከምዘይኮኑ እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም።
ER ITRAWIT December 21, 2013
Wey gud, did Weyane stop working because they have problem with Eritrea???? areget shetara nothing can be solve Eritrean problem. hgdef must go the trust gone long time ago!!!!!!! you are invited the people with money what about our brother and sister body from Lambadusa?????? LOOSERS.
Suleiman Salim December 21, 2013
‘tyoPia meryetom gefiH ‘yu:: aqemamTa Eritrea neAna knzngE ayefqdelnan ‘yu::
Awet Nihafash December 21, 2013
Eritrawit
well said, i couldn`t say it better than that… for the last 13 years or more weyane has nothing to do with our problems,,, our people have 1 enemy and it is the dictaterial regim in Asmara
dan December 21, 2013
listen me brothers time is now all. Eritrean people to start revenge over family of general’s and colonel’s that is the only solution.
Suleiman Salim December 21, 2013
anta lieba suq bel!!
andebrhan December 21, 2013
Lets invest in Eritrea. We have the responsiblity and Hdri from Swuat to build our Nation. Swuatna nezanet Amziom Halfom Eyom. Hager khanzu kab mot ktnssu Aykealn Eyu. Hdri nabana gedifomo Halifom. Nenahna ngber. ksto kemzi zeygebere inabelna kemzeymlketena kab Halafnet aynhdem.
NUREDIN December 21, 2013
You cheat me once I blame you, you cheat me twice I blame myself.
ER ITRAWIT December 21, 2013
andebrhan,
“Lets invest in Eritrea” first thing is first Lets free our people from Container,shela,under,villas and Era-ero.!!!!!!!!!
Lilay December 21, 2013
By the way “doctor” is his nickname? Because a doctor can go out with shamefull non sence ideas. Shame to the college which issued him PhD degree if really he is a doctor!
NUREDIN December 21, 2013
The sheet of paper is from Russia.
weygud December 21, 2013
It is a crying shame that this guy is serving the nest vipers for a quarter of his life. It is ludicrous now to beg the business community invest in Eritrea who were once kicked out of their own homeland. Old tricks will no longer work for you, you cannot even fool a kid.
weygud December 21, 2013
It is a crying shame that this guy is serving the nest vipers for a quarter of his life. It is ludicrous now to beg the business community invest in Eritrea who were once kicked out of their own homeland. Old tricks will no longer work for you, you cannot even fool a kid. Why in the world, this man thrown down to the bottom of the power echelon opted for doing errands.
Berhan December 21, 2013
Love you all
Aman December 21, 2013
Business community never venture anywhere, were there is only lose lose situation. They would sniff opportunities before you call them. Eritrea at the moment smells dead. But A Dr with no conscience is no more than a pathetic illiterate. I would not have blamed you for your lack of political calibre but this is supposed to be your main field. Gamblers never learn.
Yonas December 21, 2013
It’s kind of funny seeing welfare recipients question the intelligent of the World Bank trained Dr. It’s one thing to question his allegiance but another to question his intelligence. Let’s grow up people.
hanti Ertra December 21, 2013
yonas
do you value a burning candle with in a thick pot logically?
Meretse Asmelash December 21, 2013
መጀመርያ ሰላም ንኹሉኩም ተከታተልቲ ኣሰና።
ቀጺለው’ን “ርሑስ ቅነ በዓላት ክብል ይፈቱ”
ናይ ሎሚ ሪእቶይ ፍልይ ዝበለት እያ። ምክንያቱ፡ ኣዛ ሓተታ ናይ ዶክተር ወልዳይ ፍጡር ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ዘጋጠመትኒ ናይ ሓቂ ዛንታ ኣላዒለትለይ፡-
ቦታ ኣስመራ። ግዜ ሓጋይ። ሰለስተ ኣዕሩክ ንሓደ ዝገይሽ ዝነበረ ዓርክና ኣብ መዕርፎ ኣውቶቡስ “ሶታዮ” ኣፈኒና ኣብ ምምላስና ኢዩ ዘጋጠመ። ከምቲ ኣቀዲመ ዝሓበርክዎ ጸሓይ መሪራ ስለ ዝነበረት ጽምኢ ጎሮሮ ኣስዓበትልና። ርሑቅ ከይከድና ከኣ ሓደ ካብ መንጎና ማይ እምበር ጸሚእና በለ። ንለባም እምተሉ እዩ። ጁባ ሓደ ዳርጋ ጁባ ኹልና እዩ። ስለዚ ሓደ ካብ መንጎና እሞ ኣብዛ ድሕሪ እንዳ ወዲ ሙዘሎ ዘላ እንዳጽራይ ሓደ ሓደ ዘይንብል በለ።
እንተኮነ እታ ቦታ ኣብ ሾጓሹግ ስለ ዝነበረት፡ ሓደ ካብቶም ኣዕርክቲ፡ ዓርከይ እዚ መንቀራቅሮ መኣስ ፈለጥክዮ? እቲ ገንዘብ ሒዙ ዝነበረ ዓርኪ ከይሓርቀና ገና ንሱ መልሲ ከይሃበ ነቲ ከምኡ ዝበለ ንጎድኒ ደፊእና “ኣፍካ ዘይትዓጹ ንስካ” ኢልና እንዳሰሓቅና ናብታ ቤት-ጽራይ ኣተና። እታ ቤት መልኣ ነበረት።
ጽምኣታን ንምርዋይ ዝዓተርናዮ ዋንጫ ኣብ ምጽጻው እንከለና ሓደ ጋሻ ኣተወ። ንሱ ናብታ ቤት ዘምጽኦ ከምቲ ናትና ምክንያት ኣይነበረን። ከምኣጋጣሚ ኾይኑ ኣቲ ዛኣተወ ጋሻ ኣነ ኣቐዲመ ኣብ ካልእ ከተማ ዝፈልጦ ብምንባረይ ብውሽጠይ ስንብድ ኢለ ኣሎኹ። ዝኮነ ኮይኑ ንሱ ደሓንዶ ዊዒልኩም ከይበለ ኮፍ በለ። ስሙ ሚኪኤለ እዩ።
ሚኪኤለ ብትውልዲ ኣብኡ ጥልያን ብኣዲኡ ከኣ ሓበሻ እዩ። ሰባት ከይሕርቅዎ ምስ ዝመርጹ “ሚኪኤለ ወዲ ባሻይ ሃብተ” ኢሎም ይጽውዕዎ። ሚኪኤለ ኣብኡ ጽቡቅ ጌሩ ስለዝፈልጥ እዛ መጸውዒት እዚኣ ኣይፈትዋን እዩ። “ሚኪኤለ ወዲ ባሻይ ሃብተ” መልሱ ክልተ ግዜ “ኣይኣቦይ እባ” እዩ። ሳልሳይ ግዜ ዝጸውዔ ግን ብትግሪና ኣይተወጻኣለን ብእንግልዝ the “f” word ይብልዋ። እዚ ንሓጺር ሌላ ምስ ዋና’ታ ታሪክ ከላልይኩም ስለዝደለኩ እየ ኣልዒለዮ።
ሚኪኤለ ድሕሪ ኮፍ ምባሉ ሓደ ካብቶም ኣብኡ ዝጸንሑ ንዓና ክመስል ዓደሞ። ንሱ ግን ነቲ ዕድመ ርእሱ የማነ ጸጋም ብምዝዋር መለሶ። እንተኮነ ድሕሪ ኣፍታ ሚኪኤለ እዚ ዝስዕብ ገበረ። ንሱ ካብ ጅብኡ ሓንቲ ጥራሓ ባኮ ናይ “ኢድያል ሽጋራ” ከምኡ’ውን ባኮ ኣብ ርእሲኣ ሓንቲ ናይ “ምንም ግዜ ብርሃን”( EverReady Battery) ኣቀመጠ።
ግምቱ ኣይትስሕቱን ነበረ። ግን ከኣ ዅሉ ኣይተረደኦን። በዚ ምክንያት ገለ ሰባት እንታይ እዩ ዝገብር ዘሎ? ኢሎም ሓተቱ። ርሑቅ ከይጸናሕና ሓደ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣቦ ከምዚ ክብሉ ኣፎም ፈትሑ።
ኣቱም ደቀይ! ነዚ’ስ ጽሉል እኮ ትብልዎ ትኾኑ? ብልሒ ጽሉል እንብሎ እንተከቢዱናስ ንሕና ኢና ጽሉላት እምበር ንሱ ኣኣይኮነን።
ስለዚ፡- እታ ግድል እዛ ትሪኢዋ ዘሎኩም ባኮ ሽጋሮ ጥራሓ እያ። ኣብ ርእሲኣ ከኣ ድሙ ኣላ። ድሙ ኩሉ ግዜ ጸጊባ፣ ጠምያ፣ ኛው… ኛው… ኛው… እያ ትብል። እዚ ውሕሉል ልመና እዩ። ስለዚ ‘ዞም ደቀይ። ኣብ ክንዲ ኣፉ ከፊቱ ምእንቲ ማርያም ሽጋራ ወዲኤ ዝብል ኣብ ክንድኡ እታ “ድሙ ኛው…ኛው…ኛው ትብለሉ፡ ኣላ ኢሎም መለሱ።
ስለዚ፡ ሎሚ ኢሰያስ ገንዘብ ወዲኡ ዓቅሉ ምስ ጸበቦ ኣብ ፎቆዶ ከተማታት “ደማሙ ሊኢኩ ኛው…ኛው…ኛው ክብል ይረኤ ኣሎ”
ወዮ ደኣ ንሕና ዘይሃብናዮ ስም ከነሕድጎ ዘይከኣል ኮይኑ እምበር ኣብ ተጋባርስ ዶክተር ዎልዳይ ፍጡር ምስ ፍልጠቱ ዝዝመድ ስራሕ ኣኣይኮነን ዝሰርሕ ዘሎ። ዋና ስርሑ ሎሚ ከምዘመልክቶ ስራሕ ደማሙ እዩ። ሰብ እኮ ሰብ ዘብሎ ብተምሳል ሰብ ጥራሕ ኣይኮነን። ሰብ ክብሃል እንከሎ ዋና ነገሩ ስራህ ሰብ ምስ ዝሰርሕ እዩ። በዚ ምክንያት እምብኣር ኣብ ክንዲ ዶክተር ዎልዳይ’ስ ፡- “ዎልዳይ ድሙ” መጥዓመሉ
MightyEmbasoyra December 21, 2013
Meretse,
Interesting point and entertaining as well !
Meretse Asmelash December 21, 2013
Thanks MightyEmbasoyra!
I guess sometimes we need a little smile.
Tamrat Tamrat December 22, 2013
መጀመርያ ሰላም ንኹሉኩም ተከታተልቲ ኣሰና።
መጀመሪያ ሰላም ለኹሉም ኣሰና ተከታታዮች።
ኢትዮጵያውያኖችና ኤርትራውያኖች በሰላም የሚኖሩበት ሰዓት ናፈቀኝ። ያቀን እስኪመጣ የምንመሳሰልበትን እንጂ የምንለያይበት ላይ እንዳላተኩር ፈጣሪ ይርዳኝ።
ER ITRAWIT December 22, 2013
Tamrat Tamrat,
AMEN!!!!!!!!!