Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሰንኪ ሸለልትነት ሰራሕተኛታት UNHCRን ARRAን ብዙሕ ዕንቅፋት የጋጥሞም ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቶም ብሰንኪ ኣዕናዊ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ናብ ስደት ኣምሪሖም ኣብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ሸለልትነት ሰራሕተኛታት UNHCRን ARRAን ብዙሕ ዕንቅፋት የጋጥሞም ከምዘሎ ምንጭታት ካብ`ቲ ሃገር ሓቢሮም። እዞም ኣዴታትን ህጻናትን ዝበዙሑዎም ስደተኛታት ኣብ

እቶም ብሰንኪ ኣዕናዊ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ናብ ስደት ኣምሪሖም ኣብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ሸለልትነት ሰራሕተኛታት UNHCRን ARRAን ብዙሕ ዕንቅፋት የጋጥሞም ከምዘሎ ምንጭታት ካብ`ቲ ሃገር ሓቢሮም።

እዞም ኣዴታትን ህጻናትን ዝበዙሑዎም ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ዝሰኣኑዎ ሕጋዊ መስርሕ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤታትን ዝተፈላለዩ ካልኦት ጉዳያትን ንምስላጥ ኣብ ኤምባሲታት ቆጸራ ሒዞም፡ እቲ ዘድልዮም ናይ ስደተኛ ናይ ድጋፍ ወረቓቕቲ ካብ ቤት ጽሕፈታት UNHCRን ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ስደተኛታት (ARRAን) ብግቡእ ኣብ ሰዓቱ ንኸይረኽቡዎ እቶም ሰራሕተኛታት ዕንቅፋት ይኾኑዎም ስለዘለዉ፡ ናይ ኤምባሲ ቆጸራታት ይሓልፎምን ጉዳዮም ይተኣጓጎልን ምህላዉ እቶም ምንጭታት ይሕብሩ።

ኣደታት ደቀን ሒዘን ካብ ርሑቕ ሰፈራት ብለይቲ ገስጊሰን ኣብ’ቲ ቤት ጽሕፈታት ናይ’ዞም ዝተጠቕሱ ትካላት ብምብጻሕ ሪጋ ሰሪዐን ዋላ`ኳ ክጽበያ እንተዋዓላ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ዘይግደሱን ዘይሓላፍነታውያንን ብሙዃኖም ብመንጽር እቲ ሪጋ ሒዙ ዝጽበዮም ኣዝዩ ብዙሕ ስደተኛ ተጊሆም ስለ ዘይሰርሑ፡ ከይሰለጠን ከምዝምለሳን ንጽባሒቱ ድማ ናብ’ቲ ቦታ ክምለሳ ከም ዝግደዳን፡ ብኸምዚ ኣገባብ ብዘይ ዋላ ሓንቲ ፍረ ንወርሒ መመላእታ ዝተመላለሳ ኣደታት ከምዘለዋ ይገልጻ” ክብሉ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ የረድኡ።

ብምኽንያት እቲ UNHCRን  ARRAን) ብሓባር ኮይኖም ዘካይዱዎ ዘለዉ ካብ ዝጅመር 2ተ ኣዋርሕ ዘሕለፈ ቆጸራ ስደተኛታት ማለት ምሕዳስ ዳታ Revalidation ኣብ`ቲ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈታት ዝተኸስተ ምዕልቕላቕ ስደተኛታት፡ ተጉላባነት ናይ’ቶም ሰራሕተኛታት ተሓዊስዎ መሊሱ ከምዝብኣሰን ዋላ ነታ መንበሪ ፍቓድ ንምሕዳስ ኮለል ከምዘብሉዎምን ውን ተፈሊጡ’ሎ።

እቶም ኣብ መዓስከራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ብተመሳሳሊ ናይ ኤምባሲታትን ምቱርጓም ዶኲመንታትን ኣገልግሎት ንምርካብ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንኽመጹ በቶም ኣብ ደገ ዝቕመጡ ቤተ-ሰቦም ዝስደደሎም ናይ ቆጸራታትን ናይ ፕሮሰስን ወረቓቕቲ ኣብ ሳዓቱ ስለ ዘይበጽሖምን እንተበጽሐ ውን ኣብ’ቲ ቤት ጽሕፈታት ስለ ዝዕበጥ ናይ ኤምባሲ ቆጸራ ከምዝሓልፎምን ካልኣይ ግዜ ቆጸራ ንምሓዝ ከምዝሽገሩን ንጉዳይ ወረቐቶም ክሓቱ ናብ’ቲ ቤት ጽሕፈታት ምስዝኸዱ ድማ ግቡእ መልሲ ኣይረኽቡን ጥራይ ዘይኮነ ተዋሪዶምን ተጸሪፎምን ከምዝወጹ ይገልጹ።

ብዘይካ`ዚ ኤምባሲ ጀርመን ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ቪዛ ንኽህብ ብ UNHCR ዝዳሎ ፍሉይ ናይ ጉዕዞ ሰነድ (travel document) ስለ ዝሓትት፡ ስደተኛታት ነቲ ሰነድ ደልዮም ናብ ቤት ጽሕፈት UNHCR ምስከዱ እታ ነዚ ናይ ሰነድ ጉዳይ ሒዛቶ ዘላ ኣሰፋሽ ዝተባህለት ሰራሕተኛ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘለዋ ውልቃዊ ጽልኢ መበገሲ ብምግባር፡ ብግቡእ ከምዘይተስተኣናግዶምን ውርደት ኣሰኪማ ከምትሰዶምን ህጻናት ዝሓዛ ኣዴታትን ኣረገውትን ሓዊስካ ብዙሓት ስደተኛታት ዓው ኢሎም ከምዘማሩሩዋ ተፈሊጡ ኣሎ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ቪዛ ዝሓረረን ኤርትራውያን ኣዴታት ከምዘለዋ እቶም ምንጭታት ይገልጹ።

እቶም ካብ’ቲ ቦታ ነዚ ሓበሬታ ዝሰደዱልና ምንጭታት “ሕጂ ውን እዚ ሽግራት’ዚ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝጣበቐሉ ዘይብሉ ኤርትራዊ ስደተኛ ብኸም’ዚ መልክዑ ይቕጽል ከምዘሎን፡ እናባኣሰ እንተኸይዱ ድማ፡ ኣብ ቀጻሊ ብድምጽን ስእልን ዝተሰነየ ጸብጻብ ከነቕርብ ኢና” ክብሉ ተመባጺዖም ኣለዉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ንዘምለጡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ ምዕቋብ፣ ነቶም ከም ግብጺ ካብ ዝኣመስላ ሃገራት ናብ ኤርትራ ናይ ምጥራዝ ሓደጋ ዘጋጠሞም ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምቕባል ዘርኣዮ ሰናይ ተግባር ዘይካሓድ ኳ እንተኾነ፣ እቶም ስደተኛታት ግን ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ምምሕዳራዊ ጸገማት ከምዘጋጥሞም ብተደጋጋሚ የማርሩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Sara July 28, 2016

    it is worst in fact i wonder if the government intervene it will be better. it is nightmare………..rent collectors…they hide papers,….fax…..

  • k.tewolde July 28, 2016

    It resembles like the story of the Jewish people leaving Pheroah’s Egypt without the Red Sea in the way.They desperately need an Eritrean Moses to take them back to the promise land to dethrone the Eritrean Pheroah. Unfortunately,the victims still have a soft heart for the Pheroah and God is taking his time.

  • Mogos July 29, 2016

    Eritreans always complaining and crying about everything and about everyone else. The world does not owe you anything in fact you the people of Eritrea are pain and only trouble to the whole world since you became a nation. Learn fast to stand on your own feet without blaming others or expecting hand outs from the outside world. You wanted to be a free people and free nation and now that you got it you don’t know how to manage it or leave alone.

    • emanuel July 30, 2016

      shame on you Mogos! How do you stand up when there is no ground to stand on?

  • Tarikh July 29, 2016

    Dearest Amanuel
    . It’s very good to be objective and bring the news from every angle and all across. But you can’t pretend to be engaged in neutral and even handed journalism. To my knowledge, you are a fighter for justice, human rights and democracy and a very formidable one at that. Mine and I sincerely believe yours too primary enemy is or should be HGDEF.
    I know there are elements including from within the resistance who would falsely want to portray you as a lackey of weyane. This of course is an outright lie and we know you are a man of the people.
    Many will try to distract you. So you can lose your focus. because what you do is so effective and you strike where it pains most. I know our people are suffering every where they happen to be but let’s stay focused on the source of all our problems. With respect

Post a Reply to emanuel Cancel Reply