ኣብ ናይ ገዛ ምሕዩር ዝርከቡ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ፣ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታን ወከልቲ ሲኖዶስን “ብጌጋይ ተጣዒሰ” ኢሎም ክፍርሙ ዳግም ንዝቐረበሎም ሕቶ ድሕሪ ምንጻጎም፣ ቴሌፎኖም ከምዝተሓድጉ ምንጭታት ሓቢሮም።
ካብ ቅድሚ 10 ዓመታት ኣቢሎም ብዘይ በደል ከም ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤተርስትያን ካብ ዝነበሮም መዓርግ ብሓይሊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን መጋበርይኡ ዝኾኑ ኣባላት ሲኖዶስን ድሕሪ ምውራዶም ኣብ ናይ ገዛ ምሕዩር ዝርከቡ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ፣ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታ እቲ ምልካዊ
ካብ ቅድሚ 10 ዓመታት ኣቢሎም ብዘይ በደል ከም ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤተርስትያን ካብ ዝነበሮም መዓርግ ብሓይሊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን መጋበርይኡ ዝኾኑ ኣባላት ሲኖዶስን ድሕሪ ምውራዶም ኣብ ናይ ገዛ ምሕዩር ዝርከቡ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ፣ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታ እቲ ምልካዊ ርዓትን ወከልቲ ሲኖዶስን “ብጌጋይ ተጣዒሰ” ኢሎም ክፍርሙ ዳግም ንዝቐረበሎም ሕቶ፣ ትማሊ 30 ነሓሰ 2016 ድሕሪ ምንጻጎም፣ ቴሌፎኖም ከምዝተሓድጉ ምንጭታት ሓቢሮም።
ልኡኻት ናይቲ ስርዓት፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ብስም ዕርቂ ዝጀመሩዎ ምንቅስቓስ ብተደጋጋሚ ከካይዱዎ ዝጸንሑ ርክባት፣ ንትማሊ ሰሉስ 30 ነሓሰ ብዝገበሩዎ ቆጸራ መሰረት፣ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ፣ ጌጋ ከምዝገበሩ ብምእማን፣ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሲኖዶስ ዘብጽሑዎ ውገዛ ከልዕሉ ኳ ኣጥቢቖም እንተሓተቱዎም፣ ንሶም “ሎሚ ኣይፍርም ጽባሕ ኣይፍርም፣ ኣብ ቃለይ ጸኒዐ ኣለኹ” ብምባል ንሕቶ ናይቶም ልኡኻት ከምዝነጸጉዎ ብምርግጋጽ፣ ከም መቕጻዕቲ ቴለፎኖም ኣሕዲጎም ኣብቲ ናይ ገዛ ማሕዩር ከምዝገደፉዎም እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም።
ኣስዒቦም እቶም ምንጭታት፣ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ፣ ብዕድመ ደፊኦም ኣብ ርእሲ ምህላዎም ሕዱር ሕማም ‘ውን ከምዘለዎም ብዝኽኻር፣ እቲ ስርዓትን ልኡኻቱን ዝገብሩሎም ዘለዉ ቀጻሊ ጸቕጢ ንጥዕናዊ ኩነታቶም ከየብእሶ ሻቕሎቶም ገሊጾም። መራሕቲ ሃይማኖትን መእመናንን ጸሎት ክገብሩሎም ድማ ጸዊዖም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ምስ ልኡኻቱ ተመሻጢሩ፣ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ፣ “…ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ዝገበርክዎጌጋ ምዃኑ እናገለጽኩ ንቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንን ንቅዱስ ሲኖዶስን ብልቢ ይቕሬታ እሓተሉ ኢሎም ” ብምባል መደናገሪ መግለጺ ብምውጻእ ናብ መዝንቶም ከምዝተመልሱ ዝሃቡዎ ሓበሬታ ሓሶት ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት፣ እንተላይ ኣህጉረ ስብከታት መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዘውጽኡዎ ወግዓዊ መግለጺ ኣረዲኦም እዮም።
ንሳቶም፣ ይቕሬታ ክሓትቱ ዘለዎም እቲ ስርዓትን እቶም ብኢደ ወነኖም ዝተሸሙ ጳጳሳትን እምበር፣ እቶም በደል ዘይነበሮም ግዳይ ዓመጽ ዝኾኑ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ከምዘይኮኑ ኣብሪሆም። እቲ መስርሕ ብሓቂ ዕርቂ ክኸውንን ህዝቢ ክቕበሎን እንተደኣኮይኑ፣ ከም ሳልሳይ ኣካል ዝዕዘብን ዝምስክርን ዝሽምግልን ነጻ መንጎኛ ክሕወሶ ይግባእ ከምዝነበረ ‘ውን ኣገንዚቦም።
Berhe Tensea August 31, 2016
This shows how much Iseyas is disrespectful to to the Tewahdo church and its entire followers..who keep tolerating his actions always.
Death to the Tembenay.
k.tewolde September 1, 2016
HEGDEF’S Eritrea, I wouldn’t be surprised if they coronated the tyrant as archdiocese of the church,making him the official Czar of the nation.
Wedi Hagher September 1, 2016
Abune Antonious is an Eritrean national hero.
May our Lord extend his life to see the end of the tyrant and his fascist clique.
Nsane September 1, 2016
Ezom Papas haw Bitweded Abraha koynom ysmeuni alewu.
Chirchir abede HGDEF ms COI mktsalu eyu.
Abona Amlak tienakum halyu sikaykum ktsoru yhagzkum
Kidane mariam September 1, 2016
wala keytegageu tegagie elom teferemu nab botome tetemelsu hezebome temerehu ezi kresetinawie hiwet betegbar eu. Ente nsekum etom neguday Papas megaberia geyrekum nhezebi fahebeten tetewelom zelekum amlake fahe beten yetewelekum yekewen. Tarike nay abotatena bedileka keykoneka keybedeleka yeqereta mehetate eu geremana. Abona kea bxelotomen bmehrete Amlaken enbre benatekum geseret poletican seytanawie hasabaten aykoneun zefetuhun zeeserun.
Daniel September 1, 2016
Hawey nateka dea kemey deya ..neabenet abe kedemi Kehadi negestat christenaka kehade emmo keytemewet bedehriu christenaka tekesel …ezia dea kabta meskel wey mekera mehdam eya…tegageye eloms mestemelesu ke beti hakegna chrestenawi akayeda ne hezbom kemerhu yefkedelom do yekonu kelu be poletica teray eka tetemet zelekamo Ayni lebonaka yekfetelka
mulugeta September 1, 2016
kab seb zdeli kem cherqi ybeli dyu zbehal , ftah kab egziabher eyu zmetsi egziabher nzteasru mewatsio yfterelom enber nay hgdef dea gber aytgber mkuana nfeltaeina zeesr zeygeberka yasruka dehar bedelka aminkado bedileye bel kenewtsaka eyu zerebaom, negziabher zferh nsebat zekbr merahi yhabena fetari ,
ዳኒ September 1, 2016
ንፈጣሪ እንለምኖ አብ ሓገርና ቅሳነት፥ሰላም፥ስደት ከብቅእ ካብ እግዚአብሔር ስለዝረሀቅና’ዩ እዚ ኩሉ ሽግርን መከራን ዝመጸና ዘሎሞ ልብና እንክፈቶ ናብ አምላክና እንቅረብ።
solomon September 2, 2016
we’re very proud of you Patriarch Antonius for standing for your moral value courageously and fearfully. Your’re a true servant of Christ, just like our fathers the Apostles. You will be remembered in all Orthodox Churches for many generations.