Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ መወዳእታ: ብህግደፍ ዝእሰር ሰብ መን’ዩ?

ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ፡ ሰባት ምእሳር፡ ምቅታል፡ ጉዳያት ተወንዚፎም ግዜ ክበልዑ፡ ካብ ስራሕ ምብራር፡ ምድስካል፡ ካብ ሓላፍነት ምውራድ፡ ሽመት ምዕዳን ምብዋዝን ኣዝዩ ዝቀለለን ልሙድን’ዩ። ሓደን ቀንድን ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡

ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ፡ ሰባት ምእሳር፡ ምቅታል፡ ጉዳያት ተወንዚፎም ግዜ ክበልዑ፡ ካብ ስራሕ ምብራር፡ ምድስካል፡ ካብ ሓላፍነት ምውራድ፡ ሽመት ምዕዳን ምብዋዝን ኣዝዩ ዝቀለለን ልሙድን’ዩ። ሓደን ቀንድን ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ካልእ ሰብ ስልጣን ስለዘይብሉን ነጥቢ ስርዓት ዝብሎ ሕጊ ስለዝጠፍአን’ዩ። ኣብ ኤርትራ፡ ምዕዳል ሽመት፡ እቲ ሓላፍነት ዝወሃብ ሰብ ብዘለዎ ቅንዕና፡ ተወፋይነት፡ ፍልጠትን ብቅዓትን ዘይኮነ ዝምዘን፡ ንስርዓት ህግደፍ ብቀንዱ ድማ ንኢሳያስ ክሳብ ክንደይ እሙንን ጉምብሕ ጥልዕ ይብል’ዩ። ኣብ ስጊንጢራዊ ኣሰራርሓ ህግደፍ፡ ካብ ሚኒስተር ምክልኻል ናብ ከንቲባ ኣስመራ፡ ካብ ኣምባሳደር ናብ ሚኒስተር፡ ካብ ካድር ህግደፍ ናብ ኣማሓዳሪ ዞባ፡ ከምኡ’ውን ዝነበርካ መዓርግ ተመንጢልካ “ክሳብ ትምደብ ኣብ ገዛኻ ጽናሕ” ምባል ልሙድ’ዩ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝዓበየ ክውስንን ቃሕ ዝበሎ ክፍጽምን መኒኻ ዝብሎ የለን፡፡ ኣብ ስርዓት ህግደፍ፡ ሰባት ስለምንታይ ይእሰሩ፡ ብኣባላት ጸጥታ ምስተመንጠሉ ኣበይ ኣትዮም፡ ስለምንታይ ካብ ስርሖም ይባረሩ፡ ኢሳያስ ጥራሕ’ዩ ብንጹር ዝፈልጦን መልሲ ዝህበሉን። ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ጽቡቅ ይኹን ሕማቅ፡ ብዘይካ’ቲ ብመራኸቢ ብዙሓን ህግደፍ ዝወሃብ ቁንጣሮ፡ ዝንቡዕን ወትሩ ሓደ ዓይነት ሓበሬታን፡ ዝበዝሕ ኣብ ጎደናታት ጥራሕ’ዩ ብቤላበሎው ዝውረን ሰባት በብዝመስሎም መደምደምታ ዝህብሉን። ንኣብነት ፕረሲደት ኢሳያስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ወይ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ምስ ዓበይቲ ሰብ መዚ ኣብ ዝራኸበሉ እዋን፡ እቲ ካብ ድሕሪ ናጽነት ኣትሒዙ ዘይተቀየረ ኣዝዩ ድሩት ሓበሬታ፡ “ክቡር ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ መራሒ እገለ ተራኺቡ፡ ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ተመያይጡ” ዝብል ዜና’ዩ ዝዝርጋሕ፡፡ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዓቢኡ ሰላምን ዝብላዕን ስኢኑ’ኳ እንተሎ፡ ንጉዳዩን መዓልታዊ መነባብሮኡን ዝምልከት ንጹርን እዋናውን ሓበሬታ ክረክብ’ውን ዝተሓረመ’ዩ። ካልእ ኣብነት፡ ዓመታዊ ባጀት፡ ወጻእን ኣታውን ናይ ኤርትራ ካብ ህዝብና ሕቡእ’ዩ፡፡ ካብ ዕደና ክንደይ ኣታዊ ተረኺቡን ኣብ ምንታይ መዓላ ውዒሉን፡ ኢሳያስን ሓደ ክልተ ንሱ ዝኣምኖምን ሰባት ጥራሕ’ዮም ዝፈልጥዎ። እዚ ግሉጽነት ዘይብሉ ኣሰራርሓ ድማ ንብረትን ገንዘብን ሃገርን ህዝብን ክትሰርቅን ከተጠፋፍእን ርሒብ ማዕጾ ዝኸፍት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀት’ውን ዘነጽር’ዩ።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ክብ ኢሉ ዝተጠቅሰ፡ ኣብ መዋእል መግዛእቲ ህግደፍ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ሰባት ክኣስር እንከሎ ብተደጋጋሚ ዝህቦ ዘይወግዓዊ መግለጺ፡ “ንሃገር ከዲዖም፡ ንብረት ኣጠፋፊኦም፡ ጉቦ በሊዖምን ኮብሊሎምን” ዝብል’ዩ። ተርእዮታት ብልሽውናን ምጥፍፋእ ንብረትን፡ ኣሽምባይዶ ተቆጻጸሪ ኣካልን ሕግታትን ኣብ ዘይብሉ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብተን ብምዕቡል ስርዓተ-ሕጊ ዝመሓደራ ሃገራት’ውን ዝኽሰት’ዩ። ብመሰረት ቅዋማተንን ሕግታተንን ድማ፡ እቲ ሓደራ ህዝብን ሃገርን ዝጠለመ ሰብ፡ እንተላይ መራሒ ሃገር ማለት’ዩ፡ ብሕጊ ይፍረድን ይቅጻዕን። ብሓጺሩ ተራ ሰብ ይኹን ላዕለዋይ በዓል ስልጣን፡ ሕጊ ኣኽቢሩን ተማእዚዙን ክኸይድ‘ ምበር ስልጣኑ ተጠቂሙ ሕጊ ክጉዕጽጽን ልዕሊ ሕጊ ክኸይድን ኣይክእልን’ዩ። ኣብ ስርዓት ህግደፍ፡ እዚ ዝተጠቅሰ ኣሰራርሓን መሳልልን ስለዘየለ፡ ከሳሲ፡ ኣሳሪ፡ ፈራዲ፡ ቀታሊ፡ ፈታሒ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ስለዝኾነ፡ ስለምንታይ ኢልካ ምስእትሓትት መልሱ፡ እቲ ናይ መዋእል ገድሊ ኣሰራርሓ “ምስጢር ክትፈልጥ ህርድግ ኣይትበል፡ ኣይምልከተካን’ዩ” ጥራሕ’ዩ። ወይ ድማ “ሞታ ዝኣኸለት ኣድጊ ኣፍንጫ ዝብኢ ትሽትት’ዩ’’ ዕድልካ። ከምቲ ሓባል በልያ ከይትቅድመኪ ዝተባህለ፡ ስርዓት ህግደፍ ንገዛእ ርእሱ፡ ሰራቂ፡ ብሕጊ ዘይምዘዝ፡ ብገበን ዝተጠላቀየ፡ በላዒ ጉቦ እንከሎ፡ ንኻልኦት ሰባት “ሕጊ ጥሒስኩም ወይ ንብረት ኣጠፋፊእኩም” ኢሉ ክውንጅልን ክኣስርን ሓላፍነት የብሉን ጥራይ ዘይኮነ ሕጋዊ’ውን ኣይኮነን።

ብስርዓት ህግደፍ፡ ሰባት ክእሰሩን ክቅተሉን እንከለዉ ከነስተውዕለሉ ዝግብኣና ኣገዳሲ ጉዳይ ግን ኣሎ። ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ፡ ብዘይካቶም “ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሃዲምኩም፡ ካብ ኣሃድኹም ኮብሊልኩምን ደቅኹም ኣህዲምኩምን” ኢሉ ብገንዘብን ብጉልበትን ዝቀጽዖም “እምቢ ንግዱድ ዕስክርና” ዝበሉ መሳኪን ኤርትራውያን፡ እቶም ኣብ ክብ ዝበለ ሓላፍነት ተመዲቦም ክሰርሑ ዝጸንሑ ሰባት ክእሰሩ እንከለዉ ብባዶ ሰለስተ(ቤላበለው)፡ እገለ ተኣሲሩ እገሊት ካብ ቤታ ብኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ተወሲዳ፡ ገለ ገለ እዋን’ውን እገለ ተፈቲሑ ይስማዕ’ዩ። ብዘይካ’ቲ ነቶም ሰባት ንምጽላምን የዋሃት ንምድንጋርን ህግደፍ ኮነ ኢሉ ዘልሕኾ ግጉይ ሓበሬታ፡ ምኽንያት መዳጎኒ ሰባት እቲ ዝኣሰረ ኣካል ክምልሶ ስለዘለዎ፡ ብንጹርን ኣፍካ መሊእካን ክትዛረብ ጸገም’ዩ። እንተኾነ፡ ካብ ልሙድ ጠባያት ህግደፍ መደምደምታ ንምሃብ ኣየሸግርን’ዩ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ካብቶም ኣብ ዓለምና ብህርፋን ስልጣን ዝዓወሩ ውሑዳት፡ ህዝቢ ሓላፍነት ሃገር ዘይሃቦም ፉንፉናት መራሕቲ’ዩ። ኢሳያስ ኣብ ስልጣኑ ዝቃጸጾ ወይ ዝወዳደሮ፡ ዝቃወሞ፡ ምስ ድሌቱ ዘይሰማማዕ ንምዕባለን ድሕነትን ህዝቢ ርእይቶ ዝህቦን ካብኡ ንላዕሊ ብኻልኦት ፍቱዉ ሰብ እንተተቀልቂሉ፡ ቀሲኑ ስለዘይሓድርን ዓይኑ ደም ስለዝመልኦን፡ ነቲ ሰብ ከይውዓለ ከይሓደረ ብዘይ ፍርዲን ብሕቡእን ክሸርቦ ኣለዎ። ገለ ካብ እከይ ጠባያት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ንዝጻብእዎን ዝቃወምዎን ሰባት ምጥፋእ ጥራይ ኣይኮነን፡፡ ካብኡ ንላዕሊ ክእለትን ህቡብነትን ዘለዎም ሰባት፡ ብቀጥታን ብተዘዋዋርን ሞራሎም ንምውዳቅን ናይ ምግባር ዓቅሞም ንምድኻምን ዘይፍሕሶ ገመድ የለን። ኢሳያስ፡ ናይ ካልኦት ሰባት ሕሰምን ውድቀትን ክርኢ እንከሎ ሓጎስን ዕግበትን ስለዝስምዖ፡ ሰባት ካብ ስራሕ ኣግሊሉ ኣደዳ መስተን ዝሙትን መስሓቅ ሰብን ክኾኑ ደስ’ዩ ዝብሎ። እከይ ተግባራቱን ምስጢራቱ ከየምልቁ ዝጠርጠሮም፡ ንዝቀንኣሎም፡ ንዝወዳደርዎን ሃነጽቲ ሓሳባት ንዘመንጨዉን ሰባት ንምጥፋእ ዝጥቀመሉ ሜላታት ድማ፡ “ብጸላኢ ተቀቲሉ፡ ብሕማም ተሰዊኡ፡ ሰሊሙ/ሃዲሙ፡ ሃለዋቱ ጠፊኡን ስጉምቲ ተወሲድዎን” ዝብሉ’ዮም። በዚ ኣገባብ’ዚ፡ ኢሳያስ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ካብ ዝድይብ ክሳብ ሕጂ ይኽተሎ ዘሎ ኣዕናውን ምጽናት ሰባትን ሜላታት፡ ካብ ገጽ ዓለም ዝጠፍኡን ሓመድ ዝበልዖምን ንጹሃት ኤርትራያውን እንተዝቁጸሩ ብዝሖም ክንደይ ምኾነ? ይዋእያ ዝወለደት ኣደን ብዘይ ኣቦን ኣደን ዝዘኽተሙ ህጻናት። ናብቲ ኣቀዲመ ዘልዓልክዎ፡ “ኣብ መወዳእታ፡ ብህግደፍ ዝእሰር ሰብ መን’ዩ?” ዝብል ሕቶ ክምለስ። ሎሚ ወይ ጽባሕ፡ ሓለንጊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝባኑ ትወድቆን ኣብ ማሕቡስ ዝኣቱን ሰብ መን’ዩ ኢልካ ምትንባይ ኣጸጋሚ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ቀረባ መጻኢ፡ ኣቦ መንበር ምእሳርን ምቅታልን ኢሳያስ ክኸውን ከምዘይክእል ፍሉጥ’ዩ። ህግደፍ ብክዉንን ብጠቀነን ሰባት ምእሳር ክቅጽል’ዩ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ሰባት ንዝተወሰነ እዋን ተጠቂሙ ምስመነዎም፡ ክኣስር፡ ክጉሕፍ፡ ገበን ፈጺሙ ተባሂሉ ተኣሲሩ ወይ ደስኪሉ ዝነበረ ሰብ መዓርግ ተዋሂብዎ ዳግማይ ክምደብ ቀሊል’ዩ። ሚኒስተር፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት፡ ሓላፊ ስለያ ወይ ጸጥታ፡ ላዕለዋይ ካድር ህግደፍ፡ ኣምባሳደር፡ ጳጳስ/ሸኽ፡ እሙን ሓላዊ ኢሳያስን፡ መርዛም ኢድ ኢሳያስ ረኺባቶ፡ ደስኪሉ ወይ ነቲ ስርዓት ጠንጢንዎ ሃዲሙ ክንሰምዕ እንከለና ክንግረም የብልናን። ናይ ግዜ ሕቶ እምበር፡ ኢሳያስ ነታ ናይ ገዛ እስርቲ በዓልቲ ቤቱ ሳባን ደቁን ክኣስር ዝዓግቶ ሕጊ ይኹን ሕልና የብሉን። ናይ መወዳእታ ሕልሚ ኢሳያስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ማእሰርቲ ምስተወርወረን ናብ ስደት ሃጽ ምስበለን ዝእሰር ሰብ ኣይክህሉን’ዩ። ንሕና ምስጸነትና፡ እቲ ኣብ መውዳእታ ብህግደፍ ዝእሰር ሰብ “ኢሳያስ’ዩ” ኢልና እንተመሊስና ግን፡ ንዓና ኤርትራውያን ሕፍረትን ስዕረትን’ዩ። ንምንታይ’ሲ፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ፡ ምቅታል፡ ምእሳርን ስደትን እግሪ እግርና እናስዓበ እንከሎ፡ ስለምንታይ ኢና “ጽባሕ’ከ መን’ዩ ግዳይ ስርዓት ህግደፍ ዝኸውን” ኢልና ኢድና ኣጣሚርና ንጽበ?

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ(24 መጋቢት 2017)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • k.tewolde March 24, 2017

    That is a billion dollar question Tsilal that every Eritrean need to answer. However,your depiction of abu sheneb and the oppressive machine he devised over the years against the patriotic and naive people of our nation is infallible,your number one fan,K.T.

  • PH March 24, 2017

    እቲ ቀዳማይ እሱር ዳሕረዋይ እሱር ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ።ኣቀዲሙ ብደም ዝጨቀወ ኣእሙሮ ሃገር ብሃገራ ናብ ዓባይ caserma ዝቀየረ ኢሰያስ ኣብ ሓጹር carcelli (ዓዲ-ሓሎ) ከም ስነ-ኣእሙሮኢኣዊ ሑሙም ንበሎ መንቀኛ ብዘየገድስ ኢቶም ጥዑያት ኢና ንብል ኣብቲ ጽላለቱ ንዘውር ኢዩ ዘሎ ኢቲ ጸገም።

    • Eyob Tesfay March 25, 2017

      PH, K.Tewolde,
      You guys are like two clown people who stole a camel and dress it in donkey costume and try to take it to their hide way through the middle of the town pretending everybody bought their amateur gimmicks. Your corrupt and barbaric ELF gimmicks didn’t and WILL NOT work again.
      .
      Two wrongs doesn’t make a right. Similarly, in our poor unfortunate Eritrea two evil gedlis of EPLF and Islamic ELF have not made life right at all!
      What is wrong and evil is simply wrong and evil, no matter how much you decorate it.

      • k.tewolde March 25, 2017

        Eyob, I can empathize with your Ghedliphobia, it is a new phenomena which surfaced with the unintended outcome of the liberation struggle because we lived majority of our lives with institutionalized views not the individual,that is the reason why an individual opinion is still labeled as EPLF or ELF. Those organizations with their positive and negative roles they played are long gone.We live in a free world where an individual opinion is labeled as progressive,democratic,liberal,conservative etc…the individual was subdued in Eritrea for decades wearing a uniform and blending with the rest and assumed the character one person -the tyrant.If we are going to go somewhere,we need to break the mold.And this is not a gimmick,but a harsh reality.

        • k.tewolde March 25, 2017

          continuation- and this is my exclusive opinion not a group with my name on it cannot be printed or reproduced. Hope one day we get there,our home will feel like home again.

  • Simon G. March 24, 2017

    ህዝቢ ኤርትራ ጌጋ መፍትሕ ተሸኪሙ ዩ ዝጓዓዝ ዘሎ። እቲ መፍትሕ: ናብቲ ናይ ማዕጾ ቀዳድ ክኣቱ ኣይከኣለን። ስለዚ: ጸገምና ክንፈትሕ: መፍትሕና ንቐይር!

    • Eyob Tesfay March 25, 2017

      Simon G.
      Your main and major problem is that you have been fighting relentlessly to get a master key for your Akeleguzay only and not for the whole of Eritrea.
      I believe it was Amanuel Eyassu who rightly said ‘azaribom yezaribuKa’, if you only put the whole of Eritrean people as your priority to save then there is no need of changing keys.

      • Sol March 26, 2017

        Tekhlay
        Whatever name you use you are one and the same person whose mission is promoting the divide and rule agenda of the socially sick dictator. You were spreading religious hate for long time now you moved to the region card which are the same tools that DIA systematically used to absolutely control power during geeky era and after independence.

  • Danilo March 25, 2017

    I think we have to use the bullet. i.è made in Adal ….Tegorba Aabay !

    • Ghirmay March 25, 2017

      Indeed, old habits die hard, or more like “amel mis meginez” describes you perfectly.
      Danilo aka adhanom, andom, alem, Sol, Mohammed, Khalid just to name a few for Wedi Saho. Do you get bored that easily with one pen-name or is it just to confuse people or is your old Yemeni/Saho shiTara getting the better/worse of you loser man!
      Let’s hope that when you say ‘we have to use the bullet’, you don’t mean the bullet of a moslem terrorist Jihad bullets made in Afghanistan or Somalia!!!!
      Eritrea has only two enemies who are existential threats to it’s survival and they are: PFDJ with those who sanitize its crimes and your moslem parrots who work hard day and night against the interest of Eritrea. The rest would be weeded out in a short time.

      • Danilo March 26, 2017

        Girmay, who gives you a dummy to your junk Halewlow. Be aware that you are dealing with hate. If you are looking division among others you are loosing consciousness.

  • Sol March 26, 2017

    Mr GeLe Mele
    As I told you many times this web site assenna will not be a platform for insults of the regime’s sell outs like you, it will remain a voice of the voicless.

    • Danilo March 26, 2017

      Dear sol. Mr. Halewlow will not going anywhere. he is doing giro tondo exactly like bimbo Lezaei

  • AHMED SALEH !!! March 26, 2017

    Nefahito
    We heard your provocation hundred
    times . A good example to say
    “amel ms megnez” fits you well .
    Eritrean issue is Eritreans business
    either we support or oppose does
    not concern our common enemies .
    So take the hike and get lost .

Post a Reply to Danilo Cancel Reply