Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ መሰረታዊ-ለውጢ ዝተመርኮሰ ምትእኽኻብ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር፡ ሰናይ

ይዝከረኒ ብ2000 ዓ.ም. G13 ሓደ ደብዳቤ ናብ ኣቶ ኢሳያስ ኣብ ዝጻሓፈሉ ግዜ፡ “መሰረታዊ-ለውጢ ወይስ ጽገና” (Fundamental Or Cosmetic Change) ዝብል ሓደ ዓንቀጽ ብእንግሊዝኛ ጺሒፈ ነይረ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ከማሓላልፎ ዝደለኹ መልእኽቲ፡ “ናብ ኣቶ ኢሳያስ ደብዳቤ ብምጽሓፍ

ይዝከረኒ ብ2000 ዓ.ም. G13 ሓደ ደብዳቤ ናብ ኣቶ ኢሳያስ ኣብ ዝጻሓፈሉ ግዜ፡ “መሰረታዊ-ለውጢ ወይስ ጽገና” (Fundamental Or Cosmetic Change) ዝብል ሓደ ዓንቀጽ ብእንግሊዝኛ ጺሒፈ ነይረ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ከማሓላልፎ ዝደለኹ መልእኽቲ፡ “ናብ ኣቶ ኢሳያስ ደብዳቤ ብምጽሓፍ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ- ለውጢ ኣይርከብን” ክብል ስለ ዝደለኹ ኢዩ ነይሩ። ከምቲ ዝበልኩዎ ድማ ኣሽንኳይዶ ለውጢ ክርከብስ፡ ነቶም ደብዳቤ ሒዞም ዝኸዱ ኤርትራውያን ምሁራት እኳ ብግቡእ ከዘራርቦም ኣይከኣለን።

እዚ ናይ መሰረታዊ-ለውጥን ጽገናን ሕቶ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ሞትን ሂወትን ሕቶ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት ተቓሊሱ፡ሓፍ ዘይብል መስዋእቲ ከፊሉ፡ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ኣፍርዩ። ኣይኮነን ንዓና ንኤርትራውያንስ፡ ንሕብርተሰብ-ዓለም ዘስደመመ ስርዓት ኢዩ። እዚ ምሒር ጨካን፡ ህዝቢ ዘጥፍእ ዘሎ ስርዓት ብመሰረቱ ኣብዚ ምዕቡል ግዜ’ዚ ክፍጠር ዘይግብኦ ኢዩ።

እሞ ሕጅ’ውን ከም ብሓድሽ ሀ-ኢልና ቃልሲ ጀሚርና። እኖሆለይ ዛጊድ ን22 ዓመታት መሪር ቃልሲ ነሕልፍ ኣሎና። ምስኪን ህዝቢ ሕጅ’ውን ሓፍ ዘይብል መስዋእቲ ይኸፍል ኣሎ። ንዓይ ካብ ስርዓት ህግደፍ ክሃድም(ክትሃድም) ኣብ ሲናይ ምድረ-በዳ ብበደዊን ኰላሊቱ(ታ) ዝሰኣነ(ት) ኤርትረዊ(ት) መስዋእቲ ኢዩ። ካብ ማእሰርትን መግረፍትን ስርዓት ኢሳያስ ክሃደሙ በማኢታት ኣብ ፎቖዶ ባሕርታት ዝጣሓሉ ዕሸል መንእሰያት ከቢድ መስዋእቲ ኢዩ። ተቓዊምካ ወይ ተዛሪብካ ተባሂሉ(ተባሂላ) ኣብ ዒራ-ዒሮ ቤት-ማእሰርቲ ዝምወት(ትመውት) ዘሎ(ላ) ኤርትራዊ(ት) መስዋእቲ ኢዩ። ከምኡ’ውን ኣይንረስዕ፡ ካብ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዞም ይሕመቕ ይጸብቕ፡ ይሓይል ይድከም ኣብ ቅደመ ግንባር ዝስውኡ ዘለው ተጋደልቲ’ውን መስዋእቲ ኢዩ። ስለ’ዚ ሕጅ’ውን ከም ናይ ትማሊ ሓደ ዲክታተራዊ ዘይኮነ፡ ሓደ ፍትሓውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ክትከል ስለ ዘለዎ ኢዩ። ሓቂ ክንዛረብ እንዀይኑ፡ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ባዕዳዊ መራሒ ዝነበረ ወጺኡ፡ ብሓደ ሃገራዊ ግን ከኣ ህልም ዘበለ ጸረ-ህዝቢ ዝኾነ ዲክታተራዊ መራሒ ኢዩ ተተኪኡ። ሓንቲ ባዕዳዊት ዝነበረት ባንደራ ድማ ብሓንቲ ሃገራዊት ባንደራ ተተኪኣ። ካሊእ ከም ስርዓት መጠን ህዝቢ ብሰላም ዝነብረሉ፡ ናብርኡ ዝማሓየሸሉ ስርዓት ከም ዘይኰነ፡ ሎምስ ልብም ዝበሉ ደገፍቲ እቲ ስርዓት እውን ከይተረፉ ዘይኽሕድዎ ኢዩ። ሓቂ ክንዛረብ እንተ ኾይኑ፡ ስርዓት ህግደፍ  ኣስመራ ምስኣተወ  ሓሙሽተ ዓመት ከይመልኤ ደኸ’ኮነን ህዝቢ ኣስመራ “ደርግ ይሓይሽና” ዝበሎም።

ክቡራት ኣንበብቲ! ስለምንታይ ኢየ ድኣ ሎሚ’ኸ ደጊመ ብዛዕባ መሰረታዊ-ለውጥን ጽገናን ክጽሕፍ ሃቂነ? እዚ በጺሕናዮ ዘሎና መድረኽ ኣዝዩ ተኣፋፊ ኢዩ። ዳርጋ ሃገርና ሎሚ ኣብ ሓደ ቀራና መንገዲ በጺሓ ክበሃል ይከኣል። እቲ ወድዓዊ ኩነታት ኣዝዩ በሲሉ፡ እቲ በዓል-በታዊ ኩነታት ድማ ኣዝዩ ድሒሩ ይርከብ። ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ህዝብና ጭቆና መሪርዎ፡ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ በቢዘለዎ ክልዓዓል ይረኤ።መንእሰያትና ኣብ ሙሉእ ኩርናዓት ናይ ዓለም ባዕሎም ንለውጢ ክልዓዓሉ ክትርኢ ኣዝዩ ተስፋ ዝህብ መድረኽ ኢዩ። እንተ ኾነ ግን እዚ ህዝባዊ ምልዕዓል’ዚ ብግቡእ ክትሓዝን ክእለን ኣለዎ ይመስለኒ።

መስከረም-ነት እውን ከም ልማዱ ሓደ ብዛዕባ መሰረታዊ-ለውጥን ጽገናን ዝምልከት ሓደ ዘሕፍር ገለ ክልተ መስመራት ጺሒፉ። ምዃን’ኳ ሎምስ ዝኾነ ተቓዋሚ ኤርትራዊ እዚ ሰብ’ዚ ሓደ መሳርሒ ናይ ህግደፍ ምዃኑ ፈሊጥዎ ኢዩ። ንኾነ ግን ከምዚ ዘስዕብ ፎርሙላ ኢዩ ኣቐሚጡ፤

“መሰረታዊ ለውጢ = ብናይ ግዳም ኢድ-ኣእታውነት፡ ኣብ ታንክታት ወያኔ ተወጢሕካ ክመጽእ ዝደለ ዘሎ ለውጢ
ጽገና= ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራን ህግደፋውያን ኣሕዋትናን ኣሕትናን ዝረዓሙዎ፡ ንኹሉ ዘሳተፈ፡ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝብገስ ሰላማውን ህዱእን ቁዋማዊ ለውጢ”

ብርግጽ ንውዲ ጀነራል ጎትኦምን ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍን ሓቶ መሰረታዊ-ለውጥን ጽገናን ኣገዳሲ ኣይኮነን። እንተ ተኻኢሉስ ብዘይ ጽገና’ውን ስርዓት ህግደፍ ከም-ዘለዎ ክቕጽል ኢዮም ዝደልዩዎ። ስለዚ በረኣእያን ሕልናን እዚ ሰብ’ዚ ካብ “ብኢትዮጵያ ከም ጎረበት ሃገር ተሓጊዘካ መሰረታዊ-ለውጢ፡ ጽገና ይሓሽ” ኢዩ ዝብለና ዘሎ። ንህዝቢ ኤርትራ ግን ከምቲ ኣቐድም ኣቢለ ዝጠቐስኩዎ ሕቶ መሰረታዊ-ለውጥን ጽገናን ናይ ህወትን ሞትን ጉዳይ ኢዩ።

ናይ መስከረም-ነትን ስርዓት ህግደፍን ስዓብቱን ኣይምገረመናን። እቲ ዘገርም ንስርዓት ህግደፍ ዝቓወሙ ተቓወምቲ ባእታታት ጽሑፋቶም ኣብዚ ወብ-ሳይተ’ዚ ምስቃሎም ኢዩ። እዚ ወብ-ሳይት’ዚ ኮ ድኽመትን ዕንወትን ጠቕላላ ተቓወምቲ ውድባትን ስልፍታታትን ኤርትራ  ዝምነ፡ ካብ ምሕዝነት ጀሚርካ ስጋብ ሃገራዊ ባይቶ ንድሞክራስያዊ ለውጢ ዝተገብረን ዝግበርን ጉባኤታት ድኽመትን ፍሽለትን ዝመነ መሳርሒ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነ ኢንተርነት መርበብ ኢዩ። በንጻሩ ድማ ናይ ስርዓት ህግደፍ ጽቡቚነት ሃሰስ(እንተ ኾነ ድኣ እናሳኣነ’ምበር) እና በለ ከይደቀሰ ዝሓድር ሰብ ኢዩ።

ኣብ ቦሎኛ ዝተኻየደ ጉባኤ’ውን ሪኢናዮን ሰሚዕናዮን። ካብ 90 ዘይበዝሕ ህዝቢ ዝተኻፈሎ። እዚ ከረድኣካ ዝኽእል ንህዝቢ ዝጠቅም ፖለቲካዊ መደብ ስለ ዘይብሉ፡ ህዝቢ ክድግፎ ኣይካኣለን። ኣብ መጨረሻ ከኣ ፈሺሉ ክበሃል ይከኣል። ናይ መደበር መስከረም  ይኹን ናይ ቦለኛ ተሳተፍቲ ሓንቲ ናይ ሓባር ዓላማ ኣላቶም።ንሳ ድማ “ኣብ ኢትዮጵያ  ኮይኖም ንስርዓት ህግደፍ ዝቃለሱ ኣትሪርካ ምቅዋም”  እትብል ኢያ። እዚኣ ድማ ንገዛእ-ርእሳ ፖለቲካ ኣይኮነትን። እንታይ ድኣ ናይ ህግደፍ “ንተቓወምቲ እተዳኽም ተባሂላ ዝተማህዘት” ፕሮፖጋንዳ ኢያ። እዛ ዝኣረገት ፕሮፖጋንዳ ሒዞም ኢዮም ብተቓወምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ጉድለታት ሃሰስ ክብሉ ዝውዕሉን ዝሓድሩን ዘለው።

ብመሰረቱ ስርዓት ህግደፍ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ግጭት ክኣቱ ዝገበሮ፡ ጉዳይ ዶብ ኣይኮነ ገለ ኣይኮነ። ኣብ ቁጠባ ዝተመስረተ ምስሕሓብ ኢዩ። ድሕሪ ዅናት ግን ስርዓት ህግደፍ ዘስግኦ ብኢትዮጵያ ዝድገፉ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ሓይልታት ኢዮም። እዛ ነጥቢ እዚኣ ብቐላል ትረኤ ኣይኮነትን። ስርዓት ህግደፍ ነዛ መስኮት እዚኣ ክዓጹ ዘይፍንቅሎ እምኒ የለን። ኩላትና ከም እንፈልጦ ኣብ ሱዳን ኣዒጽይዋ ኢዩ። ነዛ ተሪፋ ዘላ መስኮት ንምዕጻው ኢዩ’ምበኣር ስርዓት ህግደፍ ብተዘዋዋሪ በዞም ጉጅለታትን ባእታታትን ዝቃለስ ዘሎ። እዛ ሓንቲ መቃወሚት ባይታ ምስ ተዓጽወት ድማ ናብ ስርዓት ህግደፍ ኢድካ መሃብ ማለት ኢዩ። ኣብ ኤውሮጳ ወይ ኣሜሪካ ኮይና ድና ክንቃለስ?እወ! ልክዕ ኢዩ። “ሕጅ’ኸ ተቓወምትና እንታይ ኣፈሪዮም?” ዝብል ሕቶ ከም ዝሕተት ብሩህ ኢዩ። ግቡእ ኢዩ ድማ። እዚ ነጥብ’ዚ ጸኒሐ ክመለሶ ኢየ።

እንደገና፡ እዞም ጉጅለታትን ባእታታትን እዚኣቶም  ንኢትዮጵያ ከም ሓንቲ ጸላኢት ሃገር ይሪእዋ። እስከ ነዚ ሕቶ’ዚ ብስምዒት ከይትዓብለልና ብሳይንሳዊ መንገዲ ማለት ብስነመጎት ንርኣዮ። መጀመርያ ኢትዮጵያ ክብሉ ከለው ነየነይቲ ኢትዮጵያ ኢዮም? ነታ ብዘበነ ሃጸይ ሃይለስላሴን ደርግን ዝነበረት ኢትዮጵያ ድዮም ወይስ  ነታ ናይ ሎሚ  ናይ ዘበነ ኢህኣደግ ኢትዮጵያ? ብርግጽ እታ ብግዜ ሃይለስላሴን ደርግን ዝነበረት ኢትዮጵያ፡ እቶም መንግስታት ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ነይሮም። እቲ ህዝቢ ግን ከም ህዝቢ መጠን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣይነበሩን። እዚ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ ይኹን ህዝቢ ግን ፈታዊ ህዝቢ ኤርትራ’ምበር ጸላኢ ኣይ ኮነን። ቅድም-ቅድም እዞም ሎሚ መንግስቲ ኣቚሞም ዘለው ሰልፍታት ዳርጋ መብዛሕትኦም ኣብ ግዜ ቃልሲ ከለው ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝደገፉ ኢዮም። ብፍላይ ህዝባዊ ግንባር ምስ  ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ምሕዘነት ፈጢሮም ብሓንሳብ ተሓጋጊዞም ንደርግ ኣወዲቖምዎ ኢዮም። ድሕሪ ናጽነት’ውን፡ እዚ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ ንኤርትራ ቀዳማይ ከም ሃገር ዝኣመነላ መንግስቲ ኢዩ። በቲ ፍትሓዊ ኣረኣእያኡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ምኽንያት ድማ ብገለ ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ብዙሕ ሽግራት ኣጋጢምዎን የጋጥሞ ኣሎን። ኰይኑ ግን  ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት እቲ ዘይቅዱስ ኵናት ኣጋጢሙ። እቲ ኵናት ከመይን መን ከም ዝጀመሮን ኩላትና ንፈልጦ ኢና። ምትንታኑ ኣየድልን። ድሕሪ ኵናት እውን ሓቂ ክንዛርብ እንተ ኮይኑ፡ እዚ መንግስቲ’ዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ኣረኣእያ ኣይተቐየረን። ብዘይ ገለ ገደብ ስደተኛታትና ሓንጎፋይ ኢሉ ይቕበል ኣሎ። ንብዙሓት መንእሰያትና ኣብ ሃገሮም ዘይረኸብዎ ናይ ትምህርቲ ዕድል ይህብ ኣሎ። እሞ ሰማዝሃገርኩም ከመይ ገርና ኢና ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መንግሰቲ “ጸላኢ” እንብሎ? ስርዓት ህግደፍ ስለ ዝጸልዎ ንጽላኣዮ እንተ ኮየኑ ካሊእ ነገር ኢዩ። እምበኣረይ ህዝቢ ዝኣስርን ዝቐትልን ዘስድድን ዘሎ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ስርዓት ህግደፍ ኢዩ። ገለና’ውን መንግሰቲ ኢትዮጵያ ዶብ ንኽሕንጸጽ ፈቓደኛ ዘይምኻኑ ንወቕሶ። ልክዕ ኢዩ፡ ዶብ ምሕንጻጽ ኩላትና ኢና እንደልዮ። እሞ እንተዘይ ኮነ’ኸ? ንዓይ ዶብ ምሕንጻጽ ቀዳመነት ኣይኮነን። ቀዳምነት ንዓይ ህዝቢ ዘህልቕ ዘሎ ስርዓት ምእላይ ኢዩ። ዶብ ዊዒሉ ሓዲሩ ምሕንጻጹ ኣይተርፎን። ኣብ ዝኸዶ የብሉን። ህዝቢ ምስ በረሰ ግን ኣይርከብን። እኳ ድኣ ኣብ ኤርትራ ሓደ ፍትሓውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምስ ተተኽለ ዶብ ንምሕንጻጽ ቀሊል ይኸውን። ኢትዮጵያ’ውን ኣብ ምትግባሩ ሰጋእ እትብል ኣይመስለንን። ኣብ ዓለምና ብዙሓት ጎረባብቲ ሃገራት ናይ ዶብ ግጭት ኣናሃለን ንብዙሕ ዓመታት በሰላም ዝነበራን ዝነበራን ኣለዋ። ከም ሓድ-ሕድ ጸላእቲ ግን ኣይረኣኣያን። በዚ ኮይኑ በቲ ግን ኣብ ኤርትራ ዶብ ብምሕነጻጽ ስርዓት ህግደፍ ክእለ ኣይኽእልን። ኣይሕግዝን ከኣ።

ካሊእ፡ ካብ ተቓወምቲ ደምበ’ውን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝወርድ ወቐሳ ኣሎ። ንሱ ድማ ገለና “መንግሰቲ ኢትዮጵያ እተወፍዮ ዘላ ሓገዝ፡ ከምቲ ስርዓት ህገደፍ ንተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ እትሕግዞ  ኣድማዒ ኣይኮነን። ዘየስርር ዘየምውት ኢዩ” ንብል። ገለና ድማ “ኢትዮጵያ ካብ ሓገዝ ሓሊፋስ ኣብ ጉዳይና ኢድ ተእቱ ኣላ” ድማ ንብል። እዚ ወቐሳታት’ዚ ነንሕድሕዱ ዝገራጮ ኢዩ። ኣየናይ ኢዩ እቲ ሓቂ? ኣነ’ኳ ሓቂ-ሓይሽ ኣብ ሓቂ ዝተመርኮስ ወቐሳ ኣይ ጸልእን። ኢትዮጵያ’ውን ኣብ እትገበሮ ሓገዝ ጉደለት ክህልዋ ይኽእል ኢዩ። ግን ንሕና’ኸ ከም ተቓወምቲ መጠን ድኽመትና ንእመን ዲና? ኢትዮጵያ ኮ ነገራውን ፖለቲካውን ሓገዝ ኢያ ከተወፍየልና እትኽእል’ምበር ክትቃለሰልና(ክተዋገአልና) ኣይኮነትን። ዝኾነ ኮይኑ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎና ኣረኣእያ ውድዓውን መትከላውን ክኸውን ይግብኦ።

ክቡራን ኣንበብቲ! ነዛ ‹ሕፍቲዚኣ ክጽሕፍ ዘገደደኒ፡ ለማቕነ ኣብ ተቓውሞ ደምበና ሓደ  ኣዎንታዊ ምንቅስቓስ ስለ ዝተዓዘብኩ ኢዩ፡፡ እዚ ድማ እቲ “ምትእኽኻብ  ተጋደልቲ ናይ ህዝባዊ ግንባር ነበር” ዝብል ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ናይ ምትእኽኻብ ተጋደልቲ ተጋደሎ ሓርነት ኤርትራ ነበር እንድግፎ፡ ነዚ’ውን ዮሃና ኢልና ንደግፎ። ከምኡ ድማ  ናይ ውዲ ባካሮን ውዲ ትካቦን ንጥፈታት  ኣዝዩ ዘሐጉስ ኢዩ። ነገር ግን ቁሩብ ዘሰክፍ እቲ ናይ መሰረታዊ-ለውጥን ጽገናን ጉዳይ ኢዩ። ከምቲ ወለዱ ተኽለ ኣብ ጽሑፉ ዝጠቐሶ፡  (ሽሕኳ ውልቀ-ሰባት ኣብ ጽሑፈይ ክጠቅስ ድስ ዘይብለኒ እንተኾነ)፡ ከም በዓል ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ካብ መጀመርታ ስጋብ ሎሚ ጸረ-ደሞክራሰውያን ዝነበረን ከምኡ ድማ አሰፋወ ተኸስተ ብግልጺ “ስርዓት ህግደፍ ክወድቕ የብሉን” ዝብልን ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ምእታው ንጸገና ምስጣሕ መለት ኢዩ። ስለዚ ዘየሰክፍን ዘየጠራጥርን ኣይኮነን። ከምቲ ረድኢ መሓሪ(ኣለና) ኣብ “ምትእኽኻብ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር” ዘስፈሮ ናይ ውልቀሰባት ግዝያዊ ተግባራትን መንነትን ክንመሚ ክንክእል ኣለና። ተዘይኮነ፡

ካብ ታሪኽ ንመሃር’ምበር  ብታሪኽ ኣይንነብርን፡ ብርግጽ ታሪኽ ተመኩሮ የስንቐካ ኢዩ። ታሪኽ መሃሪ ኢዩ።የማዕብለካ ድማ። ከም ስርዓት ህግደፍ “ኣነ ታሪኽ ዝሰራሕኹ ኢየ” እናበልካ ብሕሉፍ ታሪኽ ንምንባር ምፍታን ግን ባዶ ጃህራን ስንፍናን ኢዩ። እወ! ስርዓት ህግደፍ ሕጅ’ውን ካልኦት ውድባት ከም ዘይተቓለሳ፡ “ኣነ ኢየ ናጽነት ዘምጻኽልካ። ኣሜን ኢልካ ተገዛእ” ኢዩ ዝብሎ ዘሎ ንህዝቢ ኤርትራ። እሞ እዚ መድረኽ’ዚ ብጥንቃቔ ክትሓዝ ዘለዎ ተኣፋፊ መድረኽ ኢዩ። ብሓፈሻዊ ኣበሃህላ “እዚ ድኣ ኣብዚ ውድብ’ዚ ዝነበረ እንድዩ” ዝበሃለሉ ግዜ ኣይኮነን። ተኸኣኢልካን ተኸባቢርካን ነዚ ዝበርስ ዘሎ ህዝባና ምድሓን እንጣራነፈሉ መድረኽ ተበጺሑ ኢዩ። ኣብ ጽባሕ ናጽነት ዝስለፉን፡ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ዝስልሙን ሃገራውያን ክህልው ናይ ቃልሲ ባህሪ ኢዩ’ሞ “ኣበይ ነይሩ ኢዩ” ክንብል የብልናን። እንጓዓዘሉ ዘሎና መንገዲ፡ መንግዲ መሰረታዊ-ለውጢ ክኸውን ከም ዘለዎ ጥራይ ከንጥንቀቕ ኣሎና።

ባጋጣሚ ነዛ ጽሑፈይ ክጽሕ ከሎኹ፡ እቲ ኣብ ዓሎም ውሩይ ተቓላሳይ ፕረሲደንት ነልሰን ማንደላ ካብዛ ዓለም ብሞት ሰለ ዝተፈልየ፡ ካብ ልቢ እናሓዘንኩ ኢየ። ብርግጽ ብሂወት ንዘላኣለም ዝነብር ሰብ የለን። ነገር-ግን እቶም ኣሸሓት ነብሳት ዘጥፉኡን ክነብሩ ደሓን ዝኾኑ መራሕቲ ክሓለፉ ግን ቁሩብ የሕዝነካን የሕርቐካን። ብዝኾነ ንህዝቢ ደቡብ አፈሪቃ ጽንዓት እምነ።

 

ዓወት ንሱር-ነቀል ለውጢ

ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ.

 

ኣድሓኖም ፍትዊ

06-12-2013

Comment: A.Fitiwi1993@kpnmail.nl

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • daniel tomas December 7, 2013

    It is OK for a group from one province or ethnic group like Kunama to establish a party but a concern when ex EPLF fighters try to do the same thing? sickness. This is the main reason there is no hope with PFDJ and Opposition. No tolerance or respect.

  • Efrem Mengisteb December 7, 2013

    I agreed with your well articulated points. Radical changemust come to the Eritrea. PFDJ formed one man rule with absolute power that repressed the mass .In doing this the dictator established security apparatus and false allegations which prolong its administration by creating division between factions and the entire people.
    The initiatives that has been carried out at the early years of post independence to install polical institutions had been lost because of the PIA’s deliberate dreadful act.Since then the country’s polical process has been deteriorating and nearly dying. Generally speaking our nation will be failed state unless we act swiftly.

  • Letina Habtom December 7, 2013

    Ato Fitwi well said, but why tegadelti mahber while the life of most Eritrean had gone down to the ditch because of their deeds with their making the dictator devil of the earth. What if they join the existing opposition organizations and let the heart of all of us healed with time and work together to save our country in this critical moment. God Save Eritrea…Amen.

  • FESEHA WOLD December 7, 2013

    I agree with you 100%. Please keep posting such informative article. Eritrean gov’t supporters are working hard to divert our attention from the gov’t caused real crisis to some imaginary foreign caused crisis. They want “Ethiopian threat” to be priority. It is good that you addressed thia issue in an honest and realistic way.

  • Generation 'Y" December 7, 2013

    I think Eritrea has to come out to a new chapter after the fall of this dictatral regime . It was the responsibility of the former EPLF /PFDJ members and leadership that we are in a deep shit .

    I don’t see any value the contination of ” Hezbawi Genbar ” any more . The power has to be transfered to the people and the former fighter can participate in the new parties as indivials but not any more as EPLF .

    We have to move to a new chapter !!!!!

    • daniel tomas December 7, 2013

      how are you different from PFDJ?

  • Abel December 7, 2013

    ኸበርካ ኣድሓኖም፣
    ርእይቶካ ብዘይ ሕብእብእ ምቅራብካ የድንቕኻ።
    ኣብ ጽሑፉኻ ዘይሰማምዓሎም ሓደ ሓደ ነጥብታት ስለዘለዉ ርእይቶይ ብቕንዕና ክትቅበሎ ተስፋ ይገብር።
    “እዚ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ ይኹን ህዝቢ ግን ፈታዊ ህዝቢ ኤርትራ’ምበር ጸላኢ ኣይኮነን”
    ብሓቂ እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጽያ ፈታዉ ህዝቢ ኤርትራ ድዩ? ከምቲ ዝበልካዮ ከ ንስደተኛታትና ይገብረሎም ኣሎ እዩ? ከምኡ እንተኮይኑ የሕዋትና ስለምንታይ ንደገ ወጽኦም ሽግሮም ኪገልጹ ፈቲኖ? ኣብኡ ከኣ ዘጋጠሞም ተከታቲልካዮ ትከዉን ኢለ ኢየ ዝኣምን። ምናልባት ኣራ ኢዮም ትብል ትከዉን ግን ብመንግስቲ እዉን ዚተገብረ ብወገነይ ኣይሰማዕኩን።

    ንዉልቀ ሰባት ኣልዒልካ ኪጽሕፍ ከምዘይትደሊ እናገልጽካ ንበዓል ኣቶ ዓንደብርሃንን ዶር ኣሰፋዉን ኣልዒልካ ዘይዲሞክራስያዉያን ኪትብል ገሊጽኻዮም። ከምኡ ዘበለካ ምክንያት ኪህልወካ ዪክእል ይከዉን ግን ኣካላት ናይ ህግሓኤ ከም ምኻኖም መጠን ምስቲ ስርዓት ተመሳሳሊ ብህሪ ኪህልዎም ይክእል ይከዉን እንተኮነ ጊን እዞም ሰባት ኣካይዳ ናይቲ ስርዓት ስለዝተቓወዱ ዶ ኣይኮነነ ነታ ዘፍቅርዋ ሃገሮም ራሕሪሖም ኣብ ስደት ዝነብሩ ዘለዉ። ነዞም ሰባት ዘይዲሞክራስያዉያን ኢልካ ነቲ ንልዕሊ 50 ዓመት ዝተደኮና መንፈሳዉያን ማሕበር መንእሰያት ፍኖተ ብርሃንን እንዳ ስላሴን በጋሚዶታት ብምልእክ ዝደፈረን ንብረተን ዘቓጸለን ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ሃገርና ኮነ ካልኦ እምነታት ዘይተኣደነ ገበን ዝገበረ መሓዮዲን ሸንገብ ደኣ ስለምናታይ ኪትዛረበሉ ዘይደለካ።
    ስለዝስ ብዝተካእለካ መጠን ሚዛናዊ እንተትከዉን ጽቡቅ ነይሩ ይብል።

  • Godamat December 7, 2013

    What an idiot!

  • Abrhet December 7, 2013

    Dear Adhanom

    Well articulated, we really need a radical change and reforms. Though sometimes radicalism can have its negative effects but in our case it is an absolute necessity.

  • Godamat December 7, 2013

    The problem with seb awassa is they don’t feel shame when they openly lie. This fool is atempting to paint Woyanie as saints here.

    The border dispute is solved by a final and binding verdict, meaning Woyanie is siting on another nations sovereignity. There is no other logic behind this. But this idiotic writer seems to be bending so low for woyanie and he doesn’t seem to feel shame whatso ever

  • Dawit Meconen December 7, 2013

    Mr. Adhanom Ftwi,

    Obviously you are one of those woyane Trojan Horses and thus what you have scribbled is nothing but eulogy for your inferiority complex stricken master, woyane.

    We all know Ethiopia does not have government but only Western countries proxy, woyane, ruling the people by a power of Western countries guns.

    Woyane, you said, is a friend of Eritreans but we all know it was woyane who, 1995, long before 1998 war, by a power of a gun,forced Eritreans, to leave the area of residence, Badme . The people appealed for Isaias Afewerqi’s help but he refused to budge, a proof that the border skirmishes woyane was staging against Eritreans was the result of woyane-Isaias conspiracy.

    What about the hundreds of thousands of Eritreans woyane deported from every corner of Ethiopia in 1998 , after expropriating their properties and stashing their bank accounts, and in a manner that exceeded the crime of the Nazi fascists committed on the Jews? You must be abysmally ignorant, or the epitome of sellouts to say woyane is a friend of Eritreans but again, I do not expect any better from the so called ‘opposition’, I mean the woyane Trojan Horses.

POST A COMMENT