Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብርሃም ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ስልጣን እንተመሪጽካ ንዕርበትካ ሓጥያት እንተፈሪሕካ ንድሕነትካ

ኣብርሃም ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ስልጣን እንተመሪጽካ ንዕርበትካ ሓጥያት እንተፈሪሕካ ንድሕነትካ ዝኸበርካ ኣብርሃም ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣቀዲመ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘለካ መዓርግን መዝነትን ብወግዒ ስለዘይፈልጦ፡ “ኣብርሃም” ኢለ ምጽውዐይ፡ ይዝንጥለካን የነኣእሰካን ከይህሉ ይቅሬታ ግበረለይ። ሰማዕቲ ወይ ኣንበብቲ’ውን፡ “ካብ ጸባ ዘይተረኽበስ ካብ ማ’ጨባ”

ኣብርሃም ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ስልጣን እንተመሪጽካ ንዕርበትካ ሓጥያት እንተፈሪሕካ ንድሕነትካ

ዝኸበርካ ኣብርሃም ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡

ኣቀዲመ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘለካ መዓርግን መዝነትን ብወግዒ ስለዘይፈልጦ፡ “ኣብርሃም” ኢለ ምጽውዐይ፡ ይዝንጥለካን የነኣእሰካን ከይህሉ ይቅሬታ ግበረለይ። ሰማዕቲ ወይ ኣንበብቲ’ውን፡ “ካብ ጸባ ዘይተረኽበስ ካብ ማ’ጨባ” ከምትብሉኒ ኣይስሓትኩን፡ ንምንታይ’ሲ ከምቲ እቲ ገባርን ሓዳግን ኢሳያስ ብብዙሓት ተማዒዱ ለውጢ ዘየርኣየ፡ ኣሰር ናይ ወላዲኡ ክኽተል ዝሸባሸብ ዘሎ ሓንጫል ወዱ’ውን ተገኒሑን ተመኺሩን ዝመጽእ ቁምነገር ለዘየለ። እንተኾነ መን ይፈልጥ፡ “ኣብርሃለይ ናብ ልብኻ ተመለስ፡ ኣእዳውካ ኣክብ፡ ክልተ ግዜ ሕሰብ፡ መሪጽካዮ ዘለኻ ጎደና፡ ጎደና ጥፍኣትን ዕንወትን’ዩ” ምባል ነውሪ ኣይኮነን። ከም ኣቡኡ ከውሒ ልቡ እንተኾይኑ ድማ ተግባር ክምህሮ ኢዩ።

ዝኸበርካ ኣብርሃም፡ ከምዘይትስሕቶን ብኣካል ትዕዘቦ ከምዘለኻን፡ እታ መልሚላ ዘዕበየትካ ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ዝወሓጠትን ደም ዝፈሰሳን መሬት፡ ብግዕዙይ ምምሕዳር ኣቦኻን ሒደት ኣጫፈርቱን፡ ብዓውታ “ዝባን ስውኣት” ኢላ ትግዝት፡ ትበክን ትነብዕን ኣላ። ፈቲኻ ጸሊእካ ድማ፡ ንስኻ፡ ኣሕዋትካን ወላዲትካን በዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ኣረሜናዊ ተግባራት ቅሳነት ከምዘይትረኽቡን፡ ደምን ኣዕጽምትን ኤርትራውያን እግሪ እግርኹም ከምዝስዕበኩምን ብሕጊ ከምዝሓተኩምን ናይ ግዜ ሕቶ’ዩ። ኣቦኻ ብጨካን ተግባራቱ ንሰይጣን ስለዝሓልፎ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክቱር ንዕቀት ስለዘለዎ ፈጣሪ ካብ ከውሒ ዝተርር ልቢ ስለዝዓደሎን ብስቃይ ህዝብና ደስታ ስለዝስምዖን፡ ማዕዳን የኽፍኣልካ ኣሎ ምባልን ኣየድልዮን’ዩ።

ዝኸበርካ ኣብርሃም፡ ብዛዕባ’ቶም ቅድሚ ናጽነት ኣብ ሳሕል ኣብ ክሊ ዕድሜኻ ዝተወልዱን ምሳኻ ዝዓበዩን መዛኑኻ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣበይን ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት መነባብሮ ከምዝርከቡን ኣብ ምድቃስካ ንሓንቲ ካልኢት’ውን ትኹን ዘኪርካዮም’ዶ ትፈልጥ? ዝበዝሑ መሳቱኻን መተዓብይትኻን ካብ ዝነበሩ፡ ወለዶም ብትዛዝ ኣቦኻ ተቀቲሎም፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተደርብዮም፡ ክስደዱ ተገዲዶምን ደስኪሎምን ኢዮም። ብዘይካ ንስኻ ዕድለኛን ወዲ ዓይኒ መዓርን፡ ዝበዝሑ መሳቱኻን መተዓብይትኻን ኣብ ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ ተሰዊኦም፡ ኣብ ማእከላይ ባሕርን ምድረበዳ ሳህራን ህይወቶም ስኢኖምን ኣብ ዓዲ ጓና ከርፋሕ ናብራ የሕልፉ ከምዘለዉ ዝስወረካ ኣይኮነን። ንስኻን ኣሕዋትካን ምናልባት ድማ ሓደ ክልተ ሓለንጊ ናይ ኣቦኻ ንግዚኡ ዘየርከበቶም እሙናት ጥራሕ ኢኹም ኣንቀባሪርኩም ልዋም ለይቲ ትድቅሱን ንዓለም ኣይትጽርኒ ትብልዋ ዘለኹምን። እንተኾነ፡ ኩሉ መጀመርታ መወዳእታ ስለዘለዎ፡ ንዘልኣለም ነበርቲ ከምዘይኮንኩም ክስወጠኩም ይግባእ። ታሪኽካ ምጽባቅ፡ ዝበደልካዮ ህዝቢ ይቅረታ ክትብልን ክትክሕስን፡ ህቡብ ዝኽርታት ገዲፍካ ክትሓልፍ ግን ሓላል’ዩ።

ዝኸበርካ ኣብርሃም፡ ቅድሚ’ቲ ኣቦኻ ንህዝቢ ኤርትራ ከየፍለጠ ብኢደ ዋኒኑ ምስ እንዳ ኣቦሓጎኻ ኢትዮጵያ ዝኸተሞ መስርሕ ሰላም ከምኡ’ውን ብጉልባብ ክልተኣውን ዞባውን ምስ ንግስነት ስዑድ ዓረብያ ዝተፈረመ ዘይሚዛናዊ ስምምዓት፡ ስምካን ምስልኻን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ግኑን ኣይነበረን። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት፡ “ኣብርሃም ብምልካዊ ኣገዛዝኣ ኣቡኡ ሕጉስ ስለዘይኮነ ካብ ምስ ኣቡኡ ምስ ኣዲኡ ዘለዎ ዝምድና ይዓቢ” ዝብሉ ሰባት ሰሚዐ ነይረ። ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ንመጥፊኢኻ ወይ ንመልሚዒኻ፡ ብወግዒ ኣብ መንግስታዊ መገሻታትን ርክባትን፡ ምስ መራሕቲ ካልኦት ሃገራት ውጥም ቅልቅል ትብል ኣለኻ። ብዙሓት ሰባት፡ ኣቦኻ ስለዝሸምገለ፡ ጥዕና ይውሕዶን ብህዝቢ ኤርትራ ኣመና እናተፈንፈነ ይመጽእ ስለዘሎን፡ “ተካኢ ስልጣን ኢሳያስ ክኸውን’ዩ ዝዕለም ዘሎ” ክብሉ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ፡ ኣይፋል! ኢሳያስ ክቱር ህርፋን ስልጣን ስለዘለዎ ክሳብ ጉድጓድ ዝኣቱ ዝፋኑ ብኻልኦት ከይምንጠል፡ ኣብ ዝገሸሉ እሙን ሓላዊ መታን ክትኮኖ ኣብ ተኣፋፍን ወሳንን ቦታን ስራሕን ከቀምጠካ ይፍትን ከምዘሎ ግምታቶም ይህቡ።

ዝኸበርካ ኣብርሃም፡ ሓቂ ንምዝራብ ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ እከይ ተግባራትን ጠባያትን ናይ ኣቦኻ; ዝወረስካ ኮይኑ ይስምዓኒ ኣይነበረን። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ሓሳረ መከራን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን’ውን ብቀጥታ ኢድ ኣለካ ኢለ ኣይኣምንን’የ። እንተኾነ፡ “ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ” ከምዝብሃል፡ ኣብ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ዝለዓለ ሓላፍነትን ህርፋን ሽመት ከምዘለካን ግን ከም ሰበይ ብወረ ክሰምዕ ጸኒሐ። መስተ ሰቲኻ ጢን ምስተሰራሕካ፡ “ነቦይ ዝትንክፎ ወይልኡ” ኢልካ ኣብ ባራትን ለይታዊ ትልሂትን፡ መርኣያ ዘይብሱልነትካን እኩይ ጠባያት ናይ ኣቦኻን ሓቅታት በጨቅ ከምተብል፡ ሕነ ክትፈዲ ከምትሕንሕንን ብረት ከምተወጣውጥን ይዕለል’ዩ። ከምቶም ምሳኻ ኣብ ሰውራ ዝዓበዩ ደቂ ሳሕል ነፈርቲ ናይ ምብራር፡ ናይ ምጽጋንን ምምሕዳርን ክእለትን እንዶን ከምዘይብልካ’ውን መሳቱኻን ፈለጥኻን ይሕብሩ። ኣብ ትምህርቲ; ካብቶም ብሉጻትን ንፉዓትን ተማሃሮ ዘይምዃንካ፡ ኣንጻር ተፈጥሮ ጠጠው ትብል ኣለኻ ድኣ ከይትብለኒ እምበር፡ ውርሻ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ወይ ድማ ብስርቅን ጎነጽን እምበር ብመንፍዓትን ጻዕርን ተመን ጓሲሱ ቤቱ ዝእቱ ኣቦ ስለዘለካን ብምትሕብባር ሓወቦኻ ሓጎስ ክሻ፡ ኣብ ቻይና፡ ስዑድ ዓረብያ፡ ኢጣልያ፡ ኣንጎላ፡ ደቡብ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ተዋፊሩ ዘሎ ሃብቲ ዘይጽንቀቅ መሲሉካ ተኣማሚንካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ኣቦኻ፡ ኤርትራ ትኣክል ኣገዳሲት ሃገር ብኢደ እግሪ ዘይብሉ ሰብ ክትመሓደርን ክትእለን ይሓስብ እንተልዩ፡ ንህዝብና ካልእ ጥፍኣትን ውርደትን’ዩ። ምናልባት ኢሳያስ ብሕቡእ መምሃራን ካብ ወጻኢ ሃገራት ኣምጺኡ ብምስጢር ብዛዕባ ንመቀናቀንትኻ ከመይ ጌርካ ተጽንትን ትቀጽዕን ኣስተምህሮ ተዋሂቡካ ከይከውን ግን ጥርጣረ ኣለኒ። ኣይግበሮ።

ዝኸበርካ ኣብርሃም፡ ኣብ ሕብረተሰብና፡ ንሓደ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ጽዩፍን ሃሳይን ተግባራት ዝፍጽም ውላድ ወይ ወላዲ፡ “ደም ኣይትትከለልና፡ ብዘይበላዕናዮ ኣይተሕጥየና፡ ጽልኢ ኣይትግደፈልና” ኢሎም’ዮም ምስ ጎረባብትን ዓድን ከየባእሶምን ካብ ዘይቅቡል ተግባራቱ ክቁጠብን ምኽርን መግናሕትን ዝህብዎ። ኣቦኻ ኢሳያስ ናይ ዝኾነ ሰብ ምኽሪ፡ ለበዋን መረረን ስለዘይቅበልን ንዓይ ጥራይ ስምዑኒ ስለዝብልን፡ ንስኻ፡ ኣዴኻን ኣሕዋትካን እንተላይ እቶም ምሳኹም ዘይቅመጡ ብወሰን ተደቂሎም ዝተወልዱ ኣሕዋትካ ማለት’ዩ፡ ኢሳያስ ዕንደራኡን ጨካን ኣገዛዝኡኡን ኣደብ ክገብርን ደም ከይተኽለልኩምን፡ ተግሳጽን ማዕዳን ለጊስኩሙሉ እንተኾይንኩም ኣይፈለጥኩን። እቶም ንነዊሕ ዓመታት ስልጣን ሒዞም ውጹዓት ዝረገጹን ሃብቲ ህዝቢ ዝሰረቁን ውልቀ መለኽቲ ስርዓታት፡ ከምኒ መዓመር ቀዛፊ፡ መንግስቱ ሃይለማርያም፡ ሳዳም ሑሰን፡ ሮበርት ሙጋቨ፡ ኢድ ኣሚን፡ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ዝኣመሰሉ ግኑናት መራሕቲ እንታይ ዕድል ከምዘጋጠሞም ትስሕቶ ኣይመስለንን። ምናልባት እንተሓሰመ ኣብ እንዳ ኣቦሓጎኻ ትግራይ፡ ጥሻ መስርሒ ገዛን ቃጽዖን መን ከይከልኣኒ” ዝብል ግምት እንተልዩካ ወይ’ውን እቲ ኣቦኻ ካብ ስዑድያን ኢማራትን ብዋጋ ልኡላውነትን መሬትን ህዝቢ ኤርትራ ዝተመጠወሉ ሚልዮናት ዶላር፡ መዳልያን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝመንዝዖ ሃብትን ኣኪብ “ምስ እንቅዓ ሓጥያተይ ትቅበለኒ ወይ ዝሕባኣላ ሃገር ኣይስእንን” ዝብል መረዳእታ እንተልዩካ ብሓባር ንጽበዮ ጉዳይ ኢዩ። ይኹን እምበር ንዓኻን ንኣሕዋትካን ወላዲትካን ደምን ዘይወጽእ ቂምበቀልን ገዲፍልኩም ከምዘሎ ዘክር። “ክምብል በለ እምበር ኣይተኻዕወን” ከምዝብሃል፡ እቲ ቅኑዕ ውሳነ፡ ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ’ዩ ክውሰድ ዘለዎ። እተን ብደም ንጹሃት ዝጨቀዋ ኣእዳው ኣቦኻ ክትስዕበን ስልጣን ምሓዝ ወይ ንብዓትን ሕሰምን ህዝቢ ኤርትራ ተሰቁሪካ ኣቦኻ ካብ ዝኣተዎ ሓጥያት ምውጻእ’ዩ።

 

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 11 ጥቅምቲ 2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • zeregabir Teaghes October 12, 2018

    Abraham Isayas is humble as a student and optimistic in nature. His conduct seems like his wereja Grand mother (medhin berad).
    I would say if Abraham comes to power he will transfer the power to democratic elements.
    Monday May 27/1991 Ato Afwerki Abraham in Bar Romano Said:
    his group peers said: Afwerki tefiekana keniki, Enqae hagosena
    Aboy Afwerki Abraham:
    be’al Isayas wedey kemehadrukum titsbeyu alekum …. tegagikum
    Dihir hiji kulu kizireg eyu.

  • Zemani October 12, 2018

    What a stupid article. Instead of writing bullchit on a computer, why don’t you go and take action ??

  • Genet-Original October 12, 2018

    Just terrifying.
    DIA will never give up power to any Eritrean. The reason is that he knows that he will be chest away back to Tigray Ethiopia. But Tigray people will never take him back because he rejected them.
    His son doesn’t seems to be that bright or kind. That is very dangerous for our People. Stupid people are weak, paranoid and cruel. DIA will not hesitate to transfer power to his son and daughter and cont the suffering of the Eritrean people. So, what can we do to prevent that? Now, the Eritrean people wasted valuable time from doing what we were supposed to do. Take out the vampire DIA and his mini me. Also DIA created cult like culture around himself and he worked at it for 57 years. Although DIA has been lucky to have numbers of Zombies to worship him, his mini me don’t have any kind of charisma. In fact he is repulsive. My predication is he wont last a day.

    Now, we are talking about vampire DIA and his stupid son, but how about his wife. Saba is the main enemy of the Eritrean people. She is nurturing not only dictator 1.0, but possible dictator 2.0. SO, Eritreans everywhere, what do we expect from Saba? So for all fairness, If mini me is attempting to be the next dictator, what is Saba’s shares of responsibility? Beside, Saba is living her life, while the Eritrean women are in pain. For the past 27 years, Eritrean women have been the primary target of DIA’s distractions and cruelty. Are we going to let Saba get away with her crime of nurturing dictators?

  • Berhane Haile October 12, 2018

    ኣብርሃም ብዛዕባ ኣቦኡ ዝበሎ ዘይተረጋገጸ ወረ ከምዚ ይብል፡ “ኣቦይ ዘይተደልየ ደም ክሃድገልና ስለ ዝኾነ፡ በጃኻትኩም ምኸሩዎ፡” ንወዲኤፍረም ዝበሎ ዘረባ።

    • Sol October 12, 2018

      Should he has not inherited the social sickness of his father, he has to say that and to refuse his father’s ill wish.

  • Simon G. October 12, 2018

    ድሕሪ ክንደይ ኣዋርሕ ንባባ ኢሳያስ ይድውለሉ!
    —————————–
    Isu: ሀሎ: መን ክብል?
    Simon G.: ባባ ኢሱ ኣነ’የ
    Isu: Simon G? ከመይ ደሃይካ ትረኸብ!
    Simon G.: ዋእ! ኢሱ: ደሓንዶ? ዝናፈቕካኒ ትመስል?
    Isu: ሃሃሃ…. ምንፋቕ ‘ኳ ሰብ ከይሰምዓካ ግን ዕላልካ ክስምዕ ይደሊ ኔረ
    Simon G.: የልዉን ድዮም በዓል ማንኪ: ክሻ-ሎቖታ: ማሕሙድ ሳልሕ: ጌደዎን: ጓል ተስፋማሪያም:…. መሰልቲ?
    Isu: በጃኻ ረሰዓዮም ‘ዞም ወያላት
    Simon G.: ወያላት? ደሓን ዶ ዓዲ?
    Isu: ድሕሪ ኣብዪ ታይ ዝኾኑ ዮም?
    Simon G.: ኦ! ተረፊቶም በለኒ?
    Isu: ከምኡ ምባል ይሓይሽ
    ———————————
    Simon G.: በዓል ፍሊጶስ ከ?
    Isu: ወዲ መምህር ዘይትብል እንታይ ዝኾነ ፍሊጶስ?
    Simon G.: ዋእ! ኣንታ ኢሱ: ፍሊጶስ ከማን ተረሲ ዑ?
    Isu: Yeah! Forget Filipos. ወ ዲ ኤፍረም ጸውዕ
    Simon G.: ስለምንታይ?
    Isu: ስብሓት ነጋ!
    Simon G.: ኢሱ: You lost me here, why ስብሓት ነጋ?
    Isu: ሚስጥር ‘ዩ
    Simon G.: Ok
    ———————————
    Simon G.: ሳባ ከመይ ኣላ?
    Isu: መን ሳባ?
    Simon G.: ክንደይ ሳባ ድየን ዘለዋኻ? ኤእ… ኢሱ…
    Isu: እሞኸ ሳባ?
    Simon G.: ኣ ነ ከመይ ኣላየ ዘ’ልኩ
    Isu: እንታይ ‘ኻ ከምታ ስጊንጥር ገነት ኮንካ?
    Simon G.: መን ስጊንጥር ገነት’ያ ዚኣኸ?
    Isu: ‘ታ ገነት ኖ: ገነት-ኦ ዝብልዋ
    Simon G.: ኢሱ…. ኣሰና ትከታትልያ ኢኺ መቸም!
    Isu: እወ። ብዛዕባ ሳባ ክትሓትት ትንፋሳ ሞሊቑ
    Simon G.: ኢሱ: ከማኻ: ጓል ስግር-ዶብ ከይትኸውን ተጠራጢራ። ሎሚ’ኳ ንዓኻ ዝድግፍ ክንጥርጥሮም ጀሚርና
    Isu: ጓል ተምቤን ከይትኸውን ተጠራጢራ? ኣነ ስሚ ጌራ ከይትቐትለኒ ዳተጥረጠርኩስ? I wish.
    Simon G.: You never know.
    ————————–
    Simon G.: ኣብ ስዑዲ ምስከድካ ንጉስ ተሸምካ ዝብልዎ ሓቂ ድዩ?
    Isu: ሕቶ ማለት ከምዚ’ዩ! ካብ ቀደመይ ንጉስ ወዲ ነገስታት!
    Isu: ደሓር ከኣ ‘ትንግስነት’ኳ ናይ ገዛና’ዩ። ወዲ ሃጸይ ዮውሃንስ ምኻነይ ኣይትፈልጥን ዲኻ?
    Simon G.: ሓቅኻ። ኣማን-ብ-ኣማን! ይፈልጥ። ግን ቶም ጸሎት ዋላ ካርነሽም ከ ይፍልጡ ዶ?
    Isu: ክላእ! ‘ዞም በሃማት! ‘ታይ ክፈልጡ። በጃኻ ግደፈኒ ከምዞም ሰባት: ዘይርደኦም ፍጥረት ሪአ ኣይፈልጥን. Never and that’s a good thing. I mean for me.
    ——————————–
    Simon G.: እሞ: ንህዝቢ ኤርትራ ትብሎ ትደሊ ሕጽር ዝበለ መልእኽቲ እንታይ ‘ሎ?
    Isu: Game Over!
    Simon G.: Ok. በል: ሰላም በለልና ንከባቢ ዓዲ ሓሎ!
    Isu: ኪድ… ኣንታ ሳይሞን: እንታይ ዝኸውን ዓዲ ሓሎ?
    Isu: ዓብ ሓዋሳ’የ ድዕንድር ደለኹ!
    Simon G.: ‘ቲ ዲጋ ከይፈርሶም ተጠንቀቑ በሎም
    Simon G.: What? ጸገም ኣለዎ ዲዩ ትዲጋ?
    Isu: No comment.
    As usual, he hang up the phone.

    • Danilo October 13, 2018

      Great Simon, please post it again and again on different articles. good job brother.

  • senkam October 13, 2018

    I have listened & read many of Tsilal’s articles on our countries state for couple of years now. His writings are informative, advisory, cautionary and some analysis. all high caliber but this one.

    This is one off of the chart interms of what message it sends. It implies we have given up in boarding the action wagon to restore our dignity & take back our country from tyranny. And, our only hope is to appease those who we think are likely in line to the unbridled power. I have no words to express the level of frustration I decend into when I read this article. I’m sure it will affect many similarly. Its one of those that fall into the category of uncalled for, irrelevant and fuels doubt on our ability to stand against the challenges facing us. Overall, it underlines the shadows casting over our hope.

Post a Reply to Sol Cancel Reply