Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቤት ሕልና፣ ኣቤት ባህጊ! እንታይ ‘ሞ፣ እንታይ’ሞ! – እቲ ኣብ ካርሼሊ ዝተሰውአ ጅግና ተጋዳላይ ሰለሙን ሃብቶም ንሜዳ ክወጽእ ከሎ ብ 14 ጥሪ 1975 ናብ ዓርኩ ዝጸሓፎ ደብዳበ

ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና፣ ከምቲ ድሮ ዝሰማዕኩሞ እቲ ን 16 ዓመታት ምእንቲ ናጽነት ሃገሩ ዝተጋደለ ጅግና ተጋዳላይ ሰለሙን ሃብቶም ን 14 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ጨፍላቒ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ድሕሪ ምስቓዩ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቤት ማእሰርቲ

ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና፣

ከምቲ ድሮ ዝሰማዕኩሞ እቲ ን 16 ዓመታት ምእንቲ ናጽነት ሃገሩ ዝተጋደለ ጅግና ተጋዳላይ ሰለሙን ሃብቶም ን 14 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ጨፍላቒ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ድሕሪ ምስቓዩ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካርሼሊ ተሰዊኡ።

ንተጋዳላይ ሰለሙን ግን፣ ዝፈትዎም ስድራቤቱ ራሕሪሑ ብ 1975 ንሜዳ ክጋደል ሃጽ ዘበሎ እንታይ እዩ? ሽዑ ኣብ ህይወት ዝነበሮ ኣጠማምታ፣ ኣብ ቃልሲ ዝነበሮ መንፈስ፣ ካብ ናጽነት ዝነበሮ ትጽቢት እንታይ ኮን ይኸውን? “ዝተጻሕፈ ኣይመውትን’ዩ” ከም ዝብሉዎ፣ ተጋዳላይ ሰለሙን ሃብቶም ንሜዳ ክወፍር ከሎ ብ 14 ጥሪ 1975 ናብ ሓደ ናይ ቀረባ ዓርኩ ዝለኣኻ ‘ሞ፣ እቲ ስሙ ዝዓቀብናዮ ዓርኩ ኣብ መዓልቲ ሓዘን መስዋእቲ ተጋዳላይ ሰለሙን ዝሓለፈ ሰሙን ንወዱ ሳምሶን ሰለሙን ዘረከቦ ደብዳበ ባዕላ ክትምልሰልኩም እያ። እቲ ተጋዳላይ ኣብ ናጽነት ዝነበሮ ባህጊ ምስቲ ኣብ ናጽነት ብውልቀምላኺ ኢሳይያስን ጭፍርኡን ዝተፈጸመ መዘና ዘይብሉ ጥልመትን ከምዘይቃዶ እዛ ን 42 ዓመታት ተዓቝራ ዝጸንሐት ደብዳበ ተጋዳላይ ሰለሙን ባዕላ ትዛረብ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde August 24, 2017

    His handwriting resembles like mine so does his vision and passion for his country and to no ones surprise I left my sweet warm,loving family in 1975,I didn’t share my intent with nobody like Solo,I just disappeared into one of the Asmara’s beautiful dusk never to see the city I was born and raised and fought for to this day.I am not complaining,because I left behind tens of thousands of promising young Eritreans like me from all walks of life in foxholes and shallow graves who didn’t get proper burials.Let’s give them tribute today along with Solomon and let the healing begin.Trust me,that will suck the life of our enemy overnight.Their redemption is inevitable.

  • habtek August 24, 2017

    Dear compatriots,
    It is very sad and heart-breaking letter of genuine Eritrean hero who was buried because he was an honest hero.
    There is a proverb that says ” During crazy times the stone floats on the sea but the dung sinks” Unfortunately during this dark days in Eritrea even HERO is selected by the president.
    Solomon without exaggeration has contributed more than 3 times of what our 4 heroes has contributed but Solomon was buried from Carcelli to Martyrs cemetery without any fanfare but the others were buried with big fanfare.
    Was it because of their contribution? Of their Ethnicity or any other reason? For sure no. The only reason is DIA has enslaved our minds and whatever he says we only clap without any reasoning.
    DIA cannot rewrite the history of Eritrean heroes regardless of his futile efforts. Our heroes will remain our heroes regardless of the fanfare and distortion of facts by the MAFIA regime.
    RIP Solomon!! Your Heroism does not need the certification from Criminal Gangs in Asmara. LA CARTA CANTA!!!!

  • Bazen August 24, 2017

    ተጋዳላይ ሰሎሞን ፤ ቅኑዕ ትሑት ዉፉይ ንኻለኦት ሰባት ህይወቱ ክብጀው ወትሩ ድሉው ሰብ ምዃኑ ብዙሕ ምስክር ዘድልዮ ኣይኮነን።

    ካብ ታሪኽን ተመክሮ ናይ ብዙሕ ሕብረተሰባት ከም እተምሃርኵዎ ፤ ናይ ዝኾነ ታሪኻዊ ክስተት መምዘኒ እቲ መስርሑ ዘይኮነ ፡ እንታይ ደኣ እቲ ውጽኢት ፍረታቱ እዩ። ኣብ በዓል ሕብረት ሶቭየት ፣ ኣልባንያ ፣ ዩጎዝላቭያ ፣ ሊብያ ፣ኢትዮጵያ ፣ሶማልያ ፣የመን ፣ኢራቕ ፣ሶርያ ፣ካምቦድያ ወዘተ … ፤ ሱር በተኽ ለውጢ ወይ ኣብዮት እዞም ዓረብ “ኣል፡ሰውራ” ዝብልዎ ተኻይዱ እዩ። ኣብ ታሪኹ እዚ ኹሉ “ሰውራ” ትብልዎ ዝገደፎ ግና ሰፍ ዘይብል ናይ ሰብ: ናይ ባህሊ ቁጠባ ዕንወትን ምዝባልን ጥራይ እዩ ። ሰውራ-ኤርትራ ድማ ብውጽኢት ፍርያቱ ይምዘን። ፍርያቱ ድማ ን “ሰናይ” ዝብል ሕልሚ እኳ እንተነበሮ፥ ብጀካ ዕንወት ምዝንባል ድንቁርና፣ ሕጊ ኣልቦነት ፣ኣብያተ ማእሰርቲ ፣ባርያነት ዓቢድነት ፣ነብሰ ጽልኣት ፣ባህላዊ-ነፍሰ-ቕትለት ፣ ጽልኣት ቋንቋኻን መንነትካን : ድኽነት ፣ስደት ፣ ጃምላዊ ቕትለት … ፣ማለት ዳርጋ ኩሉ ክፉእ ዝብሃል ጥራይ እዩ ፈርዩ። ስለዚ ካብ ገድሊ ካብቲ “ሰናይ” እቲ ዝፈረየ ዕንወት ክፍኣት ስቅያት ሕፍረትን ዉርደትን መግዛእቲ ባርነት ጭካነ … ኣዝዩ ይበዝሕ።

    በዓል ተጋዳላይ ሰለሙን ውን ግዳያት ናይ ገድሊ እዮም። ንቤተሰብ ኣቶ ሰለሙን ጽንዓት ይሃቦም። ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ልቢ ይሃቦ።

Post a Reply to Bazen Cancel Reply