Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ተኣስሮሙሉ ዝነበሩ ቤት ናብ ዘይተፈልጠ ስዉር ቦታ ተወሲዶም።

ዓርቢ መስከረም 9, 2016  ለይቲ ሓንቲ መኪና፥ ሰለስተ ናይ ስለያ ኣባላት ዘለውዎም፥ ንኣቦና ኣቡነ እንጦንዮስ ናብ ዘይተፈልጠ ስዉር ቦታ ኣጥፊኦሞም ኣለዉ። ብህይወት ይሃልዉ ይሙቱ ዝፈልጥ የለን። ምናላባት ናብ ገዳሞም ወሲደሞም ከይኮኑ ተባሂሉ ክሳብ ሎሚ ኣብቲ

ዓርቢ መስከረም 9, 2016  ለይቲ ሓንቲ መኪና፥ ሰለስተ ናይ ስለያ ኣባላት ዘለውዎም፥ ንኣቦና ኣቡነ እንጦንዮስ ናብ ዘይተፈልጠ ስዉር ቦታ ኣጥፊኦሞም ኣለዉ። ብህይወት ይሃልዉ ይሙቱ ዝፈልጥ የለን። ምናላባት ናብ ገዳሞም ወሲደሞም ከይኮኑ ተባሂሉ ክሳብ ሎሚ ኣብቲ ገዳም ኣይተረኸቡን።

ብጀካ ሃገራዊ ድሕነትን ኣባ ሉቃስ ምስ መሳርሕቶም ግርማይ ዘርኣይን ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይን ከምኡ ድማ እቶም ናይ ፓትርያርክ መዓርግ እንተ ረኸቡ ደድሕሪ ኣባ ሉቃስ ጽኒን ዝብሉ ዘለዉ ኣባ ባስልዮስን፥ እቶም ካልኦት ጳጳሳት ይኹኑ ሰራሕተኛታት መንበረ ፓትርያርክ ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ምስጢር ኣፍልጦ ከም ዘየብሎም እዩ ዝዝረብ።

ኣቡነ እንጦንዮስ ተጋግየ ኢሎም ፈሪሞም ተባሂሉ 8 ነሓሰ 2016 ብጽሑፍ ዝተዘርግሐ፥ ኣይቃለይን ኣይፍርምን ኢሎም ምእባዮም ስርዓት ህግደፍ ሰሚዕዎ ዘይፈልጥን ዘይተጸበዮን ፍሽለት ገጢምዎ እዩ።

በዚ ዘንጸርጸሩ ኣባ ሉቃስን ሃገራዊ ድሕነትን ኣብ ርእሲ ኣቡነ እንጦንዮስ  ከቢድ ተጽዕኖ ክግበርን ተሪር ስጉምቲ ክውሰድን ሕቡእ ጎስጓሳት ከካይዱ ጸኒሖም እዮም። ናይ ገዳም ኣቡነ ሊባኖስ ሃም ኣባ ገብረስላሴ እተባህሉ፥ ነዚ ገበነኛ ሰብኣይ ሲኖዶስ መፍቀሪ ምሕረት ኮንና እንተ ፈታሕናዮም፥ መንግስቲ ግን ኣይሰዶምን እዩ ዘይፈለጥናዮ ነገር ኣሎ። ኢሎም ክፍክሩ ቀንዮም እዮም።

ኣባ ሉቃስውን ብወገኖም ኣይፍርምን ካብ በሉ ኢድ መንግስትና ይፈልጥዋ እዮም ንሕናውን ንገብሮ ኣሎና፥ ንሕና ድማ ህዝብና ኣብ ኢድና ኣሎ። ኢሎም ከም ዝፈከሩን፡ ንህዝቢ ተዋህዶ ከም ድላዮም ከፈራርሕዎ፥ ክዝውርዎ ከም ዝኽእሉ እዮም ዝሕብሩ ዘለዉ። ስርዓት ህግደፍ እዚ ኣብ ተዋህዶ ሃይማኖት ዝገብሮ ዘሎ ኣደራዕን ግፍዕን ኣብ ካልኦት ሃይማኖታት ክገብሮስ ይትረፍ ክሓስቦውን ኣይክእልን እዩ። ድላይካ ምግባር ዝከኣል ኣብ ደምበ ተዋህዶ ጥራይ እዩ ኢሉ ስለ ዝኣምን። ምኽንያቱ ንህዝቢ ተዋህዶ ብፍልጠት ሃይማኖቱ ዶንቆሮ ህዝቢ እዩ ኢሉ ሓንሳብ ስለ ዝነዓቖ።

ኣቡነ እንጦንዮስ ተጋግየ ኢሎም ይቕሬታ ሓቲቶም ምስ ተባህለ፥ ብዙሕ ህዝቢ ዝተጋገየስ መን ምዃኑ ኣይንስሕቶን እንቋዕ ጥራይ ተመልሱ ክብል እንከሎ፥ ገለ ክፋል ድማ ካልኣይ ግፍዒ እዩ 11 ዓመት ተኣሲሮም፥ ሽማግለ ሰብኣይ ስሞም ከኽፍእዎን ነውሪ ኢሉ እዩ። ልኡኻት ኣባ ሉቃስን ኣጫፈርቲ ናይቲ ስርዓትን ግን፥ መንግስትናን ሲኖዶስናን መሓሪ እዩ። ነቲ ዝገበርዎ በደልን ክሕደትን ምሕረት ገይሩሎም ኢሎም ክጭድሩ ቀንዮም እዮም። እቶም ኣምላኽ ብጸጋን ትብዓትን መልእዎም ዘሎ ኣቦና፥ ኣነ ንመጻኢ ወለዶ ሕማቕ ታሪኽ ኣይገድፍን፥ ንኣይ ክጥዕመኒ ንመጻኢ ወለዶ ሓሶት ኣይሓድገሎምን፥ ተጋግየ ንቤተ ክርስቲያን በዲለ እየ ዝብል ቃል ኣይወጸንን ንቤተ ክርስቲያን ኣይበደልኩን። ኣብ መንበር ክቕመጥ ኢለ ኣይሕሱን ብምባል 31 ነሓሰ 2016 ክፍርሙሉ ንዝቀረበሎም ናይ ሓሶት ጽሑፍ ምንጻጎም፥ ንእምነቶምን ትብዓቶምን ዝያዳ ደሪዕዎ እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ ናብ ህዝብና ነመሓላልፎ ጸዋዒት ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተባዕ ኣቦ ሒዝና ከነብቅዕ ኣብ ጎድኖም ደው ብዘይምባልና ቤተክርስትያንና መጻወቲ ፖለቲከኛታት ኮይና ኣላ። ብጊዝያዊ ጥቐምን ስልጣንን ተደሊሎም ኣባ ሉቃስ፥ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት  ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይ፥ ግርማይ፥ ካሕይን ሰሎሙንን ኮይኖም ንኣቦና የጥፍእዎም ከም ዘለዉ ብኣጋኡ ንሕብር ንሕብር። ጽባሕ ንጉሆ ስሚ ሰሚሞም ወይ ብኻልእ መገዲ ሞይቶም ኢሎም ምስ ዝነግሩና ቀተልቶም መን ምዃኖም ህዝቢ ተዋህዶ ብኣጋኡ ይፍለጦ።

እቶም ኣብ ነጻ ሃገር ኮንኩም ኣቦኹም እናጠፍኡን እናተጋፍዑን ንጭራም መሬትን ግዝያዊ ዝናን ኣብ ምጭዋይን ምቕታልን ኣቦና ኢድ ትሕውሱ ዘሎኹም ብፍላይ ቤተ ክህነት ጽባሕ ታሪኽ ክሓተኩም ምዃኑ ፍለጡ። ነባሪ ህዝቢ እምበር ነባሪ መንግስቲ የለን።

ኦርቶዶክሳውያን ካብ ኣስመራ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • AHMED SALEH !!! September 21, 2016

    Shame , Shame , Shame …………………………….. MIN REAKA TEM – MIN SEMAEKA TEM , lekhbat hizbi .
    Religious people started to get criminalized at the beginning of early 1990’s . Where are those
    Muslim victims thrown to dungeons for no apparent reason ? How many died so far alone in
    that dark place ? You think these Christians prisoners will see different fate ? How stupid a person
    can bee to think it is normal situation ? Does HAWKHA ABEY ALLO ring in their damned ears ?
    If God forbid the Patriarch died what will be the reaction ? Go to church for prayer like innocent
    country man/woman while you praise the EVIL inside Eritrea . For how long to lie for yourselves .

    Lord give us guidance to understand when to hold and when to let it go .

  • Dawit A September 21, 2016

    ዘየልን ዘይተጻሕፈን ምንባብን ምስናዕን ስራሕና ኢልኩም ተተሓሒዝኩሞ ሰብ ኣሰና! የዋእኩም! ምሕረት ይኣዝዘልኩም።

    • Sol September 21, 2016

      Dawit, if the story of the Abuna Antonios confessed of his wrong doing and apologized was true where is heS, why he was not the one to give speech on the Qudus Yohanes fest instead of the unknown priest/person?

      • Dawit A September 21, 2016

        I don’t think Abune Antonios is officially reinstated. If he is not, then he can’t give a speech. I wish he was reinstated long time ago!

    • Merhawi September 21, 2016

      ንስኻ ኢካ ዘየለካ ሓወይ, shame on you. ጸሎት ግበር በጃካ ኢለካ ሎሚ ንገበነኛታት ሓራ ክተውጽእ ኢልካ ኣብ ዘይትወጾ ኩኔኔን ፍዳን ከይትኣቱ።

      • Dawit A September 21, 2016

        ሓው መርሃዊ፡ ምህውታትን ዘይተጻሕፈ ምንባብን፡ ብሮፖጋንዳዊ ሃልክን ጉድኣትን ኣእምራዊ ጭንቀትን እንተዘይኮይኑ ካልእ ዘምጽኦ ፋይዳ የብሉን። ሎሚ ሎሚ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ነንብቦን፡ ኣብ ከባቢና ንሪኦ ዘለና ህውተታን፡ ኩሉ ሓቂ’ዩ ማለት ኣይኮነን (ካብ ደገፍቲ ይኹኑ ተቛወምቲ)። ቅድሚ ገንሸል ወይ ግዳይ ናይ ጭቡጥን ዘይጩቡጥን ወረ ምዃንካ፡ ከም ሰብ መጠን ኣእምሮኻ ተጠቐመሉ፤ ክትንትኖ ፈትን።
        Knowing what I know, the above “news” item is one of those “ብዕራይ ወሊዱ።” Did you say “shame on you?” I’ll gladly take that as I have done my home work to see through this bogus “breaking news”.

        • Aban September 21, 2016

          What exactly is your point?

          • Dawit A September 22, 2016

            Selam Aban,
            Did you say “What exactly is your point?” Hmm. That’s the problem: It become a common phenomenon to write (or the urge of writing, if an opinion is not to ones like) before properly and accurately reading what is written. I encourage you to properly read before you write, Sir. To make it easy for you, the following is the MAIN point extracted from the above comment “..the above “news” item is one of those “ብዕራይ ወሊዱ።” I hope someone will translate for you the “ብዕራይ ወሊዱ።” part.

        • AHMED SALEH !!! September 22, 2016

          Dawit
          Are you saying the issue of Eritrean Orthodox patriarch is propaganda ?
          You might be capable person with no shame who hasn’t moral value to
          offend helpless man at your grandfather age . Forget about to imprison
          elders even to shove them forcibly is sinful act in our culture . So stop
          your crap which doesn’t make a sense to hear from grown ups . If you
          support dictatorial regime it may sound bogus news and it had been
          that way for years since their arrest .

          • Dawit A September 22, 2016

            Selam Ahmed,

            The “read what is written first” specially applies to you!! First read the sort of “breaking news” and then read my comments before you go banana on your perceived imagination and “ብዕራይ ወሊዱ።” mantra. Then comeback and ask proper questions as a grown up not as a baby with tantrum.

            My position about my priest remains the same: I wish Abune Antonios was reinstated long time ago, to be accurate about 10 years ago or from the get go! Period! I believe that was and is also in the hand of the Synods, even if they have/had to scarifies their lives for what they believe and believed or should I say what is right and appropriate!

        • Zenawi September 22, 2016

          It is true …You are trying to cover up shaebiya’s crime and Sin but you cant because you are illiterate Higdef cadre.
          Death To Shaebiya and its pupets

          • Dawit A September 23, 2016

            Hi Zenawi,
            I am “glad” you believed the news (pan intended)! Great for “completing” your home work (pan intended)! What is your next step? No ቀምሽ ኣደይ ሓንኩልኒ please.
            Did you say “illiterate”? Is being uneducated a crime or a sin? I should not worry when I know we have “literate” people like you (I’m serious!) Right? By the way, to help you understand, here is the definition of illiterate:

            adjective
            1. unable to read or write.
            “his parents were illiterate”
            synonyms: unable to read or write, unlettered
            “an illiterate peasant”
            noun
            1. a person who is unable to read or write.

    • Eritrean Agzai September 22, 2016

      ን ተኣማንነት ኣሰና ዘፍኩስ “ተሃድሶኣዊ ጽሑፍ”

      ብመሰረቱ እዚ ጽሑፍ በቶም ጸላእቲ ቤተ ክርስቲያን ዝኮኑ “ተሃድሶ” እተቀናበረ እዩ። ብመጀመርታ ነቶም ኣብዚ ተጠቂሶም ዘለዉ ሰባት ብግቡእ ማዕርጎም፡ምጽዋዕ ምተገበአ። ግርማይ ኢልኩም ጠቂስኩሞ ዘሎኩም “ግርማይ” ጥራይ ኣይኮነን “ሊቀ ዲያቆናት ዲያቆን ግርማይ” እዩ እቲ ቅኑዕ መጸውዒዑ። ካሕሳይ ዝበልኩሞ፡ድማ “ዲያቆን ካሕሳይ” እዩ። ብዛዕባ ሰሎሞን ድማ ኤርትራ ኣብ 21 ክ/ዘ ዘፍረየቶ እቲ ዝበለጸ ሰብ እዩ።

    • Zenawi September 22, 2016

      yes there is crime every where..you cant deny that and there will come a day who will judge us!

  • SHISHAY September 21, 2016

    ቕደሙ ሽፍታ ስርዓት፡ናይ ሸፋቱ ተግባር ኢዩ ዝሰርሕ!!!!!
    እንተቶም ልዕሊ ዓቅሞም ብምሕላም ኣብ ዘየለ ዘንባህቑ ካሓድቲ ካሕናት ብፍላይ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝቕመጡ ግን እግዝኣብሄር ክካሓሶም ኢዩ።

  • Kalighe September 21, 2016

    Let’s pray for Abune Antonious,

    He is my hero, a national hero, a man who defended his Church with exemplary heroism.

    May Allah/God protect him and extend his life to see the end of his oppressors.
    Amen

  • k.tewolde September 22, 2016

    My heart bleeds for my hometown,my neighborhood,my turf {gezawtna},my sanctuary indamariam where I was baptized by keshi Zedingil,where I went to school from Azile to 6th grade,where I strolled few blocks sat on the sidewalk to watch people board inda gonafr buses to go to mai wu’uy {hot springs} and elsewhere,where my mom used to come in the break of the down with speckles of clay and dust still smeared in her forehead that she picked from the grounds of the sacred church after morning prayers,where do the good times go! Isn’t that kind of Eritrea we fought for?where people looked after each other,respected one another,where people chased and apprehended a marcatto thief and handed them over to authorities.I am missing that home today

  • Dcman Washngton September 22, 2016

    ሮሜ8:35-36፤ ካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ ከመዮ፡ ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣሎና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ጭንቀትዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ፧
    37-39፤ ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ ኣሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።
    ኣሜን!!!!!!!!!!

  • ግርማይ September 22, 2016

    መጀመርታ እዞም ሰብኣይ መዋጽእቲ ይፍጠረሎም ኣብጹሕፍኩም ግን ህዝቢ ተዋህዶ ምባል ቁኑዕ ኣይኮነን ኣቦና ኩልና ኢና ንቃልሰሎም ዘለና ስለዝይ ኣርምዎ ቃላትኩም ኩሉ ሃይማኖት ዝጠዓሞ የልቦን ከኣ

  • PH September 22, 2016

    ንሱ ( ኢሰያስ ) ነኒዝደለዮ ይኣስር ፡ ይግብት፡ ማይ ኢንተደሊኹም ናብ ማይ ዘለዎ ኺዱ፡ ደሞክራሲ ኢንተ ደሊኹም MARS ኪዱ፡ ልዓየይ ልሃወጸ ልነይ ፈጸጉ ከም ልሃወጸ ኮይኑ ነገሩ!!!ዝተነበዮ ኩሉ ጋህዲ ኮይንሉ።ጀብሃ ክትሓቅቅ ኢያኢሉ ሓቂቃ ህ..ግንባር ከማኡ መንደፍ ተኪኡ።ሕጂ ከኣ ዝገደደ ሃይማኖታት የቋሽሽ ንሕና ከኣ ትም-ሕትም…ንሕፈር ።

Post a Reply to AHMED SALEH !!! Cancel Reply