ኣርክብ በዓል ብርኪ !!
ብገዛኢ ኪዳነ ጸሓይና ባናኣ የንጸባርቕ ኣሎ ሎሚ'ውን ኣርክብ ብርኪ ሊሎ ቀሪቡ ኢዩ ህግደፍ ክዕሎ ኣጆኻ ጎበዝ ሻምላኻ ኣልዕሎ ናብ ጀነቫ ኢዩ እቲ ንቕሎ። ኣርክብ ኣብቲ ናይ ህግደፍ ቀብሪ ብሕግን ስርዓትን ኣባይ ከነጽሪ ኣጆኻ ጎበዝ
ብገዛኢ ኪዳነ
ጸሓይና ባናኣ የንጸባርቕ ኣሎ
ሎሚ’ውን ኣርክብ ብርኪ ሊሎ
ቀሪቡ ኢዩ ህግደፍ ክዕሎ
ኣጆኻ ጎበዝ ሻምላኻ ኣልዕሎ
ናብ ጀነቫ ኢዩ እቲ ንቕሎ።
ኣርክብ ኣብቲ ናይ ህግደፍ ቀብሪ
ብሕግን ስርዓትን ኣባይ ከነጽሪ
ኣጆኻ ጎበዝ በዓል ውልዶ እግሪ
ኣብ ከተማ ጀነቭ ዝለል ከም ነብሪ
ስለቲ መሰልካ ስለ ህዝብኻ ክብሪ
ተለዓል ጎበዝ ኣሎካ እኮ ሕድሪ።
ተላዕሊ ጎርዞ ውፈሪ ምስ ሓውኪ
ኣንታ ክንደይ ጊዜ ህዝብና ክበኪ
ኣብ’ቲ ከተማ ጀነቭ ጎረሮ ስሒልኪ
ብዓውታ ኣድምጺዮ እቲ ቃልኪ።
ኣጆኹም ወለዲ ሓርበኛታት ቀደም
ከምታ ናይ በረኻ ንቕድሚት ንገደም
በደላት ህዝብና ጨሪሹ ክድምደም
ንምድሓን ህዝብና ሃየ ንቀዳደም።
ኣብ መንጎና ኣትዮም ጸላእቲ ከይፈልዩና
ሃይማኖት ኣውራጃ ኢሎም ከየዘንጉዑና
ብድሑር ስምዒታታ ኣትዮም ከየገርሁና
ምክብባር ነዘውትር ከምቶም ወለድና
ናይ ሃማኖት ጸገም ኣይጸንሖን ህዝብና
ነስተባህለሉ ተንኮል ጸላእትና
ዘራጊ ከይኣትዎ ሓድነትና።
ሓድነትና’ዩ ምስጢር ናይ ዓወትና
ድሕነት ህዝብን ሃገርን’ዩ ቃልና
ንምልካዊ ጭፍራ ብሓድነት ስዒርና
ሕግን ፍትሕን ክነግስ ኣብ ሃገርና
ኩልና ናብ ጀንቭ ኣጆኹም ኣጆና።
ኣጆኻ ጎበዝ እግሪ ብተይ
ኣጆኺ ዋዕሮ ፍርቂ ኣካላተይ
ኣጆኹም ወለዲ መሓዙተይ
ኩሉኹም ሓርበኛታት ብጾተይ።
ምድሓን ህዝብን ሃገር’ዩ ዕላማና
ለበዋ ኣሎና ሕድሪ ስዉኣትና
ካብ ጸበባ ከንድሕኖ ህዝብና
ሎሚ’ውን ንቃለስ ከም ቀደምና
ኣጆኹም ብጾት ናይ ግድን’ዩ ዓወትና።
መንሰይ መፍቶት ዓሳ ክይኑ
ወላድ ከርሲ ወለድና ሓዚኑ
ነዚ ጨካን ጸላኢና ክንሰባብሮ ቀርኑ
ሓርበኛ ህዝብና ክነብር ቀሲኑ
ተሳኒና ንስራሕ ህግደፍ ክዓኑ።
ኩልና ናብ ጀነቫ ዝገደፍና ገዲና
ንህዝቢ ዓለም ነስማዓዮ ቃልና
ብደለይቲ ፍትሒ ይምላእ’ቲ ጎደና
ብዓውታ ነቓልሕ ወጽዓ ናይ ህዝብና።
ካብ ሰሜን ካብ ምዕራብ ካብ ደቡብ
ካብ ምስራቕ እውን ኩልና ብእኩብ
ናብ ጀነቭ ቀብሪ ህግደፍ ከነርክብ።
እንተስ ብሰማይ እንተስ ብምድሪ
እንተስ ብቓላይ ብባሕሪ ባሕሪ
እንተስ ብዘብዘብ ብጉያ ብእግሪ
ኩልና ናብ ጀንቭ ስለ ህዝብና ክብሪ።
ኣርክብ ጎበዝ ዘብዘብ ወስኸሉ
ንውጹዕ ህዝብና ከነስማዓሉ ቃሉ
ዝደኸመ ብርኪ ምርኩስ ወስኽሉ
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዒሊ ኹሉ
እዚ ኢዩ ዕላማና ማእከሉ።
ዓወትን ሰላምን ንህዝብና
ውድቀትን ውርደትን ንህግደፍን ኮራኹሩን።
ቀብሪ ሓመድ ድበ