ኣርኣያ ፍትሒ 4ይ ክፋል 4/6
ብ ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ “ ጌጋይ ዘቅርበለይ ከም ገጽ በረከት ዘቅረበለይ ክቆጽሮ`የ “ Omer Bin Khetab (634 – 644 ዓ.ም) ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ንቡዙሓት መራሕቲ ዓለም ዓበይቶም ናኣሽቶም ጸላዕላዕ ዘብሎም፤ ምስማዕ ተጻይ ሓሳብ ወይ

ብ ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ
“ ጌጋይ ዘቅርበለይ ከም ገጽ በረከት ዘቅረበለይ ክቆጽሮ`የ “ Omer Bin Khetab (634 – 644 ዓ.ም)
ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ንቡዙሓት መራሕቲ ዓለም ዓበይቶም ናኣሽቶም ጸላዕላዕ ዘብሎም፤ ምስማዕ ተጻይ ሓሳብ ወይ ተቃውሞ ፤ ሰይድና ዑመር ኣብ 7ይ ክፍለ ዘመን ምስማዕ ከይኣክል ከም ገጸ በረከት ይቅበልዎ ነይሮም።
ነዚ ካብ ዘረጋግጹ፡ ንኣብነት ብሓንቲ ሰበይቲ ዝቀረበሎም ተቃውሞን ብኸመይ ከምዝተቀበልዎን ንመልከትأعلى النموذج
- ሓደ እዋን ናይ ማህሪ/ገዝሚ ጉዳይ ናይ ውድድርን ናይ መን ካብ መን ኒእሱን መልክዕ ክሕዝ ምስ ጀመረ፤ ሰይድና ዑመር ገደብ ክገብሩሉ ደለዩ፤ ምእንትኡ ሰብ ኣኪቦም ገደብ ክገብርሉ ምዃኖም ገለጹ`ሞ ሓንቲ ሰበይቲ “ ገደብ ክትገብረሉ ኣይትኽእልን ኢኻ ፈጣሪ ማህሪ ሃብወን`ዩ ዝበለ እምበር ኣይወሰነን “ (ኣብ ዓቅሚ`ቲ ሰብ`ዩ ዝውሰን ዝዓይነቱ ተቃውሞ) ምስ ኣስመዔኦም። ከምታ ኣብታ ሓላፍነት ዝተቀበሉላ ማዓልቲ “ ጌጋይ ዘቅርበለይ ከም ገጽ በረከት ዘቅረበለይ ክቆጽሮ`የ “ ዝበልዋ ቃል መጠን ብዘይ ቀልዓለም ንተቃውሞኤን ሓቅነቱ ተረዲኦም “ኣነ`የ ተጋግየ ንሰን ጽቡቅ ኣለዋ” በሉ
መብሪሂ፡ ገዝሚ ዝቀረበ እምበር ልክዕ ናይ ማህሪ ትርጉም ኣይኮነን።
- ኣብ ዓለምና ካብ ቤተ-ሰብካ ኣብ ጥርዚ ቦታ መርሕነት በጽሑ ማለት ኩሉ ማዓጹ ሽሻይ ዝኽፈተልካ፤ በዲልካ ዘይትቅጻዕ፤ ሰሪቅካ ዘይትውንጀል ምዃንካ `ዩ እቲ ርዱእ፤ ነዚ ንምርዳእ ጻዕሪ ኣየድልን`ዩ ፤ንኣብነት ናይ መባእታ ተማሃሮ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን እቶም ንፓርላማ ዝወዳደሩ ዝነበሩ እቲ ኩሉ ውድድሮም ንምእንቲ ደሞዝ ኣባል ፓርላማ ንምርካብ ጥራሕ ምዃኑ፤ ዘውርድዎን ዝሰቅልዎን ነገር ከምዘይብሎም ብግልጺ ንርዳእ ነርና። እዚጥራሕ`ውን ኣይኮነን ንሓለፋ ሰበ ስልጣን ክሳብ ከም ጉቡእ/ውሁብ ነገር ገይሮም ዝርድእዎ ኣለዉ። እቲ መዝነት ይዕበ ይንኣስ ብዘየግድ።
ኣንጻር ናይ`ዚ ተረድኦ ኸኣ ሰይድና ዑመር ምምራሕ ህዝቢ ማለት ጾር ምዃኑን ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ዘሕትትን ምዃኑ`ዮም ዝርድኡዎ ዝነበሩ፤ ስለዚ ኸኣ ንነፍሰሙን ስድረኦምን ናይ ስልጣን ተጠቀምቲ ንዘይሙኻን ዝጸዓርዎ ብዙሕ`ዩ ፤ ንኣብነት ክሳብ ጥምየት ንውሽጢ ገዝኦም ዝኣቱ ናይ መንግስቲ ደሞዝ ተሓሲሞም፤ ዝጸነሖም ማል እንዳ ተጠቀሙ`ዮም ጸኒሖም።
ኣብ ዝሓለፈ ክፋላት ከም ዝረኣናዮ ነቶም ኣብ ገለ ክፋል ናይ ግዝኣቶም ከም ኣማሓደርቲ ዝተመደቡ ወከልቶም “ ድሕሪ ምዝዛም ስራሕኩም በጀካ`ቲ ቅድሚ ስልጣን ምሓዝኩም ዝነበረኩም ሃብቲ ዝተረፈ ናብ ንብረት ህዝቢ ክምለስ ምዃኑ ክትፈልጡን ክትስማምዑን ኣለኩም” ምባሎም ክሳብ ክንደይ ጸሬ ብልሽውና ምንባሮም ዘረጋግጽ`ዩ።
ሓደ ማዓልቲ ኣብ ሞንጎ ዑቡራት ኣግማል ህጡራት/ ጽቡቃት ኣግማል ርእዮም፡- “ መሽኣላህ እዚኤን ኣግማል ደኣ ናይመን`የን ኢሎም ሓቲቶም “ ናይ ወዲኻ ዓብዲላህ” ዝብል መልሲ ምስ ሰምዑ፤ ……… ጸዉዑለይ !
- ወዶም ምስ መጸ “ እዝኤን ኣግማልካ`የን ?!”
- እወ ዕባራ ነይረን ብሓላለይ ገዚኤ ዘህጠርኩወን ኣግማል እየን።
- ስማዕ`ዚ ወደይ እዚኤን ናይ ወዲ ዑመር መጽኤን ኣስትዩወን ኣብልዕወን እናተባህላ ብሓለፋ ዝሃጠራ ኣግማል`የን ። ስለዚ ትሸጠን ርእሰ-ማልካ ወሲድካ ዝተረፈ ናብ ቤተል-ማል ህዝቢ ተረክቦ። ብዘይዘረባ !
ሰይድና ዑመር ዝኾነ ውሳነ ንህዝቢ ከማሓላልፉ እንኮለዉ፤ ኣቀድሞም ንስድራ ቤቶም የፍልጥዎምን የጠንቅቅዎምን ነይሮም “ ሕጊ ብመቃርብ መራሒ ክርገጽ እንተተራእዩ፤ ኻልእ ካብ ምርጋጹ ድሕር ኣይክብልን`ዩ ” እናበሉ።
ሰይድና ዑመር (መራሕ መንግስቲ) ምስ ሓደ ተራ ዜጋ ብዝነበሮም ፍልልይ ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ቀሪቦም ፈራዳይ ንረብሓ`ቲ ተራ ዜጋ ምስ ፈረዱ ፤ ከም ባዓል ነገር ስዕረቶም ተቀቢሎም ከም መራሒ ኸኣ ነቲ ፈራዲ ንዝላዓለ ናይ ፈራዳይ ማዓርግ ኣስገርዎም!
ካብ`ዚ ንማሃሮ እንታይ`ዩ
- ብጌጋኻ ምእማን፤ ናይ ካለኦት ሓሳብ ምቅባል ካብ ተደለይቲ ባህሪ ኣማሓዳሪ ምዃኖም
- ፍትሓዊ ባህሪ ዘለዎ መራሒ ተማሓደርቲ ብዘይ ገለ ጸገም ንጌጋ ክነቅፉ ከም ዘኽእሎም
- መቃርብ ኣማሓዳሪ ኣብ ናይ ሕጊ ምኽባር ቀዳሞትን ኣብነትን ክኾኑ ከምዝግባእ
- ሕጊ ንኹሉ ብማዕረ ዝርእይን ሓይሊ ዘለዎ ክኸውን ከምዘለዎ
ኣብ 5ይ ክፋል የራኽበና
ምስ ሰናይ ትምኒት
AAHafiz ()