Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣርሓ ደርሆ – ፍሥሐየ መብራህቱ

[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2014/11/ArHa-Derho.pdf"]

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Meretse Asmelash November 10, 2014

    ሓው ፍሥሃየ መብራህቱ
    ከምዚ ዓይነት ጽሑፍ ንምርድእ ቁሩብ ግዜ’ዃ ዝወስድ እንተኾነ ፡ መቀረት መልእክቱ ግን ዝያዳዩ።
    ብዙሓት ኣንበብቲ ንምንታይ እዮም ገለ ገለ ሰባት ትርጉም ጽሕፎም ዝሽፍንዎ ዝብሉ ኣሎዉ። እዚ ኮነ ተባሂሉ ንእንበብቲ ንምድንጋር ዝወጽእ ጽሑፍ ኣይኮነን። የግዳስ ቀንዲ መበገሲ ናይ ከምዚኦም ዓይነት ጽሑፋት “መንፈግቲ ናይ ዝተናውሐ ግዜ ማለት—ናይ ናጻ ምጽሓፍን ምንባብን ናጽነት ዝፈጠሮ’ዩ። እዚ ክብል ግን፡ እዚ እቲ እንኮ ቀንድን ምክንያት’ዩ ይብል የሎኹን።
    ምልስ ኢለ ሓው ፍሥሃየ መብራህቱ እዚ ጽሑፍ’ዚ ኣብ መንጎ 2002-2005 ኣብ መርበብ ሓቤረታ ኣስማሪኖ ቀዲሙ ወጺኡ ከምዝነበረ ሓቢርካ። ጽቡቅ። እንተኮነ እቲ ግን 3 ዓመት ኣይነውሐንዶ?’
    ሕቶ ንሓላፍ መርበብ ሓቤረታ ኣሰና –
    ሓደ ጽሑፍ ኣሰኒዩ ዝወጽእ ምስሊ ቀዳማይ መለለዪ (ሕብሪ ቖርበቱ’ዩ) ናይቲ ዝስዕብ መልእክቲ’ዩ ዝብሉ ኣሎዉ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ሓቒ እንተኮይኑ፡ ሓደ ምስሊ ምስ ዝተፋላለዩ ጫፍ ብርዕታትን ጽሑፋትን ከመይ ኢሉ የሳኒ? እቲ ቀዳማይ ተጠቃም ምስሊ 1ይ-፣ 2ይ ፤ 3ይ…….. እናበለ ዝቅጽል ክፍሊ ጽሑፍ እንተሃልይዎስ ካልእ ሕብሪ ቖርበት ከናዲ ኣሎዎ ማለት ድዩ? ዘይተኣደኑ ጽሑፋት ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ቖርበት ጽሑፍ ዝጨቓጭቕሉ ምክንያት ብከመይ ትገልጾ?

    • FM November 18, 2014

      ክቡር መረጸ – ብዝሃብካኒ ምትብባዕ ከመስግነካ እፈቱ። ካብ 2002–2005 ዝብል ናይ 3 ዓመት እዋን ዝሃብኩዎ መኣስ ከምዝጸሓፍኩዎ ብርግጽ ስለዘየረጋግዝኩ እየ። ሓዲሽ ጽሑፍ ከምዘይኮነ ድማ ንኣንበብቲ ንምኅባር’ዩ ዕላማይ። ክምቲ ዝጠቐስካዮ ምስላን ድርብ ትርጉም ዘለዎም ቃላት ምጥቃም ብሓደ ወገን ናይ ጽሑፍ ነጻነት ኣብዘይዝውተረሉ ሕብረተሰብ መድኅን መገለጺ ሓስብ እኳ ቢልና እንተተርጐምናዮ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ናይ ሕይወት ፍልስፍና መኃበሪ’ውን ኪኸውን ይከኣል ኣብ ግዕዝን ኣምሓርኛን ቅኔ (ሰምና ወርቅ) ዝብሃል ኣሎ። ብትግርኛ ድማ “ንለባም ኣምተሎ ኣበይ ከይዝሕቶ፡ ንዓሻ ደርጕሓሎ ኣበይ ከይፈልጦ” እውን ይብሃል’ዩ። መብዛሕቱ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዝውተር ናይ ሥነ-ምግባር መምሃሪ ብእንስሳታት’ውን ይግለጽ’ዩ። እዚ ድማ ንኣስተኖን ዓሚቝ ሓሳባት ንምግላጽ መሳርሒ እውን’ዩ። ብእንግሊዝኛ riddle ወይ ብትግርኛ ዓይነት ሕንቅል ሕንቅሊተይ ኢልና ክፈትሖ ንኽእል። እዚ ድማ ናይ ሓደ ባህሊ መግለጺ ቋንቋ ስለዝኾነ ቋንቋና ክሳዕ ክንደይ ብትርጕም ክተዓጻጸፍ ከምዝኽእል ሃብትን ዕብየትን ቋንቋናን ድማ የመልክት በሃላይ እየ። እቲ ካልኣይ ክፍሊ ሕቶኻ ግና ናብ ኣሰና ዘተኮረ ስለዝኾነ ኣብዚ ኣብቂዐ ኣሎኹ። ምስ ብዙሕ ሰላምታ።

  • Berhe Tensea November 11, 2014

    Good poem thank you…

  • sam November 11, 2014

    Very true; this is our reality. Thank you!!

Post a Reply to Meretse Asmelash Cancel Reply