ኣመል ምስመግነዝ !
ኣመል ምስመግነዝ ! 01. 01. 2015. ኣብዛ ዳሕራይ ዘይትድገም መወዳእታ መዓልቲ 2014 ኴይነ ንመላእ ዝብቢ ሃገርናን ዓለምን “እንኳዕ ኣብጸሓኩም” ክብል እፈቱ። ብልምዲ ንበሎ ብባህሊ ከምዝዝውተር ናይ መወዳእታ ዕለት ናይታ ትወጽእ ዓመት ካብገዛኻ ኣይውጻእን ኢዩ ይበሃል። ክውጻእ
ኣመል ምስመግነዝ ! 01. 01. 2015.
ኣብዛ ዳሕራይ ዘይትድገም መወዳእታ መዓልቲ 2014 ኴይነ ንመላእ ዝብቢ ሃገርናን ዓለምን “እንኳዕ ኣብጸሓኩም” ክብል እፈቱ።
ብልምዲ ንበሎ ብባህሊ ከምዝዝውተር ናይ መወዳእታ ዕለት ናይታ ትወጽእ ዓመት ካብገዛኻ ኣይውጻእን ኢዩ ይበሃል። ክውጻእ ኣድላ ይ እንተኾይኑ ኣብ ሰዓት ፍርቂ ለይቲ ዝግበር ስነ-ሰስርዓት ስንብታ ዝሓለፈት ዓመትን ምምርሓብ ዝሓደሰትን ኢዩ’ቲ ልሙድ። እዚ እ ቲ ብንኡስና ብምኽንያት ትንሳኤ ክርስቶስ ኣብ ፍርቂ ለይቲ ዝብላዕ ናይ ጋዓት ‘ግብጃ’ የዘክረኒ።
ክቡር ፕረሲደንት ሃገረ-ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድማ ከምቲ ዝተታሕዘ መደብ ኣብ ምሸት ናይታ ድሮ መዓልቲ ዛዛሚት ዓመት ተሓዲሱን ረጊኡን ናይ እንዃዕ ኣብጻሓና መልእኽቱ ከስምዕ ኣብ ሰዓቱ ከምተቐልቀለ ርኢኽሞ ኢኹም። ከይተኸስአ፡ ከይሓንገደ ምም ጽኡን ከይኮርነፈ፡ ከይነብሐ መልእኽቱ ምምሕልላፉን ገለ ካብቲ ነቲ ሓታቲኡ ጋዜጠኛ ኮነ ንተዓዛቢ ዝሓደሰ ተርእዮ ኮይኑ ሓሊፉ።
ንሱ ከምቀደሙ ክምድር እንከሎ ንሕና ድማ ከምቀደምና ኣብ ቅድሚኡ ተኾዲምና ነበርና። ከምቲ ናይ ኩሉ ጊዜ ንሕና ስለ’ቲ ወግዒ ሓድሽ ዓመትድኣ ተኣኪብና’ምበር ካብ ዘረባኡ ዝኾነ ሓድሽ ነገር ኣይተጸበናን። ንሱ ድማ ከምቀደሙ ዝኾነ ዝቕይሮ ነገር ከምዘየለ ጥራ ይ ከምቲ “ላም ኣላትኒ ኣብ ሰማይ ጸባኣ ዘይርኣይ” ከምዝባሃል፡ በታ ምሸት ከም ጸወታ ጭርጭር ዓበደ ናይ ክልተ ጎራሓት ዝዓይነቱ ኣ ተሓባባእን ኣቀላላዕን ተጸመድና። ፍልልይና ንሱ ብክፍኣት ልቡ ዝኸሓነ ንሕና ብቕንዕና ዝተዛነና። ክሳብ መወዳእታ ነቲ ዓመት መጸ ዝ ደጋግሞ ኣብሖን መታለልን ቃላቱ ከይተሰከፈ ክንስንሶ ምስምዑስ ክጥዕም! ካልእ መገዲ’ኮ የለን።
ማንም ከይደለዮ ብዓለማዊ ኩነታት ዝጀመረ መራሒ መኣዝንና ከስሕተና’ምበር ንዓና ኣገዳስነት ስለዝነበሮ ኣይኮነን። ቀንዲ መልእኽቲ ዛዕባኡ ድማ ነቲ ብመራኸቢ ብዙሃን ዝውሕዝ ዘሎ መቃልዒ ዘይርጉእነት ስርዓቱ ምንም ከይቀጨጮ ንቡር ሂወቱ ይሰርሕ ከምዘሎ ን ምምሳል ዝዓለመ ኢዩ። በቲ ዘኻዕበቶ ብዙሕ ናይ ኣገዛዝኣ ብልሓት ኣየኖት ኢየን’ተን ናይ መታለልቲ ቃላት ንምማየን ብዙሕ ዘየጸግም ’ዃ እንተኾነ ብዛዕባ ኩሉ ንምጽሓፍ ግና ኣይከኣልን። ከመይሲ ኩላ ንሱ ዝጠቕሳ ንገለ ህልኪ ዝዓለመት ስለዝኾነት ግድን ድማ ምሽጥሩ ዘዝፈለጠ ምስኡ ምሕንባስ ኣሎ። ብሓሶት ምቑጣዕ ብጥልመት ምኽዓብ ማለተይ ኢየ። ዘይምፍላጥ ቅሳነት ዝኾነሉ እዋን’ኮ ኣይውሑድ ን ኢዩ። ዝኾነ ኮይኑ ገለ ካብቲ ክወቕዖ ዝደለየ ዓላማን ምናልባሽ’ውን ዝተዓጀብናሉን ኮይኑ ዝተሰማዓና ከምቲ ንሱ ብዙሕ ምትንታን ከምዘጽልኦ ዝገለጸ ንሕና‘ውን ቅጭ መጺእና እንከሎ ኣዝዩ ብዝሓጸረ መልክዑ ንብሎ ከምዘለና ክገልጸሉ ምፈተኹ።
መራሒና ቅድሚ 5 ዓመታት በቲ ዝመረጾ ናይብሕቱ መገዲ ክሕንበብ ሓሊኑ 4ይ ማርሻ ከምዝደርገመ ገሊጽልና ነበረ። እንተኾነስ ሽዑ ብዝረኮዓ ማርሻ መኪናኡ ክሳብ ሕጂ ምንቕ ከምዘይበለት እናፈለጥና፡ እዛ ሓዳስ ዓመት ናይ ብሓቂ ናበይ ገጽና ክንነጥር ከምእንኽእል ወይ ክንከይድ ከምእንኽእል ከምተርእየና፡ ማለት 2015 ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ተሰጋግረና ዓመት ምዃና ክገልጸልና ደፊሩ። እንተኾነስ ኣቐ ዲሙ ኣብዘን ክልተ-ሰለስተ ወርሒ ብዛዕባ ከረጋግጾ ዝደሊ ነገር ነቲ ዝዓበየ ትጽቢቱ ሓያል ቅድመ-ኩነት ምዃኑ ድማ ኣብሪሁ። ስለዚ ጋዜጠኛ ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ደጊሙ እንተሓቲትዎ ንጹር ስእሊ ናይዚሕጂ ደብዚዝዎ ዘሎ ምስሊ ከቕርብ ከምዝኽእል ኢዩ ገሊጹ።
እዚ ሕንቅል-ሕንቅሊተይ’ዚ እንታይ ማለት ኮን ይኸውን? ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ እንታይ’ዩ ኣልዩ? ምናልባሽ ዶኾን ምስቲ ናይ ኢቲዮ ጲያ ምርጫ ዝተተሓሓዘ ገለ ነገር ኣልይዎ? ምናልባሽ ዶኾን ብሰበብ እዛ ዝሰለመት ነፋሪት ዝተተጠጅአ ውዲት ውግእ ኣልዩ? ምናልባሽ ዶኾን ከምቲ ዝሓለፈ መስርዕ ናይተን ካልኣይ ሳልሳይ ዝደረጃአን ማሽነሪታት ክንርኢ ኴንና? ምናልባሽዶኾን……
ኣይትትዓቡ!! ኢሳይያስ ዝበለ እንተበለ ዝእመን ኣይኮነን’ሞ ዋላ’ታ 2015 ብርግጽ መንጠሪትና ምዃና ምግላጹ፡ ንርእሳ ብቅድመኩነት ዝ ተቀየደት ስለዝዀነት ኣብ ክንዲ ናይ ኣሸበሸብ ተኣምር ንጥራ ንጽበስ፡ ክንዲ ካብ ወርቂ እናተጸበና ነሓሲ ወይ ጥራሕና ንተርፍስ፡ ባዶሽ እናተጸበና ነሓሲ ክንረክብ ሓላል ምዃኑ ንርዳእ። ንነገሩ ክንደይ ዓመት መጸ ኢና በቢዝበለጸት ዓመታዊት ኣቃጫጭ ክንታለል? ኣይዝከ ረኩም ድዩ ዓሚ ኣብ ኩሉ ዝነጠፈሉ ጽላት ዝኾነ ምዕባለ ከምዘየምጽአዶ ከይገለጸ? ሎሚድኣ ኣሻብና ቀላሲ ለውጢ ወኒንና?
ኣስተውዕሉ፡ መራሒና ኣብቲ ውዕሎ መጓሰ፡ ተጎሰይትን ተዓዘብትን ብዝቕበልዎ ዊንታ ንምብራቕ ከምዝወፍር ኣተስፍዩን ተበጊሱን ከመ ቅጽበት ንምዕራቡ ከምዝሰቱኽ ኩሉ ፈሊጥዎ እንድዩ፡ ምስቲ ኩሉ ነገር ብዘይ ናይገሊአን ሃገራት ጸቕጢ ባዕሉ ከምዝሰርሖ ዝገለጾ ብም ዝማድከ እንታይ ተዓዚብኩም? ድሓን ድማ በቲ ርኡይ ንምዝራብ እቲ ንዝና ተባሂሉ ዝንጠፈሉ ዘቤታዊ ህልኪ ብርግጽ መሳርሕቱ ብዘ ይ ፍታዎም መሳርሒ ጥራይ ብምዃኖም ነገራት ከምቲዝበሎ ብውልቁ ከምዝሰርሖ ከረድእ እንተዘይትዕብ ምሓሸ። ከምኣ ካብ መረጸ ግ ና ሓቁ። ፍትሒ፡ ተሓታትነት ሕጊ፡ ዝኣመሰልዎ ኣዕኑድ መንግስቲ ኣዳቒቑ ከምባህታኡ ከም ኲናት ይውልዕ፡ ሃገራውያን የባርር፡ ኣካላ ላት ሰብ ይሸይጥ…..ብዛዕባ’ዚሞ እንታይ ይዝረቦ! እስከበሉ ገለ ቁንጣሮ ካብዛ ዘቕረባ ቃለ-መሕትት ንምጥቃስ ዝኣክል ክፍትን።
ንፖለቲካዊ መንነቱ ብዝምልከት እናተቓለዐ ስለዝመጸ ክጸጋግኖ ዝኽእል እንተኾይኑስ ክፈታትኖ ክብል ዓውሎማ ከምዘይኣምነሉ ገሊጹ ምስ መን ከምዝኾነ ንዝሓቶ ዘበለ ድማ ምስኩሎም ከምዘይኮነ መለሰልና። በየናይ ቀልብና ከይንርድኦ ኢልና’ምበር እቲ ፍልስፍና ዓው ሎማ’ኮ ህዝቢ ብጥምየትን ኲናትን ከምዝሑቈን እሞ መረበቱ ዛሕዚሑ ከምዝስደድ ምግባሩ ጥራይ ኢዩ። መራሒና ኣብ ቤተመንግስቱ ብኾፉ ኣመሪካን ወያነን ካብ ሃገርና እንተሰጎጉናስ ሕጂኸ እንታይ ከነመኽኒ ይደሊ ኣሎ? ምስ ኩሎም ዘይምዃኑ እሙን እንተዝነብርከ ጠቓሚናዶ? ዝገበረ ካብ መዓስ ነዲኡ ነገረ? ከምቲ ናይ 1970 ሰነድ ናይ ቃኘው መእተዊ ወረቐት ዲና ክንጽበ። ምናልባት ሲኣይኤ ምዃ ን ከምነውሪ ከምዝሕሰብ ብዝወጠኖ ፕረፖጋንዳዊ ዘመተ መግለጺ ንጽህናኡ እንተቖጺርዎ እቲ ቻይናውን መሰሉን መርበባዊ ጽግዕምግ ዕከ ውሁብዶ? እንተብሪእቶና ምስ ሓዲኦም ካብ ዘይኮነ ካብ ኩሎም ከናግፈና ድማ ኣኻእሎኡ ኣይረኣየናን። ህዝቢ’ኮ ኪኖ ፖለቲካዊ ሻ ርነቱ ብውልቁ ንዝፍጽሞ ሕሉፍ ትሕተ-ሃገራዊ ምልክነት ኢዩ ዘእውየሉ ዘሎ። እንተ’ቲ ጣቛ መዓልቱ በሊዑ ኮይኑስ ዕዳጋ የብሉን።
ለሚቑነ ከምቲ ልሙድ መዳህለልቲ ወራራት ተፈንየን ነይረን። ሓንቲ ካብአን ብዛዕባ ቅዋም ትምልከት ኢያ። መቸም ዓሚ ኣብ መዓልቲ በዓል ናጽነት ቅዋም ክነድፍ ምዃኑ ገሊጹ ከምዝነበረ ንዝክሮ ኮይኑ፡ ሎሚ ድማ ንእግረመገዱ ዘይእዉጅ ሞት ናይታ ገዲም ቅዋም ኢዩ ከይንጽበያ ምእንቲ ኣርዲእና። ነታ ሓዳስ ክትሰርሕ ዝተመዘዘት ኮሚተ’ውን ስራሓ ትሰርሕ ከምዘላ እንተዘይኮይኑ ዓይነታን መዓስ ከም ትውድእን ደባዲብዎ’ዩ። ከምዚ ዓይነት ጣቛ’ዃ ተራእዩ ነይፈልጥ። ቅዋም መቸም ዲሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ምርጫ፡ ባይቶ፡ መሰል፡ ምርጫ ፡ ማዕርነት ….ኢያ ትምገብ። ከምዚ ዝኣመሰለ መሰላት ድማ ንወዲ ኣፎም ቀታሊኡ ኢዩ። ‘ሞ በሉ’ስከ ኢሳይያስ ዝፈትዋ ወይ ዘዳልዋ ቅ ዋምሲ እንታይ ዓይነት ኢሳያሳዊት ሰነድ ክትርእዩ ትጽበዩ? እምበርከ ሞት ናይታ ከይተኣወጀ ዝተቐብረት ገዲም ቅዋም ከምዛዋዛ ኣምሲ ሉ ካብ ኣርዳኣና ወያ ካብትጅመር ዓመት ከምዘቑጸረት ዝተሓሽሎኸላ ሓዳስ ቅዋሙ ድማ ኣይተአወጀን ኮይኑ’ምበር ሞታስ ድሮ ርጉጽ ስለዝኾነ ግድን ምእዋጁ ኣየድልየናን። ነገር ዕንኪላሎ፡ ከምቲ ዝበሎ ቅዋም ቁርኣንዶ ወንጌል ከቕርበልና ንጸበ?
ብዛዕባ ንምውሳኽ ደሞዝ ሰራዊት ሓሊኑ ዝተናፈሰ ወረ ንምብርዓን ዝመደሮ ተንኮል እንኮላይ ንጀነራላት ምክልኻል ዘላደደ ዳርባ ከም ዝኾነ ብሩህ ኢዩ። ከምቲ ኣብእዋኑ ንቡር ጀነራል ተኣልዩ ብሓድሽ ክትካእ እንከሎ ነቲ በዓል ሓድሽ መተርኣስ “ጠፋእካ” ዝበልናዮ፡ ሽ ዑ ተሃሚሉ እንተነይሩ ሎሚ ክጠፍእ ይቀራረብ ከምዘሎ ክስቆሮ ብማለት ኢዩ’ቲ ዘረባ። ንነገሩ ሓድሽ ጀነራል ፍሊጶስ ከምቲ ዝበሃል ብርግጽ ተጻራዲ ፕረሲደንት ዲዩ ኢደበይዛ? ከምቲ ኣብ ግዜ ሓለፋታት ዝተወርየ፡ ብዙሕ ግዜ ዘይተጨበጠ ፕረፖጋንዳ ጽርድነት ይና ፈስ’ዃ እንተኾነ ብግብሪስ ኣይከምኡን። ንበል ኣብ መዓልቲ ዛዛሚ ኲናት ብዘጋጠመት ሃንደበትነት ዕጥቂ ስብሓት ዘሊቓ ዕጥቂ መስፍነ -ፍሊጶስ ከምዝኸረረት ዝመስል ላሕኲ ደርጓዕጓዕ ኣጽሚምና ነበረ። መቸም ማንም ግሩህ ነቲ ኢሳይያስ ኮነ ኢሉ ዝፈጥሮ ናይ ንቁልቁል ፡ ንዓቐብ ኮነ ጋድማዊ ምፍጣጥ ስለዘየቕልበሉ “እዞም ብጾትን ደቂ ሓንቲ ዓድንስኒ መዓስ ኢዮም ዝሳነዩን ዝናጎዱን? ኢሉ እንተሓሰበ ን ቡር ባህሪ ግርህና ኮይኑ፡ እቲ ብገለ ሳዕቤናት ዘንቆልቆለ ዝምድናታቶም ብከቢድ ረብሓታት ስለዝምእዘን ዳግማይ ክጫነዉ ምርኣይ ድ ማ ንቡር ነገር ኢዩ። ንኣብነት ኣብዚ ዳሕረዋይ እዋን ንግዳዊ ውግእ ፍሊጶሰ- ውጩ ከምዝዓመረ ነበረ’ቲ ዝሰዓበ ኣክባር። ዝተሓቖነ ተ ሓቝኑ ሕጂ መሬት ኣብ እዚ ፍሊጶስ ኣብ ዝኣተወትሉ ግዜ ንሱ ዓንቲሩ ግዲ መሬት ክፈሓትር ጀሚሩ፡ ንዝኾነ ደብዳበ ብዘይ’ቲ ናብ ፕ ረሲደንት ዝወሃብ ዝነበረ ቅዳሓት ክመጾ ከምዝኣዘዘ ተወርየ። ነዝን ከምኡ ዝኣመሰለ ካልእን ሓድሽ ትንፋስ እምቢታ ዝሰኩዐ ዝመስሎ ም ምናልባሽ ከምእኒ መድረኻውያን ድማ ብኡነቶም ተስፋ ዕልዋ እንተኣልይዎም፡ ክቡር ፕረሲደንት ኢሱ ከኣ መደባቶም ንምብርዓን ምንም ከምዘይኮነ ከበሽር ክብል ንስዉራን ጉዳያቱ ዝበቅዕ ኣድቂቑ ዝሓሰቦ መደረ ኢዩ ኣብድሮ ሓድሽ ዓመት ዝደርጎሖ።
ሰራዊት ደሞዝ ክውሰኽ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ዓመትን መንፈቕን ክምለስ ምዃኑ፡ ታዕሊም ህዝባዊ ሰራዊት ክሽለል ከምዝኽእልን….. ንዝዓይነቱ ዘሰክፎ ነገር ንምብርዓኑ ዘቕረቦ መደረ ክልተ ዓላማታት ነይርዎ። በቲ ሓደ እቲ ሓድሽ ጀነራል ምክልኻል ብዝጀመሮ ጎስጓስ መነባብሮ ሰራዊት እንተኣመሓይሹ፡ እዚ ብመሰረቱ ምስቲ ቀንዲ ስዉር ዓላማ ንመተካእታ ኣልቦነቱ ዝተወጠነ መደብ “ሃገራዊ ባዶነት” ስለዝጋጮ ኣሸበሰብ ድማ ጀነራል ተቐባልነት ኣጥርዩ ከይሸብዕ ምእንቲ ኣቐዲሙ ከቘምጥዖ ስለዘለዎ ብነድሪ መን ተሓዝ ካሳ መንግስቲ ከምዝገበሮን መፍትሕ ከምዘረከቦን ኣምሲሉ ኣሸምቢብሉ ከይኣክል “ኣይተደናግር” ክብል ድማ ኣጠንቂቕዎ ኣሎ። በቲ ካልእ እቲ ኣብ ጽ ርግያ ከምዝተደርበየ ዝገለጾ ኣገራዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ምምላሱ ዘይኮነስ እ’ዃድኣ ዋላ’ቲ ብ’ማሞስ’ ዝወሃብ ስልጠና ግቡእ ቁምነገር ስለዘይተረኽቦ ድሕሪ ሕጂ ኣገልጋሊ ትኽ ኢሉ ኣብ ሰራዊቱ ክጽመድ ከምዝኾነ ኢዩ ኣብሪሁ ዘሎ። ባቃ ለውጥን ተጸበይቱን ቅበጹ!!
ከምዝፍለጥ እቲ ንይምሰል ዝወደሶ እቶት ርሁው ቀውዒ ኣይፍታዉን ብምዃኑ ኣብ’ዛ እዋን’ዚኣ ብጉልባብ ናይቲ ዘየለ ስግኣት ሃገራዊ ጸ ጥታ ድቁስ ሓይሊ የንቀሳቕስ ከምዘሎ ኣመኽንዩ ዕድመ ኮነ ጾታ ዘይፈሊ ግፋ ዝዓይነቱ ዓንቃፊ መንግስታዊ ግፈጣ ብዘይጥርጥር መርኣ ያ ናይቲ ንድኽነትና ዝዓለመ ዝኸፍአ ውጥን ናይ ንህዝቢ ብኸብዱ ምሓዝ ዝተጠበበ ብልሓት ምዃኑ ኣይተሳሕተን። ካብ መንግስታዊ ስራሕ ዝሓከለ መላኺ ነብሱ ኣብ መጓሰ ሰራሕተኛታት ዲጋ መዲብዋ ንእግረ-መገዱ ብኣዒንቱ ብጹሕ ምህርትን ዝተኾመረ ቅሚጦታት ን እናራአየ ክንዲ ብዝከኣል ዘበለ ባዶ ቆፎታት ክመልእ ዝጓየ ስግንጢር ካብ ማይ ቀውዒስ ኣንበጣ ቀውዒ ከምዝኸፍእ እናመሰለ ፈተና ዮ ጸላእናዮ ህዝቢ በፍንጫ ናብ መዓስከራት ክወርድ ከምዘለዎ ምእዋጁ ዘይሓላፍነታዊ ጥራይ ዘይኮነ ባዕድነት መራሒና’ውን ኣነጺሩ ኣ ሎ። ከመይሲ ቀውዒ ጻማ ቃልሲ ሓረስታይ ዝሕፈሰላ ወቕቲ ብምዃና ብቀንዳ ውሕስነት ጽባሕ ኢያ። ንምንታይ ኢዩ ግን መራሒና ብ ክንድኡ ሸንኮለላት ንጻማ ሓረስታይ ክጻረዳ መሪጹ? ንነገሩ ብዛዕባ ጻማ ዝመጸስ ሰብ ገለ ክጽበ ከምዘይብሉ ደጊሙ ሰሊሱ ኣብርሂልና ኣሎ። ብዛዕባ ዘይማዕርነት መነባብሮዶ ናይ ሓዋሩ ትምኒት ራህዋዶ እንታይዶስ ኣበይዶስ ….እዚ ኩሉ ዓጀውጀው ብጽሞና እንክስማዕ ብዛዕባ እንታይ ሕልናኡ ፈቒድዎ ክትግብሮ ዝውጠኖ ይዛረብ ከምዘሎ ዝስቆሮ ሰብ የለን። ብርግጽ ድማ ነቲ ክሓብኦ ዝደሊ ባህርያቱ ኢዩ ዘነጽር። እቶም ኣባዲምዎም ዘሎ ናይ ትማሊ ተጋደልቱ፡ ስንኩላቱን ሃገራዊ ኣገልግሎቱን ጻማ ዘይረኸቡስ መን ጻማ ይጽበ?
ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምቀደሙ ኣብ ሰራዊት ክኣቱ ነይርዎ በሃላይ ኢዩ። ሰብ ናብ 18 ኣዋርሕ ተመሊሱ ኢሉ የውሪ ንሱን ማእከል ሞያዊ
ስልጥና ማለት ማሞስ ዘሰልጠኖም ኣገልግሎት ንከተማታት ኢዩ ዝምድበቦም ዝነበረ። እዚኣ ንኢሳይያስ ዓባይ ስግኣት ኢያ። ማለት ንሱ ምእካብ ትበሃል ነገር ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ኩነት ከምትፈጥር ካብ ታሪኽ ሰራሕተኛታት ተማሂርዎ ኢዩ። ስለዚ ናይ ኣተሓሳስ ባ ሓድነት ክፈጥር ንዝኽእል ምትእኽኻብ መዘዝ ናዕቢ ብምዃኑ ንውጥን ባዶነት ዝጻረድ ኢዩ’ሞ ክሕሰብ የብሉን። ኢሳይያስ ምእንቲ ሰብ ከይእከብ ክብል ንጸወታ ኩዕሶ እግሪ ከምዘይሕሰብ ገይርዎ ኣሎ። ክሳብ ድማ መታን ንምእጋዱ ምኽኑይ ክኾነሉስ ተጻወቲ ብጅም ላ ከምዝሃድሙ’ውን ከምዝገብር እንተነዕልለኩም ክትጸልኡና ትኾኑ። በሉ ድሕሪ ሕጂ ሰልጠንቲ ትኽ ኢሎም ናብሰራዊቶም እንተዘይኮ ይኑ ገገዝኦም ክጸንሑ ከምዝተረፈ ይነግረና እንሆ። ኣገልግሎት ድማ መዋእሉ ሓለው ወሰን ክኸውን እንተዘይኮይኑ ምምሕያሽ ኢልካ ነ ገር ኣይሕሰብን። ዝበርር ዘበለ እንተነፈጸ ድማ ንግዲ መሸጣ ሰብ ዓመረሉ። ሕልና ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ!!
ተጸባይ ምዃን’ኮ ምጽባይ ጥራይ ኢዩ። ንሕና ድማ ሰሪሕና ነምጽኦ ለውጢ ክሳብዘይሃለወ ተጸበይቲ ጥራይ ምዃንና ድሮ ተዋሒጣትል ና ትመስል። መጥሓን ዘየምጽእሲ ይርከባድኣ ኢላሎማ’ታ መርዓት!! እንተ ኣነ ደጋጊመ ከምዚ ዝስዕብ ኢለ ክጽሊ ኣብሂግኒ ኣሎ’ሞ እስ ከ ተጸንበሩኒ። “ኣብዛ ሓዳስ ዓመተ-ትእምርቲ፡ ብዘይቁልፊ ዝዕጠቕ ስረ፡ ብዘይዕጥቂ ዝመጽእ ዓወት ኣርእየና ጎይታይ”!!
ክስራሕ ዘይኮነ ክመስል ዝተደልየ ነገር ቌቋጺሩ መጺኡ ብሁልን ዘይብሁልን ምንስናስ ናይ ወትሩ ስራሕ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምዃኑ መን ዘይፈልጦ። ከየርሓቕና ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ግዜ ማሽነሪታት ኣትየን ተባሂሉ ዝተራእየ ወደኽደኽ ትንግርቲ ክርአ ተባሂሉ ትጽ ቢት ተገይርሉ ነበረ። ብግብሪ ግና ትኽ ኢለን ናብ ጋራጅ ዝኣተዋ ከምዝበዝሓ፡ ወይ’ውን ከምቲ ኣብ ተሰነይ ዝተራእየ ብክፉእ ተንኮል እሳይያስና ዝናብ እናዘነበ ኩለን ትራክተራት ከየገልግላ ከምዝተዘርዓ ተረሲዑ መሲልዎ ድዩ ቋንቋ ቀይሩ ተቀልቂልና?
እዛ ዓሚ’ኮ ዓሚ ጥራይ ኢያ። ሽዑ ኣብኩሉ ዘዝተፈተነ ጽላታት ባዶ ከምዝተረፈዶ ኣይገለጸን ኣሻብናን ብምንታይናን ኢና ድሮ ሂወት ከ ምዝመለስና ክምድር ዝተሰምዐ? ኣብዘን ክልተ-ሰለስተ ኣዋርሕ ዝጽበዮ እምነ-ኩርናዕ ፍጻመ ኣረጋጊጹ ኤርትራ ከመይ ከምትራኣዮ ክገል ጸልና እንተተጸቢና፡ ብዘይካ ብርሰትን ዕንወትን ፍጹም ክልእ ከምዘይብሉ ድኣ’ሞ ናይ ትማሊ ቅዝፈት 13 መንእሰያት ርኡይ ኣብነትዶ ኣ ይኮነን? እዞም ኣብ ገደናታት ከተማ ጊንዳዕ ዝተቐትሉ መንእሰያትሲ ከምቲ ናይ ኣመሪካን ወያነን ኣልሸባብ ወይ ኣይኤስ ኣይኤስ ኣትያዶ ቀንጸለቶም?
እዛ “ኣመል ምስ መግነዝ” ትብል ምስላናስ ከምዚ ከማይዶ ትዓጅበኩም? ፍርቂ ዘመን ሙሉእ ሰብ ዝቐተለ ሰብ ከምስል እንተኣኽመስ መሰስ ከምቲ ሻርሙጣ ንርእሳ እንተመሓለት ተማጽእ፡ ምምጽዳቕ ፕረሲደንትናኸ ብምንታዩ ትኣምንዎ? ድሮ ሕዱር ወልፊ ደም ሳጽይ ዎ’ምበር ፈትዩ’ኮ ኣይኮነን። ከይቀተለ ከምዘይነብር’ኮ ተወሊፍሉ ኢዩ። ኢድ መሳርሕቱ ኣብ ደም እንተዘይተኣሊኸን’ኮ እሙናቱ ኣይኮ ኑን ። ‘ዋሕስነት ናብራ’ኮ ብዘይዋሕዚ ደም ርጉጽ ኣይኮነሉን። ከምቲ ናይ መንግስቱ “ብዘይደም” እናጨርሐ ደም ንጹሃት ክዛርስ እንታ ይ ዝበልዎ ረኽቢ ረኸበና? እምበር “ኣመል ምስ መግነዝ” ወዲ ኣፎም በራድ!!
“ጥምየት ነይቀትል ዘይሸብዳዕዳዕ” ዝፈልጥ ህዝቢ ኤርትራ ከብዱ ሓምሊ መሊኡ ዝባኑ ከይቅላዕ ስለዝቃለስ ብሰበብ’ቲ ፍብሩኽ ጥሜ ት ንሕስረት ኣይምተጋለጸን። ኢሳይያስ ግዳ ነቲ ዕሱብ ውጥናቱ ክጎላብብ ክብል ምስ ሃጸይ ኮነ‘ቶም ካልእ ከምዘየለ እናውረየ፡ ህዝቡ ተ ሰዲዱ ንናይ ቻሪቲ ተመጽዋትነት ከምዝተጋለጸ ክገልጽ ዓመት መጸ ከምኡ ዘሐጉሶ ነገር የለን። ኤርትራዊ ብቻሪቲ (ምጽወታ)ምንባሩ!
ብዓይኒ ህዝቢ ዓለም ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣዝዩ ክፉእ ደመኛ ሃገሩን ህዝባን ኢዩ። ክፍኣት ከምቲ ካልእ ተወራሲ ብምዃኑ እንሆ’ዚ ም ስኣሕዋቱ ብዱኳ ዝተዋጠጠ ድማ…. ብዝኾነ ግዜ ዝወለዶ ፍልሰት ካብ ሃለወ ግዜ ዝወልዶ ርግኣት’ውን ስለዘሎ እዛ ኩሉ ትጸውር ሃገር ና ህዝባ ትጥውረሉ እዋን ግድን ኣሎ። እቲ ንደልዮ ከምዝስራሕ መጠን ጥራይ ኢደይ ኢድካ ምባል ቅድመ-ኩነት ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ!!
ደጊመ ነዛ ጋግ ከተጽብብ ጥራይ ዘይኮነት ጋግ ከይፍጠር ትጽቢት ዝግበረላ ዘሎ ዓመት ውሕስቲ ክትኮነልና እምነ። እንተ ኣመል ኩሉ ግዜ ምስ መግነዝ ኢዩ’ሞ ኣይንተዓሾ!!
ጎደፋ፡
anedo January 2, 2015
HEART BREAKING NEWS: Brave fighter Gen Bitweded Abraha is critically ill in KARCHELI due to severe imprisonment(23 yrs) for opposing & advising the mad dog dictator to abide by the rule of law . So please Assena it is time to let know and inspire the Public by informing his jigninet & life history.
woldeamlak January 2, 2015
እዚ ርኩስ እከይ ስርሑ ይሰርሕ ኣሎ ንኩላ ጃጃዊት ገይርዋ ሓቁ ዳያስፖራ ደገፍቱን ተቃወምቱን ኣብቲ ንሱ ዝሃንደሶ ጓይላ ይስዕስዑ ኣለዉ፡፡ ኣውራጃነት ሓሊፉ ሎሚ ወረዳነት ተጀሚሩ ወይጉድ እቲ ዘገርም ደለይቲ ፍትሒ ኢና ዝብሉ መናፍቃን ድቃስ ዘይብሎም ይሓድሩ ኣለዉ፡፡ እቶም ብሃማት ሓድ ሓደ ደገፍቲ በውራጃነት ተታሊሎም ከጣቅዑ ትርእዮም እዚ ሰብኣይ እንተከደ ሃገር ክትበታተን እያ ይብሉ፡፡
እታ ምስጢር ዓወት ኣብ ጥሙር ኤርትራዉነት ጥራይ እያ ትርከብ ወጊድ ንበሎ ጸቢብ ቀቢላዊ ኣውራጃዊ ወረዳዊ ሃይማኖታዊ ምጉጅጃል፡፡
Dala Ksha January 2, 2015
Godefa
I like your article .you sound like you know all the behavior of the mad dog.This mad dog if somebody don’t eliminate him he is going to finish us .(bebhade seb wahade)i am just wondering what are those Idiot So called General’s doing.
Dala Ksha January 2, 2015
I heard even the children of the General’s are leaving the country.
Alem January 2, 2015
I hope this mad dog from Tembien along with his cousins Yemane Monkey, Hagos Kisha, and Asmelash Abraha disappears from our Eritrea this year!!
I watched a new movie “THE INTERVIEW” about the tyrant North Korean Leader Kim Jong Un and remind me about Wedi Medhin Berad (our No. 2 tyrant in the world). Please watch it and you will see the similarities of the tyrants!
woldu January 2, 2015
Happy new year 2015 guys,
I don’t why?, we are expecting some good things from a dictator who got blinded and that possessed with devil since He joined the Eritrean straggle. This Evil dictator is doing his evil work since the day one. So why we are expecting or hoping to see or hear some positive? are we sick? we, the Eritreans, need to fix our “ANABIBANA.” THIS dictator is saying: when you Eritreans tried to challenge me? when are you Eritreans get it and stand to your dignity? When are you, Eritreans, starting to think as adults to decide you destiny with rational way? what are you, Eritreans, going to do things with out me (the dictator) even when The dictator trash you, insult you, taking your human dignity as human being? purposely taking hizbawi serawit for nonsense training in the middle of harvesting. What are we waiting for. This evil ever seen dictator is wanting Eritrean people to die of hanger, and starvation. Let’s save and raise to our dignity. At this time being an Eritrean is sdamed, defeated, who was taken his kidney, got killed, and being a pray. WHAT THIS DICTATOR SAYING IS “I AM A ERITREAN KILLER AND DISTROYER The PROBLEM THE WAY YOU THE Eritrean, READ AND INTERPRATING FOR EVERY THING I (THE DICTATOR) DO? THE DICTATOR SAYING I NEVER CHANGE FROM MY DAY ONE”. The dictator is reminding us to fix “ANABYBAN” so hoping this Year to fix the way we,the Eritreans, READ AND INTERPRATING. we The Eritreans to break this disastrous path and to safe our wonderful country to live under the rule of law, and justice.
Zikri nisuweatna
Semhar January 2, 2015
Thanks Woldu!
hagose tekle January 2, 2015
ክቡር ጸሓፊ ዕላልካ ኣዝዩ መሲጡኒ ኣዝየ አመስግነካ ግን ዘይገለጽካዮ ብዙሕ ሓጥያት አሰያስ ኣሎ ሞ ንመጻኢ ከተልለና ኣነውን ከሊለኩም ተስፋ ዪገብር ሰላምካ ዪምነ
Bereket January 2, 2015
The following Shabait news is the worst insult to Eritreans. The nation called Eritrea that had never had a single national financial public budget had received an “award”:
“Office of the Audit General of the State of Eritrea has received award from African Organizations of Supreme Audit Institutions (AFROSAI-E) upon demonstrating best progress during 2014 Technical Update.” Shabait Tuesday, 30 December 2014
ruta January 2, 2015
ጎደፋ፡ ናይ ብሐቂ ስነ ፋልጠታዊ አልፍጦ አፍሊጥካኒ ፍልጠት ይወስካ አንበብቲ ከአ በቲ ዝሀበና አመል ምስ መግነዝ ጽሑፉ ትፈልጥዎን ዘትፈልጥዎ ዝረሳዕክሞን መዘካከሪ ገርልኩም አሎ።
Truly Truly isay to you January 3, 2015
ኣዬ ኣይተ ኢሳያስ ንነፍሱ መቼም ብዛእባ ዘቤታዊ ዞባዊን ዓለማዊን ፖሎቲካዊ ቁጠባዊ ትንትና ማለት ከምትቃሉ ብናቱ ኣንባብባ ከም ሃደ ሊቅ ገሩ ስለዝወስዳ፣ ዋላ ካብቶም ናይ ኣውሮፓ ሕብረት ሃገራት ሊቃውንት ኮነ ናይ ኣሜሪካ ሰበ ስልጣናት ካብናቱ ኣንባባ ወጻኢ ብፍልጠት ፣ ሃደ ሰብ´ኳ ዝዳረጎ ከምዘየለ እዩ ንነፍሱ ዘእምና። ነዚ ጽላሌኡ ብኣግኡ ዘስተባሃለሉ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር መለስ ዜናዊውን ሃደ እዋን ምስ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ይመስለኒ ምስ ሃውና ኣማንኤል እያሱ ኣብዝሓቦ ቃለ ምልልስ ክምልስ እንከሎ፦ ናይ ኢሳያስ ጸገም ንኤርትራ ከምዚ ናይ ዓለም ፖሎቲካዊን ቁጠባዊን ፍታሜታት ዝፍጸመላ ማእከላዊት (ሴንተር) nucleus ሃገር ወይ ስፍራ ገሩ ስለለዝቆጽራ፣ ከምኡሙውን ንሕዝቢ ኤርትራ ድማ ዋላ ድሕሪ ነጻነት ልክእ ኣብ ግዘ ገድሊ ብዝነበረ ስርዓትን ሜላን ተጠቂሙ ከማሃድሮ እዩ ዝረኣይ ዘሎ ኢሉ ነቲ ዘለዎ ጭካኔኡን ድንቁርናን ኣዳእዲኡ ጽቦቅ ገሩ ይገልጸሉ ከምዝነበረ ኩልኻትኩም ትዝክሩ ትኮኑ። ንኹሉ ናይ ዓለም ሕዝቢ ነቲ ኣነ ዝብሎ ክትሰምኡኒ ኣለኩም ዝብል ጽላሌ ከምዘለዎ ዘስምእ ዘረባ መለስ ተዛሪቡ ከምዝነበረ እዝክር። እቶም ናቱ ደቀመዛሙርት ሰኣብቱውን ብዓለም ዝዳረጎ ሊቅ ከምዘየሎ እዮም ዝኣምኑ። ። ግናስ ኢሳያስ ዝበለ ተበለ ሃደ ሊቅ ዝኾነላን ዝገበለላን ፍልጠት በወገነይ ዝኣምነላ እንተላ፡ ከመይ ገሩ ንሕዝቢ ኤርትራ ሰጥ ለጥ ኣቢሉ ይረግጾ፣ ከመይ ገሩ ንሕዝቢ ኤርትራ ኣዋሪዱን ኣማሪሩን ናብታ ቀደም ዝነበረላ ሃገሩ ኢትዮጵያ ብተንኮል ክጽንብራ ብትግሓት ይሰርህ ከምዘሎ ጥራይ ነቶም ኣጸቢቅኩም ዘይትፈልጡ ለዋሃት ሰባት እንተለኩም፣ ማለት ሙሉእ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ተዘይሰለጦ እንተወሃደ ከም ቀደማ ብፌዴሬሽን ንክተኣሳሰር ድሌት ከምዘለዎ ክገልጽልኩም እፈቱ። ነዚ ዘይትኣምኑ ተኾይንኩም፣ ነዚ ቪድዮ ጠውቅኩ
Isayas Afworki interview in Addis Abeba 1993
ነቲ ካብ ምበል 18-22 ኣብዘሉ ደቂቅ ነቲ ዝተዛረቦ ዘረባ ባእልኹም ሰሚእኩም ኣረጋግጽዎ። ግዜ ተረኺበ ነቲ ካልእ ዝተረፈኒ ሃሳብ ከቅርበልኮም እዬ።
ogbai January 3, 2015
ማይ ዝሓቖነን ንኢስያስ ዛኣመነን ሓደ ምኻኑ እዩ፡ እቲ ጸገምና እሙን ካብ ዘይኮነ ስለምንታይ ክሳብ ክንድዚ ዕድመን ክንድዚ ዛኣኽሉ ሳዓብትን መጣቓዒትን ረኺቡ።፡ ጌና ከም ዋና ገባርን ሓዳግን ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ ምስጢረ ብልሃቱ ጽዑቕ መጽናዕቲ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ።`ብወገነይ ኣብ ክንዲ ብምትዕጻጻፍን ንምስጢራቱ ምቅላዕና ኣብ ምጽራፉን ምርጋምን ተደሪትና ንውዕል ኣለና። ከም ባዓል የማነ ተኽለገርግሽ ወዲ ባጋሮ ውሽጡ ሽርጋንኡ ዘፈልጡ ዘበሉ ብዝያዳ ከቃልዕዎ መድረኽ ይጠልቦም ኣሎ ሃየ’ባ ከኣ ንብሎም።’ካብ እኽልስ ሰብ ይስፈር’ ዝባሃል ምስላ ኣሎ እቲ ዘገርም ሰውራ ኤርትራ ን30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ኣካይዱ ንብዙሓት ምሁራትን ተባዓትን ብሰላሕታ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣንዳኣጽነተ ዘመጸ ሰይጣናዊ ፍጡር፡ ኣብ ክሳዱ ተሸኪሙ ኣስመራ ምእታዉ ኣዝዩ ዘሕዘን ታሪኽ እዩ።
ነዚ ንብዙሓት ሳዓብቱ ዓይኒ ዘዖረ ኣብ ኣስመራ ከኣ ፈጺሙ ዝገበል፡ ካብ ክሳድኩም ኣይወርድን ዕጭ እምብለይ፡ መን ኣሎ ከማይ ንዘበለ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ፡ ኣያይ ድኣ ንዝበሉ ሳዓብቱ፡ ኣይኦም እንተዘይ ኣትዩ ከምቶም ናይ ኣያታቱ ጎይተቱ ኣብታ ጉድጋዱ፡ ዕርፍቲ ኣይክህቡዋን እዮም ነዛ ሃገርና ክትድሕን ካብ ሰረ መዓቱ። ንበይኑ ንጉዳይና ጀማርን፡ ወድእን፡ ከም ዝኾነ ጌሩ ክቐርብን ከሽካዕልልን እንዳራኣዩ ከኣ፡ ኣእዳዎም ክሳብ ዝምለጥ ዘጣቕዑ ክትርኢ ከለኻ፡ መርገም’ዶ ምርቓ ዘየብል ኣይኮነን። እቶም ደገፍቱ ዘቕርብዎ ዋላ ሓንቲ ጭቡጥ መርትዖ የብሎምን፡ ብስሚዒት ጥርሕ ተሸሚሞ ወዲ ኣፎም ዝመስልዎ የልቦን ክብሎ ጥርሕ እንዳኣሎም ክዕፍሩ ዝውዕሉን ዝሓድሩን ዘለዉ። ‘ቖልዓስ ከም ምዕበይኡ’ ከም ዝባሃል ንሱ ዘንፍሰን ቃላት ጸርፊ ወይ ኣሽካዕላል፡ ናይ ከንቱ ጸለመ ክደገግምወን ኢና እንዕዘብ ዘለና ዘስደምም ጉዳይ እዩ።
እቲ ፍታሕ እንኮ ፍታሕ ከምቲ ኣመል ምስ መግነዝ ዝተባህለ፡ ምስ ኣመሉ ምውጋኑ እቲ ናይ መወዳእታ ፍታሕ ስለ ዝኾነ ዘየማትእ ቆራጽ ስጉምቲ ክውሰደሉ እቲ መድርኽ በሲሉ እዩ። ብዝተረፈ ካብዚ ብዱዕ መላኺ ራህዋ ዝጽበ እንተሎ ካብ ደርሆ ጸባ ምጽባይ ይሐይሽ ክብል እደፍር። ዘበለ እንተበለ ግብራዊ መልሲ እዩ እቲ ወሳኒ።
ዓወትና ናይ ግድን እዩ!