Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣሓ ምስ ሓራዲአን፡ ማይ ይሰትያ!

ኣሓ  ምስ  ሓራዲአን፡ ማይ  ይሰትያ! ሃብተማርያም ኣብራሃ ለንደን-ዓዲ እንግሊዝ 21 ግንቦት 2015 ሰላም ዝኸበርኩም ኣሕዋተይ፡ ኣሓተይን ደቀይን። ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ሕሱም ግዜ፡ ዝስመዓኒ ሃገራዊ ሓዘንን ጓሂን ምስ ናይ ዕድመ ተመኩሮይ ከካፍለኩም እንከለኹ፣ ደስ ይብለኒ። ‘ኣሓስ ምስ ሓራዲአን ማይ ይሰትያ’

ኣሓ  ምስ  ሓራዲአን፡ ማይ  ይሰትያ!

ሃብተማርያም ኣብራሃ

ለንደን-ዓዲ እንግሊዝ

21 ግንቦት 2015

ሰላም ዝኸበርኩም ኣሕዋተይ፡ ኣሓተይን ደቀይን። ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ሕሱም ግዜ፡ ዝስመዓኒ ሃገራዊ ሓዘንን ጓሂን ምስ ናይ ዕድመ ተመኩሮይ ከካፍለኩም እንከለኹ፣ ደስ ይብለኒ። ‘ኣሓስ ምስ ሓራዲአን ማይ ይሰትያ’ ዝተባህለ፡ ብትኽክል ከምዚ ሎሚ ንርእዮ ዘለና ኣከያይዳ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ዝመስል። ብሰንኪ ሕሱም ስርዓት ህግደፍ ኣብ ወወርሒ ህዝቢ ይሃልቕ ኣሎ። ባሕሪ መዲተራንያን ከኣ፡ ወሓጢት መንእሰያት ኤርትራውያን ኮይና ኣላ።

እዚ ሰንካም ስርዓት’ዚ ከምቲ ንቆልዓ ክስንብድ ኢሎም “ዝብኢ መጸካ” ዝብልዎ ዝነበሩ፡ ካብ 1998 ክሳብ ሎሚ “ወያነ መጺኦሙኻ፡ ወራር ይቀራረብ ኣሎ፣ ወይልኻ ጠፋእካ!” ብዝብል ለበዳ ሓሶት፡ ህዝቢ ናብ ኣደዳ ራዕዲን ሽበራን ከም ዝንቆት ገይሩዎ ይርከብ። ኤርትራ ንኢሰያስ ከም ናይ ገዛእ ርእሱ ኣጉዶ ኢያ ተቐይራ ዘላ። ናብዚ ሎሚ ዘሎ መልክዕ ሃገርና ንምብጻሕ ከኣ፡ ካብታ ዝተሰለፈላ መዓልቲ ኣትሒዙ ደቂሱ ኣይፈልጥን ኢዩ።

ወላ’ኳ ብዙሓት ገዳይም ተጋደልቲ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢሰያስ ንክገልጹ ዕጭ እንተበሉ፡ ኣነ ብንኡስ ዓቕመይ ንኢሰያስ መንነቱን መንገዱን ብዝምልከት ካብ ነዊሕ ዓመታት ተዛሪበን ጽሒፈን እየ። ከምዚ ናተይ ዝተዛረቡን መጽሓፍ ዝጸሓፉን እውን ኣለዉ። ግን ከምቲ ናብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል ዝበሃል፡ እዚ ፈሊጡ ዝጸመመ ህዝቢ’ዚ ክሳብ ኣእዛኑ ዝኹኩዕን ኣዒንቱ ዝኸፍትን መቕዘፍቲ መንእሰያትና ገና ክቕጽል ኢዩ።

ነቶም ሃገር ዘፍረየቶም ደቂ ህዝቢ፡ ብሰንኪ ጨካን ኣተሓሕዛ ኢሰያስ ሃጽ ኢሎም ዝሃደሙን ዝጠሓሉን፡ “ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት” ኢሉ ከም ዝጸውዖም ዚዝከር ኢዩ። እቲ ሞት መመሊሱ ደኣ ገደደን በዝሐን እምበር ኣይነከየን። ድምጺ መርድእ ኣብ መመዓልቲ ኣብ ዘቃልሓሉ ዘሎ ግዜ፡ ናይ ሓዘን ዳሳት ኣብ ነፍስ ወከፍ ገዛ ተተኺሉሉ ኣብ ዘሎ ሓያል እዋን ግን እቶም ኣዝዮም ካብ ስነ ምግባር ህዝቢ ዝረሓቑ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብዚ ንማዓልቲ ናጽነት ዝዳሎ ዘሎ ዳሳት ንክስዕስዑ ይቀራረቡ ኣለዉ’ሞ፣ ዓገብ ክብሎም እደሊ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጉዳይ ምስ ተረኽበ ኢዮም ድማ ኣቦታት “ኣሓስ ምስ ሓራዲአን ማይ ይሰትያ” ዝበሉ።

ከምቲ ዝወዓለ ይንገርካ፡ ዝሰሓተ ከኣ ይምከርካ ዝበሃል ምስላ ኣቦታትና፡ ኣነ ብዕድመይን ብተመኩሮይን ምስቶም ናጽነት ንምምጻእ ብዘይሕለል ንያት ዝወዓሉን፣ ምስቶም ኣንጻር ሕሱም ኢሰያስ ተቓሊሶም ህዝባዊ ዕላማ ንምህራም ዝሰሓቱን ዜጋ እየ። ክቡራት መንእሰያት ደቀይ! ካብ ስሕታንን ጌጋታትን ተማሂርኩም ብሓደ ኣሰጓጉማ ንጸላኢኹም መክቱ።

ከምቲ ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም “ምስ ዘራእቲ ነይረስ፡ ምስ ዓጻዶ ከኣ ተራኺበ” ዝበሎ፡ ኣነ’ውን ብዘይ ምግናን ምስቶም ዘርኢ ናጽነት ዝዘርኡ ቀዳሞት ነይረስ፡ ሎሚ ከኣ ምሳኹም ምስቶም ዓጻዶ ሓርነታዊ እንዳእቲ ተራኺበ። ድሌትናን ኣከያይዳናን ነንበይኑ ብምዃኑ ግን፡ ናብ ፍጹም ዓወት ክንበጽሕ ኣይከኣልናን። ወላ’ኳ እቶም መጣቓዕቲ ምርጭኦም ኮይኑ “ኢሰያስ ይንበረልና፡ ብዘይካ ንሱ ንኤርትራ ክመርሕ ዝኽእል ሰብ የለን” እንተበሉ፡ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ እውን ቁልፍና ኣይተረረን። ኣብ ኣርበዓታት፡ ሓምሳታትን ድሕሪኡ እውን ኣብቲ ን30 ዓመታት ዝነበረ መጋርያ ኲናት፡ ኤርትራዊ ከምዚ ኣይነበረን። ዕጡቕን ተባዕን ከም ዝነበረ ታሪኽ ምስክር ኢዩ። ኣይኮነን’ዶ ንፍትሒን ራህዋን፡ ቀዳሞት ኣቦታት ናብ ጫካታት መረብን ተከዘን ወፊሮም ኣንበሳ ቀቲሎም’ውን ሓኔታይ ይበሃሉ ነይሮም ኢዮም። ክብርታትናን ትብዓትናን በዚ ንጥፍኣትና ዝተሰለፈ ገበነኛ ኢሰያስ ክብለል እንከሎ ከኣ የተሓሳስበኒ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መዋእል፡ ንሕና ኤርትራውያን ብዘይ ኣፈላላይ ኢድ-ንኢድ ተተሓሒዝና ክንከይድ ይግባእ።

ዝኸበርካ ህዝበይ! ዕድል ናይዚ ወለዶ እዚ ኣብ ታሪኽ መወዳድርቲ የብሉን። ከምዚ ኤርትራ ረኺባቶ ዘላ ሕሰም፡ ኣብ መጻሕፍቲ ኣይተጻሕፉን። ኣብ ሃገርና፡ ዘይተበግረ’ምበር ዘይተገብረስ የለን። ገበናት ኢሰያስን ጉጅለኡን ንምጽሓፍ፡ ባሕሪ ቀለም እንተዝኸውን እውን ኣይምእእኸሎን። ኣሓ ምስ ሓራዲአን ማይ ይሰትያ! ነዚ ኩሉ ህልቂት እናረኣዩ ድማ፡ ገና ዘጣቕዑ ሰባት ኣለዉ።

ብሰንኪ ሓደ ብመንነቱ ዝቑሎ ዝነበረን ዘሎን ኢሰያስ ከኣ ህዝቢን ሃገርን ናብ ደረጃ ምጽናት እናተቓረቡ ይመጽኡ ኣለዉ። ገ እናበሉኻ’ዶ ትጋገ፡ ካብ ዝሓለፉ ጌጋታትና ዘይንመሃር፡ ናይ ትማሊ ዘይንዝክር ሓመይቲን ተገላበጥን ህዝቢ ምዃንና ሎሚ ኣብ ግዜ ዕብየተይ ክመዝኖ እንከለኹ ድማ የሕዝነኒ። ስርዓት ህግደፍ ንምቕያር ቅድሚ ኩሉ ናይ ኣተሓሳስባና ሰውራ የድሊ ኣሎ። ተቓወምቲ ውድባትን ባይቶን ግዜ ህዝቢ ኤርትራ ሰሪቖሞ ኢዮም። ብዘይ ከውን ተስፋ፡ ሃንቀውታ ህዝቢ ንብዙሕ ዓመታት ተኾሊፉ ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ስለ ናጽነት ዝተጋደሎ ዘመን፡ ብትኽክል ፈታዊኡን ጸላኢኡን ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ኮር ተግልበጥ፡ ሎሚ ኣብ ክንዲ ግዜ ዝማዕበለ፣ መራኸቢ ክንዲ ዝቐልጠፈ ግን ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ጥራይ ኮይኑ ጉዕዞና። ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ናይ ናጽነት ዓመታት ኢልና ዝረዓምናየን ግዚያት፡ ብዘይካ መንገዲ ጥፍኣት ካልእ መንገዲ ርኢና ኣይንፈልጥን ኢና። ንሱ እቲ ኣቐዲሙ ዝመንኮሰ፡ ኣብ ሃገርና ዝተቐመጠ ዲያብሎስ፡ በዓል ጉዳይን ዕላማን ስለዝኾነስ፡ ኣብ መንገዱ ኢዩ ነይሩን ዘሎን።

ንሕና እዞም ተረከብቲ ሃገር ዝኾነንና፡ እቶም ደድሕሬና ዝስዕቡ ዘለዉ ውሉዳት ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ንሓዋሩ ዝኸውን ፍታሕ ንደሊ ከም ዘመነ ባቢሎን ገና ኣብ ጣቕዒትን ጽላለን ንነብር ኣለና። ንሱ ብደም ህዝቢ ኤርትራ ዝጎስዐ ገበነኛ ኢዩ። ብሞትን ጥፍኣትን ኤርትራውያን ኣብ ዝቆጻጸየሉ ዘሎ እዋን ድማ፡ ኣብ ጓይላ ኣጋንንቲ ዓሲልኩም ተጣቕዑን ትለሃዩን ዘለኹም ዓገብ! ሎሚ ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ዝጠፍኣሉ ዘሎ ግናይ ዘመን ኢዩ። ሕቑፊ ወለዶም ዘይጸገቡ ሕጻናት ኢዮም ኣብ ምድረ በዳ ዝጠፍኡ ዘለዉ። ሞት ካብ ኣቦና ኣዳም ዝጀመረ፡ ኣብ ዓለም ንቡር ብጽሒት ወዲ ሰብ ኢዩ። ኣማውታ ኤርትራውያን ግን ንበይኑ ኮይኑ ኣሎ።

እቲ መሰክሕ ህልቂት ደቂ ኤርትራ፡ ከም ኣማውታ ጉልሓይ እናተለምደ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ምድረ በዳን ባሕርታትን በብወርሑ ዝሃልቕ ዘሎ መንእሰይ መን ይቑጸሮ! ብሰንኪ እዚ ንሃገር ጸቒጡ ገቢትዋ ዘሎ ዲያብሎስ፡ ኣማውታ ኤርትራውያን መመሊሱ ኢዩ ዝኸፍእ ዘሎ። ናይ ሲናይን ባሕሪን ከይኣክል ድማ፡ ኤርትራ ዝወለደቶም መንእሰያት ብደዒሽ /ISIS/ ኣብ ገማግም ማይ ሊብያ ክሳውዶም ተቖሪጾም ኣለዉ።

ኣሓ ምስ ሓራዲአን ማይ ይሰትያ ከም ዝበሃል ድግም፡ ኣንታ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሓዘን ግዜ ምስ ሓራዲኻ ክትስዕስዕ ትቀራረብ ዘለኻ፡ ኣንቲ ደቅኺ እናተሓርዱ ዝዋውዕ ዝመስል ወርቂታት ተሰሊምኪ ኮቦሮ ኢሳይያስ ክትሃርሚ ትህንጠዪ ዘለኺ ኤርትራዊት ኣደ፡ ዓገብ እብለኪ ኣለኹ። ብስም መዓልቲ ናጽነት ንዳንኬራ ዝግበር ዘሎ ምድላዋት ብኩሉ ህዝቢ ክፍንፈን ኣለዎ። እንተተኻኢሉ ኩነኔ፡ እንተዘይተኻኢሉ ድማ ህዝቢ በብእምነቱ ስለ እዚ ዝጠፍእ ዘሎ መንእሰይ ክጽሊ ይግባእ።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • AHMED SALEH May 21, 2015

    ” AHAS MS KETALYIEN MAY YISETYA ” .
    That is the result of current reality in Eritrea after they abandoned the culture that
    shows by example how young generation make positive choice in life . people refuse to
    open their hearts in concern of our young ;
    Do we really understand the meaning and purposes of patriotism ? I doubt so .
    Unfortunately many of us has been under influence of Issayas’s deceptive
    for too long where their conscience is ignored by self inclined obligation to obey the
    authority . If we in diaspora do not attempt to make the lives and stability of our
    people , tomorrow history will question us for our part on taking a role to the issue
    itself . The issue is a matter of life beyond politics and their immoral action will
    hunt them down with guilt for entire life .
    Regardless what others are participating in , we as good citizens have to obey our
    morals with prior intention on our people interest and better future .

  • Alem k May 21, 2015

    Thank you ABONA Habtemariam Abrha your advice and guidance is priceless. Your advice is making a huge difference, slowly but surly our people are changing and the demise of the criminal regime is not far.
    Thank you very much for your lesson and keep on teaching us.

  • Simon G. May 21, 2015

    ኣሓ ምስ ሓራዲአን፡ ማይ ይሰትያ!
    ካብዚ ንላዕሊ ዘረባ የለን። ኢሳያስ በብሓደ እንዳርገፎም: ንሕና-ንሱ የጣቕዑ። መግለጺ ‘ኳ ስኢንናሉ።

  • Nebiat Tecle May 21, 2015

    I really appreciate your advice sir. let’s be one and pray for our brothers and sisters that they are sacrificing their life ….
    Thank you

  • Stefanos Temolso May 22, 2015

    ድሕሪ ክቡር ኣቦና ሃብተማርያም’ሞ እንታይ ክንዛረብ ኢና። ኵሉቲ ዝብሃል ኢልኩሞ ኢኹም። ኣብ ልቢ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ የህድሮ ጥራይ እዩ ዝብሃል።

  • koreri May 22, 2015

    አቦይ ሀብተማርያም ጽቡቅ ማዕዳ የቐንየልና። ህዝቢ ውን እዝኒ ክህበሉን አብ ተግባር ከውዕሎን ይግባእ።
    መራሕቲ እምነት ናይ ኩሉ ሀይማኖት አብዚ ዓቢ ግደ አለዎም እብል።

  • Tzegay May 22, 2015

    True ኣሓ ምስ ሓራዲአን ማይ ይሰትያ . Aboy Habtemariam, qedem jegna , lomi jegna ikum. Gna higdefawyan “hizbi kihaliq kelo ziberaber “troyan” (kem ab computer zusefere)ab riisom sle zisefere kab misi’isa’i ayequaritzin iyu.Mikniyat iwn alowom. “Ane geza-zeyserhala Ertras dandier aytbuqela.” iyu

  • Almaz Gual Asmera May 22, 2015

    ዝኸበርኩም ኣቦና ብሓቂ ንዘስተውዕል፡ ትርግታ ልቢ ዝትንክፍ ሓላፍነታውን ርትዓን ምዕዶ እዩ። ንታሪኽ ተሰኒዱ …ኣብቲ ዘመን ኣካሒዳ ..እንበዓል መን ነበሩ ኪብሃል ከሎ…ብጽቡቕ ኪዝንቶ ዝንብር መልእኽቲ እዩ። እቲ ዘሰክፈና …ብብሓደ ሰብ ውሓደ ኮይኑ፡ እቶም ዓበይቲ ሓርበኛታት ከም ብዓል ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን…ከየሳለዩናን እቲ ክንልብመሉ ዝግብኣና ቀንዲ ጉዳይ ከይመኸሩና ከምዛ ዋዛ ሓሊፎም። እዞም ህሉዋት ሓወልቲ ዝኾንኩም ኣቦታትውን …ሕዝብና ናብ ልቡ ተመሊሱ መገዲ ሕውየት ከይጀመረ ከሎ ከይጠፍኡና እሞ ግርማን ልቦናን ከይውሕደና ዘሻቕል እዩ። ኣእምርኦም ብዴሳዊ ኣተሓሳስባ ዝተሕጽቡ ናይቲ ዘመን ገድሊ መንእሰያት ብዘይካና ዝፈልጥ የሎን፡ ብዘይካና ሃገር ደው ኣይትብልን እናበሉ…ንታሪኽ፡ ክቡር ባህሊ፡ ትውፊት ኣቦታቶም ንዒቖም ደርበይዎ። ቖልዓስ ይጎዪ እምበር ኣይቅድምን ከምዝብሃል ድማ፡ ዓዲ ምስ ኣተዉ ነቲ ኹሉ ክቡር ህይወት ደቂ ሕዝቢ ዝበልዐ ነጻነት፡ መእሰሪ ከምዘይብሉ ማእዶ ፋሕ ብትን ኣቢሎሞ። ሕጂውን ፖለቲከኛታት ፈለጥና ኪብሉ…ሕዝቢ ዝደልዮ ገዲፎም…ይህውትቱ ኣሎዉ። ሕዝቢ ፍትሒ ሕግን ቅሳነትን ኣብ ውሽጡን ምስ ጎረባብትን እንተዘይኮይኑ እንታይ ግበሩልናዶ ኢሉ እዩ? እቲ ጻዕረኛ ሕዝቢ ዋና ጉዳዪ እኝተኾይኑ ንባዕሉ ምዃን ኣይምስኣነን። ታሪኹውን ምስክር እዩ። እዚ ሕጂ ዘሎ ግን ንብላዕ ስርናይ ክሳብ ሰማይ ኮይኑ…ንገበነኛታት ዝምችእ፡ ንተበልጽቲ ዕዳጋ ከፊትሎም…ሕዝብና ድማ ንብትታን ተቛሪቡ። እሞ እምላኽ/ኣላህ …ሓደ ሙሴ ተቓሊሱን ንኹላትና ብዘያፈላላይ ኣቓሊሱን ዓዲ ዘእትወና መድሓኒ ይልኣኸልና…እምበር እንታይ ይብሃል ኮይኑ። እቶም ናይ ደቡብ ጎረቤትና፡ ኢትዮጵያ፡ ምሕያሎምን ምብርታዖምን…ንዕናውን ኣወንታዊ ጽልዋ ከይሃለዎ ኣይክተርፍን እዩ…ንፋሶም ይልከየና። ዘይቀንእ ኣይወለድ እኳ ዝብሃል።

  • ማሊሻ May 22, 2015

    “ኣሓ ምስ ሓራዲኤን ፣ ማይ ይሰተያ።” ይብሉ እቶም ወራዙትን ለባማትን ኣበዋት ምድረ ሓበሻ።

    እዚ ሓቂ ብሂል ናይ ቀዳሞት ነዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ዘመነ ዉርደትን ሕስረትን ብጉቡእ የንጸባርቕ እኳ እንተኾነ፤ ንሕና ፈዛዛትን ሰብ ቀንፈዘውን በዚ ሕማም ሰፈንላል ካብ ንድነስ ልዕሊ ሱሳ ዓመታት ሓሊፉ እዩ። ናይ ሓሶት ፖለቲካዊ ታሪኽ እንዳኣለምና፤ ኣሕዋትናን መሓዙትናን ጎረባብትናን ብሓሶትን ተንኮልን እንዳቐባእና፤ መንነትናን ታሪኽናን እንዳቆናጸብና፤ ንቕያ ነቶም ዓደቦን ስርዓትን ኩርዓትን ዘውረሱና ኣባሓጎታትና እንዳጸረፍና፤ ቋንቋታትናን ልምድናን ብባርዕ ሓዊ እንዳልመስና፤ ነቲ ናይ ግዳም ባሕሪ ሰገር ናይ ክራይ መንነትን ልምድን ልሳንን ከም ጣኦት እንዳምለኽና፤ ንሕና ህዝበ ሰፍንላል ደይ ብቐደሙ ጅምር ክትብል ከላ ኢና ምስ ሓራዲና ማይ ክንሰቲ ዝወፈርና። ዓይኒ ከለና ስዉራት፣ እምሮ ከለና ፈዛዛት ስለዝኾና፤ ሎሚ ኣብ ዓድና ገላዩ፣ ኣብ ዓዲ ጓና ባራዩ “ዓቢድ” ተባሂልና ምስ ተሽጥናን ምስ ተዋረድናን፤ ንገሌና ሕጂ ተፈሊጡና እምበር።

    ዝኾነ ይኹን ሕብረተሰብ፣ ሓዉ ሓብቱ ጎረቤቱ ዘየኽብር፣ ዓደቦኡን ስርዓቱን ዘይሕሉ፣ መንነቱ ቋንቋታቱን ታሪኹን ዝጠልም፤ እዚ ዉርደትን ሕስረትን ኣብ ኣፈፌት ኣዳራሹ ዱብ እንተበሉ ኣየገርምን፤ እቲ ምንታይሲ ብቐደሙ ምስ ሓራዲኡ ንሩባ ስለ ዝወፈረ። እዚ ድማ ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ስርዓት ህግደፍን ሓላፍነት ጥራይ ኣይኮነን፤ ናይ ኩልና እቶም ተዓሚትና ንሩባ ዝወፈርናን፣ ንኻለኦት መሳኪንን ገርሂ ልባን ብሓይሊ ኣፈሙዝ ኮብኪብና ዝለከምና ምስሉያትን ኣምሰሉታትን እዩ።

  • Tes May 22, 2015

    Kiya zereba kbur abo way Hawi, always wise is wise who can see the consequences. The sad thing about Eritrea is that the are plenty dump people with low IQ. they could not see their enemy. they willingly camp with their tormentor.