Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኢሳያስ ንኢትዮጵያ ክወርር ምስ ዝፍትን ዕምረ ስልጣኑ ከምዘብቅዕ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊጹ::

ኢሳያስ ቀይሕ መስመር ሰጊሩ ንኢትዮጵያ ክወርር ምስ ዝፍትን: ኢትዮጵያ ዳግማይ ከም ዘይትንስእ ስጉምቲ ከም እትወስደሉ ዝጸንሐ ፖሊሲን ስትራተጂ  ሃገሩ ከምዝኾነ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊጹ:: ንሱ : ምስ  ጽንዓት ዝተሰምየ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ

ኢሳያስ ቀይሕ መስመር ሰጊሩ ንኢትዮጵያ ክወርር ምስ ዝፍትን: ኢትዮጵያ ዳግማይ ከም ዘይትንስእ ስጉምቲ ከም እትወስደሉ ዝጸንሐ ፖሊሲን ስትራተጂ  ሃገሩ ከምዝኾነ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊጹ:: ንሱ : ምስ  ጽንዓት ዝተሰምየ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ራድዮ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ: ኢሳያስ ዓቕሙ ብምድኻሙ ንኣሽቱ ምትኹታኹ ይገብር ከም ዘሎን ማዕረኡ ድማ ስጉምቲ ከምዝወስዱን ኣፍሊጡ:: ብዛዕባ’ቲ ብኢሳያስ ዝድገፍ ካብ ኤርትራ ዝንቀሳቐስ ግንቦት 7 ዝተባህለ ተቓዋሚ ድማ: ”ዝወድቕ ዘሎ መንግስቲ ንተቓወምቲ ዝህቦ ብዙሕ ደገፍ ኣሎ ኢልና ኣይንኣምንን ክብል መሊሱ”:: ህግደፍ  እትጥሕል ዘላ መርከብ’ዩ ድሕሪ ምባል :ዶክተር ቴድሮስ እቲ ተቓዋሚ ምስ’ታ መርከብ  ሓቢሩ ከምዝጥሕል ኣገንዚቡ::

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብዘይካ’ዚ: ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዘውርዶ ዘሎ ግፍዒ: ኣብ ወርሒ ካብ4000- 5000 ኤርትራውያን ነተጉቲ ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣትውን ብዘይካ’ቶም ናብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን በብእዋኑ ዝሰገሩ ሰባት ኣብ’ዚ እዋን’ዚ: ኣብ ሰለስተ መደበራት ልዕሊ 100ሽሕ ተዓቑቦም ከምዘሎው ኣፍሊጡ:: ኣብ መንጎ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ጥቡቕ ዝምድና ከምዘሎን: ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ ሃገራ ዝኣትው ናይ ትምህርቲን  ምስ መቕርቦምን መሓዙቶምን ናይ ምጽንባር ዕድልን ከም እትህብን ሓቢሩ::

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝሓለፈ ወርሒ ንባይቶ ሃገሩ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ህግደፍ ካብ ሃዋኺ ተግባራቱ ምስ ዘይግታእ : ንህዝቢ ኣፍሊጥና ስጉምቲ ክንወስድ ክንግደድ ኢና ምባሉ ይዝከር::

aseye.asena@gmail.com

Review overview
31 COMMENTS
  • belo kefiuwo kelo August 6, 2015

    shigiru siltan mikanu felitom diyom izia tsibikti gin niana eritrawian aytitekmenan iya.

  • A H August 12, 2015

    ኣምላኽ ምሕረት የውርድ፥ ኢድና ኣጣሚርናዶ ወይ ካምቻና ሰብሲብና? ካብ 120 ሽሕ ንላዕሊ ክስውኡ ከለዉ ኢዶም ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ መጢጦም፡ ኢድ ብኢድ እናተጠማጠሙ ‘ዮም ዝሓለፉ። ኣሰሮም ንስዓብ ኣቶም ዓቕሚ ዘይብሎም ንጸሎት ማኣኸሉና፡ ጸላዪ በዚሑ፡ ወስ ዝብል ተሳኢኑ፡ እሳያስ ከኣ ምስዋድ ሓሊፍዎ፡፡
    ተበገስ መንእሰይ፡ ነዞም ሰንኪልና ዘለና ንኣጽንሑለይ ግደፈና፡ ክትምለስ ከለኻ ምድርቤት ጸሪግና ክንጽበየካ። ክሳብ መዓስ ምሳናሞ ሰለይ ክትብል፡ ኣይፋልካን ዕርመሸሽ መርሽ፡ ዕጸዶ ዚቦጅባጅ!!!!!!
    ግዱስ ሃገራዊ
    ግዱስ ዓቕመ ኣልቦ በዚሑኮ ሽግር ኮይኑ!!!!!

Post a Reply to A H Cancel Reply