Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኢሳያስን ገበናቱን ኣብ ኤርትራ፥

ኢሳያስ ኣብ ኤርትራን ኤርትራውያንን ዝፈጸሞ ገበናት ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። እዚ ንምጽናት ኤርትራዊ ዘርኢ ዝፍጸም ዘሎ ገበን፡ ብዕምቀት ንምፍላጡን ንመጻኢ'ውን ከም ታሪኽ ምስናዱን ኣገዳሲ ይመስለኒ።   ሕጂ ብዛዕብኡ ንምዝርዛር ዘይኮነስ፥ እንታይ ደኣ፥ ስምብራቱን ሃሰያኡን ዓቢ ምዃኑ ንምእንፋትን

ኢሳያስ ኣብ ኤርትራን ኤርትራውያንን ዝፈጸሞ ገበናት ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። እዚ ንምጽናት ኤርትራዊ ዘርኢ ዝፍጸም ዘሎ ገበን፡ ብዕምቀት ንምፍላጡን ንመጻኢ’ውን ከም ታሪኽ ምስናዱን ኣገዳሲ ይመስለኒ።   ሕጂ ብዛዕብኡ ንምዝርዛር ዘይኮነስ፥ እንታይ ደኣ፥ ስምብራቱን ሃሰያኡን ዓቢ ምዃኑ ንምእንፋትን ተሓታትነት ክህልዎ ከም ዝግባእ ምጽዓርን ኣብ ዝብሉ ዘተኮረ ሓሳባተይ ንምክፋል ኣዩ።  ብቐንዱ ግን ክልዕለን ዝደለኹ ኣርእስታት እዘን ዚስዕባ እየን፥-

1) ንምሕካኽ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት፥

2)  ምድማር ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብጉልባብ ዞባዊ ውህደት፥

3) ገምጋም ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ጌጋ ምንባሩ ዝተረድኦ ይመስል፥

 

  • ምሕካኽ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን፥

 

ምጽናት ዓሌት ወይ ዘርኢ (Ethnic Cleansing) ብዙሕ ትርጉም ክህልዎን ብዝተፈላለይ ኣገባባት’ውን ክፍጸም ይኽእል ይኸውን፥ እቲ መስርሕ ግን ኮነ ኢልካ ብስዉር ይኹን ብጋህዲ፥ ብዝተፈላለዩ ዝተራቐቑ (Sophisticated) ብዝኾኑ ሜላታት ወይ ኣገባባት ኣብ ልዕሊ ደቂ-ሰባት ዝፍጸም ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት’ዩ። ብምቕታል፥ ብምጭዋይ፥ ብምዕፋን፥ ብምርዓድ፥ ብዘስካሕክሕ ኩነታት ምእሳር ወዘተ. ከጠቓልል ይኽእል። እዚኣቶም ኩላቶም ኣብ ኤርትራ ምፍጻሞም ዘጠራጥር ኣይኮነን ኣብ ቤት ጽሕፈት ሰባኣዊ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስኑዳት እዮም። ብተወሳኺ’ውን ነቲ እትደልዮ ዕላማ ንምውቃዕ፥ ናይ ፕሮጋንዳ ሓሶትን ታህዲድን ዝመልኦ ብመራኽቢ ብዙሓን ምፍታ’ውን ይውስኽ። እዚ’ውን ብዙሕ ተሰሪሑሉን ይስርሓሉን ኣሎ ከም’ቲ ብግዜ ሂትለርን ለኒን ዝነበረ ኣበሃህላ፥ ሸቶኻ ንምውቃዕ ብሓሶት’ውን እንተኾነ ከይተሓለላካ ዘርግሓዮ፥ ድሕሪ ብዙሕ፡ ከሉ ከም ሓቂ ጌሩ ክወስዶን ክርዕሞም’ዩ ዝብል ዕላም ከም ፖሊሲ ተወሲዱ ይስረሓሉ ኣሎ። እቲ ቀንዲ ግህሰት ሰባዊ መሰላት፥ ኣተሓሳስባ ደቂ-ሰባት ንምልዋጥ ዝግበር ዘሎ መስርሕ ዝተበገሰ እዩ። እዚ ከኣ “ፖለቲካዊ ሕጽቦ ሓንጎል’ ኢሎም ይጽውዕዎ። እዚ ከኣ እቲ ዝድለ፥ በስገዳድ ኣብ ኣእምሮን ባህልን ደቂ ሰባት ንምስራጽ እቲ ቀንዲ ዕላማኦም። ብዛዕባ’ዚ ከም ማሕበራዊ ምህንድስና (Social Engineering)  ዚፍለጥ፡ ብብዙሕ መኣዝናት ዚግለጽ ዘሎ እዩ። እዚ ማለት ከኣ ከም’ቲ ሓደ መሃንድስ፥ ዲሳይን ብምንዳፍ፥ ህንጻታት፥  ቢንቶታ፥ት ኮታ ኩሉ ዓይነት ትሕተ-ቅርጽታትን ካልእን ከም ዝህነጹ ዚገብር። እዚ ብማሕበራዊ ምህንዳስና’ዚ ከኣ ብመደብ፥ ንኤርትራዊ ዜጋ ብፍላይ ድማ መንእሰይ፥ ክብርን መሰልን ክህልዎ ከም ዘይክል ወይ ከም ዘይብሉ ጌሩ ከም ዝሓስብ ንምግባሩ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ናይ dehumanization process እዩ ክብሃል ዝከኣል ይመስለኒ። ብሓጺሩ፥ ኽብሩ/መሰሉ ዘይፈልጥ ሰብ ምፍራይ ዚዓለመ እዩ። እዚ ገበን’ዚ፥ ነቲ ክቡርን ናጻን ኮይኑ ብኣምላኹ ዝተፈጥረ ወዲ ሰብ፥ በቲ ዝተዋህቦ ናጽነት መሰረት፥ ወጢኑን ሓሲቡን ክንቀሳቐስን ክሰርሕን፥ ከምቲ ዝኣምነሉ ስጋዊ ኮነ መንፈሳዊ ሕይወቱ ኪመርሕ ከም ዘክእል ምግባሩ’ዩ ነቲ ገበንነቱ ዘዕብዮ። ኣብ ክንድኡ፥ መሰላቱ ኣጊድካ፥ ንሕና ኢና ፈጠርትኻ ህይወትካ ኣብ ኢድና ኢያ ዘላ፥ ብምባል፥ በስገዳድ ናብ ዘይሓስብ  ሮው ቦት ወይ ማቺን ከም ዝቕየር ምግባር’ዩ እቲ ቀንዲ ዕላማ ፖለቲካዊ ሕጽቦ ሓንጎል  ዝብሃል። ብላዕ እንተተባህለ ዚበልዕ፥ ደቅስ እንተተባህለ ዝድቅስ ሕብረተ-ሰብ ንፍጣር እዩ። ብእኡ መልክዕ’ውን  ነቲ ሕብረተ-ሰብ ከም ድላዮም ይዝውርዎ ኣለዉ ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ። ብዘይካ’ዚ ዝብሃል ዘሎ ገበን ናይ “ፖለቲካዊ ሕጽቦ” ካልእ ኤርትራዊ ንብረት ኮነ ሃብቲ ከይውንን፥ ኣድማዒ ወፍሪ ከየካይድ ብሰላም ተንቀሳቒ ህይወቱ ከይመርሕን ተፈሪድዎ ስለዘሎ፥ ነዚ ኩነታት’ዚ ምጽዋር ስለዝስኦ ይበታተን መረበቱን ዓዱን ገዲፉ ኣብ ዓዲ ጓና ዚሰፍር ዘሎ። እዚ ከኣ ከም ካልኣይ ኣገባብ ወይ መስርሕ ናይ ምጽናት ዘርኢ ዝጥቀምሉ ዘለዉ።  ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ክብርህ ዘለዎ፥ ኤርትራዊ ክህብትም የብሉን ዝብል ፍልስፍና ኢሳያስ፥ ብጋህዲ እዮም ዝንቀሳቐሱሉን ዘተግብርዎን ዘለዉ። “ሃብታም ኤርትራ’በር ሃብታም ኤርትራዊ ክንርኢ ኣይንደልን ኢና” ብምባል ኣብ ግብሪ የውዕሎ ኣሎ። ግን ኤርትራዊ ከይ ሃብተመ ኤርትራ ከመይ ጌራ ክትህብትም ትኽእል ንዝብ ሕቶ፥ ንምምላሱ ንሰነ-ቁጠባ ክኢላታት ዚሕደግ ይኸውን። ሃብታም ኤርትራ ማለት ከኣ በቲ ናቶም ኣገላልጻ፡ እቲ ንሳቶም ዘኻዕብትዎ ሃብቲ ናይ’ታ ሃገር’ሞ ከኣ ኣብ ጅቡኦም ዘእትውዎ ማለት ክኸውን ይኽእል። ኢሳያስ ምስ መራሒ  ሰሜን ኮርያ ካብ  ዘመሳስልዎ ኣለዉ። ሓቂ ኪኸውን ይኽእል ይኸውን፡ ግን መራሒ ሰሜን ኮርያ ኣብ ምብትታንን ምጽናት ዘርኢ ዜጋታን ተጸሚዱ ምህላዉ ዝገልጹ ሓበሬታት ኣይሰማዕናን። ካብኡ ንላዕሊ ዝሓለፈ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ገበን ክብሃል ይክኣል።

ብሓፈሽኡ ግን፥ ገበናት ህግደፍ፥ ምስ’ቲ ብKhmer Rouge ዝብሃል ኣብ ካምቦዲያ ስልጣን ዝሓዘ ሰልፊ ዝፈጸሞ ገበን ዝመሳሰል’ዩ ክብሃል ይክኣል። ኣገባብ ኣተገባብርኡ ጥራሕ’ዩ ክፍለ ዝካኣል ዝኸውን። እቲ ብፖል ፖት ዝምራሕ ሰልፊ ኸመሩጅ ብ1975 ስልጣን ምስ ሓዘ ኣብ ሓጺር እዋን ካብ ሓደ ሚልዮን ንላዕሊ ሰባት ኣህሊቑ።  ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ እቶም ኣብቲ ገበን ዝዋስኡ ዝነሩ ኣረጋውያን፥ ኣብ  መጋባእያታት ይቐርቡ ምህላዎም  ንዕዘብ ኣለና። ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብሂትለር ናይ ዝተፈጸመ ገበን ክሳብ’ዚ እዋንዚ መዕለቢ ኣይተገብረሉን። ናይ 1994 ህልቂት ርዋንዳን ኣብ ታንዛንያ ዓለለኻዊ ቤት ፍርዲ ቆይሙ ግበነኛታት ተተቐይዶም ይቐርብሉ ኣለዉ። ብተመነሳሳሊ’ውን ኣብ በርማ ወይ ሚያንማር ኣብ ልዕሊ ዓሌት Rohingya  ዓቢ ገበን ምፍጻሙን ኣስታት 750,000 ዝኾኑ ዓሌት ናይ’ቲ ቀቢላ ዓዶም ሓዲጎም ናብ ካላ ሃገራት ከም ዝተሰዱን 400 ገጽ ዝሓዘ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።   ገበ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ሰባት ምፍጻሙ ኣሚኑ ሰኒዱዎ ኣሎ።

ብተመሳሳሊ መንገዲ’ውን ኣብ ኤርትራ ገበን ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ምፍጻሙ ዚገልጽ ጸብጻብ ቀሪቡሉ ኣሎ። ብፖለቲካዊ ምኽንያታት ግን ንተሓታትነቱ ዝምልከት ብዘይ ውሳነ ቀቢሩ ሒዙዎ ኣሎ። ነዞም ዕሉላት ገበነኛታት፥ ኣብ ኤርትራ ድዩ ወይ ከኣ ኣብ ካልኦት ሃገራት ቤት ፍርዲ ተመስሪቱ ዝሕተትሉ መስርሕ ናይ ምቛም ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዕዮ ገዛ ይመስለኒ። እንተተጻዒሩሉ ክዉን ዘይኮነሉ ምኽንያት ኣይክህሉን እዩ።

ብኻልእ መዳይ፥ ኢሳያስ በዚ ሕጂ ዝኸዶ ዘሎ ኣካይዳ፥ ንኤርትራ ኣረኪብካ፥ ወይ ትግራይ ትግሪኚ ዝብሃል ክልል ብምምስራት ከም ፕረሲደንት ናይ’ቲ ክልል (ኣብ ትሕቲ ሓላፊኡ ዶ/ር ኣቢይ) ናይ ምዃን ሕልሚን ምስ’ቲ ገበናት ብኸመይ ይሳነ ዚብል ሕቶ ክልዓል ይክኣል። ቅድሚኡ ግን ኢሳያስ እቶም ተቐይምዎም ዘሎ መራሕቲ ወያነ ክጠፍኡ ወይ ክእሰሩ ከም ዝሰርሕ ዘጠራጥር ኣይመስልን።  ከምዚ ምስ ተገብረ’ኸ ንሱን ውሑዳት ገበነኛታት ሰዓብቱን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰላም ክነበር ኢና ኢሎምዶ ይሓስቡ ይኾኑ?  ንግዜ ይመስል ይኸውን፥ ንሓዋሩ ግን ኣይመስልን። ምኽንያቱ ዶ/ር ኣቢይ ኣብ ስልጣን ነባሪ ኣይኮነን። ኢትዮጵያውያን ከኣ ዓሰብ እንተረኺቦም፡ ብዛዕባ ኢሳያስን ጉጅልኡን ዝግደሱ ኣይኮኑን። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ኢትጵያውያን ዝፈጸሞ ገበናት ዝዝርዝርን ዝትርኽን ኪበዝሕ ይኽእል ይኽውን። ስለ’ዚ ኣብ ዝኸዱ ከይዶም ካብ ገበን ናጻ  ጌሩ ዘዕቁቦም፡ ሕብረተ-ሰብ ወይ ሃገር  ክህሉ ይኽእል’ዩ ኢልካ ክእመን ኣይካኣልን።

ስለ’ዚ፥ እዞም ኢሳያስ ምስ ዘይህሉ ጥፉኣት ኢና፥ ኣብ ኤርትራ ብሰላም ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና ዝብል ኣራኣእያ ዘለዎን ሓለፍቲ ኤርትራውያን (ናይ ወተሃደራዊ ይኹን ጸጥታ) እዚ ኢሳያስ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ኣብ ዝገደደ ሓደጋ ከውድቖም ዝኽእል ምዃኑ ክግንዘቡ ይግባእ። እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ፥ ሃገር ካብ ጥፋኣት ኣድሒኖም ምስ ህዝቦም ተዓረቖም፥ ውሕስነት ዝረኽበሉ ኩነታት ምፍጣር ኣብ ኢዶም ምህላዉ ክርድኡ ዝግባኦም ይመስለኒ። እቲ ወርቃዊ እዋን ከኣ ሕጂ እዩ፥ ከመይ ኩነታት ብናህሪ እዮም ዝውንጨፉ ዘለዉ።

 

2) ምድማር ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብጉልባብ ዞባዊ ውህደት፥

ዞባዊ ውህደት ዝብል ቃል፥ ንፖሊቲካዊ ጥቕሞም ንውልቃዊ ረብሕኦምን ክብሉ ኢሳያስ ኣቢይን ለይትን መዓልትን ዚሰርሕሉ ዘለዉ ጉዳይ ምዃኑ ኩሉ ኤርትራዊ ዝዛረበሉን ዝሻቐለሉን ዘሎ ኣርእስቲ ኮይኑ ይርከብ። ኣብ’ዚ ክነስተውዕለሉ ዘለና፡ ከም’ቲ  ኣብ መጀምርታ ርክብ ዶ/ር ኣቢይን ኢሳያስን ዝገልጽዎ ዝነበሩ፥ ቀጥታዊ ክልተኣዊ ርክብ ንውህደት ዘይኮነስ፡ ንምድንጋር ዞባዊ ምልክዕ ንምትሓዝ መሪጾም ኣለዉ።  ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ሶምልያ ከም  መማቕርቲ የእትውዋ ኣለዉ’በር፥ ሶማል ምስ ኢትዮጵያ ኣምባይዶ ፖሊቲካዊ ሓድነት ቁጠባዊ ውህደት ንምግባር’ውን ንጋዶ’ዩ  ክብሃል ዚክኣል። ኣምባይዶ ሶማልሲ፡  እታ  ከም ክልል ኢትዮጵያ ትፍለጥ  ኡጋደን (ክልል ሶማል) ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ክትርዕም ሓድነት ክትፈጥርን ኣይክኣለትን። ንዓሰርታት ዓመታት ዝኣክል ኣብ ቃልሲ እያ እትርከብ። መራሒ ሶማልያ ኣብ’ዚ እዋንዚ ዘድልዮ ዘሎ ሰላምን ርጋኣትን ሃገሩ እዩ እምበር ካልእ ኣይኮነን። ካብ ኢትዮጵያ ኮነ ካብ ኤርትራ ዝጽበዮ’ውን፡ ኣንጻር ኣል-ሸባብ ኣብ ዘካይዶ ቃልሲ ደገፍ ንምርካብን  ጸጥታዊ ድሕነት ሃገሩ ንምውሓስ ኢዩ እቲ ቀንዲ ዕላምኡ። ንሱ’ውን ኣመንጎ ኢሳያስ ኣቢይን ዝግበር ዘሎ ሸርሕታት ኣይርድኦን’ዩ ክንብል ኣይንኽእል ኢና። ኣቢይን ኢሳያስን ብዛዕባ ውህደትን ኣንድነትን ክዛረቡ ከለዉ፥ ንሱ ኣነጺሪ ብዛዕባ ቁጠባዊ ውህደት (Economic Integration) እዩ ዝተዛረበ። ንዓዱ ምስ ተምልሰ’ውን ብዛዕባ’ቲ ዶ/ር ኣቢይ፥ ዝምልከት  ህዝቢ ሶማል በዳህቲ ሕቶታት ከም ዝቐረበሉ ይግለጽ።

ብተደጋጋሚ ዞባዊ ውህደት ክግለጽ ይስማዕ፥ ኣብ መንጎ ሃገራት ( ክልተ ወይ ካብ ክልተ ንላዕሊ ማለት’ዩ) ኣብ ዝኻየድ ቁጠባዊ ውህደት (ፖለቲካዊ ውህደትስ ይትረፍ) ኣዝዩ  ዝተሓላለኸን ዝተወሳሰበን ንወለዶታት ዝኸይድ፥ ዘተን ክትዕን ዝሓትት ስለዝኾነ ብሃታ ሃታ ዕበጦ ዕበጦ ዝውዳእ ኣይኮነን። ንኣብነት፥ መወዳእታ ዕላማ ምምስራት ኤውሮጳዊ ሕብረት እንተርኢናዮ ፖለቲካዊ ውህደት ኢዩ ኔሩ። ድሕሪ 60 ወይ 70 ዓመታት’ውን  እቲ ሕብረት፡ ኣብ ፖለቲካዊ ውህደት ኪበጽሓስ ይትረፍ፥ ነቲ ኤውሮጳዊ ቁጠባዊ ዞባ ኢሉ ዘጽደቖ’ውን ክዕቅቦ ኣይካኣለን።  እሞኸኣ ደርጃ ንቕሓት ማሕበረ-ሰብ ኤውሮጳ ልዑል’ዩ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን፥ ስለምታይ ኣቲ ሕብረት ብድሆታት ይገጥሞ ኣሎ እንተኢልና፥ እቲ ህዝቢ፥ ሉዓላውነት ሃገሩን ክብሩን፥ ንስም ሕብረት ኢሉ ኣሕሊፉ ክህብ  ወይ ክመርጽ ድሌት ዘይብሉ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል።

መስርሕ ውህደት ኣብ ኤሮጳ ከቢድ ካብ ኮነ፥ ኣብታ ካብ እንዳ፥ ዓሌትን ቀቢላን ዘይተገላገለት ኣፍሪቃ ድኣ ክሳብ ክንደይ ዘይከብድ። ስለ’ዚ፡ ብስም ዞባዊ ውህደት ዝካየድ ተንኮል፡ ምስቶ’ም ኣብ’ዛ ኣህጉር ዝተኻየዱን ዝካየዱ ዘለዉን ተመሳሰልት ውድባትን ውዳቤታት እንተርኢና፥ እቲ ኣብ  ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝነጥፍ ዘሎ ብEast African Community ዝፍለጥ ውድብ ተሞክሮ ጽቡቕ ኣብነት ክኽውን ይኽእል ይኸውን።

እዚ ዞባዊ ውድብ’ዚ ካብ’ቶም ኣብ ኣፍሪቃ ብዕቱብ ዝተሰርሓሎም ውድባት ሓደ’ዩ። መስረቲ ሃገራት ናይ’ዚ East African community ዝብሃል ከንያ፡ ታንዛንያን ኡጋንዳን ኮይነን ኣብ 1967፡ ኣብ ኣሩሻ ታንዛንያ ተመስሪቱ። ንኣስታት 10 ዓመት ምስ ተንቀሳቐሰ ግን ንጥፈታቱ ኣደስኪሉ ኔሩ። እቲ ቀንዲ መደስኪሊኡ’ኳ ብንጹር እንተዘይተገልጸ ምስ ሉዓላውነትን ክብረት ሕዝብታት ዝተእሳሰረ ምዃኑ ንምግማት ኣየጸግም። ኮይኑ ግን ኣብ 2000 ንጥፈታቱ ብምብርባር ዝንቀሳቐስ ኣሎ። ድሕሩ’ውን ርዋንዳ፡ ብሩንዲን ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ ደቡብ ሱዳን ከም ኣባላት ተጸምቢረንኦ ኣለዋ። ካብ’ቶም ቀንዲ ዕላማታቱ፥ ቁጠባ ናይ’ዘን ሃገራት ንምሕያል፥ ሓብራዊ ዕዳጋ ንምምስራት፡ ወፍሪ ንምሕያል፥ ዓቕሚ  ሰብ ንምሕያል፥ ሓብራዊ ዝኾነ፥ ስሉጥ ፋይናንስያዊ ኣግልግሎታት ንምቕራብ ወዘተ. ኣብ ዝብሉ ብንጥፈት ዝንቀሳቐስ ዘሎ ውድብ ወይ ኮሙኒቲ እዩ። በዚኣቶም ጥራይ ከይተሓጽረ’ውን ምስቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝመሳሰል፥  ካብ 2013 ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ሓባራዊ ባጤራ ንምውና ይእምት። ኣብ መወዳእታ’ውን ነተን ሃገራት ብፈደረሽን ብምትእስሳር ሓድነት ንምፍጣር ዝብል ጥሙሕነት ምህላዉ ይገልጽ። ኮይኑ ግን ንዓሰርተታት ዓመታት ዘተ ተኻይዱ ዘምጽኦ ርኡይ ዝኾነ ንህዝቢ ዘርብሕ ፍረ ኣምጺ ክብሃል ኣይክኣልን።  ይኹን’በር መራሕቲ እተን ሃገራት ንምትግባሩ ዘጸግም ውድዓዊ ዘይኮነ መደብ ወይ ፕላን ሒዞም ዚጎዓዙ  ዘለዉ ይመስሉ። ምኽንያቱ ጉዳይ ሉዓላውነት፥ ንጉዳይ ሃገራዊ መነትን ክብርን ዝትንክፍ ስለዝኾ፡ ንወለዶታት ዚከይድ ዘተ’ውን እንተተኻየደሉ ናይ ምዕዋት ተኽእሎ ዘለዎ ኣይመስልን። ድሓር’ውን ብውሳኔ ህዝቢ ስለ ኸውን፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ትካላዊ ኣሰራርሐ ኣብ ምቛም ዝተሓጽረ እዩ ኪኸውን ዚኽእል።

ስለዚ፥ ዞባዊ ውህደት ብዝብል ጉልባብ፥ ብተብተብ፥ ሓድነት ኤርትራን ኢትዮጵን ክዉን ምግባር ዝግበር ዘሎ ሽርሒ እዩ። ንዶ/ር ንቢይ ኣቢይ  ግን ፖለቲካዊ መኽሰብ  ኣብ ርእሲ ምርካቡ፥ ኣገሎት ወደባት ምርካብ’ውን ንቑጠባ እታ ሃገር እወንታዊ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል።

እት ዝገርም ግን፥ ዶ/ር ኣቢይ፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ክትሓብር ይግባኣ እዩ ወይ ክትሓብር ኣለዋ ብምባል፡ ካብ ዘቕርቦም ዘገርሙ መርትዖታተይ  ካብ ዝብሎም ገለ ንምጥቃስ፥-

1) በቲ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ዝብሎ እንተርኢናዮ ንኣብነት፥ ኣቦ ሓጎ ኢሳያስ ኣብ ጎንደር ስለ ዝተቐብረ፥ ኣዕጽምቱ’ውን ኣብኡ ስለዘሎ ብምግላጽ፥ እቲ ዝብሃል ኣንድነት (ሓድነት) ኣብ ሓቂ ዝተሞርኮሰ  ምዃኑ ይሕብር። በዚ ኣበሃህላ’ዚ እዚ ሞይቱ ተቐቢሩ ዝብሃል ዘሎ ሰብ ኣብ ካልእ ሃገር ኣፍሪቃ እንተዝኸውን’ውን ኤርትራን ምስ እታ ሃገር ሓደ ክትከውን ኣለዋ እዩ ዘስምዕ።

2)  ካልእ “ስንኖር ኢትዮጵያው ስንሞት ኢትዮጵያዊ” ተባሂሎ ስለዘሎ ይብል ንሱ፥  ” እንዴት ኤርትራውያን እንሆናለን” ከመይ ኢልና ኤርትራውያን ንኸውን ኢልኩም ትሓስቡ ትኾኑ ድሕሪ ምባል፥ ሕቶኹን ጽቡቕ እዩ፥ ግን ነዚ ሕቶ’ዚ ዘውድቕ ወይ ዘፍሽል ኣሎ። ብሰብኪ ዓሰብ ብዙሕ ኢትዮጵያዊ ስለ ዝሞተ  ዓሰብ ወይ ኤርትራ ክትድመር ኣለዋ” ዝብል ካልእይ መርትዖ ኢሉ የቕርብ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት  ግን ኩሎም ኢትዮጵያውያን ትድምር ውዒሎም እንተሓደሩ’ውን ዓባይ ኢትዮጵያ  ናይ ምምስራት ሕልሞም (ናቱን ናይ ኢሳያስን) ክዉን ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ ብዘይካ ወደብ። በዚ ምኽንያት’ዚ ከኣ ኢሳያስ ‘ኣነ ይኣርግ ስለዘለኹ ከይሞትኩ ኤርትራ የረክበካ ስለዘለኹ ኣሎኹ፡ ስክፍታ ኣይገደፍኩን’  ዝብሎ ዘሎ። እቲ ምንታይ ኤርትራውያን ነታ ሃገር ናይ ብሕቶም ከይ ገብርዋ። ብኻልእ ኣበሃህላ’ውን፥  ንኣኻ ሂበካ ስለዘለኹ ብሓገዝ ወያነ ካብ ኢትዮጵያ እንደገና ከይፈልይዋ’ሞ ሕልሚ ምምስራት ዓባይ ኢትዮጵያ ከይተነዓቐፍ የማሕጽኖ ምህላዉ እዩ። ከምቲ ቀደም ንፈልጦ ኢትይጵያዊነት፥ ከም ተምሳል ናጽነት፡ እምነት፡ ወዘተ. ይውሰብ ኔሩ ብኣፍሪቃውያን፡ ሎሚ ከኣኣ እቶም ክፍለዩን ርእሰ ምምሕዳር ዝጠልቡ ዝነበሩ ተወልድቲ ኦሮም በዓል ለማ/ኣቢይ፡ “ኢትዮጵያውነት ሱስ ነው” ኢትዮጵያውነት ፈልፊ  ስለ ዝኾነ፡ ኤርትራውነትኩም ሓዲግኩም ወልፊ ግበርዎ ተደመሩ ይብሉና ኣለዉ።

3) እቲ ካል ሰነ-መጐት ናቱ፥ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብባዕዳውን ዝተገብረ ኣርቲፊሽያል ስለዝኾነ ኣየድልን’ዩ ሓንቲ ሃገር ስለዝነበረት ናብ ቀደሙ ክምለስ ኣለዎ ዚብል ከም መርትዖ  የቕርብ። ኮይኑ ግን ህሉው ኩነታት ኣፍሪቃ እንተርኢና፥ በቲ ብ1884-1885 ኣብ በርሊን ዝተጋበኣ ሃገራት ብዝወሰንኦ መሰረት ኢዩ  ከም ወግዓዊ ዶብ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ። ሃገራትን ኣፍሪቃ ኣርቲፊሻል እዩ  ኢለን ኣይነጸግኦን። ፈላስፋ ዶ/ር ኣቢይ ከኣ ኣርቲፊሻል እዩ ኣየገልግል እዩ ይብለና ኣሎ። ኢሳያስን ኣቢይን ግን ነቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ክስርዝዎ ሕጋዊ ስልጣን ኮነ ሓቕነት የብሎምን።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኢሳያስ እቲ ኣንድነት ዝብሎ ከም ውሁብ ወይ ውዱእ ዝወሰዶ ይመስል። ኮይኑ ግን ብዛዕባ’ዚ  ጉዳይ’ዚ ግን፥ ኣብ ቲቪ ኤረ ስለዘይተገልጸ ወይ ኣብ ጋዜጣታት ኤርትራ ስለዘይተሓትመ ኮን-ደኾን ሓሶት ኣይከውንን ወይ ከኣ ንፖለቲካዊ ሃልኪ እዩ ዝዝረብ ዘሎ ብምባል ንሕልንኦም ከተዓኣሻሽዉ ናይ ዝህቅኑ ዜጋታት ቁጽሪ ውሑዳት ኣይመስለንን። እንተኾነ፥  ከመዮ ምስላ ሰገን  ጌራቶ ዝብሃል፥ ሃዳይ ናብኣ ገጹ ይመጽእ ምስ ረኣየት  ንኸይትጥምቶ ርእሳ ኣብ ሑጻ ዝቐበረት’ሞ፥ ሃዳይ ብዘይጸገምን፡ ምብኻን ጥይትን ኣሲሩ ከም ዝወስዳ ከይንኽውን ክንጥንቀቐሉ ዘለና ግዜ ሕጂ እዩ።  ጉዳይ ኤርትራ ብድሌት ኢሳያስን ኣቢይን ክውሰን ምፍቃድ ዓቢ ገበን እዩ። እዞም ህግደፍ፡ “ሃገራውያን” ብዝብል ስም ኣጠሚቖም (ብዛዕባ መሰላት ክብርታትን ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ) ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ጥራይ፥ ብወያነ ተወሪርና፥ ልዑላውነትና ተደፊሩ ኣመሪካ ዘርያትና እናተባህለ ዘካይድዎ ነዊሕ ዓመታት ዝወሰዱ ጎስጓሳት፡ ኣብቶም ግዳያት ዝኾኑ ኤርትራውያን (ደገፍቲ ህግደፍ) ዘይንዓቕ ሃገራዊ ስሚዒት  ኣሕዲሮምሎም ምህላዉ በቲ ሓደ ወገን ክንርዳእ ዝክኣል ይመስለኒ። ስለዚ፥ እቲ ዝበሃሎም ዘሎን፥ እዚ ኢሳያስ ዝኸዶ ዘሎን ዝተፈላለ ብኣንጻሩን ነት ዝብሃሎም ስለ ዝኾነ፥  ህግደፍ ኣንጻር ገዛእ ርእሱ ዝቐብሮ ዘሎ ዝፍንጀር ነታጒ ናይ ምዃን ተኽእሎታት ርሑቕ ኣይመስልን። እዚ ማለት ከኣ፡ እዚ ህግደፍ ዝወደቦ ሓይሊ፡ ኣብ’ዚ ቅሩብ መጻኢታት ተቓውምኡን ቃልሱን ኣንጻር ኢሳያስ ኪኽውን ስለዝኽእል እዩ፥ ብዘይካ ውሑደት ሰብ ጠቕምን ወይ ኣማራጺታት ናይ ካልእ ዜግነት ዘማዕዉ እንተዘይኮይኑ።

 

3) ገምጋም ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ጌጋ ምንባሩ ዝተረድኦ ይመስል፥ እዚ ማለት ግን ሕልሙ ንምትግባር ኣቋሪጽዎ ማለት ኣይኮነን። ኣገባቡብ ናህሩን ክቕይር ይኽእል ይኽውን።

ንሱ፥ ኣብተን ቀዳሞት ምስ ዶ/ር ኣቢይ ዝገብሮ ርክባት፡ ካብ ክቱር ሓጉስ ዝተላዕለ ስሚዒቱ ክቆጻጸረሉ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ምንባሩ ኩሉ ተዓዚብዎ እዩ። ንዕቀቱ ኣብ ሎሊ ህዝቢ ኤርትራ፥ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ በጺሁ ምህላዉ ዘግሃደ ኩነት ኔሩ ክብሃል ይክኣል። ቅድም’ቲ ንኣዲስ ኣበባ ምኻዱ ኣብ ሳዋ ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር፥ ሕልሙ ንምትግባር ብብድዐ፥ ብንጹር ካብ ዝገልጾም ገለ ንምጥቃስ፥-  ክልቴና ሓባራው ዕላማ ኣለና ድህሪ ምባል፥  “….ዜጋታት ክልቲአን ሃገራት….ብዝቐልጠፈን ብዝጸፈፈን ክሰርሑ ክኽእሉ ኣለዎም። ስሚዒትን ድሌትን ጥራሕ ከይከውን ከኣ፥  ንጹራት ውጡናት፡ ብሰዓት፡ ብመዓልቲ፡  ብሰሙን ዝግለጹ መደባት ተጻፊፎም ንዕኡ ዝኸውን ዓቕሚ ክነዋፍር ኣለና” ምስ በለ፥ “….ናይ ሓባር ዕማምና ከም ሓደ ሃገር፡  ከም ሓደ ህዝቢ፥ ከም ሓደ ሓይሊ ኰንና ክነተግብሮ  እዩ መደብና” ኢሉ። በዚ ዕላማ’ዚ መሰረት ከኣ፥ ብዝሓጸረ ሓድነት ንምትግባር፡ ላዕልን ታሕን ክብሃል ንዕዘብ ኣለና። ኮይኑ ግን ኣብ’ዚ ናይቲ ኣብ መጀመርታ እዋት ዝተርአ ህንጥዩነትን ድፍረትን ኢሳያስ ናህሩ ዝወዳአ ይመስል። እዚ መበልየይ ከኣ፥-

-ኣብቲ ዝቐረበ ቃለ-መጠይቕ ካብ ኢሳያስ፡ ኣንድነት ሓድነት ዝብላ ቃላት ኣይተሰምዓን፡ ከምኡ’ውን ነቲ ብውዳሴን ኣድናቖትን ዶ/ር ኣቢይ ዝብሎ ዝነበረ ናብ ሓዲሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀይርዎ።

-ኣብ ጎንደርን ባህርዳርን’ውን ከም ዝክኣል ካብ ካሜራታት ክርሕቕ ዝፍትን  ዝነበረ ይመስል፥ ” እንደምን ናችሁ” ንምባል’ውን ትብዓት ዝሰኣነ ይመስል ኔሩ።  እዚ ከኣ ግብረ መልሲ ናይ’ቲ ኣብ ቀዳማይ እግሩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ከደ ዘርኣዮ ክድዓትን ዘሕፍር ተግባራትን፥  ብኤርትራዊ ዜጋ ብዝተፈላለዩ መዳያት ዝተዋህበ ዘይተጸበዮ ግብረ-መልስን ውጽኢት ክከውን ይኽእል። ስለዚ እቲ ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፍጹም ምልኪ ኣኣትየዮ ኣለኹ፥ ድላየይ ክገብርእኽእል እየ (ክሳብ ሃገር ምርካብ’ውን እንተኾነ) ጸገም የብለን ዝብል መረዳእታ እንደገና ክሓስበሉ ከም ዝግብኦ ዝተረድኦ ይመስል። ኮይኑ ግን ንምድንጋር እንተዘይኮይኑ፥ ኢሳያስ  እከይ ተግባራቱ ከቋርጾ ይኽእል ዝብል ሓሳባት ክሓድረና የብሉን።

ከም መደምደምታ ክብሎ ዝደሊ፥ ኩነታት ሃገርና ካብ’ቲ ክንሓስቦም እንኽእል ብዝቐልጠፈ ናህሪ ኢእዮም ኪኸዱ ንርእዮም ኣለና። ስለ’ዚ-

1)  ከም ወካሊ ህዝቢ ኮይኑ ድምጺ ዘስምዕ ኣካል ምቛም፥ ይጽናሕ ዘይብሃሎ እዋናዊ ጉዳይ ኪኸን ይግባእ፥ ይመስለኒ፥

2) ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ብውልቁ ይኹን ብጥምረት እቲ ዝካየድ ዘሎ ሽርሕታት ኣብ ዝተረኽቡ ኣጋጣሚታትን መድረኻትን  ከም ዝቕልዑ ምግባር፥

3) ኣብ ውሽቲ ሃገር ንዝካየዱ ውልቃዊ ይኹኑ፡ ዝተወደቡ ፍትሓውያን ቃልስታት፥ ብሞራል፡ ብምኽርን ካልእ ዘድሊ ማተርያላዊ ሓገዛትን ክበጽሖም ምጽዓር፥

4) ወላ’ኳ  ኣብ ዝሓለፉ እዋናት፥ ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሕን ህዝቢ ኤርትራን ብመራሕቲ ወያነ ዝግበር ዝነበረ ተንኮላት  ብዝሕ’ኳ እንተኾነ፥ ኣብ’ዚ እዋንዚ ከኣ ዝተፈልየ ሃዋህውን ተፈጢሩ ስለዘሎ፡ ቁስልኻ ምሕካኽ ዘርብሓና ኣይኮነን። እቲ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ክልቴና እዩ ዘንጸላሉ ዘሎ ዝመስል። ኩነታት ኢሳያስ እንተርኢናዮ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ወያነ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣሕዲርዎ ዘሎ ዝኸሓነ ጽልእን ንዕቀን ሓደ እዩ ዝመስል። በቲ ሓደ ሸነኹ ከኣ፡ ንወያነ ብምጽልእ፥ ንግሩህ ኤርትራዊ ንምዕሻውን ደገፍቲ ንምዕዳግን እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ ሜላ እዩ። ይኹን’በር ህዝቢ ትግራይ’ውን ኣብ ልዕሊኡ ዝጥጃእ ዘሎ ውዲት ስለዝፈልጦን ጸግዒ’ውን ስለዘድልዮን፥ ብኩሉ ወዳያቱ ምሕዝነት ምፍጣር ንረብሑ ምዃኑ ዝግንዘብ ይኸው። ንኣና’ውን ስለዘርብሓና እቲ ዝምድና ክነሕይሎ ዝግባኣና ይመስለኒ። ካብኡ ዝተረፈ ዝከኣለና እንተጌርና ፈጣሪ ክሕግዘና ከኣ  ምምህላ’ውን ናብ ዓወት ዜብጽሕ መሳርሒ ምዃኑ ተረዲእና ምህላላና ነዕርግ። ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ፡ ብሩኽ ቅነ።

 

ተስፋይ ካብ ኤውሮጳ

19/11/2018

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Warsay Adhanom November 21, 2018

    Your read on Isayas’s strategy is right on the Money. Isayas is at a point of no return. He has been working to bring Eritrea, and her people to their knees, to make sure it can;t defend itself,when handing it to Ethiopia. As you said, the time to act is now. If we wait until Ethiopia stabilizes, it may be too late..All Eritreans in a diaspora need to create a coalition with a few, and clear objectives. And ordinate some activities.

  • Simon G. November 22, 2018

    ኣይነበረን ኢሳያስ ምሳና
    ኣይሞጎተን-ኣይተጣበቐን ብኣና
    ኣይሓሰበን ኣይሃቀነን ክጥዕመና
    በንጻሩ ‘ኳደኣ ከጥፈኣና
    —————
    ከይደቀሰ ሓዲሩ
    ሚስጢሩ ቀቢሩ
    ሓላዪ ክመስል
    ብቐትሪ ይስሕቕ: ብለይቲ የጉድል
    በብሓደ
    ሰብ ‘ናውሓደ
    ሃገራዊ መሲሉ
    ዓወት ንሓፋሽ ኢሉ
    በንጻሩ ግን: ንሓፋሽ እኪት ይፍሕሰሉ
    —————-
    ደም ብጾቱ ሰትዩ እምባሕ ክብል
    ንጹህ ከም ጲላጦስ ከምስል
    ኣብ ሞንጎ ሓርበኛታት ኣትዩ
    ኣብ መርበባት ተጸፍዩ
    ዕሱባት ይልእኽ: ንጹሃት ከሳቕዩ

    ——-ግን: ግን የ ዘልኩ————
    ነግ-ፈረግ ኣይበለን ካብ መስመሩ
    ጸኒዑ ኣብ መትከሉ
    ኤርትራን-ህዝባን ከጥፍእ ‘ዩ ኔሩ
    ትእዛዝ ክፍጽም ተሓቢሩ
    ክስለፍ ንሜዳ ሀ ‘ሉ ጀሚሩ
    ————–
    ኣየወ! ኣጥፈኦም ንቑሓት
    ለይ-ለይ ዝብሉ መንእሰያት
    ናይ ይኒቨርሲቲ ሕጹያት
    ኣደ ኣይትርኣዮም ኣብ መስትያት
    ዓለም ዘይጸገቡ: ውልዶታት-ዕሸላት
    ደሞም መጽዩ: የዕጽምቶም ቆርጢሙ
    ቅተል ዝተባህለ: ዳሕራይ ተቐርሲሙ
    ኤርትራን ህዝባን ክጠፍኡ ‘ዩ ኔሩ ሕልሙ
    ናይ ቀደም ሕማሙ!
    ዘይተመለሰ ሕቶ ግን ኣሎ
    እንታይ ዩ ጸገሙ?
    ————————–

    —ህዝቢ ኤርትራ እንታይ በዲሉ?—
    ክንዲ ዘዕበየ ኣብ ክንዲ ዘዕቆበ
    ጸላኢ ተባሂሉ
    ናይ ምንታይ ቂምታ ዩ ስጋዕ ሕጂ?
    ከምዚ ግፍዒስ ኣይተራእየን: ዋላ ብፈረንጂ
    ህዝቢ ከምዝበርስ: ሃገር ከምትጸንት
    እዚ ኹሉ ተንኮል ንምንታይ ትግዕት?
    ———————-
    ሓንሳብን-ንሓዋሩን ንህዝቢ ሓብሮ
    ‘ቲ ሚስጥርካ ስጋዕ መዓስ ክትቀብሮ
    ኣይናትካን ‘የ በሎ!
    ዳሕዳሓዮ ንዘይፈለጠ ክስቆሮ
    ንገሮም-ንገረን ንሰብ ከበሮ
    ሸይጠኩም ‘የ በሎም
    ምሒር ይጸልኣኩም ‘የ በሎም
    ከጥፈኣኩም ‘የ ተጋዲለ በሎም
    ክቱር ቅርሕንቲ ኣለኒ ኣብ ኤርትራ በሎም
    ነቶም ዘይስቆሮም
    ክበርሃሎም
    —————-
    እምበር!
    ነቶም ንፈልጥ ደኣ ሓድሽ መዓስ ኮይኑ
    ህዝቢ ከምዘጥፍእ መኣዝኑ
    ንሱ ንድዩ ኔሩ ትውጥንካ
    ብሩህ ኔሩ ነቶም ንፈልጠካ
    ታይ ክንብል: ኣምላኽ ግዲ ይፈርደካ
    እዚ ወደሓንካ

  • Genet-Original November 22, 2018

    Simon G
    What a talent, Well done brother!!

    • Simon G. November 22, 2018

      Thank you, Geneta!

      • Danilo November 22, 2018

        Brother Simon great, “ኣብ ልዕሊ ልቢ-ልቢ ንምውሳኽ”I do have a suggestion for you. I. e, if you tray to stress more on the burden already created and may continue due to many factors to say as priority. Forget isayas the finished one. We expect you to be more greatest than great!

Post a Reply to Simon G. Cancel Reply