አብ በርጋሞ ( BERGAMO ) ማሕበር መንእሰያት ንለውጢ ብወግዒ ቆይሙ ::
ኣብ በርጋሞ ዓዲ ጥልያን ዝርከቡ መንእሰያት ኤርትራ፡ ብዕለት 19/02/2012 አብ ዘካየዱዎ ፈላሚ አኼባ፡ ማሕበር መንእሰያት ንለውጢ ብወግዒ አቚሞም። ብመሰረት እቲ ንነዊሕ ግዜ ከካይድዎ ዝጸንሑ ቀጻሊ ቃልሲ አማሓደርቶም ብምምራጽ ስርሖም ጀሚሮም አለዉ ። እዚ ማሕበር መንእሰይ ንለውጢ ንማሕበሩ

ኣብ በርጋሞ ዓዲ ጥልያን ዝርከቡ መንእሰያት ኤርትራ፡ ብዕለት 19/02/2012 አብ ዘካየዱዎ ፈላሚ አኼባ፡ ማሕበር መንእሰያት ንለውጢ ብወግዒ አቚሞም።
ብመሰረት እቲ ንነዊሕ ግዜ ከካይድዎ ዝጸንሑ ቀጻሊ ቃልሲ አማሓደርቶም ብምምራጽ ስርሖም ጀሚሮም አለዉ ።
እዚ ማሕበር መንእሰይ ንለውጢ ንማሕበሩ ሕጋዊ ማሕበር ብምግባሩ ቀዳማይን ዓቢ ዓውትን ብምዃኑ ነአባላቱ አበሲሩ ።
ማሕበር መንእሰይ ንለውጢ በርጋሞ ምስ ኩሎም አሕዋትን / አሓትን ተቓለስቲ ብዘይ ዝኾነ ዓይነት አፈላላይ አንጻር ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ
ዝቓለስ ዘበለ ብሓባር ክሰርሕን ክራዳዳእን ድሉው ምኻኑ ብሓበን የፍልጥ
ዓወት ንማሕበር መንእሰያት ንለውጢ
ወድቀት ንስርዓት ህግደፍ!