Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

አህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ አብ ዓዲ–እንግሊዝ ከተማ ኖቲንግሃም ብክብ ዝበለ ስነስርዓት ተጸምቢሉ ዊዒሉ ።

አህጉራዊ  መዓልቲ  ደቀንስትዮ  ኤርትራውያን  ደለይቲ ፍትሒ  አብ  ዓዲ--እንግሊዝ  ከተማ ኖቲንግሃም ብዕለት 07/03/17  ብክብ ዝበለ ስነስርዓት ተጸምቢሉ  ዊዒሉ ። ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ማዕረ አሕዋተን  ተቓሊሰን  ናጽነት እኳ  እንተምጸኣ ድሕሪ ናጽነት ግን  አብክንዲ አብ ሃገረን ከቢረን  መሰለን ተረጋጊጹለን ዚነብራ

አህጉራዊ  መዓልቲ  ደቀንስትዮ  ኤርትራውያን  ደለይቲ ፍትሒ  አብ  ዓዲ–እንግሊዝ  ከተማ ኖቲንግሃም ብዕለት 07/03/17  ብክብ ዝበለ ስነስርዓት ተጸምቢሉ  ዊዒሉ ።

ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ማዕረ አሕዋተን  ተቓሊሰን  ናጽነት እኳ  እንተምጸኣ ድሕሪ ናጽነት ግን  አብክንዲ አብ ሃገረን ከቢረን  መሰለን ተረጋጊጹለን ዚነብራ ገሊኤን  ብኩንትራት ናብ ዓዲ  ዓረብ  ኪስደዳ ገሊኤን ከኣ መሰል ፖለቲካውን ማሕበረ-ቁጠባዊ ማዕርነት ተነፊጉወን ምስቲ ኩሉ በሰላታተን አብ ፈቀድኡ ስራሕ ሲኢነን ቀንፈዘው ኪብላ ኢየ ተራእየን። እተን  ንመሰላት ደከንስትዮ  ኪጣበቓ ዚነበረን ማሕበር ደቀንስትዮን መንእሰያትን ከኣ ናይቲ አብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሽንፍላ ተጠቕሊሉ ዚመጸ ፋሺሽታዊ ስርዓ መጋበሪ ስለይኡ ካብሙዃን ሓሊፈን ንመሰላት ደከንስትዮ ክጣበቓን ንቕሓት ህዝቢ ክብ  ኣብ  ምባል ከሰርሓን አይተራእያን።እታ ማህጸና ጸንቂቓ ንመስዋእቲ ዝበጀወት አደ ብዘይደባሲ  ተሪፋ፡ አብ ፈቀዶ  ማሕበራዊ አገልግሎት “ኣቲ ሰበይቲ”  ዝብሉ ጠገለ ዘይብሎም ናይ ሙግቡዕባዕ  ሓይሊ ቃላት ዚውቱራት ኮኢኖም!! ደቀንስትዮ ብስም ሃገራውዊ ኣገልግሎት  መጋበሪ እቶም መንፈሶም ዚሞተ ቡልሹዋት መራሕቲ ኮይነን ማዳን ዘይወጽእ  በሰላን  ተሸሊመን። እተን አብ ዓዲ ዚተረፋ ከኣ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ሓላፍነት ሓዳር ተሰኪመን ብድኽነት ዳረን በሊዔን!! ሂወተንን ሂወት ደቀንን ንምምራሕ ተለቂሐን ተመርቂሐን ቀንጠመንጢ አብ ጽርግያ ሰጢሐን ክሸቅጣ ንዚፈተና”ከኣ አብ ፈቐድኡ ንብረተን  እንዳዛሕዛሓ ብጭካነ ብምንችበ ናይቲ  ስርዓት  ክህደናን ኪመንዘዓን ይውዕላ።  እተን ካብ ሕሱም ጩቆናን ዓመጽን  ንምምላጥ ቤተን ራሕሪሐን ንስደት ዘምረሓ ከኣ፡ ገሊኤን ንጾታውን  አካላውን ሰነ-ኣእሙሮኣውን ዓመጽ ተቓሊዔን ይሳቐያ፡ ገሊኤን ኩሊተን ይመንዛዕ፡ ገሊኤን አብ መድረበዳ ማይ እንዳበላ ተደርብየን ይተርፋ፡ ገሊኤን አብ ማእሰርቲ ግብጽን ሊብያን ካለኦትን ይግረፋ፡ ገሊእን አብ ባሕሪ ይሰጥማን ይሓርሳን፡፡  ወጽዓ ኤርትራውያን ደቀንስትዮን ህጻናትን ብፍላይ፡ ወጸዓ ኤርትራዊ ብሓፈሻ  ተንቲንካ ኪውዳእ ከቢድ ስለዝኮነ አብዚ ንሰብ ሞያ ንገድፎ።

እቲ ቀንዲ መበገሲ ጹሕፍና እቲ ከም መጋበሪ ናይ ስርዓ ህግደፍ ንዝሓለፈ 23 ዓመታት ተሓዚኡ ዚጸነሐ መጋቢት 8. ብደለይቲ ፍትሒ አብ ዓዲ እንግሊዝ  ከተማ  ኖቲንግሃም ደሚቑ ከምዚወዓለ ንህዝብና ንምብሳር እዩ።  እዚ መደብ ብደቀንስትዮ ደለይቲ ፍትሕን ስምረትን ዚተዳለወ ኮይኑ  ምትሕብባር ናይ ምንቅስቓስ ስመረት ንድሕነት ሃገር ንኡስ ጨንፈር ኖቲንግሃም ከምዝነበሮው  ክንዘኻኽር ንፈቱ። እቲ መደብ  ህጻናትን ድቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝሓቖፍ ኮይኑ ዘይከም ህግደፍውያን አብ  ዘተን ምድሓን ህዝብን ዝተኮረ ኢዩ ኔሩ።  ድሕሪ ደጊም ምስ ህዝብና ዘጽንት ሕሱም ገዛኢ ንጥርነፈሉ አብነት የብልናን፡ ብዘይ  ዝኾነ  ጣልቓ ንማዕርናትናን መሰላትናን ወጽዓ ህዝብናን ደው ክንብል ኢና። እምቢ ንምክፍፋል ብማለት ንሓድነት በርቲዕና ኪንሰርሕ ኢና። ከምቲ ንደቅና ነኸብሮም ደቂ  እሪትራውያን ብዘይራኢ  ክጠፍኡን ብስነ-ኣእሙሮኣዊ በሰላ ኪሳቀዩን ደው ኢልና አይንዕዘብን፡  ህዝብና  ከይጸንት ሓቢርና ክንቃለስ  አለ”ና  ወዘት ዝብሉ መልእኽታት ኣመሓላሊፈን።

 

ሓርነት ህዝቢ  ኤርትራ  ናይ  ግድን ኢዩ!

 

ስምረት ደቀንስትዮ  ኤርትራ ኖቲንግሃም (ዓዲ-እንግሊዝ)

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Hail4 soura March 8, 2015

    well done brothers and sisters, great job. Now we need to focus on the common enemy dictatorial regime.

  • Efrem March 9, 2015

    Proud of Nottingham Eysns, they are always at the forefront when it comes to challenging the dictatorial regime in our homeland.

    Well done Nottingham.

  • Mesinas March 9, 2015

    ሸሞንተ መጋቢት!

    ናይ መን ኢኺ እስከ ግለጽልና?
    ናይተን ውጹዓትዶ ሰላም ዝሰኣና?
    ወይ ናይተን ሰብ ግዜ፡ ዓለልቲ ኣብ ጥፍኣትና?
    ናይተን ሕዙናትዶ *ከሊ ዝተኸድና? *ጸሊም ክዳን ሓዘን
    ወይ ናይተን ሳዕሳዕቲ ግልብጭ ዝተቖና?
    ናይ መን ከም ዝኾንኪ እስከ ንገርና!

    እወ ተዛረቢ ሸሞንተ መጋቢት
    ፍለይየን ንጭርናዕ ካብ ረጋቢት
    ኣብ ስቓይ እንከላ ኤርትራዊት
    ናብ ጓይላ ዝጎያ ናብ ሳዕስዒት
    ይኣክል በልየን ናይ ጥፍኣት ጣቒዒት!

    ውሑዳት ኣብ ስደት ውላደን ሓቚፈን
    ሕሰምን መከራን ፍጹም ዘይተንከፈን
    ምስ’ዚ ኣጽናቲ ስርዓት ሎሚ ተሰሊፈን
    ህዝቢ ብመላኺ ብራዕዲ ክዕፈን
    ገንዘብ ተተኾባ ካብቲ ዝተረፈን
    ሃገራውያን ዝመስለን ሓለፋ ኣሕዋተን
    ዓገብ’ዩ በልየን ጽዩፍ ተግባራተን!

    ወረ ናይ መን ኢኺ ሸሞንተ መጋቢት?
    ናይተን ተሰዲደን ብምቾት ዝነብራ
    ውሉደን ሓቊፈን ቀሲነን ዘምህራ
    ኣብ ሬሳ ዕሸላት ጓይላ እናዓንደራ
    ኣብ ውሑስ ሰፊረን ሃገር ዝዝምራ
    ንመክት ዝብላና ፍጹም ከይሓፈራ
    ዝተዃዕተ ዒላ ወትሩ እናቘጸራ
    ‘ማዕቢላ!’ ዝብላና ናይ ህግደፍ ኤርትራ!

    ወይስ ናይተን ብመላኺ ደቀን እንተመንዝዓ
    ክንዲ ዘምስልኦም ብሕጸ ብመርዓ
    ‘ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም፡ ሞይቶም’ ዝሰምዓ
    ሓዘነን ዘይዓጸዋ ብተስካር ኣርብዓ
    ብናፍቖት ደቀን ቀጻሊ ዝነብዓ
    ኣብ ጸላም ዝነብራ ብጨለምታ ሽምዓ!

    ናይ መን ኢኺ ሸሞንተ መጋቢት? እስከ ንገርና!
    ናይተን ሕድሪ ስውእ ዝጠለማ
    ኣእዳው ናይ መላኺ እናሰዓማ
    ወርቅን ጨርቅን ኮይነን እተሰለማ
    ወይስ ናይተን ጸጒሪ ርእሰን ዝደርመማ
    ለይትን ቀትርን ወትሩ እናቘዘማ
    ብጓህን ሓዘንን ልበን ዝሓመማ
    ራህዋ ዝጽበያ መቐረት ናይ *ጣዝማ! *መዓር ጽገናይ

    ሸሞንተ መጋቢት፥

    ብስም ሃማደኤ ኣምሰልቲ ኣጣይሱ
    ምልኪ ንስልጣኑ ብስምኪ ኪሕሱ
    ሸሞንተ መጋቢት ትርጉምኪ ሃሲሱ
    ኤርትራዊት ኣደ ገጻ ተደምሲሱ
    ኣዒንታ ብሓዘን ንብዓት ደም ኣፍሲሱ!

    ኣትን ወዓራሩ ኣደታት ኤርትራ
    ክሳዕ መዓስ ኢኽን ኣብ ሓዘን ክትነብራ
    ምጻሩ ስኢንክን ሓሳረ መከራ
    ጅግና ካብ ተሳእኖ ናይ ምልኪ ምሕደራ
    ንስኻትክን’ንዶ ሓዲኡ ግበራ?

    ሓቂ ተዛሪብና ክንገልጽ ድኽመትና
    ተለጒሙ እንከሎ ብረት ኣብ ቅድሜና
    *እልበት ከይንፈትሕ ናብ መላኺ ኣቕኒዕና *ሓሳረ መከራ
    ትብዓት ካብ ተሳእኖ ፈሲሱ ሓሞትና
    ስረና ዓጢቕክን ጀጋኑ ኣደታትና
    ተኣምር ክትሰርሓ ንምሕጸን ኣለና!

    ትብዓትክን’ዩ ኣደታት፡ ዓጋቲ ዘይብሉ
    ጸላእቱ ዘርዓደ ኣብ ኲናት ዓሊሉ
    ለውሃት ናይ ልብኽን *ደማሒ ኣስተውዒሉ *መላኺ
    *ኣብሊስ ከይሽሕጠክን ከም ወትሩ ኣታሊሉ *ሰይጣን
    ነዚ ምስሉይ *ባልዋ ኣይትዳህለላሉ *ኣርሓ መፍለስ
    ካብ ሃገርና ይጥፋእ ሮዖኡ ጠቕሊሉ
    ንሱ’ዩ እቲ ሕሰም ጠንቂ ናይዚ ኹሉ!

    ዓወት ነተን ሓቀኛ ትርጉም ሸሞንተ መጋቢት ኣብ ኤርትራ ንምትግባር፡ ብጽንዓት ዝቃለሳ ዘለዋ ጀጋኑ ኤርትራውያን!

    ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

    ካብ ሓውኹም መሲናስ 08/03/2015

Post a Reply to Hail4 soura Cancel Reply