Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኖርወይ፡ 6300 ኤርትራዉያን ዑቕባ ይሓቱ

ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት ጥራሕ፡ ልዕሊ 6300 ኤርትራዉያን ኣብ ኖርወይ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ኣብ ክፍሊ ኢሚግሬሽን እታ ሃገር፡ ተኸታታሊት ጉዳይ  ኤርትራዉያን ስደተኛታት ወ.ት ክሪስትነ ሽዮርተነስ ኣብ ከተማ ስታቫንገር ብዕለት 07 ለካቲት፡ ንዕዱማትን ሰበ-ስልጣን እታ ከተማን ኣብ

ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት ጥራሕ፡ ልዕሊ 6300 ኤርትራዉያን ኣብ ኖርወይ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ኣብ ክፍሊ ኢሚግሬሽን እታ ሃገር፡ ተኸታታሊት ጉዳይ  ኤርትራዉያን ስደተኛታት ወ.ት ክሪስትነ ሽዮርተነስ ኣብ ከተማ ስታቫንገር ብዕለት 07 ለካቲት፡ ንዕዱማትን ሰበ-ስልጣን እታ ከተማን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ሓቢራ።

ንሳ ኣብ መግለጺኣ ንታሪኽ ህዝቢ ኤርትራን ጠንቂ ህልዉ ኩነታት ስደት ኤርትራዉያን ብዝምልከት ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ምስ ጭቡጥ ሓቕታት ብፖወር ፖይንት ብምስናይ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣቕሪባ።

ንኩነታት ኤርትርዉያንን ዘጋጥሞም ዘሎ ሕሰምን ነቶም ዕዱማት ብቐሊሉ ንምርዳእ ኪኽእሉ ፡ ኤርትራ ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ  ወይ ዓባይ ቤት  ማእሰርቲ ጌሮም ኪሪእዋ ከምዘለዎም ገሊጻ።

ኤርትራ፡ ኣህጉራዊ ይኹን ሃገራዊ ሕጊ ዘይትኽተል፡ ቢሒም ዝበለ ዜጋ ብዘይ መላሲ ኣዉያት ተዓፊኑ ዝጠፍኣላን ካልኦት መንእሰያት ደቀንስትዮ ይኹኑና ደቂ ተባዕትዮ፡ ካብ ዓዶም ብሕጋዊ ኪወጹስ ይትረፍ፡ ብዘይ ጭራም መንቀሳቐሲ ወረቐት ኣብታ ሓመዳ ሊሒሶም ዝዓበዩላ ከተማ ትኹን ዓዲ ተወዝ ኢሎም ክዛወሩ’ዉን ከምዘይፍቀደሎም ኣረዲኣ። ካብቲ ደረት ግዜ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ንምምላጥ ዝኾብለሉ ይኹኑ፡ ወይ ዉን ንሳዋ ንታዕሊም ዘይወረዱ ብቐጻሊ ካብ ጎደናታት ከምዝሕፈሱ’ዉን ኣረዲኣ። ካልኦት ሓያለ ብጥርጠራ ጥራሕ፡ ካብ ጎደናታት ተገፊፎም ህጣሞም ዘጥፉኡላ ዘለዉ ሃገር’ውን ከምዝኾነት ኣረዲኣ። ነዚ ንምግላጽ ድማ ንኩነታት ላዕለዎት ሰበሰልጣን መንግስቲ ዝነበሩ ጉጅለ 15 ከምኡ’ዉን ንሽወደናዊ ዜግነት ዘለዎ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ኣብሪሃ።

ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ዛጊት ዝኾነ ዘላቒ ፍታሕ ክርከቦ ዘይከኣለ ዘሎ ኩነታት ኤርትራ፡ ብቐንዱ ዉጺኢት ናይቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰፊኑ ዘሎ ናይ ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ኩነታት ምኻኑ ኣረዲኣ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ወራር ባዕሉ ብምብጋሱ፡ ምናልባት ንህዝቢ ኤርትራ ደሞክራስያዊ መሰላቱ ከይሓትት ጅሆ ንምሓዝ ዝጥቀመሉ ዘሎ ስልጢ ከይኮነ ከምዘይተርፍ ኣገንዚባ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብቲ ኣደራሽ ተረኺቦም ዝነበሩ ክልተ ልኡኻት ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሞንጎ መግለጺኣ ንምትዕንቓፍ እኳ እንተፈተኑ ካልኦት ካብ ተቓዉሞ ደምበ ዝኾኑ መንእሰያት፡  ብምትንሳእ ነቲ እተቕርቦ ዘላ ሓበሬታ ብምንኣድ እቶም ኣብ ሞንጎ ዘቓረጽዋ ድማ ልኹኻት ስርዓት ህግደፍ ከምዝኾኑ ኣቃሊዖም።

እታ በዓልቲ ስልጣን መግለጺኣ ምስ ዛዘመት ድማ፡  ሓደ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ዝኾነ ኣቦ መንግስቲ ነርወይ ንሽግር ኤርትራዉያን ብዕቱብ ተገንዚቡ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ምሃብ ግቡእ ተርኡ ክጻወት ሓቲቶም። ንሶም ’’ንሕና ኤርትራዉያን ጭቆና በዚሕና እምበር ጠሚና ኣይኮናን ንስደድ ዘለና’’ ብምባል ብምረት ተዛሪቦም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
30 COMMENTS
  • yemane February 10, 2012

    nathing to say

  • Cambo February 10, 2012

    ሓባሪ መጠንቐቕታ፤
    ካብ ICER
    10 ለካቲት 2012: ኣዝማሪኖ. ኮም

    ትማሊ ለይቲ ሰዓት 4 ፈረቓን፥ 31 ኤርትራውያን ካብ ቤት ማእሰርቲ ሺላል ኣብ ኣስዋን: ናብ ካይሮ ግብጺ ተወሲዶም ኣለዉ። ካብዞም ኤርትራውያን እሱራት እቶም ክልተ ንህይወቶም ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ከም ዘጋጥሞም ባዕሎም ኣፍሊጦም ኣለዉ። ምናልባት ሎሚ ምሸት ብነፋሪት ናብ ኤርትራ ከይወሰድዎም ኣይተርፍን እዩ።

    ናይ ትርጉም ጌጋ ናይ ካምቦ ሓላፍነት ጥራይ እዩ።

  • Cambo February 10, 2012

    ኣብ ሱዳን: ኤርትራውያን ስደተኛታት ይጭወዩ (ቢቢሲ)

    6 ለካቲት 2012
    ዑቕባ ንምርካብ ተስፋ ጌሮም፥ ኣብ ወርሒ ኣስታት 2000 ኤርትራውያን ንሱዳን ይመጹ። እንተኾነ ግና ብዙሓት ብጽሕ ምስ በሉ: ሽግራቶም ኣብ ክንዲ ዝቕንጠጥ፥ ኣደዳ መጭወይትን ጅሆን ይኾኑ ኣለዉ።

    ጀምስ ኮፕናል ናይ ቢቢሲ ብኸምዚ ይጽብጽብ፤
    http://www.bbc.co.uk/news/world-africa-16903627

Post a Reply to Cambo Cancel Reply