Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንግደት ማርያም ደዓሪት ኣብ ኤውሮጳ።

ብ13 ሓምለ 1881 ዓ.ም.ፈ ኣቡነ ቱቬ ብዓቢ ዓጀባን ዑደትን ነታ ምስሊ እኖና ድንግል ማርያም ባሪኾም ኣብ እዛ ሎሚ ዘላታ ናይ ክብሪ ዙፋና ኣብ ውሽጢ ጓንጓ ኦም ድማ (ዲራ) ዘቀመጥዋ። ካብ ርሑቅ ቦታታትን ብዓሚቊ ባህግታትን ካብ

ብ13 ሓምለ 1881 ዓ.ም.ፈ ኣቡነ ቱቬ ብዓቢ ዓጀባን ዑደትን ነታ ምስሊ እኖና ድንግል ማርያም ባሪኾም ኣብ እዛ ሎሚ ዘላታ ናይ ክብሪ ዙፋና ኣብ ውሽጢ ጓንጓ ኦም ድማ (ዲራ) ዘቀመጥዋ። ካብ ርሑቅ ቦታታትን ብዓሚቊ ባህግታትን ካብ ዚንገዳ ናይ ሃገርና መካነ ንግደታት  ቀዳማይ ቦታ ሒዛ እትርከብ ማርያም ደዓሪት ኢያ። እዛ ኣብ ከተማ ከረን እትርከብ ከምቲ ልሙድ ዓቢ ቤተ ክርስቲያን ወይ ደብሪ ዝሓቈፈት ዘይኮነትስ ማንም ኦም ድማ (ዲራ) ናይታ ተኣምራታዊት ምስሊ እግዝእትነ ማርያም ሒዛ ስጋዕ ሕጂ ትርከብ።

ሕዝቢ ኣጸቢቁ ክሓንን፣ ብብዝሒ ክውሕዝን ዝተራእየ ኣብዘን ዝሓለፋ 50/60 ዓመታት ኰይኑ፣ ኣብ ኤርትራ ሃለዋት ሰላም እናኸፍኤ፣ ብፍላይ ኣብ ከባቢ እቲ ቦታ ሃለዋት ህዝብን፣ ዕንወት ዓድታትን፣ ብእኩብ ድምር፣ ብዘስካሕክሕ ጭካኔ ኣብ (ዖናን፣ በስክዲራን) ብሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈጸመሉ ኣትሒዙ፣ ማርያም ደዓሪት ምልክት ተስፋን ሰላምን ኰይና ጸጋታት ዚልመነላ፣ መብጽዓታት ዚእተወላ፣ ዝረሓቁ ዝተበታተኑ ኣባላት ስድራቤትካ እተማዕቊበላ፣ ውላድ እተመነየት እትጋሰሰላ፣ ዝተነግረን ዘይተነግረን ተኣምራታት ዚፍጸመላ ቦታ ኮይና ንዅሉ ክትስሕብ ትነብር ኣላ።

 

„ተዓብዮ ነፍስየ ለእግዚኣብሔር“…

ወርሒ ግንቦት ወርሒ ማርያም ተባሂላ ትጽዋዕ። ዕለት 21 ናይ ዝኾነት ወርሒ ብኣቈጻጽራ ግዕዝ በዓለ ማርያም ትበሃል። ኣብ ሃገርና ዓመታዊ ንግደት ማርያም ደዓሪት ድማ ኣብ 21 ግንቦት ትውዕል። እግዝእትነ ማርያም ተስፋን ጽላልን ሰላምን ናይ ደቂ ሰባት ብምዃና መጠን ኣመንቲ ኵሎም ነዚ ሓዲሽ ኣብነት ናይ ደቂ ፍቅሪ ብምኽታል ንማርያም ደዓሪት ከብዕሉ ይርከቡ።

 

ሃገርና ብሰንሰለታዊ ኣመጻጽኣ ካብ ምልኪ ናብ ጭቆና ባርነት እትመሓላለፍ ብዃና መጠን፣ ካብዚ ሽግር እዚ ንምድሓንን ንምልቃቅን ናይ ሕልናን መንፈስን ጽንዓቶም ዝኾነት እግዝእትነ ማርያም ስለ ዝኾነት ብምንም ተኣምር ካብ ማርያም ከርሕቆም ዝኽእል ሓይልን ምልክን የልቦን። እምበኣርከስ ኣመንቲ ሕዝብና ብዘይ ኣፈላላይ ብሓባር፣ ብዋዜማን፣ መስዋእቲ ቅዳሴን፣ ምስሊ ማርያም ተሰኪሞም ዑደት ብምግባርን፣ መቊጸርያ ብምድጋምን፣ ካብ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ እናመጹ፣ ንክብሪ ማርያም ክውድሱን፣ ጸጋ ማርያም ክልምኑን ኣብ ደዓሪት፣ ይራኸቡ። መንእሰያትን፣ ኣጓብዝን፣ ቈልዑትን፣ እውን ነዛ ዕለት እዚኣ ብፍልይ ዝበለ ድምቀት፣ በብዞናኦም ተወዲቦም፣ ንክብሪ ማርያም ደዓሪት፣ ብመዛሙርን፣ ብባህላዊ ደርፍታትን፣ ብሳዕሳዒትን፣ ብጨፈራታትን፣ እናወደሱ፣ ይውዕሉ። እምበኣርከስ ካሃናትን ዲያቆናትን፣ ገዳማውያንን መነኮሳትን፣ ኣቦታትን ኣደታትን፣ ሰበ-ስልጣን መንግስትን ወተሃደራትን፣  ኣመንቲ ኵሎም በብመዓርጎምን ክብረቶምን፣ ብውዕዉዕ ስምዒት፣ ተሓጒሶም ዝውዕሉላ ሓንትን ፍልይትን፣ መዓልቲ ንግደት ማርያም ደዓሪት እያ።

 

እምበኣርከስ ንግደት ማርያም ደዓሪት እታ ናይ ሓባር ዕለት፣ እታ ፍልይቲ መዓልቲ፣ እታ ናይ ኵሎም ኣመንቲ፣ ኵላትና እንራኸበላን፣ እንሕጐሰላን፣ ስለዝኾነት ሃገራዊት መንፈሳዊት መዓልቲ ንግደት ተኣምራታዊት፣ ብምዃና ብዙሓት ሰባት ሓሳባቶምን፣ ደሌቶምን፣ መብጽዓታቶምን፣ ከምዝተፈጸመሎምን ከምዝመስከሩን ይፍለጥን፣ ይንገርን።

ስለ‘ዚ ብሰሪ ሔዋን ገነት ተዓጽወ፣ ብሳላ ድንግል ማርያም ከዓ ተኸፍተልና። እግዝእትነ ድንግል ማርያም፣ ጸጋ-መንፈስ ቅዱስ ዝመልኣን፣ ኣደ መድሓኒናን ኣደናን፣ ኣማላዲትናን፣ ዋሕስናን፣ ለማኒትናን ኢያ። ካብ‘ዚ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ወሪዱና ዘሎ ቅልውላው ክንድሕን፣ ሰላምን ርግኣትን ክወርደልና፣ ምስ ኣምላኽና ክንዕረቅ፣ ነታ ዘይትሕለልን ዘይትጭክንን፣ ፍጥርቲ ልዕሊ ፍጡራት ዝኾነት እኖና ማርያም ልባትና ኣንጺህና ብሕልናና ንህዝናን ንህዝቢ ከባቢናን ከተማዕቊበልና ሓቢርና ንለምና።

 

ንዕለት 31.05.2014 ኣብ ከተማ ስቱትጋርት/ጀርመን ከምቲ ልሙድ ዓመታዊ ዝኽሪ ንክብሪ ማርያም ደዓሪት፣ ዘብዕሉላ ዕለት ስለ ዝኾነት፣ ንዅሎም ምእመናንን ግዱሳትን  ብሕውነታዊ ኣኽብሮት የዘኻኽሩን ይዕድሙን።

ቅዳሴ ሰዓት 11.00 ቅ.ቀትሪ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጳውሎስ፣ Am Lehenweg 16, 70180 Stuttgart ይጅምር።

ድሕሪ ቅዳሴ መዘናግዒ ኣደራሽ፣ Gemeinwesen Zentrum, Möhringenstr. 56, 70199 Stuttgart እዩ። ሓበሬታ ዝደልዩ በዚ ቊ. 0049-(015128473050, 01775254050, 0176619799447) ይወከሱ።

 

ንዕለት 08.06.2014 ኣብ ከተማ ጂነቭ/ስዊዘርላንድ ንግደት ማርያም ደዓሪት፣ ዘብዕሉላ ዕለት ስለዝኾነት ንዅሎም ብትሕትና ይሕብሩን ይዕድሙን። ቅዳሴ ሰዓት 11.00 ቅ. ቀትሪ ኣብ ግዜኡ ክጅምር እዩ። SALLE COMMUNAL D’ONEX, ROUT CHANCY 133, 1213 ONEX ኣብ ፊቱ ዘሎ ቤተ-ክርስቲያን እዩ።

ብባቡር እትመጹ፣ ኣብ ጂነቭ ካብ ባቡር ምስ ወረድኩም ንወገን የማን ባንሆፍ (BANHOF/GAR) ወይ ላጋር፣ ባቡር ከተማ (STRASSENBAHN/TRAM) ቊጽሪ N. 14P+R BERNEX ንበርነ እትኸይድ ወሲድኩም ኣብ ONEX  ኦነ መውረዲ ትወርዱ። ጽንብልን፣ ምህለላን፣ ጸወታን ከም ቀደሙ ክህሉ እዩ።

ሓበሬታ፣ ዘድለዮ መወከሲ 0041-(0766161403, 0763794835, 0794202567) ተንቀሳቃሲ ተለፎን እዩ።

 

ብሰላም መጻእትን ጸናሕትን ይግበረና።

ኣኽበርትኹም ኣዳለውቲ በዓል ማርያም ደዓሪት።

 

 

PS. መተሓሳሰቢ ንዅሎም ኣብ ፈቀዶ ሃገራት ንክብርን ንዝኽሪን ማርያም ደዓሪት እተብዕሉ ዘሎኹም፣ ካብ ነንበይንና ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ምሕባር፣ ብሓደ ጥርኑፍን ምእኩልን ኣገባብ እንተዝኸውን በሃልቲ ስለ ዝኾና በዚ ዝኽተል መራኸቢታት ንኽትውከሱና ብትሕትና ነተሓሳስብ።

 

E-Mail: shaftach@googlemail.com

Priv. tel: 0049-7391 52 761

Mobile:  0049-157 59 254 186

 

የቀኒየልና።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • B e l e n May 5, 2014

    Hail Mary dEa Ari, full of grace, the Lord is with thee; blessed art thou amongst women, and blessed is the fruit of thy womb, Jesus. Holy Mary, Mother of God, pray for us sinners, now and at the hour of our death

  • semere May 5, 2014

    Thank you so much for reminding us about the annual feast of Mariam Dearit. Like Fatima, Lourdes and many other places Mariam Dearit is already internationally celebrated and honored. In normal circumstances it could be a powerful center of pilgrimage even internationally.
    May Mariam Dearit bring lasting peace to our country!

  • TaEsa May 5, 2014

    Mary, Mother of God, pray for us sinner.
    Pray for our sisters & brothers who are in Sawa, Prisons of Eitrea, Sinai, Libya, Israel, Sudan…. & all over the world.
    Pray for our children.
    Pray for our Mothers.
    Pray for our Fathers.
    Pray for our country.
    Amen

  • monicasalguero May 5, 2014

    Mariam Diarit:
    Ms weda koina dem hiya teneb zela-mo bete-Cristiyan win ms wexeh hezba Ketkown Nmehxen.

    Mariam Ade Nay kedemna Kab wedkindo selam Amaldelna Amen.

  • Bereket teklemariam May 5, 2014

    ኦ ማርያም ምልእተ-ጸጋ እዚ ኣብ ሃገርና ኣብ ልዕሊ ፍቑራት ደቅኺ ወሪዱ ዘሎስደት፡ማእሰርቲ፡ምፍልላይ፡ሞት፡ኣጨኻኻን፡ሓው ንሓው ኣሕሊፍካ ናይ ምውህሃብን ግዜ ተወዲኡ ህዝብና ሰላምን ቅሳነትን ዘስተማቅረሉ፡ኣብ ዓዱ እግሩ መሊኡ ዝረግጸሉ፡ ቀሲኑ ናብራኡ ዝመርሓሉ፡ናብ ዓዱ ብሰላም ዝኣትወሉን ዝወጸሉን፡ሬስኡ ኣብ መሬቱ ዝዓርፈሉ፡ድሌቱ ሃይማኖት ዝስዕበሉ፡ብሕጊ ዝምርሓሉ ግዜ ክጅምር እንካብ ፍቑር ወድኺ ለምንልና። ብኽያትን ንብዓትን ናይዚ ህዝቢ ክድምደም ኩሉ ግዜ ብጸሎትኪ ክትረድእና ናባኺ ንምሕጸን ኣሎና። እዛ ኣብ ሞንጎና ዛሕቲላ ዘላ ፍቕሪ ምለስልና። እዚ ኣብ ፈቐዶ ዛሕ ኢሉ ዝርከብ ዘሎ ህዝብና ኣምላኽ ኢዱ ከምብረሉ ብኣኺ ጌርና ናብ ፍቑር ወድኺ ነማዕቁቦም ኣሎና።

  • change May 6, 2014

    Thank you and God bless you guys for doing this

  • samuell May 6, 2014

    maryam aytedeiheiinn ayteisseilleiii

Post a Reply to B e l e n Cancel Reply