Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ንደገ ክገሹ ዝፍቐደሎም ኣባላትን ዕጡቓትን” ብዝምልከት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዘውጽኦ ውሽጣዊ መምርሒ

'ታይ ግዱ ህግደፍ መንደፍ፣ እንተኾነሉ ሰብ ይነድፍ፣ እንተሰኣነ ገንዘብ የግድፍ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ንኤርትራ ሃገረ ዕስክርና ብምግባር፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ሰጥ ልበጥ ኣቢሉ ብወተሃደራዊ ሕጊ ንምቍጽጻሩ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ዝሓንጸጾ ሜላ፣ ንኹሉ መንእሰይ ኤርትራ ብስም

‘ታይ ግዱ ህግደፍ መንደፍ፣ እንተኾነሉ ሰብ ይነድፍ፣ እንተሰኣነ ገንዘብ የግድፍ

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ንኤርትራ ሃገረ ዕስክርና ብምግባር፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ሰጥ ልበጥ ኣቢሉ ብወተሃደራዊ ሕጊ ንምቍጽጻሩ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ዝሓንጸጾ ሜላ፣ ንኹሉ መንእሰይ ኤርትራ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣስገዲዱ ዓስከር ብምግባር ብዓንተብኡ እዩ ጀሚሩዎ። ንመንእሰይ “ኣልዚበዮ እየ” ኣብ ዝበለሉ እዋን ከኣ፣ ነቶም ምንኣስ መንእሰይ ዝኾኑ ኮቴቴ ‘ውን ብስም “ምፍጻም ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ” ናብ ሳዋ ኣውሪዱ ሕጹያት ዕስክርና ብምግባር ናብቲ ቀጽሪ ዕስክርና ኣስዒቡዎም።

እቲ ደረት ዘይብሉ ዘመተ ዕስክርና ኤርትራውያን መንእሰያት፣ ሓደ ካብ ቀንዲ ምንጪ ጃምላዊ ዋሕዚ ስደት ኮይኑ ፍሽለቱ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ርኡይ ኮይኑ እኳ እንተሃለወ፣ ኢሳይያስ ነቲ መዕነዊ ፖሊሲ ብኣዝዩ ዘደንጹ ኣንደበት ኣስፊሑ ብምትሕሓዝ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት፣ ክሳብ 70 ዓመት ዝዕድሚኦም ሲቪል ሽማግለታት ከይተረፈ ብሓይሊ ብረት ኣዕጢቑ ነቲ ንመላኽነቱ ዝምእምእ ናይ ዕስክርና ውጥን ቀጺሉዎ። ብኢዱ ኣይግዳዱ፣ መን ዋና ኣለዎ!

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ስልጣኑ መታን ከይድፈር ንመእሰያት ኤርትራ ሓንሳብ ብወያነ ሓንሳብ ብ “ኣይሰላም ኣይኵናት” እናመሳመሰ ኣብ መሳርዕ ሰራዊት ኩሩንኵሪት ብምእሳር ምቍጽጻሩ፣ ብዓይኒ ህዝብን ሃገርን ክርአ ኸሎ ኣዕናዊ ኳ እንተኾነ፣ ከም ውልቀመላኺ ክርአ ኸሎ ዘዋጽኦ ስለዝገበረ ኣየገርምን እዩ። ሽማግለታት ብግዴታ ኣዕጢቑ፣ “ህዝባዊ ሰራዊት” ዝብል ስም ዓሳክር ገይሩ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቍጽጻሩ ከእትዎም ምህቃኑ ግን፣ ነዛ ጭርኡ ኳ ምእማን ስኢኑ፣ ርእሰምትእምማን ኣጥፊኡ ምህላዉ ዘርኢ እዩ።

ድሕሪ ምዕጣቖም ግን፣ ከምቲ ዝሓሰቦ ኣብቲ ዘዋደደሎም መጻወድያ ኣእትዩ ከምድላዩ ክቆጻጸሮም ኣይከኣለን። ዕቡድ ስርዓት ደኣ ኮይኑ እምበር፣ ብቐደሙስ፣ መንእሰያት ደቆም ብኢሳይያስ ተዘሪዖም ናብራ ገዛ ኣብ እንግድዓኦም ዝወደቖም ሓረስቶት፣ ዕድመ ንእስነቶም ኣብ ገድሊ ኣብልዮም ኣብ ድርኵዅት ሽምግልና ንዝርከቡ ከዕርፉ ዝግብኦም ተጋደልቲ ነበር፣ ናብ ቤተክርስትያንን መስጊድን ክመላለሱ ዝነበሮም ሽማግለታት ኣቦታት፣ ሞያኦም ምስ ዕስክርና ዘይራኸብ ሰብ ሞያን ነጋዶን መልሓጥሓጥ ኢሎም ምእርናብ ክኣብዩዎ ባህርያዊ እዩ። ህልኹ ግን ኣይደቀሰን። ሰጥ ከብሎም ምእንቲ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብዜናታት ዝስማዕኩሞ ናብ ታዕሊም ክወርዱ ክተሃላለኾም ቀዊዑ። እቶም ኣብ ታዕሊም ዝተረኽቡ ውሑዳት ስለዝኾኑ ተሃን ቍጽጽሩ ስለዘየውጽአ ኸኣ፣ እንሆ ሕጂ፣ በቲ በቲ ክሳብ ዝምብርከኹ ኣጥቢቑ ክሕዞም፣ ካብ ሰንሰለት ቁጽጽሩ እንተወጺኦም ድማ ገንዘብ ሸምጥጡ ከምኣመሉ ማሕፉዳኡ ክምልእ፣ ዕድሚኦም ሰሪሖም ዘጥረዩዎ ትካላቶም ክዘምት ሓድሽ መምርሒ ኣውጺኡ ኣሎ። ናይ ህዝብን ሃገር ግዲ ዘይብሉ ዓንዳሪ ስርዓት ዝብልኹም ከምዚ እዩ።

እቲ ዕብዳን ፍርሕን ተኣዋዊሱዎ ዘሎ ውልቀመላኺ ነዞም ብህዝባዊ ሰራዊት እናጸውዐ ዘባጭወሎም ዘሎ መሳኪን ኣመልኪቱ ናብ ሓለፍቲ ዘመሓላለፎ ውሽጣዊ ትእዛዝ እምብኣር ከምዘለዎ እንሀልኩም።    

 

ንደገ ክገሹ ዝፍቐደሎም ኣባላትን ዕጡቓትን፣

  1. ብምኽንያት ሕማም ደገ ከይዶም ክሕከሙ ዝፍቐደሎም ቀጥታ ደብዳቤ ይጽሓፈሎም።

 

  1. ወደይ ጓለይ ብምኽንያት ሕማም ደገ ከይዱ ክሕከም ስለዘፍቀድሉ ናብ ደገ ወሲደ ክሕክሞ ዝብል ሕቶ ዘቕረበ፣-
  • ብዓልቲ ቤቱ ነቲ ሕሙም ናብ ደገ ወሲዳ ክትሕክሞ ከምዘይትኽእል ካብ ምምሕዳር ጭብጢ መረጋገጺ ምስዝቐርብ ጥራይ ይፍቀደሉ።

 

  1. ኣቦይ ኣደይ ሓወይ ወዘተ… ናብ ደገ ከይዱ ክሕከም ስለዝፍቀደሉ ወሲደ ክሕክሞ ዝብል ሕቶ ዘቕረበ፣
  • ጻንታ ማለት ንወለዱ ሓደ ንሱ ጥራሕ እንተኾይኑ መረጋገጺ እንተቕሪቡን ጥራሕ ይፍቐደሉ።
  • ኣሕዋት ምስዝህልውዎ ኣይፍቀድን፣ ከም ፍሉይ ዝርኣ 4-5 ኣሕዋቱ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስዝህልው እሞ ንህላዊኦም ዝምልከት መረጋገጺ ወረቐት ካብ ኣሃዱኦም ምስዘቕርብ ጉዳዩ ክርኣ ይክኣል።

 

  1. ውላድ ዝኣበዮ ናብ ደገ ከይዱ ክሕከም ዝፍቀደሉ።
  • ካብ ዝምርዖ ልዕሊ 5 ዓመት ከም ዝገበረ መረጋገጺ ወርቐት ዝቕረበ ብናይ 200.000 ሽሕ ናቕፋ ውሕስነት መገሻ ይፍቀደሉ። ኣብ ዝተወሰነሉ ናይ ግዜ ገደብ እንተዘይተመሊሱን ናይ ምምላስ ኣንፈት እንተ እንተዘይሃልይዎን እቲ ብውሕስነት ዘትሓዞ ገንዘብ 200.000 ሽሕ ናቕፋ  ናብ መንግስቲ ኣታዊ ምዃኑ ገያሻይ ናይ ውሕስነት ውዕል ክኽትም ኣለዎ።

 

  1. ብዓልቲ ቤተይ ብጉዳይ ሕክምና ኣብ ደገ ስለዝርከብ ርእየዮ/ያ ክምለስ ዝብል ሕቶ ዘቕረበ ፣
  • ብሕማቕ ኩነታት ከምዘላን/ሎን ናብ’ዚ ሃገር ባዕላ/ሉን ብኣካል መጺኣ ክትርእዮ ዘየኽእል ጭብጢ ኩነታት ከምዘለዎን መረጋገጺ እንተኣቕሪቡ ብናይ 200.000 ናቕፋ ውሕስነት መገሻ ክፍቐደሉ ይካኣል። ኣብ ዝተወሰነሉ ናይ ጊዜ ገደብ  እንተዘይተመሊሱን ናይ ምምላስ ኣንፈት እንተዘይሃልይዎን ድማ እቲ ብውሕስነት ዘትሓዞ 200.000 ናቕፋ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ክኸውን ምዃኑ ገያሻይ ኣብቲ ናይ ውሕስነት ውዕል ክኽትም ኣለዎ።

 

  1. ኣብ ዝኾነ ሃገር ዝኽፈሎ ናይ ጥሮታ ገንዘብ ስለዘለኒ ገንዘበይ ክቕበል ክኸይድ ዝብል ሕቶ ዘቕረበ፣
  • ብናይ 200.000 ናቕፋ ውሕስነት ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ጥራሕ ክገይሽ ይፍቐደሉ። ኣብ ዝተወሰነሉ ናይ ጊዜ ገደብ እንተዘይተመሊሱን ናይ ምምላስ ኣንፈት እንተዘይሃልይዎን ድማ እቲ ብውሕስነት ዘትሓዞ 200.000 ናቕፋ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ክኸውን ምዃኑ ገያሻይ ኣብቲ ናይ ውሕስነት ውዕል ክኽትም ኣለዎ።

 

  1. ካብ ደገ ኣገደስቲ ንብረት (ንትካል ዘድሊ ንብረት) ከእቱ ይፈቐደለይ ዝብል ሕቶ ዘቕረበ፣
  • ናይ 300.000 ናቕፋ ውሕስነት ብምትሓዝ ኣብ 6 ወርሒ ሓደ ግዜ ጥራሕ ክወጽእ ይፍቐደሉ። ኣብ ዝተወሰነሉ ናይ ጊዜ ገደብ እንተዘይተመሊሱን ናይ ምምላስ ኣንፈት እንተዘይሃልይዎን ድማ እቲ ብውሕስነት ዘትሓዞ 300.000 ናቕፋን ትካሉን ናብ መንግስቲ ኣታዊ ክኸውን ምዃኑ ገያሻይ ኣብቲ ናይ ውሕስነት ውዕል ክኽትም ኣለዎ።

 

 

ዓወት ንሓፋሽ!!!

 

ቤ/ጽ ኣዛዚ ህዝባዊ ሰራዊት ኤርትራ

 

ሌ/ኮ ኣማኒኤል ኣርኣያ

 

Continue to read in pdf

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • Mamit February 28, 2015

    The general depressing and not getting any better situation of our poor Eritrea, reminds me always one of great song by Abrar Osman which is “Kemzi elkas nabra Aykonen” bhaki, bhaki! May the Almighty God give us his mercy and blessing soon. We sadly have been doing far too much talking and bragging non-stop that the outside world have been ignoring us probably as useless and just talkative people.

  • ERITRAWIT February 28, 2015

    Welfasat HGDEF tblewo tgebrwo nen-beynew!!!!

  • fact-is-fact February 28, 2015

    Brother AHMED SALEH,

    I, like you, smirked at #6. However, nothing sensible is to be expected from a deliberate evil. is it? It is not b/c they lack knowledge, logic of this simple thing of #6 but who says an evil institution or an evil human being that is bent hell to dominate another human being abides by reason & logic? Can we expect a gift of beautiful ርግቢት from a rattle snake?

    PFDJ knows, in an ideal world, a retiree (Eritrean in this case) should be able to go to his/her adopted country (America or Europe) to collect pension & hang out with relatives & friends or whatever for as long as that person wants to. But, PFDJ world?

  • fact-is-fact February 28, 2015

    Brother – get this – honest people like yourself are caught in this Eritrea mess. But get this brother – what should NOT be denied is The diaspora (in particular late 70’s & 80’s) PLAYED the critical role in feeding EPLF with all the necessary information, among other things, on how to eventually exploit, manipulate the mass & enslaving them.

    Wedi Afom simply was not the typical ordinary mind as articulately explained by Ato Tesfay Temenwo. Simply, he, [being the master of networking, organizational mgmt. skills, Information gathering, dissemination, concealment, diversion.. etc…)] put all these diaspora hafash wudebat in place in particular in the Metro areas (such as DC, CA, Frankfurt, London, Paris..etx ) to study on how the intricacy of financial institutions exploit their citizens even in the most civilized West with all the rules. The loopholes are there. You saw what happened with the big banks & their executives, the likes of cruel dog Madof and many more. And just imagine what many cruel Eritreans diaspora DID to benefit themselves & the PFDJ cores at the expense of Eritrea & its mass.

    Many diaspora who are now crying foul are NOT genuine. Because they absolutely played key roles in installing EPLF’s exploitative institutions. Can you believe if for instance people such as Ato Petros Tesfag. (wedi BaEtay”) cry foul? How come at the time they rationalized, justified to all the many killings (even abroad), exclusions, alienations…what not ?

    If they (those key players part of the info gathering recruitees – information is power that empowered EPLF, PFDJ) HAD HAD conscience then they would have at least chosen to carefully pull themselves out back then. But, their individual goal simply mirrored with the echelons of EPLF & later PFDJ. The rest !? WUCWUG in Eritrea!

    • Tamrat Tamrat March 1, 2015

      Do you mean WUCIWUG?

      Or Wha you see is what you get?

  • baduri himedin March 2, 2015

    HGDF nisa yea zeal akmu hgi, mis aregewti midriquas ember, egri zelewo si dew aybelen zelo! hizbawi serawit dea kulom 70 years and above endiom entai kisab kindizi, zefriho, hilniau ziarebo mengisti eu zelo ab Eritrea hgi! entai gidu tsinih elu win ni kolaa sebeiti nai immigration hgitat kewtsealom eu!
    wey gudddddddd

Post a Reply to baduri himedin Cancel Reply