ንውጽኢት መርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ደገፎም ንምግላጽ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኤውሮጳ ብመካይንን ነፈርትን ናብ ጀነቫ ዝወሓዙ ልዕሊ 5 ሽሕ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ጀነቫ ታሪኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
ንውጽኢት መርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ከምኡ ‘ውን ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ንምዅናን፣ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኤውሮጳ ብመካይንን ነፈርትን ናብ ጀነቫ ዝወሓዙ ዕዕሊ 5 ሽሕ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ሎሚ
ንውጽኢት መርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ከምኡ ‘ውን ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ንምዅናን፣ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኤውሮጳ ብመካይንን ነፈርትን ናብ ጀነቫ ዝወሓዙ ዕዕሊ 5 ሽሕ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ሎሚ ዓርቢ 26 ሰነ 2015፣ ኣብ ታሪኽ ተቓወሞ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብብዝሑን ዓይነቱን ውዕዉዕነቱን ፍሉይ ኣገዳስነት ዘለዎ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
ፍርቂ ናይቶም ሰልፈኛታት፣ ካብ መተኣኻኸቢ ቦታ ተበጊሶም ንመርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድግፍ ንምልካዊስ ስርዓት ኢሳይያስ ዝዅንን ጭርሖ እናስምዑ ብማእከል ጎደናታት ጀነቫ ናብ ቤትጽሕፈት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምሪሖም። ኣብቲ ቦታ ምስ ዝጸንሑዎም ካልኦት ኣሽሓት ደለይቲ ፍትሒ ተጸንቢሮም ከኣ ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፎም ቀጺሎሞ።
ሓደ ነቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ታሪኻዊ ሰለማዊ አልፊ ፍሉይ ዝገብሮ፣ እቶም ናይ ሎሚ መዓልቲ ተሳተፍቲ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ካብ ኤርትራ ዝተሰደዱ መንእሰያት ክኾኑ ከለዉ፣ እቲ ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣማን ብኣማን ሓቂ ምዃኑ ብኣካል ተረኺቦም ብዘየወላወል መንገዲ ምምስካሮም እዩ።
ክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና ሰፊሕ ዜናን ናይ ቪድዮ ምስክርነትን ኣብ ቀጻሊ ከነቕርበልኩም ኢና።
daniel June 26, 2015
no more dictator in Eritrea and a retarded Ideology .
Mussie June 26, 2015
ጀነቫ፣ ኣዲስ ኣበባ፥ ምስ እስራኤኡ ኩላተን ሓደ እየን ዝዛረባ። ንጉጅለ ሸፋቱን ነቶም ግጉያት ደገፍቶምን፥ ሪምና ምለሱልና፥ ቤትና ግደፉልና፥ መሰልና ሃቡና፥ ባይቶና ክንተክል፥ ብሕጊ ክንመላለስ፥ ብሰላም ክንነበር፥ ኢድኩምን እግርኹምን ሓዙልና ዝብል ሕዝባዊ ማዕበል ኢዩ።
Mussie June 26, 2015
VIVA VIVA GENEVA
Nurhussein June 26, 2015
Our youth, I’M so proud of you, it is your business and you have done it well nothing going stop.
Down with the dictator and his cohorts!!!
Mengs June 26, 2015
wel done deki erey hayet
Mehdret Dawit June 26, 2015
I am so ptoud of you who demontrait for democrati.
sammy mike June 26, 2015
vivvavvvvvvvvvvvvvvvvvvvvvvvvvvvvvvvvvvvvvvvvvvvvv no one will stop menesey
Wedi Haile June 26, 2015
ኣጆኩም ደቒ ኤሬ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ዕርበቱ እዩ፥ ምሉእ ሓርነት ንጋናጸፈሉ ግዜ እናቐረበ እዩ!
semere 2 June 26, 2015
God Bless you guys!!
hp June 26, 2015
ኣማን ብእማን ጂግንነት ተሰሪሑ ኣሎ።ነቲ ዘይተርፍ ዓወት’ውን ቁሩባት ኢና።እንተ ደገፍቲ ህግደፍ’ሞ ድሮ፡ዋይ!ኢንታይ’ማ ኣግነየና ክብሉ ድሮ ይስሙዑ ኣለዉ።viva Geneva!!!