ንቡር ዝፈልጥ ውላድ ረኺባ ብሰላም ክትነብር ኣብ ዓዳ
ንቡር ዝፈልጥ ውላድ ረኺባ ብሰላም ክትነብር ኣብ ዓዳ ‘ላም ሓዊ ወሊዳ ከይትልሕሶ ኣንደዳ’ ከይትጉሕፎ ውላዳ ‘እንተ ተመሰለለይ!’ ኢላ ሃዲማ ተሰዲዳ ንሓዊ ዝኾነ ውላዳ ገዲፋ ዓዳ ግን ተሳጠሐት ንዝገደደ ሓደጋ ኮነት ግዳይ ባሕሪ ምድረ-በዳ ዘርከበ ዘሳድዳ ዘሸክማ ዘይነበራ ዕዳ ክፈሊ! ሓውሊ! ዝብል ሓኒቑ ብኽሳዳ የብለይን! ዘይፈልጥ ቡዳ ካብ ኣካላ ቅንጣብ
ንቡር ዝፈልጥ ውላድ ረኺባ
ብሰላም ክትነብር ኣብ ዓዳ
‘ላም ሓዊ ወሊዳ
ከይትልሕሶ ኣንደዳ’
ከይትጉሕፎ ውላዳ
‘እንተ ተመሰለለይ!’ ኢላ ሃዲማ ተሰዲዳ
ንሓዊ ዝኾነ ውላዳ
ገዲፋ ዓዳ
ግን ተሳጠሐት ንዝገደደ ሓደጋ
ኮነት ግዳይ ባሕሪ ምድረ-በዳ
ዘርከበ ዘሳድዳ
ዘሸክማ ዘይነበራ ዕዳ
ክፈሊ! ሓውሊ! ዝብል ሓኒቑ ብኽሳዳ
የብለይን! ዘይፈልጥ ቡዳ
ካብ ኣካላ ቅንጣብ ጓሕጊሑ ዝሰዳ
ናብ ካልእ ኣካላ ዝጉሕጉሕ ይሰዳ
ስለዚ ትምህለል’ያ ዘላ ‘ወላድ ትፍረድ!’
እናበለት
ማይ ኣይሂ ክውሕጦ
ንሓዊ ዝኾነ ውላዳ
ማሕጸና ክሕጸብ ብበርቂ ነጎዳ
ንቡር ዝፈልጥ ጥዑይ ውላድ ረኺባ
ብሰላም ክትነብር ኣብ ዓዳ
ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ
ምስሉ ተክኤ 2 ታሕሳስ 2016
Berhe Tensea December 4, 2016
Excellent poem thank you
Eritrea is getting milked to death , It may not survive for a long time .
ሃይለሚካኤል ድራር December 19, 2016
ብሓቂ ፈፈልዩ ዝሃርም መሳጢ ግጥሚ ወይዘሮ ምስሉ ጸባ ስተዪ
Debbesay January 21, 2017
So far i have seen three government,.
Emperor Haile selassie only asked her milk:;
Guad Mengestu Haile Mariam only took her offspring;
Wede Afome who should have been her shepherd demanded us her meat;
what tragedy!!
Debbesay January 21, 2017
So far i have seen three government,.
Emperor Haile selassie only asked her milk:;
Guad Mengestu Haile Mariam only took her offspring;
Wede Afome who should have been her shepherd demanded her meat;
what a tragic fate!!