Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ንሽሕ ፈልጺ መእሰሪተን ሓንቲ ልሕጺ”

ዕለት 06/19/2015 ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ፤ ኣብ ዋሸንግቶን ዲሲ ነቲ ዓገብ ዝብለሉን ዝጣበቀሉን ሲኢኑ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራን፡ ጥፍኣት መንእሰያት ኣብ ባሕሪ ሚዲትራንያንን፡ ማሕረድቲ መንእሰያት ብዳዕሽን፡ ንዓለም ኣውያት ንምስማዕን ሓደ ዓቢ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሽንግቶን

ዕለት 06/19/2015 ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ፤

ኣብ ዋሸንግቶን ዲሲ ነቲ ዓገብ ዝብለሉን ዝጣበቀሉን ሲኢኑ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራን፡ ጥፍኣት መንእሰያት ኣብ ባሕሪ ሚዲትራንያንን፡ ማሕረድቲ መንእሰያት ብዳዕሽን፡ ንዓለም ኣውያት ንምስማዕን ሓደ ዓቢ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ንዕለት 06/19/15 ተዳሊዩ ኣሎ። እዚ ዓቢ ሰለማዊ ሰልፊ እዚ ንብምልኡ ደላይ ፍትሒ ዝምልከት ኮይኑ ኩሉ ድማ ኽሳተፎን ኽግስጉሰሉን ይግባእ።ምኽንያቱ እዚ ብኽያትን ኣውያትን ህዝብና ናብ ዓለም ንምቅላሕን እቲ ብኤውሮፖዊ ሕብረት ንህግደፍ ተዳሊዩ ዘሎ  ሓገዝ ገንዘብ ፥ኣድላዩ ከምዘይምካኑ ንምጽዋዕ ዝተዳለወ ዓቢ ሰለማዊ ሰልፊ  ኩሉ  ደላይ ፍትሒ ንኽሳተፎ ጻዊዒት ይቐርብ ኣሎ ኩሉ ድማ ኽድግፎ ይግባእ።

ኣብዚ ክንጸር ዘለዎ ግን እዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ኣገዳሲ ድዩ፣እቲ መልሲ ፍሉጥ እዩ: እወ ኣገዳሲ’ዩ ፥ ኣገዳሲ እንተኾይኑ’ከ መን እዩ ከዕውቶ ዘለዎ ፣ኩሉ ደላይ ፍትሒ እዪ እቲ መልሲ፥ እዚ እንተዳኣ ኣሚንና መን እዩ ኣበጊስዎ ዝብል ሕቶ እውን ክመጽእ ኣይግብኦን ፥ዘበገሰ የበግሶ ክሳብ ኣንጻር እቲ ስርዓት ዝኾነ ኩሉ ኽዓኮን፡ ከተባብዖን ፡ኽሳተፎን ይግባእ።ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ፍልልይ ክህሉ ንቡር እዩ።ኣበይ ንፈላለ ግን ከነስተውዕል ይግበኣና ኣብ ገለ ኣርእስትታትን ኣገባብ ኣቀላልሳን ፍልልያት ክህልውና ንቡርን ትጽበዮ ነገር  እዩ።ኣብ ኩሉ ግን ክንፈላለ ኣይንኽእልን ኢና፥ ኣብቲ ናይ ሓባር ሮቛሒ ኩሉና ከምንሰማማዕ ዘማትእ ኣይኾነን ።ስለዝኮነ ድማ ነዚ ኣብ ፈታኒ ህሞት ዝኻየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ናትና ወሲድና ከነዕውቶ ናይ ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ሓላፍነት እዩ።እዚ ህሞት እዚ መንእሰያት ኣብ ዝጸንትሉ ዘለው: ህግደፍ ንዓለም እገዳ ንኽላዓለሉ ብኣምባሳደራቱ ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን :ኤውሮፖዊ ሕብረት ንህግደፍ መቃነዪ ገንዘብ ክህበሉ ኣብ ዝደናደነሉ ዘሎ እዋን ይካየድ ብምህላው እዚ ንኽዕወት ብዝተወደበ መልኽዑ ኩልና ኽንቓንዮ ይግበኣና።

ብፍላይ ናብ ዲሲ ዝቀረባ  ከተማታት ዝቅመጥ ደላይ ፍትሒ ዝገደፈ ገዲፍ ብሕልና ንሓንቲ መዓልቲ ክውፈ ደም ናይቶም ዝጠፍኡ መንእሰያትን፥ ሕድሮም ዘይተተግበረ ሰማእታትን፥ ይጽውዕ ኣሎ።ከምቲ “ተመሊስካ እንእትረድኦ ገዲፍካዬ ኣይትእቶ” ዝበሃል ሎሚ ደለይቲ ፍትሒ ነንባዕልና ንነቃቀፈሉ ደኣንበር ንወናጀለሉን ቂም ንሕዘሉን እዋን ኣይኮነን። ኩላትና ናብ ሓደ ምምጻእና ዘይተርፍ ኽነሱ  ግዜ ምጥፋእን ምግድዳዕን ወጊድ ብምባል ኣብ ኩሉ መዳይ ተጸዋዊርና ሽግርና ንፍታሕ፥ ብሰንኪ ፍልልይና ዕድመ ጸላኢና ብምንዋሕ ህይወት የሕዋትና ነጥፍእ ኣለናሞ ሃየ ዋላ ነገራት ዕረ እንዳጠዓሙና ንትዕቢት ንምስባር መስዋእቲ ከፊልና ናብ ሓደ መጺእና ሓይልና ነትርር።

ኣብ መወዳእታ ከምቲ” ንሽሕ ፈልጺ መእሰሪተን ሓንቲ ልሕጺ ዝበሃል” ኩልና ደለይቲ ፍትሒ እዩ ስምና፥ ንኩልና ትኣስረና ድማ ንሳ እያ።ኩልና ደለይቲ ፈትሕን ፍትሓዊ ስርዓት ክንተኽል ንቃለስ ካብ ሃለና፣ኣብ ሕጂ ክንምልሶም ዘይንኽእል ሕቶታት ግዜና ከየጥፋእና አእጃምና ነልዕል ገለና ብጉልበትና:ገለና ብገንዘብና:ገለና ደማ ብሓንጎልና ንደጋገፍ ለውጢ ክቀላጠፍ።ነዚ ንፍዓት ኣበጊሶሞ ዘለው ሰለማዊ ሰልፊ ድማ ኢደይ ኢድካ ኢልና ነዕውቶ።እዚ ዕለት 06/19/2015 ዝኻየድ ኣገዳሲ ሰለማዊ ሰልፊ ንኹልና  ደለይቲ ፍትሒ ዝተጠርነፍናን ዘይተጠርነፍናን  ብማዕረ ዝብጻሓና ውድቀቱ ዘሕመና ዓወቱ ዝሕብነና ስለዝኾነ ብተገዳስነት ኽንሳተፎን ከነዕውቶን ናይ ኩልና ሓልፍነት እዩ።ብፍላይ ድማ መራሕቲ ውድባትን፡ ሲቢካዊ መሕበራትን ፡ሚድያታትን ኣብ ምዕዋት ኣዚ ሰለማዊ ሰልፊ ግዴታን ሓላፍነትን ስለዘልዎን ኣበርቲዖም ክሰርሑ ንምሕጸን።

ዓወት ንደልይቲ ፍትሒ ……ይኹኖ ባህታ ላስቬጋስ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • ተኽላይ ኣብራሃ June 4, 2015

    Well said brother, that is the way to go. We should not be silenced by the minority destructive opinions.

  • Alem K June 4, 2015

    for several years we have been whining and complaining for the lack of leadership and for a cause to unite us together and make us rally as one to stand against, tyranny, slavery, murder, human right abuse and theft and here is our chance to show our unity and lets head to Washington and show the ruthless criminal his time is up.
    YES I will be there and defend my sisters, brothers and my country ERITREA.
    It is time for action people.
    Awetn selamn nhzbi Eritrea.

  • Eyob Ghirmay June 4, 2015

    For a nation to strive through the will and full involvement of its people, the institution of democracy is essential. The aspirations, visions, and national needs instilled into each individual citizen are addressed through each individual’s voice freely expressing itself through the ballot box and through its elected representatives.

    True unity and effective growth of the nation will be achieved only through the institution of democracy. The Eritrean people in anticipation for a free, peaceful and prosperous nation, whole heartedly voted in 1993 on the national referendum for the reaffirmation of the nation’s independence.

    The institution of the democratic process has a very high-degree of possibility to succeed in Eritrea in-spite of what the enemies of the Eritrean people including the DIA often propagate. Last but not least, well said brother Mr Yukuno and please keep it up brother.

  • hp June 4, 2015

    ኢዚ ተዳሊዩ ዘሎ ሰልፊ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ናብዞም ኣብ ካል-ኦት ሃገራት ነበርቲ ከምዘቅ’ንእ ኮይኑ ኪወጵእ ቲምኒተይ ኢዩ።

  • ghirmai June 4, 2015

    well said yikuno. you really addressed the main issue. we all eritreans have common enemy

  • abeba June 4, 2015

    aske belu

  • Dawit kflezghi June 4, 2015

    ዳዊት፡ክፍለዝጊ፡
    ካብ፡ሲያትል!

    ቅድም፡ቀዳድም፡ ሙዉቅ ሃገራዊ፡ሰላምታይ፡ንኹሉ፡ብህዝቡን፡ ብህላውነት ሃገሩን ዝግደሱን፡ዝግደሳን፡ደለይቲ፡ፍትሕን፡ራህዋን፡
    ብፍላይ፡ድማ ንዓኻትኩም፡ነቶም፡ሙዑታትን፡ሰብ ኒሕን፡ ሕልናን፡
    ዝኾኑ”ዝኾንኩም፡ኣዳለውቲ፡ናይዚ፡መደብ፡ተዓወቱ፡ክብል፡ይፈቱ
    ምስናይ፡ ሓበነይ።
    ብዝተረፈ፡ተዓዋትነቱ፡ ናይ ነፍሲ፡ወከፍና፡እጃምን፡ታራን፡ስለ፡ዝኾነ፡ በቢዘለናዮ፡ ነዚ፡ቑዱስ፡ስነምግባር፡ክንድግፎን፡ክህንሕብሕቦን፡ዝግባአና ሓቂ፡ኢዩ!
    ኪኑኡ ድማ፡ብዓቢኡ፡ኣብ፡ባይታ፡ወሪድና፡ክንሰርሓሉን፡ብኹሉ፡መለኪዒኡ፡ኩዉን፡ክንገብሮን፡ ንጽባሔይ፡ዘይባሃሎ፡እዋናዊ፡ሕቶ፡ኢዩ።

    ኣጆኹም”ኣጆና”ኢደይ፡ኢድካ፡ንበላ፡
    ከምዛ ደብዳብ ህድሞ፡ቅብብል፡ ኣስካላ፡
    ብልፍንቲ፡ጹምዶ፡ሃገራዊ፡ዋዕላ፡

    ሽሕ፡ፈልጺ፡እወ፡መጥመሪኤን፡ልሕጺ፡
    ንኸዶ፡መንገዲ፡ሓቢርና፡ ነጸጺ፡
    ጥምረ፡ሓድነትና የብሉን፡ጎናጺ፡
    ስምረትና”ዩ!ዓወት፡የለን፡ኣማራጺ፡

    መን፡ኣበገሶ፡ኣይኮነን፡ቲሕቶ፡
    ጥራሕ፡ይኹን፡ቁኑዕ፡ዝጥምቶ
    በጃ፡ዉጹዕ፡ምንባር፡ ዝሓርበቶ፡

    ኣጆኻ፡መንእሰይ፡ሹቶልካ፡ሳሓሎ፡
    ብንቅሓት፡ብትብዓት፡ንኹሉ፡ስገሮ፡
    ሓድነትካ፡ኣስጥም፡ነጥበ፡ መቐይሮ፡
    ድሎ፡ኣብመትከልካ፡ ቅልጽምካ፡ገትሮ፡
    ውሑሉል፡ጠመተኻ፡ትውዕሎ፡ትሓድሮ፡

    ስምረትዩ!ዋና፡መፍትሕ፡ጸገማትና፡
    ምክብባር፡ሲኒት፡ ዓቡይ፡ኑኡሽቶና፡
    ኤርትራ፡ናይ፡ሓባር፡ሓንቲ፡ቢጺሒትና፡
    ኪኖ፡ጸልማት፡ብርሃን፡ኣማዕዲና፡
    ዓኾኻይ፡ንበሎ፡ጸላእ፡ሰናያትና፡፡

    ግዝተ፡ሕጊዶ?
    ግዝአት፡ውልቀ፡ሚልኪ!

    ዳሓን፡ ቀንዩ፡
    ኣብ june19/wa,Dc,የራኽበና!
    ምስ፡ሰናይ፡ትምኒት!

    Dawit,kflezghi

    Seattle,wa

  • Eritra June 5, 2015

    ኩላትና ናብ ሓደ ምምጻእና ዘይተርፍ ኽነሱ  ግዜ ምጥፋእን ምግድዳዕን ወጊድ ብምባል ኣብ ኩሉ መዳይ ተጸዋዊርና ሽግርና ንፍታሕ፥ ብሰንኪ ፍልልይና ዕድመ ጸላኢና ብምንዋሕ ህይወት የሕዋትና ነጥፍእ ኣለናሞ ሃየ ዋላ ነገራት ዕረ እንዳጠዓሙና ንትዕቢት ንምስባር መስዋእቲ ከፊልና ናብ ሓደ መጺእና ሓይልና ነትርር።

    ይኹኖ ባህታ

    It took us decades to understand that if one of us is not safe, eventually we too will be at risk. It may not seem obvious to some, but it’s a well known fact that, in a country where some suffer others cannot live in peace and unaffected for long.
    Hence, working together on national issues is not an option, but a patriotic duty.

    You are the voice of reason.
    Thank you.

POST A COMMENT