Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንስኺ ደኣ እሞ…!

ንስኺ ደኣ እሞ

ንስኺ ደኣ እሞ…!
 
መበገሲ ጽሑፈይ፡ እቲ ብዕለት 07/06/2014 ብራድዮ ወጋሕታ ዝሰማዕኩዎ መስደመም ቃለ መጠይቕ መሳርሒ ህግደፍ ዝኾነት ወ/ሮ ሶፍያ ተ/ማርያም፡ ምስ ፈነወ ራድዮ ኤስ ቢ ኤስ እዩ። ኣሳሰዪት ሶፍያ ብዛዕባ ቋንቋን ባህልን ህዝቢ ኤርትራ ምንም ኣፍልጦ ስለ ዘይብላ፡ ቋንቋታት ኣምሓርኛን እንግሊዝኛን ስለ እትመልኽ ጥራይ፡ ‘ንወያነን ንኣመሪካን ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳና ኣብ ምክታዕን የዋሃት ኣብ ምድንጋርን ትጠቕመና እያ’ ብምባል፡ ጃንዳ ህግደፍ ከም ጓንቲ ዝጥቀሙላ ዘለዉ፡ ኣብ ኤርትራ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ምንም ኣምር ዘይብላ፡ የዋህ ዜጋ’ያ። ‘ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ክንዲ ንኣኣ ደዊሎም ሓግዝና ዝብሉዋ፡ ናብ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም ደዊሎም ከም ዝሓቱ፡ ንኣኣ ግን ክጸርፉዋ ጥራይ ከም ዝድዉሉላ’ ክትዛረብ ምስ ሰማዕኩዋ ድማ’የ በዛ እትስዕብ ናዕታ ኣቢለ፡ ላዳ (ዕየት) ካብ ድቃስኪ ተበራበሪ ክብላ ዝመረጽኩ።
 
ንስኺ ደኣ እሞ…!
 
ንስኺ ደኣ እሞ ኣንቲ ሶፊ
ክንዲ *ጣዝማ ሑሞር ተሰልፊ  *መዓር ጽገናይ
ነዚ ኣጽናቲ ስርዓት ክትድግፊ
ክሳዕ ምንቅልዋጥ እትገድፊ
ባህርያዊ እኮ’ዩ ክትዝለፊ!
 
ብስቓይ ኣሕዋትኪ እንተ ትሓዝኒ
ኣብ ሓርነትን ፍትሕን እንተ ትኣምኒ
ከምታ ኤልሳ ጭሩም ንኽትኮኒ
ንረገጽቲ ፍትሒ እንተ ትኹንኒ
ዝድውለልኪ ሰብ ሕሩም ነይትስእኒ!
 
ብጥፍኣት ኣሕዋትኪ ተሽካዕልሊ
ሃገር እናባደመት ጽቡቕ ኣላ ትብሊ
ክሳዕ ትጓሓፊ ግዜኺ ተእክሊ
ንውልቀ መላኺ ከም እተገልግሊ
ስለ ዝፈልጡዎ ናትኪ ምስሊ
ብዘይምድዋሎም ኣይተስተማስሊ!
 
እወ፤ ዘመድ ተዂላ ሙዃና ወኻርያ
ነዛ ለዋህ በጊዕ ይጠፍኣዶ ኢልክያ
ሕሰቡሉ ደኣ ኣስተውዕሊ ሶፍያ
ስምኪ ንመላኺ እንተ ኣወፊኽያ
ኣብ ጓሓፍ ናይ ታሪኽ ህዝቢ ከይድርብያ
ንፍትሒ ደው በሊ ብኣጋ ኣድሕንያ!
 
ካብ መላኺ ሃገር ከም ትዓቢ
ልዕሊ ኹሉ ከም ዝኾነ ህዝቢ
ኣንቲ ሶፊ ቊሩብ ዘይትሓስቢ
ህዝቢ እናጠፍአ ሓሶት ትዛረቢ
ክሳዕ መዓስ ኢኺ ወረ ክትዕሰቢ
ካብ ጉጅለ ምልኪ እንታይ’ኺ ትረኽቢ!?
 
እታ ንእስነታ ኣብ ገድሊ ዘብለየት
ጥልመት ሰማእታትና ምስ ረኣየት
ካብ ጉጅለ ምልኪ ዝተኣልየት
ብስቅያት ህዝባ ወትሩ እናበኸየት
ውጹዓት ንምርዳእ ምስ ጎየየት
መድሕን ኤርትራውያን ኣደ ዝተሰምየት
ጅግና ኤልሳ ጭሩም ይወሃባ ክብረት!
 
በዚ ኣጋጣሚ ነታ ሓቅን ሓሶትን ብምንጽጻር፡ ተበለጽቲ ኣብ ምቅላዕን ሽርሕታት ስርዓት ደማሒ ንምብላልን፡ ትርኑዕ ዜናታት ናይ ካልኦት ተቓወምቲ ሓይልታት፡ ኣገዳስነቱ ኣለሊያ፡ ደጊማ ብምቅላሕ፡ ልዑል ተራ እትጻወት ዘላ፡ ናጻ ራድዮ ደለይቲ ፍትሒ፣ ድምጺ ውጹዓት፣ ራድዮና፡ ራድዮ ወጋሕታ አመስግን።
 
ብሽንሆትንኽንነብር፡ዕምሪምልኪነሕጽር!          
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 10-06-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
51 COMMENTS
  • Tesfom Habrom June 10, 2014

    ዝኸበርኩም ጉዱሳት ሃገራዊያን ጉዳይ ወ/ሮ ሶፊያ ተስፋማሪያ ኣሕጽር ኣቢለ ክገጻ ክፍትን ኢየ፡ ወ/ሮ ስፊያ ኣብ ኢትዮጵያ ተውሊዳ ዝኣበየት ቡሩኻት ቤተሰብ እያ ትዉለድ ክኡቡራት ኣቦኣ ንፍሲሄር ኣቶ ተስፋማርያም ካብ ኣዲኣ ወ/ሮ ጽገሮማ ተስፋጽዬን ደረስ ድሕሪ ባታኣ ስድራቤት ኩቡራት ኢዮም። እንተኾነ ካብ ሓደ ስድራቤት እሽር ኣይሳንን ኢዩ ወ/ሮ ሶፊያ ተስፋማርያም ባኣልቲ ሐዳር ኣደ ስለስተ ዝወለድት ኾይና፡ ኣዚ ኹሉ ሰውራ ክኻየድ ከሎ ንሳ ኣብ ከባቢ ዋሺንግቶን ትነብር ነይራ ብዛኦባ ተግዲሳ ኣይትፈልጥ ነይራ እንተኮነ ብድሕሪ ወራር ወያነ ዝቦቆለት ፍጥርቲ እያ ሃገራዉነት ተስሚኡዋ ዝይኮነት ብቆልመጽመጽ ዝቀረበቶ ጉዳይ እንበር ብኣፈልጦ ወይ ብስለት ታሪኽ ናይ ሰዉራ ኤርትራ ኣይኮነት እዚ ድማ ህግደፍ ይብለጹላ ኣሎዉ፡ ንሳ ሓዳራ ገዲፋ ተላኣኪ ናይ ህግደፍ ብምኻና ጅግንነት ትስርሕ ዘላ ይመስላሎ እንተኾነ ህግድፍ ከም ማስቲካ ሽኮሩ ምስ ተወደኤ መጽዮም ክድርብዩዋ ኢዮ። ህግደፍ ቃል ስዉኣት ወይ መብጽኣ ዝጠሎሙስ ንሰፊያሞ ካብ ናብርኣ ዘርሞዘርሞ ምስ ተረፈት ሹኦ ክስቆራ ኢዩ። ኦወት ንህዝቢ ኤርትራ።

    • Yerhiwo June 11, 2014

      Tesfom, right on the money! This ugly lady….very ugly..is disgrace to her family and to her husband Kidane and her kids. It is very sad to hear her twisted analysis about the dictator (her boss and her substitute husband) and about the Lampadusa victims and about the eritreans who are in jail. This lady is paid to do dirty work for the dictator, Yemane Monkey and Hagos Kisha who happen to be from Tigray.

      Please Sofia Tembar and squeaky voice Gidewon and Chegora face Tesfay Aradom, please earn decent money from decent job to clear your consciousness!!

      Kidane the husband….are you really in charge of your wife??? I don’t want to be in your shoes Kidane..sorry!

    • Haqi June 11, 2014

      Tesfom Habrom, kem zi elka
      “ወ/ሮ ስፊያ ኣብ ኢትዮጵያ ተውሊዳ ዝኣበየት ካብ ሓደ ቡሩኻት ቤተሰብ እያ ትዉለድ, ካብ ሓደ ስድራቤት እሽር ኣይሳንን ኢዩ ወ/ሮ ሶፊያ ተስፋማርያም ”
      mejemeria ab Asmera ember ab Ethiopia ayteweldetn kalai kulen yehwata ( Delila, Helen, wagaya)hgdef/pfdj eyen
      slezi bejaka gega habereta kab mhab teqeteb.

  • eritos June 10, 2014

    she might have some identity crisis just like Abraha Kasa Yemane monkey, Yemane charlie, Zemheret yohanes filipos and the head of the snake himself the son of mama medhin berad’s maid issyas himself. they all are filfthy immigrants from the south.

  • Simon G. June 10, 2014

    ሶፊ ሓፍተይ:
    ክጸርፈኪ ሓሲበስ ደሓር ከኣ እንታይ መሰል ኣለኒ ኢለ ገዲፈዮ።
    ክገጥመልኪ ድማ ሓሲበ: ግን ግጥሚ ናይ በዓል ክቡር ዶክተር መሲናስ (honorary doctorate ክረክብ ይግበኦ ምሽ? ከይውሕዶ ደኣምበር)ኣንቢብካ ናተይ ከተንብብ? ጣዕሚ ዘይብሉ ከይኮነኪ ሰጊአ ኣቋሪጸዮ።
    ማሰ ደሞ ሓቦ ክብል ከኣ ሓሰብኩ: ክላ! ማሰ ብድሕሪ ኩቡራት ኣቦታት ከም በዓል ኣቶ ገብረመድህን ብስራት (this gentleman was so famous – source from Haddas Eritrea) ዝኣምሰሉ ሞይታ ከይትኸውን ፈሪሐ።
    ሓንቲ ክብለኪ ዝኽእል ግን: ናብ ልብኺ ተመለሲ። ምስ ህዝብኺ ወግኒ። ነተን ክቡራት ተቓለስቲ የሕዋትኪ ምሰሊ።
    ሰሚዕክኒ ምበኣር። ከመይ ዘይትሰምዒ ። ኮርዒዳ።

    • TwoWayStreet June 11, 2014

      Simon. I liked your comment. Insults will not help nobody. Put your points respectfully, and leave it for the readers to decide. If you see a comment with an insult or you get a reply with an insult give it a thumbs down, and ignore it.

  • Kulubran June 10, 2014

    Is it my eyes or there is something wrong with her eyes.

    • zegerm June 12, 2014

      It is not your eyes, it is her eyes:-)

  • keren June 10, 2014

    simon,
    You are so humble. God bless you.

  • Berhe Tensea June 10, 2014

    This woman is the most ignorant woman alive. She is a paid agent of the dictator,and history will be very harsh to her.
    This woman is one of the tools of the dictator that will end up in Kormenaa, Eraeoro, or in the many underground prisons built by her master, when Eritrea is freed from the colonization of the Tembenis.
    People like must know that there will be a A VERY UNFORGIVING REVANGE IS WAITING THEM.

  • weygud June 11, 2014

    This cross-eyed lackey spies even on her family members to please her master. How she dared to compare herself with the reputed human rights defenders. Only your fellows will come to you to spread out PFDJ’s old propoganda.

  • Aman Negash June 11, 2014

    I know all what she is doing is for money because she don’t know Eritra and it’s people, she can’t speak tigrina
    She is rised in ethiopia and she is making business with dictator.

  • Hzbawit fkri June 11, 2014

    ኣቴተይ!
    ጠባይ ምስ መልክዑ ተዓዲላ ክብሪ
    ሸዊት ሰብነታ ነጸብራቑ ፍቕሪ
    ኩሉ በሃጊኣ ከም ሉል ዕንቍ ባሕሪ
    እነኹ እሰግደላ ከም ልዑል ፈጣሪ!
    ማርያም ዝሳጉኣ ለዋህ’ያ ቅብእቲ
    ካብ ዕትሮኣ አጉዲላ ጽሙእ ማይ ተስቲ
    ርእሰ ወይዘራዝር ኣዝያ ምልክዕቲ
    ህዱእ’ዩ መንፈሳ ወናኒት ትዕግስቲ!
    እዚ ዓቃል ልበይ ነዊሕ ተጸብዩ
    ኣብኣ ምስ በጽሐ ግን ማዕጾኡ ኣርሕዩ፡
    ዝተሓዝአ ልበይ መፍትሑ ካብ ሓዘት
    ትወንኖ ባዕላ ፈቒደላ’የ ብኡነት!
    ቀባጽ ከሎ ሓሞተይ ዘይዳነ ሓይሉ
    ብፍቕሪ’ዛ *ወሽፍ ሎሚ ስዩም ኢሉ፡ *ጎርዞ
    ልበይ ካብ መረጸ እትሰማምዖ
    ትብጻሕካ በሉዎ *ይሸናህ ይመርዖ! *ይተሓጐስ፡ ይፈሳህ
    ኣቤት እቲ ዕላላ ኪጥዕም ላዛኡ
    ልብኻ ዘረስርስ በቲ መኣዛኡ፡
    ባሕሪ’ዩ እቲ ልባ ንኹሉ ዚሰትር
    ብሓልዮትን ፍቕርን ትምዕድ ትመክር
    ኣነስ ተዓዲለ ንኣኣ ከፍቅር!
    ልሳነይ ከየድመጸ ትሰምዕ ቃላተይ
    ዓይነይ ከይሓተተ ተንብብ ድሌተይ
    ናይ ብሓቂ ፍቕረይ ንኣይ መሳንይተይ
    *ኣቴተይ ንሳ’ያ ፍጹም መቛርብተይ! *ኣሚነይ፡ ሔማይ
    ብፍሉይ ናይ ፍቕሪ ግጥሚ ንሓው/ሓብቲ MID ካብ ሓው መሲናስ፡ ህ? ክኢለዮዶ? ናይ ተሃዋኽ’ዩ ኣይተስተዋሕዶ/ድዮ።
    Messinas that was really really beautiful poem,

  • efrem June 11, 2014

    she is crazy let her to go psychiatrist!

Post a Reply to Berhe Tensea Cancel Reply