Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንስርዓት ህግደፍ ምሕጋዝ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንሞት ምፍራድ’ዩ

ግደ ሓቂ ንምዝራብ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ እቲ ኣብ 50ታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸመቶ በደል ምቁራን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይቅረ ክትብልን ክትክሕስን’ዩ ዝግባኣ። ምስ ደገዝማቲ መን ተማጓቲ ስለዝኾነ ግን፡ ተጻባኢ መርገጺ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ

ግደ ሓቂ ንምዝራብ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ እቲ ኣብ 50ታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸመቶ በደል ምቁራን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይቅረ ክትብልን ክትክሕስን’ዩ ዝግባኣ። ምስ ደገዝማቲ መን ተማጓቲ ስለዝኾነ ግን፡ ተጻባኢ መርገጺ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ኣየኸተመን። ይኹን እምበር፡ ክትበልዓ ዝደለኻ ኣባጉምባሕ ዛግራ ትብላ ከምዝብሃል፡ መንግስቲ ኣመሪካ ልዕሊ ዲሞክራስን ፍትሕን ሃገራዊ ረብሓታቱ ስለዝዓጦ፡ ምስ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ሕግብግብ ይብል ኣሎ። ዘይፍትሓዊ መርገጺ መንግስቲ ኣመሪካ ንምንጽብራቅ ድማ ተዓሺጉ ዝነበረ ፋይል ንምኽፋት፡ ብጥሮታ ዝወጹ ዲፕሎማሰኛታቱ፡ ኣውፈርቲ፡ በጻሕቲ ሃገርን ተንተንቲ ፖለቲካን ኣቢሉ፡ ብዛዕባ ህሉው ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ጸጥታውን ዕድላት ወፍርን ኤርትራ ንምድህሳስ ሓባራዊ ዘተን ገምጋማትን ከምኡ’ውን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ወፈራ የካይድ ኣሎ። ትማሊ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሶማል ዝመደበሩ ብግብረ-ሽበራ ዝኽሰስ ጉጅለ ኣልሸባብ ምትእስሳር ኣለዎ ተባሂሉ ብመንግስቲ ኣመሪካ ክውንጀል ከምዘይጸንሐ፡ ህግደፍ ከም ቀደሙ፡ ጨፍላቂ፡ ገባቲ፡ ሕጊ ኣልቦ ስርዓት ክንሱ “ኤርትራ ንመጻኢ ተስፋ ስለዘለዋ፡ ኣብ ክንዲ ሕቆና ንህባን ኣብ ምትህልላኽ ንኣቱን ንመንግስቲ ኤርትራ ምስ እሾኹ ንሕቆፎ” ዝብል መርገጺ ምውሳድን ናብ ኤርትራ ብሕጓ ክትኣቱ ህርድግ ምባልን በለጽ እምበር ሓልዮት ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን። ገለ ኣመሪካውያንን ምዕራባውያን ሃገራትን፡ ነቲ ስርዓት ህግደፍ መዓልትን ለይትን ዝደጋግሞ መዝሙር፡ “ኤርትራ ሰላምን ምርግጋእን ዝሰፈና ሃገር’ያ፡ ብርእሰ ምርኮሳ ልምዓታዊ መደባት ተሰላስል ኣላ” ዝብል ጨለ መግለጺ ምኩምሳዕ ከኣ፡ “ዋላ ትንፈር ጤል’ያ” ዝብል ትርጉም ጥራሕ’ ዩ ዝወሃቦ።

ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ይጸብቅ ይሕመቅ፡ መርገጺ ሓንቲ ሃገር ስለዝኾነ፡ ንኣመሪካውያን ዝምልከት’ዩ። ይኹን እምበር ዝኾነት ሃገር ረብሓታታ ቀዳምነት ሂባ ንመሰልናን መንነትናን ዝድህኽን ዝብልልን ስጉምቲ ክትወስድ እንከላ፡ ኤርትራውያን ኣይፋል ኢልና ተቃውሞና ብሓባር ከነስምዕን ሓቂ ክንገልጽን ሓላፍነትን ግዴታን ኣለና። ኣብ ኤርትራ፡ ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ዘሎ እናሓደረ ዝብእስ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ኩነታት እምበር ኣብ ህዝብና ዝርአ ሩፍታን ጸጋን የለን። ብዙሕ መደረ ዘየድልዮ፡ ኣብ ኤርትራ ብሕጊ ዝምእዘዝ ቅዋማዊ መንግስቲ ክሳብ ዘይሃለወ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝህቀን ምሕደራን ምስ ሃገራትን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ዝግበር ምትእስሳርን ውዕላትን መወቀፍ ኣይክህልዎን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ረብሓ ኤርትራን መጻኢ ዕድል ህዝብናን ሰላምን ቁጠባዊ ግስጋሰን ዘረጋግጽ ዝምድናታት ዝምስርት፡ ናይ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ሜላ’ዩ ዝኽተል። እዚ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ የመን ዝፍጽሞ ዘሎ ጣልቃ ምእታውን ኣብ መሬት ኤርትራ ወተሃደራዊ መዓስከር ምፍቃድን ንኣብነት ኣዝዩ ሓደገኛን መዘዝ ዘለዎን’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራ ሓድሕድ ኩናትን እዉጅ ግዳማዊ ወራርን የለን። እንተኾነ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መሬትን ንብረትን ዘይተኣወጀ ሰላሕታዊ ወራር የካይድ ኣሎ። ካብቲ ብዙሕ፡ ስዉር ናይ ምጽናትን ዕንወትን ሜላታት ህግደፍ ሒደት ንምጥቃስ ይከኣል፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝስምዖን ዘይምእምኦን ጉዳያት ብቅሉዕ ክዛረብ፡ ጉድለታት መንግስቲ ክነቅፍን ሓሳቡ ክገልጽን መሰል ስለዘይብሉ ከተንፍስ ኣይክእልን’ዩ። ከተንፍስ እንተጀሚሩ፡ ብዘይ ፍርዲ ይርሸን፡ ንዓመታት ኣብ ዝተነጸለ ቦታ ብዘይ ብቁዕ ኣገልግሎትን መባእታዊ መሰላትን ይሕየርን ይግረፍን። ብስም መወዳእታ ዘይብሉ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ መንእሰያት ካብ ትምህርቶምን ስድራቤቶምን ተነጺሎም ብዘይ ክፍሊት ክሰርሑ ይግደዱ ኣብ ከርፋሕ መነባብሮን ሕማቅ ኩነታት ኣየርን ይድርበዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሓሪሱን ነጊዱን ህይወቱ ከይመርሕ፡ ዝርካቡ ንግዳዊ ምንቅስቃስን ሕርሻዊ ልምዓትን ብህግደፍ ተገቢቱን መንእሰያት ኣብ ውትህድርና ስለዝተቆርኑን ክስደዱ ስለዝተገደዱን፡ ብሕጽረት ዓያዪ ጉልበት፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ድኽነትን ይሳቀ’ሎ።

መንግስቲ ኣመሪካ ሓቀኛ ባህርያት ህግደፍ ስለዝጠፍኦን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምርጋጽ ሰብኣዊ መሰል፡ ፖለቲካዊ ምልኪ፡ ቁጠባዊ ቅልውላውን ስደትን ስለዝተሰዎሮን ኣይኮኑን ምስ ዓባቕ ጤል ክጸጋጋዕ ዝህቅን ዘሎ። ኣብ ፈለማ 90ታት’ውን፡ ኣመሪካ ዘላተን ምዕራባውያን ሃገራት፡ ንመለስ፡ ንኢሳያስን ንሙሰቨኒን፡ ሓቀኛ ባህርያቶም ከይተፈልጠ እንከሎ፡ “ተስፋ ኣፍሪቃ” ዝብል ስም ብምጥማቅ ቅብጥሮት ከምዝበዝሖ ቆልዓ ከምዝሻድኑን እሙናት መሓዮታት ከምዝኾኑን ተዋጥይሎም ነይሩ። እቲ መሰረት ዘይነበሮ ህቡብነቶም ግን ከይዓምበበ ሓሪሩ። ብዛዕባ’ቲ መንግስቲ ኣመሪካ ብቀጥታን ብተዘዋዋርን ንኤርትራ ዝምልከት ዝህቦ ዘሎ መግለጺታት መልሲ ምሃብ ዝከኣል’ኳ እንተኾነ፡ ኩሉ እንተታትን ግምታትን ንጎድኒ ገዲፍና፡ ኣብዚ እዋን’ዚ መንግስቲ ኣመሪካ ስለምንታይ ንስርዓት ህግደፍ ምስ ኣበራቱ ክውሸሞ ይደሊ ከምዘሎ፡ ኣብ ሰለሰተ ቀንዲ ጉዳያት ምትኳር ይከኣል።

ቀዳማይ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጥን ውጻእን፡ ነቲ ከም ድላዩ ዝዕንድር ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ዝቃወም ዝተጠርነፈን ዘድምዕን ምንቅስቃስ ስለዘየለ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀረባ መጻኢ ንህግደፍ ዝትክእ ኣካል ከምዘይመጽእ ስለዝተገንዘቡን፡ ኣብ ኤርትራ ጽገናዊ ለውጢ ንምትእትታው ንህግደፍ ሓባቢልካን ሓገዛት ኣጫኒኻን ረብሓታቶም ክሕልዉ ይቀለሎም።

ካልኣይ፡ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ጥቡቅ ዝምድና መንግስቲ ኣመሪካን ንግስነት ስዑድ ዓረብያን፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ መስከረም 2001 ኣብ መሬት ኣመሪካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግብረሽበራ እናሓሽከረ ስለዝመጸን ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽሰት ዘሎ ዘይምርግጋእ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ከይከውንን ስግኣት ስለዘሎን፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ረብሓታት ኣመሪካ ዝሕሉ መተካእታ ብኣጋ ክናደ ኣለዎ። እቲ ካብ ዓለም ተነጺሉ ዝጸንሐ ስርዓት ህግደፍ፡ ዝብላዕ ስጋ እንተረኺቡ ብቀሊሉ ክዕሰብን ክነብሕን ከምዝኽእል ድማ መንግስቲ ኣመሪካ ዝተገንዘቦ ይመስል።

ሳልሳይ፡ ምትእትታውን ምዕባይን ጽልዋታት ቻይናን ካልኦት ሓይልታትን ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ድማ ብፍላይ፡ ንመንግስቲ ኣመሪካ ዘቅስን ተርእዮ ኣይኮነን። ኤርትራ ብጆኦግራፍያዊ ኣቀማምጣኣ ንወተሃደራዊ መዓላ ተሃራፊት ኣብ ርእሲ ምዃና፡ ዘለዋ ዕቁር ባህርያዊ ጸጋታት’ውን ንኣውፈርቲ ዘወናውን’ዩ። ስለዚ መንግስቲ ኣመሪካ ምስተን ኣብ ኤርትራ ኣብ ዕደናን ካልእ ጽላታትን ዝነጥፋ ዘለዋ ኩባንያታት ክቆራቆስ ኣለዎ።

ናይ መንግስቲ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ምስ ስርዓት ህግደፍ ዝፍጸም ዘይቅዱስ ምሕዝነት፡ ኣበይ ክበጽሕ’ዩ፡ እንታይ መኽሰብን ኣሉታዊ ሳዕቤንን ኣለዎ ግዜ ዝምልሶ ኮይኑ፡ ኩልና ኤርትራውያን ክነስትብህለሉን ክንቃለሰሉን ዝግባኣና ጉዳይ ግን ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ፡ ዝረኽቦ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ሓገዛት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ክድህኮ ዘተባብዖ እምበር ዘምጽኣሉ ቅንጣብ ፋይዳ የብሉን። መንግስቲ ኣመሪካ ይኹን ካልእ ሃገር፡ ብራህዋን ብልጽግናን ህዝቢ ኤርትራ ዝሕለቃ እንተኾይነን፡ “ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰል ክኽበር፡ ስደትን ድኽነትን ኤርትራውያን መታን ከብቅዕ፡ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ገደብ ክግበረሉ፡ ብህዝቢ ዝተወከለን ብቅዋም ዝምእዘዝን መንግስቲ ክምስረትን ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ተሓይሮም ዘለዉ ዜጋታት ክፍትሑን” ዝብሉ መሰረታውያን ጉዳያት ኣልዒለን ንስርዓት ህግደፍ ክምክትኦ ኣለወን። እዞም ዝተጠቅሱን ካልኦት ሕቶታትን ከይተመለሱ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ቆርበት በጊዕ ተኸዲኑ ምስ መንግስቲ ኣመሪካ ይኹን ካልእ ሃገር ጻድቅ ንኽመስል እንተሃቀነ፡ ብዘይካ መዐደጊ ግዜ፡ ምልካዊ ጠባያቱ ዝበልየሉ ኣይኮነን። እቲ እንኮ ምርጫ፡ ስርዓት ህግደፍ ብሓይሊ ሒዝዎ ዘሎ ስልጣን ህዝቢ ንዋናታቱ ምስዘረክብ’ዩ። ካብ መንግስቲ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ፍታሕ ምጽባይ ድማ፡ ክርዳድ ዘሪእካ ጽሩይ እኽሊ ክትሓፍስ ምምናይ ማለት’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ስልጣን ንምቅጻል፡ ንኤርትራ ናብ ድዑላት ዝዋግኡላ መሬት ክቅይራ፡ ጸጋታታ ክጉሕጓሕ፡ መንነታ ክመራሳሕ፡ ህዝባ ክበታተንን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከም ካልኣይ ዜጋ ክቁጸርን ድሕር ኣይብልን’ዩ። ንሕና ኤርትራውያን፡ ርኢና ከምዘይርኣና ሰሚዕና ከምዘይሰማዕና፡ ምስ ዓይነ-ብርክና እንተለሚስናን ድማ፡ ሰላሕታ ወራር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣቡኡ ዘፍለጠ ናብ እዉጅ ጥፍኣት ክቅየር’ዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብስርዓት ህግደፍን ገለ ረብሓታተን ዓጢጥወን ምስ ህግደፍ ዝደናገጻ ዘለዋ ሃገራትን እናሓደረ ዘንጸላሉ ዘሎ ስዉር ናይ ምጽናትና ተንኮል ድማ፡ ኣብ ልዕሌና ናይ ሞት ፍርዲ ምብያን ስለዝኾነ ብስኒት፡ ጽንዓትን ሓድሕድ ምክብባርን ጥራሕ’ዩ ክምከትን ክስዓርን ዝኽእል። ኤርትራውያን መንነትናን ሰብኣዊ ክብርናን ዓቂብና ክንህሉን ዘይክንህሉን ወሰንቲ ንሕና ጥራሕ ኢና።

         ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (12 ታሕሳስ 2016)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • k.tewolde December 13, 2016

    A concise,prudent,insightful message to every sober Eritrean.The winds are shifting,so is the psychedelic colors of HGDEF,he is positioning himself to strike again,of course at the heart of the defenseless Eritrean.Lord! shield the vulnerable and handcuff the monster because you can.

  • goitom December 13, 2016

    kkkkkkkkkkkkkkkk kalea zterefeka ke alo do ata hibey gena kab hiji wutseat zhazeka dea kiniy elkaz kemti goytaka meles agame bsnbade kitmewut eka waagey kkkkkkkkkkkkkkkkkkkk

  • Simon G. December 15, 2016

    I am not sure why we are surprised about Western countries stand while half of the country’s morons still support isayas.

    • zt December 15, 2016

      Hi Simon the moron, 99% of the pure Eritrean population supports the lion of Nakfa

      • k.tewolde December 16, 2016

        You mean the hayena of Nakfa who has been scavenging on the corpses of the fallen way after the battle was over,that is why he is still around and he is not done yet,you may be his next meal,he craves those who adore him,he gobbles them and chases them with whiskey.

  • Sina December 19, 2016

    Anta mushmush saTnael,
    Timali timali America nhzbn mengstn Eritrea ketenberkikh eua ilka teTeliekha timhlel kemzeyneberka, hiji edom nab shaebia mishabu jeroqroq do koyna? Giena giena. Shaebia kalie keyereyka eya. Mukuankua tederabishuka ember nhuzbawi gnbar dea qidmeyn lieleyn niskha endo aytifelTan.
    Bizkhone hiji terifuka zelo edil abkisadka gemef aetikha baelikha . . . . . Tray eyu.

POST A COMMENT