Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንሥልጣን ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ: ኣይፈልጥን ዝብል ድምፂ ክስማዕ ጀሚሩ

ዝኾነ ክርድኦ ከምዝኽእል፥ ግፍዕን ንዕቀትን እናተቐበለ ክነብር ዝደሊ ሰብ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ከመይሲ ማይ ዝመልአ ዕትሮ ወይ ገንኢ መሊኡ ከምዝፈስስ፥ ሰብ ‘ውን ንዕቀትን ውርደትን ክበዝሖ ከሎ፥ ከም ኣድጊ ዝጸዓንዎ ስቕ ኢሉ ዝጸዓን ኣይኮነን።  ስለዝኾነ ‘ውን

ዝኾነ ክርድኦ ከምዝኽእል፥ ግፍዕን ንዕቀትን እናተቐበለ ክነብር ዝደሊ ሰብ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ከመይሲ ማይ ዝመልአ ዕትሮ ወይ ገንኢ መሊኡ ከምዝፈስስ፥ ሰብ ‘ውን ንዕቀትን ውርደትን ክበዝሖ ከሎ፥ ከም ኣድጊ ዝጸዓንዎ ስቕ ኢሉ ዝጸዓን ኣይኮነን።  ስለዝኾነ ‘ውን እቲ መስፈር ክመልእ ወይ እቲ ዓቐን ካብቲ ልክዕ ክሓልፍ ከሎ ግን፥ ብሕይወቱ ከሎ ምስ ምዉታት ክቝጸር ዝመርጽ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ዝኾነ እንተኾነ ‘ውን እቶም ግቡዛት ደኣ ይመስሎም ይኸውን እምበር፥ ሰብኣዊ  ክብሩ እናተረግጸን መሰሉ እናተዓመጸን ዝነብር ሰብ ወይ ሕዝቢ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።

      ብመንጽር ‘ዚ ኣበሃህላ ‘ዚ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክትርአ ከላ፥ ኣዚዩ ብዙሕ ፈተናታት ክትቅበል ዝጸንሐት ምዃና ዘተሓታትት ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ ‘ውን ኢዳን እግራን ለሚሳ፥ ኣብ ዘቐመጡዋ እትቕመጥ  ኩኒ ዝበሉዋ ‘ውን ኣሜን ኢላ እትምእዘዝ፥ ኮይና ምጽንሓ ህልው ኵነታታ ባዕሉ ይዛረብ ‘ዩ። ሕጂ ግና እታ ብቕድስና ዝፍለጥ ጥንታዊ-ታሪኽ ዘለዋ ቤተ-ክርስቲያን፥ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት እወን ኣሜንን እናበለት ክትገብሮ ዝጸንሐት ጉዕዞ፥ ውርደት እምበር ክብሪ ከምዘይረኽበትሉ ኣብ እትርድኣሉ ደረጃ ስለ ዝበጽሐት፥ ቃናኣ ለዊጣ “ እምቢ” ክትብል ትስማዕ ኣላ። እዚ ከኣ ንብዙሓት ዘገረመ ዘይተለምደ ብምዃኑ፥ ንጠመተ ብዙሓት ዝዕድም ሓድሽ ተርእዮ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ።

     ብዝተረፈ ከምቲ “ ብሕይወት ምህላውካ ዝፍለጥ፥ እምቢ ምባል ምስ እትኽእል’ዩ “ ዝበሃል። ኣብዛ ጥንታዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያና ‘ውን “   ኣሜን “  እምበር  “ እምቢ “  ምባል ተለሚዱ ስለ ዘይጸንሐ፥ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ሕይወት ዘለዎ  ትካላዊ-ኣሠራርሓ ጸኒሑዎ ‘ዩ ክንብል ዘኽእለና ምኽንያት ኣሎ ኣይንብልን። ብዝኾነ “ ቦ ግዜ ለኵሉ” ክምዝበለ ሰለሞን፥ ቤተ-ክርስቲያንና ‘ውን ነቲ ክግበረላ ዝጸንሐ ጸቕጥን ተጽዕኖን ፈንጢሳ፥ ዓው ኢላ ክትዛረብ  ምኽኣላ ገይራቶ ዘይትፈልጥ  ሓዲሽ  ክስተት እዩ። እዚ ድማ ሓዲሽ ናይ ታሪኽ-ምዕራፍ ስለዝኾነ፥ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ንዅሉ “ኣሜን” እናተባህለ  ክኽየድ ዝነበረሉ ዘመን ከም ዘብቅዐ ዘረድእ እዩ።

     ነዚ ከም ኣብነት ዝጥቀስ ድማ፥ እዚ ሕጂ ኣብዚ ኣብ ሃገረ-ጀርመን ክፍጸም ዝርአ ዘሎ ፍጻሜታት እዩ። ማለት ብመራኸቢ-ብዙኃን ክግለጽ ከም ዝቐነየ እቲ ብዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ዝተመርሐ ጉጅለ መንበረ-ፓትርያርክ፥ ምድረ-ኤውሮጳ ካብ ዝረግጽ ካልኣይ ወርሑ’ኳ እንተኾነ፥ ክገብሮ ዝኸኣለ ቁምነገር ኣሎ ክበሃል ዝከኣል ግን ኣይኮነን። ኩሉ ይርእዮን ይከታተሎን ከምዘሎ፥ ኣብ ፍራንክፎርት , ድራይ-ኣይሽ , ካስል ,ዝርከባ ኣብያተ-ክርስቲያናት ሓዊ ተኣጕዱወን ይርከብ ኣሎ። እዚ ድማ ዮፍታሔን እቶም ክልተ-ካድራቱ፥ ማለትደብተራ-ሃብቶም ርእሶምን ሃለቃ-ገረታትዮስ ኪዳነን እንተዘይኮይኑ ካልእ ብሓላፍነት ዝሕተተሉ ኣሎ ዝበሃል ኣይኮነን። ቀደሙ ‘ውን ብገንዘብ ቤተ-ክርስቲያን ክሕከሙን ክሸራሸሩን  ምድላዮም  እንተዘይኮይኑ፥ ኣብ ኤውሮጳ መጺኦም  ክዋስኡ ዘኽእሎም  ዓቕሚ ኣለዎም ዝበሃሉ ‘ውን ኣይኮኑን። ስም እቶም ኣብ ዘይግብኦም መንበር ተቐሚጦም ዝርከቡ ዘለዉ ኣባ-ዲዮስቆሮስ ብምጥቃም ግን፥ “ብፁዕ ኣቦና ! ቅዱስ ኣቦና !” ከምዚ ‘ሎም እናበሉ ፥ ነተን ኣብያተ-ክርስቲያናት ክሕምሱወን ይርከቡ ኣለዉ። ንሓድነት እቲ ሕዝቢ ‘ውን ብቐጻሊ ይበታትንዎ ምህላዎም ፥ እቲ ዘሎ ህልው ኩነታት ባዕሉ ዘረጋግጾ ሓቂ እዩ።

     ከምዝፍለጥ ኣብቲ ብዕለት 02/06/2013 ኣብ ላንገን  ተጸዊዑ ዝነበረ ጉባኤ፥ እዚ ብዮፍታሔ ዝምራሕ ጉጅለ ‘ዚ ቀላጽሞም ብዘሕበጡ ቦዲ-ጋርድስ እናተሓለወ፥ ንኽጻረፋን ክናኸሳን ዘዳለወን  መበላሉ ሚክሮፎን እናዓደለ፥ ንመንነቱ ዘቃልዕ ሕሱር ተግባር ክፍጽም ከምዝወዓለ፥ ኣብ ተዘክሮ ብዙሓት ዘሎ ገና ቀለሙ ዘይሃሰሰ ስእሊ እዩ።በቲ ካልእ ‘ውን ብዙሓት ሕልንኦም ሽይጦም ክነብሩ ዝደልዩ መሲሎም ሓደርቲ፥ ከም ኣኽላባት ክናብሑ ምውዓሎም ከቶ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እቲ ነዚ ኩሉ ክርኢ ዝወዓለ ሕዝቢ ድማ፥ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ  ኣብ ኢድ ከመይ ዝበሉ ሕልና ኮነ ሃይማኖት ዘይብሎም ሰባት ወዲቓ ከም እትርከብ፥ ግልጺ ኮይኑ ርእዩዎ ‘ዩ ክበሃል ይከኣል።

     ኣብ 23/06/2013  ኣብ ድራይኣይሽ ዝተገብረ ጉባኤ ግን፥ ነቲ ብዮፍታሔ ዝምራሕ ጉጅለ ቀዳዊኡ ኮይኑ ኣይተረኽበን። እዚ ጉጅለ ‘ዚ ከም ቀደም መሲሉዎ ሚክሮፎን ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምቅጽጻሩ ብምእታው፥ በቶም ዕሉማቱ ኣቢሉ ክነብሕ’ዩ ጀሚሩ።  ባሕሪ ድራይ-ኣይሽ  ግን ዮፍታሔ ክሕንብሶ ዝኽእል ኮይኑ ኣይተረኽበን። ንሱ ኮነ ደብተራ-ሃብቶምን ሃለቃ-ገረታትዮስን በዝን በትን ኢሎም፥ ነቶም መዋዳድርትና ኢዮም ዝብሉዎም ኩሎም ካብ መድረኽ ክኣልዩዎም ፈተነ ከምዘካየዱ ኩሉ ዝረኣዮ እዩ። እግዚኣብሔር ግን ምስኣቶም ኣይወዓለን። ስለዝኾነ ድማ እቶም ነዚ ኩሉ ‘ዚ ዝዕዘቡ ዝነበሩ ጀርመናውያን-ካህናት፥ እቲ ብዓመጽ ተታሒዙ ዝወዓለ ሚክሮፎን እቶም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ‘ውን ክጥቀሙሉ መሰሎም’ዩ ስለዝበሉ፥ ካብ ኣእዳዎም ተፈንቂቑ ክውሰድ ተኻኢሉ። በዛ ፍጻሜ እዚኣ ከኣ ክብሪ ‘ቲ ብውድቀት ቤተ-ክርስቲያን ተሓታቲ ዝኾነ ዮፍታሔ፥ ከም መንደቕ-ኢያሪኮ ዓነውነው ኢሉ ክፈርስ ተራእዩ።

     እቶም ነቲ ኣብቲ ጉባኤ ዝወዓለ ሕዝቢ ጸባ ዘስተዩዎ ተባዓት ኦ ርቶዶክሳውያን ድማ፥ ሚክሮፎን ዓቲሮም ነቲ መድረኽ ብምቍጽጻር ነቲ ኩሉ ኣብ ኣብያተ-ክርስቲያናት ኤውሮጳ ክፍጸም ዝርአዘሎ ዕንወት ብሓላፍነት ዝሕተቱሉ፥ ዮፍታሔን ልኡኻቱን ‘ዮም ምስበሉ ዝተስምዐ ዕልልታን ጣቒዕትን  ነቲ ኣዳራሽ ዘንቀጥቀጠ’ዩ ነይሩ። ብዝተረፈ ወዮ ዮፍታሔ ደኣ ተነጊሩዎ  ዝሰምዕ ኣይመስልን’ዩ እምበር፥ ኣብ ድምበ-ተዋሕዶና ንዕኡ ክር ኢ ዝደሊ ሰብ ከምዘየልቦ ፥ ብግልጺ ይንገሮ’ዩ ዘሎ። ርግጽ’ዩ ዮፍታሔ ተሓቢኡ ዘሎ ክመስሎ ይኽእል’ዩ። መገሻ ኤውሮጳ ግን ውራይ ሕክምና ንምግባርን፥ ከም ኡ’ውን ንፋስ ንምቕያርን ንምሽርሻርን እምበር፥ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያንሲ ብዮፍታሔ ክበላሾን ክጽየቕን  እንተዘይኮይኑ፥ ንኽዕረ ትጽቢት ዝገብረሉ የልቦን።

     እቲ ዝዓበየ ድራማ ግን እቲ ድሒሩ ኣብ ኣዳራሽ ድራይኣይሽ ዝቐጸለ እዩ። ንሱ ድማ እቶም ተባዕ ካህን ንዮፍታሔ ገጽ ገጹ ብምርኣይ “ ንስኻ ዮፍታሔ እቲ ቈንስል-ዮሓንስ ደባስ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ዘሎ ሕዝቢ ኣብ ክልተ ይመቐል ክብል ከሎ፥ ባህ ስለዝበለካ እናሰሓቕካ ኣጣቒዕካ ኢኻ። ሕጂ ደኣ ብኸመይ መንገዲ ኢኻ  ዋናን መራሕን ኮንካ ክትርከብ ትደሊ ? እምበኣር ካብ ሕጂ ንደሓር ናብዚ ቤተ-ክርስቲያን’ዚ ክትመጽእ ዝደልየካ ሰብ የልቦን። ኣሸበሸብ  እንተመጺእካ  ግን ንዓኻ ኮነ ነቲ ካድረ-ገረታትዮስ ብኃይሊ-ፖሊስ ኣንጠልጢለ  ከምዘውጽኣኩም የፍልጠካ ኣሎኹ” ምስ በሉዎ፥ ብዕልልታን ጣቒዕትን ‘ዩ  እቲ ኣብቲ ኣደራሽ  ዝነበረ ሕዝቢ ከንደቕድቕ ተሰሚዑ። እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ ናብ ዮፍታሔ ዘነጻጸረ ግልጺ መልእኽቲ ‘ዩ ነይሩ። ብሓደ ግዜ ከኣ እቲ ሰማይን ምድርን ዘይክእሉዎ መሲሉ ክርአ ዝጸንሐ ኣምባሳደር-ደርጊ ነበር ዮፍታሔ፥ ተዳሂሉ ክሽቝረር ተራእዩ። ከም ጨርቂ ሓሲሩን ከም ሓሰር ፈዅሱን ክርአ ስለ ዘጽልኦ ከኣ፥ መንበሩ ንድሕሪት ስሒቡ ክሕባእ ግድነት ኮይኑዎ። ስለ ኵሉ ነገር ድማ እግዚኣብሔር ይመስገን ! ! !

     ኣብቲ ሃንደበታዊ ዝኾነ ሰዓት’ቲ፥ ማንም ከምኡ ይኸውን’ዩ  ኢሉ ዝገመቶ ስለዘይነበረ፥ እቲ ወገን ቤተ-ክርስቲያ ን ዝኾነ ኩሉ ብዕልልታን ጣቕዒትን ሓጎሱ ክገልጽ ከሎ፥እቲ ናይ ፖለቲካ ወገን ዝኾነ ግን ክጻወሮ ዘይክእል ሓዘን’ዩ ኮይኑዎ። ስለ ዝኾነ’ውን እቲ መሰርይ-ደብተራ ሃብቶም ርእሶም ኣብ ሚክሮፎን ቀሪቡ፥ ነቶም ብትብዓቶም ታሪኽ ዝሠርሑ ካህን ቀሺ ኣማኑኤል ! ኢሉ ብምጽዋዕ . . . . ነዚ ዝበልካዮ ቃል ቀልጢፍካ ይቕሬታ ሕተተሉ ኢኻ። እንተዘየሎ ሳዕቤኑ ኣይትኽእሎን ኢኻ . . . . ብምባል፥ ሓሳባቶም ከለውጦም ፈቲኑ ነይሩ እዩ። እቶም ካህን ግና . . ..ካብ ዝሕሰብኩሞ ንድሕሪት ኣይትመለሱ። እንተ ኣነ’ሞ ዝጠዓሰሉ የብለይን ። ሓሲበን ተረዲኤን ዝበልኩዎ ቃል ስለ ዝኾነ፥ ክውስኸሉ እንተዘይኮይነ ዘጕድለሉ ምኽንያት የብለይን . . . . ዝብል ቈራጽ መልሲ ስለዝሃቡ፥ እቲ ጽባሕ ብብዙሕ ገበናት ተሓታቲ  ከምዝኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ደብተራ-ሃብቶም  ርእሶም ፥ ሕፍረቱ ተጐልቢቡ ካብ ምኻድ ሓሊፉ ክገብሮ ዝኸኣለ ነገር ኣይነበረን።

     እዚ ፍጻሜ’ዚ መቸም ንገለ ሰብ ከም ቀሊል ነገር ክመስሎ ይኽእል’ዩ። እዚ ግን ምስ ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያና ክዝከር ዝነብር ትብዓት ዝሓትት ተግባር ደኣምበር፥ ኣቃሊልካ ዝርአ ተራ ነገር’ዩ  ዝበሃል ኣይኮነን። ኣብዚ ዝሓለፈ ዕሥራ-ዓመት ኣብ ቤተ-ክርስቲያና ዘይተፈጸመ ግህሰተ-ሕጊ ኣሎ ኣይበሃልን። እቲ ንዕቀት ዓቐኑ ስለ ዝሓለፈ’ውን ፓትርያርክ ኣውሪድካ፥ ሓደ ተራ-ጭዋ  መራሕ ቤተ-ክርስቲያን ከምዝኸውን ተጌሩ’ዩ። ከም ውጽ ኢቱ ድማ እንሆ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ከም መንድዓት ኣብ ክሳድ ቤተ-ክርስቲያን ተጻዒኑ ይርከብ ኣሎ። እዚ ጉዳይ ‘ዚ መሥዋዕቲ ዝሓትት  ምዃኑ እናተፈልጠ ከሎ ግና፥ ከምዚ ሕጂ ኣብ ድራይኣይሽ ዝተፈጸመ ትብዓት ዝፍጽም ስለዝተሳእነ ሱቕ ኢልካ ክኽየድ ‘ዩ ጸኒሑ ። ሕጂ ግና ከምቶም ኣብ ዘመነ-ዖዝያን ዝነበሩ ተባዓት ካህናት ኣብ ድራይኣይሽ ‘ውን ስለ ዝተረኽቡ፥ “ እምቢ” ኢሎም ብትብዓት ክምክቱ ይረኣዩ ኣለዉ።

     ብዝተረፈ ብድሕሪ ሕጂ እቲ ፍርሂ ተሳዒሩ ስለ ዝኾነ፥ ብዮፍታሔን  በቶም ክልተ ሞያ ዘይብሎም ካድራቱን ክንስከፍ ዝገብረና ምኽንያት ኣሎ ኣይንብልን። እቲ መሰርይ ዝኾነ ደብተራ ሃብቶም ርእሶም ፀሓይ ኣብ ምዕራባ ምዃኑ ስለዝተረድኦ፥ መስለዅ ዝኾኖ መምለቝ ኣብ ምንዳይ ምህላዉ’ዩ ዝስማዕ ዘሎ። እንተ እቲ ኣብ ሰጣሕ-ጐልጎል ወዲቑ ዝርከብ ዘሎ ሃለቃ-ገረታትዮስ ግና፥ ዋጋቲ ክገብሮ ዝጸንሐ ትዕቢትን ዕሽነትን ክሳብ ዝኣኽሎ ተፈድዩ ስለዘሎ፥ ከም ስግኣት ዝጥመተሉ ግዜ ኣብቂዑ እዩ። ይኹን እምበር በዓል ዮፍታሔ ተዳኺሞም ‘ዮም ማለት፥ እቲ ንዅሉ ዉሉደ-ክህነት ዝምልከት ዕዮ ተወዲኡ’ ዩ ማለት ኣይኮነን። እቲ ብበዓል ዮፍታሔ ክፈርስን ክበላሾን ዝጸንሐ ኩሉ፥ ንምዕራዩ ዘኽእልኅብረት ኣብ ምፍጣር  ኣበርቲዕካ ክሥራሕ ከምዝግባእ ዘይንፈልጥ ክንከውን ኣይግባእን።

                                   ስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል፥ ወለወላዲቱ ድንግል፥ ወለመስቀሉ ክቡር

                                                           ብሃይማኖቶም  ቀናኣት ደቂ ተዋሕዶ                                                                                                                                               

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • mender June 26, 2013

    ካድራት ኣቕሽሽቲ ብኢሰያስ ዝሾሞ ጳጳስ ተመሪሖም ብዙሕ ጸይቕታትን ጸረ ሓድነት ህዝቢ የካይዱ ኣለዉ፡፡ ሓድ ተንኮላቶም ኣብ መንጎ ጥንታዉያን ሃይማኖታት ካቶሊካዊት በተ ክርስትያንን ተዋህዶን ቕርሕንትን ምፍልልላይን ምትእትታው እዩ፡፡ ማርያም ደዓሪት ከረን ፍልጥቲ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ኮይና ኩሉ ሃይማኖት እምነቱ ዝነግዳ እስላማይ ካቶሊክ ከኒሻ ነይራ ሎምዘመን ግን ነቶም ተዋህዶ እንተነጊድኩማ ክትዉገዙ ኢኩም ኢሎም ኣፈራሪሖሞም፡፡ እቲ ዘገርም ግዕዝይና እከይ ተግባራት ድማ ማርያም ደዓሪ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ቱሪዝም ክተመሓደር ትእዛዝ ሂቦም ኣለዉ ካብ ማሕበር ካቶሊካዉaን ሲታዉያን መንዚዖም እዚ እኩይ ተግባራት ዝረኣዩ ወላዉን ኣብ ህግደፍ ዘለዉ ክዕዘምዝሙ ተራእዮም፡፡

  • Selamawi June 26, 2013

    It does not surprise me if Yoftahe Demetros is challenged. What is very surprising is that the anti-Godly anti-Eritrean and inhumane pfdj’s messenger has not faced enough challenges and protests. Does this mean that the pfdj machinery has managed to dilute the faith of ordinary citizen? Not many genuine believers prepared to die for their faith, to protect their priest, bishops, the Patriarch, and their Tabot? We need to revive our values and tradition. But we need to challenge the ungodly pfdj first.

  • asmeret June 27, 2013

    ሽም እግዚኣብሄር እናጸዋዕካ ስራሕ ሰይጣን ምስራሕ እንተ ትገድፍዎ መሬት ሰላም ምኮነ፡፡
    ኣብዚ ጽሒፍክሞ ዘለኹም ብዙሕ ጌጋን ዘይወዓለን ኣሎ፡፡ እቲ ተባዕ ካህን ዳኣ ማዓስ ንኤርትራ እትዩ እዩ ገጽ ንገጽ ይፍታሄ ዝረኣየ፧ ይፍታሄ እካ ዘይነበረ፡፡ መርዛማት ረጋቢት ኣይትኹኑ፡፡ ወረ ትጽቢቶም ሓሶት ዝዘርኦም ዕንወትን ስዕረትን ዝምህርቶም ኢኹም ንስኩም፡፡ እቶም ዘይወዓሉን ለዋሃትን ኩሉ ዝተጻሕፈ ሓቂ ዝመስሎም ንግዚኡ ኪእምንኹም ይኮኑ፡ ግዜኹም ኣብ ጽቡቅ ነገር ጠቀሙሉ፡፡

  • solomon June 27, 2013

    Wey gud

  • seliho June 27, 2013

    assenna , ezi tibluwo zelkhum haki aykonen yibil alo asmeret. please give us full coverage for the event with credible journalistic sources.

Post a Reply to solomon Cancel Reply