Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንምንታይ ድሕሪ ናጽነት ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዘይቆመ? – ቀዳማይ ምዕራፍ ሻብዓይ ክፋል

          ንምንታይ ድሕሪ ናጽነት ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዘይቆመ? ብያሲን ዑመር --  ቀዳማይ ምዕራፍ ሻብዓይ ክፋል መእተዊ   ኣብ ዝሓለፉ ዓንቀጻት ናይዚ ተኸታታሊ ሓተታ፡ ፈለማ መንግስቲ ኤርትራ ሕጋውን ደሞክራሲያውን  መንግስቲ ከም ዘይኰነ ዳህሲስናዮ።  ኣስዒብና: ህ.ግ.ሓ.ኤ  ካብ ተ.ሓ.ኤ "ብስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ" ምኽንያት ዝተፈንጨለ

 

        ንምንታይ ድሕሪ ናጽነት ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዘይቆመ?

ብያሲን ዑመር —  ቀዳማይ ምዕራፍ ሻብዓይ ክፋል

መእተዊ  

ኣብ ዝሓለፉ ዓንቀጻት ናይዚ ተኸታታሊ ሓተታ፡ ፈለማ መንግስቲ ኤርትራ ሕጋውን ደሞክራሲያውን  መንግስቲ ከም ዘይኰነ ዳህሲስናዮ።  ኣስዒብና: ህ.ግ.ሓ.ኤ  ካብ ተ.ሓ.ኤ “ብስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ” ምኽንያት ዝተፈንጨለ ሓርነታዊ ግንባር ክነሱ፡ መሪሕነቱ ካብ ተ.ሓ.ኤ ብዘይፍለ ናይ ተጻዋርነት ፖለቲዊ ባህሊ ዘይነበሮ፡ ንዂሎም ዝተላዕሉ ውሽጣዊ ተቓውሞታት ይዕቡዩ ይንኣሱ፡ የስግኡ ኣየስግኡ፡ “ኣዕነውቲ ምንቅስቓሳት’ዮም” ብዝብል ጠቐነ፡ ከየናሕሰየ ብሓይሊ ከም ዝደቐሶም ተመልኪትናዮ። ቀጺልና፡ እቲ ድሕሪ ናጸነት መንግስታዊ ስልጣን ብዓመጽ ዝሓዘ መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ንዕስራ ዓመታት መመላእታ (ክሳብ ምጕንጻፍ ናጽነት) ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ፡ ነቲ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ብምስጢር ዝዋሳእ ዝነበረ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ከም መሳርሒ ተጠቒሙ ምዃኑ መርሚርናዮ። ብድሕሪ’ዚ፡ እቲ ነቲ ድሕሪ ናጽነት  ንምቛም ደሞራሲያዊ መንግስቲ ዝደገፈ ጕጅለ መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ ወጊዱ ጸብለትነቱ ዘረጋገጸ ብውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ዝምራሕ ጕጅለ መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ ምእንቲ ነቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ደሞክራሲያዊ መስርሕ ንምጕንዳብ፡ ከምኡ’ውን ምእንቲ ነቶም ሃገራዊ ምርጫ ኣብቲ ዝተመደበሉ ዕለት ከይተወንዘፈ ክቃናዕ ዝጠለቡ ላዕለዎት መራሕቲ (ጕጀለ 15) ብሃገርዊ ጥልመት ከሲሱ ንምጽናት፡ ኰነ ኢሉ ምስ ኢትዮጵያ ብናይ ዶብ ግጭት ዝተመኽነየ ኣዕናዊ ኲናት ከም ዘባርዐ ተገንዚብናዮ። ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ምስ ተሓበርበርቱ  ሰበ-ስልጣን መንግስትን ሰራዊትን፡ ከምቲ ዝኣመቶ ነዘን ክልተ ሸቶታቱ ብዘይ ገለ ዕንቅፋት ምስ ወቕዐ፡  ውልቀ-ምልካዊ መንግስቲ ንምቛም ዝዓግቶ ነገር ከም ዘየሎ ተገንዚቡ፡ “ደሞክራሲ ንከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ድሑራት ሃገራት ዝምልከት ኣይኰነን” ብምባል፡ ኣብዚ ኤርትራ ዘላቶ “ዘይብሱል ግዜን ኲነታትን” ደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ  ሃገርና ክቐውም ፈጸሙ ከም ዘየፍቅድ ብብድዐ  ኣፍለጠ። ነዚ ጒዳይ’ዚ ፍሉይ ቆላሕታ ብምሃብ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ከመይ ጌሩ ውልቀ-ምልካዊ መንግስቲ ከቕውም ከም ዝበቕዐ፡ ጸኒሕና ኣብ ትሕቲ “ምቛም ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት” ዝብል ፍሉይ ኣርእስቲ ብዝርዝርን ብዕምቆትን ክንትንትኖ ኢና። ብድሕሪኡ፡ “ንውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኢሳይስ ንምውዳቕ፣ ንባርባርነት ሲናይ ንምግታእ፣ ንዝሳቐ ዘሎ ውጽዕ ህዝብና ካብ ዘሎዎ ኣደራዕ ጭቆናን ሓሳረ-መከራን ንምግልጋል፣ ከምኡ’ውን ንምምስራት ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ባይታ ንምጥጣሕ እንታይ ክንገብር ይግባእ?” ዝብሉ ርሱናትን እዋናውያንን ኣገዳስትን ሕቶታት ብምልዓል ብዝርዝር ክንመያየጠሎም ኢና።

ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ፡ ነቲ  ብዝያዳ ካብ 2001 ኣትሒዙ ኣረመንነቱ ክቕላዕ ዝጸንሐ ጭው ዝብለ  ውልቀ-ምልካዊ ወተሃደራዊ ስርዓቱ ንምዕቃብ፡ ኣንጻር መንግስታዊ ስልጣኑ ብመንእሰያት ዝተጐሳጐሰ ህዝባዊ ናዕቢ ከይለዓል ሰጊኡ፡ ነቲ  ክጅመር እንከሎ ንዓመትን መንፈቕን  ተመዲቡ ዝተኣወጀ “ሃገራዊ ኣገልግሎት”፡ ናብ ገደብ ግዜ ዘይብሉ ቀዋሚ “መንግስታዊ ግልያነት” ለወጦ። በዚ ከይተሓጽረ፡ ነቶም ካብቲ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ዘምለጡ መንእሰያት ዝወረዶም ዘስካሕክሕ ግፍዒ ተዓዚቦም ብምስካሕ፡ ዝተረፉ ዘይተሰዱ መንእሰያት ተማእዚዞም ክግዝእሉ ብደረጃ ላዕለዎት መራሕቱ (ከም ተኽላይ ማንጁስን መሰልቱ ጀነራላትን)  ምስ ራሻይዳን በደዊንን ብም ትሕብባርን ምትዕንጋልን፡ እናፈለጠ  ከምዛ ዘይፈልጥ መሲሉ ቅርጥም ኢሉ ብምጽቃጥ ግዳያት ባርባራዊ ግፍዓታቶም (ምሻጥ ኲሊትን ዘስካህክሕ ባርነትን፣ ራስያን ስቅያትን፣ ግህሰትን ምብስባስን)  ኰይኖም ከም ዝተርፉ ይገብር ኣሎ።  ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ንራሻይዳን በደዊንን ምስ መንግስቲ ምስርን (ግብጽን) ሱዳንን እናተረዳድአን እናተሓጋገዘን ካብቲ ዝፍጽምዎ ዘሎዉ ባርባራዊ ተግባራት ንምዕጋትን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኣቕሪቡ ንምፍራድን ስልጣንን ሓላፍነትን ኣሎዎ። እንተዀነ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰናይን ቅዱስን ተግባር ክውዕል ድልየት ኰነ ተገዳስነት የብሉን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ፡ ካብ  ኣደራዕ “ወተሃደራዊ ኣገልግሎት” ኣምሊጦም፡ ኣብ ኢድ ኣረመናውያን ራሻይዳን በድዊንን ወዲቖም ክሳቐዩ ክርኢ እንከሎ ባህ ሰለ ዘብሎ፡ ክንዲ ከድሕኖም ዝብገስን ምስኦም ዝደናገጽን  “ኣብ ወጻኢ ብተድላን ፍስሃን ይሸራሸሩን የንደልህቑን ‘ዮም ዘሎው” ብምባል ክሕጭጨሎምን ከባጭወሎምን’ዩ ተረኺቡ። እዚ ግን ንጨካን ኣረሜናዊ ባህርዩ ዘቃልዕ መርኣያ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ጽባሕ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ብወንጀልነት ዘኽስስ ክትሃድመሉ ዘይትኽእል መርትዖ ኢዩ።

ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ካብ ድሕነት ዜጋታቱ ንላዕሊ ስልጣኑ ስለ ዝዓዞን ዝዓብዮን፡  ነቶም  በቲ “ኣብ ዘበን ውራ-ውራ ነብስኻ ኣይተዕብራ” ካብ ዝብል ናይ ተበለጽቲ  መትከል ተበጊሶም፡ ንህዝቦም ዓሚጾምን ኣድኪዮምን ንነብሶም ከርብሑን ከበልጽጉን ብምምራጽ፡ ድንብርጽ ከይበሎም ንዘይሕጋዊ ስርዓቱ ዘገልግሉ ዘሎዉ ላዕለዎት ሓልፍቲ ሰራዊትን መንግስትን፡ ዕምሪ  ዘይሕጋዊ ስርዓቱ ንምንዋሕ ብዘይተሓታትነት ድላዮም ክግብሩ ማለት ክቐትሉ፡ ክዘምቱ፡ ክሰርቁ፡ ክጋሰሱ፡  ከምኡ’ውን ከሰራጥዩን ከበሳብሱን ምሉእ ስልጣን ሂቡ  ብልጓም ፍትሕን ፍርድን ከይተቐየዱ ፈጭ ኢሎም ክዕንድሩ ፈኒይዎም ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ንቊጠባ ሃገር ብሒቱን ገቢቱን፡ ኢዱ ኣብ ኩሉ ቊጠባዊ ንጥፈታት ብምእታው ኤርትራ ብቊጠባ ተደቚሳ “ዘኽታም ሃገር” ኰይና ከም ትተርፍ ንምግባር ንማዕድናዊ ሃብታን ንዝርካቡ እትዋታን ጕሒሉ ኣብ ብሕታዊ ማሕፉዳኡ እናኸዘነ ብተጒላባ  የልምሳ ኣሎ። ንመባእታዊ ሰብኣዊ መሰላት ከይተርፈ ብምግሃስ ከኣ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ዕስራን ክልተን ዓመታት ንህዝብና ኣደዳ ኣደራዕ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን መቕዘፍትን፣ ዘረፋን ዓመጽን፣ ግፍዕን ሓሳርን፣ ድኽነትን ድንቊርናን ፣  ከምኡ’ውን ሕማምን ጥምየትን ስለ ዝገበሮ፡ መንእሰያት ደቁ ሓርቢትዎም “ናጻ ዝወጸት” ሃገሮም ከም ዕንቊ ጸቢባቶም፡ ከም ገሃነም ሓሲማቶም፡ ብኣሽሓት ሃጽ ኢሎም ይስደዱ ኣሎዉ። ብሰሪ’ዚ ዘሕዝን ሮኽማሺ ፍጻሜታት’ዚ፡ ሃገርና ኣብዚ መበል ዕስራን ክልተን ልደት ናጽነታ ተብዕለሉ ዘላ እዋን፡ ድሕነት ህዝባን ቀጻልነት ልኡላውነታን ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛን ዘሻቕልን ኩነታት ወዱቑ ይርከብ ኣሎ።

ይኹን’ምበር፡ ነዚ ዝተረቚሐ ኣሉታዊ ፖለቲካዊ ምዕባለታት’ዚ ዝገትእን ዝምክትን ኣድማዒ ሃገራዊ ተቓውሞ ክሳብ ሕጂ ክቕልቀል ኣይተራእየን። ምኽንያቱ፡ ነቲ ፍኑውን ዝተጐዛዘየን ሃገራዊ ተቓውሞ ብብቕዓት መሪሓን ጠርኒፋን ኣስሚራን እተቃልስ፡ ናይ ኲሉ ሃገራዊ ዜጋ ተቐባልነትን ተሰማዕነትን እምነትን  ደገፍን ዘጥረየት ሃገራዊት ደሞክራሲያዊት ሰልፊ  ትኹን ግንባር ክንሃንጽ ኣይበቓዕናን። ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞራሲያዊ ለውጢ ብዝብል ስያመ፡ ንተቓወምቲ  ሃገራውያን ሰልፍታትን ማሕበራትን ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ዝጥርንፍ  ውድብ ምቛምና፡ ሓደ ኣዎንታዊ ስጕምቲ ንቕድሚት ኢዩ።እንተዀነ፡ እዚ ውድብ’ዚ ብዘይረብሕ ሃበስ-ቀደስ ጕዳያት ካብ ምቊያቕን ሕልፍ-ሕልፍ ኢልካ መግለጺታት ካብ ምውጻእን ሰሚናራት ካብ ምክያድን ሓሊፉ ንስርዓት ህግደፍ ዘድምዕ ግብራዊ ስጕምታት ክወስድ ብቕዓትን ዓቕምን ዛጊት ኣይደለበን ዘሎ። ብሰሪ’ዚ ኸኣ ከምቲ ልዑል ተስፋ ዝተነብሮ ንልቢ መላእ ህዝብና ክመልሕ እምበር ክሰልብ ኣይተረኽበን። ዘድምዕ ግብራዊ ስጉምታት ክወስድ፡ ብቐዳምነት ኣብ መንጎ ኣባላት መሪሕነቱ ዘተኣማምን ስኒትን ስምረትን ከስፍን ኣሎዎ። ነዚ ከየማልአ፡ ኣብ ውሽጢ ውድቡ ኰነ ካብ ውድቡ ውጻኢ ውጽኢታዊ ስርሓት ክሰርሕ ማለት ዘይከውን ኢዩ።ርኡይ ውጽኢታዊ ስራሓት ከይሰርሐ ኸኣ ህዝብና ኣብ ልዕሊኡ እምነት ከንብር ኰነ ክድግፎ ዝሕለም ኣይኰነን። ህዝብና ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ንተቓውምቲ ውድባት ብመግለጺታቶም ከይተጠበረ ንዘይጭበጥ ተግባራቶም መዚኑ ስለ ዝቐበጾም፡ ካብቶም ለይትን ቀትርን እናሓቐዩን እናከላበቱን ልዋም ከሊኦም ሑሕ ዝብልዎ ዘሎዉ ናይ ውሻጠ ኣዛብእ (ውልቀ-መላኺ ኢሳያስን ተበለጽቲ ተሓባበርቱን ሓብሓብቱን) ዘድሕኖን ዘገላግሎን መድሕንን መርሃውን እተረኸበ፡ ኣእዳው ንሰማይ ዘርጊሑ ብመሎኮታዊ ሓይሊ ካብ ሰማያዊ ጐይታ ፍታሕ ክወርዶ ይምህለል ኣሎ።

ኣብ ታሪኽ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ፡  ብቕዋም ዝመሓደር ደሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል ሓደ ካብቲ ዝለዓለን ዝዓዘዘን ሕብረተሰባዊ ዓወታት ወይ ጸጋታት’ዩ ዝቝጸር።  ምኽነያቱ፡ ምትካል ደሞራሲያዊ ስርዓት ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን፣ ሰብኣዊ መሰላት ንምርግጋጽ፣ ከምኡ’ውን ስኒትን ሓድነትን ንምፍጣር ኣብ ርእሲ ምኽኣሉ፡ ንስልጣነን ምዕባለን ራሕዋን ብልጽግናን ሃገር ገፍሕ በሪ’ዩ ዘርሑ።  ህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ብሰላማውን ዕጥቃውን ቃልሲ ናጻ ደሞራሲያዊት ሪፓብሊክ ክምስርት ዝተቓለሰ፡ ንመሰላቱ ዝነፍጎን ንክብርታቱ ዝቕንጥጦን ውልቀ-ምልካዊ መንግስቲ ንምቛም ዘይኰነ፡ ብኣንጻሩ ንመስላቱ ዘረጋግጽን ንክብርታቱ ዘኽበርን  ናይ  ሸፈጥ ዘይኰነ ናይ ብሓቂ  ህዝባዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ንምቛም ኢዩ። በዚ መሰረት’ዚ፡ እታ ብግንቦት 24 1993 ዘውዲ ናጽናት ደፊኣ ልኡላውነታ ዘረጋገጸት ፍትውትን ምጭውትን ሃገርና ኤርትራ፡ ነዚ ታሪኻዊ ዓወት’ዚ ምጕንጻፋ ናይ መወዳእታ ሸቶ ናይቲ ህዝብና ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ብሰላውማዊ ኣገባብን ብዕጥቂ ብረትን ዘሰላሰሎ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣይኰነን። እንታይ ድኣ፡ ናብቲ ናይ መወዳእታ ሸቶኡ ዘሰጋገር ድልድል ኢዩ። ናይ መወዳእታ ሸቶኡ ንረብሓኡ ዘገልግል፣  ንናጽነቱ ዝከላኸል፣ ንመሰላቱ ዘረጋግጽ፣ ንክብርታቱ ዘኽብር፣ ከምኡ’ውን ብሰላምን ቅሳነትን  ዝነብረሉ ብሕግን ስርዓት ተቐይዱ ዝሰርሕን ዘመሓድርን፡ ባዕሉ ኣብ ናጻን ፍትሓውን ሃገራዊ ምርጫ ዝመረጾን ዝወከሎን ብቅዋም ዝመሓደር ሕጋውን ፍትሓውን ደሞራሲያዊ መንግስቲ ምምስራት ኢዩ።

ዝዀነ-ዀይኑ፡ ኣብዚ መበል ሻድሻይ ክፋል ናይቲ  ብተኸታታሊ  ኣብ ትሕቲ “ንምንታይ ድሕሪ ናጽነት ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዘይቆመ?” ዝብል ሓፈሻዊ ኣርእስቲ  ክቐርብ ዝጸንሐ ሓተታ፡ ንሓደ ካብቲ ቀንዲ ኣበራት ሓርነታዊ ቃልስና ማለት ንኣሉታዊ ሓድጊ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ፍሉይ ኣተኲሮ ብምሃብ ክንቋደሶ ኢና። ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ ነቲ ኣብ ኣርብዓታት ናይ ዝሓለፈ ዘመን ኣብ ሃገርና ዝተኸሰተ ደሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ፈኸም ኣናበለ ንኸይድንፍዕ ኣብ ርእሲ ምዕንቃፉን ምጽብኡን፡ ድሕሪ ናጽነት ውልቀ-ምላካዊ መንግስቲ ንምቛም ጥጡሕ ባይታ’ዩ ጸሪጉን መድሚዱን። ከመይ ጌሩ?

ዕማም ናይዚ ዓንቀጽ’ዚ፡ ነዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶ ብዕግበትን ብምልኣትን ምምላስ ስለ ዝዀነ፡ እስከ ቀጺልና ብትኵርና ንመልከቶ።

ብዘይጥርጥር፡ ሓደ ካብቲ ቅድሚ ናጽነት ኰነ ድሕሪ ናጽነት ደሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ተቐላጢፉ ንኸይጐሃሃር ጠንቂ ዝዀነ፡  እቲ ካብ 1970 ኣቲሒዙ ቅንዕነቱ ከይተበደሀ ከም ዝወጾ ዘይብሉ ሓቂ ተወሲዱ ኣብ  ሃገርና ዝተዘርገሐ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ህ.ግ.ሓ.ኤ (ካብ 1975 ንደሓር ከኣ ተ.ሓ.ኤ) ኢዩ። ምዝርጋሕ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ብምስጢራዊ ማሕበርነታዊ ሰልፍታት (ኣብ ተ.ሓ.ኤ — ሰልፊ ዕዮ ኤርትራ፡፣ ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኸኣ — ኤርትራዊ ህዝባዊ ሰውራዊ ሰልፊ) ክልቲአን ሓርነታዊ ግንባራት፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ እዋን ፈደረሽን ዝተኣታተወ ደሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ከም ዝዝሕትልን ዝቕህምን’ዩ ጌርዎ። ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ፡ ዕላምኡ ብማሕበርነታዊ ሰልፊ ዝምራሕ “ምልኪ ሸቃሎ” ምቛምን “ማሕበርነታዊ ስርዓት” ምህናጽን ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ሃገርና ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ቅኑዕ ደሞክራሲያዊ ኣረኣእያ ንኸይሰርጽን ኣድማዒ ደሞክራሲያዊ ቃልሲ ንኸይሰላሰልን ሃናጺ ደሞክራሲያዊ ኣገባብ ኣመራርሓ ንኸይተኣታቶን ደሞክራሲያዊ ህዝባዊ ትካላት ንኸይምስረታን  ዕንቅፋት ብምዃን ዘይከሓድ ኣዝዩ ጎዳኢ ተራ ተጻዊቱ  ኢዩ። መዘዙ መዚዝና ንምእላይ፡ ኣብዚ ዓንቀጽ’ዚ ኣብ  ኣውራ እምንቶታቱን ዝገደፎ በሰላታትን ብምትኳር ክንትንትኖ ህረድግ ክንብል ኢና።

ማርክስነት ጸረ-ደሞራስያዊ ኣረኣእያ ብምዂስኳስ፡ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ንምቛም ዘተባብዕን ዘውሕስን ሃዋህው ፈጢሩ፡ ነቲ ኣብ ሓርነታዊ ቃልስና ኣብ ሃገርና ክሰርጽን ክጥጥዕን ዝግበኦ ዝነበረ ደሞክራሲዊ ንቕሓት ኣብ ርእሲ ምምህማኑን ምብካሉን ምዝንብዑን፡ ነቶም ከም ኢሳያስ ዝኣመሰሉ ገስገስቲ መሰ`ል ተበልጽቲ መራሕቲ ግንባራት (ህ.ግ.ሓ.ኤን ተ.ሓ.ኤን)፡ ፖለቲካዊ  ስልጣን  ከይተመርጹ ንምሓዝን ንሃገራውያን ደሞክራሲያውን ተቓወምቶም ንምጽናትን ከም መመኽነይታን መፍረድን ንኽጥቀምሉ ኣገልጊልዎም ኢዩ። በዚ ምኽነያት’ዚ፡ ህዝብና ኣብ ደሞክራሲ ዘሎዎ ፍልጠትን ንቕሓትን እምንቶን፡ ኣዝዩ ጥምዙዝን ዝሩግን ድኹምን ኢዩ፡፡ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ንውልቀ-ምልካዊ ወተሃደራዊ ስርዓት ኢሳያስ ወጊድካ ብቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካእ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዝሰላሰል ዘሎ ዳግማይ ሓርነታዊ ቃልሲ ክዕወት ዝኽእል፡ ህዝብና ኣብ ደሞክራሲ  ዘሎዎ ርድኢትን እምነትን መትከልን  ክብ ምስ ዝብልን ዝዓምቑን ዝጸንዕን ጥራይ ምዃኑ ክሰሓት የብሉን። ነዚ ቅዱስ ተግባር’ዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ነቲ ብማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ማሃነቱ (ሓቀኛ እንታይንነቱ) ኣጥፊኡ፡ ተበሪዙን ተመሪዙን ከምኡ’ውን ተደዊኑን ተዓሊሱን ዝጸንሐ ናይ ደሞክራሲ ኣምር፡ ተቐባልነቱን ተሰማዕነቱን ከምኡ’ውን ህቡብነቱን ኣድማዕነቱን ከም ዘጕላዕልዕን ዝዅላዕን ንምግባር ከይተሓለልና በብወገንና ክንጽዕር ይግባእ። እቲ  ካብዚ ቀጺላና እንዝትየሉ ንማርክስነትን ደሞክራሲን ዝምልከት ኣገደስቲ ነጥብታት፡ ጭልፋ ካብቲ ብሕጂ ከነካይዶ ዝጽቦየና ዘሎ ጻዕርታት ኢዩ።

ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ህ.ግ.ሓ.ኤ

ብ1970፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ንስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ ምርኩስ ብምግባር ካብ ተ.ሓ.ኤ ተፈንጪሉ ምስ ቆመ፡ እቲ ክኽተሎ ዝመረጾ ፖለተካዊ ስነ-ሓሳብ ማርክስነት ኢዩ። ካብቲ እዋን’ቲ ኣትሒዙ፡ ንማርክሳዊ ስነ-ሓሳቡ ከም ዝወጾ ዘይብሉ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ብምውሳድ፡ “ነቶም ውጹዓት ደርብታት ሕብረተሰብና ዝውክል ገስጋሲ ስነ-ሓሳብ’ዩ” እናበለ፡ ይምክሓሉን ይጀሃረሉን ጥራይ ዘይኰነ፡ እንተላይ ይፈርደሉን ይመጻደቐሉን ኔሩ። ክሳብ  ኣብ ድሮ ናጽነት (1989) ድቦላ ጥንጥን ዘብሎ ኸኣ፡ “ኣብ ዝዀነ እዋንን ኩነታትን ፈልከት ዘይንብለሉ ውድባዊ መትከልና’ዩ” ብዝብል ኒሕ፡ ልዕሊ ዝዀነ ኣካል ተማጒትሉን መኪትሉን። ኣብቲ ገድላዊ ወቕቲ ግን ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳቡ ማርክስነት ክኸውን ዝመረጸሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ?  በቲ ማርክስነት፥ “ኣብ ዝዀነት ሃገር ኣብ ግብሪ ዝውዕል፡ ንመግዛእታዊ ጭቆናን ደርባዊ ምዝመዛን ከምኡ’ውን ንሕብረተሰባዊ ድሕረትን ማሕበራዊ ድኽነትን: ሓንሳእ ንሓዋሩ ዝውግድ “ኣድማሳዊ ሓቅነት” ዝሓዘለ ስነ-ፍልጠታዊ ስነ-ሓሳብ’ዩ” ዝብል ነገራዊ ፍልስፍናኡ ስለ ዝረደየ ድዩ? ኣብ ሕበርተሰብና ንዝርከብ ማሕበራዊ ሽግራት ንምፍታሕ፡ ንናይ ህዝብና ሓፈሻዊ  ርእይቶን ናይ ሃገርና ደረጃ ምዕባለን ኣብ ግምት ብምእታው ብዘካየዶ ደቂቕ መጽናዕቲ መሰረት፡ እቲ “ሓደን መተካእታ ዘይብሉን ስነ-ፍልጠታዊ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ”  ማርክስነት ኰይኑ ስለ ዝረኽቦ ድዩ? ወይስ ካልእ  ዘይተኣመተ ጣጣን እንታን ስለ ዝነበሮ ኢዩ? እስከ ምኽንያቱ ንምፍላጥ፡ ንትሕዝቶ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳቡ: ምስ ጭብጥ ተመኲሮ ሓርነታዊ ገድልና ብምዝማድ፡ ንምንታይ ክኽተሎ ከም ዝመረጸ ጥልቕ ኢልና ንተንትኖ።

ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝምራሓሉ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ማርክስነት ክኸውን ዝመረጸ፡ ንናይ ህዝብና ሓፈሻዊ ርእይቶን ናይ ሃገርና ደረጃ ምዕባለን ኣብ ግምት ብምእታው ብዘካየዶ ደቂቕ ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕቲ መሰረት፡ ኣብ ሕበረተሰብና ዘሎ ማሕበራዊ ሽግራት ንምፍታሕ ግድነት ኣድላዪ ኰይኑ ስለ ዝረኸቦ ኣይኰነን። እንታይ ድኣ፡  እተን ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ዓለምና “ገስገስቲ” ዝቚጸራ ዝነበራ ማሕበርነታውያን ሰልፍታት: ዝኽተልኦ ዝነበራ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ማርክስነት ስለ ዝነበረ፡ ንዓኣተን ንምምሳል ካብኣተን ተዓሚቱ ብምቕዳሕ ኢዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ንግብራውነትን ተቐባልነትን ማርክስነት ኣብ ሕብረተሰብና ንምፍላጥ፡ ይትረፍ ደቂቕ ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ከካይድ፡ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ንባዕሉ እንታይ ዓይነት ስነ-ሓሳብ ምዃኑ ንምፍላጥ ዝዀነ ዓይነት ዕምቆት ዘሎዎ ምርምር ኣየከየደን። መራሕቱ ገስገስቲ ንምምሳል፡ ማርክሳውያን ኰይኖም ይወራዘዩ ድኣ’ምበር፡ ዕሙቕ ዝበለ ፍልጠት ማርክስነት ኣይነበሮምን። እቲ ብዛዕባ ማርክስነት ዝነበሮም ፍልጠት፡  ምግን`ዛብ (reasoning) ዘይተሓወሶ፡ ኣብ ዕሙት ወይ ዕዉር እምነት ዝተመርኰሰ ጥማዓዊ ፍልጠት’ዩ ኔሩ።

ብዝዀነ፡ ማርክስነት ኣሉታዊ ሳዕቤናት ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብዘየገድስ፡ ኣብቲ ዓለምና ኣብ ክልተ ተቐናቐንቲ ደንበታት (ርእሰማላዊ ደንበን ማሕበርነታዊ ደንበን) ተኸፊልሉ ዝነበረ ናይ ዝሑል ኲናት ወቕቲ፡ እተን “ገስገስቲ” ኢና ዝብላ ጸጋማውያን ሓይልታት ዝኽተልኦ ዝነበራ ህቡብ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ብምንባሩ፡ ከም ናይ ግስግስና መለለዪ ብሮት‘ዩ ዝውሰድ ኔሩ። ካብዚ ዝተላዕለ፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብቲ እዋን’ቲ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳቡ ማርክስነት ክኸውን ዝመረጸ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ጸጋማውያን ሓይልታት ዓለም ገስጋሲ መሲሉ ንኽርአ ኢዩ። ብርግጽ፡ ነዚ እምንቶ’ዚ ዘፍርስ፥  “ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብቲ ፍሉይ ወቕቲ’ቲ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳቡ ማርክስነት ክኸውን ዝመረጸ ገስጋሲ መሲሉ ንምቕራብ ዘይኰነ፡ ብልቢ ከም ‘ቅኑዕ ስነ-ፍልጠታዊ ስነ-ሓሳብ’ ይኣምነሉ ስለ ዝነበረ’ዩ” ዝብል ተጻረሪ ርእይቶ ዘቕርቡ ባእታታትን ጉጅለታትን ኣሎዉ። ይኹን’ምበር፡ ባዕሉ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝህቦ ይኹን ተሓለቕቱ ዝህብዎ ምኽያት ብዘየገድስ፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ንማርክስነት ብቕንዕና ከም “ዝወጾ ዘይብሉ ስነ-ሓሳብ” ኣሚኑ ይኽተሎ ኣይነበረን። ብቕንዕና ከም “ዝወጾ ዘይብሉ ስነ-ሓሳብ” ኣሚኑ ይኽተሎ እንተ ዝነብር፡ ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት ንዓለማዊ ፍሽለቱን ንጽገቱን ተገንዚቡ፡ ብዘይ ስክፍታ “ኣብ እዋኑ ኣገልግሎቱ ብግቡእ ፈጺሙ’ዩ” ብምባል ምስ ገደፎ፡ ደቂቕ ገምጋምን ዕቱብ ነቐፌታን ብምክያድ፡ ግጉይ ስነ-ሓሳብ ይኽተል ከም ዝነበረ  ዘየእምንን፡ ንርእሱ ተጋጊዩ ምስኡ ንብዙሓት ንጹሃት ከም ዘጋገየ ብበደላቱ ሓላፍነት ዘየውስድን ኣብነት ኣይንበሮን።

እንተዀነ፡ ኣይወዓሎን።

ዘይምውዓሉ፡ ብቕንዕና ብልቢ ይኣምነሉ ከም ዘይነበረ፡ ብቓል ጥራይ  ዘይኰነ ብግብሪ ዘመስክር ኢዩ።

ዝዀነ-ዀይኑ፡ በቲ በብግዜኡ ኣብ ዓለምና ዝኽሰት ሓዲሽ ይኹን ብሉይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ክትጽሎ ባህርያዊ’ኳ እንተዀነ፡ ከም ካብ ሰማይ  ዝወረደ ቅዱስ ቃል ብምውሳድ ከተምልኾ ኰነ  ከም ፍጹም ሓቂ ወሲድካ ክትግዛኣሉ ግን ዓቢ ጌጋ ኢዩ። ማርክስነት ከም ዝዀነ ካልእ ማሕበራዊ ስነ-ሓሳብ ተዛማዲ ሓቅነት እምበር ፍጹም ሓቅነት የብሉን። ስለዚ፡ ግዙእ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ምዃን፡ ንናይ ምሕሳብን ምምርማርን ናጽነትካ ብምስዋእ ዕንዛይ ሃሜንነት ክትከውን ብወለንታኻ ምምራጽ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ንነገራዊ ፍልስፍናኡ ከም ኣማራጺ ዘይብሉ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ኣምሲሉ የቕርቦ ድኣ’ምበር፡ ጸኒሕና ከም እንግንዘቦ  እቲ “ፍጹም ኣድማሳዊ ሓቂ” እናተባህለ ከም ዘየማትእ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት እምብዛ ዝተወጠየሉ ዘብለጭልጭ ነገራዊ ፍልስፍናኡ፡ ኣብ ግብሪ ተፈቲኑ ዝፈሸለን ብዓለሙ ዝተጸየነን ሃሜናዊ ስነ-ሓሳብ (domatic idialogy) ኢዩ። ሃሜናዊ ስነ-ሓሳብ ይኹን ድኣ’ምበር፡ ሰዓብቱ ከም ዝወጾ ዘይብሉ ፍጹም ሓቂ ብምእማን፡ ብድርቅና ክትግብርዎ ስለ ዝሃቀኑን ከም መምዘኒ ሰውራወነት ተጠቐሞም ንተቓወምቶም ንምጽናት ይዳይንሉ ስለ ዝነበሩን፡ ብኸንቱ ብሚልዮናት ዝቚጸር ህይወት ንጹሃት ዜጋታትን ብብልዮናት ዝተመን ክቡር ንብረት ሃገርን  ኣጥፊኦምን ኣባኺኖምን ኢዮም። እቶም ብኸንቱ ዝጠፍኡ ንጹሃት ዜጋታት ከምኡ’ውን እቲ ዝባኸነ ክቡር ንብረት፡ ንዘይብጽሑና ሰባትን ንዘይንፈልጦ ሃገርን ጥራይ ዝምልከት ኣይኰነን። ትማሊ ብጋህዲ፡ ሎሚ ኸኣ ብስዉር፡ ኣብ ልዕሊ ሰብናን ሃገርናን ዝወርድ ዝነበረን ገና’ውን ዝወርድ ዘሎን ዘይተናገፍናሉ ኣበሳ ኢዩ። ንኣብነት፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ካብ ተ.ሓ.ኤ ዝተፈልየን ንናይ መንካዕን የሚንን ምንቅስቓሳት ብምቕንጻል ዝደቐሶን ንተ.ሓ.ኤ ምስ ህ.ወ.ሓት (ህዝባዊ ወያን ሓርነት ትግራይ) ብምሽራውን ብምውዳይን  ኲናት ሓድሕድ ኣዊጁ ብምጥቃዕ ካብ ሜዳ ኤርትራ ከም እተውጽእን ብሳዕቢኑ ኸኣ ከም እትፈርስን ዝገበረ ብሰራውነንት ማርክሳዊ ስነ-ሓሳቡ ኣመኻንዩ ኢዩ። እቲ ንጕጅለ-15 ንምጽናት ዝወሰዶ ዘይሕጋዊ ናይ ምእሳር ስጉምቲ እውን ብተንበርካኽነት  ዝብል መሰረት ዘብሉ ክሲ ይጐልብቦ ድኣ’ምበር፡ ጠንቁን መንቀሊኡን ምስ ምትካል ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ብቐጥታ ዝተኣሳሰረ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብዊ ፍልልይ እምበር ካልእ ሕቡእ ምስጢር የብሉን።

ብውልቀ-መልኺ ኢሳያስ ዝምራሕ መራሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ፡  ነቲ ካብ ተ.ሓ.ኤ ንኽፍለን ናብ ኲናት ሓድሓድ ንኽኣቱን ንተቓወቱ ንምጽናትን “መሰረታዊ ናይ ግብርን ስነ-ሓስብን ፍልልይ ኣሎኒ” እንበለ ዘመኽነየሉን ዝተመጻደቐሉን፡ ከምኡ’ውን “ኣብ ዝዀነ ግዜን ኩነታትን ፍልከት ዘይብለሉን  በጃ ዝሓልፈሉን ውድባዊ መትከለይ’ዩ” እናበለ ዝፈከረሉን ዝተጃህረሉን ማርክሳዊ ስነ-ሓሳቡን ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ከም መሳርሒ ዝጥቀመሉ ዝንበረ ምስጢራዊ ማሕበርነታዊ ስልፉን፡ ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት ናይ ዝሓለፈ ዘመን ማለት ኣብ ድሮ ናጽነት ብዘይደቂቕ ገምጋምን ርእሰ-ነቐፌታን ድሓን ኩኑ ምስ በሎም፡ ብድሕሪኡ ፈጺሙ ሰምይዎም ኣይፈልጥን። ዘይመስመይኡ ብጌጋኡ ስለ ዝተኣመነን ስለ ዝተማህረን ዘይኰነ፡ ኣብቲ ዝኣመቶ ሸቶ — ምቛም ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት —  ብምብጽሑ፡  ድሕሪ ደጊም ኣገልግሎት ዘይብሎም ኰይኑ ስለ ዝረኸቦም፡ ወይ ብኻልእ ኣበሃህላ ክሳብ እግሪ ዝተክል ብኣኦም ተታትዩ እግሪ ስለ ዝተኸለ ኢዩ። እዚ ኸኣ ንዘስተውዕል፡ ኲሉ’ቲ ንጉርሃንትን ዮዋሃትን ብስብከት “ደርባዊ ቃልሲ”‘ እናረሳሰነን እናሕነነን ዝወራዘየሎም ዝንበረ ማርክሳዊ ስነ-ሓስብን ምስጢራዊ ማሕበርነታዊ ሰልፍን፡ ብሓቂ ማለት ከምቲ ብቓሉ ዝብሎ ብመትከል ይኣምነሎም ከም ዘይነበረ ቊልጭ ኣቢሉ’ዩ ዘርድእ። ነቲ ማርክሳዊ ስነ-ሓስብ ኰነ ነቲ ማርሕበርነታዊ ሰልፊ፡  ማይ ዘይቊር ምስምሳቱ ብዘየገድስ፡  ድሕሪ ናጽነት ጸኒሑ ኲልዕ ኢሉ ከም ዝበርሀ፡ ክሳብ መንግስታዊ ስልጣን ዝዓትር ናብ ኰረሻ መንግስታዊ  ስልጣን ንምውጣሕ  ከም መሳልል’ዩ ዝጥቀመሎም ኔሩ።

ህ.ግ.ሓ.ኤ ንማርክስነት ከም  መምርሒ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ክጥቀመሉ ዝመረጸ፡  ኣቐዲሙ ብዘካየዶ ደቂቕ መጽናዕቲ እቲ “ሓደን መተካእታ ዘይብሉን ስነ-ፍልጠታዊ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ”  ንሱ ጥራይ ኰይኑ ስለ ዝረኸቦ ኣይኰነን። ንተተግባርነቱን ቅንዕነቱን ንምምዛንን ንምግምጋምን ዝዀነ ዓይነት መጽናቲ ኣየካየደን። ናይ ህዝቢ ርእይቶ ክፈልጥ ንክትዕ ኣብ መድረኽ እውን ኣየቕረቦን።  ከምኡ’ውን ካብ ውሽጢ ህዝብን ካብ ፈተውቲ ሃገራትን ብርቱዕ ተቓውሞን ተነጽሎን ከይገጥሞ ስለ ዝሰግአ፡ ዝምራሓሉ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ማርክንስነት ምዃኑ ብዕሊ ኣይኣወጀን። ይኹን’ምበር፡ ኣብ ውሽጢ ግንባር ንኣባላት ሰራዊትን ንሓፋሽ ውድባትን ዝኽተሎ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ማርስነት ምዃኑ ከይሓብአ እናተሓበነ፡ “እዚ ስነ-ሓሳብ’ዚ ፈጽምና ፈልከት ዘይንብለሉን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣእቲና ዘይንዋገየሉን ውድባዊ መትከልና’ዩ” ብምባል፡ ኲሉ ንህ.ግ.ሓ.ኤ ዝኣምንን ዝድግፍን ሓርበኛ ዓይኑ ከይሓሰየ ክቕበሎ ይሰብከሉን ይጐሳጕሰሉን ኔሩ። ካብቲ “ብዘይ ሰውራዊ ክልሰ-ሓሳብ ሰውራዊ ምንቅስቓስ የለን! ” ዝብል ለኒናዊ ጭርሖኡ ነቐሉ ኸኣ “ሰውራ ኤርትራ ካብ 1961 ኣትሒዙ ክሳብ 1971፡ ብዘይ ቅኑዕ መስመርን ብቑዕ መሪሕነትን’ዩ ክካየድ ጸኒሑ፤ በዚ ምኽንያት’ዚ፡  ‘ሓድሽ ሃገራዊ ደሞራሲያዊ ሰውራ’ ክሰላሰል ዝጀመረ፡ ብ1971 ህ.ግ.ሓ.ኤ. ስቱር ማሕበርነታዊ ሰልፊ መስሪቱ ብማርክስነት ክምራሕ ምስ ኣንቀደ ኢዩ” ብምባል ይንየት ኔሩ። ኣብዚ ንያት’ዚ ተሞርኲሱ ድማ፡ ነቲ ብመሪሕነት ተ.ሓ.ኤ ካብ 1961 ኣትሒዙ ዝካየድ ዝነበረ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ “ናጽነት ጥራይ ንምጕንጻፍ ዝዓለመ ሃገራዊ ቃልሲ እምበር፡ ሓርነት ንምጕንጻፍ ዝዓለመ ማሕበራዊ ሰውራ ኣይኰነን” ዝብል ፍርዲ በይኑ የቆናጽቦን ይዂንኖን ኔሩ። ኢሳያስ ካብ ሽዑ ጀሚሩ  ንሜዳ ኤርትራ ብሒቱ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ንምቛም ዝነበሮ ሕልሚ ንምትግባር፡ ብጋህድን ብዓውታን “ሰውራ ኤርትራ ማለት ህ.ግ.ሓ.ኤ ማለት’ዩ፣ ህ.ግ.ሓ.ኤ ማለት ከኣ  ሰውራ ኤርትራ ማለት’ዩ” ኣናበለ ደጊሙ ደጋጊሙ ይምድር ኔሩ። ይኹን’ምበር፡ ዝበዝሕ ሃገራዊ ዜጋ ንቅነን ሰምን ናይዚ ንስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ ዘይጻወር ሓደገኛን ትምክሕታውን ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ኢሳያስ ግዲ ሂቡ ስለ ዘየስተውዓሎ፡ ምልክት ሕቶ ኣየንበረሉን። ድሕሪ ናጽነት ኢሳያስ ነቲ ኣቐዲሙ ዘተንበሆ ትንቢት ንምድራዕ፡ ኣዳዕዲዑ ብጀካ ህ.ግ.ሓ.ኤ ካልእ ኣብ ምምሓዳር መንግስቲ እትሳተፍ ግንባር ትኹን ሰልፊ የላን ንምባል፡ “መንግስቲ ኤርትራ ማለት ህ.ግ.ሓ.ኤ.’ዩ ፣ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ማለት ከኣ መንግስቲ ኤርትራ’ዩ” በለ። ንኢሳያስ ግን ቅድሚ ናጽናት ይኹን ድሕሪ ናጽነት  ብድብድቡ “ህ.ግ.ሓ.ኤ” ክብል እንከሎ፡ “ኣነ’የ ዝመልከኩም ፈርዖን ኤርትራ”ይብል ከም ዘሎ ቆብ ኣቢሎም ዝተረድእዎ ሃገራውያን ዜጋታት ኣዝዮም ውሑዳት ኢዮም።

ማሕበርነታዊ ምስጢራዊ  ሰልፊ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣቐዲሙ ክጥቀስ ከም ዝጸንሐ፡ ንማርክሰነት ብዘካይዶ ጽጹይ መጽናቲ መሰረት  ካብ ዘይመረጾ፡ ንምንታይ ብሃውርን ብተሃብርን ካልኦት ገስገስቲ ዝበሃላ ማሕበርነታውያን ሰልፍታት ገበርኦ ኢሉ ኣሰረን ክስዕብ ብሂጉ? ማርክስነት  ዘስወንውን ተበሃጊ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ስለ ዝዀነ ዲዩ? ወይስ ካልእ ናብ ስልጣን ከይተመረጽካን ከይተወከልካን  ንምውጣሕ ዘኽእል ፖለቲካዊ  መጣልዒ ካርታ ስለ ዘሎዎ’ዩ? ነዘን ክልተ ዝተኣሳሰራ ኣገድስቲ ሕቶታት ብዕግበት ንምምላስ፡ ማርክስነት ኣብ ፖለቲካውን ቊጠባውን ማሕበራውን  መንፈሳውን መዳያት እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ከም ዘሎዎ ቅርብ ኢልካ ሓድብሓደ ምግንዛብ የድሊ። ብዘይጥርጥር፡ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ኣዝዩ ሰፊሕ ኣርእስቲ ኢዩ። ንስፍሓቱ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ኣብዚ ክፋል’ዚ ኣብ ነገራዊ ፍልስፍናኡ ብምምርኳስ እንዝትየሉ ነጥብታትን እነቕርቦ ትንተናን፡ ብዝከኣል መጠን ብፍላይ ኣብቲ ምስ ደሞክራሲ ዝተኣሳሰረ መትከላዊ እምነታቱ  ከም ዘተኲር ተጌሩ ኣሎ።

ናይ ደሞክራሲ ኣምር ብማርክሳዊ ኣረኣእያ ክግለጽ እንከሎ፡ ብደርባዊ ጠመተ ብምጥማት “ብባህርዩ ደርባዊ ጠባይ ኣሎዎ” ተባሂሉ’ዩ ዝግለጽ። እዚ ኣገላልጻ’ዚ፡ ካብ  ነገራዊ ርእየተ-ዓለም (materialist world outlook) ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ  ዝመንጨወ ኢዩ። ብመሰረት ነገራዊ ርእየተ-ዓለም ማርክስነት፡  ዓይነት ናይቲ ኣብ ደርባዊ ሕብረተሰብ ዘሎ ደሞክራሲ ዝውሰን በቲ ስነ-ሓሳብ ናይቲ መንግስታዊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሓይሊ ወይ ደርቢ ኢዩ። እቲ መንግስታዊ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ ወይ ደርቢ ነቲ ናቱ ስነ-ሓሳብ ከም ዝዕብልል  ምእንቲ ክገብር፡ ነቲ ቊጠባ ናይቲ ሕበረተሰብ ብሒቱን ንማሕበራዊ ትካላት ዓብሊሉን ብምቊጽጻር፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ሕብረተሰብ ካብ ስነ-ሓሳቡ ዝመንጨወ ንረብሓኡ ዘገልግል ሓሳባት ጥራይ’ዩ ከስፋሕፋሕን ከሰርጽን ከጠጥዕን ዝጽዕርን ዝድግፍን ዘፍቅድን። በዚ ኣገላልጻ’ዚ መሰረት፡ ደሞክራሲ ግብራውነት ዘይብሉ ረቀቕ ኣምር ዘይኰነ፡ ብጭቡጥ ንመሰልን ፍትሕን ናጽነትን ክብርን ሃገራውያን ዜጋታት ዝምልከት ህያው ሕቶ ኢዩ። ይኹን’ምበር፡ ከም ህያው ሕቶ መጠን ደሞክራሲ ብቐጥታ ይዂን ብተዘዋዋሪ  ንፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ናይቲ መንግስታዊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሓይሊ — ብህዝቢ ብሕጋዊ ኣገባብ ይመረጽ ኣይመረጽ ብዘየገድስ — ዘንጸባርቕ ኢዩ። ማርክሳውያን ንደሞክራሲ በዚ መንጽር’ዚ ብምርዳእ፡ ኣብ ዝዀነ ሕብረተሰብ ክልተ ዓይነት ደሞራሲ ጥራይ’ዩ ዘሎ ይብሉ —  ንሳቶም ድማ ፥ ናይ ውሑዳት ደሞክራሲ ወይ ከኣ ናይ ብዙሓት ደሞክራሲ ኢዮም። እቲ ናይ ውሑዳት ደሞክራሲ ኣብተን ብመሳፍንቲ ወይ ብርጅዋታት ዝቖማ መንግስታት’ዩ ዝርከብ፤ እቲ ናይ ብዙሓት ደሞራሲ ኸኣ ኣብተን በቲ ሓፋሽ ማለት ብሸቃሎን ሓረስቶትን ዝቖማ መንግስታት’ዩ ዝርከብ። እተን ብሸቃሎን ሓረስቶትን ዝቖማ መንግስታት ብግብሪ ኣብ ናጻን ፍትሓውን ምርጫ በቶም ሸቃሎን ሓረስቶትን ዝተመርጻን ዝተወከላን ዘይኰና፡ በተን ንረባሓ ናይቲ ሓፋሽ (ሸቃሎን ሓረስቶትን) እንጣበቕን እንሕሉን “ገስገስቲ” ኢና ዝብላ ማሕበርነታውያን ሰልፍታት ዝቖማ ኢየን። በዚ ምኽንያቲ’ዚ፡ እዘን ሰልፍታት እዚኣተን በቲ “ሓፋሽ” ዝሰመየኦ ከይተወከላን ከይተመርጻን ነቲ ጎነጽ ተጠቐመን ዘቖምኦ መንግስቲ “ህዝባዊ መንግስቲ” ኢለን የጠምቐኦ ድኣ’ምበር፡ ብስም እምበር ብኣካል ኰነ ብግብሪ ህዝባዊ መንግስቲ ኣይኰነን።

ኲለን ማሕበርነታውያን ሰልፍታት መንግስታዊ ስልጣን ዝጭበጥ፡ “ካብ ኣፍ ሻምብቆ ብረት ብዝወጽእ ጥይት’ዩ” ብዝብል እምነት ስለ ዝምራሓ፡  መንግስታዊ ስልጣን ንምሓዝን መንግስታዊ ስልጣን ንምዕቃብን ብዘይንሕስያ ጎነጽ እየን ዝጥቀማ።  ብኣረኣእየአን፡ ኣባላተን “ደርቦም ዝኸሓዱን ነቲ ሓፋሽ ዘገልግሉን” ጥራይ ዘይኰኑ፡ እቶም  “ዝበለጹን ዝነቕሑን ዝበቕዑን” ኣባላት ናይ ሕብረተሰብ ስለ ዝዀኑ፡ መላእ ሕብረተሰብ ንዘልኣለም ንዕኦም ተማእዚዙ  ብአኦም ክግዛእ ኣሎዎ። ካብኦም ንላዕሊ ንሕብረተሰብ ብውሕልነትን ጽፈትን ከማሓደር ዝኽእል ሃገራዊ ዜጋ ፍጹም ስለ ዘየለ፡ ንዕኦም ንምትካእ በብግዜኡ ህዝባዊ ምርጫ ምክያድ ኣየድልን ኢዩ። ብኹለንትናኦም በቃ ዘበሉን ዘይጋገዩን ዘይሕለሉን እጹባት ፍጡራት ስለ ዝዀኑ፡ ንዕኦም ምቕያር ኰነ ምሕዳስ ዘድሊ ኣይኰነን።   ከም እጹባት ፍጡራት መጠን ከይበለዩ ማለት ታህ ከይበሉ ብሓደስቶም ንዘልኣለም’ዮም ዝነብሩ። ከም ኣባላት ማሕበርነታውያን ሰልፍታት፡ መራሕ ህ.ግ.ደ.ፍ.ን (“ፕረሲደንት” ኢሳያስ ኣፍወርቂ) ኣባላት ሰልፉን ከይሓፈሩ ንሰልፎም ከም ህዝባዊ ሰልፊ፡ ንስልጣኖም ድማ ከም ህዝባዊ ስልጣን ስለ ዝቖጽሮዎ፡ ከም ንጉሳዊ ቤተሰብ “ንዘልኣለም ንኽንገዝእ ዝተሸምናን ዝተመረቕናን ናይ ኤርትራ ዝወጾም ዘይብሎም ‘ጨለታትን ጭዋታትን ሊቃውንትን ከዋኽብትን’ ንሕና ኢና” ዝብል ዘደንጹ  እምነቶ’ዩ ዘሎዎም። ካብዚ ኣጉል እምነቶ’ዚ ነቒሉ ከኣ ኢዩ፡ ውልቀ-መላኺ መራሒኦም ኢሳያስ ብዓመጽ መንግስታዊ ስልጣን ካብ ዝጐበጠሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ “መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሓደ ስልፊ ንላዕሊ ኣይጻወርን’ዩ ማለት ካብ  ህ.ግ.ደ.ፍ ሓሊፉ ካልእ ሰልፊ ክህሉ ኣየፍቅን’ዩ” ብምባል፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ካልኦት ተወዳደርቲ ሰልፍታት ከይምስረታን ከይንቀሳቐሳን ዝኣገደ። ስለዚ፡ ህ.ግ.ደ.ፍ “ኣብ ኤርትራ ንዘልኣለም በትረ-መንግስቲ ጨቢጡ ክገዝኣን ከመሓድራን ብቕዓትን ትዕድልትን ዘሎዎ እንኮ ሰልፊ፡ ኣነ ጥራይ’የ” ብዝብል ትምክሕታዊ እምነት ዝምራሕ ሰልፊ ብምዃኑ፡ ብሕጂ ሃገራዊ ምርጫ ኣካይዱ ብህዝቢ ንዝተመርጸ ዕዉት ሰልፊ ብወለንትኡ መንስግታዊ ስልጣን ከርክብ ምጽባይ ወይ ምትስፋው የዋህነት ጥራይ ዘይኰነ ዕሽነት ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት ናይ ዝሓለፈ ዘመን፡ ማሕበርነታዊ ደምበ ምስ ምፍራስ ሕብረት ሶቬት ተገማሚዑ ረሞቕ ኢሉ ምስ ወደቐ፡ እቲ ዝመራሓሉ ዝነበረ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ኣብ መላእ ዓለም ህቡብነቱን ተሰማዕነቱን ኣጥፍኡ ከም ፋሽል ስነ-ሓሳብ ተቖጺሩ ተነጺጉን ተጸይኑን ኢዩ። ህ.ግ.ሓ.ኤ ነዚ ሓድሽ ፖለቲካዊ  ምዕባለ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ተቐላጢፉ ነቲ ምስጢራዊ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ብሕብእብእ ንኣባላቱ ብወግዒ ከይፍለጠ የፍርሶ ድኣ’ምበር፡ ነቲ እቲ  ምስጢራዊ ማሕበርነታዊ  ሰልፉ ከምኡ’ውን  ነቲ እቲ ሓርነታዊ ግንባር ዝመራሓሉ ዝነበረ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ብግብሪ ኣይገደፎን። ንኸምስል ብኣፉ “ግብራዊ ኣገልግሎቱ ስለ ዘብቀዐ ከይደረቕና ምስ ግዜ ብምትዕጽጻፍ ገዲፍናዮ ኢና” ብምባል ይሽሓጥ ድኣ’ምበር፡ ተግባራቱ ከም ዝምስክሮ  ብኣረኣእይኡን እምነቱን ጌና ካብ ጽልዋን ዓንኬልን ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ኣይወጽኣን ዘሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣግሂዱ ብማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ’የ ዝምራሕ ክብል ሃገራውን ዓለማውን ኩነታት ስለ ዘየፍቅደሉ፡ ንውልቀ-ምልካዊ ስርዓቱ ንምምኽናይ ደፊሩ ክመጻደቐሉ ከም ዘይክእል ብምግንዛብ፡ ተጣቢቡ “ዝተመርሐ ደሞክራሲ” ዝበሃል ሓድሽ ፖለቲካዊ ፍልስፍና ምሂዙ ይሰብከሉን ይጣበቐሉን ኣሎ። ነዚ ሓድሽ ፖለቲካዊ ፍስፍና ህ.ግ.ደ.ፍ “ኢሳያስነት” ኢልና ክንሰምዮ ንኽእል ኢና። ምኽንያቱ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ዘቖሞ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት  ሕጋውነት ንምልባስን ንግብራውነት ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምጽራርን  ዝጥቅወሉ ዘሎ መመሳመሲ ፖለቲካዊ ፍልስፍና ስለ ዝዀነ። ብኣረኣእያ ኢሳያስነት ደሞክራሲ ተሃንዲድካ ዘይኰነ ዘገም ኢልካ ኣብ ነዊሕ መስርሕ ዝትርጐም ዕቱብ ጥንቃቐ ዘድልዮ ረዚን ዕማም ኢዩ። ልዕሊ ዂሉ፡ ምትካል ደሞራሲያዊ ትካላት፣ ምዕንባብ ደሞርክራሲያዊ ባህሊ፣ ብዝያዳ ኸኣ ምድንፋዕ ደሞራሲያዊ ንቕሓት ይሓትት። እዚ ስራሓት’ዚ ብዓወት ንኽሳለጥን ክቃናዕን ዘመናት ዝወስድ ነዊሕ ግዜ የድልዮ። ክንድ ዝዀነ፡ ብመሰረት’ዚ ኢሳያሳዊ ፈሊጥ፡ ክሳብ’ቲ ዘመናት ዝወስድ ባዕላውን ውድዓውን ደሞራሲያዊ ኩነታት ዝበስል፡ እንትርፎ ንውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስን ስርዓቱ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን ኣሜን ኢልካ ምቕባል ካልእ ኣማራጺ ኰነ መዋጽኦ የለን።

እቲ ንውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ዝወለደ ፍልስፍና ኢሳያስነት ካብ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ዝመንጨወ ስለ ዝዀነ፡ ንጸረ-ደሞራሲያዊ ሓድግታቱን በሰላታቱን ብግቡእ ንምግንዛብ  ቀጺልና ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ኣብ ሓሙሽተ ብቐረባ ዝተዛመዱ ኣገደስቲ ደሞክራሲ ጠቀስ ጕዳያት ኣረኣእያኡ ከመይ ከም ዝመስል ክንትንትኖ ኢና። ንሳቶም ድማ፥ (1) ማርክሳዊ ኣረኣእያ ደርብታት፣ (2) ማርክሳዊ ኣረኣእያ ቊጠባ ፣ (3) ማርክሳዊ ኣረኣእያ ሃይማኖት፣ (4) ማርክሳዊ ኣረኣእያ ደሞክራሲ ፣ ከምኡ’ውን (5)  ማርክሳዊ ኣረኣእያ መንግስቲ  ኢዮም። ነዞም ሓሙሽተ ዝተረቚሑ ኣገደስቲ ጕዳያት ሓደብሓደ ድሕሪ ምምልካትና፡  ኣብ መደምደምታ ግንዛበና ብዛዕባ ማርክስነት ዝተማልአ ምእንቲ ክኸውን፡ እተን “ንውጹዓት ደርብታት እንውክል ውፉያት ፖለቲካውያን ሓይልታት ኢና” ዝብላ ዝነበራ (ገሊአን’ውን ገና ዘሎዋን) ማሕበርነታውያን ሰልፍታት፡ ነቲ  ከደናግራን ደገፉ ክረኽባን “ሓፋሽ”  ኢለን ዝሰመያኦ ዝበዝሐ ክፋል ህዝቢ ንምንታይ ወከልቱን ኣድሓንቱን ኰይነን ብምቕራብ ግዝያዊ  ተሰማዕነት  ረኺበን ከም ዘደናገረኦ፡ ከምኡ’ው ንምንታይ ኣብ ኲሉ ብግብሪ  ዝተፈተናሉ ሸነኻት ዓለም  ዓቢ ሕበረተሰባዊ ዕንወት ብምውራድ ከም ዝፈሸላ፡ ንናይ ሃገርና ጭብጥ ተሞኲሮ ፍሉይ ቆላሕታ ብምሃብ ክንምልከቶ ኢና።

ደርባዊ ኣረኣእያ ማርክስነት

ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ብዓቢኡ ኣብቲ ታሪኻዊ ነገርነትን (historical materialism) ስነ-መጎታዊ ነገርነትን (dialectical materialism) ዝተሰምየ ነገራዊ ፍልስፍና ዝተመርኰሰ ኢዩ። ታሪኻዊ ነገርነት፡ “ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ካብ ሓደ ዝተሓተ ዓይነት ማሕበረ-ቊጠባዊ ኣቀዋውማ ናብ ካልእ ካብኡ ዝማዕበለ ዝልወጥ፡ በቲ ኣብ መንጎ  እቶም ተጻራሪ ደርባዊ ረሓታት ዘሎዎም ደርብታት ዝካይድ ደርባዊ ቃልሲ (ማለት ማሕበራዊ ሰውራ)’ዩ ዝብል ክልሰ-ሓሳባዊ እምነት ኣሎዎ። ስነ-መጎታዊ ነገርነት ከኣ እቲ ኣብ መንጎ ተጻረርቲ ደርብታት ዝርከብ ተጻራሪ ናይ ረብሓ ግርጭት፡ ኣብቲ ሓድነት ናይቶም ተጻረርቲ ደርብታት ዝተመርኰሰ ስለ ዝዀነ፡ ተባሊሑ ኣብ ክፍታሕ ዘይክእለሉ ደረጃ ምስ በጽሐ ነቲ ሓድነቶም ብምፍራስ ማሕበራዊ ሰውራ ኣተንሲኡ ነቲ ግዜኡ ኣሕሊፉ ንግስጋሰ ዕንፋት ዝዀነ ዝበለየ ማሕበራዊ ስርዓት ብኻብኡ ዝሓደሰ ንግስጋሰ ዘቐድም ማሕበራዊ ስርዓት ይትከኦ ዝብል ክልሰ-ሓሳባዊ እምነት ኣሎዎ።  ክልቲኡ ዓውድታት ማርክስነት — ታሪኻዊ ነገርነትን ስነ-መጎታዊ ነገርነትን — ኣብቲ “ካብ ሓሳብ ነገር ይቕድም” ዝብል ሕመረታዊ ፍልስፍናዊ ሕቶ ተሰሪቱ ዝተነድቀ ኢዩ። ብመሰረት’ዚ ሕመረታዊ ፍልስፍናዊ ሕቶ’ዚ፡ እቶም ምስ ነገርን ሓሳብን ዝተቓረኑ ወትሩ  ከይተነጻጸሉ ነንሓድሕዶም እናተጸላለዉ ተጻሚዶም ዝጓዓዙ ተምሳላት፡ ማለት ፍልጠትን ተመኲሮን፡ ስምዒትን ክውንነትን፡ ከምኡ’ውን መንፈስን ኣካልን ናይ ገዛእ-ርእሶም ናጻ ህላወ ዘልዎም ኣይኰኑን። እንታይ ድኣ፡ እቲ ቀዳማይ ካብቲ ዳሕረዋይ ዝመንጨወን ንዕኡ ዘንጸባርቕን ብእኡ ዝዕንገልን ኢዩ። ንኣብነት፡ ፍልጠት ካብ ተመኲሮ፣ ስምዒት ካብ ክውንነት፣ ከምኡ’ውን  መንፈስ ካብ ኣካል  ዝነቐለ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ክልቲኦም ተጸላለውቲ ተምሳላት እቲ ወሳኒ ተራ ዘሎዎ እቲ ከም ሰረት ወይ ምንጪ ከይኑ ዘገልግል ምስ ነገር ዝተዛመደ ተምሳል  ማለት — ተመክሮ፣ ክውንነት፣  ወይ ከኣ ኣካል ኢዩ። እቶም ምስ ሓሳብ ዝተዛመዱ ፍልጠትን ስምዒትን መንፈስን ክጭበጡ ዘይከኣሉ ረቀቕቲ ኣምራት’ኳ እንተዀኑ፡ ማርክስነት “ካብ ዘይነገራዊ  መንፈሳዊ ሓይሊ” ( ልዕለ-ተፈጥርኣዊ መለኰት) ዝተፈጥሩ ዘይኰኑ፡ ካብቲ ዘገም እናበለ ድሕሪ ነዊሕ እዋን እናተጠወረ (evolving) ዝማዕበለ ነገር ዝተፈጥሩ ኢዮም” ዝብል እምነት’ዩ ዘሎዎ። በዚ ነገራዊ ኣረኣእያ’ዚ መሰረት፡ ንኣብነቲ እቲ ዝሓስብ ኣእምሮ ዘሎዎ ወድሰብ፡ ካብ ዝተጠወረ  ነገር (evolved matter) ባዕሉ ዝተፈጥረ ድኣ’ምበር፡ ፈጣሪ ብልዕለ-ተፈሮኣዊ ሓይሉ (መለኰት) ዝፈጠሮ ኣይኰነን። ኣብዚ ሃበስ-ቀደስ’ዚ ተመርኲሱ’ዩ ማርክስነት ዝፈላሰፍ። ኣብዚ ብግብሪ ተፈቲኑ ዝፈሸሉ ማርክሳዊ ፍልስፍና ተምርኲሶም ኢዮም ድማ፡ እቶም ከም ህ.ግ.ሓ.ኤን መተካእታኡ ህ.ግ.ደ.ፍን ዝኣመሰሉ ማርክሳውያን ግንባራትን ሰልፍታትን ሕጋውነት ክለብሱ ዝመጣጠሩን ዝራቐቑን ዝነበሩን ገሊኦም እውን ጌና ዘሎውን።

ማርክስነት ኣብዚ ዝተገልጸ ነገራዊ ፍልስፍናኡ ተመርኲሱ፡ ንኹሉ ኣብ ውሽጢ ደርባዊ ሕብረተሰብ ሰፊኑ ዝርከብ ኣረኣእያታት፡ ነቲ ቊጠባዊ ዝምድናታት ናይቶም ተጻረርቲ  ደርብታት ዘንጸባርቕ ስለ ዝዀነ ብባህርዩ ደርባዊ ጠባይ ዝሓዘ’ዩ ብምባል’ዩ ዝገልጾ። ካብዚ እተላዕለ፡ ንዂሉ ኣብ ውሽጢ ሕበርተሰብ ዝርከብ ኣረኣእያታት (ወይ ኣተሓሳባታት) ብጠቕላላ ከም ላዕለዋይ ቅርጺ  ናይቲ ማሕበራዊ ስርዓት ቆጺሩ ልዕለ-ቅርጺ (superstructure) ብዝብል ሓፈሻዊ ስም’ዩ ዝገልጾ። ነቲ ቊጠባዊ ዝምድናታት ከኣ ከም ሰረት (ማለት ምንጪ ናይቲ ኩሉ ዓይነት ደርባዊ ኣረኣእያታት ብምውሳድ ትሕተ-ቅርጺ (infrastructure) ብዝብል ሓፈሻዊ ስም’ዩ ዝገልጾ። በዚ መሰረት’ዚ፡ ልዕለ-ቅርጺ ነቲ ከም ስነ-ሓሳብ፣ ስነ-ጽሑፍ፣ ስነ- ጥበብ፣ ስነ-እምነት (ሃይማኖት) ወዘተ. ዘጠቓልል መንፈሳዊ መዳይ ናይቲ ሕብረተሰብ ዝምልከት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ትሕተ-ቅርጺ ከኣ ነቲ ከም ፋብሪካ፣ ሕርሻ፣ ናውቲ፣መሳለጥያ፣ ህንጻ፣ መጕዓዝያ፣መሺነሪ ወዘተ. ዘጠቓልል ነገራዊ (ንዋታዊ) መዳይ ናይቲ ሕብረተሰብ ዝምልከት ኢዩ። ነዚ ብንጹር ንምብራህ፡ ከም መረዳእታ ንስነ-ጽሑፍ እንተወሲድና፡ ኣብ መስፍናዊ ሕብረተሰብ ዝርከብ ስነ-ጽሑፍ ነቶም መሳፍንቲ (ንጉስን ራእስታቱን መኳንንቱን) ዝውድስን ዝምጕስን ዝንእድን ክኸውን እንከሎ፡ ነቶም ተወፋሮ (ሓረስቶትን ጓሶትን ድኻታትን ) ግን ዘቆናጽብን ዘስተናዕቕን ዘቃልልን ኢዩ።  በዚ ኣረኣእይያዚ መሰረት፡ ደርባዊ ቦታኻን ማሕበራዊ ቀጸላኻን ንደረጃ ናብራኻን እትረኽቦ ክብርን ስለ ዝውስኖ፡ እቶም መሳፍንቲ  ርኹባትን ሓይላትን ስለ ዝዀኑ፡ ይውደሱን ይምጐሱን፤ ብኣንጻሩ፡ እቶም ተወፋሮ ግን ስኡናትን ድኹማትን ስለ ዝዀኑ ይቆናጸቡን ይናዓቑን። እቲ መንግስታዊ ስልጣን ዝሓዘ ገዛኢ ሓይሊ፡ ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ብዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ ብህዝቢ ንውሱን ዓመታት ዝተመርጸ እንተዘይኰይኑ፡ ንመንግስታዊ ስልጣኑን ንደርባዊ ረብሓኡን ማሕበራዊ ክብሩን ንምክልኻልን ንምኽዕባትን ካብ ምጥቃም ድሕር ስለ ዘይብል፡ ብርግጽ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኲነት ደርባዊ ቦታኻን ማሕበራዊ ቀጸላኻን ንደረጃ ናብራኻን ንእትረኽቦ ክብርን ይውስኖ ኢዩ። ይኹን’ምበር፡  ሓቀኛ ደሞክራሲ ኣብ ዝሰፈነሉ ሃዋህው ካብ ደርባውን ማሕበራዊ ፍልልይ ዝመንጨወ በደላትን ወጽዓታትን ብጋህዲ ኣብ ሃገራዊ ቅዋም ተመርኲስካ ንምውጋዱ ዝኣክል ጻዕሪ ስለ ዝግብረሉ፡ ደርባዊ ቦታኻ ኰነ ማሕበራዊ ቀጸላኻ ቀዋሚ ኣብ ርእሲ ዘይምዃኑ፡ ካብ ሕጊ ውጻኢ ዝዀነ ሓለፋን ደረት ዘይብሉ ስልጣንን ኣየጐናጽፈካን ኢዩ። ስለዚ፡ ኣብ  ሓቀኛ ደርሞክራሲ ዝሰፈኖ ሃዋህው፡ ኣድሓርሓሪ ወይ ገስጋሲ፡ ኣዕናዊ ወይ ሃናጺ ሕብረተሰባዊ ተራ ክትጻወት ዘኽእለካ ደርባዊ መበቆልካን ማሕበራዊ ቀጸልኻን ዘይኰነ፡ ግብራዊ ስራሓትካን ህዝባዊ ተቐባልነትካን ኢዩ።

ብመሰረት ማርክሳዊ ኣረኣኣያ፡ ሰብኣዊ ሕበረተሰብ ኣብ ታሪኹ ብሓሙሽተ ማሕበረ-ቊጠባዊ ኣቀዋውማታት’ዩ ሓሊፉ። ንሳቶም ከኣ፥ ፍልመ-ዴስነት፣ ጊልያነት፣መስፍንነት፣ ርእሰማልነት፣ ከምኡ’ውን ማሕበርነት ኢዮም። ካብዚኣቶም እቶም ደርባዊ ናይ ሰብ ብሰብ ምዝመዛ ዝሰፈኖም ሕብረተሰባት፡ ግልያነትን መስፍንነትን ርእሰማልነትን ኢዮም። ሕብረተሰብና ሓውሲ መስፍናውን ሓውሲ ርእሰማላውን ሕብረተሰብ ስለ ዝዀነ፡ መስፍነ-ርእሰማላዊ ሕበረተሰብ ኢዩ።  ኣብ መስፍነ-ርእሰማላዊ  ሃገርና፡ እቲ መስፍናዊ መዳይ ናይ ሕበረተሰብና ብዝያዳ ጐሊሑ ዝርኣ ኣብ ገጠራት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ርእሰማላዊ መዳይ ናይ ሕብረተሰብና ኸኣ ብዝያዳ ጐሊሑ ዝርኣ ኣብ ከተማታት’ዩ ። ብደርባዊ ኣረኣእያ ማርክስነት መሰረት፡ እቶም ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ሕበረተሰብና ዝርከቡ ተጻረርቲ ደርብታት፡ መሳፍንትን ተወፋሮን ብርጅዋታትን ሸቃሎን ኢዮም። ህ.ግ.ሓ.ኤ ነዚ  ኣብ ማርክሳዊ ስነ-ሓስብ ዝተመርኰሰ  ደርባዊ ኣረኣእያኡን ኣተናትናኡን፡ ውልድ ምስ በለ ኣብቲ “ንሕናን ዕላማናን” ዝብል ብኢሳያስ ዝተጻሕፈ ማንፌስቶኡ ብጋህዲ ገልጽዎ ኢዩ። ማንፌስቶ “ንሕናን ዕላማናን”፡ ዕላማ ህ.ግ.ሓ.ኤ  “ንመዝመዝቲ ደርብታት” ብምጥፍእ ማሕበርነታዊ ሕብርተሰብ ምትካል ጥራይ ዘይኰነ፡ ካብኡ ብዘይንጸል ንኽልቲኡ ሃይማኖታት ሃገርና — ክርስትናን እስልምናን — እውን ንምጥፍእ ዘንቀደ ምዃኑ፡ ንልቢ ዘሎዎን ዓይኒ ዘንቊሐን ብዘየማትእ ዝእምት’ዩ። ንሕብረተሰብና ቀሪብና ምስ እንምልከቶ ግን ብንጹር ሕብረተሰብና ኣብዞም ኣርባዕተ ደርብታት ዝተኸፍለ ኣይኰነን።ንኣብነት፡ ኣብ ገጠራት ንኹሉ ዝሕረስ መሬት ዝውንኑ መሳፍንቲ ኰነ ኣብ ትሕቲኦም ብተወፋርነት ተቖጸሮም ዝናበሩ ተወፋሮ የለዉን። ነቲ ኣብ ከበሳ ዘሎ ዋንነት መሬት ምስ እንግንዘቦ፡ ገሊኡ መሬት ዴሳ (ሓማሴንን ኣከለጉዛይን) ገሊኡ ኸኣ መሬት ጽልሚ (ሰራየ) ኢዩ። ኣብ መሬት ዴሳ እቲ መሬት ብመላእ ኣባላት ዓዲ ዝውነን ኰይኑ ንሓደስቲ ተጣያስቲ ንምጽንባርን ንስቡሕን ዘይስቡሕን ንቀረባን ርሑቕን ግራውቲ ብፍትሓዊ ዝዀነ ኣገባብ ንምምሳሕን፡ ኣኣብ ሸውዓተ ዓመት’ዩ ዝማሳሕ።ብተዛማዲ፡ መሬት ጽልሚ ብስድራቤታት ዝውነን መሬት ርስቲ ስለ ዝዀነ፡ በቲ ኣቐዲሙ ተሰሪቱ ዝጸንሐ ኣተዓዳድላ መሰረት’ዩ ካብ ወላዲ ናብ ውሉድ እናተመሓላለፈ ዝውረስ። እቲ ኣብ መታሕት ዝርከብ ህዝቢ እውን እንተዀነ ዳርጋ ኩሉ ብጕስነት ስለ ዝናበር፡ ጥሪቱን ንብረቱን ሒዙ ሳዕሪ ናብ ዝበቖለሉ ስፍራ እናሳበኸን እናሳገመን’ዩ ዝናበር። እቲ ዝውንኖ ጥሪት ኰነ ንብረት ዳርጋ ኩሉ፡ ብብሕቲ ማለት ብስድራቤታት’ዩ ዝውነን። በዚ ምኽይናይት’ዚ፡ ኣብ ገጠራትና እውን ብንጹር ኣብ ክልተ ዝተፍኸሉ ዘይዕረቕ ተጻራሪ ደርባዊ ረብሓ ዘሎዎም ናይ መሳፍንትን ተወፋሮን ደርብታት ስለ ዘየሎዉ፡  ንቍጠባዊን ማሕበራውን ምዕባለ ገጠራትና ዕንቅፋት ዝዀነ ብደርባዊ ቃልሲ ብምክያድ ክውገድ ዘሎዎ ኣሉታዊ ደርባዊ ዝምድና፡ ማለት  ንማሕበራዊ ግስጋሰ ዓንቃጺ ዝዀነ ደርባዊ ምዝመዛ ዳርጋ የለን። ብርግጽ፡ ኣብዝን ኣብትን ከም ምድልዳል መሬት ዝኣመሰለ ምምሕያሽን ምጽጋንን ምምዕርራይን ዘድልዮ ኣሉታዊ ደርባዊ ዝምድናታት ኔሩን ገና እውን ኣሎን። እዚ ኣሉታዊ ደርባዊ ዝምድናታት’ዚ ግን፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዝርከብ ድኽነትን ድንቍርናን ሕማምን የብእሶ ድኣ’ምበር፡ ጠንቁ  ብዙሓት ረቛሒታት ስለ ዝዀኑ፡  ከምቲ ማርክስነት ዝጣበቐሉ ጎነጻዊ ደርባዊ ቃልሲ ብምክያድ ብቛሕ-ሰም ዝፍታሕ ወይ ዝውገድ ቀሊል ዕማም ኣይኰነን።

ንኣሉታዊ ሳዕቤናት ሰንሰለታዊ ባዕዳዊ መንግዛእትን ነቲ ድሕሪ ናጽነት ዝቖመ ውልቀ-ምልካዊ መንግስቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝወሰዶ ጸረ-ደሞክራሲያዊ ስጉምታትን ወተሃደራዊ ዕንደራኡ ዘኸተሎ ሕብረተሰባዊ ጉድኣታትን  ከም ርዱእ ወሲድካ፡ ንጠንቂ ናይቲ ኣብ ሃገርና ዝርከብ ድኽነትን ድንቊርናን ሕማምን ምስ እንድህስሶ፡  ጠንቁ ካብ ሓደ ረቛሒ ጥራይ ማለት  ካብ ዓንቃጺ ደርባዊ ምዝመዛ  ጥራይ ዝመንጨወ ኣይኰነን። እንታይድኣ፡ ጠንቁ ካብቲ ብብዙሕ ማሕበራዊ መርኣያታት ዝግለጽ ሕብረተሰባዊ ድሕረት ዝመንጨወ ኢዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ ንኣብነት ኣብ ገጠራት ብዓቐኑ ዝበዝሐን ብዓይነቱ ዝበለጸን ምህርቲ ንምሕፋስ ዝከኣል ምድልዳል መሬት ብምክያድ ጥራይ ኣይኰነን።  እንታይ ድኣ፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝጸንሐ ድሑር ኣገባብ ማሕረስ ተወጊዱ ብዘመናዊ መካይንን ስነ-ፍልጠታዊ ኣገባብን ብዝተሰነየ ማሕረስ ምስ ዝትካእ ኢዩ። እዚ ኸኣ፡ ብንጹር ጠንቂ ናይቲ ኣብ ገጠራት ዘሎ ማሕበራዊ ሽግራት ኲሉ ካብ ኣሉታዊ ደርባዊ ዝምድናታት ማለት ደርባዊ ምዝመዛ ዝነቐለ ከም ዘይኰነ’ዩ ዘረድእ። ነቲ ኣብ ከተማታት ዝነበረ ደርባዊ ኣቀዋውማ እውን ምስ እንምልከቶ፡ እቲ መብዛሕትኡ ብወጻእተኛታት ዝውነን ዝነበረ ይኹን እቲ ብደቂ ሃገር ዝውነን ዝነበረ ዓበይቲ ፋብሪካታትን ሕርሻታትን ህንጻታትን ኣገልግሎታትን ብመንግስቲ ደርግ ተሃጊሩ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣትዩ ስለ ዝነበረ፡ ብንጹር ኣብ ክልተ ተጻራሪ ደርባዊ ረብሓታት ዝነበሮም ደርብታት ዝተኸፍለ ኣይነበረን። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ ከምቲ ናይ ገጠራት ኣብ ከተማታት እውን ንቍጠባውን ማሕበራውን ምዕባለ ከተማታት ዕንቅፋት ዝዀነ ብጐነጻዊ ደርባዊ ቃልሲ ክውገድ ዘሎዎ ደርቢ ቡርጀዋ ኣይነበረን።

ኲሉ’ቲ ብህ.ግ.ሓ.ኤ ብዛዕባ ደርባዊ ምዝመዛን መዝመዝቲ ደርብታትን ዝቐርብ ዝነበረ ትንተናን ስብከትን፡ ኣብ ጭቡጥ ውድዓዊ ኩነታት ሕበርተሰብና ዘይተመርኰሰን ብሰነ-ፍልጠታዊ ኣገባብ ዘይተጸንዐን፡ ከም ዘሎዎ ካብ ተሞክሮ ካልኦት ማሕበርነታዊ ሰውራ ዘካየዳ ሃገራት፡ ንኣብነት ቺና ይበሃል ኢልካ ብዕሙት ዝተቐድሐ ኢዩ። ነዚ ብጭቡጥ ንምብራህ፡ ንሓደ ደርቡ ምስ ድርቢ ቡርጅዋ ዝተመደበ ኣብ ኣስመራ ዝቕመጥ ዋና ቤት-ዕዮ ዘይቲ፡ ነቲ ኣብ ሳሕል ዝርከብ ሰበኽ -ሳግም ይትረፍ ክምዝምዞ፡ እታ ሳሕል እትበሃል ኣውራጃ ረጊጽዋ ስለ ዘይፈልጥ፡ ኣበየናይ መኣዝን ከም እትርከብ እውን ብርግጽ ኣይፈልጥን ኢዩ። ርእሰማላዊ ጽልዋ ኣብ ሃገርና ኣብ ኣዝየን ውሱናት ከተማታት ዝተሓጽረ ድኣ’ምበር፡ ብዘይ ገለ ተረፍ ንመላእ ሃገርና ዝጸሉ ኣይኰነን። መብዛሕትኡ ኣብ ገጠራት ዝነብር ህዝብና፡ ዝዀነ ዓይነት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከይረኸበ ገና ኣብ ኣዝዩ ከርፋሕን ድሑርን ናብራ’ዩ ዝነበር ዘሎ። ስለዚ፡ ኣብ ገጠራት ኰነ ከተማታት ንቍጠባውን ማሕበራውን ምዕባለ ዕንቅፋት ዝዀነ ብጐነጻዊ ደርባዊ ቃልሲ ክውገዱ ዘሎዎም መዝመዝቲ ደርብታት ኣብ ርእሲ ዘይምህላዎም፡ ብደርቅን ጥምየትን  ዝተናውሐ ደማዊ ኲናትን  ብቐሊሉ ዘይሓዊ ብርሰትን ዕንወትን፡ ኣብ ልዕሊ  ነፍስወከፍ  ኤርትራዊ ዜጋ ደርባዊ መበቆሉ  ብዘየገድስ፡ ብማዕረ ይወርድን  ብማዕረ ይጸልዎን ስለ ዝነበረን ገና’ውን ዘሎን፡  ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ቀዋሚ ደርባዊ ቀጻላ ኣይነበረን፤  ሕጂ’ውን እንተዀነ (ድሕሪ ናጽነት) የለን። ብቐጻሊ ደርቅን ኲናትን ዓመጽን ብልሽውናን  ስደትን ካብ ምዕናውን ምብራስን ኣዕሪፋን ቀሲናን ኣብ ዘይትፈልጥ ሃገር፡ ይትረፍ ዓብላሊ ደርቢ፡ ቀዋሚ ደርቢ ክርከብ እውን ጋዶ ‘ዩ። ንኣብነት፡  ቅድሚ ደርቂ ምምጽኡ ሓደ ሽሕ ጥሪት ብምውናኑ ደርቡ ከም መስፍን ዝተመደበ ሰበኽ ሳግም፡ ድሕሪ ደርቂ ምእታዉ መብዛሕትኣን ጥሪቱ ብምህላቐን ዓሰርተ ጥሪት ሒዙ ምስ ዝተርፍ፡ ኣብ ውሽጢ ዓመት  ደርቡ ካብ ደርቢ መሳፍንቲ ናብ ደርቢ ተወፋሪ’ዩ ዝልወጥ ኔሩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይርጉእ ደርባዊ ኣቀዋውማ ዘለዎሉ ኩነታት፡ እቲ ደርባዊ ምዝመዛ ንምጥፋእ “ደርባዊ ቃልሲ ብምክያድ መሰረታዊ ማሕበራዊ ለውጢ ነምጽእ ኣሎና” እናተባህለ ኣብ ገጠራት ዝሰላሰል ዝነበረ “ደርባዊ ቃልሲ”፡ ኣንጻርቶም ብምግናን ዝተፈጥሩ ዘይነበሩ ናይ ኣውሃም (ግብራዊ ህላወ ዘይብሎም) መዝመዝቲ ደርብታት ኢዩ ዝካየድ ኔሩ።  እቶም ኣብ ገጠራት ኰነ ከተማታት ኔሮም ዝበሃሉ ዝነበሩ መዝመዝቲ ደርብታት፡ ዓቕሞም ይኹን ስልጣኖም፡ ጽልዎኦም ይኹን ተጽዕኖኣም ኣዝዩ ድሩትን ቅዩድን ስለ ዝነበረ፡ ንሕብርተሰባዊ ግስጋሰ ሃገርና ዝዕንቅጹ ኣይነበሩን። ስለዚ ኩሉ’ቲ ኣንጻሮም ዝካየድ ዝነበረ ደርባዊ ቃልሲ ዝተጋነነ ድራማ ‘ዩ ኔሩ።

ኣብ ታሪኽ ሃገርና ንመጀምታ ግዜ  ንመላእ ሃገርና ዝቆጻጸርን ዝጥሕርን ዝድህክን መዝማዝን ኣዕናውን ዓማጽን ገዛኢ ደርቢ ዝተወልደ፡ ድሕሪ ናጽነት ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኢዩ። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ “ንሓፋሽ ህዝቢ” ዝውክል መንግስቲ’የ እናበለ መንነቱን ባህርዩን ክሓብእ ይመድርን ይሸፍጥን ድኣ’ምበር፡ ድሕሪ ናጽነት ንመብጾዓታት ሰውራ ኣዕቢሩን ንሕድሪ ሰማእታት ጠሊሙን መንግስታዊ ስልጣን ብዓመጽ ጎቢጡ፡ ንቊጠባ ሃገር ብምግባት ንማዕድናዊ ሃብቲ ሃገር ዝጕሕጕሕን ንጕልበት መንእሰያትን ዝምዝምዝን ንእትዋት ሃገር ዝሰርቕን ንብረት ህዝብና ዝዘምትንን ዘሎ ጨቋኒ ገዛኢ ደርቢ ኢዩ። እዚ ጨቋኒ ገዛኢ ደርብ’ዚ፡ ንሃገርና ከም ብሕታዊ ርስቱ፡ ንህዝብና ከም ባርይኡ፡ ንመንስያትንና ድማ ከም ጥሪቱ ብምቚጻር፡ ብኣረመናዊ ጭካነ ዘበሳብስን ዘሳቕን ዘስድድን ዝሸይጥን ዘሎ ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ እንተዘይከፊኡን ሓሲሙን ዘይሓምቕን ዘይሰንፍን ንምዕባለን ግስጋሰን ድሕነትን ህላወን ሃገርና ህዝብናን መንሽሮ ዝዀነ ስርዓት ኢዩ። ካብ መንግስታዊ ስልጣን ካብ ስሩ ከይተማሕወ፡ ኣብ ሃገርና ዝዀነ ዓይነት ንህዝብናን ሃገርናን ዝጠቅም ማሕበራዊ ለውጢ ክመጽእ ኰነ ራህዋን ብልጽግናን ፍትሕን ማዕርነትን ሰላምን ቅሳነትን ክሰፍን ማለት ዘይሕሰብ ኢዩ። እቲ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ወግሐ-ጸብሐ ዓሚመዮ እናበለ ዝጀሃረሉ ዘሎ ቊጠባዊ ስራሓት፡ ብናጻ ጕልበት መንእሰያትናን ህዝብናን ይዕመም ኣብ ርእሲ ምህላዉ፡  ንመግስታዊ  ውጥናት ትካላቱ ንምሳጥ ዝፍጽሞ ዘሎ ድኣ’ምበር ንመነባብሮ ህዝቢ ንምምሕይሽን ንሃገር ንምህናጽ ተሓልዩ ዝዕመም ዘሎ ኣይኰነን። እቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ  ክብል “ዘጓንፈና ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ተጻብኦታት ብዘይገድስ፡ ኣብ ኲሉ ቊጠባዊ ጽላታት ርኡይ ምዕባለታት ነምጽእ ኣሎና” እናበለ ዝግዕሮ ዘሎ እውን እንተዀነ፡  መብዛሕትኡ ዝተጋነነን ሓቅነት ዘይብሉን ኢዩ። ኣብ ክውንነት፡  ስርዓት ህ.ግ.ደፍ  ንህዝብና ዋላ ኣብታ  ውቅብቲ ርእሲ ከተማና ኣስመራ ከይተረፈ መባእታዊ ናይ ካህረባን (ኤለትሪክን) ማይን መግብን ቀረባት ቀቕርብ ዘይከኣለ፡ ብጭቡጥ ምምሕዳራዊ ብቕዓትን ክእለትን ከም ዘይውንን ዘመስከረ፡ ዝፈሸለን ዝጠፈሸን ዝመሽመሸን ስርዓት ኢዩ። ሃለዋቱ ልክዕ ከም ውሽጡ ዝቦኽቦኸ ጓንጓ’ዩ ዘሎ።  ክንድ ዝዀነ፡ ክወድቕ ናዕ ዘብሎ  ግብራዊ ስጕምቲ ዝወስድ ተቓዋሚ ግንባር ወይ ሰልፊ እንተ ረኺቡ፡  ሃደሽ ክብል ኣብ ቀረባ ኢዩ።

ኣብ ዝስዕብ መቐጸልታ ናይዚ ዓንቀጽ’ዚ፡ ነቲ ማርክስነት ኣብ ቍጠባን ሃይማኖትን ደሞክራሲን መንትግስትን ዘሎዎ ኣረኣእያ ሓደብሓደ ብምትንታን ውሽጥ ኢልና ዛንጠ-ማዓንጥኡ ብምትታዕ ክንድስሶ ኢና። ሰናይ ምክትታል።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
35 COMMENTS
  • Truly truly i say to you July 26, 2013

    No question NHE writings is very impressive and attractive. I all time enjoying riding, despite i know his motives. Because in my behavior even my own enemy when comes with very intelligent tactic i give him recognition and respect but that doesn´t mean i will late to compromise with the facts or stand point i believe or when i see my nation dignity, independence, interest or existence etc, by someone systematically when viotes or abuses.
    Well NHE because talking like Ertrawi he might has reason for his frustration like anyone of us because of Isayas evil did. but my question is why is he dares to tell us as we have fake identity or fake nation all time? In most of his writing NHE told us only because Isayas abusing power and surprising our people by denying all basic rights he is insisting us for better solution to reunite with Ethiopia , because we nothing good profit from Independence and Isayas ruling he means. Ofcourse directly didn´t say that, but all his motive is directs to that point. The second which is unacceptable from his preaching is many times he dares telling us, as if Eritrea was which ignited the Badmewar. But PM Meles self clearly told the reason for the war as was not a border issue, but it was Currency exchange disagreement and others economical and political issues were. In this regard for me Ethiopia was the aggressor which ignited the war, But Isayas like always from inside despite continuing systematically sabotaging to reverse the Eritrean independence , But by brave Eritrean army and good generals was leading the war and the whole people of Eritrea both inside and diaspora was backing our army, two times we punished and gave good lesson to the Ethiopian aggression. With that gained victory like the independence time who not happy person was only Isayas. But after 2 years Woyane good preparation, because was supporting by powerful nations, those brave generals who understood the danger despite they insist in peaceful means to face it, but isayas to revenge Eritreans and to fulfill his hidden mission, of course this time he was deliberately ignited the war by rejecting the US peace plan.

  • Truly truly i say to you July 26, 2013

    part 2
    So NHE since this was the fact but if you continue blaming Eritrea as aggressor in the name of as if you offending Isayas this doesn´t makes you Ertrawi because you are compromising with our nation interest. Moreover because isayas abused power to tell us to hate our Ertrawinet and to reunite with Ethiopia. This is for me a big insult! Please where on earth have been seen because somebody deliberately perversely abused nation for his hidden agenda when that victimized nation asks for unity with its abusers? Unity will never come with perversive way, but i am sure unity only comes through love understanding and when consciousness and economy growth by both sides will only.
    By the way the only person who mostly satisfying me in his argument whom i love and respect his intelligence and fight is by Brother Dawit Mekonnen. Because he realized who our nation real enemies are. I can´t understand the Woyane enmity against Eritrea, however i admire their genius administration and what they achieved to build Ethiopia. And in this regard i wish them everything good. However, i don´t like to glorifying them like NHE did, because sheltered our refuges or late to some to study in their universities. This is politic not humanity, but i rather ask them to go out from our occupied territory first. Good thing will be good if the motive is based on good will and mutual understanding is only. Not in one side while you humiliating and sabotaging nation and people.
    NHE i may have no talent to speak or write like you, but i assured you as i have no less intelligence as you have. Thanks my Lord and God Jesus Christ who giving me wisdom and revelation.

  • Truly Truly i say to you July 27, 2013

    No question NEW HOPE ERITREA (NHE) writings talent is simply phenomenal!very impressive and attractive. I all time enjoying riding, despite i know his hidden motives. Because in my behavior even my own enemy when comes with very intelligent way or tactic i somehow give regard and recognition to a person, but that doesn´t mean i will compromise with the facts or stand point i believe, or i late anyone with out contradiction when i see my nation dignity, independence, interest or existence etc, by someone systematically sees abused or violets.
    Well NHE because talking like Ertrawi he might has reason for his frustration like anyone of us because of Isayas evil did. But my question, why is he dares to tell us as we have fake identity or fake nation all time if he is Ertrawi? In most of his writing NHE only because Isayas abusing power and suppressing our people perversely by denying all basic rights, what he telling us for our solution, if you want to be free from all these abasement is to reunite with Ethiopia, because he meant we had better life during H/ Selasie and Derg time than Isayas era, the current you formed independent state and new identity is fake. You are Ethiopian like the rest of Ethiopian provinces is waht telling us. Of course not direct, but all his speeches directs to that point.

  • Truly Truly i say to you July 27, 2013

    The second blasphemy from NHE preaching, many times he dares also telling us, as if Eritrea was which ignited the Badme war. But PM Meles self clearly stated the reason for the war as was not a border issue, but it was Currency exchange disagreement and others economical and political reasons were. But we know the Amharas specially because they couldn´t swallow the Eritrean independence and Woyane´s leadershipment because they blaming and pressuring was Woyanes, by the situation inforced Woyane just to please Amhara and to get recognition from them was the war ignited by Ethiopian side. Isayas in his side like always from inside, despite continuing systematically sabotaging to reverse the Eritrean independence , but by brave Eritrean army and good generals was leading and resisting the war and the whole people of Eritrea both inside and diaspora was backing our army, two times we humiliated, punished and gave good lesson to the Ethiopian aggression. With that gained victory like the independence time who not pleased person was only Isayas. But after 2 years Woyane good preparation, because was supporting by powerful nations, those brave generals who understood the danger despite they insist Isayas in peaceful means to face it, by rejected their proposal just to to revenge and Exterminate Eritreans and to fulfill his hidden mission, of course this time i wouldn´t say Eritrea but of course Isayas was deliberately who ignited the war by stubborning the US peace plan.

  • Kabbire July 27, 2013

    ከም ዝመስለኒ ትርጉም፤

    ኣዝማድ ስግር ሩባ መረብ፣
    ሪሒቖም ያኢ፣
    ባሕሪ ሰጊርካ፣
    ኣዝማድ ክተናዲ፣
    ቀለብ ውሒጣ ዓሳ፣
    ኴንካ ክትነዲ።

    ብቐንዱ እቲ ናይ መንነት ቅልውላው ድሕሪ ስዕረት ፋሽሽታዊት ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ይጅምር። ኣብዚ ድማ ንሕና መን ኢና ፧ ቋንቋታትና ታሪኽና ልምድና ስርዓትና እንታይ እዩ ዝብል ሕቶታት ተበጊሱ። ነዚ ንምምላስ ኣብ ዝተገብረ ግብግብን ጥምጥምን፣ ምትእትታው ጎረባብትን ተበለጽትን ብዕድመ ሕልና ዕሩብ ሓይሊ ጀሚሩ። ገድሊ ወይ ሰውራ ዝበሃል ሓድሽ ሓሳብ ተበጊሱ። ኣብ ዓረባዊት ካይሮ ግብጺ ተጠኒሱ፤ ኣብ ሱዳን ሓድሽ ዓረባዊ ስም ተጠሚቝ፤ ንገለ ደቂ ገርሂ ልባ ኣሸፊቱ። ብድሕሪዚ እተን ውድባት ከም ኣኽላብን ኣዝብእን እንዳተማናጨታ ካብ ሓራካ ናብ ህግደፍ ስጋብ እዚ ዘመነ ምፍንጫል ፓልቶክ ተበጺሑ።

    ነዚ ብዕምቆት ንምንባብ ምቅንጃው ገድሊ ናይ ኣቶ ዮሴፍ ገብረሂወት ገለ መእተዊ ሓሳብ ንምርካብ ነዛ ፈትሊ ሰዓብ፤

    You can send this article to friends in Eritrea as an e-mail attachment:

    http://dissidentdiaries.files.wordpress.com/2013/06/romanticizing_ghedli.pdf

  • Kalighe July 28, 2013

    “ገድሊ ወይ ሰውራ ቀንዲ መርዛም ሕማም ናይ ኤርትራ እዩ።”

    Kabbire

    This guy says he has a problem with ‘Gedli’. He must be another agame like YG.

    • Kabbire July 28, 2013

      Is it the so called “Agame” burning Eritrean languages to promote his own slave language or is it the come John lately, Arab wanabe from Tigray-Shire or the Jebeli who arrived on port Massawa to work as Cooly or is it the Arab slave who was bought off in Cairo and Baghdad?
      I will be a proud “Agame” because I have never seen an Agame burning a Tigrait language nor have I seen a Turkish or Iranian burning his language except an Arab slave in Eritrea.

  • Kalighe July 29, 2013

    If Eritrea is isolated from it’s neighbors because of some rootless and parochial elements in the regime (people like you) you have nothing to lose. In any case, as a “proud Agame”, it’s in your interest to wipe us from the map. You make a lot abusive remarks about people who stood for Eritrean identity and it’s freedom, again for the same old reason (because you are unhappy being called Eritrean like your teacher YG). You dare even to insult those who paid their young lives for freedom of their beloved people and land, you call them bandits (that is why you thing ‘Ghedli’ should be condemned). When you were enjoying beer and big burger, our young people were in trenches, to bring freedom to their people. You are good only at insulting Arabs and Lowlanders, that is the only mission you have in life. I feel pity for you and your master YG.