Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንሕና ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንመልእኽቲ ስንኩላን ብጾት ደገፍና ንገልጽ!

ንሕና ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር፣ ነቲ ብሓርበኛታት ስንኩላን ተጋደልቲ ዝተዘርግሐ፣ ሕልና ዝቕስቅስ ነቐፌታ ሓዘል ረዚን መልእኽቲ፣ ታሪኻውን እዋናውን ምዃኑ ከም እንኣምንን ከም እንድግፍን ዝገልጽ መልእኽትና ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ነመሓላልፍን

ንሕና ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር፣ ነቲ ብሓርበኛታት ስንኩላን ተጋደልቲ ዝተዘርግሐ፣ ሕልና ዝቕስቅስ ነቐፌታ ሓዘል ረዚን መልእኽቲ፣ ታሪኻውን እዋናውን ምዃኑ ከም እንኣምንን ከም እንድግፍን ዝገልጽ መልእኽትና ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ነመሓላልፍን ንድሕነት ሃገርና ክንለዓል ቃል ንኣቱን ኣለና። እዚ እዋን እዚ ሓፋሽ ህዝብና ብድኽነትን ባርነትን ተዋሪዱ፣ ብኩነታት ሃገሩ ተስፋ ቆሪጹ፣ ክትኣምኖ ብዘጸግም ቁጽሪ ሃገሩ ገዲፉ ክበታተን ዝረአየሉ ዘሎ እዋን ጥራይ ዘይኮነ፣ ብኣስገዳድ ጠበንጃ ዓጢቑ በቲ ንህልቂቱ ዝዋደድ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ኩናት ተሰናቢዱ ዘለወሉ እዋን’ውን ኢዩ። ኣብ’ዚ ህዝብና ዝጸንተሉ ዘሎ፣ ሃገርና ኤርትራ ናብ ምብዳም ገጻ ተማዕድወሉ ዘላ ጸልማት ወቕቲ፣ ስንኩላን ብጾትና ሕድሪ እቶም ገዲፍናዮም ዝኣተና ሰማእታት ቀስቂስዎም፣ ነዚ እዋናዊ መልእኽቲ ምዝርግሖም፣ ነቲ ኣብ ውሽጥና ክጓሃሃር ዝጸንሐ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ደራኺ ናህሪ ወሲኾምሉን ንዘልኣለም ተዘኪሩ ዝነብር ታሪኽ መቐይሮ ክፍጽሙ በቒዖምን ከም ዘለው ምግላጽ ኣገዳሲ ኮይኑ ረኺብናዮ ኣለና።

ዝበዛሕና ብኩነታት ሃገርና ንሓምምን ንጭነቕን ተጋደልቲ፣ እናረኣናን እናሰማዕናን እዛ ዓዲ ትጠፍእ ኣላ፣ ህዝብና ይጸንት ኣሎ፣ ነዛ ሃገር እንታይ እንተ ገበርና ኢና ከነድሕናን ክንክሕሳን ንኽእል፣ እናበልና ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ምስ ነብስናን ምስ ብጾትናን ክንዝትን፣ ክንመያየጥን ዓመታት ኣሕሊፍና ኢና። ኣብ’ዛ ሃገር ሓደ መሰረታዊ ለውጢ ክመጽእ ግድን ከም ዘለዎ ሓያለ ተጋደልቲ ኣሚንናሉስ ንለውጢ ክንበጋገስ ጸኒሕና ኣለና።ኣብ’ዚ ኩሉ ወትሃደራዊ ቁጽሪ ዝሓዘ ዜጋ ናብ ቦበትኡ ንኽኸይድ ዝጽወዓሉን ዘይቁርዑይ ንፋስ ዝነፍሰሉን ዘሎ ፍሉይ መድረኽ፣ ለውጢ ብኹሉ ተጋደላይን ህዝብን ይጥለብ ከም ዘሎ ንዕዘቦ ኣለና። መን’ዩ ለውጢ ከምጽእ ዝግብኦ? ካብ ምንታይ ጀሚርካ’ዩ ለውጢ ክመጽእ ዘለዎ? ብኸመይ’ዩ ለውጢ ክመጽእ ዝኽእል? ዝብላ መሰረታውያን ሕቶታት ዳርጋ ንኹሉ ሕልና ዘለዎ ተጋዳላይ ከጨንቕኦን ሰላም ከሊኤን ከናውጽኦን ዝጸንሓ ሕቶታት ኢየን።

እዞም ነዚ ጹሑፍ ንዝርግሕ ዘለና ተጋደልቲ፣ ኣብቲ ስጋኻ መናጪቱ ኣዕጽምትኻ ዘዳቕቕ ሓርበኛታት ስንኩላን ብጾትና ዘመሓላለፍዎ ረዚን መልእኽቲ መልሲ ሕቶታትና ክንረክብ በቒዕና ኣለና። ኣብ’ቲ ንገዛእ ርእሶም ግዳያት ክሕደትና ክንሶም ናትና ገበን ተሰኪሞም፣ ንዘይበደልዎ በደል ምእንቲ ድሕነት ሃገርናን ህዝብናን ክብሉ ብትብዓት ይቕረታ ዝሓተትሉ መግለጺ፣ ‘ኣብ’ቲ ከም እዋን ሻዱሻይ ወራር፣ ሕጅ’ውን ምእንቲ ሓርነት ህዝብና ዝተረፈ ኣካላትና ከነወፊ ድልዋት ኣለና፣ ሕጅ’ውን ብድሆ ንብል ኣለና’ ኢሎም ዘመሓላለፍዎ ወንኻ ዘበራብር መጸዋዕታ፣ እቲ ሃሰው ንብሎ ዝነበረና መልሲ ኣብኡ ረኺብናዮ ኣለና። እቲ ዝረኸብናዮ መልሲ ንኹሉ ኤርትራዊ ብፍላይ ከኣ ንኹሉ ተጋዳላይ ብሩህ ኮይኑ፣ ንለውጢ ምእንቲ ከንቀሳቕሶ ነዚ ጽሑፍ ክንዝርግሕ ተቐሲብና ንርከብ ኣለና።

እተን መሰረታውያን ሕቶታት ምስ መልሰን ከምዚ ዝስዕብ ጌርና ነቕርበን። መን’ዩ ለውጢ ከምጽእ ዝግብኦ? ንዝብል ሕቶ፣ ለውጢ ብውሽጢ ሃገር ክመጽእ እንተ ኽኢሉ ነባርን ውሑስን ፍታሕ ከምጽእ ከም ዝኽእል ኩሉ ዝኣምነሉ ኢዩ። እንተኾነ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብዘይካና ብዘይካ ተጋደልቲ፣ ሓደ ውዱብን ጥርኑፍን ሓይሊ ከም ዝህልው ስለ ዘይተገብረ፣ ናይ ለውጢ መራሕቲ ኮይንና ለውጢ ከነምጽእ ዝግበኣና ንሕና ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር   ምኻንና ክርድኣና ክኢሉ ኣሎ። ካብ ምንታይ ጀሚርካ’ዩ ለውጢ ክመጽእ ዘለዎ? ንዝብል ሕቶ ከኣ፣ ሓደ ሰብ ለውጢ ከምጽእ እንተ ኾይኑ፣ እቲ ለውጢ ካብ ገዛእ ርእሱ ክጅምሮ ከም ዘለዎ ንኹሉ ብሩህ’ዩ። ንሕና ተጋደልቲ ምእንቲ ንለውጢ ብቑዓት ክንከውን፣ ፈለማ ንነብስና ከም ተቓለስቲ ክንፈልጣ፣ ዕላማታት ቃልስና ኣብ ምዕራፉ ምእንቲ ከነብጽሕ ብዋጋ መስዋእትና ዝተሰከምናዮ ሃገርዊ ሓላፍነት ክንጸውር፣ ቃልሲ ገና ከም ዘይተዛዘመን ከም ዘይዛዘምን ክንኣምንን ናይ ቃልሲ መንፈስና ከነበራብርን ከም ዘለና ክበርሃልና ክኢሉ ኣሎ። ብኸመይ’ዩ ለውጢ ክመጽእ ዝኽእል? ንዝብል ሕቶ’ውን፣ ነዚ ዕላማታት ገድልና ከዲዑ፣ ኤርትራን ህዝባን ከጽንት ዝሕልን ዘሎ ውልቀ-ሰብ፣ ብዘይውዓል ሕደር ካብ ስልጣኑ ኣውሪድካ ናብ ፍርዲ ከም ዝቐርብ ምግባርን፣ ኣብ ልዕልና ሕጊ ዝኣምን ቅዋማዊ ስርዓት ንኽትከል ባይታ ምንጻፍን ምኻኑ ንኹልና ግሉጽ ኮይኑልና ኣሎ።

እብ’ቲ ስንኩላን ብጾትና ኣቕሪቦሞ ዘለው ትንታነታት ተሞርኪስና፣ ናይ’ቲ ኣብ ድሕሪ ናጽነት ክንቃለሶ ዝነበረና ቃልሲ ንሓርነት ቀንዲ ጠንቂ ውድቀትና እንታይ ምዃኑ ክንምርምር ፈቲንና ኔርና ኢና። እቲ ውድቀት ንሕና ተጋደልቲ ንዕላማታት ገድልና ኣብ ምዕራፉ ምእንቲ ከነብጽሕ ብዋጋ መስዋእትና ዝተሰከምናዮ ሃገራዊ ሓላፍነት ስለ ዘውርድና፣ ሃገራዊ ጥልመት ስለ ዝፈጸምና፣ ቃልሲ ገና ከም ዘይተዛዘመን ከም ዘይዛዘምን ኩሉ ግዜ’ውን ቀጻሊ ምኻኑ ስለ ዝረሳዕና፣ ናይ ቃልሲ መንፈስና ስለ ዘዳኸምና፣ ተቓለስቲ ምኻንና ስለ ዝዘንጋዕናን ዘጋጠመ ምኻኑ ጎሊሑ ተራእዩና። ኩሉ’ቲ ኣብ አእዋኑ ንሕና ተጋደልቲ ጉድለትና ክንሽፍን ነቕርቦ ምኽንያታትን ትንታነታትን ሳዕቤን ንኻልእ ከምኡ ሳዕቤን ተተኪኡ ዝመጽእ ናይ ሳዕቤን ሳዕቤን ምኻኑ ኣሚንናሉ። ናጽነት ምስ ተረኽበት ቃልሲ ዝወዳእና መሲሉና፣ ኢሳያስ ናጽነትና ጨውዩ ናይ ውልቁ ጌርዋ፣ ጠሊሙና፣ ድልየትን ክውንነትን በበይኑ ኮይኑና፣… እዚኦምን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ምስምሳት ሓደ ናይ ቃልሲ መንፍስ ዓጢቑ ኣብ መትከሉ ጸኒዑ ዝቃለስ ተቓላሳይ ከቕርቦ ዝግብኦ ምስምሳት ኣይነበረን። ተቓላሳይ ንኹሉ ከጋጥሞ ዝኽእል ማሕለኻታት ሰጊሩ፣ ኣብ መትከሉ ጸኒዑ ዕላምኡ ክወቅዕ ጥራይ’ዩ ዝግብኦ ኔሩ።

ከም’ቲ ኣብ መልእኽቲ ስንኩላን ብጾት ዝተገልጸ፣ ዕላማታት ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ንኹሉ ተጋዳላይ ንጹር ኮይኑ፣ ክልተ ዘይነጻጸሉ ደረጃታት ኔሮሞ’ዮም። እቲ ቀዳማይ ድረጃ ቃልሲ ንናጽነት ሃገር’ዩ። እዚ ማለት ዘድሊ መስዋእቲ ከፊልካ ህዝብን መሬትን ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ከም ዝወጽእ ብምግባርን፣ ብረፈረንደም ልዕላውነታ ዘረጋገጸት ሃገር ምውናንን፣ እቲ ካልኣይ ደረጃ ከኣ ቃልሲ ንሓርነት ክኸውን ከሎ፣ እዚ ማለት ብደሞክራስያዊ መገዲ፣ ብቕዋም ዝምእዘዝ፣ ኣብ ልዕልና ሕጊ ዝኣምን፣ ህዝባዊ ቅዋማዊ መንግስቲ ምቛም ኢዩ። ሃገራዊ ሓላፍነት ዝተሰከምና ነዞም ክልተ ዘይነጻጸሉ ደረጃታት እዚኦም ሓዲኦም ብዘይሓዲኦም ትርጉም ከም ዘይብሉ ተረዲእና፣ ንኽልቲኦም ዕላማታት ኣብ ምዕራፎም ንምብጻሕ’ዩ ኔሩ። ተቓለስቲ ዝኾንና ሓርነት ህዝቢ ብዘይናጽነት ሃገር ዘይሕለም ምዃኑ፣ ናጽነት ሃገር’ውን ብዘይሓርነት ህዝቢ ናጽነት ክብሃል ከም ዘይከኣል ተሰዊጡና፣ ምእንቲ ናጽነትን ሓርነትን ክንስዋእ ስለ ዝተወፈና ኢና። ናጽነት ሃገር ኣረጋጊጽና ከነብቅዕ፣ ህዝቢ ኤርትራ ሓርነቱ ክረከብ፣ ኣብ ልዕልና ሕጊ ዝኣምን ህዝባዊ ቅዋማዊ መንግስቲ ክንተክል ዘይተባዕና ንምንታይ ኢና? ንዝብል ሕቶ መልሱ፣ ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ፣ ንሕና ተጋደልቲ ካብ ሃገራዊ ሓላፍነትና ሃዲምና ሃገራዊ ጥልመት ስለ ዝፈጸምና፣ ናይ ምቅላስ መንፈስና ስለ ዘዕነናን ሃገርና ሓደ ውልቀ-ሰብ ድላዩ ክገብራ ስለ ዝፈቐድናን ኢዩ።

ትማሊ ኣብ’ቲ ሃገራዊ ሓላፍነት ተሰኪምና ንቃለሰሉ ዝነበርና እዋን፣ ውሽጥና ናብ ደርጃ እቲ ዝተሰከምናዮ ሓላፍነት ዓብዮ፣ መንፈስና ከኣ ነቲ ዝተሰከምናዮ ሓላፍነት ክውን ክገብር ዝኽእል ሃገራዊ ሓይሊ ክውንን ክኢሉ ኔሩ’ዩ። ሳላ’ቲ  ዝለበስናዮ ናይ ተቓላሳይ መንፈስ ከም ሰብና ድኹማት ፍጥረት ክንስና፣ ልዕለ ሰብኣውያን ፍጡራት ሓያላት፣ ተጻወርቲ፣ ተባዓት፣ ተበላሓትትን በላሕትን ኮይንና ተኣምር ክንሰርሕ ክኢልና ኔርና ኢና። ሳላ’ቲ ዝተሰከምናዮ ሃገራዊ ሓላፍነት ዝለበስናዮ መንፈስ ቃልስን፣ ኣብ ፈታኒ ኩነታት ከይተዳህሉ ገጥ ዝብሉ፣ ዕላምኦም ኣንጺሮም ዘለልዩ፣ ጽንኩር መድረኻት ክስዕሩ ዝበቕዑ፣ ተባዓትን ቆራጻትን ተቓለስቲ ክንከውን ክኢልና ኔርና ኢና።

ሽዕኡ ነቲ ዝነበርናዮ መድረኽ ሰጊርና ንወሎዶታት ዝጥምት ኣዕይንቲ፣ ንሕሉፍ ንህሉዊን መጻእን ብግቡእ ዝመዝን ሃገራዊ ንቕሓትን ብስለትን ክንውንን በቒዕና ኔርና። ጠመተና ርሒቡ ስለ ዝነበረ፣ ብዛዕባ ሃገራዊ ሓድነትን ክብርታትን ክንሓስብ እንበር ንደቅቕቲ ፈላላይ ባእታታት ዕድል ክንህብ፣ እቲ ዝተሰከምንዮ ሃገራዊ ሓላፍነት ይፈቕደልና ኣይነበረን። ሳላ’ቲ ዝዓጠቕናዮ መንፈስ ተቓላሳይ ብፍቕሪ ዕላምኦም ዝቃጸሉ፣ ህርፋን ስልጣንን ንብሰ-ፍትወትን ዘይትንክፎም፣ ብስጋዊ ባህግታትን ብግዝያዊ ረብሓታትን ብልጭልጭን ዘይታለሉ፣ ንታሪኽ ዝነብሩ ረዘንቲ ሰባት ክንከውን በቒዕና ኔርና ኢና። ሳላ ዓጢቕናዮ ዝነብረና መንፈስ ቓልሲ፣ ብውሑድ ቁጽርን ቑንጣሮ ዓቕምን ብዘይዝኾነ ይኹን ደገፍ ነቲ ብርእሰ ሓያላን መንግስታት ዝሕገዝ ዝነበረ ገዚፍ ሰራዊት ስርዓታት ኢትዮጵያ ክንስዕር ክኢልና ኢና። ኣብ’ዚ ሕጅ እዋን ኮይንና ነቲ ከመይ ኢልና ተጻዊርናዮ፣ ካበይ ዝመጸ ሓይሊ ኢዩ ብጥሙይ ከብድናን ዕሩቕ ዝባናን ከምዚ ዓይነት ንዓለም ዘስደመመ ታርኽ ዝሰራሕና፣ እናበልና ብምግራም ንሓቶ ሕቶ፣ መልሱ ስላ እቲ ዕላማና ንኸነዕውት ዝለበስናዮ ወንን መንፈስን ተቓላሳይን ዝተሰከምናዮ ሃገራዊ ሓላፍነትን ዘዕጠቐና ሓይልን ጽንዓትን ኢዩ ኔሩ። ካልእ ምስጢር ኣይነበሮን።

ከም’ቲ ንሕና ተጋደልቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ዝነብርናዮ፣ ተቓላሳይ ንኽትከውን ዘለኻዮ ግዜን ቦታን፣ ዕድመን ጾታን፣ ብሄርን ሃይማኖትን ኣይዕንቅፈካን’ዩ። ዝኾነ ዜጋ ኣብ ዝኾነ መድረኽ ሃገራዊ ሓላፍነት ክስከምን ተቓላሳይ ክኸውንን ምሉእ ብቕዓት ኣለዎ። ሓደ ናይ ተቓላሳይ መንፈስ ዝወነነ ሰብ ክሳብ ብህይወት ዘሎ ኣብ ዝሃለወ ሃልዩ ምእንቲ ህዝቡን ሃገሩን ግብራዊ ቃልሲ ክቃለስ ድልውን ብቑዕን ይኸውን። ሓያል መንፈስ ስለ ዝውንን ንዕኡ ኩሉ ነገር ቀሊል ይኾነሉ። ንኹሉ ናይ ቃልሲ ማሕለኻታት፣ ድኻም፣ ጽምኢ፣ ጥምየት፣ ዕርቃን፣ ምረት ናብራ፣ መውጋእቲ፣ ስንክልና፣ ክሳብ ናይ ህይወት መስዋእቲ ምኽፋል ከም ቀሊል ይሓስቦ።  ተቓላሳይ ዝኾነ ሰብ ኣብ ዕላምኡ ከይበጸሐ ንድሕሪት ኣይምለስን። ብእንተታትን ጥርጣረታትን ጃጅዩ ካብ ዕላማኡ ኣየድሓርሕርን። ዓቕሙን ድሩትነቱን ኣይክልክልዎን።ንዕላምኡ ብልቡ እንበር ብየዕይንቱ ጠሚቱ ኣይዳኸምን። ኣይከኣልን’ዩ ዝብል ስንፍና ስለ ዘይዕንቅፎ ዝኸፈለ ከፊሉ ክዕወት ምኻኑ ይኣምን። ንስግኡ ገሪዑ ግዝእቲ ናይ መንፈሱን ዕላምኡን ክገብራ ሓይሊ ይውንን። ኩሉ ሰብ ማዕረ ምኻኑ ኣሚኑ ንዕላምኡን ንሕግን እንበር ንውልቀ-ሰብ ኣይግዛእን። ብመጥን’ቲ ዝተሰከሞ ሃገራዊ ሓላፍነት ኣብ ነብሱ ብርቱዕ  እምነትን ስለ ዘሕድር ተጻብኦ ይሓይል፣ መሬት ትናወጽ፣ ማሕለኻታት ይጠናነግ ካብ ጉዕዞኡ ሰገጥ ኣይብልን። ንኹሉ ዕንቅፋት ዓይነቱ ከይገደሶ ክጥሕስ ብርእሰ ተኣማማንነት ይምርሽ። ከም’ቲ ወርቂ ብሓዊ ተፈቲኑ ዝጸሪ ተጻብኦ ምስ ዝብርትዕ መሊሱ ይትርንዕን ይጸንዕን። ጉድለታቱ ኣለልዩ ቃልሱ የሐይል። ብዓወታት ኣይዕፍትውን ኣይዝቕብብን’ውን። ዋላ ኣብ’ቲ ናይ ውልቁ ህይወት’ውን ጻዕራም፣ ዕውት፣ ሕጉስን መኽበሪ ግዜኡን ዕላምኡን ይኸውን።

ንሕና ተጋደልቲ ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚርና፣ ዝተቓለስናሉ ዕላማ ረሲዕና፣ ሃገራዊ ሓላፍነትና ደርቢና፣ ናይ ተቓላሳይ መንፈስና ኣዕኒና ኣብ ምስምሳት ሸንኮለል ክንብል ኢና ጸኒሕና። ብሰንክ’ዚ ባህርናን ኩሉ ኩነታቱናን ክቕየር ግድን ኮይኑ። መንፈስና ድኹም፣ ዓቕምና ድሩት፣ ሓይልና’ውን ከም ናይ ተራ ውልቀ-ሰብ ውሱን ክኸውን ክኢሉ። ሃገራዊ ሓላፍነትና ምስ ኣውረድና ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ንሓስብ ብኣውራጃ ሃይማኖት ዓሌትን ብሄርን ከንጽሎ ጀሚርና። ካብኡ ሓሊፍና’ውን ኣብ ጽንኩር ኩነታት ብቐሊሉ ንሰናበድ፣ ዕላማ ዘይብልና ወይ ዕላማና ኣነጺርና ዘይነለሊ፣ ሓቦን ኒሕን ዝተጸንቀቐና፣ ንለውጢ ክንጻወር ዘይንኽእል፣ ሓደ ውልቀ-ሰብ ኣፍሪሑን ኣጃጅዩን ዝደሃለና፣ ንሕሉፍን ህሉዊን መጻእን ብግቡእ ክንመዝን ዘጸግመና፣ ንቕሓትናን ብስለትናን ትሑት ኮይንና ተሪፍና ኣለና። ብሰንኪ ናይ ተቓላሳይ መንፈስና ምዕናዉ፣ ንዝነብረናሉ ግዜ ሓሊፋ ንወሎዶታት ዘማዕዱ ዝነበረ ጠመተና፣ ነታ ዘለናላ መዓልቲ’ውን ብግቡእ ክግምግም ዓቕሚ ከም ዝስእን ኮይኑ። ዝገደደ ከኣ ብህርፋን ስልጣን ዝዓፍተና፣ ብነብሰ-ፍትወት ዝቦኽቦኽና፣ ብሓላፊ ስጋዊ ድሌታትን ብግዝያዊ ብልጭልጭን ዝተገዛእና፣ ንታሪኽ ዘይንበቅዕን ርዝነት ዝጎደለናን ሰባት ክንከውን በቒዕና ኢና። ድሕሪ ናጽነት ተቓለስቲ ኮይንና ክንቅጽል ዘይምፍታንና ልዕሊ ኩሉ ንነብስና ኢና በዲልና። ኣብ’ቲ ክንከብረሉን ከነዕርፈሉን ዝግባእ ዕደመ እርጋንና ጠበንጃ ተዓጢቕና ሓለዋ ንሓድርን ንከላበትን ኣለና። ነቲ ኩሉ ዝጸዓርናዮ ኮንቱ ኮይኑ። ንክብርና፣ ንስምና፣ ንታሪኽና፣ ንቅሳነት ሕልናና፣ ንኹሉ ስኢንና ካብ ኩሉ ባዶ ተሪፍና።

ዘይከም’ዚ ዝጸናሕናዮ ኣብ’ቲ ሃገራዊ ሓላፍነት ተሰኪምና ተቓለስቲ ዝነብርናሉ መድርኽ ብፍቕሪ ህዝብና ንነድድ ምእንቲ ህዝብና ህይወትና ንመውጋእትን ንመስዋእትን ኣሕሊፍና ከነወፊ ነንብስና ከም ዕድለኛ ንሓስብ ተቓለስቲ ኢና ኔርና። ሽዕኡ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ነቲ ኣብ ልብና ዝዕኾኸ ፍቕሪ ህዝብና ብዘቑጸልጽሉ ቓላት ወይ ብመቀናጀዊ ብሂላት ዘይኮነ ብዋጋ ህይወትና ኢና ነረጋግጾ ኔርና። ኣብ ጉዕዞ ገድልና ናይ ብዙሓት ብጾትና መስዋእቲ ንርኢ ኔርና ኢና። መስዋእቲ ብጾትና የሐብነናን የሐርነናን ከምኦም በጃ ህዝብና ክንሓልፍ ቅዱስ ቅንኢ የሕድረልና ደኣ እንበር ከም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ግፍዒ ብጓሂ መንፈስና ሰይሩ ብሓዘን ርእስና ከም ነድንን ይገብረና ኣይነበረን። ህዝቢ ብሳንጃ ተሓሪዱ፣ ኣዴታትን ህጻናትን ብታንኪ ተረጊጾም፣ ዓድታት ብሓዊ ተሃሚኸን ዝብል ብወረ ክንሰምዕ ወይ ተፈጺሙ ክጸንሓና ከሎ፣ ነቲ በጅኡ ክንስዋኣሉ ዝወጻእና ህዝቢ፣ ኣብ’ታ ብጸላኢ ዝቕዘፈላ ዝነበረ እዋን፣ ከነድሕኖ ዘይምኽኣልና ነብስና ክሳብ ንጸልእ ንጉሂ ነንሓድሕድና ክንጸናናዕ ክሳብ ንጽገም ብሓዘን ንልሎ ኔርና። ህዝቢ ዑና፣ በስጊድራ፣ ኣቑርደትን ሕርጊጎን ክሃልቕ፣ ህዝቢ ሽዕብ ብታንክታት ክጭፍለቕ፣ ዓድታት ከበሳ ኤርትራ ብሓዊ ክህሞኻን ህዝበን ክሕረድን፣ መንእሰያት ኣስመራ ብስልኪ ክሕነቑን ሬሳታቶም ኣብ ጎደናታት ክስጣሕን፣ ናቕፋን ባጽዕን ካልኦት ከተማታትን ቁሸታትን ኤርትራ ብደብዳብ ነፈርቲ ክዓንዋ፣ እዚ ኩሉ ግፍዕታት ክፍጸም ከሎ እኽለ-ማይ ብጎሮሮና ምሕላፍ ክሳብ ዝስእን ብጓሂ ንሕመስን ንንድርን ኔርና።

ሕጂ ኣብ’ዚ ሃገራዊ ሓላፍነትና ደርቢና ናይ ተቓላሳይ መንፈስና ኣዕኒና ዘለናሉ እዋን ግን፣ ክብረት ነብስና ስለ ዘጥፋእና ክብረት ህዝብና ክርድኣና ኣይከኣለን። ህዝብና ኣብ ገዛእ መሬቱ ብድኽነትን ባርነትን ተዋሪዱ። ኣብያተ ማእሰርቲ ካብ ጎደናታትን ተጨውዮም ደሃዮም ብዘጥፍኡ ንጹሃት ዜጋታትና ኣዕለቕሊቐን። ኤርትራዊ ዘፍቅራ ዓዱ ገዲፉ እግሩ ናብ ዝመርሖ ተሰዲዱን ተበታተኑን። ዓለም በቶም ኣብ ምድረበዳ ሳህራን ልብያን ዝሃልቁ ዜጋታትና፣ በቶም ካብ ማዓሙቅ ብሕሪ ተዘፊፎም ዝወጹ ዘለው ህጻናትና፣ በቶም ኣብ ፈቐዶ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ተገፊዖም ዝርከቡ ዘለው ሬሳታት ኣዋልድን ኣወዳትን መንእሰያትና እናስከሕክሐት፣ ንሕና እቶም በድኒ ተቐይርና ዘለን ክብረትና ክብረት ኤርትራውያን ዝረሳዕና ተጋደልቲ ግን ከም ዘይምልከተና ኣጽቂጥና ነሕልፎ ኣለና። ናይ ቃልሲ መንፈሱ ዘሐደሰ ሃገራዊ ሓላፍነቱ ዝተሰከመ ተቓላሳይ ኮንካ፣ ነዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዜጋታትና ዝወርድ ዘሎ መወዳእታ ዘይብሉ ብርሰት ክትዕዘብ እንከለኻ፣ ቐሊል መፍትሒ እናሃለዎ ብሰንኪ ናትካ ስንፍና ይፍጸም ከም ዘሎ ስለ ዝስወጠካ ንኽትጻወሮ ዓቕሚ ክሳብ ትስእን’ዩ ዘጉህየካ።

ኣብ’ቲ ናይ ተቓላሳይ መንፈስ ዝዓጠቕና ተቓለስቲ ዝነበርናሉ እዋን፣ ምእንቲ መቓልስትና በጃ ክንሓልፍ ድሕር ዘይንብል፣ ኣብ’ቲ ዝጸንከረን ዝመረረን ኩንታት ከይተረፈ ሬሳ ስውኣት ብጾትና ኣብ ኢድ ጸላኢ ንኸይወድቕ መስዋእቲ ንኸፍል መኽበርቲ ብጾትና ኢና ኔርና። ኣብ’ቲ ድቕድቕ ጸልማት ዘጎልቦቦ መረርቲ እዋናት ንብጾትና ዘይጠለምና ተቓለስቲ፣ ጸሓይ ናጽነት ምስ ኣብረቕና ግን ሃገራዊ ሓላፍነትና ረጥሪጥና ናይ ተቓላሳይ መንፈስና ስለ ዘዕነና፣ እቲ ኩቱር ምትሕልላይ፣ ብደም ዝተጠምረ ብጻይነትን መግለጺ ኣልቦ ፍቕሪ ሓድሕድን ጸሓይ ከም ዝውቕዖ ኣውሊ ሃፊፉ ከም ዝተርፍ ጌርናዮ። ነቶም ኣብ ውዑይን ኣብ ዝሑልን ኩነታት ምሳና ዝምርሹን ዝጎዩን ዝነበሩ ኣካላቶም ከፊሎም ዝሰንከሉ ብጾትና ድራር ጥይትና ንኽኾኑ ፈሪድናዮም። ነቶም ምእንቲ መሰልና ደው ዝበሉን ዝተጣበቑን መቓልስትና ምእንታና እናተገፍዑን እናተኣስሩን ኣብ ነብሰይ ኣይትምጽኣኒ ኢልና ከነጽቅጥ ተራኢና።

ከም’ቲ ስንኩላን ብጾት ዝገለጽዎ፣ ብሰንኪ ዕላማ ቃልስና ከይወቓዕና ሃገራዊ ሓላፍነትና ምውራድናን ናይ ተቓላሳይ መንፈስና ምዕናውናን፣ ፍርሕን ምጅጃውን ምስኡ ዝተሓሓዝ ባህርያትን ብመሰረቱ ባህሪ ኤርትራውያን ዘይክንሰን ባህርና ባህሪ ተጋደልቲ ጌርናየን ጸኒሕና ኢና። እንበር ኣብ ዘበነ ገድልና ደኣ ተጋዳላይ፣ ንትብዓት ብትብዓት የወዳድር፣ ንቖራጽነት ብቖራጽነት ይመዝን፣ ንቕያ ብቕያ ይረትዕ፣ ንጅግንነት ሓለፋ እንድዩ ዝደልየሉ ኔሩ። ሽዕኡ ንተጋዳላይ ፍርህን ምጅጃውን ካብ ርሑቕ ብጽንጽንታ ዝሰምዐን ኣመና ዘስደምምኦ ባህርያት ፍሉያት ሰባት ኢየን ኔረን። ‘እገሌ ብጻይና ደኣ ኣብ ከምዚኣ ኩነታት ፈሪሑ እንበር ኢሎሞ፣’ ዝብል ዕላል እንተ ሰሚዑ ተገሪሙ፣ ‘እንታይ’ዩ ፍርሒ ኢልካ ዘረባ’ኸ ተጋዳላይ’ዶ ይፈርሕ’ዩ’ ይብል ኔሩ። ፈርሒ ኣብ ኩሉ ሰብ ዝርአ ባህሪ ዘይኮነ ንገለ ኤርትራዊ ደም ዘይብሎም ሰባት ዘጓንፎም ጸገም ጌሩ’ዩ ዝወስዶ ኔሩ። ሰማይ ሓዊ እናተፈአት፣ መሬት መጋርያ እቶን ተቐይራ ከላ፣ ተጋዳላይ ንቕድሚት ናብ’ቲ ሞት መመሪጹ ዕሸላት ዝምንዝዓሉ መካነ መስዋእቲ ተወርዊሩ ይድቕደቕ እንበር፣ ፍርሒ ኣጃጂዎ ሰገጥ ኣይብልን። ከም ገለ ኩነታት ገዲድዎ ኣብ ኢድ ጸላኢ ወዲቑ እንተ ተማሪኹ፣ ክሩንኩሪት ተኣሲሩ ኣፈሙዝ ጠበንጃ ኣብ ግንባሩ ተተኺሉሉ ከሎ፣ ብኩቱር ትብዓት ነቶም ዝማረኽዎ ይጸርፍን ምራቑ እናተፈአ የስተናዕቕን እንበር ጃጂዩ መሽከንከን ዝብል ተጋዳላይ ኣብ ታሪኽ ተሰሚዑ ኣይፈልጥን።

እዚ ቆራጽነትን ትብዓትን እዚ ኣብ’ቲ ምእንቲ ናጽነት ሃገሩን ሓርነት ህዝቡን ኣብ ጎድኒ ፍትሓዊ ቃልሲ ውጹዓት ዝተሰለፈ ተጋዳላይ ጥራይ ዘይኮነ፣ ዋላ’ውን እብ’ቲ ምስ ጸላኢ ወጊኑ ዝዋጋእ ዝነበረ ኤርትራዊ ዝርአ ባህሪ’ዩ ኔሩ። ምስ ጸላኢ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ግጥማት እቶም ዓሳክር ጸላኢ ኤርትራውያን ወይ ከኣ ኤርትራዊ ዝመርሖም ወተሃደራት እንተ ኾይኖም እቲ ውግእ ፈታንን ሓያልን ይኸውን ከም ዝነበረ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ኣብ ኩናት ካብ ወትሃደራት ጸላኢ ዘጋጥመና ዝነበረ ተጻብኦ፣ እቲ ኣዝዩ ዝሓየለን ፍሉይን እቲ ካብ ኮማንድስን ፖሊስ ደቂ ሃገርን፣ ካብ ቀኝን ምልሻ ስርናይን ዘጓንፈና ዝነበረ መኸተ ምንባሩ ኣይንዝንግዖን ኢና።

ኣብ’ቲ ሃገራዊ ሓላፍነት ጼርና ንጓዓዘሉ ዝነበረ ጉዕዞ ገድሊ፣ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዝፍጸም ነገር ከም ብሌን ዓይንና ንከታተሎ፣ በብውልቅና ዕላማታት ቃልስና ከነረድእ ንዘይነቕሑ ከነንቅሕ ከይትሓለልና ንጽዕር፣ ግብርናን ኣፍናን ኣስሚርና ምእንቲ ቃልሲ ንናጽነት ንጉስጉስ፣ ገድልና ንኽዕወት ልዕሊ ዓቕምና ንሃልኽ ኔርና። ድሕሪ ናጽነት ግን ብዛዕባ እቲ ተሪፉና ዘሎ ዕማም ምህናጽ ኣብ ልዕልና ሕጊ ዝኣምን ቅዋማዊ ስርዓት ክንዲ ንሰርሕን ንጉስጉስን ካብ እዋናዊ ሕቶ ቃልሲ ንሓርነት ሃዲምና፣ ሃገራዊ ሓላፍነትና ደርቢና፣ ኣብ እንታይ ገደሰኒ ተዓቑብና፣ ዕላማታት ቃልስና ከነዕኑ ጸኒሕና ኢና። ከም’ቲ ስንኩላን ብጾት ዝገለጽዎ እቲ ብኣና ብተጋደልቲ ዝተፈጸመ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ገበን፣ ነቲ ካብ ወለዶታት እናተሰጋገረ ዝመጸ መንፈስ ቃልስን ቃልሲ ንሓርነትን፣ ናብ ድሕረና ዘለው ወለዶ ከነሰጋግሮ ብዘይምጽዓርናን መስርዕ ጉዕዞ ቃልሲ ምብታኽናን ኢዩ። ብሰንኪ እዚ ጥልመት እዚ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን በጅኣ ዝተኸፍሉ ሰምእታትን፣ ኣብ ልዕሊ እቶም ተቓለስቲ ክኾኑ ዝግብኦም ወለዶን ከቢድ ገበን ፈጺምና ኢና።

ሓደ ዜጋ ጅግንነት ክስርሕን ብትብዓት ክቃለስን ብጽንዓት ክጻወርን ሓይሊ ዝረክብ፣ ዕላማ ምስ ዝህልዎ ጥራይ’ዩ ስለ ዝኾነ፣ ነዚ ዕላማ ገድልና ዘየውረስናዮ ወለዶ ከም’ቲ ዝግብኦ ኣብ ኣብ ዕላምኡ ጸኒዑ፣ ተቢዑ ምእንቲ መሰሉን መሰል ህዝቡን ክቃለስ ክንጽበዮ ኣይግባእን። እዚ ወለዶ እዚ ብቑዕ ሃገራዊ ዕላማ ዘይብሉ ወለዶ ክኸውን ፈሪድናዮ ኢና። ሕማም ደሓር ናይ’ቲ ንሕና ኣብ ልዕልኡ ዘውረድናዮ በደል፣ ኣብ’ቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኮንካ ክገበር ዝፍተን ዘሎ ቃልሲ ንድሕነት ሃገር፣ ከም ኤርትራውያን ተቓለስቲ መጠን ሃገራዊ ሓላፍነት ተሰኪሞም፣ ውሁዳትን ንቑሓትን ኮይኖም ቀዳምነታቶም ኣለልዮም ብሓድነት ተጸዋዊሮምን ተወፍዮምን ክቃለሱ ኣይረኣዩን። ምስ እኹል ዓቕምኻን ብቕዓትካን ከለኻ፣ ሓላፍነት ህዝብኻ ተሰኪምካ፣ ንነብስኻ ከም መሪሕ ተቓላሳይ ሓሲብካ፣ ጸገምካን ጸገም ህዝብኻን ባዕልኻ ክንዲ ትፈትሕ፣ ካብ ቀንዲ ሕቶኻን ሕቶ ህዝብኻ ብመንፈስ ሃዲምካ ወይ ብኣካል ተሰዲድካ ጥኒን ክትብል ምንባርን ጸገመይ ዘይፈትሑለይ ኢልካ ንኻልኦት ክትውንጅል ምፍታንን ኣብ ብዙሓት ዝርአ ባህሪ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ከኣ ካባና ካብ ኣያታቶም ዝወረስዎ ናይ ድሕሪ ናጽነት ውርሻ ኢዩ። እቲ ካብ ጉዕዞ ገድልና ዝወረሶዎ ጅግንነት ደኣ ኣብ’ቲ ብዶብ ተሳቢቡ ዝተወልዐ ኩናት ሰልስተ ዓመታት ብግብሪ ከመስክርዎ ርኢና እንዲና። እቲ ዝገርም ዋላ ነቲ ቃልሲ ዝበሃል ኣምር ከይተረፈ ብተመኩሮ ተቓለስቲ ኤርትራውያን ግብእ ትርጉሙን ሚዛኑን ክህብዎ ኣይረኣዩን። ሓደ ተቓላሳይ ወለዶ ካብኡ ንላዕሊ ተቓላሳይ ወለዶ ከፍሪ እንተ ዘይክኢሉ እቲ በደል ናቱ ስለ ዝኸውን፣ ሕጂ’ውን እቲ በደል ናቶም ዘይኮነ ናትና ናይ’ቶም ኣብነት ክንኮኖምን ተቓለስቲ ክንቅይሮምን ዝግበኣና ናይ ተቓላሳይ መንፈስና ኣዕኒና ሃገራዊ ሓላፍነትና ዝደርበና ተጋደልቲ ኢዩ።

ከም’ቲ ኣብ መልእኽቲ ስንኩላን ብጾትና፣ ብፍርሂ በድቢዱ ዝደንዘዘ ሕልናና ቀቢርና ኤርትራ ንመንእሰያት ደቃ ገሃነም ከም ትኸውን ጌርና ኣባዲምናያ ኢሎም ዝገለጽዎ፣ ኣብ ልዕሊ እዚ ወናኒ ናጽነቱ ክኸውን ዝግብኦ ወለዶ ዝፈጸምናዮ ገበን ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። እቲ   ኤርትራውያን ዜጋታትና ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ጉዕዞ ስደትን ዝረኽብዎ ዘለው ኣደራዕ ብስንክና ዝወረዶም ምኻኑ ኣይንስሕቶን። ንሕና ተጋደልቲ ናይ ምቅላስ መንፈስና ዓቂብና ሃገራዊ ሓላፍነትና እንተ ንስከምን ኣብ ዕላማና እንተ ንጸንዕን፣ ንኹልና ዋሕስ ክኸውን ዝግብኦ ብድምጺ ህዝቢ ዝመራሕ ኣብ ልዕልና ሕጊ ዝኣምን ብሃገራዊ ቅዋም ዝመሓደር ህዝባዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ምተኸልና ደኣ እንበር፣ ብውልቀ ድልየት ግለ-ሰብ ዝናወጽ መንግስቲ ረኪዕና ክንሳቐ ኣይምነበርናን። እቲ ንህዝብናን ሃገርናን ኣብ ታኼላ ዝሸመመ ምስ ኢትዮጵያ ዘጓነፈና ናይ ዶብ ኩናት’ውን ኣይመጋጠመናን። ምናልባት ከም ገለ እንተ ዘጋጥም’ውን ብውሕሉል ኣገባብ ሃገራዊ ረብሓና ብዝሕሉ መገዲ ምተፈትሐ። ውጽኢቱ ከኣ ከም’ዚ ኣይምኾነን። ንመትከላት ቃልስና ቐዳምነት እንተ ንህብ፣ ህዝብና ብድኽነትን ባርነትን ኣይምተዋረደን፣ መንእሰያትና ናብ ስደት ኣይምተበታተኑን፣ መጻወቲ ደላሎ ኣይምኾኑን፣ ኣብ ሳህራን ሲናይን ኣይምጸነቱን፣ ድራር ዓሳ ማእከላይ ባሕሪ ክኾኑ ኣይምተፈርዱን። ክብረት ኤርትራዊ ዜግነት’ውን ከም’ዚ ኢሉ ባይታ ኣይምዘበጠን። ተጋደልቲ ኮይንና ሃገራዊ ሓላፍነት ስለ ዘይተሰከምና፣ ሓላፍነት ደቅናን ነብስናን ክንስከም’ውን ብቑዓት ክንከውን ኣይከኣልናን። ብሰንኩ ከኣ ደቅናን ደቂ ስውኣት ብጾትናን ቀንዲ ግዳይ እዚ ህልቂት ኮይኖም ኣለዉ።

ንሕና ነዚ መልእኽቲ ንልእኽ ዘለና ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፣ ተቓለስቲ ምኻንና ንነብስና ኣእሚንና ዳግም ናይ ቃልሲ መንፈስና ነሐድስ ዘለና ተጋደልቲ ኢና። ተቓላሳይ ንዕላምኡ ኣጉሊሑ ንጸላኢኡ ከኣ ኣመና ኣቆናጺቡን ኣድቂቑን ዘርኢ ሓይሊ’ዩ ዝውንን። ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና ንዓሳክር ጸላኢ ኣነኣኢስናን ኣቆናጺብናን ጾትኦም ቀይርናን ክንጽውዖም ከለና ልዕልና፣ ጸብለልትነትን ንዕቐትን ዝስመዓና ዝነበረ፣ ኣብ’ዚ ተቓለስቲ ኮይንና ንልእኮ ዘለና መልእኽቲ፣ ነቲ ሃገርና ዘጥፍእ ዘሎ ብኹሉ ነገሩ ንንዕቆን ንጽየፎን ስራሕ ሰብኡትን ጀጋኑን ዘይምልከቶ ጸላኢናን ጸላኢ ህዝብናን በቲ ዝግባእ ኣጸዋውዓ፣ ነታ ትምልከቶ ጥብቆ ስም ኣሰኒና ክንጽውዕ ግቡእ ኮይኑ ረኺብናዮ ኣለና።

ከም’ዚ ደጋጊምና ንገልጾ ዘለና ሃገር ናጻ ምስ ኮነት፣ ንሕና ተጋደልቲ ዕላማና ገድልና ከይዛዘምና ናይ ምግዳል መንፈስና ኣዕኒና፣ ሃገራዊ ሓላፍነትና ኣውሪድና ተራ ሰባት ክንከውን  ኢና ፈቲንና። ኢሳያስ ከኣ ነዚ ኩነታት መዝሚዛ በይና ሃገራዊ ሓላፍነት ዝተሰከመት ተቓላሳይ ኮይና ክትረአ ጀሚራ። ኣብ ጉዕዞ ገድልና ከም ንዝክሮ፣ ኢሳያስ ከም ወኻርያ ትሕሱን ትፈሱን ተላኽዕን ትተናኾልን እንበር ታሪኽ ጅግንነት ክትሰርሕ ርኢናያ ኣይንፈልጥን። ከም’ቲ ስንኩላን ብጾትና ዝገለጽዎ፣ ኢሳያስ ታሪኽ ሽርሕን ተንኮልን ታሪኽ ምትላልን ምድንጋርን እንበር ታሪኽ ጅግንነት ዝብሃል የብላን። ኣብ መስርሕ ብረታዊ ቃልስና ኩሉ ተጋዳላይ ሃገራዊ ሓላፍነት ተሰኪሙ ናይ ተቓላሳይ መንፈስ ወኒኑ ይቃለስ ስለ ዝነበረ፣ ንገዛእ ርእሱን ንውድቡን ክመርሕ ዘኽእሎ ብቕዓት ኣጥርዩ ኔሩ’ዩ። ሰውራና ብንጹር ፖለቲካዊ ዕላማታት ቃልሲ ከም ዝምርሽ ዝገበሩ፣ ንሓፋሽ ህዝብና ኣብ መሳርዕ ሰውራ ንኽስለፍ ዘላዓዓሉን ዝወደቡን፣ ነቒሖም ዘንቁሑ፣ ካብ መሃይም ዓዃይ ናብ ብሱል ካድር ዝቕይሩ፣ ምኩራት ናይ ፖለቲካ መምሃራን፣ ሰብ በላሕቲ ኣእምሮ ተቓለስቲ ፈርዮምልና ኔሮም ኢዮም። ኣብ ወተሃደራዊ ኩነታት፣ ተዋጊኦም ዘዋግኡ፣ ንውግእ ከም ጻዕዳ ኢዶም ዝፈልጥዋ፣ ፈጠርትን ሃንደስትን ቅዲ-ኩናት፣ ክኢላታት ጥበብ ውግእ፣ ምስጥር ጸልኢ ዝቐላልዑ መርመርቲ ስልያ፣ ምዑታት መምሃራን ትብዓትን ቆራጽነትን፣ ውፉያት ለገስቲ ብጻይነትን ሓልዮትን፣ ዝኾኑ ተቓለስቲ ብጾት’ውን ኔሮምና ኢዮም። ንተጋዳላይ ብፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ቃልሲ ከም ዝነቅሕ፣ ኣብ ወትሃደራዊ ኩነታት ተሳሒሉ ከም ዝበልሕ ዝገበሩ፣ በዛ ወኻርያ ኢሳያስ ቅድሚ ናጽነት ብቓጻ ድሕሪ ናጽነት ከኣ ኣብ ማሕዩር ከም ዝቕዘፉ ኮይኖም ኢዮም። ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኢሳያስ ብምትንዃል ዝዓናቐፈቶ እንበር፣ ንሳ ዝፈጠረቶ ወይ ዝመርሓቶ ንቓልሲ ዘርብሕ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ይኹን ወተሃደራዊ ኩነታት ፍጹም የለን። ኢሳያስ ዝመረሐቶ ውግእ ኣይረኣናን። ንሳ ዘንቅሓቶ ተጋዳላይ’ውን የለን። ታሪኽ ቃልሲ እዛ ወኻርያ፣ እታ ጀጋኑ ብገርሆም ከለው ዝሓዘታ ስልጣን ንኽትሕሉ፣ ንጽህንኦም መዝሚዛ ጽልኢ እናሳወረት ነንሓድሕዶም ከም ዝብኣሱን ከም ዝናቖቱ ምግባር’ዩ ኔሩ።

ቃልስና ኢሳያስ ዝመርሐቶ ቃልሲ እንተ ዝነብር፣ ከም’ቲ ብውልቀ ውሳኔኣ ካብ 1998 ክሳዕ 2000 ዓ.ም ዝተኻየደ ህላወ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውደቐ ኩናት፣ ከምኡ’ውን ከም’ዚ ካብ 2001 ዓ.ም. ክሳዕ ሕጂ ብሃሳሰ ለባም ንጓዕዞ ዘለና ዘስካሕክሕ ናይ ጥፍኣትን ህልቂትን ምብትታንን ጉዕዞ ምኾነ ኔሩ። ኢሳያስ ናይቶም ኣብ አእዋኑ ብስውር ዝቐንጸለቶም ምዑታት ተቓለስቲ ስም እናቐጠፈት፣ ብድሕሪ ኩሉ ዝፍጸም ዓወታት ንሳ ከም ዘላ ከተምስል ብባዶ ሰለስተ ስማ እናዕበየት፣ ተመጻዲቓ ታሪኽ እናተለቅሐት፣ ወኻርያ ክንሳ ፋረ ኣንበሳ ሰሪቓ ኣንበሳ መሲላ ክትረአ ትጽዕር ወሽላኽ ምኻና ንዝበዛሕና ተጋደልቲ ዋግዋጎ ኣይኮነን። ሰራሕቲ ቅያን ተኣምራትን ብረታዊ ገድልና እንበኣር ውፉይ ተጋዳላይን ምዑታት መራሕቱን ሓፋሽ ህዝብናን ደኣ እንበር እዛ ወኻርያ ኣይኮነትን።

ሳላ ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ዝሰርሕዎ ታሪኽ፣ ከም ኢሳያስ ብህዝቡ ተቐባልነት ዝረኸበን ድላዩ ክገብር ዕድል ዝተዋህቦን መራሒ ኣይነበረን። ህዝቢ ከም መድሓኒኡን መውጽኢ ሓርነቱን እናኣመነላ፣ ነቲ ዝረኸበቶ ዕድል ተጠቂማ ንዝፈጸመቶ ገበን ኣንጺሃ፣ ንመዋእል ስማ ዘጸውዕ ታሪኽ ክንዲ ትሰርሕ፣ እቲ ወኻርያዊ ባህርያታ ስለ ዘየፍቅደላ፣ ነቲ ኩሉ ዝተዋህባ ዕድል ነጺጋ፣ ታሪኽ ደቂ ህዝቢ ከተዕኑን ህዝቢ ናብ ጥፍኣት ገጹ ከም ዘምርሕ ክትገብርን ትጽዕር ኣላ። ንሓደ ጅግና ህዝቢ ሓደ ወሽላኽን ኣምሰሉን መራሒ’ዩ ንግዚኡ ዝጻወተሉ። ኢሳያስ ከኣ ካብ ቅድሚ ናጽነት ጀሚራ ክሳዕ ሕጂ፣ ነቲ ንጹህ እምነት ኤርትራዊ መዝሚዛ፣ ኣብ’ቲ ኣብ ናጽነት ሃገሩን ስውኣቱን ዘለዎ ክብረት ተኸዊላ፣ ተጋዳላይ ምስ ህዝቢ፣ ተጋዳላይ ምስ ተጋዳላይ፣ ተጋዳላይ ምስ ዋርሳይ፣ ህዝቢ ምስ ህዝብን ምስ ጎረባብቱን፣ ኣውራጃ ምስ ኣውራጃ፣ ብሄር ምስ ብሄር፣ ሓንቲ ሃይማኖት ምስ ገዛእ ርእሳን ምስ ካልእ ሃይማኖትን እናናቖተትን እናበኣሰትን ኢያ ዕድመ ስልጣና ከተናውሕ ጸኒሓ።

ኢሳያስ ነቲ ኣእላፋት ምሩጻት ብጾትና ዝተሰውእሉ መትከላት ውድብ ከዲዓ፣ ቁጠባ ውድብ ዘሚታ፣ ንውድብ ህዝባዊ ግንባር ናይ ውልቃ ትካል እናገበረቶ፣ ሓደ ተቓላሳይ ስለ ዘይነበረና ብጩቕ ዝብል ሰብ ክርከብ ኣይተኻእለን። እስከ ንነብስና ንሕተት፣ ኣየናይ ተጋዳላይ ኢዩ ዕላማ ህዝባዊ ግንባር መኣስ ከም ዝትግበርን ውድባዊ ጉባኤ መኣስ ከም ዝካየድን ክግምት ዝፍትን? ቁጠባ ውድብ ክንደይ ከም ዝበጽሕ ዝፈልጥ’ከ ኣለና ድዩ? መጻኢ ዕድል ውድብ ህዝባዊ ግንባር ይኹን ህዝቢ ኤርትራ ክንበ ዝፍትን እኳ ዘይብልና? ኢሳያስ ንኹሉ ከም ድሌታ’ያ ትጻወተሉ ዘላ። እዚ ኸኣ ንሳ ስለ ዝበርተዐትን ስለ ዝሓየለትን ዘይኮነ ንሕና እቶም ሃገራዊ ሓላፍነት ክንስከም ዝግበኣና ተጋደልቲ ስለ ዝሰነፍናን ስለ ዝሓመቕናን ዝፍጸም ዘሎ ጉዳይ ኢዩ። ንምኻኑ ህዝብናን ነብስናን ብድኽነትን ድሕረት ንሳቐየሉ፣ ዜጋታትና ብዘይፍትሒ ኣብ ማእሰርቲ ዝበልዩሉን ዝቕዘፍሉን፣ ስድራ-ቤታት ግዳይ ስደትን ምብትታን ዝኾናሉ፣ መንእሰያት ፈቐድኡ ዘሃልቅሉ፣ ሃገርና ትዓንወሉን ትባድመሉ ዘላ፣ ንምንታይ ምኽንያት’ዩ ኢልና’ዶ ንሓስብ? እዚ ኹሉ ንኸፍሎ ዘለና ዋጋ፣ ዕድመ ስልጣን ኢሳያስ ንኽናዋሕ፣ እዛ ወኻርያ ኣብ ስልጣን ንኽትጸንሕ ተባሂሉ’ዩ፣ ካልእ ምኽንያት እኮ የብሉን። ስልጣን ውልቀ-ሰብ ምእንቲ ክሕሎ ሃገር ብምልእታ ከነጥፍእ ከላስ እንታይ ክብሃል ይከኣል?

ከምቲ ስንኩላን ብጾትና ዝገለጽዎ ኤርትራ ብኣና ብተጋደልቲ ትምራሕ ስለዘላ፣ ናይ’ዚ ኩሉ ወዲቓቶ ዘላ ውድቀት ተሐተቲ ንሕና ኢና። ከነልምዓን ከነጥፍኣን ንኽእል ከኣ ንሕና ባዕልና ኢና። ንሕና ተጋደልቲ ዘበላሸናያ ሃገር ንሕና ጥራይ ኢና ክንውድና ዕድል ዘለና። ንኻልኦት ዜጋታትና ባይታ ስለ ዘይፈጠርና ንሕና ዘዕነናያ ሃገር ካልኦት ክዐርዩልና ኣይክእሉን ኢዩም። ኩሉ ሲቪላውን ጽፍሕታት መንግስቲ፣ ከምኡ’ውን ኩሉ እቲ ቀንዲ መሪሕ ኣድማዒ ለውጢ ክኸውን ዝኽእል ወትሃደራዊ ጽፍሕታት፣ ምክልኻል ሃገር፣ ሃገርዊ ጸጥታ፣ ኩለን ዓይነታት ስልያዊ ምንቅስቓሳትን ፖሊስን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳርና ምምሕዳር ተጋደልቲ ኢዩ ዘሎ። ኢሳያስ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ስልጣን ክትጸንሕ ዝበቕዐት’ውን ሳላና ሳላ ተጋደልቲ ኢያ። እዛ ወኻርያ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሐትሉ ግዜ ግን ኩነታት እዛ ሃገር ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝገደደ ይኸይድ ስለዘሎ፣ ሕጂ ኣብ’ዛ ግዜ ነዛ ወኻርያ ካብ ስልጣን ገሊፍና ንህዝብናን ሃገርናን ካብ ጥፍኣት እንተ ዘየድሒናዮ፣ ምስ’ዚ ዝኸይድ ዘሎ ናህሪ ስደት ኣብ ኤርትራ ዝተርፍ ኤርትራዊ ዜጋ ፈጺሙ ኣይክርከብን ኢዩ። ኤርትራ እታ ናጻን ዘልኣለማዊትን ንኽትከውን ወለዶታት ዝበሃግዋ፣ ኣሽሓት ዕሸላት ዝተበጀውላ ሃገር፣ ህዝቢ ዘይብላ በዱ መሬት ኮይና መጻወቲ ጸላእታ ክትከውን ምኻና ማንም ዝንበዮ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ’ዚ እዋን ወርሓዊ ዳርጋ 5,000 ኤርትራውያን ሃገሮም ገዲፉም ይስደዱ ኣልው። ካብ ህጽናት ክሳብ ደቂ ተስዓ ዓመት ዝዕድመኦም ኣሽሓት ዜጋታትና ኣብ መዓስከራት ስደኛታት ኢትዮጵያ ተመጽወቲ ኮይኖም ብትካቦ ይነብሩ ኣለዉ። ካብ’ዚኦም ከባቢ 10,000 ኣላይ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑት ኮይኖም ብደላሎ እናተሸጡ ኩሊቶም ናብ ዕዳጋ ይወርድ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለው ህጻናት’ውን ዝበዝሑ ብሰንኪ ስደትን ውጽኢት ስደትን ሓደ ወይ ክልቲኦም ካብ ወለዶም ስኢኖም ኣብ ዝኽትምና ይነብሩ ኣለው። ኤርትራ እታ መሰረት ሓንቲ ሃገር ዝኾነት ስድራ-ቤት ትባታተነላ ህጻናታ ዝዝኽትሙላ፣ ልሳኖም ዘየጽረዩ ቆልዑ ከይተወልዱ ናብ ስደት ዘማዕድውላን ግዳያት ስደት ዝኾኑላን ሃገር ጌርናያ ኣለና። ብሰንክና  መንእሰያት ኤርትራ ጸኒቶም፣ ኣረጋውያንን ስድራ ስውኣትን ኣላይ ስኢኖም፣ ዓድታትና ባዲመን፣ ሬሳ ዘልዕሎ ስኢኑ ኣቕሽሽቲ መስቀሎም ገዲፎም ሬሳ ክጾሩ ንዕዘበሉ እዋን በጺሑ ኣሎ። ኤርትራ ሕጂ ካብ መንጋጋ ኣዛ ወኻርያ እንተ ዘየናጊፍናያ ነበር ኮይና ክትተርፍ’ያ።

እዛ ኮይንዋ ኣብ ዕብዳን ተሸሚማ ንጅግንነት ህዝቢ ኤርትራ ንዒቓ ብስቕታ ተጋዳላይ ሻዲና ዘላ ኢሳያስ ወኻርያ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዝመስል ምሩጽ ህዝቢ ኣጥፊኣ ሓወልቲ ጅግንነታ ኣብ ልዕሊ እታ ትሓልማ ዑና ኤርትራ ክትተክል ዓቅማ ዘፍቅዶ ኩሉ ትጽዕር ከም ዘላ ክንዕዘባ ጸኒሕና ኢና። ዓርሞሹሽ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ-ሓያላን ደገፍቶም፣ ዓሳ ከተጽንት ባሕሪ ኣንጽፍ እናበሉ ህላወ ህብዝና ኣብ ሓደጋ ከእትውዎ ዘይከኣሉ፣ እዛ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ተገልግል ኢያ ኢልና ጽዖት ክሳብ ዝወጻና ከም ኣርዑት ሓንጊርናያ ዝኣተና ኢሳያስ ግን ኣብ ሓደገኛ ደረጃ ኣብጺሓቶ ትርከብ ኣላ። ንሕና ናይ ቃልሲ መንፈስና ስለ ዘዕነና፣ ጀጋኑን ተባዓትን ክንስና፣ ካብ ወኻርያ ፈሪሖም ሪሞም ዘጥፍኡ ዘለው ዓሌት ኣናብስ መሲልና፣ ካብ ፈራሕ ፈሪሕና ታሪኽና ክንጽይቕን ህላወ ህዝብና ኣብ ሓደጋ ከነውድቕን ፈቒድና ጸኒሕና ኢና። ሕጂ ግን ይኣክል ንብለሉ ግዜ በጺሑ ኣሎ።

ሳላ ኣብ ስደት ዝነብሩ ደለይቲ ፍትሒ ደቂ ሃገር፣ ኢሳያስን መሰልታን ብገበን ጸረ-ሰብኣዊ መሰላት ኣብ መጋባእያ ፍርዲ ሕቡራት መንግስታት ንኽቐርቡ ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ። እዚ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ክድፍኣሉን ክምጎስን ዘለዎ ኢዩ። እንተኾነ ገለ ገበነኛታት ምኻኖም ብቤት ፍርዲ ሕቡራት መንግስታት ዝተበየነሎም መራሕቲ፣ ሓንቲ ከይተተንከፉ ኣብ መንበር ስልጣኖም ኣራጢጦም ንህዝቦም እናሳቕዩ ክነብሩ ንዕዘብ ኣለና። ስለዚ እዚ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ምስ’ቲ ኢሳያስ ኣብ ሃገርና ትፍጸሞ ዘሎ ናህሪ ብርሰተ-ሰብን ብዶባዊ ምትኹታኽ ተመሳሚሱ ክልዓል ትሓልሞ ዘላ ናይ ህልቂት ውግእን ቅልጡፍ ፍታሕ ከምጽእ ትጽበዮ ኣይኮነን። ደለይቲ ፍትሒ በቲ ሒዞሞ ዘለው ኣገባብ ከይተሓለሉ ጻዕሮም ክቕጽሉ ንላቦ። ንሕና ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለና ተቓለስቲ ከም ተቓለስቲ ሕነ ህዝብና ባዕልና ክንፈዲ ደኣ እንበር፣ ካልኦት ስራሕ ገዛና ከካውንልና ክንጸበ ምስ ክብርና ዝኸይድ ከም ዘይኮነ ነስተውዕል። ካልእ ’ውን ምስ እዚ ኢሳያስ ንዕቐትን ጽልእን ሳዕሪርዋ ክትፍጽሞ ትሓስብ ዘላ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ናይ ውግእ ታኼላ ሸሚምካ ንሓዋሩ ከም ዝጠፍኡ ምግባር ዝብል ሓደገኛ ውጥን፣ ንሃገርናን ህዝብናን ምእንቲ ከነድሕን ምስ ግዜ ክንጓየ ከም ዘለና ክንስሕቶ ኣይግበኣን።

ነዚ ክብር ህዝብና ህዝቢ ኤርትራ መጻወቲ እዛ ወኻርያ እሳያስ ጌርና ወግዕን ክብረትን ዘይብሉ ሕሱር ህዝቢ ኮይኑ ንኽጸንት፣ ነቲ ክቡር ኤርትራዊ ዜግነት ከኣ ንኹሉ ግዜ፣ ንሕጅን ንመጻእን ብጎረባብቱን ብዓለምን ዝረኸሰ ዜግነት ኮይኑ ንኽነዓቕ ፈሪድናዮ ጸኒሕና ኢና። ንሕና ተጋደልቲ ሃገራዊ ሓላፍነትና ተሰኪምና ናይ ምቅላስ መንፈስና እንተ ደኣ ኣሐዲስና ከም ቀደምና ሰራሕቲ ቅያ ከም ምኻንና ነመስክረሉን፣ ነዚ ዝበደልናዮ ህዝቢ ንኽሕሰሉን እዋን ሕጂ ምኻኑ ክበርሃልና ኢዩ። ከም’ቲ ስንኩልን ብጾትና ዝገለጽዎ፣ ሕጂ ኢና ካብ ‘ኣነ እንታይ ገደሰኒ’ ዝብል ናይ ስኑፋትን ቦጅባጃትን መሕብኢ ወጺእና፣ ሃገራዊ ሓላፍነትና ተሰኪምና ናብ ኤርትራውነትና ንምለሰሉን ምስ ታሪኽና ተዓሪቕና ኤርትራዊ ትምክሕትናን ሓቦንና ነሐድሰሉን። እቲ ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ዝሰራሕናዮ ታሪኽ እዚ ሕጂ ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ ክቡር ንኽኸውን፣ እዛ ሕጂ ዘላ ኤርትራ ተሓፊራ ንኽትነብር ዝተሰርሐ ታሪኽ ስለ ዝኾነ፣ እዛ ሕጂ ዘላ ኤርትራ’ያ ነቲ ዘሕለፍናዮ ጉዕዞ ትገልጾ። ታሪኽ ጅግንነትና ነባሪ ምእንቲ ክኸውን ሕጂ ንኤርትራ ነባሪትን ክብርትን ክንገብራ ክንቃለስ ኣለና።

እቲ ኤርትራ ሃገርና ብሰንኪ ንሓንቲ ወሽላኽ ወኻርያ ሃገራዊ ሓላፍነትና ኣረኪብና፣ ፈሪሕናን ጃጂናን ዝተበደለቶን ዝተዳህከቶን ናብ ረብሓኣ እንቕይረሉ እዋን ሕጂ ኢዩ። ብሰንኪ ናትና ሃገራዊ ሓላፍነት ዘይምስካም ዘጋጠመ ተሳዓርነትን እዛ ጨካን ወኻርያ ዝፈጠረቶ ስርዓተ ምልክን፣ ኩሎም እቶም ኣብ ሸላታትን ኮንቴነራትን ኣብያተ ማእሰርቲ ብዘይፍትሒ ተሓይሮም ዝሳቐዩን ዝቕዘፉን ዘለዉ፣ ከምኡ’ውን ኩሎም እቶም ኣብ ውሽጢ ዶባትን ኪኖ ዶባትን ሃገርና ኣብ ጉዕዞ ስደት ዝሃልቑ ዘለው ዜጋታትና፣ ሰማእታት ደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ኮይኖም ከም ዝዝከሩ ክንገብር ኣለና። ብሳላ ንሶም ንሰብኣዊ መሰልን ሓርነትን ዝኸፈልዎ ዋጋ ኣብ ኤርትራ ዝለዓለ ክብሪ ክወሃቦ ዘለዎ መሰልን ሓርነትን ዜጋታት ክኸውን ከም ዘለዎ ውሕስነት ክንከውን ኢና። ኤርትራ እቲ ኩሉ ብስንክና ብሰንኪ ተጋደልቲ ዝኸሰረቶ ምእንቲ ክትከሓስ፣ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ መራሕትና መሪጽና ስልጣን ናብ ህዝቢ ነሰጋገርሉ ባይታ ከነንጽፍን ዕላማ ቃልስና ኣብ ምዕራፉ ከነብጽሕን ኢና። ታሪኽ ውድብ ህዝባዊ ግንባር በቲ ክኾኖ ዝግብኦ ምእንቲ ክዛዘም’ውን ነዛ ወኻርያ ኢሳያስን ህበይ መማኽርታን ክሽኦም ጎቲቶም ኣብ መጋባእያ ፍርዲ ሓፋሽ ከም ዝቐርቡ ክግበር ኣለዎ። ስርዓተ ሕጊ ምስ ነገሰ፣ ከም ጉዕዞኦም ብዓወት ዝዛዘምና ተቓለስቲ መጠን፣ ካብ ናይ ታሪኽ ተሓታትነት ሓራ ኮይንና ሕልናና ምእንቲ ከነንጽህ፣ እቶም ብገበን ንሕተት ንህዝብና ይቕረታ ክንሓትትን ብዝፈጸምናዮ ገበን ዝግበኣና ፍርዲ ክንቅበል ንነብስና ድልውቲ ክሳብ ምግባራ ትብዓት ክንረክብን ሰማእታትና ብዝቐስንሉ ታሪኽና ክንዛዝምን ኢና።

ከም’ቲ ኩልና ንፈልጦ፣ “ተኾርሚኻ ሞት ኣሳፊሕኻ ሞት’ዩ” ብትብል ቀላል ጭርሖ ተቓለስቲ ተመሪሑ፣ ፍርሕን ምጅጃውን ኣወጊዱ፣ ዕልምኡ ክወቅዕ ብትብዓት ዝምርሽ ተቓላሳይ፣ ሓደ ክንሱ ክንድ ሽሕ’ዩ። ንሕና’ውን ካብ’ታ ንነብስና ‘ካብ ሕጂ ንደሓር ኣነ ሃገራዊ ሓላፍነት ዝተሰከምኩ ተቓላሳይ ኢየ፣’ ኢልና ናይ ቃልሲ መንፈስና ዘሐደስናላ ደቒቕ ጀሚርና፣ ኩሉ እቲ ተጻዒኑና ዝጸንሐ ፍርሒ፣ ምጥርጣርን ነብሰ-ንዕቐትን ቅንጥጥ ኢሉ ክእለየልናን ነብስ-ወከፍና ሓደን ክንድ ሽሕን ምኻንና ክኽሰተልናን ኢዩ። ሽዕኡ ነዚ ዘሎ ጸላም እዋን ሰጊርና፣ ድሕሪ ኢሳያስ ካብ ስልጣን ምግላፋ ንጓዓዞ ጉዕዞ ሰላምን ራህዋን፣ ፍትሕን ደሞክራስን፣ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ከነማዕዱ፣ ንኤርትራ ብዓይኒ ባዕዲ ዘይኮነስ ብዓይንና ክንጥምታ ክንበቅዕ ኢና። ተቓለስቲ ምኻንና ኣሚንና ንመንፈስና’ሞ ናብ’ቲ ናይ ቀደሙ ናብ ዘበን ቃልሲ ንምለሶ፣ ኤርትራ ሰማእታታ ቀሲኖም ዝድቅሱላ፣ ዝሓየሉን ዝበለጹን ተቓለስቲ ወለዶታት ዝተኻኽኡላ፣ ኣብ ሃገሮምን ኣብ ዓለምን ንጹር ኣሰሮም ገዲፎም ዝሓልፉ ዜጋታት ዝፈርዩላ፣ ናይ ኤርትራውያን ሃገር ክንገብራ ኣመና ቀሊል ምኻኑ ክንጽረልና ኢዩ። ሽዕኡ ኤርትራዊ ዜጋ ካብ ውሽጣውን ግዳማውን ጸላኢ ሓራ ኮይኑ፣ ብኽብረትን ብሰላምን ምእንቲ ክነብርን ተቓላሳይ ክኸውን ከም ዘለዎ ካብ ተመኩሮና ክመሃር’ዩ። ካብ ቃልሲ ተፈሊኻ ክትነብር ምፍታን ዕላማን ትርጉምን ዘይብሉ ምናምን ህይወት ምሕላፍ፣ ምስ ውኖኻ ኸለኻ ናብ ሬሳ ምቕያር ምኻኑ ክበርሃሉን ንቓልሲ ክሳብ ሕልፈተ ትንፋሱ ንኸፍቅራ ምስ ነብሱ ቃል ክኣቱን’ዩ። ከመይ ሃገራዊ ሓላፍነት ተሰኪሙ ናይ ቃልሲ መንፈስ ዝወነነ ተቓላሳይ፣ ቀዳማይ ተጠቃሚ ናይ’ቲ ወኒንዎ ዘሎ መንፈስ ቃልሲ ንሱ ባዕሉ ስለ ዝኸውን።

ሓርበኛታት ስንኩላን ብጾትና ንርእሶም ግዳይ ክንሶም ነቲ ኩሉ ኣብ ነብሶም ዝወረደ ግፍዕን ጥልመትን ንጎድኒ ገዲፎም፣ ንበደልና ከንጽሁ፣ ንዘይበደልዎ በደል ምእንታና ክብሉ ንህዝቢ ይቕረታ ምሕታቶም፣ ከምኡ’ውን ከም ናይ እዋን ሻዱሻይ ወራር ምእንቲ ሓርነት ህዝብና ዝተረፈ ኣካላትና ከነወፊ ድልዋት ኣለና ምባሎምን፣ ናይ ቃልሲ መንፈስና ንኽሕደስን ሃገራዊ ሓላፍነትና ንኽንስከምን ትብዓት ኣስኒቖምና ኢዮም። ታሪኾም ከኣ ብኽብሪ ተዘኪሩ ክነብር’ዩ። ነዞም ሓርበኛታት ብጾትና እዛ ወኻርያ ኢሳያስ በቲ ዝዘርግሕዎ መንፈስ ኩሉ ኤርትራዊ ዘበራበረ መልእኽቲ ተሰናቢዳ፣ ኣባላት ጸጥታ ልኢኻ ክትጸናጸኖምን ክትስልዮምን ከም ዝወርሐት ተዓዚብናያ ኢና። ኣብ 1994 ዓ.ም ኢሳያስ ንስንኩላን ምስ ደፈረት ንመሰልና ከም ዝደፈረት ዘኪርና፣ ነብስ-ወከፍ ኤርትራዊ ዝያዳ ከኣ ነብስ-ወከፍ ተጋዳላይ ናይ እዞም ምእንቲ ናጽነት ሃገርና ኣካላቶም ዝሰኣኑ፣ ሕጂ’ውን ምእንቲ ሓርነት ህዝብና ከቢድ ዋጋ ዝኸፍሉ ዘለው ስንኩላን ብጾትና ድሕንነት ምሕላው ሓላፍነቱ ምኻኑ ነዘኻኽር።

እዞም ምእንቲ ናጽነት ሃገርና ኣካለ ጎደሎ ኮይኖም ዝተረፉ ብጾት፣ ንድሕነት ሃገርናን ንሓርነት ህዝብናን ሕጂ’ውን ብትብዓት ክንውፈ ኢና እናበሉ፣ ንሕና እቶም ምሉእ ኣካላት ዘለና፣ ከነድምዕ ንኽእል ብጾቶም ትም ኢልና ሃገርናን ህዝብናን ለኪምና ክንጠፍእ ግቡር ወይ ንቡር ኣይኮነን። ብሰንኪ ሓንቲ ውልቀ-ሰብ ብሰንኪ ኢሳያስ ወኻርያ ኢያ ኤርትራ ትመስል ሃገር ትጠፍእ ዘላ። ኩልና ንነብስና ለዊጥና ንለውጢ ንበገስ። ነብስ-ወከፍና ሕልናና ነበራብር፣ ነብስ-ወከፍና ሓላፍነትና ንሰከም። ተቓለስቲ ኮይንና ኢና ሃገር ኣምጺእና’ሞ ተቓለስቲ ኮይንና ሃገር ነድሕን። ብትብዓት ሕጅ’ውን ኤርትራ ወይ ሞት!! ሕጂ’ውን ሓርነት ህዝብና ወይ ሞት!! ንበል። እዚ መልእኽቲ እዚ ንነብስ-ወከፍ ኤርትራዊ ብፍላይ ከኣ ንነብስ-ወከፍ ተጋዳላይ ዝመሓላለፍ ዘሎ መልእኽቲ’ዩ። 20 ሰነ ነብስ-ወከፍና ካብ ሃገራዊ ጥልመት ተመሊስና፣ መብጽዓ ሰማእታትና ነተግብረላ፣ ተቓለስቲ ምኻናን ነመስክረላ፣ ንሃገር ካብ ጥፍኣት ንህዝብና ካብ ህልቂት ከነድሕን ቃል ንኣትወላ ዕለት ክትከውን ንጽዋዕ ኣለና።

ዘልአለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!!!!

ዓወት ንሓፋሽ ህዝብና!!!

20 ሰነ 2016

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
28 COMMENTS
  • ፈትዊ June 22, 2016

    ዝገብር ነዲኡ ነይነግር !

  • ፍትሒ June 22, 2016

    አየወ ተጋዳላይ ክባሃል ክሎ ዝስማዓኒ ዝነበረ ፍናን ። ሎሚንከ ፈራህ ኮይኑ ስሪኡ ወሪዳ ብክምኡ ሰብአይ ብግፍዒ ተጸፍዑ ድኒኑ ክኽይድ። ክትርእን ክትሰምዕን ክትአምኖ ውን ዘጸግም ዩ።
    ንምኽምኑ ንሱ ድዩ ቲ ንፈልጦ ተጋዳለይ ምስ ምረትን ሐሳርን ንስለ ናጽነትን ፍትሕን ዝተዋደቐ?
    ቀድም ውን ንኽሉ ሓይሊ ሕዝቢ ዪ ዓሚምዎ ተጋዳልይ ካአ መሪሕ ነሩ
    እሞ ሎሚ ጥርኑፍን ምኩርን ክም ምኻኑ መጠን ንስለ ፍትሕን ዕላማአን ደው ዝይበለ እንታይ ኮይኑ እንተተባህለስ ርዒዱ ክብሉኻስ አይገርምን?እቲ ክሉ ታሪኽ ጅግንነትስ ብፈራህ ክድምደም ። ተጋዳላይ ከም ቀደምካ ህዝብኻ መሪሕካ ሕድሪ ስውአት ብጾትካ ተግብር ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ገና አየብቄዔን ።
    ካብ ወረደና ንዳግማይ ታሪኽ ንበገስ ቃልስና ክም ትማሊ ንሐቂ ስለ ዝክኾነ አብ ምዕራፍ ክበጽሕ ግድን እዩ።

  • ሕልና June 25, 2016

    ድሕሪ ማይ ናብ ባዕቲ ዳኣ ኮይኑ ነገሩ እምበር ንርብዒ ዘመን ዝኣክል ተቀቢሩ ዝጸንሕ ሕልና ክባራበር ምርኣይ ንባዕሉ ሓደ ኣወንታዊ ነጥቢ መቀይሮ‘ዩ’ሞ ምልኡን ልባዊ ሓቅነትን ዘለዎ ትንሳኤ ይግበሮ።

  • semere 2 June 26, 2016

    I dislike to generalize and trash at a lump sum all tegadelti and sunkulan. Many of them fought for a good cause with a noble purpose. As such they deserve our respect.
    I hate to dump all the blame upon them, as well. What about we civilians, especially we who are in Diaspora. What have we done to divert the course of destruction in our country. Many of us are still dancing the drums of the dictator.
    Let us unite to avert the catastrophe and stop blaming each other. That is what is prolonging the life of the Tyrant.

    • Dearest Semere 2,

      We the civilians did not go to banditry to destroy our society ,we did not go adventure to seek the independence we have always had with our habesha family ,we did not say yes sir Isaias (selfi netsanet) when we were instructed to rob peasants of their megear food and kidnap their kids ,we did not stAND by when our disabled comrades were being massacred…we wanted peace so instead of banditry we decided to save our family by residing in the west ,we do not have to feel guilty..The bandits started it ,let them fi9nish it …whatever finishing means.

Post a Reply to semere 2 Cancel Reply