Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ሰብ ፍትሒ ኩቢ!

ኣቱም መጣቓዕቲ *ኣተና ዘይብልኩም   *ሓሳብ፡ ዕላማ ነዚ ውፉይ ዜጋ ኮማንዶ ሓርነትኩም በታ ክንቲት ደርሆ መሽረፈት ኣቢልኩም ምስራሕ ክትከልኡዎ ስሙ እናኣጸለምኩም ሰላም ዘይትቡዎ እንታይ እዩ ጌሩኩም!? [gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2014/07/Mesinas_Asena_14.pdf"]  

ኣቱም መጣቓዕቲ *ኣተና ዘይብልኩም   *ሓሳብ፡ ዕላማ

ነዚ ውፉይ ዜጋ ኮማንዶ ሓርነትኩም

በታ ክንቲት ደርሆ መሽረፈት ኣቢልኩም

ምስራሕ ክትከልኡዎ ስሙ እናኣጸለምኩም

ሰላም ዘይትቡዎ እንታይ እዩ ጌሩኩም!?

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
81 COMMENTS
  • AHMED OMER July 16, 2014

    I am asking Amaniel you fighting against the idiot regime ,but in the same time you letting some idiot one who born in Meqele to put his rubbish in your website abusing Eritrean Muslims without anyexicuses .
    Mr.Manuel you said in your last comment that you are not going to allow any abusing against any group in Eritrea or any abuse touch an Eritrean unity .
    Please did you read Fusom’s

  • Bilen July 16, 2014

    ዝኸበርካ ሓው መሲናስ፣
    ኣቀደኢመ ልባዊ ሰላምታይ የቅርበልካ፣ ቀጺለ ድማ ነቲ ትገብሮ ዘለኻ ኣበርክቶ የመስግነካ።
    ከምቲ ዝመልካዮ ኣማኑኤል ምእንቲ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ይጽዕር ኣሎ፣ ኣምላክ ድማ ጻማኡ ከምዝይቦ ምሉእ አምነት ኣሎኒ። አቶም ዘጣቅዑ ዘለዉ ድማ ካብ ንዝሰርሕ ዘሎ ምዕንቃፍን ምጽራፍን ንሓቂ ዝተዛረበ ድማ ወያነ ሲኣይአ ምባል፣ ኣእምርኦ ክልእ ሰናይ ክሓስብ ዘይተዓደሉ መሳኪን ፍጡራት ኢያቶም። ብጣዕሚ የሕዝኑ።
    የግዳስ በቲ መርዚ ዝኽነ ተግባራቶም ንሕዝብና ይጎድኡ ኣለዉ።
    ሕልናኦም ምእንቲ ሓደሰብ ዝሸጡ ዕሱባት።
    ኣምልኽ ንኤርትራ ሃገርና ይባርካ።
    ምስ ምዉቅ ሰላምታ

  • gebela Stoop July 16, 2014

    Dear All,

    Is it a new thing for Eritreans to name calling. It has become the culture of this poor nation to soil the names of dedicated people who selflessly serve the people. This is a problem of incompetent and incapable people. The regime uses it, as well as the failures, whether they are at home or abroad. What I tell Amanuel Eyassu is, if people do not talk badly about you, then you are not performing. The more they talk about you badly, calling you names, then you should be stronger and stronger. It means you are a leader indeed. Keep it up.

  • Mahta July 16, 2014

    When are we going to stop acting like holligans??

  • TSELOT July 16, 2014

    Keep it up Emma. This should give you more momentum to achieve your goals, the goal of the masses. Keep it up my dear.

  • kidane July 16, 2014

    Mesinas .
    Amanuel kabten weyane zihibwo yechanweka diyu men iyu tetabaki geruka . Zerebas yibel sire gin mafi.

  • Bilen July 16, 2014

    eye kidane,
    nskha ke dea kab kulu terifka zelekha meskinay.

  • Mesinas July 16, 2014

    ዝኸበርኩምን ዝተፈተኹምን ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን። ልባዊ ሰላምታይ ብምቕዳም ንኩሉኹም ወሃብቲ ርእይቶ፡ ማለት ደለይቲ ፍትሕን ደለይቲ ምልክን ብሓባር ምስጋናይ አቕርበልኩም። ብምቕጻል፥ ካብዚ ከባቢ 60 ዚኸውን ርእይቶታትኩም ንክልተ ፍሉያት ርእይቶታት ማለት እታ ሓንቲ ንኣይ እትምልከት ሕቶ ስለ ዘላታ ክምልሳ፣ እታ ካለአይቲውን ዋላ’ኳ ብቐጥታ ኣይትኹን’ምበር ንሳውን ስለ ትምልከተኒ መአረምታ ክህበላ ፍቐዱለይ?

    AyteAbrha on July 15, 2014 at 2:15 pm said:
    “Dear Mesinas,
    Are u trying to say that Amanuel has done a good job at Bolgna. I say he did wrong, if it is true that he had said “If I new Andbrhan would come here, i would not come”. I want an answer from Amanuel” Why did you went to Bolgna? Why you tried to associate yourself with personalities? If you went to oppose the authoritarian regime, there was no need to say such unnecessary words. What you did is really unmatured, unprofessional and unethical. The job of a journalist is to broadcast to the people and not to create mess and divisions.”
    ዝኸብርኩም ኣይተ ኣብርሃ

    ሰላምታይ ብምቕዳም ንሕቶኹም ወይ ንዓለቕኩም መልሲ ክህበሉ ክፍትን’የ።
    “Are u trying to say that Amanuel has done a good job at Bolgna.” ሓው ኣማኑኤል እያሱ ኣብ ቦሎኛ ጽቡቕ ስራሕ ከም ዝሰርሐ፡ ብእዝንና ዘይኮነስ ብዓይንና ርኢናዮ ኢና። ዓይኒ ከኣ ልዕሊ እዝኒ ሓቀኛ ምስክር ስለ ዚኾነ ኣብዚ ዘካትዕ ነገር የብሉን! “if it is true that he had said “If I new Andbrhan would come here, i would not come”. እዚ ዘረባ’ዚ ቃል ሓው ኣማኑኤል እያሱ’ዩ ኢለ ኣይኣምንን’የ። ምኽንያቱ ኣማኑኤል፡ ንመሰልን ፍትሕን ህዝቢ ኤርትራ’ምበር ንኻልእ ኢሉ ናብ ቦሎኛ ስለ ዘይከደ፡ እከለ ንምንታይ መጺኡ ኢሉ ንሓደ ደላዪ ፍትሒ ከምኡ ይነጽግ’ዩ ዚብል እምነት የብለይን።

    ብጭብጢ ኢሉዎ እንተ ኮይኑ ግን ጌጋ እዩ። ምኽንያቱ፡ ዚኾነ ይኹን ውልቀ ሰብ ወይ ጉጅለ፡ ንበደለኛ ክፈርድን ክቐጽዕን መሰል የብሉን። መሰሉ ናብቲ ጽባሕ ኣብ ኤርትራ ሃገርና ኣብ ታሪኻ ንፈለማ ግዜ ዚትከል መንግስቲ’ዩ ኣብዮቱታኡ ከቕርብ ዚኽእል። ኣብ ኤርትራ ክሳዕ ሕጂ መንግስቲ ከምዘይቆመ ትርድኡን ትፈልጡን እንተ ደኣ ኴንኩም ንጉጅለ ፈያት (ሸፋቱ) መንግስቲ ኪትሰምዩዎም ኣይትኽእሉን ኢኹም ዚብል እምነት’ዩ ዘሎኒ። በዚ መሰረት ንዶ/ር ዓንደብርሃንውን ፈረድቱ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ዘይኮናስ እቲ ብስድቢ (ብቕዋም) ዚምራሕ ጽባሕ ንግሆ ብምርጫ ህዝቢ ዚትከል መንግስቲ ኤርትራ’ዩ!

    በዚ መሰረት ድማ’የ ኣነውን ነቲ ቈልዓ ከይንብሎ ዓቅሚ ኣዳም ዚበጽሐ፣ ኛኙ (ቋሕማም ወይ ላህዛዝ ሰብ) ከይንብሎ ስራሑ ስራሕ መቓፍር (ተካል ዚመጋብሩ ሰብ) ዚኾነ ሰብ ንዝገበሮ ደበራ (ጽዩፍ ስራሕ) ተቓዊመዮ’ምበር ፍርዲ ኣይሃብኩሉን። ንዚኾነ ሰብ ከኣ ማለት፡ ሓው ኣማኑኤል ይኹን ካልእ ደላይ ፍትሒ ዘንቅፍ ስራሕ እንተ ሰሪሑ ክንነቕፎ ግድን’ዩ። ድሕሪ’ቲ ኣብ መሽረፈት ኔት ዘንበብኩዎ ጽሑፍ ብቕጽበት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ደቒቕ በዛ ዝነበብኩማ ናዕታ ኣቢለ ዓገብ! ዝበልኩ ድማ ኣማኑኤል ስለ ዝተነቕፈ ዘይኮነስ ስለ ዝተወንጀለን ዝተጠቀነን’ዩ። ምክንያቱ፡ እዚ ካብቲ ብሓይሊ ብረት ሃገርና ገቢቱ በስገዳድ መንግስትኹም’የ ዝብለና ዘሎ ጉጅለ ፈያት ዘይረኽብናዮ፡ ብናጻ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ዕድል ዚፈጠረ ውፉይ ጅግና፡ ብዘይገለ ምኽንያት ኪዝለፍ ብዚኾነ ደላይ ፍትሒ ቅቡል ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። የቐንየለይ ኣይተ ኣብርሃ።

    Diana da Bologna on July 15, 2014 at 2:44 pm said:
    “ኣብ’ዚ ግጥ’ዚ እዒንተይን ኣእዛነይን ደቐንዘዋኒ ቃላት እንተለዋ ኮይነን፡ “ጅግና፡ ሓርበኛ፡ ብደይዓስቢ ድሰርሕ ወዘተ” ኢየን። እቲ ጅግንነትኳ ትርጉሙ ከመይ ከም ድኾነ፡ ጭራስ ጠፊኡና ኢየ ደሎ። ትርጉም ሓርበኝነት’ውን ዕዲ ኣርሒቑ ኣሎ። እቲ ብደይ ዓስቢ ድሰርሕ ድበሃል ቋንቋ ግን መስሓቕ ኢልና ንሕለፎ። ኣነ ሓንቲ ካብ’ቶም ንመርበብ ሃበሬት “መሽረፈት’ ይኹን “ሓሰና” ደይኣምኖምን መሳርሒ ባዕዲ ሙዃኖም ድኣምን ኢየ። ገናጺለ ድርእዮም ድማ ድገብሮ ነገር ኣብ ደይብለይ እዋን ጥራይ ኢዩ። ኣነ ኣብ’ቲ ኣብ ማእከል ከተማ ቦሎኛ፡ ኣብ መንጎ’ቶም ተቛመርቲ ድተኻየደ መኸተ ጉስጢ ኣትየ ክዛረብ ድልየት የብለይን። ንዓይ ደርኢ ጉዳይ ስለ ደይኮነ። ንሙዃኑ ኣብ 2001 ኣብ ዘበነ ክሕደት ናይቶም ብ G-15 ዋላ ብG-2 ድፍለጡ፡ ኣብ ቀይዲ ኣብ ድኣተዉሉ እዋን፡ ጋዜጠኛ ሓዳስ ኤርትራ ድነበረ ወናኒ’ዛ መርበብ ሓበሬታ’ዚኣ ኣንጻሮም ይጽሕፍን ይጉስጉስን ኣይነበረን ድዩ? ነዚ ድኽሕድ ሰብከ ኣሎ ድዩ? ናይ ሽዑ ጽሑፋት ኣማኑኤል ኢያሱኮ ብሂየቶም ኣለዉ! ስለ’ዚ ኣብ ካልእ መጎተ ተሟጎቱሉ እንተ በዚኣ ግን ዓገብ!!!”
    ዝኸበርኪ ሓብቲ Diana da Bologna ብመጀመርያ ርእይቶኺ ብትግርኛ ብምጽሓፍኪ ከምስግነኪ እፈቱ። ምኽንያቱ፡ ቋንቋ ብምጽሓፍን ብምዝራብን ስለ ዚምዕብል። “ኣብ’ዚ ግጥ’ዚ እዒንተይን ኣእዛነይን ደቐንዘዋኒ ቃላት እንተለዋ ኮይነን፡ “ጅግና፡ ሓርበኛ፡ ብደይዓስቢ ድሰርሕ ወዘተ” ኢየን።” “ኣዒንተይ ኣእዛነይ” ምባልኪ ብልክዕ እቲ ኪጽሓፍ ዘለዎ ኢኺ ጽሒፍኪ። የዒንተይ የእዛነይ ዘይምባልኪ ኣድኒቐኪ። ኩሉ ጽሑፍን ዘረባን ግን ንምዕባለ ቋንቋ ይጠቅም’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ንኣብነት፥ መብዛሕትኡ እዚ ናትኪ ትግርኛ እንተ ወሲድና ካብ ጥቕሙ ሃስያኡ ኣብቲ ቋንቋ ይዓቢ! ምኽንያቱ፡ “ብደይዓስቢ፡ ድሰርሕ፡ ድኾነ፡ ድርእዮም፡ ድበሃል፡ ድገብሮ፡ ደርኢ፡ ደይኮነ፡” ዝብላ ቃላትኪ’ሞ ብድምጽኺ ኣንቢብኪ ስምዕየን፡ ክሳብ ክንደይ እቲ ቋንቋ ላዛኡ ኣጥፊኡ ከም ዘሎ ክርድኣኪ’ዩ። ክብርቲ ሓብቲ ኣብ ቀጻሊ ብዘይዓስቢ፡ ዚሰርሕ፡ ዚኾነ፡ ዝርድኦም፡ ዚበሃል፡ ዚገብሮ፡ ዘርኢ፡ ዘይኮነ፡” ወዘተ. ብምባል ክትእርምዮ እምሕጸነኪ!

    ካልእ፡ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ንሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ ነቒፍክዮ! “ንሙዃኑ ኣብ 2001 ኣብ ዘበነ ክሕደት ናይቶም ብ G-15 ዋላ ብG-2 ድፍለጡ፡ ኣብ ቀይዲ ኣብ ድኣተዉሉ እዋን፡ ጋዜጠኛ ሓዳስ ኤርትራ ድነበረ ወናኒ’ዛ መርበብ ሓበሬታ’ዚኣ ኣንጻሮም ይጽሕፍን ይጉስጉስን ኣይነበረን ድዩ?” ከምዚ ቅድሚ ምባልኪ ግን ርግእ ኢልኪ እንታይ ይብል ኣለኹ ኢልኪ ክትሓስቢ ኔሩኪ። ምኽንያቱ፡ ኣብቲ እዋን እትን ቅድሚኡንሲ መን ኣሎ’ሞ ንሃገሩ ንምክልኻል ምስ ጉጅለ ህግደፍ ደው ዘይበለ ዜጋ!? መንከ ኣሎ ነቶም ቅዋም ንኽትግበር ዝሓተቱ ጀጋኑ ሰብ ሕድሪ “ሃገር ክሸጡ ሓሲቦም!” ምስ ተባህለ ዘይከዓቦም! እንተ ኾነ ሓቂ ዘይቲ ስለ ዝኾነት፡ ኣብ ልዕሊ ማይ ሓሶት ጸብለል ምስ በለት፡ እቲ ከም ሰብ’ምበር ከም እንስሳ ክምራሕ ዘይደሊ ኤርትራዊ ዘበለ ተንሲኡ፡ ንጃንዳ ህግደፍ ፎ! ይብሎም ኣሎ። ሓው ኣማኑኤልውን ከምኡ።

    ሎሚ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ናይ ብሓቂ ኤርትራውን ናይ ብሓቂ ሰብን እንተ ኮይኑ፡ ርግእ ኢሉ ብዛዕባ ሃገሩን ህዝቡን ክሓስብ ኣለዎ። ምኽንያቱ፡ እዚ ዘለናዮ ናይ ጥፍኣት ኩነታት፡ ዚኾነ ይኹን ምኽንያት የብሉን። “ምሕንጻጽ ዶብ፣ ሲ ኣይ ኤን ወያነን ወዘተ.” ዝብላ መዝሙር ህግደፍ ሎምስ እንስሳታትውን ከይተረፉ ቁንቁኝአን ፈሊጦሙወንስ ‘ይኣክል!’ ኢሎሞን’ዮም። ሎሚ በዚ ኣረጊት ድራም’ዚ ዚዳናገር ሰብ እንተሎ ኛኙ (ላህዛዝ ሰብ) ወይ ኣብዲ (ፈጺሙ ምስትውዓል ዘይብሉ) ጥራይ እዩ ኪኸውን ዘለዎ። እምብኣርከስ ክብርቲ ሓብቲ፡ ቀንዲ ንኽምልሰልኪ ዝቐሰበኒ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ቋንቋኺ ስለ ዚኾነ ብሓቂ ፋዕራን ሰሃሮን ቋንቋኽን ባህልኽን እንተደኣ ኣልዩኪ ኮይኑ ሓደራ ጌጋታትኪ ክትእርሚ ፈትኒ። የቐንየለይ። ሓውኪ መሲናስ

  • Mike July 16, 2014

    Do we expect any thing good to be posted on ‘Hadas Eritrea about opposition groups ? If your answer is NO, then it is the same with the loser- Meskerem website.
    So, please let’s us focus on the dictatorial regime.
    Brother Amanuel,please do not be distracted from what you are doing !
    Let’s the loser individuals or websites bark !

  • kibrom July 16, 2014

    profesor qanqa mesinas mahgats thank you bzaeba ensisa mukanka baelika abzi neza kibrti habtina ztsehafkala melsi meamanka baelika kemzbelkayo weyane,dob gele zbelka etom ensisa nskatkum mkankum enqae negerkana abkum zelena areaeya zyada aragudkalna

POST A COMMENT