Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ህግደፍን ጠብለቕሎቕ ኣብ ቤትክርስትያናትን

ህግሓኤ ኣብ ዘበነ ገድሊ፡ ንደርግ ኣብ ሃይማኖታዊ ጕዳያት ኢዱ የእቱ ኣሎ እናበለ ይኸሶ ከም ዘይነበረ፡ ካብ ድሕሪ ናጽነት ጀሚሩ ኣብ ገዳማትን ቤተክርስትያናትን እናኣተወ ንህዝቢ ክከፋፍል ክፍትን ጸኒሑን ኣሎን። ብፍላይ ንብጹዕ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ምእሳሩ ድማ ብምእመናን

ህግሓኤ ኣብ ዘበነ ገድሊ፡ ንደርግ ኣብ ሃይማኖታዊ ጕዳያት ኢዱ የእቱ ኣሎ እናበለ ይኸሶ ከም ዘይነበረ፡ ካብ ድሕሪ ናጽነት ጀሚሩ ኣብ ገዳማትን ቤተክርስትያናትን እናኣተወ ንህዝቢ ክከፋፍል ክፍትን ጸኒሑን ኣሎን። ብፍላይ ንብጹዕ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ምእሳሩ ድማ ብምእመናን ከም ሞባእ ዝወደቐ ገንዘብን ሽሞኣን ጽላላትን ምዝማት ከይኣኽሎ፡ ካድራቱ ናብ ውሽጢ መንበረ ታቦት ብምውፋር ከም ፍታሕ ኵርኵር ኣብ ውሽጢ ቤትክርስትያናትን ገዳማትን ይዕንድር ኣሎ። እንኮ ተሪፉዎ ዘሎ ንቤተክርስትያናት ከም ኣደራሻት ትልሂት ወይ ሲነማ ምቕያር’ዩ። እቲ ዝኸፍአ ግን ሞባእ ምስራቑ ዘይኮነ ንህዝቢ ብጸቢብ ወገንነት ክኸፋፍል ይፍትን ምህላዉ እዩ። ርሑቕ ከይከድና ድማ ኣብ ስትራቫንገር ኣጋጢሙ ዘሎ ኵነታት ምዕዛብ ይከኣል።

ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍ ከም ዝተገልጸ እቲ ህግደፍ ኣብ ስታቫንገር ዝነበሮን ዘለዎን ኣጀንዳ ብመጠኑ ተገሊጹ ነይሩ። ዕላማ ህግደፍ ገንዘብቲ ቤተክርስትያን ጸብጻብ ከይግበሮ፡ ነቶም ጸብጻብ ይገበረልና ዝበሉ ምእመናን ድማ ተቓወምቲ እዮም፡ ሃገራውያን ኣይኮኑን እናበለ ብምጽላም ከም ድላዩ ክዕንድር ምፍታን እዩ። ኣብ ስታቫንገር ዝጀመሮ ካብ ጸብጻብ ምድሓን ካብ ናይ ኦስሎ ብዘይፍለ ናብ ምፍሻል ገጹ ስለ ዝኸደ፡ ምስ ፍሽለት ዑደት ዕሱብ ኢሳያስ ወዲገራህቱ ኣብ ስታቫንገርን በርገንን፡ ኰራኵር ህግደፍ ድፋዖም ይፈራኸሽ ከም ዘሎ ዝስቈሮም ዘሎ ይመስሉ።

ስለዚ፡  ሓድሽ ኢሎም ዝሓሰቡዎ ተንኰል ኣብ ምፍሓስ ተጸሚዶም ኣለዉ። ንሱ ድማ ቢንያም ኣስመላሽ ዝብሃል ብውልቃዊ ትቕሚ ዝዓወረ ወይጦ ዝኣልሞ ዘሎ፡ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቈላ ዝዓይነቱ “ቤተክርስትያን ስታቫንገር ክዕጾ ኣለዎ” ዝብል ውዲት’ዩ።

ቢንያም ኣስመላሽ፡ ንምእመናን ብዛዕባ ጸብጻብ ንኸይሃቱ ክዓግቶም ፈቲኑ ምኳን ምስ ኣበዮ፡ ብዓቕሊ ጽበት ንኣበደብሪ ናብቲ ቤተ ክርስትያን ገጾም ከይቅልቀሉ ኣፈራሪሑዎም። ንሶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ቤትክርስትያን ክዓጥኑ እንተ ዘይክኢሎም እቲ ቤተ ክርስትያን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ይዕጾ ኣሎ ማለት’ዩ። እቶም ኣገልጋሊ ህዝቢ ዝኾኑ ካህን ከም ሰዓቢ ክርስቶስ መጠን ነዚ ቤተ ክርስትያን ይተዓጾ ዝብል ዲያብሎሳዊ ተግባር ይትረፍ ኣሜን ኢሎም ክቕበሉዎ ክሰምዑዎውን ከም ዘይደልዩ ርዱእ ይመስለና። እዚ ኾይኑ ግን፡ ንዅሉ ኣማኒ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን: ብዝተፈላለየ ኣገባብ ኣብ ውሽጡ ዕግርግር ኣእትዮም፡ ውልቃዊ ጥቕሞምን ልዕልነት ጭፍራ ህግደፍ ንምርግጋጽ ዘካይዱዎ ዘለዉ ሸርሕታት ከም ዝኾነ ነፍስወከፍ ኣማኒ ክፈልጦ ኣገዳሲ ኢዩ፡፡

ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ሰሊኾም ብምእታው ንህዝብና ፋሕብትን ከእትዉ ዝጽዕሩ ዘለዉ ወይጦታት ብወረጦ ተነቒሶም ከይወጽኡ፡ ህዝብና ወሲኑ ብንጹህ ልቢ ናብ ኣምላኹ ጸሎቱ ከዕርግ ከም ዘይክእል ክንፈልጥ ክንክእል ኣለና። ነፍስወከፍ ኣማኒ ድማ ከምቲ ልማድ ናይ ኣቦታትና፡ ንቤተክርስትያናት ናይ ሰላምን ጸሎትን ቦታ ክገብረን ክጽዕር ክእል ኣለዎ።

ሃይማኖትን ፖለቲካን ክሕውስ ዝፍትን ያዕ ንበሎ!

ዓወት ንሓፋሽ

ኣብራሃም ገብረክርስቶስ

ኖርወይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
34 COMMENTS
  • ahmed saleh April 26, 2013

    Ghenet
    PFDJ political actors can not succed on maintaining
    their agenda if our people were smart enough not to fall
    victims to their dirty game. We can not deny that our
    people still tend on backward inclinations based on
    religion , region and ethnicity. That is why politicians
    use as their weapon to manipulate the weak mentality
    to achieve their goal. In the last 20 yes we observed
    prosecution against various religion followers and the
    sad part their followers in diaspora promote this kind
    unholy and destructive approach to please the devil of
    Eritrea willingly. As I said, leave religion out politics
    because it is dangerous. Having two separate church
    Because of damn politics to create division among
    communities reflects the corrupted mind set of our
    people . Infact not only HGDF but also those people who
    practice such stupidity are guilty as them on this shame.

  • kilte mot April 26, 2013

    good comment oromay,I am with you.Lets focus on action before we die twice.

  • oromay April 26, 2013

    I have never heard in history coward youth like the Eritreans. Most of you talk diarrehea instead of action for generation salvation. PFDJ thugs declared war and terror long time to destroy the Eritreans, their churches, resources, properties, buildings, culture etc. On short , everything. So action is required to stop the disaser looming .

  • Truly Truly i say to you April 27, 2013

    Can someone tell me what religion is?
    Dear Ameasing, you didn´t ask wrong question. For your concern according my God Jesus Christ teachings there is no religion above for fighting and concerning about Justice, mercy and honesty. (Read Matthew 23; 23, and read (Amos 5; 21-24)to above written in my comment what says.
    Trust me regardless the name and religion i assure you for instance, Sail Ali Hijai and Ahmed Saleh as far as stands for justice and fighting for justice, they are more closer to Jesus than others mafia regime worshipers and fake socalled Christians. This is why Jesus said, “Not everyone who calls me ´Lord, Lord´ will enter the kingdom of heaven, but only those who do what my father in heaven wants them to do.(Matthew 21; 7)

  • sema April 29, 2013

    The same problem in birminghm.uk.

  • Duta May 5, 2013

    ብመሰረቱ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ ሜዳ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኮነ ፡ ኣብ ኣስመራ ምስ ኣተወ ፡ኣ ብ ርእሲ እምነታት ኤርትራ ዝነበሮ ኣረኣእያን ኣተሓሕዛን ኣዚዩ ኣሉታዊ እዩ ነይሩ ። ን ኣብነት ኣብ ሜዳ ንሃይማኖትን መራሕቲ ሃይማኖትን ከም መሳርሒ ሃጸያውያን ከም ዝኾናይገልጸን ከም ዝነበረ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ። ካብዚ ዕሽላዊ ኣታሓሳስባ ተበጊሱ ከኣ ንብረት ኣብያተ ቤተክርስቲያናት ካብ ምርሳይን ፡ ንመራሕቲ ሃይማኖት ካብ ምዝላፍን ፈጺሙ ተቖጢቡ ኣይፍልጥን ።ሃገር ፈጺማ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ምስ ኣተወት፡ ማለት መንግስቲ ሽፍትነት ብዕሊ ምስ ኣወጀ ፡ ባዕሉ ጳጳስ ባዕሉ እምነት ስለ ዝኾነ ፡ ንዓይ ጥራይ እመኑ ፡ ኣባይ ጥራይ ስገዱ ካብ ዝብለና እነሆ ኣስታት ዕስራ ዓመት ኮይኑ። በብእዋኑ ከኣ ሓድሽ ኣባሃህላ እናመሃዘን ንቲ ድኹም ጎድኒ መእምናን እናመዝመዘ ንኣመንቲ ተዋህዶ ሃይማኖት ተስፋ ቆሪጾም ከም ዝባታተኑን፡ ካብ ቤተክርስቲያኖም ከም ዝርሕቁን ይገብሮም ኣሎ ። ቀንዲ ዕላማ ናይ ,ዚ እከይ ትግባር ከኣ ዘሎ ንብረትን ገንዘብን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጠቕምኻ ንምውዓል እዩ ። ንኣብነት ቤተ ክርስቲያን ናይ መንግስትን ተቓወምትን ዝባሃል ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን። እዚ ከኣ ደይ መደይ ኣኢልካ ኣብ መንጎ መእምናን ዘይምትእምማን ኣሕዲርካ ምብትታን እዩ ። እምበር ጥንታዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራስ ኣይትቑርመም ኣይትጭርመም ሓንቲ እያ ። እንተኾነ ግን ኣብዚ ጉዳይ ,ዚ ዘሕዝን ነገር እንተሎ ፡ ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖትን መእምናን እንተስ ብሽርሒ ወይ ብጉርሒ ነቲ ኣብ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ዝግበር ዘሎ ግህሰታት የንጨብጭብሉ ምህላዎም እዩ። ስለዚ እንተድኣ እቶም መእምናን ዓገብ ክብሉ ዘይበቒዖም ፡ እቲ ጉዳይ ኣናበኣሰ ከም ዝኽይድ ብ ኣጋኡ ክንርዳኦ ይግባእ ። ወጊድ ንግህሰታት ህግደፍ ኣብ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ።
    ዱታ

Post a Reply to kilte mot Cancel Reply