Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ህዝብና ድምጺ ንኹን

ናይ ህዝብና ድምጺ ንኹን                   ታደሰ ኪዳነ          24/07/2014   ኣእዛንና፣ ክትሰምዖ’ውን ዘይእመን ታሪኽ ካብ ዝሰምዓ ሓያሎ ዓመታት ሓሊፉ ኢዩ። “ኤርትራውያን ብራሻይዳ ከም ጠለ-በጊዕ ይሽየጡ ኣለዉ። ኣብ ሲናይ ኮላሊት ኤርትራውያን ይሽየጥ ኣሎ። ኣብ ሳሃራ ክንድዚኦም ዝኣኽሉ ሰባት ብጽምኢ ማይ

ናይ ህዝብና ድምጺ ንኹን

                  ታደሰ ኪዳነ          24/07/2014

 

ኣእዛንና፣ ክትሰምዖ’ውን ዘይእመን ታሪኽ ካብ ዝሰምዓ ሓያሎ ዓመታት ሓሊፉ ኢዩ። “ኤርትራውያን ብራሻይዳ ከም ጠለ-በጊዕ ይሽየጡ ኣለዉ። ኣብ ሲናይ ኮላሊት ኤርትራውያን ይሽየጥ ኣሎ። ኣብ ሳሃራ ክንድዚኦም ዝኣኽሉ ሰባት ብጽምኢ ማይ ሓሪሮም። ካልኦት ድማ ብሸፋቱ ተጨውዮም ምስ ተወስዱ ደሃዮም የለን። ኣማኢት ጽዒና ዝነበረት መርከብ፣ ምስ ተጓዓዝታ ኣብ ባሕሪ ጥሒላ” ወዘተ ዝብል ወረ ሎሚ ኣእዛንና ተለማሚዱዎ ኢዩ። ከም በዓል እስራኤልን ግብጺን ዝኣመሰላ ሃገራት’ውን፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣያ ዝሰኣኑ፣ ኣብ ክንድኦም ዘእዊ ዘይሎም ኤርትራውያን ኣሕዋት ብዙሕ ግፍዕታት ክፍጽማ ርኢና ኢና።

በዚ ኩነታት’ዚ ዘይተተንከፈ ኤርትራዊ እንተልዩ ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ። ‘ዘይሰምዐ ኤርትራዊ ኣሎ’ ንምባል ግን ዝከኣል ኣይኮነን። እቲ ግፍዕታት፣ ስቅያትን ሞትን ኤርትራውያን፣ ኣብ እዝኒ ነብሲ-ወከፍ ኤርትራዊ በጺሑ ኢዩ። ብዙሓት ካብዞም ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዘለና ኤርትራውያን፣ ነቲ ስቓይ ብኣካል ዝረኣይዎ፣ ብውሑዱ ድማ በቲ ንስቓይ፣ ሞትን ጭውያን ዘቃልዕ ሓደገኛ ጉዕዞ ሰጊሮም ኢዮም፣ ናይተን ሃገራት ዜግነት ክረኽቡ ዝኸኣሉ። ብዙሓት ካብኣቶም ድማ፣ መኻይዶም ኣብ መንገዲ ዝገደፉ፣ ኣሕዋቶም ክዕመጻ ብዓይኖም ዝረኣዩ፣ ወይ ንነብሶም ንስክላ ዘምለጡ ኢዮም።

እቲ ሓቂ እዚ ኮይኑ ከብቅዕ፣ ግብረ-መልሲ ናይቶም እንተስ በቲ ሓደገኛ ጉዕዞ፣ ወይ ብኻልእ መንገዲ፣ ኣብዘን ናይ ምዕራብ ሃገራት እንርከብ ኤርትራውያን እንታይ ይመስል? ብልክዕ ንምዝራብ፣ ኣብቲ ጉዳይ ዘለና ግብረ-መልሲ ‘ኣብ ሰለስተ ዝተመቕለ ኢዩ’ ንምባል ዝከኣል ይመስለኒ። ንሱ ድማ

  1. ሕማቕ እናተሰምዖ፣ ተበግሶ ከይወሰደ ወይ እንታይ ከም ዝግበር ስለ ዘይፈልጥ፣ ኣብ ገገዝኡ ኮፍ ኢሉ ዝዕዘብ፣ ወይ ፍታሕ ካብ ኣምላኽ/ ረቢ ክመጽእ ዝጽበ ወይ ዝጽልይ፣ እቲ ዝበዝሐ ክፋል
  2. ነቲ ሽግር እናፈለጦን እናሰምዖን፣ ኣእዛኑ ዓጽዩ፣ ሕልንኡ ሸይጡ፣ ጸግዒ ናይቲ ፈጣሪ ሽግር ዝኾነ ስርዓት ዝሓዘ፣ ኣብ ሬሳ ኣሕዋቱ ዝስዕስዕ፣ ኣብ ኣውያቶም ዝጭፍር ጉጅለ
  3. ቁጽሩ ውሕድ ዝበለ፣ ዝተፈላለየ ውዳቤታት ብምፍጣር  ወይ ብውልቂ፣ ድምጹ ዘስምዕ ክፋል

 

ብወገነይ፣ ከምቲ “እናሰምዐ ዘጽቀጠ፣ እናሰምዐ ቅበሮ” ዝብል ምስላ ኣቦዋት፣ ነቶም እናፈለጡ ኣብ ሬሳታት ኣሕዋቶም ዝጨፍሩ ዝብሎም የብለይን። ዝተፈላለየ ምስምሳት እናፈጠሩ ከዕግብዎ ዝፍትኑ’ኳ እንተኾኑ፣ ምስ ሕልንኦም ክበኣሱ ክነብሩ ኢዮም። እቶም በብመንገዶም፣ ብዘይተወደበ መንገዲ ድምጾም ዘስምዑ ዘለዉ ይኹኑ ኣብ ተቓወምቲ ውድባት ዘለዉ ኤርትራውያን ግን፣ ምስ ግዜ ዝኸይድ ኣወዳድባ ከማዕብሉ ግቡእ ኢዩ። እዞም ኣብ ስደት እንርከብ ኤርትራውያን ድማ ክልተ ነገር ኢና ክንገብር እንኽእል። ንሱ ድማ

  1. ነቲ ኣብ ከባቢና ዝርከብ መሓውራት ህግደፍ ምድቓቕ፣ ኣብ ከከባቢና ንዝርከቡ ኣባላት ባይቶ፣ ጉዳይ ሃገርናን ስቓይ ህዝብናን ኣብ ነናይ ሃገሮም ፓርላማ ከቕርብዎን ክዘራረብሉን ምሕጽንታ ምቕራብ። ንኤምባሲታት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ መዘክራት እናቅረብካ፣ ስቓይ ኣሕዋትና ኣብ ምቅላል ክተሓጋገዙ ምሕታት፣ ኣብ ዘድሊ’ውን ብሰላማዊ ሰልፊ ተቓውሞኻ ምግላጽ ኢዩ።
  2. ‘ንህግደፍ ክምክት ይኽእል’ዩ’ ኢልና ንእንኣምነሉ፣ ኣብ ኤርትራን ከባቢኣን ንዝረአ ውዳቤታት፣ ብገንዘብን መኽርን ምሕጋዝ ኢዩ። ብሓጺሩ ነዘን ሕጂ ዘለዋ ወይ ብሕጂ ንዝፍጠራ ውድባት ምሕጋዝ ማለት ኢዩ።

ንኽልቲኡ ኣማሊእካ ምኻድ እቲ ዝበለጸ ኢዩ። ኣብ ውድባት ዝሰርሑ ኣሕዋት፣ ጸግዒ ነናይ ውድቦም ክወስዱን ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት ክህልዎምን ቅቡል ኢዩ። እቲ ክብ ኢሉ፣ ኣብ ቁጽሪ ሓደ ሰፊሩ ዘሎ ሓሳባት ግን፣ ንነብሲ ወከፍ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ደላይ ለውጢ ዝምልከትን፣ ብውልቂ ይኹን ብሓባር ክሰርሓሉን ዘለዎ ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ ዓንዲ ማእከል ናይ ጸገምና ስለዝኾነ።

ክልቲኡ ግን ሓደ ምስቲ ሓደ ተደጋጊፉን ተወሃሂዱን ዝኸይድ እምበር፣ ሓደ ናይቲ ካልእ መተካእታ ክኸውን ፍጹም ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብ ውድባት ምጥርናፍ ንበይኑ፣ ናብቲ ዕላማ ዘብጽሕ መስርሕ እምበር፣ ንባዕሉ ዕላማ ኣይኮነን። እቲ ዕላማ፣ ዝኾነ ‘ይሰርሕ’ዩ’ ዝበልካዮ ውዳቤ ፈጢርካ፣ ንህግደፍ ብፖለቲካ ስዒርካ ምእላይ ኢዩ። ስለዚ እቶም ኣብ ውድባት ተጠርኒፎም ዘለዉ ኣሕዋት፣ ዘለዎም ፍልልያት ዓቂቦም፣ ፍርሕን ምጥርጣርን ኣወጊዶም፣ ነንውድቦም ብገንዘብ ይኹን ብኻልእ ኣብ ምሕጋዝ ከይተሓጽሩ፣ ነቲ ብዓንዳርእሱ’ውን ተዓጢቖሙሉ ዘለዉ ዕላማ ንምዕዋት፣ ምስ ኣባላት ናይ ካልኦት ውድባት፣ ኣብ ውድባት ዘይተሓቑፉ ውልቀ-ሰባት፣ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን፣ ኣብ ከከባቢኦም ሓያል ውዳቤ ክፈጥሩ ምርኣይ ድሮ ተጀሚሩን ይስርሓሉን ዘሎ ኢዩ።

እዚ ሕጂ ዘሎ ኣወዳድባ፣ ነቶም ኣብ ውዳቤ ክቑረኑ ዘይደልዩ፣ ነቲ ምፍንጫላት ጸሊኦም፣ ወይ ዕድል ስኢንና ብምባል ጠጠው ኢሎም ዘለዉ ኣሕዋት ዝጥርንፍ ኣይኮነን። ብዙሓት’ውን ‘ክላ ዘይ ፋሕ ዝበሉ ኢዮም’ እናበሉ ከም መህደሚ ክጥቀሙሉ ይረኣዩ ኣለዉ። ካልኦት ድማ “ተጠርኒፍና’ዶ የለናን፣ ንምንታይ ካልእ ጉጅለ ወይ ጥርናፈ የድሊ” ዝብሉ ኣለዉ። እዚ ኣሰራርሓ’ዚ ግን፣ ንጥርናፈ ዝያዳ ዘሐይል፣ ነቲ ዘሎ ፍርሕን ምጥርጣርን ንምእላይ ባይታን ምትእምማንን ዝፈጥር፣ ብዓቢኡ ድማ ነቲ ኣንጻር ህግደፍ እነካይዶ ቃልሲ ዘሐይል እምበር፣ ከምቲ ገለ ሰባት ከጸልምዎ ዝፍትኑ ንዘሎ ጥርናፈ ዝብትን ኣይኮነን።

ኣብዚ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ንኣብነት፣ ኣብቲ ዶክቶር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) መጺኡሉ ዝነበረሉ እዋን፣ ኣብ ሎንደን፣ ካብ ኩሉ ዝተዋጽአት ሓንቲ ሽማግለ ቆይማ ምንባራ እዝክር። ብዛዕባ ዝሰርሓቶን ዝፈጸመቶን ዕማማት፣ ንዓኣን ንመረጽታን ይምልከት። እቲ ኣገባብ ግን፣ ኣብ ኩለን ከተማታት ዓዲ-እንግሊዝ ክተኣታቶን ክስርሓሉን ዘለዎ ኢዩ።

ነዚ ክብል ዘበገሰኒ ቀንዲ ምኽንያት፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣሕዋት ኣውያቶም እናሰማዕና፣ ኣብቲ ኣብ ሎንደን ዝርከብ ኤምባሲ እስራኤል ድምጽና ከነስምዕ ዘይምኽኣልና ብሓደ ወገን፣ ናብቲ ኣብ ቦሎኛ ዝነበረ ናይ ህግደፍ ፈንጠዝያ ተቃውሞና ንምግላጽ፣ ብዝተወደበ መንገዲ ወከልትና ክንሰድድ ዘይምኽኣልና ድማ በቲ ካልእ ኢዩ። (ብፍላይ ካብ ሎንደን ወጻኢ ዘለና ደለይቲ ለውጢ) ምስዚ ኣተሓሒዘ ክገልጾ ዝደሊ’ውን ኣሎ። ንሱ ድማ ካብ መራሕቲ ናይቶም ንነብሶም ከም መተካእታ ወሲዶም፣ ብስም መንእሰያት ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ክልተ ማሕበራት ዝወጸ (leak ዝገበረ) ሓበሬታ ኢዩ። እዚ ተንጀባሪሩ ኣብ ኣእዛንና ዝበጽሐ፣ ግን ከኣ ሓቅነት ዘለዎ ዝመስል “ንኣባላትና ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታት ክኸዱ ኣይነተባብዖምን ኢና። እቲ ናብኡ ንምኻድ ዘውጽእዎ ገንዘብ፣ ናዓና ክህቡና’ሞ ንሕና ድማ ኣብ ግብራዊ መዓላ ከነውዕሎ ኢና ንሓቶም” ዝብል ኢዩ።

ነዚ ክልተ ኣንፈት ዘለዎ ቃራና ዘረባ’ዚ፣ ነቲ ኣዎንታዊ መዳዩ ጥራይ መልሲ ክንህበሉ ግቡእ እመስለኒ። ንዓኣቶም “እንተድኣ ህዝቢ ዝዓግበሉ ጭቡጥ ስራሕ ሰሪሕኩም፣ ህዝቢ ባዕሉ ክሕግዘኩም ኢዩ። ንቤተ-ሰብ ወዲ ዓሊ ይኹን ንተጋዳላይ ደጀን ዓንደሕሸል ብህዝቢ ዝተወፈየ ገንዘብ ድማ ጭቡጥ ኣብነት ይኹንኩም። ኣባላትኩም፣ ኣብቲ ዝግበር ተቓውሞታትን ሰላማዊ ሰልፍታትን፣ ምስ ኩሉ ካልእ ደላይ ለውጢ ሓቢሮም፣ መሪሕ ኮይኖም እንተ-ተንቀሳቒሶም፣ ሰብ ክዓስሎምን ዝበዝሐ ሰዓቢ ክህልዎምን ኢዩ” እብሎም። ማዕረ-ማዕሪኡ ድማ እቲ ሓድሕድ እንሰምዖ ዘይውርዙይ፣ ኣእዛን ዝሕርሕር ናይ ቃላት ዳርባ ደው ክብል ይግባእ።

ቀጺለ፣ ከምቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት፣ ንኹሎም ደለይቲ ለውጢ ዝጥርንፋ ኮሚቴታት  ቆይመን ክበሃል ብመራኸቢ ብዙሃን ዝሰማዕናዮ፣ ኣብዘን ካብ ሎንደን ወጻኢ ዘለዋ ዓበይቲ ከተማታት ዓዲ-እንግሊዝ’ውን፣ ብከተማ ደረጃ ዘወሃህዳና ጥርናፈ ክህልዋና ኣገዳሲ ኢዩ። እዚ ተበግሶ’ዚ ሓድሽን ቅድሚ ሕጂ ዘይተላዕለን ኣይኮነን። ዝተፈላለየ ዕንቅፋት ክጋጥሞ ጸኒሑ ኢዩ። ምስ ኩሉ ጎድናዊ ሳዕቤናቱ ድማ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ምድኻም ተራ ነይሩዎ ኢዩ። ስለዚ ውዳቤናን ጥርናፈናን ኣሐዲስና ሓቢርና ብምስራሕ ንህዝብና ድምጺ ንኹኖ።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፣ እዘን ብኸተማ ደረጃ ዝቖማ ሽማግለታት፣ ንኹሉ ደላይ ለውጢ ዝጥርንፋ፣ ኩሉ ደላይ ለውጢ ብዝሰማማዓሉ ናይ ሓባር ሕጊ ዝምርሓ፣ (እቲ ዝቐውም ናይ ሓባር ሕጊ፣ ንውሽጣዊ ኣሰራርሓ ናይ ነብሲ-ነከፍ ውድብ፣ ማሕበር ወይ ምንቅስቓስ ዘይጻረር ኮይኑ)፣ ኣብታ ከተማን ከባቢኣን ኣንጻር ህግደፍ ንዝካየድ ተቓውሞታት ዘወሃህዳ ክኾና ይግባእ። ምሁራትን ክኢላታትን እናመረጻ ምስ ፖሊስን ምምሕዳር ከተማን ይራኸባ። ምስ ኣብ ከባቢአን ዘለዉ ኣባላት ፓርላማ (MP) ፍሉይን ዝተወሃሃደን ጽሑፋት ብምድላው፣ ጉዳይ ሃገርናን ስቓይ ህዝብናን ኣብ ፓርላማ ንኽዝረበሉ ምሕጽንታታት የቕርባ። ዓቕምን ጽልዋን ዘለዎም ኤርትራውያን ሃሰስ ብምባል፣ ናብ ኤምባሲታት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መዘክራት ብምቕራብ፣ ሽግር ኤርትራውያን ኣብ ምቅላል ክተሓባበሩ ይጽውዓ። ብፍላይ ድማ ኣብተን ብብዝሒ ኤርትራውያን ዝርከቡወን ሃገራት፣ ሽግር ምስ ተፈጥረ ዘይኮነስ፣ ኣቐዲምካ ምግባሩ ዝሓሸ ኢዩ።

ቅድሚ ሕጂ ዝተራእየ ጸገም’ውን ኣሎ። እቶም ናብ ሽማግለ ወይ ኮሚተታት ዝምረጹ ሰባት፣ ንሕጋውን ሓባራውን ኣሰራርሓ ዘኽብሩ፣ ኣብቲ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፍታትን ካልእን ድማ፣ መሪሕ ተራ ዝጻወቱን ክጻወቱ ዝረኣናዮምን እምበር፣ ኣብቲ ዝግበር ተቓውሞታት ወሰን ተጸጊዖም ኮፍ ዝብሉ፣ ወይ ፈጾሞም ዘይርከቡ፣ ኣብ ኣኬባታት ግን ልዕሊ ሰብ መደረታት ዘስምዑ ከይኮኑ ክንጥንቀቕ ይግባእ። ከምኡ ምግባር ነቲ ስራሕ ሃሳዪ ጥራይ ዘይኮነ፣ ነቶም ብተወፋይነት ዝንቀሳቐሱ’ውን ዘጉድም ኢዩ።

ኣብ መደምደምታ ክብሎ ዝደሊ፣ እቶም ኣብ ገገዛና ንህግደፍ ክንራገም እንውዕል፣ ወጺእና ድምጽና ነስምዕ። እቶም ኣብ ናይ ተቓውሞ ጉጅለታት ኮንኩም በብወገንኩም ተቓውሞኹም ተስምዑ ዘለኹም፣ ዓቅምኹም ጠርንፉዎን ኣወሃህድዎን። ነንበይንኻ ምስራሕ ካብ ኣዎንታኡ፣ ዘምጽኦ ኣሉታዊ ሳዕቤን ይዓቢ። እቶም ኣብ ሒመታን ቤላ-ቤሎውን ተጸሚድኩም ዘለኹም ድማ፣ ናብ ጭብጥን ርትዕን ቅረቡ። ሕጋውን ሓባራውን ስራሕ፣ ዓንዲ ማእከል ናይ ኩሉ ኣሰራርሓና ይኹን። ኣብ ጉዳይ ገዛእ ሃገርና ጓናን መቕርብን ኣይንኹን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • wolde July 25, 2014

    dear brother, and fellow eritreans,
    Minkisikas niharnet inside Eritrea gave us the road-map solution to our beloved Eritrea we need to support it either with substantial money contribution, or be hero by eliminate the dictator criminal group in Eritrea on my side I am already save substantial amount of money to that purpose, and I believe deeply that is the only solution. Lets show our support to see better feature of our people.

    Glory to our Martyrs

  • Daniel July 26, 2014

    ብወገነይ፣ ከምቲ “እናሰምዐ ዘጽቀጠ፣ እናሰምዐ ቅበሮ” ዝብል ምስላ ኣቦዋት?? I think iti misla indaraaye zmote indasemme’ kibero ya tbl.

  • ashenafi July 26, 2014

    ሰላም ንኩሉኩም መዳለውቲ ኣሰናን ኣሰናዳአቱን።ብዝግበር ዘሎ መስርሕ ጽባህ አኡ ትሳማኩም አሞ ሎሚ በዚ ዝዋሃብ ዘሎ ዘናታት ኣተጠው ቐጠው ዘረባ ዋጋ ካይ ሃብኩም ቐጽሉ አየ ዝብለኩም።ስለዚ ሂርመት ልብና ብሐንቲ ተጠእሚሩ ክስጉም አንተ ኮይኑ ናትኩም ጽናዐት ምስ ዝተርር አዩ አሞ ኣጀኩም አየ ዝብለኩም።ኩቡር ሐው ታደሰ ካአ ብዝሃብካና ገላጺ ሃሳብ ካየመስገንኩካ ክሐልፍ ኣይደልን አየ፣በርቲዕ መኣዲ ሰላምና ክመለአ።

  • mahta July 26, 2014

    Thank you Mr Dadese for the important advice . We will do it. It is not easy . I hope every body organise to save his people.

Post a Reply to Daniel Cancel Reply