Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናብ ፡ መደብ ተሌቭጅን ኣሰና – እዚ ዝስዕብ መልእክተይ ንህዝቢ ኤርትራ ክቃላሓለይ ብትሕትና እሓትት።

ሕዳር 28,2019 ናብ ፡ መደብ ተሌቭጅን ኣሰና ሰላምታይ ብምቕዳም እዚ ዝስዕብ መልእክተይ ንህዝቢ ኤርትራ ክቃላሓለይ ብትሕትና እሓትት። ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፥ እዚ መንደላይ ተመን ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ኣገሪሁ፥ኣዘንጊዑ፥ኣታሊሉን መቓቒሉን ኣብዚ በጺሕካዮ ዘሎኻ ደረጃ ውድቀት ኣብጺሑካ ኣሎ።ኣብዚ ደረጃ ውድቀትዚ ኣብጺሑ ኣብዘይ

ሕዳር 28,2019
ናብ ፡ መደብ ተሌቭጅን ኣሰና
ሰላምታይ ብምቕዳም እዚ ዝስዕብ መልእክተይ ንህዝቢ ኤርትራ ክቃላሓለይ ብትሕትና እሓትት።
ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፥
እዚ መንደላይ ተመን ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ኣገሪሁ፥ኣዘንጊዑ፥ኣታሊሉን መቓቒሉን ኣብዚ በጺሕካዮ ዘሎኻ ደረጃ ውድቀት ኣብጺሑካ ኣሎ።ኣብዚ ደረጃ ውድቀትዚ ኣብጺሑ ኣብዘይ ምለሰሉን ናይ መወዳእታ ደረጃ ኣብጺሔዮየ ኣብዝበለሉን ድማ በሽካዕላል ድላየይ ክገብረካን ክሸጠካን ብውክልና ክገዝኣካን ከግዛኣካን ይፍትን ኣሎ።
ኣብነት ሕግን ፍትሕን ኣብነት ወፍርን ንግድን ናይ ኣፍሪቃ ዝነበረት ኤርትራ ብኹሉ ጭራ ደረጃ ከምትስራዕ ጌሩዋሎ።ምስ ኩሉ ጸጋታታ ብድሑር ኣገባብ ኣሰራርሓን ፖሊስን ውድቅቲ ሃገር ጌሩዋሎ።
ደይ መደይ ኢሉ ሙሁራታ ኣባሪሩ፡ዩኒቨርሲቲ ዓጽዩ፡ንድርካበን ኮለጃትውን ብኽንደይ ፈፈው ባዕላተን ተጣይሰን ክብገሳ ኣብ ስደት ብሳላ ህርኩታት ተመሃሮኤን ኣብ ዓለም ተፈላጥነት ረኪበን ክብገሳ ክጅምራ አንከሎዋ እንዳዳኸመን አንዳዓጸወን ተመሃሮን መማህራንን ተስፋ እናቑረጸን ጸረ ትምህርቲ ምዃኑ ብግብሪ ኣመስኪሩ።
ነጋዶ ካብ ሃገር ኣባሪሩ ዕላማ ይኩን ቑጽጽር ብዘይብለን ብሓጎስ ካሻ ዝቖማን ዝእለያን ቁጠባዊ ትካላት ህግደፍ ተኪኡ ንሳተንውን መህጠር ጁባ እቲ ፋሉል ውድብ ህግደፍን መራሕተንን ኮይነን ራኢ ስለዘይብለን ንብሕታዊ ትካላት ኣጥፌኤን ይጠፍኣ ኣሎዋ።
ሓረስታይ ብሰሪ ጉጉይ ፖሊሲ መሬትን ሕርሻን ካብ ድኽነት ክወጽእ ኣይከኣለን
እተን ዝንየተለን ሰሪሐየን ዝብለን ዲጋታት ጸገም ህዝቢ ክፈትሓ ኣይተራእያን።ንሰንውን ብዘበናዊ ተክኖሎጂ ብዓመታት ዘይኮናስ ብኣዋርሕ ክስራሓ ዝግብኤን ዝነበረ ብዘይሓልየሎምን ብመደብ ሞራሎም ንምቕታል ብዝምደቡ መንእሰያት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ብጉልበት ንዓመታት ኣብ ውጺኢት ዘይብሉ ስራሕ ኣዋፊርካ ካብዚ ዝከፍእ ንዋታዊ፡ ፋይናንሳውን፡ሰብኣዊን ሃብቲ ሃገርን ምብኻን የለን
ተመሃራይን መንእሰይን ብትምህርቲ ከይጸግብን ከይምርዖን ከይድርዖን ኣብ ውጽኢት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዕድሚኡ ኣሕሊፍዎ መጻኢ ራኢ ጠፊእዎ ብፈቀዶ ባሕርን ምድረበዳን ዝረኸበ ይርከበኒ ብምባል ናብ ፈቀዶ ኤውሮጳን ማአከላይ ምብራቕን ኣመሪካን ተበቲኑ፡ሃገሩ ጸሊኡ ንዝፈትዋን ዝተሰዋኣላን ሃገር ኣብ ፈቀዶ ስደትን ከርተትን ኮይኑ ኣማዕዲዩ ይሪኣ ኣሎ።ጽባሕ ናጽነት ብዛዕባ ምምላስ ስደተኛታት ከምዘይተዘርበ ምምላስስ ይትረፍ ሕጂ ብዓሰርተታት ዕጽፊታት ካብቲ ዝነበረ ተባዚሑ ብስደት ህዝብና ይጸንት ኣሎ።
ብምስምስ ኣይኩናት ኣይሰላም ቢልዮናት ዶላራት ክርከቦ ዝከኣል ዝነበረ መተሓላለፊ ወደባት ኤርትራ ኣምኪኑ፡ካብ ማዕድን ዝረኸበን ጸጋታት ሃገር ህዝቡ እናጥመየ ንድሕነት ሃገር ዘይኮነ ንመናዊሒ ስልጣኑ ክብል ንተቃወምቲ መጫጭሒን መፍረይን እናውዓለ እከይ ተግባራት ኣብ ምፍጻም ጸሓይ ዓሪባቶ።
ሃገር ሕጊን ፍትሒን ኣልቦ ኮይና ብናይ ሕልናን ሃይማኖትን ፖለቲካን እሱራት ብዘይ ፍርዲ ዝዘቕበበትላ ኮይና ተሪፋላ።እዞም እሱራት ኩሎም ሓራ ክወጹ ዘማዕድዉዎ እንተሃልዩ ድሕሪ ፈጣሪኦም ካብ ደለይቲ ፍትሒ ውድባት ጥራሕዩ።ማዕከናት ዜና ደለይቲ ፍትሒ ሞራል ኩሉ ህዝብን እዞም እሱራትን ኣብ ምዕቃብ ዓቢ ተራ ተጻዊተንየን ክሳብታ ዝጽበይዋ መዓልቲ ሓርነት ትመጾምውን ይጻወታ ኣሎዋ።ንሶምውን ሃንቀው እናበሉ ይጽበዩ ኣሎዉ።ኹሉ ደላይ ፍትሒ በብዓቅሙ ነዘን ማዕከናት ዜና ከሕይለንን ክምውለንን ብዉዱብ ኣገባብ ክስርሓሉ ዘሎዎ ቀንዲ ኣካል ስትራተጂ ቃልስና እዩ።
ስርዓት ሕግደፍ ክፍኣቱ ዝሽፍኑሉን ዘጸባብቁሉን ከምኡውን ኩሉ ተስፋ ብምቑራጽ ዝንብርከኸሉን ሃዋህው ንምፍጣር ናይ ህዝቢ ተገዳስነት ብዘይብሎም ብገንዘብ ዝዕሰቡ መደርቲን ሃሱሳትን እንዳቆጸረ ሰብ ካብ ምድንጋርን ኣብ ሞንጎ ደለይቲ ፍትሒ ሰባትን ውድባትን ተገደስቲን ተቓወምቲን ብምምሳል እናኣስሎኸ ምብታን ዕላሙኡ ስለዝኮነ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ብዕቱብ ከስተብህለሉ ዘሎዎ እዩ።ኣብ ምውዳቑ ኩሉ ጸጋታት ሃገር ጓህጒሑ ንስለያዊ ንጥፈታቱን ንምሕያልን ተቃውሞ ህዝቢ ኣብ ምብርዓንን የውዕሎ ኣሎ።
ድምጺ ህዝቢ ሰሚዑ ዝሕግግን ዝመርሕን ዝቆጻጸርን እትፍርሞም ሃገራዊ ሕግታትን ኣህጉራዊ ውዕላትን ኣቐዲሙ ተኻቲዑ ዘጽድቅን ዝከታተልን ወካሊ ህዝቢ ወይ ፓርላማ ዘይብላ ሃገር ውድቕቲ ሃገርያ።
መሰረት ሃገር ዝኮነት ስድራቤት በታቲኑ፡ኩሉ ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣዕንዩ፡ናይ ስራሕ ባህሊ ኣጥፊኡ፡ሞራል ሕብረተብና ደቊሱ ንሃገር ብዓይኒ የብለይ እዝኒ የብለይ ናብ ደልሃመት ሒዝዋ ዝሕምበብ ዘሎ ስርዓት ኢደይ ኢደይ ኢልካ ክእለየሉ ዘሎዎ ጊዜ ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚዩ።
ሎሚ ገበናት እንጸባጸበሉን ነንሕድሕና እንናኣኣሰሉን ጌዜ ኣይኮነን።ሎሚ ተኻኣኢልናን ተፋቂርናን ተወዲብና ብህጹጽ ነዚ ስርዓት እንኣልየሉን ኣብ ቦታኡ እታ እንደልያ ብቅዋምን ሕግን፡ብባይቶን ስርዓትን እትማሓደር ኤርትራ ምትካልዩ።
ገበናት ስርዓት ህግደፍ ጸብጺብካ ስለዘይውዳእ ንድሕሪ ሓርነት ኤርትራ ንክሪኦ ብዝቀውም ትካላትን ሕግታትን ገዲፍካ ውራይ ናይ ሕጂ ምግባር ትራሕዩ ዘድሊ።
ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ብዝበርትዔን ብዝተወደበን ኣገባብ ክሰርሕ ኣሎዎ።ካሎኦት ውድባት ይኹኑ ውልቀሰባት ነዚ ንምሕያል ክሰርሑ ኣሎዎም።
ብዝቐልጠፈን ብዝተወደበን ስልዃ ጸላኢ ብዘየዝርቑን ኣገባብ መንግስቲ ኣብ ስደት ቖይሙ ሕጋዊ ተፈላጥነት ሓቲቱ ዓዲ ንምእታው ክስራሕ ውዓል ሕደር ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን።
ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዘሎዉዎ ሰራዊት ህዝቢ ምዃኖም ስለዘይተርፍ ትሑዛት እዮም።ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ዳርጋ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኣካል እዚ ውደባዚዩ።ስለዚ እዋኑ እዋን እቶ እቶ ስለዝኾነ ኩሉ ብጉልበቱ፡ብፍልጠቱ፡ብገንዘቡ ዝረባረበሉ እዋን ሕጂ ስልዝኾነ ባይቶታት ይ ኣክልን ካሎኦት ናይ ለውጢ ሓይልታትን ኣብ ሓደ ጽላል ለውጢ ብምዕሳል ኩሉ ዓይነት ናይ ቃልሲ ኣገባባት ተጠቂሞም ኢደይ ኢድካ እንበሃሃለሉ እዋን ሕጂዩ።
ዓወት ንደለይቲ ፍትሒ !
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ !
ኣምላኽ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ !
ወጋሕታ በርሀ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde November 6, 2019

    It is a well rounded timely message we must heed and rally around,similar calls has been resonating decades long from the wilderness since the onset of the signs and symptoms of the disease which plagued us today.Remission and healing is possible if we respond together,otherwise the prognosis is…

  • Hdrisuehalalmariet November 12, 2019

    A good message but lacks clarity. Paralleling Isaias afewerk with temen is not appropriate analogy. The two may bite with deadly consequence but for different purpose: the snake for pure defensive motive , whereas Isaias afewerk is for complete annihilation of our people as a means of annexing our country to ethiopia.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply