“ኒሕካ ይበራበር”
ልቢ ኣይነቅጽን - ዝበለ መን’ዩ ከብዲ ኣይሓርርን - ዝበለ መን’ዩ ሕልና ኣይስሕትን - ዝበለ መን’ዩ እግሪ ምስተፈነወ - ናብ ዝወስዶ ኣያ ብምስእኑ - ብኣጆኻ ዝእብዶ ንቅድሚት ሰጉሙ - የማን ጸጋመ ዓይኒ ተዓሚቱ - ዝረግጾ ከየስተውዓለ ናብ ሞት ኣፍ - ብኽፉቱ ዝጽበዮ ንነፍሱ ቀቢጹ
ልቢ ኣይነቅጽን – ዝበለ መን’ዩ
ከብዲ ኣይሓርርን – ዝበለ መን’ዩ
ሕልና ኣይስሕትን – ዝበለ መን’ዩ
እግሪ ምስተፈነወ – ናብ ዝወስዶ
ኣያ ብምስእኑ – ብኣጆኻ ዝእብዶ
ንቅድሚት ሰጉሙ – የማን ጸጋመ
ዓይኒ ተዓሚቱ – ዝረግጾ ከየስተውዓለ
ናብ ሞት ኣፍ – ብኽፉቱ ዝጽበዮ
ንነፍሱ ቀቢጹ – ጠኒኑ ዝኣትዮ
ግፍዒ ጭቆና – ኣገዲዱ ዘንፈጾ
ጸጊቡ ይብሉዎ – ክንዲ መሪርዎ
ሓንቂቁ ተባሂሉ – ክንዲ በርቲዒዎ
ኤርትራዊ ዜጋ – እዝይ እንኳ ዊሒዱዎ
ዝብሉ ኣይተሳእኑን – ንሰማዒ ዘደንጸዎ።
ካብ ዓዶም ስቓይ – ግፍዒ ደፊኢዎም
ኣብ በረኻ መገዲ – ሞት ተጸቢዎም
ካብ ሓዊ ሃዲሞም – እቶን ተቐቢልዎም
ንባርነት ነጽጎም – ንስደት ደፊሮም
ኣብ ባሕርን ምድረበዳ – ሞት ጨኒዎም
ከም ከብቲ ክስዕብዎ – ሃነን ኣቢልዎም
ንመኽሰብ ዕዳጋ – ራሻይዳ ክጨውይዎም
ኣትረርቲ ሃይማኖት – መምሪጾም ክሓርድዎም
ኤርትራውያን ንሞት – ባህጊ ከምዘለዎም
ይቕዘፉ ብጅምላ – ረዳኢ ዘይብሎም
ህግደፋውያን ግና – ይስዕስዑ ተጠሊዖም።
ኣብ ዓዱ ዘይቀሰነ – ኣብ ገዝኡ
ፍትሒ መሰል – ዘይረኸበ ኣብ ደንቢኡ
ኣብ ስደት በርኻ – ፈቖዶ ተደርብዩ
ዋጋ ኣቕሓ ኮይኑ – መንእሰይ ዕድሚኡ
ባዓል ገንዘብን ሓያልን – ኮይኑ ወናኒኡ
ክብሩ ተገፊፉ – ከይነብር ቀሲኑ ተሳንዩ
ከም ሰብ ተቖጺሩ – ከይሓሪ ከምድላዩ
ምንባር ምስ ዘይምንባር – ሓርቢትዎ ቃንኡ
ንመሰሉ ከይሓትት – ጠፊዎ ኣማኒኡ
ተበለጽቲ መኸርዎ – ክሰግድ ኣዳሕዲሑ
ስሱዓት በልዎ – ህግደፍ’ዩ ፈጣሪኡ
ንምንባር ከምልኽ – ከይፈተ ቀታሊኡ።
ስቅያት ኣብ ገዛኻ – ትበልዖ ከይሰኣንካ
ሞት ኣብ ቅድሜኻ – መጻብቦ ማሕለኻ
ኤርትራዊ ዜጋ – ትመርጾ’ዶ ጠፍኣካ
ዝኣመንካዮ ክኽሕደካ – መአስ ተጸቢኻ
መብጽዓ ዝጠልም – ዝወጽአ ካብ ብርክኻ
ጅግንነት መስዋእቲ – መአስ ዊሒዱካ
ንስለ ናጽነት – ብሉጻት ከፊልካ
ጠላም ዓዲ ኣቡኡ – ነጊሱ ኣብ ልዕሌኻ
ንሞትስ ብሞትካ – ጥራይ ኢኻ ተሕውያ።
ዝግ በልሞ ንዕላሎም – ሕሰብ ብጽምዋ
ዘክሮም ንድሕሪት – ብሉጻት ዝሓለፉላ
እንታይ ነይሩ ዘነድሮም – ክጎዩ ብዝላ
ግፍዒ’ዶ ኣይነበረን – ጭቆና ህዝብና
ብሰላም ቅሳነት – ክመሓደር ሃገርና
ማዕርነት ክሰፍን – ክረጋገጽ ምዕባለና
ኣይነበረንዶ ሓቂ – ክቡር ህይወት ዘኽፈለና
ሎሚ ግን ተረሲዑ – መብጽዓ ጀጋኑና።
ዘክርዎ’ባ ሎሚ – ናይ ገድሊ ሙያኹም
አነባ አነ ክትበሃሃሉ – ክትሓልፉ ንብጻይኩም
ንስልጣን ድዩ ነይሩ – ድሕሪት መትረፊኹም
ስንኩላት ክትርሽኑ – ብድዐ ሳዕሪሩኩም
ደቂ ስውኣት ክትኣስሩ – መሰሎም ገፊፍኩም
አበይ አሎ እቲ ሙያ – ቅያ ሕድርኹም
ሰይቲ ስውእ ክትበኪ – ክስደዱ ደቅኹም
ኤርትራ ክትጸንት – ዓገብ ብዘይምባልኩም
መርገም ድዩ ምረቓ – ኣጉቢጥዎ ዝባንኩም
ንግፍዒ ክትሰግዱ – ታሪኩም ጉሒፍኩም
ዘሕዝን ዘስደምም – ትገድፍሉ ሓድግኹም።
ንህዝቢ ዝረገጸ – ዝዓበደ ብደም
ዘይሕተት ኣይኮነን – ንፍትሒ ንሰላም
ቅሩብ ኒሕ ሓቦ’ዩ – ዝድለ ኣብ ዓለም
ግራትካ ጽሂይካ – ዝርኣትካ ክልምልም
ንእሾኽ ቦንቁስካ – ቅሳነት ክትተክል
መፍትሕ ኣብ ኢድካ – ኣይትግበር ቀለዓለም
ሃውልትኻ ክነብር – ኣብ ልዕሊ መቓብር
ሽምካ ክዝከር – ንታሪኽ ምስክር
ንሞት ኣይትፍርሃያ – ቀታሊኻ ክትቀብር
ሓቒፍካ ህዝብኻ – ጭቆና ክትሰብር
ዘክሮ ናይ ትማሊ – ኒሕካ ይበራበር።
ራህዋን ቅሳነትን፥ ንህዝብናን ዓድናን
ሰላምን ሕብረትን፥ ንደለቲ ፍትሒ
ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል
“ሕልና ሰነ 13, 2015”