Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ነጻነት ኤርትራ ናይ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ!”

ሓደ ዘደንጹ ብህሎ ብተደጋጋሚ ክበሃል ካብ እንሰምዖ ነጻነት ተጨውያ ዝብል እዩ። ወረግ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ክዝረብ ዝሰማዕኩዎስ: ፍጹም ዘደንጹ እዩ። "ነጽነት ኤርትራ ተጨውዩ እዩ ይብሉኻ። መን ብኸመይ ጨውይዎ ኢልካ ምስ እትሓቶም መልሲ ስኢኖም ጥርቅም ይብሉ።

ሓደ ዘደንጹ ብህሎ ብተደጋጋሚ ክበሃል ካብ እንሰምዖ ነጻነት ተጨውያ ዝብል እዩ። ወረግ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ክዝረብ ዝሰማዕኩዎስ: ፍጹም ዘደንጹ እዩ። “ነጽነት ኤርትራ ተጨውዩ እዩ ይብሉኻ። መን ብኸመይ ጨውይዎ ኢልካ ምስ እትሓቶም መልሲ ስኢኖም ጥርቅም ይብሉ። ነጻነት ዘይነበሮ ሽፍታ ገድሊ ከመይ ቢሉ ነጻነት ክምጥው ? ህዝቢ ኤርትራ ሽፍትነት እምበር ዘካየዶ ገድሊ ይኹን ቃልሲ ብፍጹም የለን። ህዝባዊ ግንባር ካብ ሳሕል ናብ ኣስመራ ባርነት ኢዩ ሒዙ ኣትዩ። 24 ግንቦት መዓልቲ ባርነት ኤርትራውያን እያ። 24 ግንቦት ናይ ህዝባዊ ግንባር ናይ ህግደፋውያን እምበር ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነትን። ስለ ዝኾነ ክነብዕላን ክንዝክራን ብፍጹም ኣይግባእን።” ዘደንጹ ኢዩ!!! እቲ ምንታይ ንናጽነትን ልዑላውነትን ሃገረ ኤርትራ ጠሪሹ ዝኽሕድ ስለ ዝኾነ።

እቲ ብህሎ ብፍጹም ዘይ ሓላፍነታውን ቅድሚ 26 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ብናይ ህይወት መስዋእትን ዓውው ብዝበለ ሕቡር ድምጹን ዝሰዓሮ ደርጋዊ ኣስገዳዲ ትምክሕቲ እዩ። ከምቲ ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን ዝብል ናይ ቅትለትን ጽንተትን ትምክሕቲ። ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍ ፍጹም ጸቢብዎ ኣብ ዝሃለወሉ ናይ ጽልግልግ ግዜ: ፈኸም ክብል ንርእዮን ንሰምዖን ዘለና: ባዶሽ ግን ድማ ኣዝዩ ሓደገኛ ከራሚ መርዚ’ዩ። ኣዝዩ ኣዝዩ ረቂቕ ጥጅእ ውን’ዩ። ንኤርትራውያን ኤርትራውነቶም ከም ዝጸልኡ ጌርካ ኤርትራን ኤርትራውነትን ንምድምሳስ ዝተኣልመ ከንቱ ሃቐነ።

እቲ መደረ ንሓቅን ክውንነትን መሰረት ዘይገበረ ኣብ ርእሲ ምኻኑ: ንቓልስን ኣዝዩ ከቢድ መስዋእትን ህዝቢ ኤርትራ: ብፍጹም ዝኽሕድን ስለ ዝኾነ: ኣብቲ ብቐደሙ እውን ስዑር ናይ ቆይቂ መኣዲ ኢደይ ክመልስ ኣይደልን። እቲ ምንታይ ከምቲ ኣምሓሩ ክምስሉ ” የቆጡን ኣወርድ ብላ የብብትዋን ጣለች!” ዝብልዎ ኮይኑ እዩ ዝስማዓኒ። ዝጨበጥናዮ ነጻነት ኣሚናን ሒዝናን ድኣ ነቲ ገጢሙና ዘሎ ዓማጺ ምሕደምራ ሱር መሰረቱ ቦንቂስና ንኣልዩ እምበር: ኣብ ደረት ምዕራፉ በጺሑ: መዓልቦ ተገይሩሉ ዝተወደአ: መዝገቡ ኣብ ዝተዓጽወ ጉዳይ: ብማልና ንቃመረሉ ዕሽነትስ ብፍጹም የብልናን።

ሰላም ኩቡር ህዝቢ ኤርትራ። ሰላም ኩቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን። ሰላም ኩሉኹም ደለይቲ ጽቡቕን ተቓለስቲ ንፍትሕን መፍቐርትን ፈተውትን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ። ብመጀመርያ እንቃዕ ናብ መበል 26 ዓመታት ዕለተ ልደት ነጻነት ኤርትራ ኣብጽሓና። መበል 26 ዓመታት ዕለተ ልደት ነጻነት ኤርትራ ኣብ እንዝክረሉ ናይ ጽልግልግ እዋን: ነቲ ዘየፈላሊ ፍልልያትና ኣውጊድና: ኩሉ ውልቃውን ውድባውን ድሌታትና ኣወንዚፍና: ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ቀዳምነት ሰሪዕና: ብዘይ ወዓል ሕደር ንኹልና ዝጥርንፍ: ደርማስ ማዕበል ፍትሒ: ኣብ መላእ ዓለም ክንፈጥርን ከነተንስእን ግዜ ኣፍ ኣውጺኡ የድህየና ምህላዉ እናኣስተባሃልናን እናሓሰብናን ክኸውን ይግባእ።

መበል 26 ዓመት ነጻነት ኤርትራ: ዋናታቱ ንሕና ባዕልና ስለ ዝኾና እምበር: ንሃልክን ንምድማቕ ዳንኬራ ዓማጺ ስርዓት ህግደፍን ኢልና እነብዕሎ በዓል ከም ዘይኮነ: ዋላ እቶም ብኹሑን ጽልኢ ኣብ ናይ ህልኽን ቅርሕንትን ዓዘቕቲ ዝተሸኽሉ ኣሕዋት: ንእምነትና ብልቦም ከም ዝኣምንሉ ኣይጠራጠርን’የ። እቲ ምንታይ ንሕና ኤርትራውያን ምስ ነጻነት ኤርትራ ዘለና ቃል ኪዳን ናይ ሔማ ኣስኬማ ምኻኑ ኣጸቢቖም እፈልጥዎ እዮም። ብኣንጻሩ ንርእሰ ኩለን በዓላትና ዝኾነት 24 ግንቦት: ንይምሰል ንሃልክን ባጫን ዘብዕል ዘሎ ስርዓት ህግደፍ እዩ። ንመናውሒ ዕምረ ምልኩ ፈንጠዝያዊ ዳንኬራታት ተኺሉ ህዝቢ ብጉሁይ ልቡ ብፍርሕን ኣስገዳድን ዘላህይ ዘሎ ንሱ እቲ ዓማጺ ስርዓት ህግደፍ እዩ። ክኹነን ዝግበኦ እውን ንሱ ስርዓት ህግደፍ እዩ።

ብርግጽ ዳርጋ ንኽልተ ዓሰርተው ዓመታት: ንባዕልና ኣብ ዘይ ምህላዉ እናሃለና: ነቲ ኤርትራዊ ህላውነትና ዘረጋግጽ ክብረ መንነትና ነጻነት ነብዕልን ንዝክርን ምህላውና ኣይከሓድን። መዓልቲ ነጻነት ንምዝካርን ንምኽባርን ግድነት ፈንጠዝያዊ ዳንኬራታት ንግበር ዝብል እምንቶ ውን ብፍጹም የብለይን። ስለምንታይ ዕለተ ልደት ነጻነት ኤርትራ ነብዕሎን ንዝኽሮን ግን ውሽጥና ኣጸቢቑ ዝፈልጦን ዝኣምነሉን ኣብ ከብሕታት ልብና ብደሚቕ ተወቒሩ ዝተጻሕፈን ሓቒቕ ሓቂ ኣሎ’ዩ።

ስለምንታይ ? እንታይ ዝኦሙ ሓቒቕ ሓቂ! ? ዋናታት ነጻነት ኤርትራ ንሕና ኩልና ኤርትራውያን ኢና። ስርዓት ህግደፍ ንበሎ: ጽባሕ ኣብ ልዕሊ መቓብር ስርዓት ህግደፍ ክንተኽሎ ኣብ እንሓልሞ ፍትሓዊ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ: እቲ ናይ ባዕልና: እቲ ናይ ኩልና ሓባራዊ ዋንነትና ኣሕዲጎም: ንሶም ጥራይ ዋናታት ነጻነት ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም።

እቲ ምንታይ ኩሎም ስርዓታት እንተስ ሕማቕ ሓደው ጽቡቕ ዝኽሪ ገዲፎም ዝሓልፉ እምበር: ንመዋእል ነበርቲ ኣይኮኑን። ኣብዛ ዓለምና እቲ ህላውነቱ ኣውሒሱ ዝቕጽል ህዝቢ ጥራይ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ: ከም ኩሎም ኣህዛብ ናይዛ ዓለም: መሬት ዋላ ልዕሊ ልዕሊ ኣፍ ዑንቂ ትጽበብ ኤርትራዊ ክብሩን መንነቱን ዓቂቡን ኣውሒሱን ዝቕጽል ህዝቢ ምኻኑ ሕሉፍን ሓቀኛን ዘኹርዕ ታሪኹ መስክሩ እዩ።

ሎሚ ብሰንኪ ዓማጺ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ስለ ዝተበደለ ስለ ዝተገፍዐ ስለ ዝተቐትለን ዝተሞቕሐን ጨኒቕዎ ብነጻነቱ ክቃመር ምሕሳብ ዘይሕለም እዩ። ሰለ ዝኾነ ንስርዓት ህግደፍ ጸሊእና ነቲ ካልእ ፈቲናን ነቲ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈልናሉ ኩቡር ነጻነትና ንሓደካ ኣሕሊፍና ኣይንህብን ኢና። ነጻነት ንምድላይ ዘሕለፍናዮ ነዊሕን መሪርን መስገደል ገድሊ: ዝኸፈልናዮ ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት መስዋእቲ መጣልዕን መቃመርን ነዚ ሕጂ ኤርትራውነትና ፍጹም ንኽንጽየኖን ክንፍንፍኖን ዝግበር ዘሎ ነቲሕ ህግደፋዊ ውዲት ክኸውን ኣይክእልን’ዩ።

ኣብዚ ተነጺሩ ክፍለጥ ዘለዎ: ኤርትራውነትና በዚ ዘሎ ዓማጺ ስርዓት ህግደፍ ይኹን: ጽባሕ ኣብ ርህውቲ ኤርትራ ብዝመጽእ ካልእ ስርዓት: ጸሊኡ ዝኸልኣና: ፈትዩ ከም ገጸ በረኸት ዝዕደለና: ህያብ ኣይኮነን። መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኤርትራውነቱ ዓቂቡ ንቐጻላይ ወለዶታት ከውርስን ነጻን ሉዑላዊትን ሃገረ ኤርትራ ኣውሒሱ: ታሪኻውን ሓላፍነታውን ዓሸርኡ ኣንቢሩ ክሓልፍን ገድልን መስገደልን ተሳጊሩ: ብኽቡር መስዋእቱን ሕቡር ድምጹን ኤርትራ ትበሃል ማሕበረ- ሰብ ዓለም ብሕጊ ዝፈልጣ ሃገር ኣብ ካርታ ዓለም ኣስፊሩ እዩ። እዚዩ ድማ ኣብ ከብሕታት ልቢ ኩሉ ኤርትራዊ ከም ሓወልቲ ዝተተኽለ ሓቒቕ ሓቂ። እቲ ገድሊ እቲ ነጻነት ናይ ህዝቢ እዩ። ዋንኡ ድማ ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

ዋና ተኣምራታዊ ገሉን ነጻነቱን ባዕሉ ህዝቢ ክንሱ: ንነጻነት ኤርትራ መንዩ ክጨውዮ ? ብሓቒ ኸ ነጻነት ኤርትራ ክጭወ ንበሎ ዳግማይ ክምንዛዕ ይከኣል’ዶ ይኸውን?

ብስሚዒት መሲሉካ ምዝራብ ካልእዩ። እናፈለጥካ ሰባት ከተጋግን ኣብ ስሚዒት ኣእቲኻ: ኣብ ልዕሊ እቲ ንሶም እውን ዝውንንዎ ነጻነት: ተጠራጢሮም ንኽኽሕድዎ ምግባር ድማ በይኑ እዩ። እቲ ሓቂ ግን ነጻነት ኤርትራ ብፍጹም ክጭወይ ይኹን ክምንዛዕ ዘይክእል ምኻኑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ክንብል ድንክል ዝብል ወይ ውን ቀላጽሙ ብዘሕበጠ ዓማጺ ዝምንዛዕ ዝጭወይ ዘይኮነ: ንዘንተ እለት ንውሉድ ወለዶ ዝሰጋገር ጽኑዕ መሰረት ዘለዎ ነጻነት እዩ ኣረጋጊጹን ክዉን ገይሩን።

ደጊመ ርሑስ በዓል ነጻነት ኤርትራ ንመላእ ህዝቢ አኤርትራ! መበል 26 ዓመታት በዓል ነጻነት ኤርትራ ኩሉ እቲ ዘየፈላሊ ፍልልያትና ኣወጊድና ምንሽርና ናብቲ ሓደን ካልኣይ ዘይብሉን ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ነቕንዓሉ መሰጋገሪት መድረኽ ክትከውን እትስፎ። ንህዝቢ ኤርትራ ብዜካ እቲ ክሳዱ ረጊጹ ምስትንፋስ ከሊእዎ ዘሎ ዓማጺ ስርዓት ህግደፍ ካልእ ጸላኢ የብሉን። ስለ ዝኾነ ንቓልስና ዘስንፍ መባድልቲ ዛዕባታት ገዲፍና ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ቆሪጽና ንለዓል። ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ሓደ ናዕታ ዘለዎ ማዕበል ፍትሒ ሕጂ ነተንስእ።

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!! ውድቀት ንዓማጺ ስርዓት ህግደፍ!!

ሚኪኤል እምባየ ኣራንቺ ኣዲስ ኣበባ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Nahon May 21, 2017

    “ንህዝቢ ኤርትራ ብዜካ እቲ ክሳዱ ረጊጹ ምስትንፋስ ከሊእዎ ዘሎ ዓማጺ ስርዓት ህግደፍ ካልእ ጸላኢ የብሉን።”

    Well said brother, thank you .

    • k.tewolde May 21, 2017

      Yes indeed,it is a concise and brief statement but true to the core that every prudent Eritrean should recite day and night and work on to put an end to.It cannot be summarized any better. Respect,Michael.

    • amanuel May 22, 2017

      Higdf hizbawi gnbar mkanu dima ayniresie. Fetertu n merahtun nhizbawi ginbar eyom mrahtin feterti higdf. Zemxiwa naxinet dia barnetwn aytekeyeretin- nsa eya eta nay1991- keyfeletnayom zisaesaenala.

  • hadgembes May 21, 2017

    ክቡር ሓው ሚኪአል፤ጽሑፍካ ዝምስገንን፤ዓይንኻ ዝኼፍትን እዩ”ሞ ምስጋናይ ንአኻን መቃልስትኻን።አብዚ እዋን እዚ ህዝቢ ኤርትራ ጼኒቱ እዩ እንተበልና፤ካብ ክውንነቱ ዝረሐቄ አይመስሌንን።እሱ እዩ ኽአ እቲ ሓቂ።ግን ንዓይ ዝገርመኒ ስሌምንታይ ህዝቢ ኤርትራ ቴቆሪኑ ቴሪፉ፤ እዚ ኩሉ ጥፍአትን ህልቂትን አብ ሊዕሊኡ እንዳቴፈጸሜ?እቲአ ሃጌር ናብ ኢድ አዕራብ እያ ቴረኪባ ዜላ።ኢሳያስ አፌዌርቂ እሱር ናይ ግብጺ ዌይ አዕራብ እዩ።እምቤር ህዝቡ እንዳ ሃለቄን ሃጌር እንዳቤረሰትን ቴኾርምዮ ኬማዕዱስ፤ብናተይ አራአእያ ግብጽን አዕራብን አብ ናይ ኤርትራውያን ህልቂትን ብርሰትን አብ ቄዳምነት እስርዑ ብሃላይ እዬ።ሰማያት፤ባሕርታት፤ምድሪ ኤርትራ አብ ቁጽጽር አዕራብ እዩ አትዩ ዘሎ።ሃጌርናን ህዝብናን ካብ ዐዜቅቲ አዕራብ(ግብጺ)ክነውጽኦም ንቃለስ ።ምስ አዕራብ ብጄካ ባርነት ፤ምሕዝኔት ዝብሃል ዮሌን፤እዚ ህዝቢ ኣርትራ ክርድኦ ይግባእ።

  • amanuel May 21, 2017

    It is good to think positive. The truth however speaks for itself. We had esepa now we have tigrigna speaking esepa or hgdf. We had mengistu now we have tigrigna speaking mengistu in his worst form. We had national service which was designed to increase the number of the army, now we have national slavery 1000 times worse. During derg time, we could aspire and dream of becoming doctors, engeeners, lawyers, buisiness enterpreuners or farmers. Now we can not even use our toilets without hgdf,s permission. Tell me how this can be considered nezanet. This is what they brought. right? This is the reason why i believe shaebia brough us barnet. Thousands and thousands believe the same thing. Do not blame us for being honest instead try to free yourself from dishonesty

  • Gezae May 22, 2017

    It is my prayer and my vision
    the sun of righteousness shall high arise
    every face will gleam and shine bright
    every man, woman and child will have peace and right

    The fortune of prosperity and tranquility to come again
    the barns would be full grain
    water and bread will not fail.

    No father, mother and her baby go in bed hungry the country will become full of bread, milk and honey
    yes, in the land where I was born and raised would soon be of great joy and lively.

    Independence-day is a good time to examine who we are and how we got here. Today we celebrate 26th anniversary of our independence; thanks to those who came before.
    Those brave men and women who fought and lost their lives their future generation could stay in peace in each and every war. Freedom always comes at a price. Thus while we celebrate with various flag-hoisting ceremonies, cultural programs, parades we should never forget our great heroes sacrifices who made this blessed country great.
    I wish you all a very happy Independence Day!

  • Nahon May 22, 2017

    “ሃጌርናን ህዝብናን ካብ ዐዜቅቲ አዕራብ(ግብጺ)ክነውጽኦም ንቃለስ ።ምስ አዕራብ ብጄካ ባርነት ፤ምሕዝኔት ዝብሃል ዮሌን፤እዚ ህዝቢ ኣርትራ ክርድኦ ይግባእ።”

    hadgembes (Agazian)

    Most probably, being a hidden agent of Higdef, you are repeating, what Iseyas has been telling us for the last 40+ years, i.e. that all non-Habesha/Christians are our enemies.
    If you are a Tigreyan please stop this dirty game, and mind your business.

Post a Reply to amanuel Cancel Reply