ነዲኡ እሰሩዋ!
ነዲኡ እሰሩዋ! ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ሓደ ዓዲ ብህግደፍ ዝተፈጸመ ተግባር፥ "ሃለው ሃለው? መን ክብል?" "እእእእ መ
ነዲኡ እሰሩዋ!
ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ሓደ ዓዲ ብህግደፍ ዝተፈጸመ ተግባር፥
“ሃለው ሃለው? መን ክብል?”
“እእእእ መ…ሜጀር ዲኻ?”
“እወ ኣነ’የ መን ኢኻ?”
“ንሕና ኣባላት ኤምፒ ኢና”
“ኣሃ ሕራይ። ረኺብኩሞዶ ነቲ…?”
“ኣይረኸብናዮን”
“ናበይ ከይዱ? ሰጊሩድዩ?”
“ኖኖ ኣሎ ምህላውሲ ግን ኣብ ገዛኡ ኣይጸናሓናን”
“ሰበይቱ የላንድያ’ሞ?”
“ኣላ’ባ”
“ያላ’ሞ ንሱ ክሳዕ ዚመጽእ ንኣኣ እሰሩዋ!”
“ኣደ ቈልዑ እንድያ’ሞ”
“ትኹን! ያላ ትም ኢልኩም ጥራይ ውሰዱዋ!”
“ኖ ማለትሲ ሓራስ’ያ!”
“ናይ ክንደይ?”
“ናይ ክልተ ሰሙን ሓራስ’ያ ዘላ”
“እሞ….. በቃ በሉ ንሳ ክሳዕ ትድልድል ንኣቦኡ እሰሩዎ!”
“እቦኡ ደኣ ኣባል ህዝባዊ ሰራዊት ስለ ዚኾነ ናብ ታዓሊም ወሪዱ ኣሎ”
“ጽቡቕ! በሉ ነዲኡ እሰሩዋ! ክሳዕ ንሱ ዝመጽእውን ከይትለቁዋ!”
“ሕራይ ሜጀር”
“ቻው”
“ሰላም”
“ሓደርኩም እዞም ምደቀይ ብሩኻት፡ ናይ ድሓን ድኹም ደኣ ብንግሆኡ ተዛዊርኩም?”
“ደሓን ኢና፡ ንኣኽን ክንወስድ ኢና መጺእና ኣደይ ዓባይ!”
“ንኣይ ደኣ ናበይ ክትወስዱኒ?” ብስንባደ ሓተታ ኣደይ ትብለጽ።
“ወድኽን ስለ ዝሰኣናዮ ንስኽን ንሱ ክሳዕ ዚመጽእ ክትእሰራ ኢኽን!”
“እዋእ! ኣቱም ደቀይ ብሩኻት፡ ከም ሰብ እባ ኩኑ! ክንዲ’ቲ ክንዲ ሰብ ኣኺሉ ሓዳሩ ዚፈለየ ወደይሲ ኣነ ክእሰር!? በየናይ ሕጊን ርትዕን? “ክንዲ ብጹሕ ውላድካ ኣይትምሓል’ኳ ዚብሃል!” በላኦም ኣዒንተን ኣፍጢጠን።
“በቃ! ያላ ጥራይ ትም ኢልክን ሕለፋ! ንሕና ተኣዚዝና ኢና! ንፈልጦ የብልናን!”
“ኣይከይድን ኢላ ኣብያትና’ያ! ንዓ ባዕልኻ መጺእካ ውሰዳ በሉዎ’ሞ ነቲ ዝኣዘዘኩም!”
“ኣትን ሰበይቲ! ትም ኢልክን ትኸዳ ዲኽን ኣይትኸዳን?” ብምባል፡ ብበትሪ ወስ ምስ በሉወን፡ ኣደይ ትብለጽ ብስንባደ ኣውያተን ደርጎሐኦ!
ጎረባብቲ፡ ‘ደሓን ድኹም ኣታ? እንታይ ተረኽበ?’ እናበሉ ናብቲ ኣውያት ዝተሰምዖ ገዛ ብስንባደ ምስ ተኣኻኸቡ ከኣ እቶም ‘ኮብሊሎም’ ንዝበሉዎም ደቂ ኣሃዱኦም ክገፉ ዝተላእኩ ክልተ መንእሰያት ብቕጽበት፡ ነቶም ኣውያት ሰሚዖም ዝተኣኻኸቡ ህዝቢ ንምብታንን ነደይ ትብለጽ ንምድሃልን ኢሎም ክልተ ሰለስተ ግዜ ንላዕሊ ገጾም ተኮሱ።
“እውይ….! ጠፋእና! ብእዝጊትነ ማርያም ኢለኩም ሰብ ከይትልክሙ ተኹሲ ደው ኣብሉ እዞም ደቀይ ብሩኻት! ንዑናይ ንኺድ” ብምባል፡ ነጸላአን ኣልዓላ ኣደይ ትብለጽ። በዚ ከኣ ናብቲ ኣብ ጥቓ ዓዶም ዝነበረ ከተማ ወሲዶም ቀፈዱወን።
ድሕሪ ሳልስቲ ግን ኣደይ ትብለጽ ንወደን ምዒደን ናብ ቦታኡ ንኽሰዳ ተመኺረን ተለቐቓ። ካልኣይ ግዜ ናብ ገዛአን እንተተመሊሶም ግን ከምዚ ናይ ሎሚ ብሳልስቲ ከምዘይሓልፈለን ብጥብቂ ኣጠንቂቖምን ኣፈራሪሖምን ናብ ዓደን ሰደዱወን።
ኣንታ ኤርትራዊ ወዲ ኣንበሳ *ሽደን *መንእሰይ ኣንበሳ
ብስርዓት መከራ ጉጅለ ናይ ደንደን
ክሳዕ መዓስ ኢኻ ብብረት ኪትህደን!?
ኣደኻን ሓዳርካን ከይነብራ ተዋሪደን
ኣእጋር ስርዓት ምልኪ ቀዲምካ ቀሽምደን!
ኣብ ገዛእ መሬትካ ኣብ ማሙቕ ገዛኻ
ነዛ ምንባር’ኳ መሰል ክኸልኡኻ
ናትካ ከይኣክል ዘከላበቱኻ
ሎሚውን ሰጊሮም ናብቶም ወለድኻ!
ነቦኻ ኣብ ማይላም ንወላዲትካ ኣብ ጸላም
ሓዩሩዎም ኣሎ ጃንዳ ምልኪ ጠላም
ስድራ ብሙላኣ ካብ ተኸልአት ሰላም
ብረት ተደጊፍካ ካብ *ባልዋ ብምህዳም *ኣርሓ መፍለስ
ፍታሕ ከምዘይርከብ ብደውካ ብምሕላም
ማዕዳ ኣየድልየካን’ዩ ንኣኻ ንለባም!
ኣንታ ሓላው ሃገር ምዑት ሰራዊትና
እምበርከ ኣለኻዶ ብህይወት ኣብ ሃገርና
ድሕሪ ወዲ ዓሊ ገንሸል ሓርነትና
መላኽን ሰዓብቱን ከከላቡቱና
ሓሳረ መከራ ክደራረበና
ትም ኢልካ ትዕዘብ፡ ኣይ ህዝብኻ እንዲና!
ዋርሳይ ይከኣሎ ጓሳ ናይዚ ህዝቢ
ነዚ መጥፍእ ዝሩእ ናይ ሃገርና *ኩቢ *ቡቚሊ ዘራእቲ ዚበልዕ ሓሰኻ
ክሳዕ መዓስ ኢኻ የሐንቂቕካ ክትናቢ?
እቶም ኣቦታትካ እኳ እናበሉዎ እምቢ
ንዓ’ባ ተላዓል ቀልሶ’ዚ ናዕቢ!
ኣንታ ሰራዊትና በረኻ ዝዓዱ
ኣብ ጸላም ኮፍ ኢልካ ብርሃን ከተማዕዱ
ኬድካዮ ዘይውዳእ ኮይኑካ መገዱ
ህግደፍ ከይጠብሰካ ሓዊ ኣኣጒዱ
ቀዲምካ ኣቃጽሎ ንስርዓት ብኢዱ!
ኣብዛ ንግዜኡ ትነብረላ ዓለም
ናጽነት ኮይኑካ ኣይምርቓ ኣይመርገም
ቅሳነት ስኢንካ ክትነብር ኣብ ጸገም
ዘይፍጸም መብጽዓ ወትሩ ኪደጋገም
ይኣክል ዘይትብል ናይ መላኺ ሕሰም!
ኣብ ግብሪ ዘየለ ሕልሚ ክነግሩኻ
ብዕራይ ይወልድ’ዩ ዋላ እንተ በሉኻ
ንካድራት ምልኪ ትኣምኖም ኣለኻ
ናትካ ከይኣክል ምስፋርካ ኣብ በረኻ
ሕጂውን ሰጊሮም ናብቶም ወለድኻ
ክሳዕ መዓስ’ዩ ትም እናተቐንዘኻ
መድሃኒቱ ፍጠር ኪሓዊ ቁስልኻ!
ብዙሓት ኣጥምዮም ውሑዳት ዘብሉዑ
ወቀርቲ *ኣሸኒሆም ቅኑዓት ዘንብዑ *ኣሐጒሶም
ንመሬት ልዕሊ ህይወት እናሰርዑ
መንእሰይ ኣጥፊኦም ገና ብጭልቅዑ
ሕድሪ ሰማእታትና ቀደም ዝረስዑ
ህዝቢ እናሃለቐ ወትሩ ዝስዕስዑ
ምስሉያት በዚሖም ቃንዛ ውጹዕ ዘይሰምዑ!
ኣንታ ጎበዝ ዓዲ ኣብ ብርኪ ተተንፍስ
ንስልጣን ውልቀ ሰብ ደምካ ከይተፍስስ
ህግደፍ ዝጨወያ ሓርነት ክትመልስ
መላኺ ዘንባዓ ወላዲት ክትድብስ
ምስ ህዝብኻ ኴንካ ጸላእትኻ ደምስስ!
መልሲ ከይትህቦ ናይ ህዝብኻ *ድጒዓት *ኣውያት
እንታይ እዩ ትጽቢትካ ካብዚ እኩይ ስርዓት
ጼርካዮ ትነብር ከም ሕማም መንድዓት
ንስኻዶ ኣይኮንካን ተስፋ ናይ ውጹዓት
ወላዲት ደቢስካ ክትደርዘላ ንብዓት
ምልኪ ትቐብረሉ ኣኺሉ ኣሎ ሰዓት
*ስልንስል ኣይትኹን ፈጽሞ ብብቕዓት! *ክልተ ልቢ
ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 26/01/2015
Yitbarek January 26, 2015
There may be times when we are powerless to prevent injustice, but there must never be a time when we fail to protest. Elie Wiesel
Forgeting our beautiful and hard working mothers/sisters contribution in our new nation isn’t an option or for debate at all. In a very near future and in a new democratic Eritrea, our women would be elected and held in the highest position and respect of the country that they deserve.
My dear brothers and sisters like most of you I love my beautiful Eritrea and I can’t wait to see the tide reversing and our country becoming prosperous, peaceful and above all heaven for its citizens. But in reality this unelected regime is NOT capable of doing or fulfulling that, and Higref is our main problem not the UN, USA, OAU (AU) or Ethiopia.
Higdef brought division among us and also made us vulnerable for outside forces. The outside world will never show us respect as far as we are divided, and also as far as this unelected tyrant and his regime is in power. So lets look for one Tunisian man among ourselves to go to the history books of Eritrea and for the young generation to take over and to get Eritrea competing and working in cooperation with neighbors in the 21st century.
Mizan Tesfay. January 26, 2015
Thank you brother Yitbarek. You have said it beautifully yourself as well and it is all very true indeed.
And my simple message would be “A picture worth a thousand words”, meaning our mothers and sisters are still carrying all the burden of the family and country single handily, truly God must have been a man!!!!
AHMED SALEH !!! January 26, 2015
If you couldn’t find the wanted person arrest one of his
very close family member . If married his wife or daughter.
If single either his father or mother . Isn’t that the true
our people simply tolerated cowardly .
Couple of years ago parents were used to get arrested or pay
$50.000 nakfa for something had nothing to do with them was
the day Eritrean culture of elders respect started to get
subdued by some anti – social forces .
WELEDI KEYEKHBERNA NENHDHDNA KNKHEBABER MALET AYGHDN
ERITRAWIT January 27, 2015
Aye HGDEF demamew!!!!! nhzbna kem anchewa hasebkumo geza geza endakedkum ktarewo tewelew.
skab mas Ewom gobetom khzwo nezey hzbey?
Lomey resew tednene jgna meytew aymeweten eu.
Kem kezafi awadka Feres kemzela hantey maltey aytzengew!!!!
abdu January 28, 2015
Ya emo forsa endo abegsuna nazi asegri merhi mengsti kntfo .ya ane delu eya nay bhki enti do trfena U .bjakom elkom hade wesani zkona seb karbulna
AHMED SALEH !!! January 29, 2015
Zitebeghezu kem beal wedi AliN bixotun alewana
Iti xeghemna Abzi uwan halewatna tihti zero
khoynu mitrafu iyu .
Bejeka wuhudat hagherwiyan ni ghanyen ziwids
dimxi iyu koynu zelo inkfat hagherna
Harnet January 28, 2015
Men defend their wives, children, and parents.
Men defend their neighborhood.
Men defend their villages.
Men defend their country.
Eritrean Men runaway leaving behind a wife with little children, elderly father and mother.
Who is going to care for your kids?
Who is going to stand for your father who is been forced to the military “slavery” at his elderly age that you run off from.
Who is going to care for your mother?!
TelAle menEsie!
You are dying chasing a dream, while you have a beautiful and bountiful country. Let your life have a purpose! Running is not the solution!
Brook January 29, 2015
If you can not love or care each other while you going to church, and pretending to have forgiveness from the mighty, unity will not come from no where else.