Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትዕዝብቲ ኣብ ፖለቲካን ባህርያቱን – ኣማኑኤል ሳህለ (1ይ ክፋል)

ትዕዝብቲ ኣብ ፖለቲካን ባህርያቱን ኣማኑኤል ሳህለ   ፖለቲካ ናይ ህዝቢ ስጋዊ ምምሕዳር ስልቲ ኪኸውን ከሎ፡ ሃይማኖት ከኣ ናይቲ ህዝቢ መንፈሳዊ ምምሕዳር ሜላ ማለት እዩ። እቲ ቀዳማይ ነቲ ስጋዊ ገጽታ ሰብን ንምድራዊ ድሌታቱን ከስተናግድ ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ግን ነቲ

ትዕዝብቲ ኣብ ፖለቲካን ባህርያቱን

ኣማኑኤል ሳህለ

 

ፖለቲካ ናይ ህዝቢ ስጋዊ ምምሕዳር ስልቲ ኪኸውን ከሎ፡ ሃይማኖት ከኣ ናይቲ ህዝቢ መንፈሳዊ ምምሕዳር ሜላ ማለት እዩ። እቲ ቀዳማይ ነቲ ስጋዊ ገጽታ ሰብን ንምድራዊ ድሌታቱን ከስተናግድ ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ግን ነቲ መንፈሳዊ ገጽታ ሰብን ንሰማያዊ ድሌታቱን እዩ ዘስተናግድ።

እቲ ቀዳማይ፡ ነቲ መሰረታዊ ባህርያት ሰብ ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ስጋዊ ድሌታት ሰብ ብምድቋስ ይኹን ብምጽቃጥ ስልጣኑ የንውሕ። እቲ ካልኣይ ግን ነታ ነፍሲ ወድሰብ ከም ዘልኣለማዊ ኣካል ገይሩ ብምውሳድ ንስልጣኑ ዶባውን ግዜኣውን ገደብ ኪገብረሉ ኣይደልን። ነፍሲ-ሰብ ዘይትረአን ዘይትተሓዝን ብምዃና፡ እቶም ብስም ኣምላኽ ዘመሓድሩ ሰባት ነቲ ኣብ ትሕተኦም ዚግዛእ ህዝቢ ባዕላቶም ብዝፈጠሩዎን ብዝመሃዙዎን መለኮታዊ ሜላታት ገይሮም እዮም  ኪኣስሩዎ ዝደልዩ።

ወድሰብ ኣብቶም ብስጋ ዘመሓድሩዎ ሓይልታት ኪዕምጽ ወይ ኪእድም ይኽእል ይኸውን፡ ኣብቶም ብመንፈስ ዘመሓድሩዎ ግን፡ ዘልኣለማውን ገደብ ዘይብሉን መንፈሳዊ መቕጻዕቲ ይጽበዮ ከም ዘሎ ስለ ዚንገሮን ቀጻሊ ስለ ዚስበኸሉን ተሸቝሪሩን ተዳሂሉን እዩ ዚነብር: ኪእድምውን ኣይደልን።

ብዙሕ ፖለቲካዊ ስርዓታት ተገልቢጡን ተሳዒሩን እዩ። ሃይማኖታዊ ስርዓታት ግን ንኺሰዓር ዘለዎ ተኽእሎ ኣዚዩ ውሑድ እዩ። ወድሰብ ካብዚ ዓለም ምስ ኣልገሰ ናበይ ከም ዝኸይድ ስለ ዘይፈልጥ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ነዚ ስግኣትዚ ጽቡቕ ገይሮም እዮም ዚጥቀሙሉ: በዝን ክንድዝን ድማ ስልጣኖም ከይተተንከፈ ንነዊሕ ይጸንሕ።

ወድሰብ ብዘመናዊ መገዲ ኪመሓደር ዝጀመረ ከተማታት ኪሃንጽን ኣብኡ ኪቕመጥን ምስ ጀመረ እዩ። ከመይ ጌርካ እዩ ዚመሓደር ዘይኮነስ፡ ከመይ ገይረ እየ ስልጣነይ ዘደልድሎን ዘንውሖን ዚብል ሕቶ ሓደ ካብቲ ናይ ፖለቲካዊ ምምሕዳር ዓብይ ሕቶ እዩ ነይሩ።

ንሰብ ምምሕዳሩ ዘይኮነስ፡ ጨቊንካ ምሓዙ ዝያዳ ስልጣን ዘንውሕ ብምዃኑ ድማ፡ እቶም ዘመሓድሩ ነቲ ኣሚኑ ዚግዛኦም ዝነበረ ህዝቢ ከታልሉዎም ኪጻወቱሉን ግዜ ኣይወሰዱን። ብጥንቲውን እኮ እቲ መንግስቲ ዘቖመ ሰብ ነቲ ህዝቢ መብዛሕትኡ ግዜ ብዓመጽ እዩ ሒዙዎ ነይሩ። ብዓመጽ ዝሓዝካዮ ህዝቢ ድማ ኣይእንታይካን ስለ ዝኾነ፡ ከይለዓለካ ብምፍራህ ጸቒጥካ ኢኻ እትሕዞ።

ገለ ሰባት ግን ነዚ ዓይነት ምምሕዳርዚ ግዲ ጸሊኦም ኮይኖም በቲ ዘምልኹዎን ኩሉ ዚከኣሎን ኣምላኽ ወይ ጣኦት ኪመሓደሩ ይደልዩ ነይሮም (ተዮክራሲ)። ዝሓሸ ኮይኑ ስለ  እተራእዮም። ካብ እትፈልጦ ሸይጣንስ ዘይትፈልጦ ኣምላኽ።

እቲ ኣምላኽ ኢሎም ዚእዘዙዎ ንግዜኡስ የመሓድሮም እዩ ነይሩ። ብባንን ብበትርን። ምስ ዘይእዘዙ ይረግሞምን ኣብ ጭንቀት የእትዎምን፡ ምስ ዚእዘዙ ድማ ይምርቖምን ተስፋ ይህቦምን። ሓድሓደ ግዜ ተኣዚዞም ከለዉ  በዚ መጸ ዘይብሃል መከራ ይወርዶም እሞ፡ እቶም ካህናቶም ከጸናንዑዎም ይፍትኑ። ካብ ዘይምእዛዝ መቸም ምእዛዝ ይሓይሽ። ኣይትጠዓስንውን። ንኣምላኽ እሞ እንታይ ኢኻ ክትብሎ። እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኪጋገ ኢልካ ኣይትሓስብን።

ዝኾነኾይኑ እዚ ሓውሲ-ኣምላኻዊ ምምሕዳር ወይ ሰሚተዮክራሲ ካብቲ ናይ ዓለማዊ ምምሕዳር ብዙሕ ፍልልይ ኣይነበሮን። እቲ ምምሕዳር ኪጋገን እቶም ካህናት ኪምዕዱን ተራባሪቦም። ተራእዩኒ እናበልካ ድልየትካ ምፍጻም ከኣ ልሙድ እዩ ነይሩ። ኣምላኽ ከምዚ ግበር ኢሉኒ፡ ኣምላኽ ከምዚ ፍጠር ኢሉኒ እናበልካ ንህዝቢ ምትላል ብካህናትን ብኣታቶም ዚድገፉ መራሕትን ከም ፖለቲካዊ ስልቲ ተታሒዙ ነይሩ። ወድሰብ ድማ ተገፊዑን ተቐቲሉን። እቶም ምድራውያን መራሕቲ ነቲ ምድራዊ ናብራኡ፡ እቶም ካህናትን ኣኽረርቲ ሰዓብቶምን ድማ ነቲ መንፈሳዊ ወይ ስነኣእምሮኣዊ ህይወቱ ተጻዊቶምሉ።

ፖለቲካ ብስምዒት ወይ ብዘይ ስልቲ ወይ ብዘይ ሳየንሳዊ ኣተሓሳስባ ኪምራሕ ከሎ ከምዚ እዩ ትርፉ።

ግን ከኣ እቲ ኣምባገነንውን ብወገኑ ብሳየንሳዊ መገዲ እናተመርሐ ሰብ ኣሳቕዩን ኣህሊቑን እዩ።  ስታሊን ዶግማዊ ኮምዩኒዝም ተጠቒሙ ሰብ ወዲኡ። ማኪያቨሊ ከመይ ጌርካ ንሰብ ብሓይለ-በትሪ ሰጥ ለጥ ከም እተብሎ መጽሓፍ ጽሒፉ። ሂትለር ብናይ ዓሌት ሱዶ-ሳይነስ (ኣምሰሉ ሳየንስ) 5 ሚልዮን ኣይሁድ ኣህሊቑ።

ኩሉ ነገር ካብ መስርዑ ኪወጽእ ከሎ ዘኸትሎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣሎ። ኣብ ሳየንስ ስምዒት ኪኣቱ የብሉን። ሳየንስ ስምዒት ምስ ዚኣትዎ ናብ መለኮታውነት ገጹ እዩ ዚቐንን። መለኮታውነት ድማ ናይቶም ንዓለም ንድሕሪት ኪጎቱ ዚህቅኑ ሰባት መሳርሒ ንምዃን ግዜ ኣይወስድን።

ወድሰብ ብመሰረቱ ከይተለወጠ፡ ጥዑይ ፖለቲካ ኪህሉ ኣይክእልን። ፖለቲካ ነቲ ናይ ሰብ ስሱዕ ባህሪ መሊሱ እዩ ዘግንኖ። እንስሳታት ናይ ጫካ ሕጊ ዚብሃል ፍሉይ ናይ ስሰዐን ህርፋንን መምርሒ ኣለዎም፣ ምዝራፍ፡ ምምንጣል፡ ምዕማጽ ወዘተ። ብተመሳሳሊ መገዲ እቲ ፖለቲካዊ እንስሳ ዝኾነ ወድሰብ፡ ስልጣን ንኺሕዝን ንምጽናዕን ልዕሊ ሕጊ ንምዃንን ብዙሕ ሜላታት እዩ ዚጥቀም። ዘይሕጋዊ ቅዋም ይተክል፡ ናይ ስለያን ድሕነትን ኣውታሩ ድማ ይዝርግሕ።

ወላውን ኣብቲ ደሞክራሲ ይረኣየሉ ኣሎ ዚብሃል ዓለምና፡ ወድሰብ ኣብ ሜዳ ፖለቲካ ኣትዩ ብናይ ምርጫ ሜላታን ተንኮላትን ንህዝቢ ምትላል ክሳዕ ዘይገደፎ ተለዊጡ ኪብሃል ኣይከኣልን። ቀዳሞት ፕረዚደንትታት ኣመሪካ ከምዚ ሎሚ ዘይኮነ ኣብ ናይ ምርጫ ተንኮላት ኣይተቖማጥዑን። ምረጹኒ እናበልካ ናብዝን ናብትን ጸፋዕፋዕ ምባል ኣይነበረን። ሕጂ ግን ቃልሲ እዩ ኾይኑ። አረ ናብ ኲናት እዩ ተለዊጡ። ስለምንታይ እዩ ግን ፓርትታት ንኺምረጻ ዘዕገርግራ? ብሓቂ ንህዝቢ ሓይልየን ዲየን?

ቀደም ኣቦታትና ነቲ ኪመርሖም ዚደልዩዎ ሰብ፡ ቆጽሊ እዮም ዘንብሩሉ ነይሮም። እቲ ቖጽሊ እተነበረሉኸ እንታይ ይብል ነይሩ መስለኩም? ኣይደልን! ይትረፈኒ! ሓላፍነት ኪኸብደኒ እዩ!! ንኻልእ ሃቡዎ!!

ሎሚኸ? ንኣይ እንተ ዘይመረጽኩም ሃገር ክትዓኑ እያ! ንሰልፈይ እንተ ዘይኣድመጽኩም ሃገር ክትበርስ እያ! ንኣይ እንተ ዘይኣመንኩም ኣብ ከቢድ ጣዕሳ ክትኣትዉ ኢኹም!! ንሰልፈይ ወይ ፓርተይ ዘይኣመነ ማይ ከም ዝሓቖነ ወዘተ…

ምስ መረጽካዮም ድማ ሃገር ከዕንዉን ከብርሱን ነቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ከቢድ ጣዕሳ ከእትዉዎ ከለዉን ንርእዮም ኣሎና።

ግን ከኣ ካልእ ኣማራጺ ኣሎዶ? ካብ ሕምስምስን ፋሉልነትን ዕግርግርን፡ ካብ ምጥፋእ ጸጥታን ሰላምን፡ ምስቶም ሓረድትኻ ምውዓልዶ ይሓይሽ ይኸውን? ከብትስ ምስ ሓራዲአን ይውዕላኮ ተባሂሉ እዩ። እቲ ህዝቢ ድማ ከም ከብቲ ማይና እናሰተና፡ ሳዕርና እናገሃጽና ብሰላምዶ ንነብር ወላስ ነገር ነምጽእ ዚብል ዘሎ እዩ ዚመስል።

ወድሰብ ባህርያቱ ከይለወጠ፡ ጥዑይ ፖለቲካ ኪህሉ ኣይክእልን። ባህርያቱ ንኺልውጥ ግን ብዙሕ ኪሳቐን ኪዋረድን ኪሓፍርን ዘድሊ ይመስል። ኣብቲ ካብ ምሒር ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ስሰዐ ዚመጽእ ናይ ኲናትን ህልቂትን ሓዊ ምስ ተጠብሰ እዩ ኪርዳኦ ዚጅምር። ከምቲ ኣፍራስ ከይተገርሑ ሰብ ኣወጢሖም ብሰላም ኪጎዓዙ ዘይክእሉ፡ ወድሰብ ድማ ብዓቢ ናይ ስቓይ ነበልባል ከይሓለፈ ዚልወጥ ኣይመስልን። ብፍላይ ኣብ ማሪትን ከንቱ ሃይማኖትን ዘተኵር ወድሰብ።

ተዮክራሲ (ማለት መንፈሳዊ ምምሕዳር) ቅድሚ ሕጂ ተፈቲኑ እዩ። ኣይሰርሐን። ብግቡዛትን ኣምሰሉን ካህናትን ኣቕሽሽትን ዚካየድ ምምሕዳር ካብቲ ዓለማውያን ዘካይዱዎ ምምሕዳር ምንም ፍልልይ የብሉን። አረ እቲ ናይ ዓለማውያን ይምረጽ፡ ከመይሲ እቶም ካብ ኣምላኽ ኢና እቲ መምርሒ እንረኽቦ፡ ይረኣየና ኣሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ይነግረና ኣሎ እናበሉ ዘመሓድሩ ሰባት መላኺ የብሎምን፡ ድላዮም ኪገብሩኻ ድማ ይኽእሉ፡ እኹል ስልጣንን ሓይልን ስለ ዚውንኑ። እቶም ዓለማውያን ግን ክትማጐቶም እኳ ትኽእል።

ኣብ ማእከላይ ዘመን (ሚድል ኤጅስ) ኣብ ኤውሮጳ ዚነብሩ ዝነበሩ ህዝቢ ዳርጋ ብቤተክህነት እዮም ዚመሓደሩ ዝነበሩ። እቲ ዘመንቲ ነገስታት ኣብ ቅድሚ ጳጳስን ካህናትን ዚርዕድሉን ዘንቀጥቅጥሉን ጸልማት እዋን እዩ ነይሩ። ተራእዩና እናበልካ ንህዝቢ ቃሕ ዝበለካ ምግባር። ተገሊጹልና እናበልካ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ሸይሸይ ምባል በዚሑ ነይሩ።

ብቤትክህነት ዚካየድ ፖለቲካዊ ምምሕዳርስ እንተ ተረፈ ይሓይሽ፡ ከመይሲ ናይ ሰብ ባህርይ ብመሰረቱ ብሃይማኖት ዚዕረ ኣይኮነን። ይኹንምበር፡ ካብቶም ኣብ ዘይጭበጥ ነገር ኣሚኖም ዘይጭበጥ ነገር ክትገብር  ዚእዝዙኻ ካህናት፡ ኣብ ጭቡጥ ነገራት ዚኣምኑን እንተ ተኸራኸርካዮም ድማ ብስነሞጎት ኪምልሹልካ ዚፍትኑን ፈላስፋታት ኪገዝኡኻ ይምረጽ። ለባም ይቕተለኒኳ ዚብሃል።

ናይ ዘይማዕበላ ሃገራት ፖለቲካ

መብዛሕትአን ኣፍሪቃውያን ሃገራት ካብቲ ቅድሚ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበረን ቀቢላውን ኣውራጃውን ማሕበራዊ ደረጃ ዚወጻ ኣይመስላን። ሓምሳ ዓመት ድሕሪ ናጽነት ክሳዕ ሎሚ ህዝበን ብሃይማኖታውን ቀቢላውን ኣውራጃውን ጕጅለታት ተኻፋፊሉ መጻወቲ ባዕዳውያንን ዳግመ-ገዛእትን፡ መጻወቲ ናይ ገዛእ ርእሱ መራሕትን ብምዃን ይሳቐ ኣሎ።

ሽሕኳ ኣብ ኩሉ ዓለም ፖለቲካ ኪብሃል ከሎ ናይ ስልጣን ቍርቍስ ምርኢት እንተ ኾነ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ግን እቲ ናይ ስልጣን ቍርቍስ ኣብቶም ፖለቲከኛታት ተሓጺሩ ክንዲ ዚተርፍ፡ እቲ እተፈላለየ ቀቢላታትውን ኣብቲ ቍርቍስ ወሳኒ ተራ ኣለዎ።

ብማሕበራዊ ደረጃ ዘይማዕበለ ህዝቢ ካብ ቀቢላነትን ኣውራጃነትን ሓሊፉ ኪሓስብ  ኣይክእልን። እታ ዝኽእላ ንሳ እያ። እታ ዓቕሙ ንሳ እያ። ካብዚ ጸቢብ ኣተሓሳባዚ ንኺወጽእ ግዜ የድልዮ።

እቲ ስልጡን ቍርቍስ ኣብ ሰደቓ ኮፍ ኢልካ ዚግበር ቍርቍስ እዩ። ኣብዚ ደረጃዚ ንምብጻሕ ብብዙሕ ጸገማትን መከራን ክትሓልፍ ንቡር እዩ። ኣብ በዓል ኣመሪካ ዚካየድ ናይ ፖለቲካ ቍርቍስ ካብቲ ናይ ኣፍሪቃ ዚፈልዮ ነገር እንተሎ፡ እቲ ሓደ ኣብ ጫካን ኣብ ሜዳን ብጠያይትን ብቦምቢን፡ እቲ ካልእ ድማ ኣብ ሰደቓ ብዘረባን ክስን ሓሶትን ጉቦን ምጭብርባርን ብምክያዱ እዩ። እቲ ካልኣይ ኣብ ሞትን ስቓይን ዘይሽምም ብምዃኑ፡ ካብቲ ቀዳማይ ይምረጽ። ኣብቲ ቀዳማይ እተማዕብሎ ነገር የልቦን፡ ኣብቲ ካልኣይ ግን ክትመሃርን ክትመዓዓድን ሓሳባትካ ከተማዕብሎን ትኽእል። ኲናት ትርፊ የብሉን ብዘይካ ሞትን ዕንወትን። ክትዕን መጎተን ግን የብልሓካን የማዕብለካን ስለ ዝኾነ፡ ኣማራጺ የብሉን።

ፖለቲካን ናይ ምትላል ሜላኡን

ፖለቲካ ናይ ምትላል ባህርያት ኣለዎ። ስልጣን ንምሓዝን ንምጽናዕን እሞ ኸኣ ምስ ደመኛታት ተዋዳደርትን ምስቲ ብስምዒት ዚምራሕ መብዛሕትኡ ዘይተማህረ ህዝብን ትዋሳእ ብምህላውካ፡ ዘዋጽኣካ ምግባር ዓይንኻ ዘይትሓስየሉ ጉዳይ ይኸውን። ኣበላላዕ እዩ እቲ ጸወታ። ከይቀደመኒ ክቕድሞ እዩ እቲ ኣገባብ።

እዚ ባህርይዚ ኣብ እንስሳታ ጎሊሑ ይረአ። ሽደናት ኣናብስ ኣብቲ ኣንበሳዊ ሕብረተሰብ ደረጃኦም ከጣናኽርሩን ጥጡሕ ማሕበራዊ ቦታ ንኺሕዙን ሑሕ ሑሕ ይበሃሃሉ። ኣብ መንጎኦም ድማ ገለ ስልጣኖም ከይግፈፎም ዝርዕዱ መራሕቲ ኣናብስ ኣራእሶም ብምልዓል öዘራፍö ይብሉ። ባእስን ዕግርግርን፡ ምንኽኻስን ምጕያይን፡ ምፍሕጣርን ይስዕብ። ደሓር ጽንሕ ኢሉ እቲ ሑሕታን ጉዝማን ደው ይብል። ንጉስ ተፈጢሩ ወይ ዳግማይ ተመሪጹ ማለት እዩ። ሰላም ሰፊኑ።

ወድሰብ ካብ እንስሳ ዚፍለ ኣይኮነን። ሽሕኳ ኣእምሮ እንተ ተዓደሎ፡ እቲ ውሽጣዊ ደመባህርይ ግን ገና ኣይተጋደፎን። ሓደ ሳየንሳዊ (ሳየንቲስት) ከም ዝበሎ፡ ዘመናዊ ወድሰብ ኣብ ስልጡን ከተማታት ይነብር እኳ እንተ ሃለወ፡ እቲ ውሽጣዊ ድራኸኡ ግን ከምቲ ናይቶም ኣብ ዘመን እምኒ ኣብ በዓቲ ዝነብሩ ዝነበሩ ኣቦታቱ እዩ።

ኣናብስ ወይ ካልኦት ኣራዊት ብባእስን ብምምንጫትን እዮም ኣብቲ ሕብረተሰቦም ማሕበራዊ ደረጀኦም ዘስተኻኽሉ፡ ወድሰብ ግን ኣእምሮ ስለ ዘለዎ በእዳዉ ዘይኮነስ ብኣእምሮኡ እዩ ዚናኸስ። ብኣእምሮኻ ንኽትናኸስን ንኽትፋሓጣጠርን ብኣኡ ኣቢልካ ንምዕዋት ግን: ተንኮል ኣማራጺ ዘይብሉ መሳርያ እዩ። ተንኮልን ምትላልን ምጥላምን እምበኣር ናይ ወድሰብ ፖለቲካዊ ኣሰራርሓ እዩ። ብተንኮልን ምትላልን ገይሩ ነቶም ዚወዳደሩዎ የጥፍኦም፡ ነቲ ህዝቢ የታልሎ፡ ንታሪኽ ይጠዋውዮ፡ ውጽኢቱ ድማ ብርሰትን ዕንወትን እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
62 COMMENTS
  • ብሩህ ተስፋ January 21, 2015

    ክቡር መምህር ኣማኑኤል
    ካብቶም ንጽሑፍካ ዜንብቡ ሓደ እየ። በቲ እትጽሕፎ ብገለ ገል እሰማማዕ እየ። ኣብ ሃይማኖትን ፖለቲካን ብዙሕ ምጭብርባር ኣሎ። ፖለቲከኛታት ይኹኑ ሃይማኖተኛታት ወይ ፈላስፋታት ንሽግራት ሰብ መፍትሒ ኣየምጽኡን። ታሪኾም ታሪኽ ፍሽለትን ውድቀትን እዩ። ዋላ እቶም ትንእዶም ዘለኻ ፈላስፋታትውን ንሕብረተሰብ ኣድማዒ ወይ ለውጢ ኬምጹ ኣይከኣሉን። ኣነ ኣብ ኣምላኽ ዝኣምን እየ። ነቲ ዝኣምኖ ኣረጋጊጸ ፈልጦ እየ። ንዝሓተኒውን እቲ ሰብ ከረጋግጾ ዝኽእል መልሲ ክህቦ እኽእል እየ። ኣብ ሳይንስ ስለ እትኣምንን መጽሓፍ ቅዱስ ስለተንብብን ብዛዕባ እዚ መጽሓፍ ምስ ሳይንስ ከም ዝሰማማዕ ክልተ ጥቕሲ ክህበካ። ምድሪ ከባብ ምዃና( ኢሳይያስ 40፡ 22)። እዚ ቅድሚ 2700 ዓመት እተጻሕፈ እዩ። መሬት ኣብ ህዋ ጠልጠል ኢላ ከምዘላ( ኢዮብ 26፡ 7)። እዚ ኸኣ ቅድሚ 3500 ዓመት እተጻሕፈ እዩ። ካልእ ብዙሕ መርተዖውን ኣሎ፡ ቦታ ስለዘየለ ግን ይቕረታ ክንቅጽል ኣይንኽእልን። መጽሓፍ ቅዱስ ንልቢ ሰባት ይቕይር እዩ። ብመሰረት ትንቢት እዚ መጽሓፍ ሽግራት ገና ክውስኽ እዩ። እዚ መጽሓፍ ሰባት ምስ ሞቱ ናብ ሓመድ ወይ መቓብር ከም ዚኸዱ ይነግረና። ካብኡ ድማ ክትንስኡ እዮም። በቲ ፍልስፍናዊ መገዲ ብዙሕ ኣንቢብካ ኢኻ፡ በቲ ሃይማኖታዊ ሸነኽከ ከመይ ዚበለ መጽናዕቲ ጌርካ? ግቡእ መጽናዕቲ እንተ ዘይጊውርካ ካብቶም ትወቕሶም ዘለኻ ሰባት ዝፈልየካ የሎን። ኣይኰንን ድዩ? ኣነ ተመሃራይ እየ ነቲ እኒ ቮልቴኽ፡ ሩሶ፡ ዲድሮ፡ ወዘተ ዝጽሕፍዎ የጽንዕ እየ። እዞም ፈላስፋታት ንሓስሕዶምውን ዘየስውማምዕሉ ብዙሕ ነጥብታት ኣለዎም። ኣነ ንዞም ፈላስፋታትን ካልኦትን ዝሓቶም ሕቶ፡ በቲ ርትዓዊ ዝብልዎም ኣምላኽ ከም ዘየለ ከርእዩኒ ወይ ከረዱኒ እንትውኺሎም እዩ። ይቕረታ ዘረባ ኣብዚሐ። ታሪኽ ስውብ ታሪኽ ፍሽልውት እዩ። ስለምታይ? መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰብ ናይ ገዛእ ስጉምቱ” ክቕንዕ ዓቕሚ ከም ዘይብሉ የረደኣና።

  • Selam January 21, 2015

    Dear Amanuel,

    Well come back to the stage. I found your article to be interesting and current to our political situation. I would like to see more articles in the future if you could especially in regards to what can we do to change ourselves as a society, as fast as…….Thanks

  • Simon G. January 21, 2015

    This is a reply to those who are commenting on religion.
    I hate to spoil your evening/morning but I have some reserve on this. Religion is good but a lot of the worst killings or crimes has been done on the name of religion.
    Few examples of these so called religious acts:
    1. King Haile Selassie – remember the history of Wolo feminine and also remember at the same time he was feeding his dog a red meat. Don’t make me go on what that man did to Eritrean muslims.
    2. The harden anti peace for Palestine and Israels are the religious people. On both sides.
    3. When those 367 Lampedusa victims drowned, most of the Orthodox priests were refusing to do a prayer.
    4. When Hugo Chavez hold the power and start helping the pure people of Venezuela, an American famous Pastor (one time he run for US presidency), he was advocating to eliminate Chavez.
    5. KKK in the USA still claim they are the religious people and you know who they hate (everyone but the whites)

    በጀኻትኩም ዛ ደመይ ኣይተፍልሑለይ

    • tamrat tamrat January 22, 2015

      You say important thing about how religion has been for killing millions and million innocent people but your twisted example has noting to do or little to do to support your argument. The wollo hunger has nothing to do wit religion. The king can afford a one birr maat for his dog by the way.

      The muslime in eritrea were well represnted then than now.

      As to your argument millions ethiopians died in religion war in 1600, in asmara 1945 in one day 159 people dead due muslim christian clash, in india,bangladesh, nigeria.myamr, iraq. Syria. Pakista, etc still hundred tho,mali,dand kill one another due religiin at the same time the peoples tolerate one another being exemplary even under isaias. So learn more.

      • Simon G. January 22, 2015

        I think your comments agreeing with mine even though you don’t seem so. I am saying the religious people seem to find a loophole (excuse) and kill innocent people and claim it is for greater good. I am not twisting anything.
        While Tewahdo was claiming the king was a holy person and this guy was killing innocent people by hunger or bullets. That was real. And the muslims you mentioned, it is confirming my comment. Where is the twist you mentioned?

    • Almaz Gual Asmera January 22, 2015

      ስምኦን ገ. ኣብቲ መብዛሕትኡ ትጽሕፎ ብዙሕ ከምዝንእደካ እንዳገለጽኩ። ብዛዕባ ሃይማኖት መብዛሕትኡ ሕዝብና ስለዘይተማህረ (ብፍላይ ሕዝቢ ተዋሕዶ)እንኮላይ እቶም ፊደል ዝቖጸርና ንብሃልን (ምሁራት ዜጋታት)ብዴሳዊ ኣተሓሳስባ ኣምርኦም ዝተሓጽቡ ፖለቲከኛታት ሃገርና …እቲ ንስኻ ዝሃብካዮ ርኢቶን መም. ኣማኑኤል ዝጽሓፎን ካብ ትርግታ ሕዝብና ወጻኢ እዩ። ሕዝብና ንኣሽሓት ዓመታት ዝተመራሓሉ፡ ብውልቂ ንዕለታዊ ህይወት ህድኣት፡ ዕግበት፡ ልቦና ዝህቦ ሓዳ ኣካል ናይ ሕይወቱ ኮይኑ፡ ብሓባር ከኣ ካብ ናብራ ኣራዊት ናብ ምዕቡልን ምክብባር ዝመልኦ ሕወነታዊ ማሕበራዊ ህይወት ዝመርሕ ብምዃኑ…ሕዝብና ኣማኒ ምዃኑ ተጠቒሙ እምበር ኣይተጎድአን። ብሰላም ዘየናብር ጭካነን ትዕቢትን ካብቶም ብዴሳዊ (ኮሚንስት) ኣተሓሳስባ ነቒሎም፡ መእሰሪ ከምዘይብሉ ማእዶ ነቲ ደም ናይ ኣሽሓት ደቂ ሕዝቢ ዝፈሰሶ ቃልሲ ከንቱ ዝገበሩ ኣብ ዓዲ ዘሎዉ ይኹን ኣብ ደገ ዘሎዉ ፖለቲከኛታት ሃገርና …ሓደ ዓቢ ነገር ዝጎደሎም ነገር “ፍርሓት እግዚኣብሔር” እዩ። ሓይሊ ኣምላኽ ዘይተሓወሶ ኸኣ ንጥቕሚ ሕዝቢ ዝውዕል ቃልሲ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ንዓኻ ይኹን ነቶም ብዙሓት …ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ቀሊል ዘይኮነ ንዕቐት እተርእዩ…መሰልኩም እዩ ኣረሜን (ዘይኣመንቲ) ኪትኮኑ…ኣብ ዘይትፈልጥዎ ጉዳይ ግን ኣይትእተዉ። ብሽም ኣምላኽ ምቕላድ ውጽኢቱ …ካብ ብዓል ለኒን…ማርክስ ተመሃሩ…ንሃይማኖት ከጥፍእ ነቒሉ ንገዛእ ርእሱ ዘጥፈአ ኣብ ታሪኽ ሒደት ኣይኮነን። እቲ ከም ኣብነት ጌርካ ጠቒስካዮ ዘሎኻ…ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘይብሉ ሰብ (ዶክቶር ብሞይኡ ንኽደይ ሰባት ይስምም፡ ወተሃደር ብጠበንጃኡ ንሰራቒ ገዲፉ ንንጹህ ሰብ ይቐዝፍ፡ ዳኛ ብሞይኡ ንጥፍኣተኛ ገዲፉ ንንጹህ ሰብ ይቐጽዕ፡ ብዓል ስልጣን ስልጣኑ ተጠቒሙ ንብዙሓት ይብድል…እሞ ሕልና ዘይብሎም ሰባት ክፉእ እንተገብሩ..ንሶም ይኹኑ ሞዮኦም ኩንን ኣቢልካ ኣየድልዩናን እዮምዶ ይብሃል እዩ?…ኣብ ዘይትፈልጦ ኣርእስቲ ሃተውተው ካብ ምባል ሱቕ ውን እኮ ክብረት እዩ።

      • Simon G. January 22, 2015

        ኣልማዝ ጓል ኣስመራ ሓፍተይ: መጅሙዕ ጠያይቲ ‘ምበር ኣዝኒብክለይ። ደሓን ግን ብኻልእ ዝጽሕፎ ስለትድግፍዮስ ብዙሕ ኣይተሰመዓንን። ኣነውን: ቀዲምክኒ ደኣምበር: ብትሕዝቶ ጽሑፍኪ ይሕበንየ።
        ናብ ናይ ሕጂ ርኢቶኺ ክምለስ። ከምዝመስለኒ ‘ዛ ናይ ሕጂ ሓስባተይ: ቆብ ዘበልክያ ኮይኑ ኣይተሰመዓንን። ኣነ ዝብል ዘለኹ: ሃይማኖት ‘ኳ ጽቡቕ ተኾነ: ግን ከኣ ብሽም ሃይማኖት ብዙሕ ጸይቅታት ተጌሩን ይግበር ኣሎን። ዴሳዊ ስርዓት ‘ኳ ተዘይኣመንኩሉ: ብጀካ ነታ ናይ “ኣምላኽ ዘይምእማን” ገዲፍካ: ናብ ሃይማኖት ዝቐረበ ስርዓት ንሱ’ዩ። ተማቒልካ ብላዕ! ኳ’ዩ ዝብል። እዚ ናይ በዓል ባባ ኢሳያስ ጸይቂ ስርዓትባ ዴስነት ኢልኪ ኣይትጸውዕዮ።
        ኤእ! ምስ ኣምላኸይ ከይተባእስኒ: ኣነስ ኣማኒ’የ ዝብል። ግን ካብ ጸርፍስ ከተረድእኒ ደኣ ፈትኒ። ካብ ሓውኺ!

  • Truly Truly i say to you January 21, 2015

    By reading millions and billions books that you can not find enough knowledge, alone by reading the holly book you can find better knowledge. Finally for all wisdom be it philosophy, politic, sociology, botanic, biology chemistry even it be Physic mathematics, astrology whatever you name the science, its source of be call it wisdom or knowledge is God´s word self.

  • Truly Truly i say to you January 21, 2015

    part 2
    For instance the bible never tells when the lives of be it plants animals or human beings begins, but generally tales us by God at the begging all creation as created. But any scientist may dares to tell us for instance the earth, or the moon as has an age of billions or trillions years. Likewise if now a days, let say around 7 billion people existing in this planet, scientists may assume and will tell you after 100 years may around 32 billions as will be the world population. As well if they calculate back may will tell you 3000 years ago around 200 millions or may two hundred thousands people only as were existing, any way until the first human Adam ,if they continue to calculate back a scientist (Philosophy) until the first human Adam reaches, may will tell you concluded 7, 000 years or 10 years back, little more or less years as was. Is that also your logic and understanding? Anyway let me share what the bible tells about regardings.

  • Truly Truly isay to you January 21, 2015

    As a whole, as I told you the bible never tales specific dates or years for any creation, but tales Human life by Adam creation as it began , and the earth started to fulfil by his descendants. If you deep research the bible you will realise that time that was civilisation be it in science or human moral as was existing like today´s world. even because Lord seen that time was mankind moral worsen finally decided and said, “I will wipe out these people I have created, they no live longer than 120 years. and you may you heard about as punishment for 40 days and nights because flooded every human kind and civilisation as wiped out, and the life begins from Noah, because the Lord was pleased with Noah and was saved him. (Read Genesis, chapter 6, and 7 if you like the whole Genesis)
    I hope you couch me why like a child i enforced to mention this elementary looks alike, but very deep fundamental knowledge to a highly respected person like you Dear Amanuel. You may know holly apostle Paul in his book for Romans as told them like this. “For I have an obligation to all peoples, to the civilized and to the savage, to the educated and to the ignorant about the highest wisdom that is in Jesus to teach. (Romans 1; 2) you may also knows with all Greece philosophers by arguing how he was convincing them about Jesus. read Apostle chapter 17.

    • A.. Temesghen January 21, 2015

      Truly Truly,
      I don’t find your pathetic and repeated quotations from the bible amusing at all. This is a political forum, not a religious platform for you to lecture or preach others. Please leave the Church in the village or in its holy places (lassen Sie die Kirche in Dorf, say the Germans). It certainly doesn’t fit here and it really irritates when cheap people are using it for their cheap fame and propaganda. Furthermore, in real life, practice what you preach otherwise even the devil quotes the bible for his fun and evil missions.

      • AHMED SALEH !!! January 21, 2015

        A.Temesghen whoever you are ;
        Following your comments ,I see you have
        personal issues with forum participants .

  • Truly Truly isay to you January 21, 2015

    Finally my dear compatriot Amanuel, because that after deeply examined and studied all the things that are done in this world was, the wisest philosopher on human being history ever existed King Solomon , finally said, “It is useless,useless, everything is all useless. I have seen everything done in this world, and i tell you it is all useless. it is like chasing the wind…he begins the book of Ecclesiastes saying useless, he end up saying useless. (read Esc. 1- 2; 12-8) So after and above than Solomon wisdom, who is Socrates, Who is Plato, after king David, who is Caesar, who is Napoleon, What Philosophy is that above than God´s knowledge. What they have done new,told or brought wisdom that Daniel not have, that Moses do not Tell What, Peter, and Paul did not teach, What Jesus self when comes on earth did not teach or accomplish? When i all this say it is not to undermine your contribution and knowledge, absolute not i mean there is no need of knowledge from others human being resources. In deed it needs! I know you are smart person and golden for our society, as i respect a religious person, i respect too your atheist stand and people with other religious affiliation too.

  • Hazhaz January 21, 2015

    ==========================

    ሰላም መምህር ኣማኑኤል፤

    ሌላ ምስ ዕምቆት ጽሑፋትካ ኣብ ዓድና ካለኣይ ደረጃ ተምሃራይ ኣብ ዝነበርኩሉ ስለጅምር ሓድሽ ኣይኮነን። ሓቂ ይሓይሽ ፈለማ ንኣውሮጳ ምስ ተሰደድካ፣ ከም መብዛሕትኡ ሰብ፣ ብዙሕ ኣብ ምኹን ሕልምታት ናይ ገድሊ ስለ ዝነበርካ፤ ኣብቲ ኣብ መርበብ ዓዋተ ትሕንጥጦ ዝነበርካ ጽሑፋት ብዙሕ ኣይፈተኽ ዎን፤ ኣዝዩ ሓሳባዊ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ሕልማዊ ስለዝነበረን እዩ።

    እዛ ጀሚርካያ ዘለኻ ጽሕፍቲ ግና ህድህ ኢሉ፣ ኣስተውዒሉ ዘንብባ እንተረኺባ፣ ብዙሕ መሃሪ ቁምነገርን ፍረነገርን ኣለዋ። እቲ ዘሕዝን፣ መብዛሕተኦም ጸሓፍትን ምሁራትን ሃገርና፣ ገና ኣብ ፍረከንቱ ሕልምታት ናይ ገድሊ ደቂሶም ስለዘለዉ፤ እቲ ዝጽሕፍዎ መብዛሕትኡ ዝትሓዝ ዝጭበጥ የብሉን። እዚ ማለት ግና ዉሑዳት እኳ እንተኾኑ ብድፍረትን ብምሉእ እምነትን ትብዓትን ኣዝዩ መሃርን ሱር በተኽን፣ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋት ዘቕርቡ ሰብ ልቦና፣ ከምኒ ኣቶ ዮሴፍ ገብረሂወት፣ ዝክረ ልቦና፣ ገብርኤል ጋንጉል፣ ዶር የዕብዮ ውን ኣለዉ ማለተይ እዩ።

    እዚ ጽሑፍካ፣ ነቲ ኣብ ናይ ገድሊ ሕልማታት ገና ዝሕምብስ ዘሎ የዋህ ከይርድኦ ስለዝኽል፣ ብዙሕ ተስፋ ከይቆረጽካ ኣስተምህሮኻ ቀጽሎ። ድሕሪ ሓምሳ ዓመታት እዚ ማእከላይ ምብራቕን ገለ ክፋል ቀርኒ ኣፍሪቃን፣ ብዚ ተወሊዑ ዘሎ ግናይ ሃይማኖታዊ ባርዕ ተሃንኲቱ ሓሞኽስቲ ጥራይ ምስ ተረፈ (ንኣብነት ናይ ሎሚ ሶማልያ የመን ዳርፉር ሊብያ ዘክር)፣ ሽዑ ካብ ሕልሞም ተባራቢሮም ጎጊሎም ከምብቡኻ እዮም።

  • WediHagher January 21, 2015

    “እቲ ዘሕዝን፣ መብዛሕተኦም ጸሓፍትን ምሁራትን ሃገርና፣ ገና ኣብ ፍረከንቱ ሕልምታት ናይ ገድሊ ደቂሶም ስለዘለዉ፤ እቲ ዝጽሕፍዎ መብዛሕትኡ ዝትሓዝ ዝጭበጥ የብሉን። እዚ ማለት ግና ዉሑዳት እኳ እንተኾኑ ብድፍረትን ብምሉእ እምነትን ትብዓትን ኣዝዩ መሃርን ሱር በተኽን፣ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋት ዘቕርቡ ሰብ ልቦና፣ ከምኒ ኣቶ ዮሴፍ ገብረሂወት፣ ዝክረ ልቦና፣ ገብርኤል ጋንጉል፣ ዶር የዕብዮ ውን ኣለዉ ማለተይ እዩ።”

    Hazhaz aka Teclay, Kombishtato

    It seems you have not heard that Emperor Hailesellasie is dead long ago. Thanks to Weyane, the people of Ethiopia are better of without Amhara supremacists who ruled with iron fist from the center, and their friends and agents like you. The imperial and jingoist dreams of some of you with dubious identity, is nothing but ‘hilmi-dorho’. There is no way for Ethiopia to go back to the dark age of Hailesellasie. If you are Eritrean, which I strongly doubt, stop insulting ‘Ghedli’ and sacrifices made by our brothers and sisters. We want allow you and YG insult our Martyrs.

  • WediHagher January 21, 2015

    Correction: “We won’t allow you and YG insult our Martyrs.”

POST A COMMENT