Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትዕዝብቲ ኣብ ፖለቲካን ባህርያቱን – ኣማኑኤል ሳህለ (1ይ ክፋል)

ትዕዝብቲ ኣብ ፖለቲካን ባህርያቱን ኣማኑኤል ሳህለ   ፖለቲካ ናይ ህዝቢ ስጋዊ ምምሕዳር ስልቲ ኪኸውን ከሎ፡ ሃይማኖት ከኣ ናይቲ ህዝቢ መንፈሳዊ ምምሕዳር ሜላ ማለት እዩ። እቲ ቀዳማይ ነቲ ስጋዊ ገጽታ ሰብን ንምድራዊ ድሌታቱን ከስተናግድ ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ግን ነቲ

ትዕዝብቲ ኣብ ፖለቲካን ባህርያቱን

ኣማኑኤል ሳህለ

 

ፖለቲካ ናይ ህዝቢ ስጋዊ ምምሕዳር ስልቲ ኪኸውን ከሎ፡ ሃይማኖት ከኣ ናይቲ ህዝቢ መንፈሳዊ ምምሕዳር ሜላ ማለት እዩ። እቲ ቀዳማይ ነቲ ስጋዊ ገጽታ ሰብን ንምድራዊ ድሌታቱን ከስተናግድ ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ግን ነቲ መንፈሳዊ ገጽታ ሰብን ንሰማያዊ ድሌታቱን እዩ ዘስተናግድ።

እቲ ቀዳማይ፡ ነቲ መሰረታዊ ባህርያት ሰብ ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ስጋዊ ድሌታት ሰብ ብምድቋስ ይኹን ብምጽቃጥ ስልጣኑ የንውሕ። እቲ ካልኣይ ግን ነታ ነፍሲ ወድሰብ ከም ዘልኣለማዊ ኣካል ገይሩ ብምውሳድ ንስልጣኑ ዶባውን ግዜኣውን ገደብ ኪገብረሉ ኣይደልን። ነፍሲ-ሰብ ዘይትረአን ዘይትተሓዝን ብምዃና፡ እቶም ብስም ኣምላኽ ዘመሓድሩ ሰባት ነቲ ኣብ ትሕተኦም ዚግዛእ ህዝቢ ባዕላቶም ብዝፈጠሩዎን ብዝመሃዙዎን መለኮታዊ ሜላታት ገይሮም እዮም  ኪኣስሩዎ ዝደልዩ።

ወድሰብ ኣብቶም ብስጋ ዘመሓድሩዎ ሓይልታት ኪዕምጽ ወይ ኪእድም ይኽእል ይኸውን፡ ኣብቶም ብመንፈስ ዘመሓድሩዎ ግን፡ ዘልኣለማውን ገደብ ዘይብሉን መንፈሳዊ መቕጻዕቲ ይጽበዮ ከም ዘሎ ስለ ዚንገሮን ቀጻሊ ስለ ዚስበኸሉን ተሸቝሪሩን ተዳሂሉን እዩ ዚነብር: ኪእድምውን ኣይደልን።

ብዙሕ ፖለቲካዊ ስርዓታት ተገልቢጡን ተሳዒሩን እዩ። ሃይማኖታዊ ስርዓታት ግን ንኺሰዓር ዘለዎ ተኽእሎ ኣዚዩ ውሑድ እዩ። ወድሰብ ካብዚ ዓለም ምስ ኣልገሰ ናበይ ከም ዝኸይድ ስለ ዘይፈልጥ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ነዚ ስግኣትዚ ጽቡቕ ገይሮም እዮም ዚጥቀሙሉ: በዝን ክንድዝን ድማ ስልጣኖም ከይተተንከፈ ንነዊሕ ይጸንሕ።

ወድሰብ ብዘመናዊ መገዲ ኪመሓደር ዝጀመረ ከተማታት ኪሃንጽን ኣብኡ ኪቕመጥን ምስ ጀመረ እዩ። ከመይ ጌርካ እዩ ዚመሓደር ዘይኮነስ፡ ከመይ ገይረ እየ ስልጣነይ ዘደልድሎን ዘንውሖን ዚብል ሕቶ ሓደ ካብቲ ናይ ፖለቲካዊ ምምሕዳር ዓብይ ሕቶ እዩ ነይሩ።

ንሰብ ምምሕዳሩ ዘይኮነስ፡ ጨቊንካ ምሓዙ ዝያዳ ስልጣን ዘንውሕ ብምዃኑ ድማ፡ እቶም ዘመሓድሩ ነቲ ኣሚኑ ዚግዛኦም ዝነበረ ህዝቢ ከታልሉዎም ኪጻወቱሉን ግዜ ኣይወሰዱን። ብጥንቲውን እኮ እቲ መንግስቲ ዘቖመ ሰብ ነቲ ህዝቢ መብዛሕትኡ ግዜ ብዓመጽ እዩ ሒዙዎ ነይሩ። ብዓመጽ ዝሓዝካዮ ህዝቢ ድማ ኣይእንታይካን ስለ ዝኾነ፡ ከይለዓለካ ብምፍራህ ጸቒጥካ ኢኻ እትሕዞ።

ገለ ሰባት ግን ነዚ ዓይነት ምምሕዳርዚ ግዲ ጸሊኦም ኮይኖም በቲ ዘምልኹዎን ኩሉ ዚከኣሎን ኣምላኽ ወይ ጣኦት ኪመሓደሩ ይደልዩ ነይሮም (ተዮክራሲ)። ዝሓሸ ኮይኑ ስለ  እተራእዮም። ካብ እትፈልጦ ሸይጣንስ ዘይትፈልጦ ኣምላኽ።

እቲ ኣምላኽ ኢሎም ዚእዘዙዎ ንግዜኡስ የመሓድሮም እዩ ነይሩ። ብባንን ብበትርን። ምስ ዘይእዘዙ ይረግሞምን ኣብ ጭንቀት የእትዎምን፡ ምስ ዚእዘዙ ድማ ይምርቖምን ተስፋ ይህቦምን። ሓድሓደ ግዜ ተኣዚዞም ከለዉ  በዚ መጸ ዘይብሃል መከራ ይወርዶም እሞ፡ እቶም ካህናቶም ከጸናንዑዎም ይፍትኑ። ካብ ዘይምእዛዝ መቸም ምእዛዝ ይሓይሽ። ኣይትጠዓስንውን። ንኣምላኽ እሞ እንታይ ኢኻ ክትብሎ። እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኪጋገ ኢልካ ኣይትሓስብን።

ዝኾነኾይኑ እዚ ሓውሲ-ኣምላኻዊ ምምሕዳር ወይ ሰሚተዮክራሲ ካብቲ ናይ ዓለማዊ ምምሕዳር ብዙሕ ፍልልይ ኣይነበሮን። እቲ ምምሕዳር ኪጋገን እቶም ካህናት ኪምዕዱን ተራባሪቦም። ተራእዩኒ እናበልካ ድልየትካ ምፍጻም ከኣ ልሙድ እዩ ነይሩ። ኣምላኽ ከምዚ ግበር ኢሉኒ፡ ኣምላኽ ከምዚ ፍጠር ኢሉኒ እናበልካ ንህዝቢ ምትላል ብካህናትን ብኣታቶም ዚድገፉ መራሕትን ከም ፖለቲካዊ ስልቲ ተታሒዙ ነይሩ። ወድሰብ ድማ ተገፊዑን ተቐቲሉን። እቶም ምድራውያን መራሕቲ ነቲ ምድራዊ ናብራኡ፡ እቶም ካህናትን ኣኽረርቲ ሰዓብቶምን ድማ ነቲ መንፈሳዊ ወይ ስነኣእምሮኣዊ ህይወቱ ተጻዊቶምሉ።

ፖለቲካ ብስምዒት ወይ ብዘይ ስልቲ ወይ ብዘይ ሳየንሳዊ ኣተሓሳስባ ኪምራሕ ከሎ ከምዚ እዩ ትርፉ።

ግን ከኣ እቲ ኣምባገነንውን ብወገኑ ብሳየንሳዊ መገዲ እናተመርሐ ሰብ ኣሳቕዩን ኣህሊቑን እዩ።  ስታሊን ዶግማዊ ኮምዩኒዝም ተጠቒሙ ሰብ ወዲኡ። ማኪያቨሊ ከመይ ጌርካ ንሰብ ብሓይለ-በትሪ ሰጥ ለጥ ከም እተብሎ መጽሓፍ ጽሒፉ። ሂትለር ብናይ ዓሌት ሱዶ-ሳይነስ (ኣምሰሉ ሳየንስ) 5 ሚልዮን ኣይሁድ ኣህሊቑ።

ኩሉ ነገር ካብ መስርዑ ኪወጽእ ከሎ ዘኸትሎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣሎ። ኣብ ሳየንስ ስምዒት ኪኣቱ የብሉን። ሳየንስ ስምዒት ምስ ዚኣትዎ ናብ መለኮታውነት ገጹ እዩ ዚቐንን። መለኮታውነት ድማ ናይቶም ንዓለም ንድሕሪት ኪጎቱ ዚህቅኑ ሰባት መሳርሒ ንምዃን ግዜ ኣይወስድን።

ወድሰብ ብመሰረቱ ከይተለወጠ፡ ጥዑይ ፖለቲካ ኪህሉ ኣይክእልን። ፖለቲካ ነቲ ናይ ሰብ ስሱዕ ባህሪ መሊሱ እዩ ዘግንኖ። እንስሳታት ናይ ጫካ ሕጊ ዚብሃል ፍሉይ ናይ ስሰዐን ህርፋንን መምርሒ ኣለዎም፣ ምዝራፍ፡ ምምንጣል፡ ምዕማጽ ወዘተ። ብተመሳሳሊ መገዲ እቲ ፖለቲካዊ እንስሳ ዝኾነ ወድሰብ፡ ስልጣን ንኺሕዝን ንምጽናዕን ልዕሊ ሕጊ ንምዃንን ብዙሕ ሜላታት እዩ ዚጥቀም። ዘይሕጋዊ ቅዋም ይተክል፡ ናይ ስለያን ድሕነትን ኣውታሩ ድማ ይዝርግሕ።

ወላውን ኣብቲ ደሞክራሲ ይረኣየሉ ኣሎ ዚብሃል ዓለምና፡ ወድሰብ ኣብ ሜዳ ፖለቲካ ኣትዩ ብናይ ምርጫ ሜላታን ተንኮላትን ንህዝቢ ምትላል ክሳዕ ዘይገደፎ ተለዊጡ ኪብሃል ኣይከኣልን። ቀዳሞት ፕረዚደንትታት ኣመሪካ ከምዚ ሎሚ ዘይኮነ ኣብ ናይ ምርጫ ተንኮላት ኣይተቖማጥዑን። ምረጹኒ እናበልካ ናብዝን ናብትን ጸፋዕፋዕ ምባል ኣይነበረን። ሕጂ ግን ቃልሲ እዩ ኾይኑ። አረ ናብ ኲናት እዩ ተለዊጡ። ስለምንታይ እዩ ግን ፓርትታት ንኺምረጻ ዘዕገርግራ? ብሓቂ ንህዝቢ ሓይልየን ዲየን?

ቀደም ኣቦታትና ነቲ ኪመርሖም ዚደልዩዎ ሰብ፡ ቆጽሊ እዮም ዘንብሩሉ ነይሮም። እቲ ቖጽሊ እተነበረሉኸ እንታይ ይብል ነይሩ መስለኩም? ኣይደልን! ይትረፈኒ! ሓላፍነት ኪኸብደኒ እዩ!! ንኻልእ ሃቡዎ!!

ሎሚኸ? ንኣይ እንተ ዘይመረጽኩም ሃገር ክትዓኑ እያ! ንሰልፈይ እንተ ዘይኣድመጽኩም ሃገር ክትበርስ እያ! ንኣይ እንተ ዘይኣመንኩም ኣብ ከቢድ ጣዕሳ ክትኣትዉ ኢኹም!! ንሰልፈይ ወይ ፓርተይ ዘይኣመነ ማይ ከም ዝሓቖነ ወዘተ…

ምስ መረጽካዮም ድማ ሃገር ከዕንዉን ከብርሱን ነቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ከቢድ ጣዕሳ ከእትዉዎ ከለዉን ንርእዮም ኣሎና።

ግን ከኣ ካልእ ኣማራጺ ኣሎዶ? ካብ ሕምስምስን ፋሉልነትን ዕግርግርን፡ ካብ ምጥፋእ ጸጥታን ሰላምን፡ ምስቶም ሓረድትኻ ምውዓልዶ ይሓይሽ ይኸውን? ከብትስ ምስ ሓራዲአን ይውዕላኮ ተባሂሉ እዩ። እቲ ህዝቢ ድማ ከም ከብቲ ማይና እናሰተና፡ ሳዕርና እናገሃጽና ብሰላምዶ ንነብር ወላስ ነገር ነምጽእ ዚብል ዘሎ እዩ ዚመስል።

ወድሰብ ባህርያቱ ከይለወጠ፡ ጥዑይ ፖለቲካ ኪህሉ ኣይክእልን። ባህርያቱ ንኺልውጥ ግን ብዙሕ ኪሳቐን ኪዋረድን ኪሓፍርን ዘድሊ ይመስል። ኣብቲ ካብ ምሒር ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ስሰዐ ዚመጽእ ናይ ኲናትን ህልቂትን ሓዊ ምስ ተጠብሰ እዩ ኪርዳኦ ዚጅምር። ከምቲ ኣፍራስ ከይተገርሑ ሰብ ኣወጢሖም ብሰላም ኪጎዓዙ ዘይክእሉ፡ ወድሰብ ድማ ብዓቢ ናይ ስቓይ ነበልባል ከይሓለፈ ዚልወጥ ኣይመስልን። ብፍላይ ኣብ ማሪትን ከንቱ ሃይማኖትን ዘተኵር ወድሰብ።

ተዮክራሲ (ማለት መንፈሳዊ ምምሕዳር) ቅድሚ ሕጂ ተፈቲኑ እዩ። ኣይሰርሐን። ብግቡዛትን ኣምሰሉን ካህናትን ኣቕሽሽትን ዚካየድ ምምሕዳር ካብቲ ዓለማውያን ዘካይዱዎ ምምሕዳር ምንም ፍልልይ የብሉን። አረ እቲ ናይ ዓለማውያን ይምረጽ፡ ከመይሲ እቶም ካብ ኣምላኽ ኢና እቲ መምርሒ እንረኽቦ፡ ይረኣየና ኣሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ይነግረና ኣሎ እናበሉ ዘመሓድሩ ሰባት መላኺ የብሎምን፡ ድላዮም ኪገብሩኻ ድማ ይኽእሉ፡ እኹል ስልጣንን ሓይልን ስለ ዚውንኑ። እቶም ዓለማውያን ግን ክትማጐቶም እኳ ትኽእል።

ኣብ ማእከላይ ዘመን (ሚድል ኤጅስ) ኣብ ኤውሮጳ ዚነብሩ ዝነበሩ ህዝቢ ዳርጋ ብቤተክህነት እዮም ዚመሓደሩ ዝነበሩ። እቲ ዘመንቲ ነገስታት ኣብ ቅድሚ ጳጳስን ካህናትን ዚርዕድሉን ዘንቀጥቅጥሉን ጸልማት እዋን እዩ ነይሩ። ተራእዩና እናበልካ ንህዝቢ ቃሕ ዝበለካ ምግባር። ተገሊጹልና እናበልካ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ሸይሸይ ምባል በዚሑ ነይሩ።

ብቤትክህነት ዚካየድ ፖለቲካዊ ምምሕዳርስ እንተ ተረፈ ይሓይሽ፡ ከመይሲ ናይ ሰብ ባህርይ ብመሰረቱ ብሃይማኖት ዚዕረ ኣይኮነን። ይኹንምበር፡ ካብቶም ኣብ ዘይጭበጥ ነገር ኣሚኖም ዘይጭበጥ ነገር ክትገብር  ዚእዝዙኻ ካህናት፡ ኣብ ጭቡጥ ነገራት ዚኣምኑን እንተ ተኸራኸርካዮም ድማ ብስነሞጎት ኪምልሹልካ ዚፍትኑን ፈላስፋታት ኪገዝኡኻ ይምረጽ። ለባም ይቕተለኒኳ ዚብሃል።

ናይ ዘይማዕበላ ሃገራት ፖለቲካ

መብዛሕትአን ኣፍሪቃውያን ሃገራት ካብቲ ቅድሚ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበረን ቀቢላውን ኣውራጃውን ማሕበራዊ ደረጃ ዚወጻ ኣይመስላን። ሓምሳ ዓመት ድሕሪ ናጽነት ክሳዕ ሎሚ ህዝበን ብሃይማኖታውን ቀቢላውን ኣውራጃውን ጕጅለታት ተኻፋፊሉ መጻወቲ ባዕዳውያንን ዳግመ-ገዛእትን፡ መጻወቲ ናይ ገዛእ ርእሱ መራሕትን ብምዃን ይሳቐ ኣሎ።

ሽሕኳ ኣብ ኩሉ ዓለም ፖለቲካ ኪብሃል ከሎ ናይ ስልጣን ቍርቍስ ምርኢት እንተ ኾነ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ግን እቲ ናይ ስልጣን ቍርቍስ ኣብቶም ፖለቲከኛታት ተሓጺሩ ክንዲ ዚተርፍ፡ እቲ እተፈላለየ ቀቢላታትውን ኣብቲ ቍርቍስ ወሳኒ ተራ ኣለዎ።

ብማሕበራዊ ደረጃ ዘይማዕበለ ህዝቢ ካብ ቀቢላነትን ኣውራጃነትን ሓሊፉ ኪሓስብ  ኣይክእልን። እታ ዝኽእላ ንሳ እያ። እታ ዓቕሙ ንሳ እያ። ካብዚ ጸቢብ ኣተሓሳባዚ ንኺወጽእ ግዜ የድልዮ።

እቲ ስልጡን ቍርቍስ ኣብ ሰደቓ ኮፍ ኢልካ ዚግበር ቍርቍስ እዩ። ኣብዚ ደረጃዚ ንምብጻሕ ብብዙሕ ጸገማትን መከራን ክትሓልፍ ንቡር እዩ። ኣብ በዓል ኣመሪካ ዚካየድ ናይ ፖለቲካ ቍርቍስ ካብቲ ናይ ኣፍሪቃ ዚፈልዮ ነገር እንተሎ፡ እቲ ሓደ ኣብ ጫካን ኣብ ሜዳን ብጠያይትን ብቦምቢን፡ እቲ ካልእ ድማ ኣብ ሰደቓ ብዘረባን ክስን ሓሶትን ጉቦን ምጭብርባርን ብምክያዱ እዩ። እቲ ካልኣይ ኣብ ሞትን ስቓይን ዘይሽምም ብምዃኑ፡ ካብቲ ቀዳማይ ይምረጽ። ኣብቲ ቀዳማይ እተማዕብሎ ነገር የልቦን፡ ኣብቲ ካልኣይ ግን ክትመሃርን ክትመዓዓድን ሓሳባትካ ከተማዕብሎን ትኽእል። ኲናት ትርፊ የብሉን ብዘይካ ሞትን ዕንወትን። ክትዕን መጎተን ግን የብልሓካን የማዕብለካን ስለ ዝኾነ፡ ኣማራጺ የብሉን።

ፖለቲካን ናይ ምትላል ሜላኡን

ፖለቲካ ናይ ምትላል ባህርያት ኣለዎ። ስልጣን ንምሓዝን ንምጽናዕን እሞ ኸኣ ምስ ደመኛታት ተዋዳደርትን ምስቲ ብስምዒት ዚምራሕ መብዛሕትኡ ዘይተማህረ ህዝብን ትዋሳእ ብምህላውካ፡ ዘዋጽኣካ ምግባር ዓይንኻ ዘይትሓስየሉ ጉዳይ ይኸውን። ኣበላላዕ እዩ እቲ ጸወታ። ከይቀደመኒ ክቕድሞ እዩ እቲ ኣገባብ።

እዚ ባህርይዚ ኣብ እንስሳታ ጎሊሑ ይረአ። ሽደናት ኣናብስ ኣብቲ ኣንበሳዊ ሕብረተሰብ ደረጃኦም ከጣናኽርሩን ጥጡሕ ማሕበራዊ ቦታ ንኺሕዙን ሑሕ ሑሕ ይበሃሃሉ። ኣብ መንጎኦም ድማ ገለ ስልጣኖም ከይግፈፎም ዝርዕዱ መራሕቲ ኣናብስ ኣራእሶም ብምልዓል öዘራፍö ይብሉ። ባእስን ዕግርግርን፡ ምንኽኻስን ምጕያይን፡ ምፍሕጣርን ይስዕብ። ደሓር ጽንሕ ኢሉ እቲ ሑሕታን ጉዝማን ደው ይብል። ንጉስ ተፈጢሩ ወይ ዳግማይ ተመሪጹ ማለት እዩ። ሰላም ሰፊኑ።

ወድሰብ ካብ እንስሳ ዚፍለ ኣይኮነን። ሽሕኳ ኣእምሮ እንተ ተዓደሎ፡ እቲ ውሽጣዊ ደመባህርይ ግን ገና ኣይተጋደፎን። ሓደ ሳየንሳዊ (ሳየንቲስት) ከም ዝበሎ፡ ዘመናዊ ወድሰብ ኣብ ስልጡን ከተማታት ይነብር እኳ እንተ ሃለወ፡ እቲ ውሽጣዊ ድራኸኡ ግን ከምቲ ናይቶም ኣብ ዘመን እምኒ ኣብ በዓቲ ዝነብሩ ዝነበሩ ኣቦታቱ እዩ።

ኣናብስ ወይ ካልኦት ኣራዊት ብባእስን ብምምንጫትን እዮም ኣብቲ ሕብረተሰቦም ማሕበራዊ ደረጀኦም ዘስተኻኽሉ፡ ወድሰብ ግን ኣእምሮ ስለ ዘለዎ በእዳዉ ዘይኮነስ ብኣእምሮኡ እዩ ዚናኸስ። ብኣእምሮኻ ንኽትናኸስን ንኽትፋሓጣጠርን ብኣኡ ኣቢልካ ንምዕዋት ግን: ተንኮል ኣማራጺ ዘይብሉ መሳርያ እዩ። ተንኮልን ምትላልን ምጥላምን እምበኣር ናይ ወድሰብ ፖለቲካዊ ኣሰራርሓ እዩ። ብተንኮልን ምትላልን ገይሩ ነቶም ዚወዳደሩዎ የጥፍኦም፡ ነቲ ህዝቢ የታልሎ፡ ንታሪኽ ይጠዋውዮ፡ ውጽኢቱ ድማ ብርሰትን ዕንወትን እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
62 COMMENTS
  • Mekonen Fessahaie January 21, 2015

    This was a great article, you were my teacher in Dekemhare in the 70’s and have always been a great writer. Good luck on you future endeavors.

    Mekonen Fessahaie

  • Almaz Gual Asmera January 21, 2015

    ዝኸበርካ መምህር ኣማኑኤል፡ ብመጀመርያ ኣነ ካብቶም ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ከም መምህር ዝፈልጠካን ብድሕሬኡ ኸኣ ብጹሑፋትካ ዝንእደካን ዘኽበረካን ሰብ ምዃነይ ኪገልጽ ይፈቱ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዘሎ ቀይዲ በተኽ ስርዓትን ፖለቲካዊ ጥፈሻ ናይቶም ፖለቲከኛታት ሃገርና (ኣብ ውሽጢ ዘሎዉ ይኹኑ ኣብ ደገ፡ ኣይ ካብ ውሽጢ ኣይ ካብ ደገ ሓዲግ ከምዝተረፍና ብምፍላጥ) እትጽሕፎ ንብዙሕ ሰብ የለብም ንገሊኡ ኸኣ ዓይኑ ኪኸፍተሉ ከምዝኽእልን ጥዕናን ጉልበትን ሂቡካ ኪትቕጽሎን ተስፋ ይገብር። ብዛዕባ ኣብ ሃይማኖት ኣድሂብካ እትህቦ ርእይቶታት ግን ዳግማይ ኪትሓስበሉ ይምሕጸነካ። ኣነ ሰዓቢ ብሃይ ምዃንካ እየ ዝፈልጥ ኔረ፡ እንድዒ ሕጂ። ሕዝብና ንኣሽሓት ዓመታት ዝስዕቦ እመንታት ኣሎዎ (ክርስትና ይኹን ምስልምና)። ከም ብቑዓት መራሕቱ ዝርእዮም መማህራን ከኣ ኣሎውዎ። ዝስምዓካ ኪትጽሕፍ መሰል ከምዘሎካ ይኣምን። ነጻነት ምጽሓፍ ምስ ሓላፍነት ተዛሚዱ እምበር በይኑ ኣይነብርን። ብዛዕባ ሃይማኖት ኪትምህር ግን ሃናጺ ኮይኑ ኣርኣየንን። ንኽትዕ ዝዕድም፡ ነቲ እዋናዊ ጸገም “ሓድነት ፍትሓውያን ኤርትራውያን” ካብ ምድኻም ሓሊፉ ብሓድሽ ትምህርቲ ሃይማኖት ዝርከብ ረብሓ የሎን። እቲ ሕዝብና ዝናፍቖ ዘሎ ሓርነት ከኣ ሃይማኖቱ፡ ክቡር ባህሉ (ጎዳኢ ባህሊ ከምዘይድሊ ብምእማን) ታሪኹን ትውፊቱን ዝኽበረሉ እምበር … ብዘይካ ናይ ዘመኖም ፍልስፍና ካልእ ከዛምዱ ዘይኽእሉ ብዴሳዊ ኣተሓሳስባ ዝተሓጽቡ መንእሰያት ዘምጽእዎ “ነጻነት” (መዓቱ ዘይተወድአ ጎደሎ ነጻነት) እኮ ሕር ሕራይ ጌርና ርኢናዮን ንሳቐየሉ የሎናን ዲና። ስለዚ መትከል ናይ ቃልስኻ ምጽራይ ከምዘድልየካ ብትሕትና ይገልጸልካ። ሃይሞኖት ከምቲ ገሊጽካዮ ዘሎኻ መንፈሳዊ ናይ ምምሕዳር ሜላ ዘይኮነስ ነቶም ኣሚኖም ብግብራዊ ስጉምቲ ዝኸድዎ ህይወት እዩ። “ሰብ ብንጌራን ማይን ጥራይ ኣይነብርን እዩ…በቲ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዝውጽእ ቃል እግዚኣብሔር እንኮላይ እምበር….” ዝብል ዓምዩቕ መሰረት ዘሎዎ ህይወት/ቃል ህይወት/ ናይ ትማሊ ዴሳዊ (ኮሚንስት) ብጠበንጃ፡ ካራን ደምን ከጥፍኦ ፈቲኑ ንሱ ድኣ ጠፊኡ እምበር ሃይማኖት ኣይጠፍአን። ራሻ ኸኣ ህያው ምስክር እያ።

    • A.. Temesghen January 21, 2015

      Almaz Gual Asmera,
      Kibrti haftey Almaz gual Asmara you write so beautifully you are a top teacher (Memher) of the highest place yourself. Please keep it up and God bless you my highly respected sister.

  • libna kfetelna January 21, 2015

    Father Amanuel I really appreciate your coming back and your article, but I would recommend you not to open another chapter (religion) for we have enough issues/problems to talk/write about. thank you

  • God's Family January 21, 2015

    Good job Almaz Gual Asmera.

  • Johans January 21, 2015

    Dear Amanuel im glad to see you back with your new philosophy but our capacity of knowldge is not enough to digest like this. I mean poeple like my self we are looking for some of hope and political participation in our beloved country and inherite our calture and customes, so i hope you contuneu to write on this site with some logical fact about the poeple of Eritreans according to our situtions
    Mony thanks as usual

  • ኣርዓዶም January 21, 2015

    ኣማኒኤል ሳሃለ
    ምስቲ ቐደም ትጽሕፎ ዝነበርክካን እዚ ናይ ሎሚ ጽሑፍን ፍልልይ ኣለዎ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፍካ መብዛሕትኡ ብስነ-ፍልጠታዊ ዝትደገፈ ዘይኮነስ፡ምስ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ዝተኣሳሰርን፡ ካብ ምብዛሕ ኣፍልጦ ሽግር ኤርትራ ዝተላለ ባዕላዊ ጽሑፍ ኮይኑ ረኺበዮ። ብፍላይ ድማ ፖለቲካ ከም ሓደ መቓተልን መቐናንእን ክርካ ምቕራብካ`ውን ምስ እዚ ናይ ተቓውሞታት ዘሎ ሽግራት ዝተኣሳሰረ እምበር፡ ብሰነፍልጠት ዝተደገፈ እንተዝኸውን፡ ፖለቲክስ ኣብ ሕጊ ምስ ዝስራዕ፡ ሰብ ኣብ ነናቱ ስራሕ ስለዝኽተትን ለውጢ ሰላም ስለዘስተማቕርን ነቲ ጽቡቕ ዝበለ ጥራይ ተዘይኮይኑ፡ ንህውከት ዝህንደድ ዘሎ ኣይመስለንን ጥራይ ዘይኮነ ብጭብጢ ኣብ ኢሮፔን ሃገራትን ኣብ ጃፖንን ኣመሪካን ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ናብራንምር ኣይ እኹል ኢዩ።

    ከም`ዚ ንስኻ ዝገለጽካዮ እንተዝኸውን ነይሩ፡ እዛ ዓለምና ብህውከትን ናዕብን ተሃዊጻ ኣብ ስደት ዘይኮነስ ኣብ ሃገርና ወይ ሞይትና ወይ ድማ ከምዛ ዘለናያ ሕጂ ተቒሪና ምሃለና። እዚ ማለት ብናትካ ትንተና፡ ኣብ ኩሉ ሃገራት ህውከት ስለዝኸውን ብናተይ ርእይቶ`ውን ህዝቢ ከካብ ሃገሩ ክወጽእ ኣይምኸኣለን፡ ምኽንያቱ ወጽዩ ለውጢ ክርእይሉ ስለዘይክል።
    ዝኾነ ትንተና ክንጽሕፍ እንከልና፡ ምስ ዘሎ ሽግራት ኣጎዝጉዝና ዘይኮነ፡ብሰነ ፍልጠት ዝተሰነይ ኽኸውን እንከሎ ይምረጽ። ወይ ድማ ነቲ ዘሎ ሽግር ኣነጺርካ ምግላጽ ኢዩ እምበር፡ ጫፍ-ጫፍ እንዳገበርካ ከም ሓደ ብሰነ-ፍልጠት ዝበሰለ ክትመስል ጠቓሚ ኣይመስለንን።

    ወድሓንካ።

  • Abraham January 21, 2015

    Dear Haw Amanuel,
    your article is real and fact if someone thinks free from any irrational ideas. I am afraid as you said we need time to think in a good way and some of the readers have difficulty to understand you.Time is our psychological enemy and we need extra time to become free from a big prison.

  • Mulugheta January 21, 2015

    Hi Aman.

    I was one of those who love reading your articles in the past in Eritrea and am happy to see you here too. I agree well generally with your article, although, we may have different believes when it comes to God.

    As to the main core of your article, history thought us that any power run by people who proclaim they are called or are protectors of God or Allah abused power for centuries.
    I continually argue with people and try to explain to them that it is easy to MANIPULATE THE MIND OF PEOPLE who is bound with some sort of BELIEF SYSTEM AND REGARD THE AUTHORITY ABOVE THE BASIC LOVE AND RIGHTS of individuals to live.
    It is sad and heart breaking to see now Africa and most Middle Easter Countries in mess. Why? Because for centuries instead of transforming the people into tolerant society which respect and value their neighbour. The successive leaders have put the people into intolerant and extra sensitive.

    Let’s see what is happening in African and Middles East which is a direct relevance to our situation. The solution will come if people value people.
    If we do not love and value our neighbour whatever belief or colour is, how can we say that we are working to bring justice to any other.
    The majority of people with good will bring peace but the majority of people who are brainwashed will bring distraction and suffering to the minorities.

    Let open our minds and see what could be the peaceful means to end the conflict hovering around us.

  • merhawit January 21, 2015

    Human civilisation is too complex an achievement it cannot be simplistically confined to the domains of religion and politics. An educated man is expected to know something of the Egyptian civilisation and the pharaos, of Greece and Rome, of the pre-Socratic cosmologic philosophers, of Plato and Aristotle, of St. Augistine and Thomas Aquinas, of Hegel and Emmanuel Kant, of Shakespeare and Dante, of the oligarchs and democrats of Athens, of the optimates as well as republicans of Rome, of the military campaigns of Caesar, Frederick the Great, Napoleon Bonaparte, etc., etc. Civil society is thus a product of complex historico-social interactions, reactions and antagonisms, in short, of creators, conquerors and destroyers, and not simply of theocrats and worldly politicians. In any case, this is a subject that has to be left to scholars of history and philosophy, of historia and philosophia perennis.
    To be frank, so far, I’ve found Amanuel Sahle’s article a mediocrity, something I didn’t quite expect of this intelligent man. I’m eagerly waiting to enjoy reading the succeeding part(s). Dear Amanuel Sahle, welcome to Assenna!

  • haila January 21, 2015

    Dear Amanual sahle,
    First of all, I would like you to appreciate for the effort of writing this article, but I disagree your article about the religion you gave comment.Because religion is really different from politics. For example,people who have religion or believe in God they never to become selfish to get power but they always teach us about good things like how can we respect each other and they teach us how to approach to God. I am a christian that I grew up in chuch and ia never see bad things except good advise and good future from our chrch leaders. But regardless about the world politics you mentioned in your article that exactly right, the world politician they really selifish, they think about themself never think about their own people,especially in our country right now. Another country eventhough they are selfish to their power but atleast they can feed their own people but in our country Eritrea every thing we lost . So what I would like to tell you that religion do not compare with this world politics.

POST A COMMENT