Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትዕዝብቲ ኣብ ፖለቲካን ባህርያቱን – ኣማኑኤል ሳህለ (1ይ ክፋል)

ትዕዝብቲ ኣብ ፖለቲካን ባህርያቱን ኣማኑኤል ሳህለ   ፖለቲካ ናይ ህዝቢ ስጋዊ ምምሕዳር ስልቲ ኪኸውን ከሎ፡ ሃይማኖት ከኣ ናይቲ ህዝቢ መንፈሳዊ ምምሕዳር ሜላ ማለት እዩ። እቲ ቀዳማይ ነቲ ስጋዊ ገጽታ ሰብን ንምድራዊ ድሌታቱን ከስተናግድ ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ግን ነቲ

ትዕዝብቲ ኣብ ፖለቲካን ባህርያቱን

ኣማኑኤል ሳህለ

 

ፖለቲካ ናይ ህዝቢ ስጋዊ ምምሕዳር ስልቲ ኪኸውን ከሎ፡ ሃይማኖት ከኣ ናይቲ ህዝቢ መንፈሳዊ ምምሕዳር ሜላ ማለት እዩ። እቲ ቀዳማይ ነቲ ስጋዊ ገጽታ ሰብን ንምድራዊ ድሌታቱን ከስተናግድ ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ግን ነቲ መንፈሳዊ ገጽታ ሰብን ንሰማያዊ ድሌታቱን እዩ ዘስተናግድ።

እቲ ቀዳማይ፡ ነቲ መሰረታዊ ባህርያት ሰብ ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ስጋዊ ድሌታት ሰብ ብምድቋስ ይኹን ብምጽቃጥ ስልጣኑ የንውሕ። እቲ ካልኣይ ግን ነታ ነፍሲ ወድሰብ ከም ዘልኣለማዊ ኣካል ገይሩ ብምውሳድ ንስልጣኑ ዶባውን ግዜኣውን ገደብ ኪገብረሉ ኣይደልን። ነፍሲ-ሰብ ዘይትረአን ዘይትተሓዝን ብምዃና፡ እቶም ብስም ኣምላኽ ዘመሓድሩ ሰባት ነቲ ኣብ ትሕተኦም ዚግዛእ ህዝቢ ባዕላቶም ብዝፈጠሩዎን ብዝመሃዙዎን መለኮታዊ ሜላታት ገይሮም እዮም  ኪኣስሩዎ ዝደልዩ።

ወድሰብ ኣብቶም ብስጋ ዘመሓድሩዎ ሓይልታት ኪዕምጽ ወይ ኪእድም ይኽእል ይኸውን፡ ኣብቶም ብመንፈስ ዘመሓድሩዎ ግን፡ ዘልኣለማውን ገደብ ዘይብሉን መንፈሳዊ መቕጻዕቲ ይጽበዮ ከም ዘሎ ስለ ዚንገሮን ቀጻሊ ስለ ዚስበኸሉን ተሸቝሪሩን ተዳሂሉን እዩ ዚነብር: ኪእድምውን ኣይደልን።

ብዙሕ ፖለቲካዊ ስርዓታት ተገልቢጡን ተሳዒሩን እዩ። ሃይማኖታዊ ስርዓታት ግን ንኺሰዓር ዘለዎ ተኽእሎ ኣዚዩ ውሑድ እዩ። ወድሰብ ካብዚ ዓለም ምስ ኣልገሰ ናበይ ከም ዝኸይድ ስለ ዘይፈልጥ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ነዚ ስግኣትዚ ጽቡቕ ገይሮም እዮም ዚጥቀሙሉ: በዝን ክንድዝን ድማ ስልጣኖም ከይተተንከፈ ንነዊሕ ይጸንሕ።

ወድሰብ ብዘመናዊ መገዲ ኪመሓደር ዝጀመረ ከተማታት ኪሃንጽን ኣብኡ ኪቕመጥን ምስ ጀመረ እዩ። ከመይ ጌርካ እዩ ዚመሓደር ዘይኮነስ፡ ከመይ ገይረ እየ ስልጣነይ ዘደልድሎን ዘንውሖን ዚብል ሕቶ ሓደ ካብቲ ናይ ፖለቲካዊ ምምሕዳር ዓብይ ሕቶ እዩ ነይሩ።

ንሰብ ምምሕዳሩ ዘይኮነስ፡ ጨቊንካ ምሓዙ ዝያዳ ስልጣን ዘንውሕ ብምዃኑ ድማ፡ እቶም ዘመሓድሩ ነቲ ኣሚኑ ዚግዛኦም ዝነበረ ህዝቢ ከታልሉዎም ኪጻወቱሉን ግዜ ኣይወሰዱን። ብጥንቲውን እኮ እቲ መንግስቲ ዘቖመ ሰብ ነቲ ህዝቢ መብዛሕትኡ ግዜ ብዓመጽ እዩ ሒዙዎ ነይሩ። ብዓመጽ ዝሓዝካዮ ህዝቢ ድማ ኣይእንታይካን ስለ ዝኾነ፡ ከይለዓለካ ብምፍራህ ጸቒጥካ ኢኻ እትሕዞ።

ገለ ሰባት ግን ነዚ ዓይነት ምምሕዳርዚ ግዲ ጸሊኦም ኮይኖም በቲ ዘምልኹዎን ኩሉ ዚከኣሎን ኣምላኽ ወይ ጣኦት ኪመሓደሩ ይደልዩ ነይሮም (ተዮክራሲ)። ዝሓሸ ኮይኑ ስለ  እተራእዮም። ካብ እትፈልጦ ሸይጣንስ ዘይትፈልጦ ኣምላኽ።

እቲ ኣምላኽ ኢሎም ዚእዘዙዎ ንግዜኡስ የመሓድሮም እዩ ነይሩ። ብባንን ብበትርን። ምስ ዘይእዘዙ ይረግሞምን ኣብ ጭንቀት የእትዎምን፡ ምስ ዚእዘዙ ድማ ይምርቖምን ተስፋ ይህቦምን። ሓድሓደ ግዜ ተኣዚዞም ከለዉ  በዚ መጸ ዘይብሃል መከራ ይወርዶም እሞ፡ እቶም ካህናቶም ከጸናንዑዎም ይፍትኑ። ካብ ዘይምእዛዝ መቸም ምእዛዝ ይሓይሽ። ኣይትጠዓስንውን። ንኣምላኽ እሞ እንታይ ኢኻ ክትብሎ። እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኪጋገ ኢልካ ኣይትሓስብን።

ዝኾነኾይኑ እዚ ሓውሲ-ኣምላኻዊ ምምሕዳር ወይ ሰሚተዮክራሲ ካብቲ ናይ ዓለማዊ ምምሕዳር ብዙሕ ፍልልይ ኣይነበሮን። እቲ ምምሕዳር ኪጋገን እቶም ካህናት ኪምዕዱን ተራባሪቦም። ተራእዩኒ እናበልካ ድልየትካ ምፍጻም ከኣ ልሙድ እዩ ነይሩ። ኣምላኽ ከምዚ ግበር ኢሉኒ፡ ኣምላኽ ከምዚ ፍጠር ኢሉኒ እናበልካ ንህዝቢ ምትላል ብካህናትን ብኣታቶም ዚድገፉ መራሕትን ከም ፖለቲካዊ ስልቲ ተታሒዙ ነይሩ። ወድሰብ ድማ ተገፊዑን ተቐቲሉን። እቶም ምድራውያን መራሕቲ ነቲ ምድራዊ ናብራኡ፡ እቶም ካህናትን ኣኽረርቲ ሰዓብቶምን ድማ ነቲ መንፈሳዊ ወይ ስነኣእምሮኣዊ ህይወቱ ተጻዊቶምሉ።

ፖለቲካ ብስምዒት ወይ ብዘይ ስልቲ ወይ ብዘይ ሳየንሳዊ ኣተሓሳስባ ኪምራሕ ከሎ ከምዚ እዩ ትርፉ።

ግን ከኣ እቲ ኣምባገነንውን ብወገኑ ብሳየንሳዊ መገዲ እናተመርሐ ሰብ ኣሳቕዩን ኣህሊቑን እዩ።  ስታሊን ዶግማዊ ኮምዩኒዝም ተጠቒሙ ሰብ ወዲኡ። ማኪያቨሊ ከመይ ጌርካ ንሰብ ብሓይለ-በትሪ ሰጥ ለጥ ከም እተብሎ መጽሓፍ ጽሒፉ። ሂትለር ብናይ ዓሌት ሱዶ-ሳይነስ (ኣምሰሉ ሳየንስ) 5 ሚልዮን ኣይሁድ ኣህሊቑ።

ኩሉ ነገር ካብ መስርዑ ኪወጽእ ከሎ ዘኸትሎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣሎ። ኣብ ሳየንስ ስምዒት ኪኣቱ የብሉን። ሳየንስ ስምዒት ምስ ዚኣትዎ ናብ መለኮታውነት ገጹ እዩ ዚቐንን። መለኮታውነት ድማ ናይቶም ንዓለም ንድሕሪት ኪጎቱ ዚህቅኑ ሰባት መሳርሒ ንምዃን ግዜ ኣይወስድን።

ወድሰብ ብመሰረቱ ከይተለወጠ፡ ጥዑይ ፖለቲካ ኪህሉ ኣይክእልን። ፖለቲካ ነቲ ናይ ሰብ ስሱዕ ባህሪ መሊሱ እዩ ዘግንኖ። እንስሳታት ናይ ጫካ ሕጊ ዚብሃል ፍሉይ ናይ ስሰዐን ህርፋንን መምርሒ ኣለዎም፣ ምዝራፍ፡ ምምንጣል፡ ምዕማጽ ወዘተ። ብተመሳሳሊ መገዲ እቲ ፖለቲካዊ እንስሳ ዝኾነ ወድሰብ፡ ስልጣን ንኺሕዝን ንምጽናዕን ልዕሊ ሕጊ ንምዃንን ብዙሕ ሜላታት እዩ ዚጥቀም። ዘይሕጋዊ ቅዋም ይተክል፡ ናይ ስለያን ድሕነትን ኣውታሩ ድማ ይዝርግሕ።

ወላውን ኣብቲ ደሞክራሲ ይረኣየሉ ኣሎ ዚብሃል ዓለምና፡ ወድሰብ ኣብ ሜዳ ፖለቲካ ኣትዩ ብናይ ምርጫ ሜላታን ተንኮላትን ንህዝቢ ምትላል ክሳዕ ዘይገደፎ ተለዊጡ ኪብሃል ኣይከኣልን። ቀዳሞት ፕረዚደንትታት ኣመሪካ ከምዚ ሎሚ ዘይኮነ ኣብ ናይ ምርጫ ተንኮላት ኣይተቖማጥዑን። ምረጹኒ እናበልካ ናብዝን ናብትን ጸፋዕፋዕ ምባል ኣይነበረን። ሕጂ ግን ቃልሲ እዩ ኾይኑ። አረ ናብ ኲናት እዩ ተለዊጡ። ስለምንታይ እዩ ግን ፓርትታት ንኺምረጻ ዘዕገርግራ? ብሓቂ ንህዝቢ ሓይልየን ዲየን?

ቀደም ኣቦታትና ነቲ ኪመርሖም ዚደልዩዎ ሰብ፡ ቆጽሊ እዮም ዘንብሩሉ ነይሮም። እቲ ቖጽሊ እተነበረሉኸ እንታይ ይብል ነይሩ መስለኩም? ኣይደልን! ይትረፈኒ! ሓላፍነት ኪኸብደኒ እዩ!! ንኻልእ ሃቡዎ!!

ሎሚኸ? ንኣይ እንተ ዘይመረጽኩም ሃገር ክትዓኑ እያ! ንሰልፈይ እንተ ዘይኣድመጽኩም ሃገር ክትበርስ እያ! ንኣይ እንተ ዘይኣመንኩም ኣብ ከቢድ ጣዕሳ ክትኣትዉ ኢኹም!! ንሰልፈይ ወይ ፓርተይ ዘይኣመነ ማይ ከም ዝሓቖነ ወዘተ…

ምስ መረጽካዮም ድማ ሃገር ከዕንዉን ከብርሱን ነቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ከቢድ ጣዕሳ ከእትዉዎ ከለዉን ንርእዮም ኣሎና።

ግን ከኣ ካልእ ኣማራጺ ኣሎዶ? ካብ ሕምስምስን ፋሉልነትን ዕግርግርን፡ ካብ ምጥፋእ ጸጥታን ሰላምን፡ ምስቶም ሓረድትኻ ምውዓልዶ ይሓይሽ ይኸውን? ከብትስ ምስ ሓራዲአን ይውዕላኮ ተባሂሉ እዩ። እቲ ህዝቢ ድማ ከም ከብቲ ማይና እናሰተና፡ ሳዕርና እናገሃጽና ብሰላምዶ ንነብር ወላስ ነገር ነምጽእ ዚብል ዘሎ እዩ ዚመስል።

ወድሰብ ባህርያቱ ከይለወጠ፡ ጥዑይ ፖለቲካ ኪህሉ ኣይክእልን። ባህርያቱ ንኺልውጥ ግን ብዙሕ ኪሳቐን ኪዋረድን ኪሓፍርን ዘድሊ ይመስል። ኣብቲ ካብ ምሒር ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ስሰዐ ዚመጽእ ናይ ኲናትን ህልቂትን ሓዊ ምስ ተጠብሰ እዩ ኪርዳኦ ዚጅምር። ከምቲ ኣፍራስ ከይተገርሑ ሰብ ኣወጢሖም ብሰላም ኪጎዓዙ ዘይክእሉ፡ ወድሰብ ድማ ብዓቢ ናይ ስቓይ ነበልባል ከይሓለፈ ዚልወጥ ኣይመስልን። ብፍላይ ኣብ ማሪትን ከንቱ ሃይማኖትን ዘተኵር ወድሰብ።

ተዮክራሲ (ማለት መንፈሳዊ ምምሕዳር) ቅድሚ ሕጂ ተፈቲኑ እዩ። ኣይሰርሐን። ብግቡዛትን ኣምሰሉን ካህናትን ኣቕሽሽትን ዚካየድ ምምሕዳር ካብቲ ዓለማውያን ዘካይዱዎ ምምሕዳር ምንም ፍልልይ የብሉን። አረ እቲ ናይ ዓለማውያን ይምረጽ፡ ከመይሲ እቶም ካብ ኣምላኽ ኢና እቲ መምርሒ እንረኽቦ፡ ይረኣየና ኣሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ይነግረና ኣሎ እናበሉ ዘመሓድሩ ሰባት መላኺ የብሎምን፡ ድላዮም ኪገብሩኻ ድማ ይኽእሉ፡ እኹል ስልጣንን ሓይልን ስለ ዚውንኑ። እቶም ዓለማውያን ግን ክትማጐቶም እኳ ትኽእል።

ኣብ ማእከላይ ዘመን (ሚድል ኤጅስ) ኣብ ኤውሮጳ ዚነብሩ ዝነበሩ ህዝቢ ዳርጋ ብቤተክህነት እዮም ዚመሓደሩ ዝነበሩ። እቲ ዘመንቲ ነገስታት ኣብ ቅድሚ ጳጳስን ካህናትን ዚርዕድሉን ዘንቀጥቅጥሉን ጸልማት እዋን እዩ ነይሩ። ተራእዩና እናበልካ ንህዝቢ ቃሕ ዝበለካ ምግባር። ተገሊጹልና እናበልካ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ሸይሸይ ምባል በዚሑ ነይሩ።

ብቤትክህነት ዚካየድ ፖለቲካዊ ምምሕዳርስ እንተ ተረፈ ይሓይሽ፡ ከመይሲ ናይ ሰብ ባህርይ ብመሰረቱ ብሃይማኖት ዚዕረ ኣይኮነን። ይኹንምበር፡ ካብቶም ኣብ ዘይጭበጥ ነገር ኣሚኖም ዘይጭበጥ ነገር ክትገብር  ዚእዝዙኻ ካህናት፡ ኣብ ጭቡጥ ነገራት ዚኣምኑን እንተ ተኸራኸርካዮም ድማ ብስነሞጎት ኪምልሹልካ ዚፍትኑን ፈላስፋታት ኪገዝኡኻ ይምረጽ። ለባም ይቕተለኒኳ ዚብሃል።

ናይ ዘይማዕበላ ሃገራት ፖለቲካ

መብዛሕትአን ኣፍሪቃውያን ሃገራት ካብቲ ቅድሚ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበረን ቀቢላውን ኣውራጃውን ማሕበራዊ ደረጃ ዚወጻ ኣይመስላን። ሓምሳ ዓመት ድሕሪ ናጽነት ክሳዕ ሎሚ ህዝበን ብሃይማኖታውን ቀቢላውን ኣውራጃውን ጕጅለታት ተኻፋፊሉ መጻወቲ ባዕዳውያንን ዳግመ-ገዛእትን፡ መጻወቲ ናይ ገዛእ ርእሱ መራሕትን ብምዃን ይሳቐ ኣሎ።

ሽሕኳ ኣብ ኩሉ ዓለም ፖለቲካ ኪብሃል ከሎ ናይ ስልጣን ቍርቍስ ምርኢት እንተ ኾነ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ግን እቲ ናይ ስልጣን ቍርቍስ ኣብቶም ፖለቲከኛታት ተሓጺሩ ክንዲ ዚተርፍ፡ እቲ እተፈላለየ ቀቢላታትውን ኣብቲ ቍርቍስ ወሳኒ ተራ ኣለዎ።

ብማሕበራዊ ደረጃ ዘይማዕበለ ህዝቢ ካብ ቀቢላነትን ኣውራጃነትን ሓሊፉ ኪሓስብ  ኣይክእልን። እታ ዝኽእላ ንሳ እያ። እታ ዓቕሙ ንሳ እያ። ካብዚ ጸቢብ ኣተሓሳባዚ ንኺወጽእ ግዜ የድልዮ።

እቲ ስልጡን ቍርቍስ ኣብ ሰደቓ ኮፍ ኢልካ ዚግበር ቍርቍስ እዩ። ኣብዚ ደረጃዚ ንምብጻሕ ብብዙሕ ጸገማትን መከራን ክትሓልፍ ንቡር እዩ። ኣብ በዓል ኣመሪካ ዚካየድ ናይ ፖለቲካ ቍርቍስ ካብቲ ናይ ኣፍሪቃ ዚፈልዮ ነገር እንተሎ፡ እቲ ሓደ ኣብ ጫካን ኣብ ሜዳን ብጠያይትን ብቦምቢን፡ እቲ ካልእ ድማ ኣብ ሰደቓ ብዘረባን ክስን ሓሶትን ጉቦን ምጭብርባርን ብምክያዱ እዩ። እቲ ካልኣይ ኣብ ሞትን ስቓይን ዘይሽምም ብምዃኑ፡ ካብቲ ቀዳማይ ይምረጽ። ኣብቲ ቀዳማይ እተማዕብሎ ነገር የልቦን፡ ኣብቲ ካልኣይ ግን ክትመሃርን ክትመዓዓድን ሓሳባትካ ከተማዕብሎን ትኽእል። ኲናት ትርፊ የብሉን ብዘይካ ሞትን ዕንወትን። ክትዕን መጎተን ግን የብልሓካን የማዕብለካን ስለ ዝኾነ፡ ኣማራጺ የብሉን።

ፖለቲካን ናይ ምትላል ሜላኡን

ፖለቲካ ናይ ምትላል ባህርያት ኣለዎ። ስልጣን ንምሓዝን ንምጽናዕን እሞ ኸኣ ምስ ደመኛታት ተዋዳደርትን ምስቲ ብስምዒት ዚምራሕ መብዛሕትኡ ዘይተማህረ ህዝብን ትዋሳእ ብምህላውካ፡ ዘዋጽኣካ ምግባር ዓይንኻ ዘይትሓስየሉ ጉዳይ ይኸውን። ኣበላላዕ እዩ እቲ ጸወታ። ከይቀደመኒ ክቕድሞ እዩ እቲ ኣገባብ።

እዚ ባህርይዚ ኣብ እንስሳታ ጎሊሑ ይረአ። ሽደናት ኣናብስ ኣብቲ ኣንበሳዊ ሕብረተሰብ ደረጃኦም ከጣናኽርሩን ጥጡሕ ማሕበራዊ ቦታ ንኺሕዙን ሑሕ ሑሕ ይበሃሃሉ። ኣብ መንጎኦም ድማ ገለ ስልጣኖም ከይግፈፎም ዝርዕዱ መራሕቲ ኣናብስ ኣራእሶም ብምልዓል öዘራፍö ይብሉ። ባእስን ዕግርግርን፡ ምንኽኻስን ምጕያይን፡ ምፍሕጣርን ይስዕብ። ደሓር ጽንሕ ኢሉ እቲ ሑሕታን ጉዝማን ደው ይብል። ንጉስ ተፈጢሩ ወይ ዳግማይ ተመሪጹ ማለት እዩ። ሰላም ሰፊኑ።

ወድሰብ ካብ እንስሳ ዚፍለ ኣይኮነን። ሽሕኳ ኣእምሮ እንተ ተዓደሎ፡ እቲ ውሽጣዊ ደመባህርይ ግን ገና ኣይተጋደፎን። ሓደ ሳየንሳዊ (ሳየንቲስት) ከም ዝበሎ፡ ዘመናዊ ወድሰብ ኣብ ስልጡን ከተማታት ይነብር እኳ እንተ ሃለወ፡ እቲ ውሽጣዊ ድራኸኡ ግን ከምቲ ናይቶም ኣብ ዘመን እምኒ ኣብ በዓቲ ዝነብሩ ዝነበሩ ኣቦታቱ እዩ።

ኣናብስ ወይ ካልኦት ኣራዊት ብባእስን ብምምንጫትን እዮም ኣብቲ ሕብረተሰቦም ማሕበራዊ ደረጀኦም ዘስተኻኽሉ፡ ወድሰብ ግን ኣእምሮ ስለ ዘለዎ በእዳዉ ዘይኮነስ ብኣእምሮኡ እዩ ዚናኸስ። ብኣእምሮኻ ንኽትናኸስን ንኽትፋሓጣጠርን ብኣኡ ኣቢልካ ንምዕዋት ግን: ተንኮል ኣማራጺ ዘይብሉ መሳርያ እዩ። ተንኮልን ምትላልን ምጥላምን እምበኣር ናይ ወድሰብ ፖለቲካዊ ኣሰራርሓ እዩ። ብተንኮልን ምትላልን ገይሩ ነቶም ዚወዳደሩዎ የጥፍኦም፡ ነቲ ህዝቢ የታልሎ፡ ንታሪኽ ይጠዋውዮ፡ ውጽኢቱ ድማ ብርሰትን ዕንወትን እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
62 COMMENTS
  • halibsete January 21, 2015

    አሮማ፣ ህዝቢን ተጋዳላይን ማይን ዘይትን ኮይኑ።
    ጥቅሲ አማንኤል ሳህለ፣ሓዳስ ኤርትራ ተሰዓታት ይዝከረኒ

  • Truly Truly i say to you January 21, 2015

    part 1
    ክቡር ሃው ኣማንኤል ሳህለ፣ እቲ ኣዛናውትካ ዋላዃ ኣዝዩ ደስ ተበለኒ፣ ገለ ፍልልያት ስለዘለኒ ነቲ ዝኣምነሉ ከቅርብ፦
    ንኣብነት ንስኻ ትብል “ካብቶም ኣብ ዘይጭበጥ ነገር ኣሚኖም ዘይጭበጥ ነገር ክትገብር ዚእዝዙኻ ካህናት፡ ኣብ ጭቡጥ ነገራት ዚኣምኑን እንተ ተኸራኸርካዮም ድማ ብስነሞጎት ኪምልሹልካ ዚፍትኑን ፈላስፋታት ኪገዝኡኻ ይምረጽ። ለባም ይቕተለኒኳ ዚብሃል።” እዚ ክትብል ከለኻ እንታይ ማለትካ ምዃኑ ክበርሃለይ ኣይከኣለንሞ ክሃተካ ኣፍቅደለይ።
    በቲ ካብ ኃይማኖታዊ መንግስቲ፡ ናይ ዓለማዊ መንግስቲ ይመስለኒ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ማለትካ ከምዝኮነ፣ ይሓይሽ ብዝበልካዮ ሕራይ ክንስማማእ ንክእል ኢና፣ ግናስ ካብ ቃል ኣምላኽ ዝወጽእ ፍልስፍና፣ ጥበብን ልቦናን ካበየናይ ዩኒቨርስ-ቲ ከምዝእደግ ተተብረሃለይ ደስ ምበለኒ። ኣይ ናይ ኮሉ ጥበብን ፍልስፍና መሰረቱ ቃል ኣምላኽ ባእሉ እንድዩ። መራሕቲ ኣሜሪካ ኾነ ምዕራባውያን ኣዝዮም ቃል ኣምላኽ ከምዝፈልጡን ኣሚኖሙሉ ብኡኡ መሰረት ብጥበብ ከመዘማሓድሩ ኣይትፈልጥን´ዲኻ? ወረ መራሒ ኢትዮጵያ ኃይለማርያም ደሳለኝ፣ ናይ ናይጄርያ መራሂ ጆናታን ጉድ ላኽ ወዘተ ንኣብነት: ኣጸቢቆም ብቃል ኣምላኽ ዝተተከሉ መራሕቲ ብምዃኖም ነቲ ሃገር በረኸትን ብፍትሕን ብሞራልን ነቲ ሕዝቢ ከማሓድሩን ክስሩትን ኣዝዩ ይሕግዞም እዩ ዘሎ። ንኤርትራ ካብ ኣስላማይ ይኹን ክርስትያናይ ብኻ ከምኡ ተዝፈጥረላ፦
    ክቡር ሃው ዋላ እቲ ዲሞክራሲ ዝበሃል ኣመሓድራ፣ መራሕቲ ከይተረፈ ኣብዘድልየሉ ዕዋን ዝቀያየሩሉ ወይ ዝወርዱሉ ናይ ኣመራርሃ ጥበብ ኣመር ናይዚ ፍልጠት መሰረቱ ቃል ኣምላኽ እዃ እዩ። እሞ ዓለማዊ ፍልጠት ከመይ ገሩ እዩ ካብ መንፈሳዊ ጥበብ ዝበልጽ፣ ማንም ሰብ ከምዝፈልጦ ብዙሕ ምንባብን ብእድሜ ካብዝጸገቡ ሰባት ብዙሕ ምኽሪን ፍልጠትን ከምዝቅሰም ዘይስሓት እዩ። ይኹን እንበር እቲ ፍልጠት ዝበሃል ኮነ ዝኾነ ሰብ ዕድሜ ጸጊቡ ተተበሃለ ናይ 80- 120 ዕድሜ እንተሓለዎ እዩ፣ ንእግዚኣብሔር ቃል ምፍላጥ ማለት ግን ዓለም ካብትፍጠር ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ይኩን ንዝመጽእ ዓለም ንክመጽእ ዝኽእል ፍልጠት በሎ ምክሪ ዝተጸሓፈሉ ጥበብ ብምኳኑ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንባባ ተዄንካ ንኣብነት እቲ ክሳብ 32 ምዕራፍ ብትዕግስቲ እቶም ምስ ዕዮብ ንዝከራከሩ ዝነበሩ ኣረገውቲ ሰባት ዝተኣገሰ፣ ኣብ መወዳእታ ግን ትእግስቱ ጸንቂቑ ካብቲ ካብ ኣምላኽ ብዝረኸቦ ጥበብ ንኹሎም ፀጥ ዘበለ እቲ ካብ ኩሎም ብዕድመ ዝነኣሰ ነበረ ። ምናልባሽ እንታይ ማለተይ ከምድኾነ ዘይተረድኦ ንመጽሓፍ ዕዮብ ብሙሉእ ነቢቡ ክርድዖ ዝኽእል ሃቂ እዩ።

  • Truly Truly i say to you January 21, 2015

    part 2
    ብዝኾነ ክቡር ፍትው ኣማንኤል ኣብ ላእሊ ከምዚ ኢልካ ዝጽሓፍካያ ሃሳብ ክጠቅስ እየ
    “እቲ ኣምላኽ ኢሎም ዚእዘዙዎ ንግዜኡስ የመሓድሮም እዩ ነይሩ። ብባንን ብበትርን። ምስ ዘይእዘዙ ይረግሞምን ኣብ ጭንቀት የእትዎምን፡ ምስ ዚእዘዙ ድማ ይምርቖምን ተስፋ ይህቦምን”ድህሪ ምባል ኣብመውዳእታ “እታ እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኪጋገ ኢልካ ኣይትሓስብን።” ኢልካ ዝኣጸኻያ ቃል ኣዝያ ስለዝገረመትኒ ምኽንያቱ ኣምላኽ ከምሰብ ክጋገ ይኽእል´ዩ ዝብል ፍልስፍና ዘለካ ስለትመስል፣ ነዝ ሓሲበ ናይ ሃደ ናይ ቦታኒክ ሳይንስ (Botanic science Philosopher)ፈላስፋ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘቕረቦ ወቀሳ (critic)ኣዘካኽሪኒ´ሞ ከሕክየካ መሪጸ። ብቅድሚያ ቁሩብ ትግርኛ ተሃጽረኒ ኣይትሓዘለይ ምናልባሽ መሲናስ ክህግዘኒ እዩ።
    እዚ ናይ ቦታኒክ ፈላስፋ ነዊህ ብዛእባ እጽዋትን ፍሬታትን ኣበቃቅለን እናተመራመረ ነዊሕ ተጓኢዙ ምስደኸም ኣብ ሃንቲ ኦም ዘለዋ ግንዲ ተደጊፉ ንላእሊ ክጥምት ይጅምረልካ። ዳህራይ ኣብቲ ዝተደገፎ ኣቢ ጉንዲ ንኣሽቱ ፍሬታት በቒለን ምስተኣዘበ፣ ኣቀድም ኣቢሉ ኣብ ጥቃ ሩባ ጉንዲ ዘየብሉ ስፍራ ኣበይቲ ብትግርኛ እንታይ ከምዝበሃል ኣይፈልጥን ብ ኣምሃርኛ ዱባ በቂሉ ተኣዚቡ ስለዝነበረ፣ ን ኣምላክ ከምዚ ኢሉ ክወቅሶ ጀመረ። ከምግቡእ እቲ ኣቢ ዱባ ኣብ ሩባ ዝበቀለ ኣብዚ ኣቢ ጉንዲ ክበቅል ነርዎ፣ እዚእን ንኣሽቱ ዖማት(ፍሬታት) ድማ ኣብቲ ጉንዲ ዘየብሉ ሩባ ክበቅሉ ነርዎም ኢሉ ወቐሰ። ከምዚ እናበለ እናተፈላሰፈ ደኺምዎ ስልዝነበረ ኣብታ ዝተጋደመላ ጉንዲ ድቃስ ይወስዶ፣ ደሃራይ ንፋስ ኣውዛዊዙ ነተን ንኣሽቱ ፍሬታት ከርግፈን ስለዝጀመረ እቲ ሃንቲ ኣብ ግምባሩ ስለዝወደቀት ካብ ድቃሱ ይበራበር፣ ደሃራይ እንታይ ከምድበለ ትፈልጥ፣ ወይለይ ለካስ ባእለይ እየ ተጋግዬ፣ ከምቲ ናተይ ኣተሓሳስባ እቲ ኣቢ ኦም(ዱባ )ኣብዚ ጉንዲ በቂሉ ተዝኸውን ነሩ ሞይተ ነረ ማለት እዩ። ኣምላኽ ብስርሑ ኣይጋገይን ቅኑእ እዩ በለ። ኣነውን ንስኻ ናብዚ ፍልጠት ክትውከል ካብ ልቢ እምነየልካ፦ እንተ ንሃገርና ዝኸውን መርገጺ ግን ኣቕምና ሪእና ከምቲ ከምዚ ዝብልካዮ
    ግን ከኣ ካልእ ኣማራጺ ኣሎዶ፧ ካብ ሕምስምስን ፋሉልነትን ዕግርግርን፡ ካብ ምጥፋእ ጸጥታን ሰላምን፡ ምስቶም ሓረድትኻ ምውዓልዶ ይሓይሽ ይኸውን፧ ንዝብል ሕቶኻ እወ ይሃይሽ ኢለ ምመለስኩልካ። እዚ ግን ምስ ኢሳያስ ማለተይ ደይኮነ፤ ኤርትራ ኣቕማ ፈሊጣ ነቲ ኣሜሪካ ዝብላ እነተትገብር ምሓሸ፣ብደይመኣኮርካ ናይ ሶማል ሕዝቢ ባእሉ ዕድሉ ይወስንዶ፣ ናይ ኣሜሪካ ፖሊሲ ይቀየር እናበልካ ጠራእራእ ምባል ሕዝብን ሃገርን ካብ ምልካም ሊፉ ዘምጽኦ ፋይዳ የለን።

  • wedi fre January 21, 2015

    Dear Aman,
    Welcome back!!!!
    Eritrea is badly in need of people like you who are:
    1- Not power hungry.
    2- Not looking for fame.
    3- His main motive is the peace and progress of his Eritrean people.
    4- With a deep knowledge of the Eritrean Culture.
    5- Knows how to explain to the average Eritrean in the way he understands.
    6- With the elequence in Tigrinia etc.etc.

    Dear brother,
    Politics is not a choice for any Eritrean with concience, it is an obligation because being an observer when your motherland is “raped and molested” by ” NERO ” who is heartless dictator is unjust and irresponsible. It is not accepted by any religion or any creature!!!
    Let us wake up and help the people to wake up, get united and change the bandits!!

  • goitom ወድ አረ ካብ ማይ ስሑል January 21, 2015

    ወይ ጉድ / ሎሚ ከዓ ካብ ኢሳያስ ሓሊፍኩም ምስ አምላኽ ከተባእሱና ደሊኹም። ካብ ጎረባብትና ሓሊፍና ምስ ሰማይ ክንከራፈስ ። ነፈርቲ ግን የብልናን ። ግን ደሓን ንጸላኢ ብጥይቱ ብብረቱ ኢላ ህዝባዊ ግንባር። ብነጎዳ ገርና ንአምላኽ ክንሕምሽሾ ኢና። ወይ ፍላስፋ አማኑ አል ሳህለ ትገብር !!!!!!!!

    • ambabi January 21, 2015

      well you are already in fight with your god “Isayas”

  • Tes January 21, 2015

    Kibur Amaniel,

    Your article based on historical facts and natural laws. Fair enough but what relevance do they have to this modern age. It was true the church in Europe was powerful and society revolve since then and reached to the current level. It was a learning curve and there is nothing to suggest every nation and societies need to go through the same passage. We can learn from their experience and can adapt our own. You cannot gross all in the same brush. I don’t see how you come into a comparison between America and the African way to clamp to power and indicating that the American democracy as flawed. I am not sure about that but it is much better than most countries. Yes every state and country has its own characteristic and natural evolution. But in this time and age their is no one who don’t deserve democracy and rule of law. It doesn’t matter how it came in to existence or a flawed it is and there is no other alternative to replace it. I strongly argue to those who think we are not there to enjoy the basic democratic rights to vote our leaders. It doesn’t matter if the elected person or party doesn’t fulfill its promises. I am confused if you are intended to say Africans are not capable of choosing our leader as we are soaked in tribalism or regionalism and so forth. I can assure you, we are more than read for democratic governance. The scare tactic is outdated, used many times by HGDEF zombies. If Isseyas fall down then Eritrea will be finished as if he is the one holding bond. No No please don’t fear to change. It is hardly impossible to come a government worse than Isseyas regime. I don’t see any chaos after Isseyas.

  • Brhane January 21, 2015

    Dear amanuel sahile I am happy to see your article on assenna. I feel some completeness in the change we want to come in eritrea. As you see there is no well matured ideas how to defeat the dictator from the power he held. We are missing in way how to achieve these goals. Your contribution sure be a posetive in united idea’s to fight all together against the dictator. All the best to you brother.

  • Fnote Selam January 21, 2015

    ,,”ሓድሓደ ግዜ ተኣዚዞም ከለዉ  በዚ መጸ ዘይብሃል መከራ ይወርዶም ” እዛ ቃል ካብቲ ፅሑፍ ናይ ኣይዉዑይ ኣይ ዝሑል ተዛራቢ ወይ ንነብሱ ዝኸዉን መስትያት ዝሰኣነ ኣማኒኤል ሳህለ ዝወሰድክዋያ።ንስኻዉን ቦታ ናይ ኣምላኽ ክትሕዝ ትምኒት ዘለካ ትመስል ።ሰብ ልቡን ደጋዊ ጠባይን ክትምርምር ዝበቃዕካ ክትመስል ተኣዚዞም ከለዉ መከራ ይወርዶም ኢልካና እሞ: ከም ዝተኣዘዙ ብልቦም ወይ ብደጋዊ ባህርያት ከመይ ጌርካ ከምዝፈለጥካዮ ገሪሙኒ።ብዝኾነ እቲ እትጽሕፎ ከም ናትካ ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት ዘንብብዎ ጌርካ ካብ ትጽሕፍ ምጽሓፍካ ዘይተረፈካ ኣንበብትኻ ከማኻ ከም ፍርቅኻ ከም ርብዕኻን ደረጃፍልጠት ዘለዎምን ከም ዕጽፍኻ 2,5,10 ዕጽፊ ናትካ ዘለዎም ዝዕዘብዎ ከም ዘለዉ ዝዘንጋዕካ ትመስል።

  • haddish January 21, 2015

    ክቡር መምህር

    ግርም ዘተሓሳስብ ጽሑፍ ብዛዕባ ፖለቲካን ባህርያቱን። ጸቢብ ዘይኮነ መሰረት ፖለቲካ ዝድህስስን ዘብርህን ጽሑፍ ሒዝካ ተመሊስካና መምህር ኣማኑኤል። ጽሑፋትካ ኩሉ ጊዜ እየ ዘስተማቅሮ።

    ሓዲሽ ተወልደ

  • Teclay January 21, 2015

    Amanuel Sahle
    Your article is good as a general knowledge and back ground but you didn’t mention the solution. You said” መብዛሕትአን ኣፍሪቃውያን ሃገራት ካብቲ ቅድሚ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበረን ቀቢላውን ኣውራጃውን ማሕበራዊ ደረጃ ዚወጻ ኣይመስላን። ሓምሳ ዓመት ድሕሪ ናጽነት ክሳዕ ሎሚ ህዝበን ብሃይማኖታውን ቀቢላውን ኣውራጃውን ጕጅለታት ተኻፋፊሉ መጻወቲ ባዕዳውያንን ዳግመ-ገዛእትን፡ መጻወቲ ናይ ገዛእ ርእሱ መራሕትን ብምዃን ይሳቐ ኣሎ”Yes true but i have the flowing observations .
    -What do you think about the arbitrary colonial borders which has been the main obstacle do find the medicine?
    -If what you said is African problem including ours.Why did we need a Ghedli to have a small country but with the same problems.Was it worth paying all the scarifies.?
    -What do you think about the role of Eritrean intellectuals.Should they have known(calculated)before hand or they have to surprise also just like one of us by the result.?
    -Why do Africans and specially we Eritreans are serious about the colonial borders which doesn’t have any meaning on the ground?

    Thank you for your article and all the respect .

POST A COMMENT