Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትዕዝብተይ፥

ትዕዝብተይ፥ ዝኸበርኩም ኣሰናውያን ከመይ ቀኒኹም? ሰላም። ትዕዝብትኹም ከም ትዕዝብተይ እንተኾይኑ ዕብየትን ተባሃጊነትን ኣሰና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሰማይ ዓሪጉ ኣሎ። እዚ ኸኣ ብሃንደበት ወይ ድማ ብዕድል ዝመጸ ምዕባለ ከምዘይኮነ ንኹሉ ብሩህ ይመስለኒ። ምህርቲ ናይቲ ብቅንዕና ንሃገርን

ትዕዝብተይ፥
ዝኸበርኩም ኣሰናውያን ከመይ ቀኒኹም? ሰላም። ትዕዝብትኹም ከም ትዕዝብተይ እንተኾይኑ ዕብየትን ተባሃጊነትን ኣሰና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሰማይ ዓሪጉ ኣሎ። እዚ ኸኣ ብሃንደበት ወይ ድማ ብዕድል ዝመጸ ምዕባለ ከምዘይኮነ ንኹሉ ብሩህ ይመስለኒ። ምህርቲ ናይቲ ብቅንዕና ንሃገርን ንህዝብን ምግልጋል ጥራይ ዝዕላማኡ፡ ብልሳን ዘይኮነስ ብተግባር ዝዛረብ ኣካይዳን ሓያል ጻዕርን ተወፋይነትን ኣካየድቲ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ እቲ እንኮ ክብሃል ዝከኣል፡ ጸሊምን ቀይሕን፣ ወድን ጓልን፣ መሃይምን ምሁርን፣ ኣውራጃን ወገንን፣ ዓሌትን ኣስልን (ትውልድን)፣ ሃይማኖትን ቀቢላን ከይፈለየ፡ ንኹሉ ንፍትሒን መሰልን ኤርትራውያን ዝቃለስ ዜጋ፡ ብሓባር ዘአንግድ ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ ሓያል ጻዕሪ’ዩ ተረኺቡ ዚብል እምነት ኣሎኒ። ዝኸበረን ዝለዓለን ልባውን ኤርትራውን ምስጋና ድማ ነዚ ቅኑዕ ደላይ ፍትሕን ራህዋን ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ዘሐብን ዜጋ’ዚ ይኹን እብል።
ኣብዚ ሎሚ እዋን እታ እንኮ መንቀናኣ (ዓብዪ ናይ ቀጽሪ ማዕጾኣ) ምስ ከፈትካ ጥራይ ኢድካ ዘይትምለሰላ ሌማት (መቐረብ መኣዲ) ኣሰና ጥራይ እያ እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ፡ መዓልታዊ ሓደስቲ መሃሪ ጽሑፋትን ውዑይ ዜናን ዘይትስእነላ ደምበ ንሳ ስለ ዝኾነት። መብዛሕትአን መርበብ ሓበሬታት ኤርትራውያን ኣብ ሰሙን ወይ ድማ ኣብ ሳልስቲ ሓድሽ ጽሑፋት ከኣንግዳ ከለዋ፡ ኣሰና ግን መዓልታዊ ብርክት ዝበሉ ሓደሽቲ ጽሑፋት’ያ ተአንግድ ዘላ። እዚ ኸኣ በሪ ኣሰና ብበጻሕቲ ከም ዝጻበብ ጌሩዎ ኣሎ። በዚ መሰረትውን መርበብ ሓበሬታ ኣሰና እታ ዝዓበየት ዩኒቨርስቲ ኤርትራውያን ኮይና ኣላ። ኩሉ ሕቡእን ግሁድን ውልቃዊ ኣጀንዳ ዘይብሉ፡ ንጹህ፡ ንህዝብን ሃገርን ዝሓሊ ኤርትራዊ ንምዃን፡ ህያው ኣብነት ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ኣማኑኤል እያሱ ስለ ዘሎና፡ ኩሉ ንሃገራውነት ዝምልከት ነገር ካብኡ ክንማሃር ንኽእል ኢና።
ኣብ ባህልና ሓደ ካብቲ ውሑድ ክቕየር ዘለዎ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ’ውን ንረብሓኡ ጽቡቕ ጌሩ ዝተጠቐመሉ ልምዲ ኣሎ። ንሱ ኸኣ፥ ሓደ ሰብ ብህይወቱ ከሎ ንዘበርከቶ ጽቡቕ ስራሕን ግብርን ዘይምግላጽን ዘይምምስጋንን’ዩ። ምስ ሓለፈ ግን ዝገበሮን ዘይገበሮን ደማሚርካ ምምጓስ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ዝኾነ ረብሓ ዘይብሉ ውጽኢቱ ሃልኪ ጥራይ እዩ። እዚ ልምዲ’ዚ ብፍጹም ክቕየር ዘለዎ ልምዲ ኮይኑ ይስማዓኒ። ምኽንያቱ፡ እቲ ብህይወት ዘሎን ዓቕሙ ዝፈቕዶ ዝገብርን ዜጋ ንዝያዳ ረብሓን ፍርያትን ብህይወቱ ከሎ ክምጐስን ክተባባዕን ዘለዎ ኮይኑ ይስማዓኒ። በዚ መሰረት ድማ’የ ሕጂ ነዚ ንኹልና ደለይቲ ፍትሒ፡ ልሳን ኮይኑና ዘሎ ሕቡን ዜጋ ሓው ኣማኑኤል እያሱ ንምትብብዑን ኣበርክቶኡ ዝያዳ ንምዕዛዝን ከመስግኖ ዝደለኹ። እዚ ግን ንሓው ኣማኑኤል እያሱ ጥራይ ዘይኮነ ንኹሉ ከምኡ ዝኣመሰለ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን እጃሙ ዘበርክት ዜጋ ዝምልከት ናይ ወትሩ ልምደይ እዩ። ምስ ጃንዳ ህግደፍ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ግዜውን ንከም ኣማኑኤል ዝኣመሰሉ ሃገራውያን አተባብዕ ኔረ’የ።
ካልእ በዚ ኣጋጣሚ ንኹሎም ኣብ ኣሰና ዓለቖም (ርእይቶኦም) ዝህቡ ኤርትራውያን ሓንቲ ነገር ደጊመ ከተሓሳስቦም እደሊ። ሎሚ ኣብ ሃገርና ኩሉ’ዩ ሓርነትን ዕብየትን ዘድልዮ ዘሎ። ብፍላይ ከኣ እቲ ብስዉር ዝድሃኽን ዝበርስን ዘሎ መበቆላዊ ቋንቋና ቋንቋ ትግርኛ! ንምንታይ ኢና ኣቓልቦ ዘይንህቦ። እዚ ህዝቢ ‘ቋንቋ ደኣ መንግስቲ ኣሎዎ’ንዶ’ ብምባል፡ ከምቲ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ካብ ምክትታሉን ምምዕባሉን ስለ ዝበኾረ፡ ቋንቋና ብድሕሪ ናጽነት ኣዝዩ ተሃስዩ እዩ። እዞም ሕጂ ዘለዉ ሰፊሕ ፍልጠት ቋንቋ ዘሎዎም ኣቦታትናን ኣደታትናንውን ከየውረሱናን ከይሰነዱልናን ይሓልፉ ስለ ዘለዉ፡ ጽባሕ ንግሆ ሃገራዊ መወከሲ ቋንቋ ንምድላው ከቢድ ብድሆ ከጋጥመና ምዃኑ ግዝንጋዕ የብሉን።
ስለዚ፡ ንሓደ ብትግርኛ መልእኽቱ ወይ ሓበሬታኡ ዝጸሓፈ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ከም ባዕዳዊ ብእንግሊዝኛ ርእይቶኹም እትህብሉ ምኽንያትሲ እንታይ እዩ!? ካብ ቋንቋኹም ቋንቋ እንግሊዝ ከተማዕብሉ ስለ ዝደለኹም ኣይመስለንን። ከምዚ ገለ ውሑዳት ሰባት እንግሊሽ እንተተዛረቡ ዝማዕበሉ ዝመስሎም ርእሰ ምትሓት ዘሎዎም ሰባት ከምዘይኮንኩምውን ብርግጸኝነት ክዛርብ እክእል’የ። ጥራይ ስለምንታይ ከምኡ ትገብሩ ከም ዘለኹም’የ ክፈልጦ ዘይከኣልኩ። ዝኾነ ቋንቋ’ኮ ብምጽሓፍን ብምዝራብን’ዩ ዝምዕብል። ቋንቋኡ ብግቡእ ዘይፈልጥ ዜጋ ከኣ ባህሉን ልምዱን ይፈልጥ’ዩ ክትብሎ ኣጸጋሚ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ባህልን ልምድን በቲ እቲ ባህልን ልምድን እቲ ሕብረተስብ ዝፈጠሮ ቋንቋ ስለ ዝግለጽ። ስለዚ፡ ኣገዳስነት ምዕባለን ዕብየትን ቋንቋ ካብ ምዕባለ ባህልን ሃገርን ዘይንጸል ካብ ኮነ፡ ኣብ ሓርነትን ምዕባለን ቋንቋናውን ከነስተብል ከም ዘለና በዚ ኣጋጣሚ ሓደራ ክብል እደሊ።
ኣብ መወዳእታ ነዘን ዝስዕባ ኣብ ገሌና ጸሓፍትን ወሃብቲ ርእይቶን ክንሓዋውሰን ወይ ድማ ኣብዘይቦታአን ከነእትወን ዝርእየን ቃላት እርማተን ብምጥቃስ ንሎሚ ክሰናበተኩም።
ነጻነት ኣብ ክንዲ ምባል ናጽነት ክንብል እግበኣና፤
ጨሪሱ ኣብ ክንዲ ምባል ጠሪሹ/ጠሪሱ ክንብል እግበኣና፤
ብጣዕሚ ኣብ ክንዲ ምባል ኣዝዩ፡ ኣመና፡ እምብዛ ክንብል እግበኣና። ምክንያቱ፡ ብጣዕሚ ንመቐረት ጥራይ ስለ ንጥቀመሉ፤
እንዳ ሰተየ ኣብ ክንዲ ምባል እናሰተየ ክንብል እግበኣና። ምኽንያቱ፡ እንዳ ንዋንነት ጥራይ ስለ ንጥቀመሉ፤
ክሳዕ ንግዜ ስለ ዘመልክት መዐቀኒ ርሕቀት ክንጥቀመሉ ኣይግባእን፤
ክሳብ ንቦታ ስለ ዘመልክት፡ መዐቀኒ ግዜ ክንጥቀመሉ ኣይግባእን፤
ጥራሕ ማለት ክዳን ዘይብሉ ጥርሑ ንምባል ክንጥቀመሉ ከለና፣
ጥራይ ማለት ድማ ንዉልቂ ማለት ንስኻ ጥራይ/ንበይንኻ ንምባል ንጥቀመሉ፤
የሎን ማለት ንዚቑጸር ነገር ክንጥቀመሉ ከለና፣
የልቦን ማለት ድማ ንዘይቊጸር ነገር ኢና ንጥቀመሉ፤
ኣብ መንጎ ኣለኹን ኣሎኹንውን ፍልልይ ኣሎ።
ኣለው ክትብል ከለኻ፡ ኣብ ሓደ ቦታ ከም ዘለው ትሕብር ኣለኻ ማለት’ዩ፣ ኣሎዎም ክትብል ከለኻ ኸኣ ሓደ ነገር ከም ዘሎዎም ትሕብር ኣለኻ ማለት’ዩ። ንኣብነት፥ ኣበይ ኣለኹም?፣ እንታይ ኣሎኩም? ኣበይ ኣሎኹም? ግን ኣይብሃልን’ዩ።
እዞም ዝስዕቡ ቃላትውን ትርጉሞም ከምዚ ዝስዕብ’ዩ፥
በሃም= ዚሰምዕ ክነሱ ኪዛረብ ግን ዘይክእል፤
ሃዚል= ዓሻ፡ ምስትውዓል ዘይብሉ፤
ፋህም= ለባም፡ መስተውዓሊ፤
ተጋወሐ= ሓዊ ተናኸሰ ጋሃጽሃጽ በለ፤
ተዋዘዐ= ወረ ተወርየ፡ ኩሉ ከም ዝሰምዖ ኮነ፤
ባጊር= ኣዝዩ ድሑር፡ ዘይስልጡን ሰብ፤
ፍሕሹው= ፋሕሻው፡ ሓሞኽሽታይ ዝመስል ገጹ፤
ፍሽሑው= ፍሱህ፡ ብሩህ ገጽ፤
ብዓል= ብዓል እከለ፤
በዓል= ውራይ፡ ድግስ ወዘተ. ብምባል፡ ቃላትና በቲ ቅኑዕ ትርጉሞም ክንጥቀመሎም ከም ዘሎና ብትሕትና አተሓሳስብ።
የቐንየለይ።
ካብ ሓውኹም መሲናስ 08/01/2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Habte Kifle January 8, 2014

    Dear Mesinas,

    Your appriciation to Amanuel is right. We should develope appreciating when someone is doing great!!
    We should in parallel condemn the people who are doing bad to Eritrea or Eritreans in general.
    Thank you for your small panctuation and vocabulary lesson!!
    Keep it up!!!!

    Yours,
    Habte

  • ahmed saleh January 9, 2014

    Seminas
    Due my respect , language is a tool of communication what ever it come from to include participants .
    Sometimes we should considerate for those who didn’t have opportunity to learn the Tigrigna language
    either their ethnicity background or their upbringing far from their ancestors land .

  • Tesfazghi Yitbarek January 9, 2014

    ዝኸበርካ ሓው/ሓውቲ መሲናስ

    መልእክትኻ አብ መርበብ አሰና፤ብእሩም ትግርኛ ዝብል ርእሰ ነገሩ ቅኑዕ ኮይኑ:
    ኣብ ፍሉይ ዓምዲ ምምሕያሽን እሩም ዝኾነ ኣጠቓቕማ ቓንቃና ኢልካ እንተ ጀመርካን
    ንሰባት ኣብ ቓንቓኦም ተገዳስነት ከሕድሩን ክዋሱኡን ምሓገዘ ዝብል ግምት ኣሎኒ።
    በዚ መሰረት ከአ ፍሉይ ገጽ ተሓቲቱ ክስራሓሉ ምፍታን ካብ መርበባት ኤርትራውያን፡
    ንኸምዚ ዓይነት፡ምድላዋት ክገብሩልና ተሓቲቱ እቶም ግዱሳትን ብቓንቓኦም ዝሕበኑን ክሳተፍዎ ምግባር ምተመርጸ።
    እዚ ወደሓንካ/ኪ መሲናስ

  • ER ITRAWIT January 9, 2014

    Mesinas,
    I did laugh when I read you comment today You are not wrong thank you people We know how to read and write our language Tigrigna we should use it. don’t get it wrong we have to work on that, like our Brother ahmed said their are people they didn’t get a chance to learn their language we should consider.
    Assena, is University for Eritrwayan yes it is the write name we are learning a lot our bad and good thank you Brother.

  • freweyni Habtemariam January 9, 2014

    Dear Mesinas,
    thank you very much!
    Please more of these sort.
    Yours, highly interested new student,
    Freweyni Habtemariam

  • Redi Kifle (bashay) January 9, 2014

    Dear brother Mesinas,

    Words fade and are replaced by another in social development to satisfy or reflect new innovations. Words do not make language. It is only grammar that makes language. Your work is interesting, but requires team work, like curriculum committee, a delegated or selected body for that purpose in order to get broad or national acceptance. For now I would prefer if you may focus on burning issues of our political destination.

    many thanks,
    Redi Kifle (bashay)

  • Belay Tewlede January 9, 2014

    ሓው መሲናስ ርእይቶኻ ቅቡል እዩ። እቲ ብጣዕሚ ዝብል ግን ንጣዕሚ ዘመልክት ዘይኮነ ካብቲ በጣም ዝብል ኣምሓርኛ ዝተወስደ እዩ። ከም ዝበልካዮ ኣብ ትግርኛ ከከም ኵነታት ናይቲ ጽሑፍና ኣመና፡ እምብዛ፡ ምሒር፡ ኣዝዩ፡ ብዘይመጠን፡ ማእለውያ ዘይብሉ ወዘተ ክንጥቀም ንኽእል። ብዘይካ’ዚ ኣብ ክንዲ እንደገና ከም ብሓድሽ፡ ኣብ ክንዲ ፖላይስ ፖሊስ፡ ኣብ ክንዲ መዝገብቤት ቤትመዝገብ ወዘተ ብምባል ነቲ ካብ ዘበነ ደርጊ ዝተወርሰ ግጉይ ኣጠቓቕማ ብምውጋድ ጽፉፍ ትግርኛ ክንጥቀም ይግብኣና

  • rahwa January 9, 2014

    Dear Mesinas,
    i appreciate the fact that you think we need to encourage those who are working hard to bring about the necessary change needed in our country. most of all though individuals like Amanuel Eyasu who have no ulterior motives whatsoever except to see our oppressed people free are a rare gem. that is at the heart of being an Eritrean.

  • Meretse Asmelash January 9, 2014

    ክቡር ሓው ተስፋማርያም
    ትዕዝብተይ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዘስፈርካዮ ሓሳብ ኣብ ዝዓበየ ክፋሉ ይሰማማዓሉ እየ። ጽሑፋትና ይኩን ሪእቶታትና ንእግረ መንገዶም ቛንቛ ትግሪና ንምምዕባል ጊደ ይጻወቱ ዝብል መልእክቲ ተሓራዪ እዩ። መጅመርያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝመጸ ለውጢ ይረኣየኒ ኣሎ ምባልካ ኣይሰሓታካን። ንምክንያቱ ዝምልከት ሓደ ክልተ ቃል ወስ በል ተባሂለ እንተ ዝሕተት ከኣ ከምዚ ምበልኹ- ኣብዚ ቀረባ እዋን “ቛንቛ እንግሊዝ ዝሓዘ ካብ ሰብዓ ዝዘ” ኢልና ስለ እንኣምንስ ብትግሪና ንዝወጹ ጽሑፋት ብዙሕ ኣይነቃልበሎምን ዝብል መልእክቲ ምስ ተኾሸሐ ነጸልኡ ዝነገፈ ውሑድ ኾይኑ ኣይስመዓንን። መስተኣኣምርቱ ከኣ ብዙሓት’ዃ ክብል እንተ ዘይደፈርኹ ብርኽት ዝበሉ ጸሓፍትን ወሃብቲ ሪእቶን ካብዚ ሓሊፈ እንታይ ከይብሃል ኢሎም ነቲ ” ሕማቕ ዝብሃል ናቶም ዝጸውዑ ኣሎዉ” ውጽኢቱ ከኣ እንቛዕ ተነበ።

    ቀጺለ ኣብ ክንዲ መሲናስ ንምንታይ “ተስፋማርያም” ኢለ ክጽወዓካ ከምዝፈተዅ ክገልጽ ይፈቱ።
    ንስካ ብዝሓርካዮ ስም ክትጽዋዕ መሰልካ እዩ። ንትርጉማ ዝምልከት ከኣ ኣብሪህካዮ ኢካ። እንተኮነ ግና ኣብ ዝሓለፈ እዋን ምስ ሓደ ጸሓፊ (ገጣሚ) ሪእቶካ ክተንብር እንከሎኻ ካብ ሕጂ ንደሓር ተስፋማርያም ኢልካ ክትጽውዓኒ ትክእል ኢካ ከምዝበልካዮ እዝክር።
    በዚ ከኣ ሰናይ ሓረካ ኢለ ኔረ ኮይኑ ግን ክልቲኤን ክትሕዘን ዝመረጽካ ትመስል። ንሱ ናትካ መሰል ኾይኑ ኣነ ግን በታ “ኣቦካን ኣደካን ዝሃብዃ ወርቒ መንበር፣ ወዲቓ ኣይትስበር ፣ ሞይታ ኣይትቕበር ፣ ዋና ስምካ ገዲፈ በዛ ሓዳስ ጥብቖ-ስም ክጽወዓካ ኣይመርጽኩን’ሞ ኣይትሓዘለይ።
    ንዓይ እንተዘይ ኣሚንካ ክብሪ ስም ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ክትፈልጥ ካብዞም 7 ወሃብቲ ሪእቶ ብዘይካ ሓንቲ ስም “ኤረትራዊት” እትብል እቲ ካልእ ቀንዲ ኣሳምት እዩ።
    ክቡር ሓው ንስም ዝምልከት፡
    መሃርይ ካብ ኾንካ ንስካ
    ኣራምይ ክብ ኾንካ ንስካ
    ኣብነት ካብ ኾንካ ንስካ
    እንከ’ሎካስ ስምካ ንቕድመካ …ከይወለደ ዝመተ ሰብ ስሙ ንቅድምኡ
    እዚ ክብል ዘምረጸኒ ምክንያት ብፍላይ ነቶም ተሪርን ደፋርን ሪእቶ ይኩን ጽሑፍ ብጉልባብ ስም ዝጽሕፉ ጸሓፍቲ ኣየሳንን ክብል ደልየ እየ ።

  • MightyEmbasoyra January 9, 2014

    I hope I am not sounding negative here but first you should tell us about your Tigrigna language education’s background. How would we know some of the words that you use are not bogus? Most of them are words I have never heard of them, let alone know their meanings.
    In the academic word, experts let their audience know what their educational background and or experiences.
    Just my two words

    NB: the reason for not writing in Geez alphabet is because of its inconvenience of typing it (at least to me). The software I have is not robust enough to let me type more than few sentences.

POST A COMMENT