Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትውፊት ወለድና!

ትውፊት ወለድና!     እቲ ቅርሲ ቀዳሞት *ስድቢ ኣቦታትና          *ብዋዕላ ዓዲ ዝጸደቐ ቅዋም ወይ ሕጊ ሃብቲሙን ማዕቢሉን ብጻዕሪ ምሁራትና ህዝቢ ተዛትዩ ምስ በሎ 'ይርሓሰና' ኣብ ቀይዲ ኣእቲዩዎ መላኺ ሃገርና ፍርዲ ከይረኸበ ከምቶም ጀጋኑና ኣብ ማሕዩር በልዩ ሙማቱ ኣርዲኡና!   ወሎዶኡ ካብ ሰረት ጸብጺቦም ምስ ታሪኽ ገድልና

ትውፊት ወለድና!
   
እቲ ቅርሲ ቀዳሞት *ስድቢ ኣቦታትና          *ብዋዕላ ዓዲ ዝጸደቐ ቅዋም ወይ ሕጊ
ሃብቲሙን ማዕቢሉን ብጻዕሪ ምሁራትና
ህዝቢ ተዛትዩ ምስ በሎ ‘ይርሓሰና’
ኣብ ቀይዲ ኣእቲዩዎ መላኺ ሃገርና
ፍርዲ ከይረኸበ ከምቶም ጀጋኑና
ኣብ ማሕዩር በልዩ ሙማቱ ኣርዲኡና!
 
ወሎዶኡ ካብ ሰረት ጸብጺቦም
ምስ ታሪኽ ገድልና ኣዋሲቦም
ምሁራት ምስ ህዝቢ ተላዚቦም
ብኹሉ ሸነኻት ሕጊ፡ ተዓዚቦም
ብባይቶ ዘጽደቑዎ ተኣኪቦም
ምልኪ ቀቲሉዎ ጉድ ረኺቦም
ልዑል ፈጣሪና ጽንዓቱ ይሃቦም!
 
እዚ ርጉም መላኺ ጋህሲ ወሎዶና
‘ቅዋም ረሺነዮ’ ሞይቱ ካብ በለና
ወዮ ክንብለሉ ሬሳኡ ከይረኣና
ጽንዓት’ወ ይሃብኩም ምሁራትና
ብዓብይኡውን ንሓፋሽ ህዝብና
ብፍትሒ ይደብሶ ልዑል ፈጣሪና!
 
እዚ ዕቡይ *ደማሒ እምብዛ ሻዲኑ      *መላኺ
ንህዝባዊ ቅዋም ብንዕቀት ረሺኑ
ክሳዕ ግዜ ሞቱ ኪሕሉ ስልጣኑ
ቅዋመ ኢሳያስ ኪነድፍ ሙዃኑ
ብወግዒ ኣርዲኡና ትማል ተታዕኒኑ!
 
ኣንታ ሕጊ እንዳባ ጸሓይ ዘይረኣኻ
ንሓንቲ ዕለትውን ህዝቢ ከይዳነኻ
ኣብ ከብሒ መላኺ ከንቱ ዝበለኻ
ባዕሉ’ኮ ኣርዲኡና እኩይ ቀታሊኻ
ኣይሞትካን ግን ቅዋም ብህይወት ኣለኻ
ንእኡ ኢኻ’ምበር ንኣናስ ህያው ኢኻ
ጽባሕ ኪገሃድ’ዩ ግድን ትንሳአኻ!
 
ካብ ቀደሙ ስልጡን ምዕቡል ህዝቢ
ብሕግን ብፍትሕን ዝምራሕ *ብስድቢ    *ብቕዋም
ክብሩ እናበለልካ ከም ነቐዝ ከም *ኩቢ    *ቡቕሊ ዘራእቲ ዝበልዕ ሓሰኻ
ዘይመላኺ ኢኻ ኣጥፊኢሉ *ደንቢ         *ወግዒ፡ ስርዓት
ኣብ ገዛእ *ሓጀቱ ኮይኑ ተዓዛቢ!             *ጉዳዩ፡ ውራዩ
 
ብኢዱን ብእግሩን ኣብዘየርክበካ
ኣብ ዓንዲ ሕቖኡ ወትሩ ተሓዚልካ
ቁርዲድ ዝስከሙ *ሃዚላት ዓሲብካ                  *ዓያሹ
ደምና እናመጸኻ ጽጋብ ሰንጢቑካ
*ትውፊት ወለድና ብንዕቀት ቀቲልካ              *ህያብ ወለዲ
ኣይትቕሰን መላኺ መዓልትኻ ኣሎካ!
 
ገለ ካብ ቀዳሞት ሰለስተ ዓንቀጻት ሓድሽ ቅዋመ ኢሳያስ፥
 
1ይ ዚኾነ ይኹን ዜጋ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን፡ ግቡኡ እንተዘየማሊኡ፡ ዓንቀጽ 1/1 ብዝውስኖ መሰረት፡ ዚኾነ ይኹን ኣገልግሎት ከይወሃቦ! ከምኡውን ካብ ማእሰርቲ ክሳብ መርሸንቲ ዚኸይድ ግቡእ መቕጻዕቲ ክብየነሉ፤
 
2ይ ብዚኾነ ይኹን ምኽንያት፡ ሃገር ኣብ ቅልውላው ወይውን ኣብ ሓደጋ እንተልያ፡ ዓንቀጽ 1/2 ብዚእዝዞ መሰረት፡ ዚኾነ ይኹን ፕረዚደንት ናይ ምቕያር ሃገራዊ ምርጫ ከይካየድ፤
 
3ይ ዚኾነ ዜጋ ንሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስጉምታት እንተ ወሲዱ ወይውን እንተተጠርጢሩ፡ ዓንቀጽ 1/3 ብዚውስኖ መሰረት፡ ብዘይዚኾነ ይኹን ሕግን ፍርድን ህጹጽ ስጉምቲ ኪውሰደሉ! ዚብል ይርከቦ።
 
ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!
 
ርሑስ ሓድሽ ዓመትን መቕሰኒና ልደትን ይግበረልና! ኣሜን!!!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 01/01/2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • ERITRAWIT January 1, 2015

    Happy new year Mesinas. We should’t expect nothing good from this sick man. I wonder what Monkey will say about this I just laugh and he came with old sandal to show us he is working hard for Eritrea?
    2015 Awet N hzbi Eritrea!!!!!

  • Mesinas January 2, 2015

    ርሑስ ሓድሽ ዓመት ክብርቲ ሓብቲ ዘይትሕለል ኤርትራዊት! የቐንየለይ።

POST A COMMENT