Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትርጉም ህይወትን ምንባርን ኣብ ኤርትራ

ንሓደ ሰብ፡ ሓቀኛ ትርጉም ህይወትን ምንባርን ግለጽ ተባሂሉ ምስዝሕተት፡ እንታይ ኢሉ ከምዝምልስ ንምግማቱ የጸግም’ዩ። ምናልባት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይንቡር ኩነታት፡ ምስ ካልእ ክፋላት ዓለም ዘሎ ናይ ሰባት ትርጉም ህይወትን ምንባርን፡ ሰማይን ምድርን ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ንሓደ ሰብ፡ ሓቀኛ ትርጉም ህይወትን ምንባርን ግለጽ ተባሂሉ ምስዝሕተት፡ እንታይ ኢሉ ከምዝምልስ ንምግማቱ የጸግም’ዩ። ምናልባት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይንቡር ኩነታት፡ ምስ ካልእ ክፋላት ዓለም ዘሎ ናይ ሰባት ትርጉም ህይወትን ምንባርን፡ ሰማይን ምድርን ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብናተይ መረዳእታ፡ ሰባት ሓቀኛ ትርጉም ህይወት የስተማቅሩ ኣለዉ ክብሃል እንተኾይኑ፡ እታ ዘላቶም ሃብቲ፡ ገንዘብ፡ ጥሪትን ንብረትን ማለት’ዩ፡ መንፈሳውን ነገራውን እምነቶም፡ ስምዒቶም፡ ብዘይ ግዳማዊ ተጽዕኖን ትእዛዝን፡ ብናጽነት በታ ቃሕ ትብሎምን ትርድኦምን ፍልስፍና፡ መዓልታዊ መደባቶም ከሰላስሉ ምስዝኽእሉ’ዮም፡፡ ትርጉም ሓቀኛ ህይወትን ምንባርን ግን ምስ ሃብትን ድኽነትን፡ ሰላምን ዕግርግርን፡ ፍትሕን ዓመጽን፡ ብዙሕ ቀጸላታትን ጥንግናግን ኣለዎ። ሎሚ ምስ ቅልጡፍ ምዕባለ ስነ-ኪነት፡ ዝርጋሐ ማሕበራዊ መራኸቢታትን (Social Media) ካልእ ረቋሒታትን፡ እታ ብብዝሒ ህዝብን ስፍሓት መሬትን ተመጣጢርካ ዘይነርክባ ትመስለና ዓባይ ዓለምና፡ ናብ ቁሸት እናተለወጠት ትመጽእ ስለዘላ፡ ሃገራትን ክፍለ ዓለማትን ዳርጋ ኣብ ጎዶቦታት’የን ዝነብራ ዘለዋ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ንኣብነት እቲ ቀደም ኣብ ኤርትራ ምስ ስድራቤትካን ፈተውትኻን ብተለፎን ንምርኻብ ኣብ ውሱን ከተማታት ዝነበረ ኣገልግሎት ተለኮሚኒከሽን ንምርካብ ነዊሕ ምጉዓዝን ሪጋ ምሓዝን ተሪፉ፡ ሎሚ ኣብ ዝኾነ ቦታን ኩርናዕ ዓለምን ተቀሚጥካ ብናይ ኢድ ተለፎን ናብ ዝኾነ ቦታን ኣብ ዝጠዓመካ ሰዓታትን ጭር ኣቢልካ ወይ ብጽሑፍ ጉዳይካ ከተሳልጥ፡ ሓደርካ ከመዓልካ ክትብህሃል ጸገም የለን። ኣብ ገሊኡ’ውን ገጽ ንገጽ እናተረኣኣኻ ሓሳብካ ትገልጽ ናፍቆትካ ተውጽእ። ይኹን እምበር ኣብዚ ምዕቡል ዓለም፡ መነባብሮን ትርጉም ህይወትን ሰባት ሓደ ኣይኮነን። “ገለን ብማይ ገለን ስኣን ማይ” ከምዝብሃል፡ ገለ ሰባት ብጻዕሮም መጠን ዘይብሉ ሃብቲ ዝውንኑን ገንዘቦም መጥፍኢ ስለዝስእኑሉን ክሳብ ኣብ ጠፈር ወይ ህዋ ክገሹ፡ ዓለም ክዘሩ፡ ብኽቡር ዋጋ መጋየጺ ንብረት ክሽምቱ፡ ትካላት ክሃንጹን ኣብ ፈረስ ዘጋልብ ህንጻ ይቅመጡን። ብኣንጻሩ ካልኦት ሰብ ጸጋ፡ ክፋል ሃብቶም ንጽጉማት ዘካፍሉ፡ ኣብ ግብረሰናይ ዝነጥፉ፡ ጽቡቅ ስም ከትርፉ ለይትን መዓልትን ዝሰርሑ፡ ንምዕባለ ሕብረተሰብ ዝጽዕቱን’ዮም። በዓል ጸጋ ኣመሪካዊ ዜጋ ቢል ገይት(Bill Gate) ንኣብነት ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዘለዉ ሒደት ሃብታማትን ፍቱሓትን ኣእዳውዩ። ካልኦት ድማ ዘይርሃጽሉን ዘለዎም ስልጣን ተጠቂሞምን ዝኣከብዎ ሃብቲ፡ ናብ ብሕታዊ ረብሓኦም ከውዕልዎ፡ ሰላማዊ ህዝቢ ክጭፍልቁን ስልጣኖም ከደልድሉን ከይደቀሱ ይሓድሩ። ብተወሳኺ እቶም ብጽጋብ ዝተፈንጭሑ ሃለልቲ፡ ስቃይ፡ ድኽነትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ንምውጋድ ብውጹዓት ወገናት ዝለዓል ሕቶታት ብሓይሊ ይደቁስዎ። ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ክብርን ናጽነትን ህዝቢ ኤርትራ ብምርጋጽ፡ ልዕሊ’ቶም ኣብ ዓለምና ብጭካንኦም ኣዝዮም ግኑናት ዝብሃሉ ስርዓታትን ውልቀሰባትን ተሰሪዑ’ሎ። መዛግብቲ ታሪኽ ከምዝምስክሮ፡ ኣብ ዓለም ብሰይጣናዊ ስራሕን ገበንን ዝፍለጡ፡ ኣዶልፍ ሂትለር፡ ጆሴፍ ስታሊን፡ ማኦ ዝዱንግ፡ ኢዲ ኣሚን፡ ሳዳም ሑሰይን፡ ፊደል ካስትሮ፡ ሮበርት ሙጋቨ፡ ዑመር ኣልበሽር፡ መዓመር ቃዛፊ፡ ኪም ጆንግ ኡን ክኾኑ እንከለው፡ እዞም ኣብ ኤርትራ ህይወት ሰብ ዘጽንቱ፡ ክብሪ ሰብ ዝረግጹ፡ መሬትን ንብረትን ዝግብቱ መላኺ ኢሳያስ ዝመራሒኦም ጸይቀ ዕሉላት ግን ኣብ መዛግብቲ ገበኛታት ዘይተረቁሑ ምዃኖም’ዩ። ብርእይቶይ፡ ገበናትን ተንኮላትን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ምስ ዑመር ኣልበሽር፡ ሙዓመር ቀዛፊ፡ ሮበርት ሙጋበን ፊደል ካስትሮን ብምንጽጻር፡ ንኢሳያስ ንዓመታት ኣብ ስልጣን ምኹዳጮም ጥራሕ’ዮም ዝመሳሰልዎ። እቲ ካልእ መልክዕን ኣረሜናዊ ተግባራትን ናይ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ግን፡ ምስ ፍጥረት ሰብ ዘይኮነስ ምስ ጨካን ኣራዊት’ዩ ዝወዳደር።

ብዙሓት ተጋደልቲ፡ ህይወት ቅድሚ ናጽነት፡ ብማዕረ ትስዋእ፡ ሃብታምን ድኻን ብወግዒ ዘይግሃደሉ፡ ኣገዳስነት ገንዘብ ምሓዝ ዝሃሰሰሉ፡ ሃይማኖትን ዓሌትን ዘይፍለጠሉ ስለዝነበረ፡ ፍቅርን ዕላማን ንስስዐን ሃብትን ስለዝዓብለሎ፡ ህይወት ምቁር ከምዝነበረ ይገልጽዎ። መንእሰይ ኤርትራ ናብ በረኻ ክወጽእ እንከሎ፡ ኩሉ ውልቃዊ ሓጀቱን መደባቱን ጠንጢኑን ውልቃዊ ስምዒታቱን ድሌታቱን ቀቢሩን፡ ብብረት ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ ንምምካትን ተሰዊእካ ልኡላውነት ኤርትራ ምርግጋጽን ናጽነት ምጭባጥን’ዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ኣብ ሓንጎል ዝበዝሕ ኤርትራዊ፡ ክስዋእን ሕሰም ክጻወርን እምበር፡ እቲ ኣብ ንቡር ግዜ ዝፍጸም ከም ትምህርቲ፡ መርዓ፡ ምምስራት ሓዳር፡ ምውላድ፡ እምነት ሃይማኖት፡ ምውናን ሃብቲ፡ ምግያጽን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ግሉሕ ኣይነበረን። ብሓጺሩ ትርጉም ህይወት ኣብ እዋን ገድሊ፡ ዘይንቡር ብዘይ ትሕዝቶን ውሽጣዊ ድሌታትካ ዓቂብካ ምሕጓስን ብሓብር ምንባርን’ዩ ነይሩ። ይኹን እምበር ንጽንኩር ኩነታትን ስእነትን ዘይተመላኽነትን ተስፋን ግን ዕጥቂ ተጋዳላይ’ዩ ነይሩ። ኣብ እዋን ገድሊ፡ ተስፋ፡ ሓቦን መንፈስ ብሓባር ምንባር ወይ ምስዋእ ምስጢር ህይወት’ዩ ነይሩ። ሓደ ሓደ እዋን፡ ግዜን ትሕዝቶን ኣብ ዝርከበሉ፡ ብዛዕባ ትምህርቲ፡ ባህላዊ ንጥፈታት፡ ስፖርት፡ መርዓን ካልእ ማሕበራዊ ህይወትን ኣካል ህይወት ይኾኑ ነይሮም። ከምቲ ካብ ዓቅምኻ ንላዕሊ፡ ብዓቅምኻ ክትፈትሖ ዘይትኽእል እንተኾይንካ ግዜኻ ከተጥፍኣሉ የብልካን ዝብሃል፡ ዘይንቡር ህይወት ኣብ እዋን ገድሊ፡ ብንጹር ዕላማን ርዱእ ምኽንያትን ስለዝነበረ፡ ኣብ ሎሚ ኮይንካ ዘጣዕስ ኣይኮነን፡ ካልእ ኣማራጺ’ውን ምምጻእ ኣይክኣልን’ዩ።

ሎሚ፡ መቀረት ትርጉም ህይወት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ይኹን ኣብ ስደት፡ ጨው ዘይብሉ መግቢ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራዊ ብዛዕባ ዕለታዊ መደባቱን መጻኢ ዕድሉን ክውስን ምሉእ ብቅዓትን ድሌትን’ኳ እንተለዎ፡ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ፡ ብሰንፈላል’ዩ ተሰኒፉ። ከም ቀልብን ሃምን ዘይብሉ ሰብ፡ ብስርዓት ህግደፍ እቶ ውጻእ፡ ደቅስ ተንስእ፡ ብላዕ ጥመ፡ ውፈር ዓዲ ውዓል፡ እናተባህለ ከም እሱር ብፍቃድን መዓልታዊ ዝቀያየር ምልካዊ መምርሒታትን’ዩ ዝነብር ዘሎ። ገለ ፈላስፋታት፡ ሰብ ኣብዛ ምድራዊት ዓለም ንኽነብር ሓይሊ ፈጣሪ ስለዝኾነ፡ ትርጉም ሓቀኛ ህይወት’ውን፡ እቲ ዝፈጠረ’ዩ ዝቅይሶን ዝቆጻጸሮን ዝብሉ ኣለዉ። ትርጉም ሓቀኛ ህይወት፡ ኣብ ገነት ኢና ከነስተማቅሮ ንኽእል እምበር፡ ኣብዛ እሾኽ መርገም ዝተዘርኣ ምድራዊት ዓለም ክረጋገጽ ኣይክእልን’ዩ ዝብሉ’ውን ኣይተሳእኑን። ብኣረኣእያ ናይ 20 ክፍለ ዘመን ጀርመናዊ ፈላስፋ Friedrich Nietzsche፡ ህይወት ትርጉም ክህልዎ እንተኾይኑ፡ ንኽትነብር ዕላማን ትመስጦን ምስዝህሉ’ዩ። እንተድኣ ነገራዊ ክብሪ ዘየለን ናጻ ተኽእሎ ምርምር ዘይግሃድን ኮይኑ ግን ህይወት ትርጉም የብሉን። ኣብ ሃገርና እምነት ሃይማኖት ሓደ ካብ ቀንዲ ኣብ ዕለታዊ ህይወትናን ተስፋን ሓይልን ዝህበና መንፈሳዊ ሕላገትናን ክብርናን’ዩ፡፡ ሰባት ኣብ ዝሓምሉን ጸገማት ኣብ ዘጋጥሞምን፡ ጽንዓት፡ መፍትሕን መስትርሆትን ንምርካብ፡ ንፈጣሪኦም ይጽልዩ፡ ጸበልን ማይ ድጋምን ይጥቀሙ፡ ኣብ ቅዱስ ቦታታት ማጨሎት ይሕጸቡ። ዝኾነ ዘጓንፎሞም ሕማቅን ጽቡቅን ምስ ልዕለ ተፈጥሮ የተኣሳስርዎ።  ወለድና፡ ብርቱዕ ዝናብን በረድን ህቦቡላን ክርአ እንከሎ’ውን “መዓትና ኣቁርረልና፡ ዝፈጠርካያ ትንፋስ ብኽፉእ ኣይተጥፋኣያ” ኢሎም’ዮም ዝምህለሉን ምሕረት ዝልምኑን። ንኣብነት ኣልበርት እንስታይን’ውን (Albert Einstein) ፡ ኣብ እኩባት ጽሑፋቱን ሓሳባቱን ከምዝገለጾ፡ ትርጉም ምንባር ወዲሰብን ካልኦት ፍጡራትን ንኽትፈልጥ ናይ ሃይማኖት ሰብ ክትከውን ኣለካ ዝብል መርገጺ’ዩ ዘለዎ። ስርዓት ህግደፍ ኢዱ ኣይስኣን፡ ንትካላት ሃይማኖትን ስዓብቱን ብምህዳንን ብፖለቲካዊ ኣጠማምታ ይመቃቅሎ ስለዘሎን፡ ኣብያተ ጸሎት ብናይ እዝኒ ሰለይቲ ምጽንጻን ስለዝግበረሉን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብምሉእ ልቡን ብዘይፍርሕን ሃይማኖታዊ ንጥፈታቱ ከሰላስል ይኽእል የለን። ስርዓት ህግደፍ ኣብ እዋን ገድሊ ንጉስ ሃይለ ስላሴን ቀሺ ዲመጥሮስ ገብረማርያምን “ንሃይማኖት ተዋህዶ መሐለዊ ስልጣኖም ይግልገሉሉ ነይሮም” እናበለ ይኸስስ ከምዘይነበረ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ሃይማኖት ንባዕሉ ዝኸፍአ ኣረሜናዊ ተግባራት ይፍጽም ምህላዉ ድማ ንምስሉይነት ህግደፍ’ዩ ዘጉልሕ። ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ዘሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ትርጉም ሓቀኛ ህይወትን ትርጉም ምንባርን፡ ሓጎስን ጥዕናን፡ ክብረትን ርእሰ ምትእምማንን፡ ሩፍታን ተስፋን፡ ፍቅርን ስኒትን ከስተማቅር ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ። ብኣንጻሩ ትርጉም ህይወት ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ፡ ምብትታን ስድራቤታት፡ ስደት፡ ጥሜት፡ ስስዐ፡ ብመቁነን መግቢ ምብላዕ፡ ንብዓት፡ ጊላነት፡ ጸልማት፡ ጭንቀት፡ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ጽምዋ፡ ፍርሕን ሻቅሎትን’ዩ። እዚ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ኣነዋሪ ተግባርን ዕንወትን ግን ህዝብና ገደብ ክግበረሉን ትርጉም ሓቀኛ ህይወትን ምንባርን ከረጋግጽ ይግባእ። እቲ እንኮ ፍታሕ፡ ብኣና ንዓና ኮይኑ፡ ካብ 100 ዓመት በጊዕ ሓንቲ መዓልቲ ኣንበሳ ምዃን’ዩ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 25 ሓምለ 2018

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • k.tewolde July 26, 2018

    “ብኣንጻሩ ትርጉም ህይወት ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ፡ ምብትታን ስድራቤታት፡ ስደት፡ ጥሜት፡ ስስዐ፡ ብመቁነን መግቢ ምብላዕ፡ ንብዓት፡ ጊላነት፡ ጸልማት፡ ጭንቀት፡ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ጽምዋ፡ ፍርሕን ሻቅሎትን’ዩ።” This is HGDEF’s brand,this is what it manufactures,packages and ships and that is why people are scrambling to get out of there for sometime and those who can’t looking into the heavens and praying for some miracle to happen.Is prophet Abiy of peace that miracle is yet to be determined.For now it is like the first snow flakes to the parched and dry landscape.

    • Haregot July 26, 2018

      Evil Ghedli has brought the Eritrean (and the Egyptian) shepherd like yourself
      that is (the peasants and the nomads/moslems included) to the lowest destitution
      level never seen in our region history. All your desperation and arrogance is quite amazing!
      Unfortunately, your old Arab sponsors/masters are controlling your pig brain – if you have any!

      • k.tewolde July 27, 2018

        Haregaf,let me rephrase your answer,you slaughtered,maimed,mowed down and burned villages with tanks and armored vehicles,chopped the breasts of a nursing mothers with bayonets,massacred innocent people in their sacred place of prayer……this is where the Eritrean nationhood exploded,how soon did you forget.Stop messing with this incendiary devise.

        • Haregot July 27, 2018

          Empty foreign diQala balloon inflated with desert Arabs filthy garbage sands.
          I am very sad to see an outstanding Ethiopian/Black African Engineer being killed by your type bastard Arabs snakes and I wish you were killed brutally instead of the important family man. Why are you on assenna 24/7 contributing nothing, talkative KEDAMI, what exactly are you supposedly fighting for???

          • AHMED SALEH !!! July 28, 2018

            K ‘tewolde
            Pardon us , our PAPPAGOLLO keep insulting Eritreans . We
            do not know where it came from . Anyway will get rid of this
            noisy bird .

          • Deglel July 28, 2018

            Demented Muslim HARADI MAHAYIM PIMP, are you still hiding and operating from your savage Libyan ISIS deserts where you bloody have been savagely beheading our young Christian Eritreans and Ethiopians men??? Rot in your vicious Islam HELL, Arab slave dog.

  • AHMED SALEH !!! July 28, 2018

    I believe you are in here purposely yo destroy the image of assenna .
    Are you an agent to fight for corrupt
    system in Eritrea or Ethiopia since you hail from Tigrigna speaking blind
    supporters who say ” weyane means
    Tigrai , HGDF means Eritrea ” .
    Smell the coffee , game is over .for WEYANE and next will be HGDF .

  • Gezae July 28, 2018

    Eritrean Oppositions Asked to Leave Ethiopia

    July 27, 2018

    There is one casualty of the rapprochement between Ethiopia and Eritrea: the Eritrean opposition.

    Source: https://www.africaintelligence.com/ion/corridors-of-power/2018/07/27/the-eritrean-opposition-asked-to-leave-ethiopia%E2%80%A6,108318669-bre

    • Sol July 29, 2018

      Gezae, if they don’t leave, the notorious killer with his death squad is thereb to do the dirty job of his boss.

  • AHMED SALEH !!! July 29, 2018

    Gezae
    You sound like an agent of HGDF regime in disguise of justice seeker
    person . You can only fool yourself.
    We are not stupid and we can easily
    identify two faced WOSHLAKHAT.

Post a Reply to Gezae Cancel Reply