Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትምክሕቲ

ትምክሕቲ   ገሪሙና እንታይ ከ እዩ ጉዱ እቲ ትምክሕቱ መሊሱ ገዲዱ ዱቜ ዕረ እምብዛ ገዲዱ ብትዕቢቱ ሃገር ኣዋሪዱ መናእሰይ ኤርትራ ንጥፍኣት ፈሪዱ ዝጠፈአ እንተጠፍአ እንታይ ግዱ ዘሕዝነካ ናይቶም ዝወለዱ፡፡   እስከ ረኣይዎ እቲ ንዕቀቱ ኣብ ጣልቃ ዝኣቱ ሃገር እንዳማቱ ክኾልል ዝውዕል ግራት እንዳማቱ ሰረቕቲ ኢሉዎም ዘይዓሌቱ ዝቆጻጸር ገንዘብ እንዳማቱ ወርቂ

ትምክሕቲ

 

ገሪሙና እንታይ ከ እዩ ጉዱ

እቲ ትምክሕቱ መሊሱ ገዲዱ

ዱቜ ዕረ እምብዛ ገዲዱ

ብትዕቢቱ ሃገር ኣዋሪዱ

መናእሰይ ኤርትራ ንጥፍኣት ፈሪዱ

ዝጠፈአ እንተጠፍአ እንታይ ግዱ

ዘሕዝነካ ናይቶም ዝወለዱ፡፡

 

እስከ ረኣይዎ እቲ ንዕቀቱ

ኣብ ጣልቃ ዝኣቱ ሃገር እንዳማቱ

ክኾልል ዝውዕል ግራት እንዳማቱ

ሰረቕቲ ኢሉዎም ዘይዓሌቱ

ዝቆጻጸር ገንዘብ እንዳማቱ

ወርቂ ብሻ ኣበይ‘ዩ ዝኣቱ

ናይ ጥዕና ኣይኮነን ሓንጐሉ ሲሒቱ፡፡

 

ካብታ መጀመርታ

ሓሸውየ ስበሃል የለን ኣብዚ ቦታ

ብዙሕ ኣይትድከሙ ናይ ቈልዓ ጸወታ

ፓርትታት ዝበሃል ህልሚ ንገምታ

ቅዋም ኣይትሕሰቡ ትኹን ከም ዘላታ

ኤርትራ ናተይ ኢያ ኩላ ብምልእታ

ድላየይ ዝገብራ መሬታ መንግስታ

ላዕልን ታሕትን ትብሉ የብልኩምን ቦታ፡፡

 

ሕጂ‘ዶ ይሕሸኩም ፓርትታት ኤርትራ

ብናትኩም ዝመጸ ናይ ህዝቢ መከራ

ክትባላልዑ ልክዕ ከም እንጀራ

ክጃሃር ክምካሕ ብሳዕባ ኤርትራ

ስውኣት ረሲዑ ዘውጽእዋ ሓራ

ኣፍኩም ከይትኸፍቱ ናተይ እያ ኣስመራ፡፡

 

ጋዜጠኛ ዕርቂ ምስሓተቶ

ብዙሕ ተናዲዱ ከይሃቦ ሪኢቶ

ንኢሳይያስ ሰላም ዝምልከቶ

ሓደ ነገር ኣሎ ዓብዪ ሕቶ

ታሕቲ ታሕቲ ኮይኑ ዝጻወቶ

ኤርትራዊ ዜጋ ዘይገመቶ

ስራሕ ስይታን ዘለዎ ትሕስቶ

ኣንጻር ሰላም ኣሎ ዘበርክቶ፡፡

 

ሕጂስ ፈሊጥናዮ‘ቲ መንገዱ

ክሳብ ክንደይ ብዕረቂ ሰንቢዱ

ተቖጢዑ ብዙሕ ተናዲዱ

ሓዳ ነገር ኣሎ ዘይተፈልጠ ጉዱ

ብዘይ ልቡ ዘረባ ሰዲዱ

ናይ ጥዕና ኣይኮነን እንተዘይዓቢዱ

ክንድ‘ዚ ሃተፍተፍ ተዋሪዱ፡፡

 

ንሰላም ምዅሕኳሕ እንታይ እዩ ዘሕፍሮ

ብኹሉ ይፍትን ጽልኢ ዝመረሮ

ዕረቂ ዘይመሃር ካብቲ ተመኩሮ

ትምክሕቲ ኣይኮነን ነዘለዎ ኣእምሮ

እቲ ዝኸፍአ ግን ግዜ ዘይምህሮ

ብጽልኢ ዝድምድም ታሪኽ ዘይገበሮ፡፡

 

መርዚ ዝመልሓሱ መስጣ ሰብ ይሃብካ

ዝጠፍአ እንተጠፍአ እንታይ ገዲሱካ

ዝኹሉ ትምክሕቲ ንህዝቢ ኪሒድካ

ኣንጻር ኤርትራውያን ዓጢቕካ ኮይኑኳ

ሓደ ነገር ኣሎ ዘጣርጥር ናትካ

እንተደለዩ ይጥፍኡ ትብል ከይሓፈርካ፡፡

 

ግዜ ዘይምህሮ መቐጻዕ መልሓሱ

ብጾቱ ዝውሕጥ ንማሕላ ጥሒሱ

በሊዑ ዘይጸግብ ከንደይ ሰብ ኰሊሱ

ባዕሉ ዝኣጐዶ ክንደይ ደም ፈሲሱ

ሓሶትን ትምክሕትን ሓዋዊሱ

ኢሳይያስ ክፍረድ ስዉእ ተኻሒሱ፡፡

 

ሰሚዕኩም ኢኹም ሚሒሉ

ሓደራ ስውኣት ከምሓጹር ዘሊሉ

ዝ‘ኹሉ ቃልስኹም ዝሃበሉ ኣሉ

ብዙሕ ምስሓንቀቐ ብጣዕሚ ገቢሉ

ኣብ ነንሓድሕድኩም ክትዋናጀሉ

ናጽነት ኤርትራ ናብ ኢዱ ጠቕሊሉ

ብሕጂ ሕሰቡ ፈውሲ ድለይሉ፡፡

 

ክንዲሽሕ ገብረዝጊ——ጀርመን——17.02.2014

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Mesinas February 18, 2014

    ዝኸበርካ ክንዲ ሽሕ፡ ጂን ዝተባህለ ገጣሚ እንታይ ኢሉ ይመስለካ? “እቲ ዝኸፍአ ዕድል ናይ ገጣሚ፡ ሰባት ንግጥሙ ከይተረድኡ ከድንቕዎ ከለዉ’ዩ!” ኢሉ። ሓቁ’ዩ። ንስነ ጥበበኛ ስለ ዝገጠመ ጥራይ፡ ሃብሮም! ይበል ግጥሚ! ኮርዒዳ! ወዘተ> እናበሉ ንግጥሙ ከይተረድኡን ከየስተማቐሩን ከድንቑዎ ከለዉ፡ ብርግጽ ሕማቕ ኣጋጣሚ’ዩ። መሲልካ እንታይ ኣምጻእካ’ዩ። ብልቢ’የ ዚብለካ ክቡር ሓው፡ ካሳዕ ሕጂ ኣብ ሌማት (መቐረብ መኣዲ) ኣሰና ከምዛ ግጥሚ’ዚኣ ጌሩ ዘጽገበኒ ኣይረኸብኩን። ምስ’ዞም ኩሎም ሓያላት ገጠምቲ ደኣ ከየተጻላኣኒ’ምበር ካባይ ጀሚርካስ ከምዚኣ ገጢምና ኣይንፈልጥን’የ ዝብል። ኣዝየ ተመሲጠ። ዓቐኑን (ካብ 10 ስታንዛ ዘይሓለፈ) ኣወዳድቓ ቃላቱን ዝሓለወ፡ ላዛ ዘሎዎ ናዕታ! ክንዲ ሽሕ ሓያል ገጣማይ ኢኻ። በጃኻ ቀጽሎ?

    ሓሸውየ ዝበሃል የለን ኣብዚ ቦታ

    ብዙሕ ኣይትድከሙ ናይ ቈልዓ ጸወታ

    ፓርትታት ዝበሃል ከም ሕልሚ ንገምታ

    ቅዋም ኣይትሕሰቡ ትኹን ከም ዘላታ
    ኤርትራ ናተይ እያ ብምልእታ

    ድላየይ ዝገብራ ባሕራ ምስ መሬታ

    ላዕልን ታሕትን ኣይትበሉ የብልኩምን ቦታ!

    ግዜ ዘይምህሮ *መቐጻዕ መልሓሱ *መርዚ ዘሎዎ ዓይነት ተኽሊ

    ብጾቱ ዚውሕጥ ንማሕላ ጥሒሱ

    በሊዑ ዘይጸግብ ከንደይ ሰብ ኰሊሱ

    ባዕሉ ዝኣጐዶ ክንደይ ደም ፈሲሱ

    ሓሶትን ትምክሕትን ሓዋዊሱ

    ኢሳይያስ ይፈረድ ስውኣት ክካሓሱ!

    ዝኸበርካ ክንዲ ሽሕ፡ ናዕታ ብሓደ ኣካል ኪኸይድ ስለ ዘለዎ፡ ኣብ ቀጻሊ ነዚ ከተስተብህለሉ እላበወካ። ብቐዳማይ ኣካል እንተ ጀሚርካ ብኡ ክትውድእ ኣለካ፤ ብኻልኣይ ወይ ድማ ብሳልሳይ ኣካል እንተ ጀሚርካውን ናይ ግድን ብኡኡ ክትዛዝም’ዩ ዝግብኣካ! የቐንየለይ።

    ሓውካ መሲናስ

  • ERITRAWIT February 18, 2014

    Kubur haw nice one, Isaias kabznegrena neweh eu geru hantey maltey n Eritreawyan zekseb serehw ayfelten bjeka zenew enehelena ka abzey dereja hagerna abzesekf kunetat ala beynu gen aykonen hzbomen hageromn zetfu zelew zegatat whudat aykonun yehzen.

  • Suleiman Salim February 18, 2014

    “ሕጂ‘ዶ ይሕሸኩም ፓርትታት ኤርትራ

    ብናትኩም ዝመጸ ናይ ህዝቢ መከራ

    ክትባላልዑ ልክዕ ከም እንጀራ

    ክጃሃር ክምካሕ ብሳዕባ ኤርትራ

    ስውኣት ረሲዑ ዘውጽእዋ ሓራ

    ኣፍኩም ከይትኸፍቱ ናተይ እያ ኣስመራ፡፡”

    ወዲ ገብረዝጊ

    ፓርትታት ኤርትራ ትብለን ዘሎኻ ኣየኖት እየን? እተን ብሃይማኖትን ኣውራጃን ኤትኒካዊ መበቆልን ዝፈላልያ ኣብ ቱሽቱሽን ኣጥባትን ታስኪናን ዎያነ ሓኪለን ዘለዋ ድየን? በጃኻ ኢለካ እዚ ላግጽን ምሕጫጭን እንተ ገደፍካዮ ይሓይሽ! ወይ ሰብ ደቀይ ለባም ብለባሙ ዶ ይዕሹ እዩ? ወዳጄ ጨለ ፓርትታት ከኣ በለለይ!

    ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብራሃም ኣስመራ ናተይ ኢያ ኢሉ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግን ዋላ እውን ኣስመራ ናተይ ኢያ እንተ በለ ወዲ ኣስመራ ስለ ዝኾነ ዘኽፍኣሉ ኣይኮነን። ኣበሓጎታቱ ንፕረዚደንት ዘሃገረ-ኤርትራ -ዓበይቲ ከም ዝብልዎ – ንክፋላት ናይ ኣስመራ ሰጋዕ ቅሩብ እዋናት ( ኣለኪዕና ንምዝራብ ዘመነ ሓረጎት ኣባይ) ይሓርስዎ ከም ዝነበሩ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። በዓል ጀነራል ስብሓት እውን ደቂ ኣስመራ ጻዕዳ እዮም። እወ ወዲ ኣስመራ እየ፡ ኣስመራ ዓደይ እያ ምባል ነውሪ ኣይኮነን።

    “እስከ ረኣይዎ እቲ ንዕቀቱ

    ኣብ ጣልቃ ዝኣቱ ሃገር እንዳማቱ

    ክኾልል ዝውዕል ግራት እንዳማቱ

    ሰረቕቲ ኢሉዎም ዘይዓሌቱ

    ዝቆጻጸር ገንዘብ እንዳማቱ

    ወርቂ ብሻ ኣበይ‘ዩ ዝኣቱ

    ናይ ጥዕና ኣይኮነን ሓንጐሉ ሲሒቱ፡፡ ”

    ዎያነ ኣብ መቓድሾ ከይዳ ሰብ ትቐትልን ትሓርድን ንስኻ ድማ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብራሃም ብዛዕባ ደቡብ ሱዳን ተዛሪቡ ኢልካ ከብድኻ ሐሚምካ። ኣዚኻ ተሕዝን። በል ከበስረካ፡ ፕረዚደን ዘሃገረ-ኤርትራ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቢሉ እውን ብዛዕባ ናይ ሰልዲ ምጥፍፋእ ኣብ ሓፍቲ ዝኾነት ደቡብ ሱዳን ተዛሪቡ ኔሩ እዩ። ኣርሒቑ ስለ ዝሓስብ ነዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ጸገማት ኣቐዲሙ ኣስተብሂሉሉ ኔሩ።

    ብናይ ቢሻ ዝምልከት ብዙሕ ኣይትሕሰብ ነዓኻ ብቐጥታ ዝምልከተካ ስለ ዘይኮነ። ኣንበሳ ናቕፋን ኣባላት መሪሕነት ኤርትራ ገንዘብ ናይ ምጥፍፋእ ባህርያት የብሎምን። ካብ ቢሻ ይኹን እምባ ደርሆ ዝመጽአ ዘበለ እቶት መንግስቲ ኤርትራ ብጥንቃቐ ኣብ ጥቕሚ ሓፋሽ ከም ዘውዕሎ ዋላ ሓንቲ ጥርጥር የሎን።

    • Asghedom Woldeghiorghis February 23, 2014

      Are you hgdef Mr. Suleman, why you go to wyanie, there are seversl parties even out of addis abeba. Even presidrnt Isyass himself denied any part or different idea outside Hegdef. Why you go to weyanie , do you think that eritreans are always subjected only to outide force, are they not infipendent. Mr. Sulema said it loud you are Hegdef why you get afraid.

  • halengi February 21, 2014

    kindi sheh hikoka gobitu nshebia kitetharef gudaikurbanka giber neta zeigualadeka bealti betka titarefa dika,

Post a Reply to halengi Cancel Reply