Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ታሪኽ ስዉእ ጅግና ሲዒድ ዓሊ ሕጃይ

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዛዕባ ኩነታት ፎርቶ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣብ ዝሃብናሉ እዋን ታሪኽ ህይወት እቲ ኣብ ስርሒት ፎርቶ 2013 ዝተሰውኤ ጅግና ተጋዳላይ ኮለኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ: ከነስዕበልኩም ምዃና ተማባጺዕና ኔርና። እንሆ ድማ ነቲ ካብ ደቂ ኣሃዱኡ

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዛዕባ ኩነታት ፎርቶ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣብ ዝሃብናሉ እዋን ታሪኽ ህይወት እቲ ኣብ ስርሒት ፎርቶ 2013 ዝተሰውኤ ጅግና ተጋዳላይ ኮለኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ: ከነስዕበልኩም ምዃና ተማባጺዕና ኔርና። እንሆ ድማ ነቲ ካብ ደቂ ኣሃዱኡ ዝተላእከልና ታሪኽ ህይወቱ ነቕርበልኩም። ስእሉ ኣሰኒና ክነቕርቦ ኳ ድሌት እንተነበረና ዛጊት ኣይበጽሓናን። ምስ ታሪኽ ህይወቱ ተተሓሒዙ ብዛዕባ ክቕጽል ዘለዎ  ምእላይ ናይቶም ምእንቲ መትከላዊ እምነት ድሕሪት ገዲፉዎም ዝሓለፈ ስድራቤቱን፡ ሃገራዊ ውርሽኡን ዝምልከት ጉዳይ ዘይውንዘፍ፡ ሓባራዊ ሓላፍነት ዘሰክመና እዋናዊ ዕማም ምዃኑ እናዘኻኸርና ድማ ምስ ታሪኽ ወዲዓሊ ንሓድገኩም። ሰናይ ንባብ።

ታሪኽ ስዉእ ጅግና ሲዒድ ዓሊ ሕጃይ

“ጅግንነት ወዲ ዓሊ ኣብ ፎርቶ ኣይተጀመረን፡ እንታይ ደኣ ኣብ ፎርቶ እዩ ተወዲኡ”

እቶም ምስ ስዉእ ጅግና ሲዒድ ዓሊ ሕጃይ ዝደመና፡ እቶም ምስኡ ዝተዋጋእና፡ እቶም ኢድ ንኢድ ኣብ ምድሪ ኤርትራን ስግረ-ዶብን ንጸላኢ ዝመከትና ከም’ቶም ሂወቶም ዝኸፈሉ እቶም ብሂወት ዘለና ንወዲ ዓሊ ናይ ጀጋኑ ጅግና ኢና ንብሎ።

እቶም ዘይፈልጥዎ፡ ብዘይ ሕንከት ብዛዕብኡ ክዛረቡ ዝደለዩ ግን ተስደሚሞም ዝበልዎ ምስ ጠፍኦም “ሓደ ኔሩ ደሓር ከኣ ነብሰ ቅትለት ፈጺሙ” እናበሉ ታሪኽ ናይ ሓደ ጅግና ሃገር ከቆናጽቡ ሰሚዕና። ንሰማዒ ብዘስደምም ዘረባ፡ ብዘይ ኤርትራዊ ቋንቋ፡ ናይ እስላማዊ ጥሩፍ ምንቅስቓስ ኢዩ ድማ ኢሎም ሰምዮሞ። እዚ ታሪኽ ወዲ ዓሊን ጅግንነት ንምብላል በቶም ኣብ ከብዲ ዓዲ ከለዉ ብዋርድያ ባዕዲ መሕብኢ በዓቲ ፈጢሮም ክነብሩ ዝፍትኑ ዘለዉ ዝተዘርበ ስለ ዝኾነ ዋጋ የብሉን። እቶም ወዲ ዓሊ መን ምኻኑ ዘይትፈልጡ ድማ ሓቀኛ ታሪኽ ሲዒድ ንኽትፈልጡ ታሪኽ ሓውናን መቓልስትናን፡ ንሱ ክዛረበሉ ኣብ ዘይክእል ጊዜ ከነቕርበልኩም ሓላፍነትና ስለ ዝኾነ ጊዜ ረኺብና ብሙሉእ ክሳብ እነቕርቦ፡ ንጊዚኡ እነሆ፤

ሓጺር ታሪኽ ሂወት

ብርግጽ ዕለተ-ልደት’ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ካብ 1958 – 1959 ዘሎ ዓመታት ኣቢሉ ኢዩ ተወሊዱ። ዝተወለደሉ ቦታ ካብ ከተማ ኣፍዓበት ብሸነኽ ምብራቕ ኮይኑ፡ ኣብ ወለት ሽከር ዝተባህለት ዓዲ ኣውራጃ ሳሕል ተወሊዱ። ወለት ሽከር ኣብ ሃበሮ ጻዕዳ ትርከብ ኮይና፡ ዝዓበየት ዓዲ ናይቲ ከባቢ እያ። ክሳብ ወዲ ዓሰርተ ዓመት ድማ ምስ ወለዱ ዓብዩ። ወለዱ ብሄረ ትግረ ኮይኖም፡ ስዒድ ካብ ቀቢላ፡ ‘ርግባት’ እዩ። ሲዒድ ቋንቋ ትግረ፡ ቋንቋ ኣዲኡ ኾይኑ ኩሉ ቀቢላዊ ፍልጠት ናይ ከባቢኡ ከም ሓባብ፡ ኣስገደ፡ ማርያ ከምኡ’ውን ሃበሮ ባህልን ልምድን ኣካይዳ ብንእስነቱ ዝተማህረ ባህላዊ መንእሰይ ኢዩ ኔሩ። መባእታዊ ትምህርቲ ቋንቋ ዓረብን መጽናዕቲ ቁርኣን ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ቤት-ትምህርቲ መሓድ ተኸታቲሉ። እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ ስርዓት ሃይለስላሴ ንህዝባዊ ሓይልታት ከምኡ’ውን ንተጋድሎ ሓርነት ንምድምሳስ ተደጋጋሚ ወፍርታት ብኮማንዶ የካይድ ስለ ዝነበረ ሲዒድ ምስ ስድራ-ቤቱ ንሱዳን ተሰዲዱ።

ኣብ ሱዳን ነዊሕ ከይጸንሐ ብዝነበሮ ሃገራዊ ስምዒት፡ በቲ ርሱን ኩነታት ኣብ መወዳእታ 1974 ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ተሰሊፉ።  ኣብ ድሕሪኡ 1989 ምስ ተጋዳሊት ኣብርሃጽየን፡ ብዓልቲ ደንበዛን ከባቢ ዓዲ ተከሌዛን፡ ሕጋዊ ቃል ኪዳን ፈጺሙ። ድሕሪኡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1989 ዮኑስ ዝተባህለ ቦኽሪ ውላድ ረኺቡ። ዮኑስ ወዱ፡ እዋናዊ ሓበሬታ’ኳ እንተዘይሃለወ ኣብ ጋንታታት ናይ ኣስመራን ከረንን ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ስዒድ ንኻልኣይ ጊዜ ምስ በኺታ ዝተባህለት መምህር ሓዳር ጌሩ፡ ብ1997 ተወሳኺት ሓንቲ ጓል ከምዝወለደ ይፍለጥ።

ታሪኽ ገድሊ ስዉእ ስዒድ ዓሊ (ወዲ ዓሊ)

ምንጪ ሃገራዊ ስምዒቱ፡ ቀጥታ ካብ ኣቡኡ ወላዲኡ ዝነቀለ ኢዩ። ብተወሳኺ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነቶም ሓደ ካብ ኣቦታት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ኣቦና ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ብንእስነቱ ከም ዝተራኸበን ናይ ቃልሲ ስምዒቱ ከምዝተነሃሃረን ይንገር። ሸኽ ኢብራሂም ብትውልዲ’ውን ምስ ትውልዲ ስዒድ ዓሊ ሓደ ምንባሩ ሓደ ካብ’ቲ ንመራኸቢ ምኽንያት ዝኾኖም ረቓሒ እዩ።

ድሕሪ ግቡእ ወተሃደራዊ ታዕሊም ምውድኡ ኣብ ቦጦሎኒ 5 ተመዲቡ፡ ቦጦሎኒ 5 እታ ብስዉእ ኢብራሂም ዓፋን ስዉእ ፍስሃየ ወልደገብርኤልን ኣብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ትንቀሳቀስ ዝነበረት ኢያ። ቀጺሉ ዳግመ ስርርዕ (ተኽሊጥ) ኣብ ዝተገረሉ እዋን፡  ካብ ሓይሊ ስዉእ ኢብራሂም ዓፋ ናብታ ሓዳሽ ኣብ ዓላ  ዝቖመት ሓይሊ ብስዉእ ሓሰበላን ወዲ ግርማይ ብ’ይዓኒ’ ዝፍለጥ ተቐይሩ፡ ክሳብ 1976 ከም ዘገልገለ ይፍለጥ። ከም ኩሎም ምስኡ ኣብ’ቲ ጊዜ’ቲ ዝምስክርዎ ብኹሎም ሓለፍቱ ንኡድን ምስጉንን ከም ዝነበረ ይግለጽ። ብስዉእ ኢብራሂም ዓፋን ፍስሃየ ወልደገብርኤልን ብፍላይ ቆላሕታን ምትብባዕን ይግበረሉ ከምዘነበረ ድማ ባዕሉ ይምስክር ኔሩ።

ኣብ ወርሒ 3/1977 ህዝባዊ ሓይልታት ካብ ቦጦሎኒታት ናብ ብርጌድ ዝተሰጋገረትሉ እዋን ስለ ዝነበረ፡ ስዒድ ካብ ቦጦሎኒ 500 ከቢድ ብረት ናብ እታ ብሮሞዳን ኣወልያይ ትምራሕ  ዝነበረት ከቢድ ብረት ብርጌድ 76፡ ቦጦሎኒ 2 ኣብ’ታ ብኣድም በገ ትምራሕ ዝነበረት ሓይሊ 21 ተመዲቡ። ድሕሪ እዚ፡ ኣብ ኩሉ ምሕራር ከተማታት ከረን፡ ደቀምሓረ፡ ባጽዕ፡ ደንጎሎ ውግኣት ተሳቲፉ። ካብቶም መጀመርያ፡ ‘122 ሚሊሜተር’ ከቢድ ብረት ዝተማህሩ ተጋደልቲ ኮይኑ፡ ነተን ኣብ ዓዲ ሓውሻ 4/1978 ዝተማረኻ ከቢድ ብረትን ነተን ኣብ ሓምለ 1977 ኣብ ከረን ዝተማረኻ ታንክታትን ሒዞም ናብ ባጽዕ ናቫል በይዝ ዝተዋግኡ ኢዩ ኔሩ።

ኣብ ምዝላቕ ምስ ከቢድ ብረት ብርጌድ 76 ጸኒሑ ቀዳማይን ካልኣይን ወራርን መኪቱ፡ እቲ ወርሑ ደኣ ብልክዕ ኣይፍለጥን እንበር ብ1979 ንመጀመርያ ጊዜ መራሒ መስርዕ ኮይኑ። ኣብ ሚያዝያ 1980 ምስ ሓሙሻይ ርእሱ ትምህርቲ ታንከኛ ንኽስልጥን ንዒራቕ ተላኢኹ፡ ካብ ሓምለ 7/1984 ክሳብ ናጽነት ኣዛዚ ቦጦሎኒ ኮይኑ ኣብ ብርጌድ 74 መካናይዝድ ኣገልጊሉ።

እቲ ኣዲስ ኣበባ ንምትሓዝ ንሓሙሽተ ወርሒ ብዘይ ምቁራጽ ዝተኻየደ ኲናት፡ ብወገን ህዝባዊ ግንባር ብወዲ ለተን ሰለሙን ራሻይዳን ኣብ ዝምራሕ ዝነበረ ብርጌድ (ታንከኛ፡ ረሻሽን ከቢድ ብረትን ዘጠቓልል) ኣሃዱ መካናይዝድ፡ መራሒ ቦጦሎኒ ከብድ ብረት ኮይኑ ተዋጊኡ። ኣብ’ዘን ዝስዕባ ከተማታትን ገጠራትን ኢትዮጵያ፤ ሃምሲት፣ ባሕርዳር፤ ዱርቤቴ፣ ቻግኒ፣ መተከል፣ ፓዊ፣ ባኮ፣ ኣምቦ፣ ጭፍራ፣ ባር ሸልቆ፣ ኣማኑኤል፡ ወለጋ፣ ግዳ ኪረሙ፡ ነቀምቴ ፍንጨ    ዝተኻየደ ውግኣት ድማ ብትብዓት መሪሑ፡ ተዋጊኡን ኣዋጕኡን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ንኹለን ጋንታታት ከቢድ ብረት መሪሑ ንኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

ሲዒድ ከም ኣዛዚ ቦጦሎኒ፡ ወዲ መድህን ብወገን ወያነ ኣዛዚ ኮር ዝነበረ፡ ኲናት ተዛዚሙ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ንሃገር ኣብ ዝፋነወሉ እዋን፡  መለስ ዜናዊ ዝርከቦም ዓበይቲ ኣዘዝቲ ግንባር ፡ ስብሓት ኤፍሬም፡ ሳሞራ፡ ሓየሎም፡ ናእዳ፡ ጅግንነት ወዲ ዓሊ ተዘሪቡ፡ ምስጋና’ውን ኣቕሪቦሙሉ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ።

እዚ ኹሉ ሓሊፉ ተኣምራታዊ ጅግንነት ተወዲኡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ተዛማዲ ሰላም ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፡ ወዲ ዓሊ ብተደጋጋሚ ናብ ስድራ-ቤቱን ንዓዲን ይመላለስ ኔሩ። ብተወሳኺ ኣብ ግላስ ምስ ገረዝግሄር ‘ውጩ’ ሰሪሑ፡ ኣብ ክ/ሰራዊት 46 ምስ ግርማይ ማንጁስ ከም ሓለቓ ስታፍ፡ ቀጺሉ’ውን ኣብ ትሕቲ ኣስመላሽ ገረዝጊሄር ከም ኣዛዚ ብርጌድ ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ኣብ’ዚ ተዛማዲ ሰላም ዝነበርሉ ዓመታት ወዲ ዓሊ ፍሉጥ ተቓዋማይ ብልሽውናን ዘይጥዑይ ምምሕዳር ሰራዊት ስለ ዝነበረ ተቐባልነቱ ኣብ ዝእዝዞም ሰራዊት፡ ነባራት ተጋደልቲ ይኹን ሓደሽቲ መንእሰያት ኣዝዩ ልዑል’ዩ ዘነበረ። ነቶም ልዕሊኡን መዘንኡን ሓለፍቲ ሰራዊት ጉቦ ‘ብላዕ’ ኣብ ዘዘውትሩሉ ብዘይ ፍርሒ ስለ ዝምክቶም ኮነረላት ይኹኑ ጀነራላት ምስ ወዲ ዓሊ ዘለዎ ኣሃዱ ይኹን ከባቢ ሕማቕ ተግባራት ንምፍጻም ይስከፉ ነበሩ።

ሲዒድ፡ እቲ ኣብ ግንቦት 1998 ዝተኸፍተ ኲናት ሕጉስ’ኳ እንተዘይነበረ ግና ከም እሙን ወዲ ሃገርን ወትሃደርን፡ ኣብ ኩሉ ወራራት ብጅግንነት ተዋጕኡን መሪሑን እዩ። ኣብ’ቲ እዋን ወራር ካብ ዝተሳተፈሎም ውግኣት፡ ዛላንበሳን ከባቢ ጸሮናን፡ እቶም ብዓቢ ክጥቀሱ ዝኽእሉ ኢዩም። ኣብ ወራር ዛላንበሳ ግንባር ሙሉእ ንወዲ ዓሊ ዘይፈልጥ ‘ዋርሳይ’ ይኹን ነባር ተጋዳላይ ኣይነበረን። እቲ ህቡብ ወዲ ዓሊ ኢልካ ምጽዉዑ ከም ልሙድ ተወሲዱ ኔሩ። ኣብ ሓደ ኣኼባ ገምጋም ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፡ ወዲ ዓሊ ታንክታትና እርጋን፡ ብረታትና ድማ ድሕረት ከም ዘለዎ ገሊጹ ኔሩ።

ዝኽርታት ወዲ ዓሊ ብመጋድልቱ

ብጾቱ ንወዲ ዓሊ ክጠቕስዎ እንከለዉ፡ ‘ጅግና ሙኻኑ ርእይ ኣቢልካ እትፈልጦ ሰብ እዩ’ ይብሉ። ገፊሕ ሞንኩብን ገጀፍቲ የእዳውን ዝውንን፡ ቀይሕ ነዊሕ፡ ኣብ ኣከዳድና ብዙሕ ዘይግደስን፡ ጅግና ክነሱ ተራ ሰብ ናይ ምምሳል ተኽእሎ ዝነብሮ ሰብ እዩ ኔሩ። ኣብ ርእሲ እቲ ዝተጠቕሰ ቁመንኡ፤ ሙቕሉል፡ ዋዛን ቁም ነገርን ሓዋዊሱ ዘዘናግዕን፡ ከም ሰብ ፍኹስ ኢልካ  ንኽትቀርቦን ከትዕልሎን ዝዕድም እዩ ኔሩ። ትብዓት፡ ቆራጽነትን ነብሰ ተኣማንነትን ሕልፊ ሰቡ ዝውንን ጅግና እዩ ኔሩ።

ኣብ ትርፊ ጊዚኡ ምስ ሰራዊቱ ምዝንጋዕ የዘውትር ከም ዝነበረ’ውን ይንገር። ኣብ ናይ መወዳእታ እዋን ጅግንነቱ፡ እቶም ኣዝዮም ዝፈልጥዎ ሰባት፡ ወዲ ዓሊ ፎርቶ ምድያቡ ምስፈለጡ፡ ወይ ክትኩስ ወይ ክሳዕ መስዋእቲ ክኸፍል ሙኻኑ ገሚቶም ኔሮም። ከምቲ ዝገመትዎ’ውን፡ እታ ዘይሓረናያ ድኣ ኮይና እንበር፡ ክሳዕ መወዳእታ ነቲ ዝኣመነሉ፡ ንህዝቢ ምክልኻል ዕላማ ክሳዕ መወዳእታ ጥይቱ ስካዕ ዝውድእ፡ ተቓሊሱ ተሰዊኡ።

ወዲ ዓሊ ፍርቶ ክድይብ እንከሎ፡ ምስ ናይ ብዙሕ ጊዜ መቓልስቱን ብጾቱን ዝነበሩ፡ ኣለም መንግስተኣብ (ጉዝዋ) ኣዛዚ ብርጌድ ዓንሰበታይ፣ ኣብርሃም ገብረሚካኤል (ገላዋ)፡ ኣዛዚ ብርጌድ፡ ሰራየታይ፡ ወዲ ከባቢ ዓዲ ኻላ፣ ሃብተገብርኤል (መንግስቱ) ኣከለጉዘታይ ወዲ መረታ፡ ከምኡ’ውን ምስ ብ/ጀ ዑስማን ሳልሕ ሓደ ዕላማ ሒዙ እዩ ደይቡ። እቲ ዕላማ ድማ ድምጺ ህዝቢ ምቅላሕን፡ ንስለ ወጽዓ ህዝቢ ምውፋይን እዩ። እቲ ዕላማ ውልቂ ምልኪ ንምጥፋእን፡ ሕድሪ ስዉኣትን ንምትግባር እዩ። እቲ ዕላማ መሰል ህዝቢ ንምርግጋጽን፡ ንስለ ፍትሒን እዩ ኔሩ። ከምኡ ከምዝነበረ ድማ በቲ ኣብኡ ምስደየቡ ዘቃልሕዎ፡ ‘ናይ ፖለቲካ እሱራት ይፈትሑ፣ ቅዋም ይተግበር ዝብሉ’ መልእኽታት ኣረጋጊጹ እዩ። እንበር ወዲ ዓሊ ነብሱ ፈትዩ ኔሩ እንተዝኸውን ከምእቶም ካልኦት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ንውልቂ ምልኪ እንዳሰገደን፡ ስልጣን ንምኽዕባት ብመሰል ህዝብን ሰራዊትን ክጣላዕ ይኽእል ነሩ።

ጅግና ኣብነት ኮይኑ እዩ ዝሓልፍ፡ ጅግና ከም በርቂ ብልጭ ኢሉ እዩ ዝጠፍእ፡ ጅግና ግና ሓድግን ሕድርን ገዲፉ እዩ ዝሓልፍ፡ ስለዚ ወዲ ዓሊ ብዙሓት ጀጋኑ ገዲፉ ከይዱ ከምዘሎ ዘየጠራጥር እዩ። እዚ መስዋእቲ ወዲ ዓሊ ንኤርትራ ዓቢ ክሳራ እዩ፡ ብቐንዱ ድማ ንቤተሰቡን መቕርቡን ዘይፎሓቕ ሓዘን እዩ። ንስድራቤቱ፡ እግዚሄር/ ረቢ ምጽንናዕ ይህቦም።

ካብ ደቂ ኣሃዱኡ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
45 COMMENTS
  • E. Hassen March 18, 2013

    Well done Asseena. R.I.P wedi Ali. We will never rest until Eritrea is free from a dictator.

  • Hamed March 18, 2013

    Real work that showed the bio was detailed and supported with facts. We have to keep the Wedi Ali dream Alive.

  • Hamed March 18, 2013

    “ጅግንነት ወዲ ዓሊ ኣብ ፎርቶ ኣይተጀመረን፡ እንታይ ደኣ ኣብ ፎርቶ እዩ ተወዲኡ” Aye zereba n jigna zwehab eyu.

  • joseph,g March 18, 2013

    MAY YOUR SOUL REST IN PEACE. THIS IA THE BEGINNING OF THE END.

  • Kalighe March 19, 2013

    ” ሃየ ሕጂ ሕድሪ ዝሓለፉ ብጾትን፥ መትከልን፥ ትልምን ናይቶም ኣብ ትሕቲ መቑሕ እዚ ኣርሜን ስርዓትን ዘለዉ ብጾት ምትግባርን ምፍጽምን ናይ ኩሉ ወዲ ሃገር ግቡእ እዩ። ”

    ሜካ 74

    You are right. Let’s ask also what happened to others who were in Forto with Wedi Ali and we don’t know what happened to them. We should ask where they are and what is happening to them.

  • antonyo March 19, 2013

    MAY YOUR SOUL REST IN PEACE. THIS IA THE BEGINNING OF THE END nska nana hiwet ekawdialinver forget you in my oll life bsem besmab bweld wmenfes kudus whaduamlak amineeeeeeeeee

  • Kokeb Abraham March 19, 2013

    Jigna eba beluley ,,,,,,, Jigna Wedi Ali .. . . ,,,,,,,
    Ade welida timken .,,,,Eway Wedi Ali ,,,
    Eway Wedi Ali ,,, Wedi Ali !!! Eway Wedi Ali ,,,,,,,
    Ata Beaal men eyom etom zitelemu
    Ata beaal men yom zittelemu,,,,,,,,,,
    Ata beaal men yom zittelemu,,,,,,,,
    Himak meaalti wueelom neaka kitelmu
    Nisika Do titillem edom ayisaanu !!!! Edom ayisaanu !
    Nisika do tittilem ,,,, Eway Wedi Ali ,,,,
    Eway Wedi Ali ,,, Eway Wedi Ali ,,,
    Neta Meaalika meaalti alata ,,,, alata ,,,,, alata ,,,
    Alata alata meaalti alata ,,,,,,,
    Tankika Rieeya kithalf tihissa ,,,,, tehahissa
    Ade welida timken natkas nibeyna eya!!!
    Natkas nibeyinu eyu ,,, yebilkan mesali,,,
    Yebilkan Yebilkan meseta yebilkan meseta,,,,,,
    Dimtsika semieeyo ab forto
    mekalih harinet derguihkayooooooo!!!!
    Tankika Rieeya kithalif tehahissa ,,,,,
    tehahissa ember tehahissa ,,,,,
    haweltika tetekila Ab forto
    ! Hiyaw eka hitaw nizeleaalem !!
    Messiluwon ember Nisika do tittilem ,,,
    ewaye nisika do tittilem ,,,,,,,,
    Mengisti higdef Mengisti shefatu edom ayisaanu ,,,, edom ayisanu ,,, edom ayisaanu ,,,
    dem seb setyiom zeytsegibu !!!
    Wediuuwom Jeganuna haharidu ,,,,
    wodiuuwom deleyit Fithi haharidu
    dem seb setyu zeitsegib seytan ,,,,
    dem eshelat settyu zeytsegib sakram uuwwaalla ,,,, hager tetsawitulla !!!!
    Degim yiakil Hizbey telaalu Ab zeleka alike tekaleso mengisti shefatuu yiakloo yiaklllooooooooooo! Niyo bellooooooooooo !!!

    • Awadela March 21, 2013

      Kaleb Great job. Thank you.

  • Negusse haile March 19, 2013

    Abet ewe Jigna wed Ali . abet ewe Jigna . Kemiu win etom misuu zineberu . Eske aserom niketel etom zelena.

    • David March 21, 2013

      Do you want to commit suicide ? Why? Ali was a hero before he made his fatal error. I am very sorry to say that.

  • Kiflom March 20, 2013

    When a patriot dies for a cause to free the downtrodden peoples of Eriteria all those that are alive and have the same goal will stand together to pay tribute to him and to continue the struggle. The FORTO 2013 military operation has got a significant place in the history of the country. Those who did it also get the credit.but they must not be left alone. They have to be defended and every democrat must stand together with them and continue the struggle to send PFDJ’s state to its death bed.This information makes the state and all its “praise-singers” to bow their heads because they have laid and laid to the world community. Stand together and continue the struggle with the YOUTH FOR DEMOCRATIC CHANGE leading the path!!!! No more going back!!! It is a question of “ALL OR NONE”. Let Ali’s soul rest in peace!!!! God/Allah bless his soul! Assenna transmit this message to his comrade-in-arms through your radio service. Thanks for your cooperation!!!!

  • Haji March 20, 2013

    Wedi Ali sembre semka la’ali
    Tarika yezereb alo bealli
    Ay gheba’an nyro sheshey kiblula deki komerti
    Deki bat kewehzo nab ma’serti

POST A COMMENT