Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተጸባዪ ነዳዪ – ቃል ኣሰና

እቲ ምእንቲ ሓርነትን ፍትሕን ስልጣኔን ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈለ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ወግዓዊ ነጻነቱ ካብ ዝጓናጸፍ ልዕሊ 23 ዓመታት ኳ እንተሕለፈ፣ ብስንኪ ጥልመት ናይቲ ስስዐ ስልጣን ሃሙን ቀልቡን ዘዐወሮ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን፣ መጋበርያ ኮይኖሞ ዘለዉ መራሕቲ

እቲ ምእንቲ ሓርነትን ፍትሕን ስልጣኔን ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈለ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ወግዓዊ ነጻነቱ ካብ ዝጓናጸፍ ልዕሊ 23 ዓመታት ኳ እንተሕለፈ፣ ብስንኪ ጥልመት ናይቲ ስስዐ ስልጣን ሃሙን ቀልቡን ዘዐወሮ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን፣ መጋበርያ ኮይኖሞ ዘለዉ መራሕቲ ስርዓት ህግደፍን ጻምኡ ኣይረኸበን።

ብሰንኪ እቲ ውዕል ጠለም ስርዓት፣ ኣብዘን ዝበዝሓ ዓመታት ናጽነት፣ ሃገርና፣ በንጻር ‘ቲ ህዝቢ ኤርትራ ሃረር ዝበሎ፣ ዓለም ‘ውን ዝተጸበየቶ፣ ኣብነት ኣፍሪቃ ዘይኮነስ ፍጮ ኣፍሪቃ ኮይና ክትሕመን ክትውቀስን ጸኒሓ ኣላ።

ግፋን ማእሰርትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን፣ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ሱር ዝሰደደ ጊላነት፣ ምረት መነባብሮን ድኽነትን ገኒኑ ምንጪ ስደትን ህልቂትን ዜጋታትና፣ ብሕልፊ ድማ ብኽነት ኤርትራውያን መንእሰያት ኮይኑ፣ ብዘይ ባንዴራ እንሕበን ዝነበርና ህዝቢ፣ ዝሰቐልናያ ባንዴራ መለሳ ተሳኢኑዋ፣ ኣይ ሶል ኣደራዕ ኣይ መሐበሲ ንብዓት ኮይና ምስ ተረፈት፣ ድሕነት በየን ከምእትርከብ፣ ብኸመይ ከምእትመጽእ ብዓድን ግዳምን ኣርሚሙና ኣብ ካልኣይ መግዛእቲ ቀንፈዘው ክንብል ንርከብ ኣለና።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ እምነቱ ብጥልመት ተወሪሱ ዕድሎት መራሕቲ ኣብ ርእሲ ምስኣኑ ንህዝቢ ኤርትራ ጠፊኦሞ ካብ ዘለዉ ሞራላዊ ጸጋታት ሓደ ርእሰ ምትእምማን ኣጥፊኡ ተጸባዪ ኮይኑ ምህላዉ እዩ። መዛርዕካ ፈቲሕካ ትጽቢት ግን ንድየት እምበር ዓወት ከምዘይወልድ ግን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንላዕሊ ዝተመኮረሉ የልቦን።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ያታና ዝነበረ ንሽግር ገጽ ንገጽ ብቓልሲ ገጢምካ ባዕልኻ ጸገምካ ናይ ምፍታሕ ኣመል በዅሩና፣ ንርእስና ንስደት መፍትሒ ሽግር ጌርና፣ ሃገራት ኤውሮጳ ወይ ኣመሪካ ብዛዕባ ሃገርና ዝዛረባኦ ቴርሞሜትር ተስፋና ኮይኑ ሓንሳብ ከተስፍወና ሓንሳብ ከቕብጸና ክርአ ኸሎ ድኻምና ንቡር ተሳኢኑዎ ከምዘሎ ዘምልክት እዩ።

እንተኾነ፣ ንሕና ደኣ ኢና ጠባይና ቐይርና ዘለና እምበር፣ እዘን ሃገራት እዚኣተን፣ ጠቕሚ ከምዝቕልሰን፣ ረብሓአን እምበር ረብሓ ህዝብታት ከምዘየቐድማ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቓልሲ እንፈልጦ ዝነበርና ጉዳይ እዩ። ሕጂ ‘ውን ዝተቐየረ ነገር የልቦን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ዝቕባበ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ‘ኳ እንተሎ፣ ነዘን ሃገራት እዚኣተን ካብኡ ንላዕሊ ብልጭልጭ እናበለ ደሚቑ ዝረኣየን እቲ ዝርካቡ ማዕድናዊ ሃብቲ እዩ። ዝብላዕ ኣሎ እንተተባሂሉ፣ ብቐይሕ ቀለም ን 10 ዓመታት ዝጸሓፍኦ ጸብጻብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሓደ መዓልቲ ዓጺፈን፣ ድሪል ሒዝካ ምውፋር ዘጸግመን ኣይኮነን። ሎሚ ቕነ ልኡኻት ዓዲ እንግሊዝ ነዚ ከቋምቱ እዮም ኣስመራ ቀንዮም።

ስለዚ ነቲ ሒዝናዮ ዘለና ዕላማ ለውጢ ክድግፋ ከለዋ ሳምቡእና ክንፋሕ፣ ሸለል ክብልኦ ልብና ክሞሉቕ የብሉን። እቲ ብቐዳምነት ክነተኵረሉ ዘለና ናይ ገዛእ ርእስና ዓቕሚ፣ ድሌትን ተወፋይነትን እዩ።

መንግስቲ ደንማርክ ኣብ ኤርትራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣሎ ወይ የለን እንተበለ ወይ ከኣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገበናት ዝጽብጽብ ናይ መርመራ ኮምሽን እንተቖመ ብዙሕ ፍልልይ ኣይገብርን እዩ። ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ተመኵሮ ተመርኵስና እንተመዘናዮም ‘ኳ፣ ካብዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ካብ 2009 ኣትሒዙ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተበይኑ ዝጸንሐ ‘ሞ ፋይዳ ዘይነበሮ እገዳ ዘይዓብዩ ስጉምታት ዝተጋነነ ትጽቢት ክንገብር የብልናን። ከከም ዓቐኖም ተወሳኺ ጽልዋ ጥራይ እዩ ዘለዎም።

ከምቲ ኣብ ናይ ሎሚ ዜና ዝተኸታተልኩሞ፣ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሺር ጸኒዑ ዝጸንሐ መጸዋዕታ ፍርዲ ፍረ ኣልቦ ኮይኑ ድሕሪ 5 ዓመት ምውጋኑ ‘ውን ተወሳኺ ኣብነት እዩ። እዚ ስጉምቲ እዚ ንጽህና በሽር ዘይኮነ ሞራላዊ ድኻም ማሕበረሰብ ዓለም እዩ ዘመልክት። ስለዚ ሓይሉ ህዝቢ ወሳኒ ምዃኑ ደጊሙ ክስቆረና ኣለዎ።

ኣብ 1991 ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ምስተጓናጸፈ ኣብ 1993 ናይ ዮሃና መልእኽታት ካብ ዝሰደዳ ሃገራት ዓለም ብውሑዱ ልዕሊ 95 ሚእታዊት ምስ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝደናገጻ ከምዘይነበራ እንተዘኪርናዮ፣ ድሌት ሓደ ህዝቢ ኣብ ባይታ ንዝተኸሎ ዕላማ ነቓሊ ከምዝይብሉ ዝምስክር ጭቡጥ ኣብነት እዩ። ተወፋይነት ንዘለዎ ህዝቢ ዕላምኡ ካብ ምውቃዕ ዝዓግቶ ሓይሊ የልቦን። ከሳሲ ፈራዲ፣ ነቓሊ ተኻሊ ህዝቢ ባዕሉ እዩ። እንተኣንቂዱ ዓጋቲ የብሉን። ኣብ ገዛና ዓንዲ ማእከል ንሕና ኢና። ስለዚ፣ ካብ ተጸባይነት ተላቒቕና ከም ህዝቢ ርእሰምትእምማንና ነሐድስ።

 

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

15 ታሕሳስ 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • Tess December 15, 2014

    Grm hateta bhaqi ysemamae bzhufka Amanuel.

  • rezen December 15, 2014

    “እቲ ብቐዳምነት ክነተኵረሉ ዘለና ናይ ገዛእ ርእስና ዓቕሚ፣ ድሌትን ተወፋይነትን እዩ።”
    “ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!
    ኣማኑኤል ኢያሱ
    15 ታሕሳስ 2014”
    ———————————–
    Mr. Amanuel Eyassu,

    Dear Sir,

    I believe, without exaggeration, you are in the top level of those who have intimate knowledge about Eritrean society and history. And so, I stand to be corrected gladly on what I am about to write.

    Eritrea has been inflicted for many generations by the debilitating cancerous diseases of religion, region, racism,identity and, to top it off, with the greatest deception that was ever perpetrated by its own off-springs in the name of “liberation”! Over three-hundred-thousands Eritreans perished, and the country was completely devastated during that deceptive 30-year war. It is unparalleled historical deception, in my opinion.

    With the above background, your heart-felt and noble advice “እቲ ብቐዳምነት ክነተኵረሉ ዘለና ናይ ገዛእ ርእስና ዓቕሚ፣ ድሌትን ተወፋይነትን እዩ።” must be taken against historical facts and societal current destructive behaviour, which includes the modern educated elites of the highest educational level that the Western Academics can bestow upon. The disgraceful behaviour of Eritrean Diaspora is a glaring example of dysfunctional characteristic.

    You concluded your article by these noble words: ““ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!”. With the heart-breaking historical background, up until the present time, those four words can only remain as a reflection of a wishful thinking. With sadness, let me rephrase a title of a book, written by an African Lady, by replacing one word: “What if [Eritrea] refuses to develop ?“

    Finally,let me take this chance to:
    a) express my admiration for your extraordinary activities;
    and
    b) THANK you and the demo.archive.assenna.com management for the provision of a free Internet platform upon which readers can freely express their ideas and opinions etc. – though the privilege is abused from time to time by a few!

    With best regards

    • Meretse Asmelash December 16, 2014

      Dear rezen,

      “እምቢ እንተበለትከ?
      እምቢ ንምዕብልና፡ እምቢ ንለውጢ፡ እምቢ ንደሞክራሲ፡…. እምብላይ ኣታ፤ እምብለይ ኣቲ.. እንተበለትከ?”
      ኣየውርድ!!!
      እንተዎሪዱከ? መቃብር ኣቦ ትፍሕር። ከምኡ ይመስለኒ።
      nice to hear from you.

      • rezen December 16, 2014

        Dear Meretse,

        The pleasure is mine to hear from you. I will always admire your prose. By the way, I enjoyed your exchanges with Mesinas whom I also admire. It was refreshing to see the exchange of ideas in a civilized and respectable manner — always mindful of the end result for the benefit of the nation. It is sad to see participants on the Internet with blinkers and expecting all others to be their clones – if not alas a shower of savage name-callings falls on the victims to the point of being striped of their identities by remote control!!! I better STOP – and go to your delightful observation

        እምብላይ ኣታ፤ እምብለይ ኣቲ.. እንተበለትከ?”
        ኣየውርድ!!!
        እንተዎሪዱከ? መቃብር ኣቦ ትፍሕር። ከምኡ ይመስለኒ።

        Fantastic! It says it all i.e. the consequence of adamant refusal to face reality. And what a humble ‘semicolon’ of an idea >>> “ከምኡ ይመስለኒ”. I call it ‘semicolon’ because it is not an end by itself, but leaves the door open for others to join if they so wish – just like a sentence structure. I love good writings as a nourishment to my gift of nature: My Little Brain. I think, I said enough.

        May we all look ahead for a pleasant Holiday Season and productive New Year – 2015.

        • Meretse Asmelash December 17, 2014

          Dear rezen,
          Firs, allow me to go back and say a few words about one of the most important thesis that you raised: “What if [Eritrea] refuses to develop ?“ I hope I’m wrong, but our core problem seems caved deep inside it. What do we (people) want. Have we made our minds on what we really want regardless what happened in the past? Unless people are dared to openness, honesty, compassion, unselfishness and have the will to implement it we will definitely keep marching around the circle.
          Re: your encouraging thoughts are way beyond me and of course it is the opposite. Honestly, I always learn a lot from your short quotes.

    • THE NOBLE TEACHER December 16, 2014

      Rezen the Great ,

      I share your respoect for Amanuel Iyasu and I consider him true Tegadalai not for the time he spent in meida (to the contray)..for the bitter struggle he is rendering all his reputation ,soul & time.And your message though polite was not lost in translation .You know how to put things in Prospective .

      Stay brilliant as always
      Uncle SYE

      • rezen December 16, 2014

        Greetings! THE NOBLE TEACHER,

        Thank you for the kind words. The ultimate goal is to exchange ideas freely, without malice to any one, for the benefit of the Eritrean people – regardless of demeaning parochial matters. Such a goal can NEVER be achieved unless:

        a) everyone is free to express divergent views without being intimidated based on debilitating parochial matters;

        b) honestly, face and accept the TRUTH of the past history of Eritrea NOW, without any reservation; and

        c) develop, as a consequence of b), a clear road map for the benefit of the Eritrean people as a cohesive whole — not fragmented by parochial matters.

        If not, in an interdependent world, the destiny of Eritrea would be shaped by external forces — sadly, as always.

        May the New Year 2015 bring a sane resolution to the Eritrean problem by the Eritrean people for the benefit of the Eritrean people as a whole. We shall see!

  • ኢande December 16, 2014

    ዕድመ ህግደፍ ስራሕ ሓንቲ ረፍዲ ኢያ፡ ኣስላማይ ካብ መስጊዱ ቐሺ ካብ ቤተ ክርስትያኑ ሰበይቲ ካብ ገዛኣ ተመሃራይ ካብ ቤት ትምህርቱ ብሓደ ረፍዲ ኣብ ጎደና ባሕቲ መስከረም እንተወጺኡ ኣብ ውርጻኢ ድማ ንቆንስላት እንተወሪርካ ተውዲኡ ስራሕ ሃየ ንጋየ

  • Truly Truly i say to you December 16, 2014

    መሳኪን ኢሳያስን ዑመር ኣልባሽርን ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝበልኹኩም “ኸልቢስ ናይ እዝኑ ስጋ ቆሪጽካ ምስትሕቦ፡ ናይ ካልእ እንስሳ ስጋ ዝረኸበ ስለዝመስሎ ብኣቢ ሽውሃት ይበልዖ” ኢለ፣ እዞም ናይ ሰብ ኣዕምሮን ሕሊናን ዘይተኣደሉ ካብ እንስሳ ዘይሕሹ ፍጥረት ከኣኒ፣ ብሚኢቲ ኣሽሃት ዝቁጸር ሕዝቦም ኣጽኒቶም፣ ብሚልዮናት ዝቁጸር ሕዝቢ ከምዘዘናበል ገሮም፣ እቲ ሃደ ዳርጋ ሲሶ ሀገሩ ንክግንጸል ከምመሳርሒ ምኽንያት ኮይኑ ከብቅእ፣ እቲ ካልኣዩእ´ውን ብቀደሙውን ካብታ ዘላትና ንእሽቶ ሀገር፡ ነቲ ገለ ዶባትና ከምዝዝመት ገሩን ዳርጋ ሲሶ መሬትና ካብ ኢድና ከምዝውጽእ ገሩ ከብቅእ፡ እቲ ከባቢ እንታይ ኣይነት ወንጀል ይፍጽመሉ ኣሎ ንክንቆጻጸሮ ዕድል ከይረኸብና ኣብ ሃደጋ ኣውዲቁ ሸሚምና እንከሎ፣ ብዛእባ ኣይናይ ዝተረኸበ ዓወት ንኢሳያስ ኮነ ንኣል በሽር ይዝረበሎም ኣሎ ነኣይ ጨሪሱ ክርድኣኒ ኣይከኣለን። ኣንቱም ሰባት! ሎሚ ኣል በሽር፣ ነቲ ኣብ ልእሊ ሕዝቡን ሃገሩን ዝፈጸሞ ገበንን በደልን ከይኣጠጦ ፣ ናይዚ ዓለም ገዛእቲ ብዛእባ እቲ ዝተገንጸለ ደቡብ ሱዳን መሊሱ ይግባይ ንከይሓትት ብጥበቦም ከም መሰናበዲን መድሃሊን ነቲ ዝበየኑሉ ብናይ ውግእ ወንጀል ናይተሃታትነት ገበን፣ ነቲ ዝደለይዎ ሽቶ ወቂዖም ምሰብቅኡ፣ ሎሚ ካብ ገበነኛነት ነጻ ኢኻ እንተበልዎ፣ ከመይ ገሩ እዩ እዚ ከም ዓወት ዝቁጸርን ጥሩንባ ዝንፈሃሉ? ኣነ ርግጸኛ እዬ ኢሳያስውን መሳርሒ ኮይኑ ምሰብቀዕ፣ ከምቲ ሃውና ኣማንኤል ዝገለጾ ማለት ነቲ ገና ብደይተሃታትነት ፍትሕን ግልጽነትን ንዘዘምቶ ዘሎ ሃብቲ ሃገርና ኣዘሚቱ ምስወደዕ፣ ንእኡውን ምእንቲ ዝተዓወተ ኮይኑ ንክስምኦ ነቲ ብቅደምውን ናትና ዝነበረ ግዝኣት ባድመ ተኣዊትካ ኢኻሞ ብድሕሪ ሕጂ ኢትዮጵያ ነቲ ዝተበየነ ፍርዲ ንክትቅበሎ ከነገድደልካ ኢና ምባሎም ስለዘይተርፍ ነዚ ደጊሙ ከም ኣቢ ዓወት ከምዝተረከበ ብምእዋጅ፡ ከበሮ ክዉቅኣሉ ከምዝገብር ኣይትጠራጠሩኒ። ግናስ
    ንኣና ከም ሕዝቢ እተን ኩለን ኣሃትና (ሓብቲ ሃገርና) ተዘሚተን ምስተወደኣ ኢሳይስ ኮነ ኣል ባሽር ብሕጂ ብቅትለት ሕዝቢ ክም ገበናኛ ኣብ ቤት ፍርዲ ዓለም ኣይጥየቁን እዮም ተተበሃለ፡ እዚ ከመይ ገሩ እዩ ንሕዝቢ ኤርትራ ኮነ ንሕዝቢ ሱዳን ከምዓወት ዜና ኮይኑ ክቀርብ ዝክእል? ንምዃኑ ኢሳያስ ድሕሪ እቲ ኩሉ ውርደትን ስእረትን ከይሃነከ ነቲ ዝተሰኣሮ ውግእ ከምዝሰዓረን ንባድሜ ከምዝተኣወተን ገና ድሮ ኣዊጁ ከበሮ ኣደሲቁ ከምዝነብረ ዘይዝክር ዘሎ ኣይመስለንን። ክቅጽል እዩ

  • ERITRAWIT December 16, 2014

    Yes Amanule,Ab af mot zelena hzbey alem mstekeberna ena kmesana hjey eu satew. Isaias ms maltey eu zkedadem zelo haye nhna ka balna nezey z-amenawo zkahadena balna ena haghegna nelgso.

  • Truly Truly i say to you December 16, 2014

    part 2
    ኣንታ ትሩሊ እዚ ኹሉ እንታይ ንምባል እዩ ተልኩምኒ፣ እቲ ቀንዲ ከመሃላልፎ ዝደለኹ መልእክቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ። ነቲ ጎይታና እየሱስ ክርስቶስ ንቅኑእ ዕላማ ከምዚ ኢሉ ዝሃቦ ትምሕርቲ፦ብዙሕ ኣይኒ ዝገልጽ ፍልጠት ስልዝኾነ ኽጠቅስ እዬ
    ” ሓደ እኳ፡ ቅድም ነቲ ሓያል እንተ ዘይኣሰረ፡ ናብ ቤት ሓያል ኣትዩ ገንዘብ ኺብዝብዝ ዚኽእል የልቦን።” ኣብ ወንጌል ማርቆስ ምዕራፍ 3 ፍቅዲ 27 ዝበለ
    እቶም ናይዚ ዓለም ገዛእቲ ከኣ ከመይ ገሮም ነቲ ጎይታ እየሱስ ንሰናይ ዕላማ ንዘምሃሮ ትምሕርቲ ገልቢጦም፣ ነቶም ብሕሱም መግዛእቲ ኣብ ልእሌና ንክስልጥኑ ብውልቆም ንዝተሾሙ ድኹማትትን ኃያላንን ጨከንቲ ውልቀ መላኽቲ መራሕቲ ብጥበብ ኣቀዲሞም ዲህልካ ብምእሳር፣ነቲ ናይ ሀገር ሃብቲ ብጥበብ ይዘምትዎ ከምዘለዉ ንምግላጽን እቲ ኣብልእሌና ዝተበየነ ግናስ ተባራዊ ዘይኮነ ናይ ዕገዳ ሜላ ትርጉሙ እንታይ ከምድኾነ እግረመገደይ ከብርሃልኩም ስልዝደለኹ ጥራይ እዩ።
    ተስፋ እገብር እቶም ለባማት እንታይ ንምባል ከምዝደለኹ ተረዲእኩምኒ ከምትኾኑ። ንምዃኑ ብእንግልዘኛ ክጽህፎ ተዝኽእል ነሩ ቁሩብ ምሃሸ ነሩ መስለኒ። ምኽንያቱ እዞም ገለ ጠንቃማት ዝርድኡን ዘይርድኡን ሰሚኦም፣ ነቲ ቃለይ ብምጥምዛዝ ገለ ሽግር ከየምጽኡለይ ። ንምዃኑ ብትግርኛም ስለዝተጸሓፈ ኣይርድኡኒን እዮም ምባል እሽነት ከምዝኾነም ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ። ግናስ ጎይታይን መድሓኒየይን እየሱስ ክርስቶስ ስለ ሓቂ ኢልኩም
    ” ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከኣሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር፡ ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ፡ ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይከኣሎም ኣይትፍርህዎም” ስለዝበለ ስለህዝበይ ኢለ ሃቒ ተዛሪበ ተተበደልኩ ኾነ እንተሞትኩ ጎይታይ ዘኽበርኩ ኮይኑ ስልዝስምኣኒ እንበር። ንምዃኑ ኣይኮነን ምስተቃወምቲ ምስ ወያኔ ኮነ ምስ ሕግደፍ መንደፍ ሰባት ኣብዝተራኸብኩሉ እዋን ነቲ ዝኣምነሉ ሃሳብ ብጀካ ምግላጽ፣ ፈሪሄ ወይ ምሰ ሰብ ክመሳሰል ኢለ ንሓቂ ብምእባጥ ብዙህ ከምዝይኮነለይ እቶም ዝፈልጡኒ ይፈልጡኒ እዮም። ብብእር ሽም ምጽሓፈይም ፈርሄ ወይ ሃፊረ ከምደይኮነ በዚ ኣጋጣሚ ምግላጹ ኣድላዪ ይመስለኒ።

  • ERITRAWIT December 16, 2014

    Truly,
    Sorry you message is been separated. You are doing great we are here to learn.

  • AHMED SALEH !!! December 16, 2014

    The message of the above article based on reality learned from our past experience invites us
    to open our eyes and to evaluate the weak points which hold us back .
    Foreigners do not have an interest to get involved on our sociopolitical affairs . And those
    representatives who visit the country are in competition to have access on the country national
    resources . As Amanuel put it , we must recognize the required obligation to bring radical change solely depends on Eritreans willingness . To expect handouts from strangers make a society weak
    and dependable . The way PFDJ administer the country , our people fell on dire need of assistance
    regardless the gained wealth from GOLD and else . The dream for miracle to happen lead people for
    dormant state of mind but in contrary action rejuvenate mental strength and morality level .
    I hope the nonsense reality short lived to see our people in peaceful environment like all of us
    in diaspora .

  • Dawit Meconen December 16, 2014

    Amaniel Eyasu,

    Yes, the precondition for hour victory against the usurper is Unity born out of complete freedom from any dependency on any foreign country or organization that has ulterior motive.

    However, you know as well as I do, that is the heart of the problem of which the Eritrean cause has been suffering , and the reason the usurper has been inflicting atrocities on our people without any fear of retribution.

    large part of the Eritrean opposition are totally dependent on woyane, not only for handouts but also for ideas of what to do, what not to do etc. This dependency on woyane is despite woyane’s clear agenda of undoing our Sovereignty as attested by its declared Manifesto and its continued occupation of our territory in breach of International Law.

    May be the oppositions are blinded by woyane’s handouts and treacherous forged tongue but it is extremely transparent that they are being manipulated not to be more than a mere symbol, of which its main weapon is weakening their unity by sharpening secondary contradictions along regional, ethnic and religious lines.

    However, no one should forget that the core of the addis abeba based opposition is the Abdela Edris group, which, since 1981, has been working in collusion with successive Ethiopian rulers to divide Eritrea into Christian and Islam Bantustans.

    Amaniel Eyasu,

    Your radio can play a positive role by exposing the problem.

  • Simon G. December 16, 2014

    ትጽቢት: ናይ ድኹማት
    ትጽቢት: ናይ ልሙሳት
    ይገብረካ: ናይ ሓንጎል ድኻታት
    ኣየ ትጽቢት: ጸረ ሃገር ጸረ ዜጋታት

    ትጽቢት ካብ ካልኦት: ቀንፈዘው ኣቢሉ ዝቐትል
    ኣየምህር፥ ኣየስርሕ፥ ኣየ ማዕብል

    ናትና ጸገም: ንሕና
    ንጸገም ፈጠርቲ: ባዕልና
    ንካልኦት ክንህቦ ፈቲንና

    ጸገምና: ሃጢሩ ሰዊዱ
    ኣይሰረሐን: መሊሱ ‘ኳ ገዲዱ
    ‘ቲ ዓሻ ኳ ‘ታይ ልዎ: ትለባም ግን ሰንቢዱ

    ስለምንታይ ግን: ስለምንታይ?
    ክንዲ ንመሓየሽ: ንድሕሪት ከም ሽንቲ ብዕራይ

    ከምዝመስለኒ: እቲ ጸገም
    ምስ ኣእዛንና: ንጸምም
    ንሕድርና ንጠልም
    ዓዲ እንዳሞተት
    እንዳንቆልቆለት
    ሸተት እንዳበለት
    ንምካሕ: ኣዝያ ከምዝማዕበለት

    ሕጅውን ግዜ ኣለና
    ንተስእ፥ ንበል ኣለና
    ንግደፎ ምባል መን ከማና
    ንረደኣዮ እቲ መእለያ ዘይብሉ ጉድለትና

    ነድሕና ሃገር ካብዚ ዝብኢ
    ንዳሎ፥ብግብሪ ነርኢ
    ጌጋ ናትናዩ፥ ንፍለጦ
    ሽዑ ጥራይ ኢና: ዕድልና ንግልብጦ
    እዚ ዘለናዮ
    ምሽ ዶ ፈታዊናስ: ጸላኢና ኳ ኣይርኣዮ

    ዘውድቐና ዘሎ: ትዕቢት ኣብ ጥራይ መዓኮር
    ትምክሕቲ: ጸብለልትነት: በጺሑ ኣብ ጠፈር
    ብዘይ መንኮራኩር
    ሓፍ ኢልካስ ኣብ ሰማይ ጥር

    ንእመን: ድኻታት ምኻና
    ደናቁር ናይ ዘመንና
    ስንኩፋት: ስንኩላት ኣእምሮ
    ናይ ግዜና ዜሮ
    ዝጎድሎ ምበር ዘይድመሮ

    ሓፍሓፍ ኣይንበል
    ጉድለትና ንቀበል
    ዓቕምና ንፍለጥ: ካብ መሰረት ንጀምር: ሀ ንበል
    እሱ ተዘይሰረሐ፥ ብድሕሪኡ ተጎምቢሕና ንማህለል
    መሓረና ንበል

POST A COMMENT