Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተጋ/ የማነ ተ/ገርግሽ “ኣብ ዘይመዓልትኻ ኣይምወትን`ዩ”

ተጋ/ የማነ ተ/ገርግሽ "ኣብ ዘይመዓልትኻ ኣይምወትን`ዩ" ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ተጋ/ የማነ፤ ከመዮ ዝበልካዮ ንሓደ መዓልቲ ዘዋግእ ብረት ተጸሚዱልካ፤ብለይትን ቀትርን፤ብሰብኡትን ኣንስትን ተሰሊኻ፤ብዘየድምጽ ብረት ኣልግብ ኣቢሎም ከቃብጹኻ`ሞ ንዘልኣለም ምስ ምስጢራትካ ተቀቢርካ ንኽተርፍ ዝተጻውደ ኮንቱ ዕጥቂ መኺኑስ፤ ሃንዳሲ ቅትለትካ ብተመሳሳሊ ናይ ይቀተል

ተጋ/ የማነ ተ/ገርግሽ

“ኣብ ዘይመዓልትኻ ኣይምወትን`ዩ”

ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ

ተጋ/ የማነ፤ ከመዮ ዝበልካዮ ንሓደ መዓልቲ ዘዋግእ ብረት ተጸሚዱልካ፤ብለይትን ቀትርን፤ብሰብኡትን ኣንስትን ተሰሊኻ፤ብዘየድምጽ ብረት ኣልግብ ኣቢሎም ከቃብጹኻ`ሞ ንዘልኣለም ምስ ምስጢራትካ ተቀቢርካ ንኽተርፍ ዝተጻውደ ኮንቱ ዕጥቂ መኺኑስ፤ ሃንዳሲ ቅትለትካ ብተመሳሳሊ ናይ ይቀተል ብይን ቀዲሙካ ክቅተል ምርኣይ ወዲ ሰብ ኣብ ዘይማዓልቱ ከምዘይመውት ዘረጋግጽ ሓቂ`ዩ። እቲ ነፍስና  ክትእመነሉ ዘይትደሊ ሓቂ ! ።

ኩቡር የማነ፡ ክትሰማማዓኒ ተስፋ እናገበርኩ፤ ብወገነይ ነዚ ዘቅረብካዮ ናይ ታሪኽ ቃለ-ምስክር ከይሃብካ እንተትመውት (እንተትቅተል)`ዩ ሞት ዝቁጸር ነይሩ። ሕጂ`ውን ፈጣሪ ዕድመን ጥዕናን ሂቡካ ነዚ ቃለ-ምስክር ብስምካ ክትስንዶ ብዙሕ ተስፋ እገብር።

ንቃለ-ማሕተትካ እናተኸታተልኩ። ንሓድሽ ውሳኔ ኣብ ጉዕዞ ቃልስኻ ይኹን ኣቅጣጫኻ ንምንጻር ዝደረኸካ ተርእዮታትን ትዕዝብትን ክትገልጽ እንኮለኻ ቅንዕናኻ ጎሊሁ ተራእዩኒ`ዩ። ብቁዕ ሰብ ማለት`ኮ ኣብታ ኣብ ጌጋ ምህላዉ ዝተገንዘበላ ግዜ ደው ኢሉ ሓሲቡ ጉዕዘኡ ዘስተኻኽል`ዩ። ዘንእደካ`ዩ።

ብተወሳኺ፤ ካብቲ ደስ ዘብል ኣቀራርባኻ፤ እቲ ንሃገርካ ንህዝብኻ ዝተመነኻዮ ነጻነት ብኻብ ኢድካ ወጻኢ ብዝኾነ ምኽንያት ክረጋገጽ እንተዘይተኻእለ ኣብ ነፍስኻ ግና ከምዘውዓልካዮ (ከም ዘንጸባረቅካዮ) ንዘተኮረ ሰብ ጎሊሁ`ዩ።በቲ 2ይ ገጽ ናይ ቃልስና ታሪኽ ዝኾነ ታሪኽ ተሓኤ ብዙሕ ክትከታተሎ ዕድል ዘይረኸብካ ተረክቦታት ከም ዘሎ ንብዙሓት ተጋደልቲ ጀብሃ ብሩህ`ኳ እንተኾነ፤እዚ`ውን ብዘየገድስ ኣብ ጀብሃ ድዩ ኣብ ሻዕብያ ከምኡ`ውን ኣብ ሃገር ኤርትራ ዝተፈጸመ ታሪኽ ሕማቁን ጽቡቁን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ`ዩ።

ነቲ ብጻይካ እናተበደለ ካብ ቅድሚ ዓይንኻ እናተሰወረ፤ እናተቀንጸለ …………. ኮታ በደልን ሃስያን እናረኤኻ ዓገብ ዘይምባል ዘይምሕታት ዘይምጽራይ …………  ክሳብ`ታ ካራ ኣብ ክሳድካ ትትከል ምጽባይ ዘገረመካ ባህሪ ምዃኑን ከም ህዝቢ ዝተዓደለና ባህሪ ከይከውን ከጠራጥረካ ዝቀረበ ኾይኑ ተሰሚዑኒ፤ብወገነይ እቲ ተርእዮ`ቲ በቲ ኣብ ሻዕብያ ዝነበረ ስልቲ ኣሰራርሓ ዝተፈጥረ ማሕበራዊ ከባቢ (ቢኣ)ዝወለዶ፤ ብምስፋሕ ሓይሊ ሻዕብያ ርኡይ እናኾነ ዝኸደ ባህሊ`ምበር ዝጸንሔን ውህቡን ጠባይ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን። ኤርትራውያን ካራ ክሳብ ኣብ ክሳዶም ትትከል ዘይተጸበይሉ ተርእዮታት`ውን ኣሎ። ገለ ካብ ዝዝከረኒ፤ንኣብነት ኣብ ተሓኤ፡

–  ብልክዕ ግዘኡ ኣይዝክሮን  (1975 ወይ1976) ሓደ ተጋ/  ንሞት ተፈሪዱ ምስ ተሰምዔ እቶም ኣብታ ዝነበራ ክፍሊ ምምሕዳር(ጋሽ) ዝነበሩ ተጋደልቲ ” ከመይ`ሉ ተጋዳላይ ንሞት ይፍረድ!” ኢሎም ሆ ምስበሉ እቲ ፍርዲ ተሳሒቡ።

– ሓደ ምስ ሓንቲ(ተጋደልቲ) ኣብ ኩነታት ጾታዊ ርክብ ተረኺቦም ከም መቅጻዕቲ ንደንከልያ ክኸይድ ድዩ ክኸዱ ምስ ተወሰነሎም፤ እቲ ውሳኔ ንኽብሪ`ቶም ኣብ ደንከል ዝጋደሉ ዘለዉ ዝትንክፍ ተቆጺሩ ተቃውሞ ምስ ተራእየ ዳግመ ርእይቶ ተገይሩሉ።

– 1976 ህ/ሓይልታት ምስ ተፈንጨለ፤ “እቲ ኣብ ሜዳ ዘሎን እቲ ናይ ወጻእን ክልተ ገጽ ናይቲ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝኣመናሉ ውድብ ህዝባዊ ሓይልታት`ዮም” ዝብል ብብዝሒ ድምጺ መሪሕነት ዝጸደቀ መርገጽ ውድብ፤ብመሰረት ኣብ ጉባኤ ዝጸደቀ ኣሰራርሓ ኩሉ ብቀጥታ ክቅበሎ ዝግባእ ክነሱ፤ ፍርቂ ናይቲ ኣብ ህዝብን ሰራዊትን ክገልጽ ሓላፍነት ዝተሰከመ ካድር ኣንጻር`ቲ መርገጽ ደው ኢሉ! “ነቲ ኣብ ሜዳ ዘሎ ኢና ክንኣምነሉ ዘለና” ስለ ዝበለ  እንተዘይ ተጋግየ ካብ ክልተ ቅነ ዘይውሕድ ናይ ተኻቲዕካ ምርድዳእ ዕድል ተዋህበ፤ ኣብ ርእሲ`ቲ በኣቦ ወንበርን ኣባላትን ፖ/ቤት ጽሕፈትን ዝተኻየዲ ጻዕሪ ብዙሓት ኣባላት ፈጻሚት ከኣ በብግዜኡ እናመጹ ነኣማጻጽኣ ናይ`ቲ መርገጽ ክገልጹ ድሕሪ ምጽናሕ ስለ ዘይተዓወቱ፡ ነቶም ዝዓገቡ ክዋፈሩ ምስቲ ዘይዓገበ ኸኣ እቲ ጻዕሪ ክቅጽል ተገብረ።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ካልእ ህዝቢ ዝነብረሉ ማሓበራዊ ከባቢ(ቢኣ)ዘሰክሞ ጠባይ ባህሊ`ምበር ውሁብ ዝበሃል ናይ ሓዋሩ ባህልን ልምድን የለን። ዝኾነ ህዝቢ ብሕልና ዘለዎም፡ ብዋጋ ረብሓ ህዝቢ ዘይብለጹ፡ ንኹሉ ሜዳያት ሂወት ዘድሊ ትምህርቲ ዝቀሰሙ፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኮይኖም ዝሰርሑ ዝምራሕ ኮይኑ፤ ነዚ ዘንጸባርቅ ፍትሓዊ ባህሊ ከጥሪ ግድን`ዩ።

ሕጂ ኸኣ ንድሕሪት ተመሊስካ ዝዕረ የለን።ዝኾነ ኾይኑ`ዩ። ናይ ትማሊ ሕማቅ ብናይ ጽባሕ ጽቡቅ ገርካ ጥራሕ`ዩ ዝድምሰስ። ከምቲ ጀርመን ንኣጸያፊ ዘመነ ሂትለር፤ ኣመሪካውያን ንኣጸያፊ ዘመነ ባርነት ወዲ ሰብ ዝደምሰስዎ።

የማነ ! ከምቲ ንምልኪ ንምህናጽ ክውህለል ዘለዎ ሮቋሒታት ዘሎ፤ ንፍትሒ ንምህናጽ ከኣ ክውህለል ዘለዎ ሮቋሒታት ኣሎ፤ ሓደ ካብቲ ብዙሕ እዚ ትገብሮ ዘለኻ ናይ ሓደ ጡብ ምልኪ ካብ ህንጻ ምልኪ ኣልቂቅካ ኣብ ቦትኡ ጡብ ፍትሒ ምስኳዕ`ዩ።

ንወዲ ተምነዎ ዝሃብካዮ ክብሪ ዘሎኒ ደገፍ እገልጽ።

AAHafiz (180) 15/11/2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
25 COMMENTS
  • keren November 16, 2014

    AAHafiz,

    That was a piece of gem! May I thank you!

  • Simon G. November 16, 2014

    ኣወልኼር:
    ጽብቕቲ ጽሕፍቲ, ስልጡን ርኢቶ! ከማኻ ‘ተዝበዝሑልና። ብዙሕ ሰብ ጀብሃ ትምዕብል ኔራ ክብሉ ለካ ሓቂ ‘ዩ።

  • mahta November 16, 2014

    Nay behaki stbkty mogesn yekenielna slety klustnet zhabkana hakegna tarik knblo ygbeana eu. Nebari tmhrtn temekro nzmestie weledo eu. Habaee kuslues habaee fewsu kem zbhal bzuhat abitemo zmeto sle zelewo. Kalie ety zegrmeni nay tega/ Yemane 25 amet ab merir kalsin tetenken zehlefo hiwet aziu kebiduni kab hji teniskayon zneberka teharisu eu emo neza hastar edmeka bksanet ketehlfa ymneyelka ybleka.

  • Gura November 16, 2014

    ato Awelker has expressed a good opinion. The young Warsay generation has a lot of respect and admiration to the audacious and courageous people like ato Yemane and wedi Temnewo.
    As Awelker noted, Yemane can only tell on his experience in the EPLF as wedi Temnewo did from their vantage point; however, the former Jebha tegadeltis also need to show bravery and come out and to tell the Eritrean people the many atrocities, crimes and tragedies committed by Jebha and its leadership.

  • ዘርባዕባዕ November 16, 2014

    ኣወልኬር ሕኸኸኒ ክሓከካ ኮይና ዓለም ፤ ሓቂ ጠፊኣ ተሪፋ?

    • Saba November 16, 2014

      ናይ ቲቪ ኤረ ኣዛራርባ ኮይና፣ “ንሓቂ” እንዳለት ኣእምሮ ተሕቅቕ “ዘርባዕባዕ” ሓወይ።

  • GIZIE November 16, 2014

    Many thanks for the constructive opinion and additional facts, Awlker A. Hafiz – ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ. Thanks God we know now the EPLF leadership’s, particularly the monster Isaias’s, dirty & inhumane nature. The honest witness, courage and trusted narration expressed by fighter Yemane is a gift to Eritreans, esp. to Eritrean young generation. Thank you and Long Live Yemane T/G.

  • kk November 16, 2014

    Thanks AAHaiz your comments were very accurate and intelligent.
    However, I listened to the all episodes of Kubur gedim Tegadalai Yemane in Assena Radio and I was admired the level of intelligence sophistication of EPLF in those days regardless of its morality, no intelligence work in the world has morality. But the wrong thing about the EPLF intelligence was serving to empower Isias Afewerk

  • FAILED PEOPLE November 17, 2014

    ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ,

    I am in agreement with you .Yemane has honesty & he did not try to sugar code his passive stand (at some times). I have respect for what you have pointed out Awelkher.

  • mussie November 17, 2014

    I like your comments Awelkier. It is true we learn a lot about the hidden crime and JEGNINET ghedli. I was worshiping EPLF as god without knowing what was happening inside the organization until resent years (2000). Starting from 2000 I had a lot of questions about behavior of the organization. There were times earlier than 2001 also, I saw cruelty of some members of EPLF but I thought these were only some corrupted ones. I was thinking the credulity against our people and corruption started after freedom. Now thanks to Yemane, wedi Temnewo … and from the facts the hgdef doing, I understood that the leaders of EPLF had committed crime against many innocent Eritreans in from the very beginning of the ghedli.

  • Seid November 17, 2014

    Mr. Yemane is honest and brillant guy. I really appreciate him. I hope his interview will be good initiation to others who know a lot about but just kept silent. Please this is to break your silence and stand beside your people than serving the tyrant.Even if you don’t have direct contact with the tyrant regime and you are just silent then you are considered that you are serving the tyrant.

POST A COMMENT