Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተጋዳላይ መምህር ሙሓመድ ኑር ኣሕመድ ፡ ተሳንኻ ምንባር ካብቲ ኤርትራውያን ዝልለየሉ ባህርያት ሓደ እዩ፣ ኣብነታቱ ድማ እኖሆ፦

  መምህር ኢምባሳዶር ሙሓመድ ኑር ኣሕመድ ኣብ መዳ ሃገረ ኤርትራ ፣ ነቲ ርብዒ ክፍሊ ዘመን ዝወሰደ ፣ ገታኢ ዕንቅፋታት መዋጽኦ ንምርካብ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ጽዑቅ ምምይያጥ ይካየድ ኣሎ ። ነቲ ኣብዚ እዋን ተረኺቡ ዘሎ መራኸቢ ሕብረተሰብኣዊ መስኖታት

 

መምህር ኢምባሳዶር ሙሓመድ ኑር ኣሕመድ

ኣብ መዳ ሃገረ ኤርትራ ፣ ነቲ ርብዒ ክፍሊ ዘመን ዝወሰደ ፣ ገታኢ ዕንቅፋታት መዋጽኦ ንምርካብ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ጽዑቅ ምምይያጥ ይካየድ ኣሎ ። ነቲ ኣብዚ እዋን ተረኺቡ ዘሎ መራኸቢ ሕብረተሰብኣዊ መስኖታት ድማ፣ ኤርትራዊያን ኣብ ገደብ ኣልቦ ፖለቲካዊ መስኖታት ቀይሮም ፣ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብደምን ራሃጽን ንብዓትን ዝነደቆ ሓድነት ህዝብን  መሬትን ፣ ዘተኣማምን ፍታሓት ንምንዳይ ዝጥቀሙሉ ናይ ምምይያጥ መራኸቢ ሞስኖታት ገሮምዎ ኣሎዉ ።

ዝኾነ መሰረት ወይ መደበር ናቱ ፍሉይነት ስለዘሎዎ ፣ ገለ ኣካላት ኣብቲ ዝገብሩዎ ተቦጉሶታቶም  ፣ ታሪኽን ፣ ዝምድናታትን ዘታኣሳሰር ዘርኢን ብምዝንጋዕ ፣ ቃሕ ዝበሎም ዘይስነፍልጠታዊ  ጎዳኢ ተስፋ ምቁራጽ ዝዓብለሎ ትንታነታት ክስንዝሩ ይረኣዩ ።

ከምዚ ዝኣምሰለ ሃለውለዋት ፍሉይን ዝተፈልጠ  መበገሲ ዘይብሉ  እኳ እንተኾነ ፣ ብትሑት ደረጃ እውን ይኹን ንሓንጎል ዘናውጽ ሃዋሁ ስለ ዝፈጥር ኣብቲ ክምስረት ዝግባእ ግንባራትን ክዳንን ናቱ ኣሉታዊ ጽልዋታት ኣሎዎ ።

ብምኽንያት መበል 55 ባዓል ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ምስቲ ካብ ሓምሳታት፣ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ቃልሱ ዝጀመረ ነባር ተጋዳላይ ሙሓመድ ኑር ኣሕመድ ኣብ ዝገበርናዮ ርክብ ብዛዕባ ሓባራዊ ዝምድናታት ህዝቢ ኤርትራ ዝሃቦ መብረሂ እኖሆ ፦

መምህር ሙሓመድ ኑር ዘረባኡ ክጅምር ከሎ ፡ ሓረስታይ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዘሎዎ እምነት ጽኑዕ እዩ ። ኤርትራዊያን ክርስትያን ቶዋህዶ ድማ ምስ ቤተ ክርስትያን ዘሎዎም ምትእስሳር ብርቱዕ እዩ ። ስለዚ ኦርሶዶክስያዊት (ተዋህዶ) ቤተ ክርስትያን ደጋፊት ሓድነት ምስ እትዮጵያ ኮይና ነዚ ዘይቅበል  ኣገልግሎት ቤተ ክርስትያን ክንፈጎ ምዃኑ ኣፍለጠት ። ስለዚ ድማ ተዋህዶ ሕብረተሰብ ምስ ቤተ ክርስትያን ጠጠው ምባሎም ባህሪያዊ ነሩ ። ኣቦመንበር ማሕበር ኣንድነት ተዋህዶ ስለዝነበረ ፣ ማሕበር ኣንድነት ሰፊሕ ደገፍ ክረክብ ካኣለ ። ብተወሳኺ ኣብዚ ከበርህ ዝግባእ ነገር ኣሎ ፣ንሱ ድማ ሓሳብ ናይ ፈደረይሸን ብመሰረቱ ሓሳብ ናይ ኣመሪካ እዩ ነሩ ፣ ምኽንያቱ ድማ መሬት ኤርትራ ንመራኸቢ መደበር ( መደበር ቓኘው) ዝጥዕም ኣገዳሲ ቦታ ምዃኑ ስለ ዝተፈልጠ እዩ ። እዚ ሓበረታ’ዚ ማይክል ሮንግ ዝተባህለት ኣመሪካዊት ጻሓፊት ኣፍፊት ሕሓፍፊትሕኣብቲ ( ምእንታኻ ዝገበርኩዎ ኣይኮነን ) ዝብል መጽሓፋ ዝተቃለሐ ነገር እዩ ። ኣብ ምትካል ፈደረይሸን ምስ ተበጽሐ ድማ ቛንቋ ብዝምልከት ፣ ባይቶ ኤርትራ ጉዳይ ቛንቛ ሓንቲ ካብተን መቆምታት ኤርትራዊ  ሃገራዊ ሓድነት እያ ዝብል ኣረኣኣያ ስለ ዝነበሮ ፣ ኤርትራውያን ክርስትያን ኣብ ባይቶ ኤርትራ ቛንቛታት ትግርኛን ዓረብኛን ዕላውያ ቛንቛታት ክኾና ወሰኑ ። ካብቶም ደገፍቲ ናይዚ ጉዳይ ራእሲ ተሰማን እቲ ኢትዮጵያ ወይ ሞት ዝብል ጭርሖ ኣብ መቃብሩ ዝተጻሕፈ እምባየ ሃብተን ነሮም ።ምኽንያቱ ድማ ብሌን ክልቲኡ ቛንቛታት ስለ ዝጥቀሙ ሓድነቶም ንምዕቃብ ዞዓለመ ነሩ ። ኣብ ኤርትራ ድማ ሃይማኖታዊ ቃልሲ የሎን ። ፖለቲካዊ ወገንነት ድማ ኢስያስ ኣብቲ ንሕናን ዕላማናን ዝብል ማነፈስቶ ዝተለሞ ጉዳይ እዩ ። ንሕና 99% ክርስትያን ኢና ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድማ ክትቅበለና ድልየት የይብላን ድማ ኢሉ ። እዚ ብስሳታት ኣብ ወተሃደራዊ ቀዳመይቲ ክፍሊ ዝተራእየ ሽግራትን ጥሕሰታትን  ኣመልክቱ ዝበሎ ነገር ክኾውን ከሎ ፣ ብካልእ ኣዘራረባ ኢስያስ  ንኤርትራውያን ክርስትያን ፣ ኣነ ናትኩም ሰልፊ እየ ፣ጀብሃ ግን ናይ ኣስላም እያ ቀታልትኩም ድማ እያ ምባል ስለዝደለየ እዩ ። ዕላውነት ቛንቛ ዓረብኛ ምስራዝ ድማ ውሳኔ ጉባኤ ሰምየናዊ ባሕሪ እኳ እንተኾነ  ቀንዲ ማሃዚ ናይዚ ኢስያስ እዩ ነሩ ። ኣብቲ ምውሳን ዝተሳተፉ ኣስላም ብዙሓት እዮም ፣ ከም ራማዳን ሙሓመድ ኑር ፣ሙሓመድ ጣህር ባዱሪ ወዘተ ድማ ይርከቡዎም ። ኣብቲ እዋን ብማርክሳዊ ክለሰ ሓሳብ ተመሪሖም ዝገበሩዎ ነገር ኮይኑ ፣ ነዚ ርእይቶ ምስ ምምጻእ ናጽነት ኣዋድቆምዎ እዮም ።

ንቛንቛ ዓረብኛ ኣርሕቅካ ብቛንቛ ኣደ ምምሃር ዝብል ሓሳብ ዘምጸኤ እውን ኢሳያስ እዩ ነሩ ። ካልኦት መራሕቲ ድሕሪ ናጽነት ደገፍቲ ክልተ ቛንቛታት ኮይኖም ነሮም ። ንምሳለ ኣብቲ እዋን ትምህርቲ ሚኒስተር ዝነበረ ሃለዋቱ ጠፊኡ ዘሎ በራኺ ገብረስላሰ ፣ ስርዓተ ትምህርቲ ብቛንቛ ኣደ ክኸይድ ዝብል ነገር ምስ ናይ ህዝቢ ድልየት ዝጋጮ እዩ ብማለት ስለ ዝነጸጎ ፣ ኢስያስ ካብ መዝነቱ ኣውርዱዎ መተካእታኡ ዑስማን ሳልሕ ብምምጻእ እቲ መደብ ተተግብሩ ። መርገጽ ናይቶም ምስ ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ጠጠው ብምባል ብዕላውነት ቛንቛ ዓረብኛ  ዝኣመኑ ኣባላት መሪሕነት ዘመልክት ጉዳይ ድማ ንኣብነት ጋዜጣ ጽገናይ ምስቶም ዳሃይ ኣጥፊኦም ዘሎዉ ጵጥሮስ ሶሎሙንን ዑቅበ ኣብራሃን ኣብ ዝገብረቶ ቃለ ምሕትት ወጽኡ ከም ዝነበረ ይዝክር ።

ኢሲያስ ሃይማኖታዊ ጸግዕነት ኣብ ኤርትራ ንዑኡ ጥራሕ ዝጠቅም ምዃኑ ይኣምን ። ምስ ክርስትያናዊ ሕብረተሰብ ድማ ዝምድና ዘሎዎ ጉዳይ ኣይኮነን ። ኢሲያስ ነዚ ዕላማ ብመገዲ ክልቲኡ ወገናት ፣ ክርስትያንን ኣስላምን ኣብ ግብሪ የውዕሎ ። እዞም ኣካላት ድማ ብዘይካ ውልቃዊ ጠቅሞም ካልእ ዘይየገድሶም ኣብ ከባቢ ኢሲያስ ዝዝምብዩ ባእታት እዮም ።

እምባኣርከስ ሎሚ ዝኾነ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ኩነታት ሃይማኖታዊ ትርጉም ክህቦ ዝፍትን ኩሉ ግጉይ እዩ ፣ነቲ ስርዓት ሃይማኖታዊ ዝብል ቅጽል ምሃቡ እውን ካብ ሓቂ ዝራሓቀ እዩ ። ሎሚ ዝበዘሔ ኣካል ናይቶም ዶብ ሰግሮም ዝሃድሙ ዘሎዉ መንእሰያት ካብ ክርስትያናዊ ሕብረተሰብ እዮም ። እሞ ዳኣ ከመይ ገሮም ካብ ንዖኦም ዝመስል ክርስትያናዊ ስርዓት ይሃድሙ ? ይብል ።

ንመምህር ሙሓመድ ኑር ብዛዕባ’ቲ “ሕብረተሰብ ኤርትራ ተሳንዩ ብሓባር ዝነብር ሕብረተሰብ እዩ” ዝብል ኣባሃሃላ ፣ ዝተፈተነ ኣብ መሬት ክዉን ዝኾነ መረዳእታ ኣለዎዶ ኢለ ምስ ሓተትኩዎ መልሲ ክህብ ከሎ  ፣ ሕብረተሰብ ኤርትራ ሃገር ቅድሚ ምምስራቱ  ነፍሲ ወከፍ ዞና ነፍሳ ብነፍሳ ተማሓድር ነራ ፣ መንግስቲ ትግራይ ድማ ኤርትራ ንሙግባጥ ትጽዕር ነራ ይብል ። እተን ናዓኣ ዝቀረባ ዞናታት ድማ ኣከለ ጉዛይ ፣ ሓማሴን ሰራየን ስለ ዝኾና ግብርን ቀረጽን ትወስድ ነራ ።ታሪኽ ከም ዝሕብሮ ድማ ፣ መረቱ ምሕዋስን ግብሪ ምኽፋልን ዝኣበየ ራእሲ ( ባህታ ሰገነይቲ ) ተጋሩ ምስ ኣጽበቡሉ ናብ መቦቆሎም ኣከለጉዛይ ዝኾኑ ደቂ ሓዉቦታቱ ( ሓባብ ) ገጹ ንሳሕል ተሰድዱ ፣ ተቀብሎምዎ ምስኦም ታዓቒቡ ድሕሪ ምጽናሑ ምጽዋዕ ኣብጽሖምዎ ። ካብኡ ምስ ኢጣልያውያን ንዞናኡ ተመሊሱ ። ብተመሳሳሊ ራእሲ ወልደንኪኤል ሓማሴናዊ ኢትዮጵያውያን ክሕዙዎ ምስ ፈተኑ ናብ ቤተ ሰቡ ብለን እቶም ብመሰረቱ ካብ ሓማሴን ዓድተከለዛን ዝመጹ ቤት ታውቀ ፣ ሓልሓል ገጹ ኣምርሑ ምስኦም ታዓቂቡ ። እዞም ክልተ ሰባት እቲ ዝነበሮም ዝምድና ዓጽመ ስጋ ተጠቂሞም ማለት እዩ ። ስለዚ ዓጽመ ስጋዊ ምትእስሳር ካብ ሃይማኖታዊ ምትእስሳር ዝያዳ ይብርትዕ ። ከምቲ ዝባሃል ድማ ኣይኮነን ። ዝኾነ ሃይማኖታዊ ምፍሕፋሕ (ቃልሲ) ኣይነበረን ። ብዝተረፈ  ነቲ ሞንጎ ሓረስቶትን ጓሶትን ማለት ጣሩዓን ጻንዓዳግለን ዝተኻየደ ምርጻም ኣመልክቱ  ፣ኢትዮጵያ ነዚ ጉዳይ ንምምዝማዙ ፈቲና እያ ፣ ይኹን እምበር ድሕሪ ናጽነት ብመገዲ ዓበይቲ ዓዲ ማርያ ፣ መንሳዕን ሓዞን ካልኦትን ታዓሪቆም እዮም ይብል ።

መምህር ሙሓመድ ኑር ኣሕመድ ቀጽሉ ሰውራ ነዚ ብሓባር ናይ ምንባር መንፈስ ንምድልዳልን ብወገን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ፍልልያት ናይ ምዝራእ ፈተነታት ንምምካት ዝተኻየደ ፍታሓት ጠቒሱ ፣ እቶም ብረታዊ ተጋድሎ ዝጀመሩ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን ዝነበሩ ተጋደልትን ተቀማጦ ከተማታትን ኣብ ፖሊስ ዝነበሩን ፣ ደቂ መታሒት ከምዝነበሩ ጠቂሱ እዚኣቶም ኩሎም ብሃገራዊ ስሚዒት ተደሪኾም ምእንቲ ናጽነት ሃገሮም ዝወጹ ድኣምበር ሃይማኖታዊ ዕላማታት ከምዘይነበሮም ገሊጹ ። ከምቲ ሓዊ ረጋጽኣ ተሕርር ከም ዝብሃል ድማ ዝያዳ ሃሰያታት ኣብዚ ቦታታት ማለት ( ኣብ ባርካን ጋሽን ሳሕልን ) ስለ ዝወረደ ካልእ ምኽንያታት ሓውስካን ሰውራ ኣቀድማ ኣብዚ ቦታታት ተጀመረት ። ድሕሪኡ ቀስ ብቀስ ምስላፍ ደቂ ከበሳ ኣብ ሰውራ መጸ ። ብፍላይ ካብ ከተማታት ፣ ዓይነታዊ ንቅሓት ብምህላዉ ፣ ከምኡ ድማ ማዓልታዊ ግፍዓዊ ተግባራት ሰራዊት ኢትዮጵያ ፣ምእሳር፣   ምልክታት ፈደረይሸን ምልጋስ ፣ ቅዋም ከምዘይሰሪሕ ምግባርን ወዘተ ደፋኢ ምኽንያታት ነሩ ክባሃል ይካኣል ። ብብዝሒ ምስላፍ ድማ ብ1970 ተጀምሩ እዚ ድማ ፣ ኣብ ልዕሊ ትምህርቲ ወለዲ ክጾሩዎ ዘይክእሉ ቀረጽ ዝወረደሉ ብዙሓት ተማሃሮ ድማ ኣብ ሰውራ ዝተሰለፉሉ እዋን ነሩ ።

ብተወሳኺ ሰውራ ኣብ ልዕሊ እተን ብረት ዝተሰከማ ዓድታት ናይ ከበሳ ፣ ዝተደናገሩ እዮም ብማለት ሓይሊ ኣይኣዘውተረትን ። ቀዳማይ ጉባኤ ነዚ ጉዳይ ኣልዕሉ ሓይልታት ሰውራ መን እዮም ዝብል ሕቶ ኣልዕሉ ፣ ሰራሕተኛታት ፣ ሓረስቶትን ፣ ሰውራውያን ምሁራት፣ ተማሃሮን ደቂ ኣንስትዮን ምዃኖምን ኣብርሁ ። ተቀማጦ ናይዚ ዓድታት ሓረስቶት ኮይኖም ኣንጻር ጠቅምታቶም ጠጠው ኢሎም ስለ ዘሎዉ ኣካል ሓይሊ ሰውራ ብምዃኖም ንምኽሳቦምን ኣብ ሰውራኦም ንምምላሶምን ጻዕሪታት ክግበር ተወስኑ ። ነዚ ናይ ሃገራዊ ጉባኤ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ንምውዓል መጀመሪያ ተበግሶ ዝወሰደ ሓላፊ ደባይ ተዋጋእቲ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ተባዕ ስዉእ ስዒድ ሳልሕ ነሩ ። እታ ንመጀመሪያ ንምእታዋ ዝመረጻ ዓዲ ኣብ ሰራየ ዘላ ጹቡቅ ግራት ትባሃል ዓዲ እያ ። ነቲ ዓዲ ውጺኢት ቀዳማይ ጉባኤ ክገልጸሎም ዝሓቲት መልእኽቲ ምስ ሰደደ ፣ እቶም ዓዲ ንሱ ጥራሕ በይኑ ብዘይዕጥቂ ኣብቲ ዓዲ ክኣቱ ኣፍቅዶም ። ዕጡቃት ደቂ ዓዲ ድማ ኣብ ከባብኣ ዓሪዶም ሓለዋ ክገብሩ ወሰኑ ። ስዉእ ስዒድ ሳልሕ ከምቲ ዝሓተቱዎ በይኑ ብዘይብረት ኣብታ ዓዲ ምስ ኣተወ፣ እዚ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊኦም ዓብይ ናይ ምትእምማን ጽልዋ ስለ ዘሕደረ ነዚ ሪኦም ፣ነቶም ተጋደልቲ ምስ ዕጥቅታቶም ክኣትዉ ኣፍቅዶም ነቶም ኣብ ከባቢ ዓዲ ዕርድታት ሕዞም ዝነበሩ ሰብ ብረት ናይቲ ዓዲ ጸዊዖም ኣብ ዓዲ ክምዝምለሱ ገሮም ፣ ኣኼባ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ተኻይዱ ንተጋደልቲ ድማ ሓሪዶም ኣንገዱዎም ኢሉ ።

ነባር ተጋዳላይ ሙሓመድ ኑር ኣሕመድ ኣብ መደምደምታ ዘረባኡ ፣ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ነቲ ብኢትዮጵያዊያን ዝካየድ ዝነብረ ናይ ምፍልላይ ሸርሕታት ብዓብይ ሃገራዊ ስምዒትን ንቅሓትን ዝተሰነየ ኣገባብ ትኣልዮ ስለ ዝነበረት ድማ ህዝቢ ኣብ ጎኒ ሰውራኡ ጠጠው ኢሉ ይብል ።

ስለዚ ድማ ሕብረተሰብ ኤርትራ እቲ ቅድሚ ሕጂ ይኹን ሕጂ ዘሳቅዮ ዘሎ ሽግራት በቲ ቅኑዕ ታሪኻዊ ኣመለኻኽታ ተራእዩ ብግቡእ ክንበብን ኣለዎ ። ኢስያስ ሃይማኖት ከዘውትር ከሎ  ድማ ካብኡ ዝጥቀም ንሱ ጥራሕ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ ። እንተዳኣ ተቃወምቲ ሓይልታት ንሽግራት ኤርትራ ሃይማኖታዊ ትርጉማት ክህቡዎ ኮይኖም ግን ህልም ዝበለ ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ፣ ምስ ህሉው ክውንነት ዝጋጨውን ንክርስትያን ሕብረተሰብ ንእሰያስ ደግፉዎ ስርዓት ኢሲያስ ድማ ናታትኩምን ሓላውኹምን እዩ ምባል ጥራሕ የስምዕ ።

 

ኣብ ፋራጃትን ኣዶሊስን ብዕለት 31/8/2016 ዝወጸ

ካብ ዓረብኛ ናብ ትግርኛ ብዓብደላ ሓሰን ተቶርጊሙ።

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
26 COMMENTS
  • Berhe Tensea September 16, 2016

    ASSENA,, Freedom of speech doesn’t mean, to write offensive material and then having it posted, where is the limitation to what one can and can write and say.
    Time and agaiin Assena is becoming the dumping ground of racist and offensive materials.
    Try to control what comes to Assena.
    You must also know who is possting what, when, and why, for legal reasons.
    Readers are simply ignoring what is said. and remember they may take legal action at any time.

Post a Reply to Berhe Tensea Cancel Reply