Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተስፋ ዘስንቕ ጅማረ – 1ይ ክፋል

ተስፋ ዘስንቕ ጅማረ ቀዳማይ ክፋል ብደብረ መእተዊ ብመጀመርታ  ካብ መዓሙቕ ልበይ ሰላም ክብል ኣፍቅዱለይ። ከም መእተዊ ብሳልሳይ ተፈኣጥሮኣዊ ሕጊ ኒውቶን ክጅምር። ርክብ ህዝባዊ ግንባር (ናይ ሕጂ ህግደፍ) ምስ ህዝቢ ካብ ጊዜ ገድሊ ንናጽነት ክሳብ ሕጂ ዘሎ ብሳልሳይ

ተስፋ ዘስንቕ ጅማረ ቀዳማይ ክፋል

ብደብረ

መእተዊ

ብመጀመርታ  ካብ መዓሙቕ ልበይ ሰላም ክብል ኣፍቅዱለይ። ከም መእተዊ ብሳልሳይ ተፈኣጥሮኣዊ ሕጊ ኒውቶን ክጅምር። ርክብ ህዝባዊ ግንባር (ናይ ሕጂ ህግደፍ) ምስ ህዝቢ ካብ ጊዜ ገድሊ ንናጽነት ክሳብ ሕጂ ዘሎ ብሳልሳይ ሕጊ ንዊቶን ክግለጽ ይኸኣል ‘ዩ። ኒውቶን ኣባል ባይቶ ሃገሩ ‘ዩ ነይሩ። ንሱ ብዙሕ ዘይዛረብ፡ ኣብ ጥቃ መስኮት ከፍ ምባል ዘዘውትር፡ ኣባላት ባይቶ ክካትዑ ምርኣይ ዘሐጉሶ ተዓዛባይ ነይሩ ይበሃል። መንቀሊ ሓሳብ  ሳልሳይቲ ሕጊ ኒውቶን ኣባላት ባይቶ ይገብርዎ ካብ ዝነበሩ ናይ ሓሳባት ምምልላስ ከምዘንቀሎ እዩ ዝዝረብ። እታ ሕጊ ንዝኾነ ፍጻሜ መዓረን ኣንጻራዊን ፍጻሜ ኣለዎ  እያ ትብል። ቀላል ኣብነት ንመንደቕ ብዓሰርተ ኒውቶን ሓይሊ እንተ ደፊእካዮ ንሱውን ብዓሰርተ ኒውቶን ይደፍኣካ ከም ማለት ‘ዩ።

ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ክንርእዮ ኮለና ከኣ ንኣብነት ንሓደ ሰብ ሰላም እንተኢልካዮ ንሱ ከኣ ብእንጻራዊ ሰላም ይብለካ። እንተኣፍቂርካዮ ብኣንጻራዊ የፍቅረካ። ብካልእ ኣዘራርባ ጽልኢ ጽልኢን ይወልድ፤ ፍቅሪ ከኣ ፍቅሪ የምጽእ። ኣብ መንጎ ብኡሳት ጽቡቅ ድልየት ናይ ዕርቂ እንተዘየሎ ፍቅሪ ክመጽእ ኣይክእልን እዩ። ድሕሪ ሰላምን ዕርቕን ኩሉ ይመጽእ። ሰላም ኣብ ዘለወሉ ቅሳነት ኣሎ። ኢሂን ምሂን ኣሎ። ንቡር ናብራ ተስተማቅር። ፍቅሪ ይነግስ። ብእንጻሩ ካብ ጽልኢ እንታይ ጽቡቕ ነገር ይርከብ፧ ዋላ ሓንቲ። ኣብ ጽልኢ ሁከትን ዝርገትን እዩ ዘሎ። ኣብ ጽልኢ ምፍልላይን ምንቋትን እዩ ዘሎ። ጽልኢ ክንኩንን መሃዝቲ ጽልኢ ዓገብ ክንብል ይግባእ።

ኣብ እዋን ገድሊ ንናጽነት፡ ህርመት ልቢ ህዝቡ ዘድመጸ ህዝባዊ ግንባር ጥቡቕ ርክብ ምስ ህዝቡ ነይርዎ። ህዝቢ ኣብ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ዘሕደርዎ ፍቕሪን እምነትን መዐቀኒ ኣይነበሮን። እዚ እምነት ‘ዚ ድሕሪ ምሕራር ኤርትራ ክሳብ  ድሕሪ ምዝዛም ኩናት ባድመ ‘ውን ቀጺሉ ነይሩ ‘ዩ። እቲ ዝነበረ ፍቅርን እምነትን ክጎድል ዝጀመረ እቲ ናይ ጥልመት መስርሕ ምልክታት ክረአ ምስጀመረ ‘ዩ። 

ሱር ሃገር መንነት፡ ሱር ታሪኽ ወዲሰብ መቦቆል።  

“ሱር ሕማም ሰዓል ሰር ድኽነት በዓል” ታሪኽ ወዲሰብ ካብ መቦቆል እዩ ዝጅምር። ሃገር ብመንግስትን ዶብን ይፍለ። ሱር ሃገር ከኣ መንነት ‘ዩ። ኣብትሕቲ እቲ መንግስትን ኣብ ውሽጢ እቲ ዶብ ኣንተሃሊኻ መንነት ይወሃበካ። መቦቆል ግን መንነት ኣይኮነን። መንቦቆል ብደም፡ ባህሊ፡ ልምዲ፡ ወግዕን ቋንቋን ኢኻ ትገልጾ።  ኣብ ዝተፈላለየ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተፈላለየ መንነት ዘለዎም ሓደ ዓይነት መቦቆል ዘለዎም ሰባት ክነብርሩ ይኽእሉ ‘ዮም።እዞም ሰባት መቦቆሎም ብሃገራውነት ክትገልጾ ዝከኣል ኣይኮነን። እዞም ሰባት ናይ ሓባር ረቋሒኦም መበቆሎም ‘ዩ፡ ዝፈላልዮም ረቋሒኦም ከኣ መንነት (መንግስቲን ዶብን) ’ዩ። መቦቆል ትውለዶ ‘ምበር ኣይትቅይሮን ንኣብነት ኣብ ወሰናስን ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ዓፋር፡ ትግሪኛ፡ ሳሆን ኩናማን መቦቆል ዘለዎም ኣህዛብ ኣለዉ።  እዞም ሓደ መቦቆል ዝተፈላለየ መንነት ዘለዎም ኣብ ወሰናንስን ዝነብሩ ሰባት ዕለታዊ መነባብሮኦም ብሓብር የሳልጡ፡ ነንሕድሕዶም ይዋሰቡ፡ ብሓባር የምልኹ። ኣብ ጊዜ ሓጎስን ሓዘንን ከኣ ኣይፈላለዩን።

ኣብ መንግስታት ‘ምበር ኣብ መንጎ ኣህዛብ ጽልኢ የለን።

ህዝብን መንግስትን ፈላሊና ክንርእዮም ይግባእ። ብዙሓት ርክብ መንግስቲ ምስ መንግስቲ መዓረ ከም ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ጌሮም ዝወስዱ ኣለዉ። እቲ ሓቂ መንግስቲ ወኪል ህዝቡ ምዃኑ ‘ዩ። ኩሉ መንግስቲ ሓደ ዓይነት ‘ዩ ክንብል ኣይንኽእልን። ቅኑዕ መንግስቲ ኣሎ ብኣንጻሩ ከኣ ቄናን መንግስት ኣሎ። ቄናን መንግስቲ ንድልየቱን ህርመት ልቡን ዝግዛእ፤ ድልየትን ህርመት ልቢን ህዝቡ ዘየድምጽ ማለት እዩ።

ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ታሪኽ ጥልመት ንጉስ ሃጼ የውሃንስ ኣብ ልዕሊ ራእሲ ወልደንኪኤል ይለዓል። እዚ ታሪኽ ጥልመት ከም ታሪኽ ጥልመት ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ጌሮም ዝወስዱ ኣለዉ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ግን ፍጹም ጌጋ ኣተሓሳስባ ‘ዩ። ኣብቲ እዋን ‘ቲ ንጉስ ሃጼ ዮሃንስ ይኹኑ ራእሲ ወልደንኬል መንግስታት ‘ዮም ኔይሮም። ነዚ ጥልመት ንጉስ ሃጼ ዮሃንስ ምበር ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ከኣ ብፍላይ ተሓታቲ ኣይኮነን። ራእሲ ተዓሺዩ ከይኮነስ እግዚሄሩ ኣሚኑ ‘ዩ ከይዱ። ሃጼ ዮሃንስ ግን ብራእሲ ኣሉላ ጌሩ ዝኣተዎ መብጸዓ ኣየኽበረን።

ብሰበብ ባድመ ዝተወለዐ ውግእ ኣሎ። እዚ ውግእ ‘ዚ ኣሚንና ሃገር ክመርሑ ዘፍቀድናሎም ሓለፍቲ፡ እንተ ፍሉይ ረብሓ ሃሊዎም እንተ ዝገበርዎ ሕቡእ ገበኖም ንምሽፋን ዝፈጠርዎ ሽርሒ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ጉዳይ ዶብ መንእሰያት ኣብ ግንባር ኣሰሊፍካ፡ ውግእ ከፊትካ፡ ነንሕድሕዶም ኣዋዲእካ ዝፍታሕ ጉዳይ ኣይነበረን። ሓላፍነት ዝጎደሎም መራሕቲ ክሊቲኦም ሃገራት ግን ጽልኢ ኣብ ምጉህሃር ተጊሆም ሰሪሖም።  መራሕቲ ኤርትራ “ኢትዮጵያውያን ቀይሕ ባሕሪ ንምውናን ንህዝቢ ኤርትራ ከጽንቱ ‘ዮም ዝደልዩ”፡ “ኢትዮጵያ ምስ ጸላእቲ ኤርትራ ብሕልፊ ምስ ኣሜሪካ ተመሳጢራ ቁጠባ ኤርትራ ንኸተዳኽም ወደብ ዓሰብ ተሓሲማቶ” ኢሎም ይድስኩሩ። መራሕቲ ኢትዮጵያ ከኣ “ኤርትራዊያን ይኑዕቁና ‘ዮም” ኢሎም ይዛረቡ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ንኤርትራዊያን ስጎጉልና፡ ንወደብ ዓሰብ ተሓሰሙ ኣይበለን። ህዝቢ ኤርትራ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኒዒቁ ኣይፈልጥን። ህዝቢ ኢትዮጵያ ከኣ ባሕሪ ንኸይጥቀም ኣይተኸልከለን።

ህዝቢ መጋበሪ ኮይኑ ‘ምበር ጽልኢ ኣብ መንጎኦም የለን። ግዳይ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኣልማማ ክበሳበስ ከሎ እቶም ኣህዛብ ነንሕድሕዶም ተደናጊጾም ‘ዮም።ደም ዝንዛዕ ነቢዖም እዮም። መራሕቲ ክሊቲአን መንግስታት ኣባኢሶሞ ‘ምበር ህዝቢ ነንሕድሕዶም ኣይተባኣሱን። ድሕሪ  እቲ ባእሲ እቲ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ከምቀደሙ ብዝረኸቦ ኣጋጣሚታት ርክቡ ኣየቋረጸን። እዞም ህዝቢ ንግሆ ነጻ እንተዝግደፉ፡ ድሕሪ ፋዱስ ኹሎም ኣብ ሓደ መኣዲ ከምዝቅረቡ ርግጸኛ ኮይነ ምተዛረብኩ።ብመሰረቱ እቲ ጸገም ኣብቲ ዶብ ዘለዉ ነበርቲ ክልቲአን ሃገራት ብወግዖም፡ ልምዶምን ባህሎምን ብለባማት ዓበይቲ ዓዲ ብቀሊሉ ክፈትሕዎ ዝኽእሉ ጉዳይ ‘ዩ ነይሩ።

መሰናኽላት ዓንቃፊ ፍትሒ

  1. ሓሳድ ባህሪ

መጀመሪያ ሐደ ሰብ ፍትሓዊ ክብሃል እንተኾይኑ ብስርሑ ግሉጽን ተሓታትን ምስዝኸውን ‘ዩ። ብግብሩ ግሉጽን ተሓታቲን ዘይኮነ ሰብ ካብ ሕማቕ ግብሩ ክሕባእ፡ ካብ ሓላፊነት ምሽካም ክሃድም ክብል ወርቃዊ ጊዚኡ የጥፍእ። እዚ ሰብ ምድንጋር፡ ምትላልን ምጥፍፋእን ይላመዶ ጥራይ ዘይኮነ ይመሃሮውን ‘ዩ።  ሕልንኡ ዝሸጠ ተበለጺ ጥራይ ዘይኮነ ደጋጊሙ ዝሕሱ (ኣሉ ዝብል) ባዶ ተስፋ ምሃብ ከም ዓቢ መሳርሒ ዝጥቀም በዓል እከይ ግብሪ ‘ዮ። ብዝተረኽበ ድኹም ጎኒ (ከም እምነት፡ ኣውራጃ፡ ቀቢላ ወዘተ) ተጠቂሙ እንዳመሓለ እንዳጠሓለ ሰባት ይፈላሊ። ንነፍሱ ከም ፍጹም ሰብ ብሕብራዊ ቃላት ኩሒሉ ላዕሊ ዝሰቅል ንኻልእ ብዝንቡዕ ኣገላልጻ ዘነኣእስ ባህሪ ዝተካህነ ሰብ ‘ዩ። ብፍትሕን ሕግን ዘይኮነስ ብስሚዒትን ጸቢብ ኣተሓሳስባን ክመርሕ ዝመርጽ፡ ብዝኾነን ዘይኮነን ጅሆ ምሓዝ ዝፈቱ ሰብ ‘ዩ።

  1. ናይ ገለ ኤርትራውያን ሃገራውነት

ቀንዲ ሕመረት ሃገራዊነት ካብ ምፍታው ሃገር ክሳብ ምክልኻል ዕንወት ሃገር ዝኸይድን ‘ዩ። ቅኑዕ ሃገራዊነት ማለት ንምምሕያሽ ሃገር ዝሰርሕ፡ ንዘይ ቅኑዕ ሓሳብ ብግብሪ ዝቃወም፡ ንቅኑዕ ኣተሓሳስባ ድምጹ ዝህብ፡ ብናይ ዲሞክራሲ ምርጫ ዝእመን ‘ዩ። ናይ ገለ ኤርትራዊያን ሃገራውነት ግን መስደመም ‘ዩ።ንቅዋማዊ ናጽነት ኤርትራ ዝተቃለሱ ምንጻል‘ዩ ኮይኑ። ኩሎም መትከላት ደሞክራሲ ንዝነጸገ ውልቀ መላኺ ምድጋፍ እዩ ኮይኑ ተረኺቡ። ንግቡእኻ ካላኦት ክገብሩልካ ምጽባይ። ከምዚ ዓይነት ባህሪ ብኸመይ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ከምዘማዕበልናዮ ይገርመኒ ‘ዩ። እዚ ባህሪ እዚ ኣብ ጊዜ ኣቦታትና ዝነበረ ኣይመስለንን። ምስኡ ዝማዕበለ ካልእ ባህሪ ከኣ ዝኾነ ጽቡቕ ስራሕ መንዚዕኻ ክትምጎሰሉ ትደሊ። ከምኡ ከኣ ንዝተገብረ ሕማቕ ስራሕ ንኻልኦት ሂብካ ክውቀሱሉ ትደሊ። ብሓጺሩ ብዘይወዓልካዮ ጀግንነት ክትምጎስ፡ ንዝወዓልካዮ ስንፍና ከኣ ንኻልኦት ከተልግብ ትፈቱ ከም ማለት ‘ዩ። እዚ ከኣ ብዘይካ ድንቁርናን ዕሽነትን ካልእ መግለጺ የብሉን።

  1. ንቁጽ መርገጺ

ክውንነት ምስ ጊዜ ተቀያያራይ ‘ዩ። ጣዕሚን ራህዋን ኣብ ሓደ እዋን ጸገምን ሽግርን ከኣ ኣብ ካልእ ጊዜ የጓኑፉኻ። ኣብ ጊዜ ጸገምን ሽግርን ኣብ ጎንኻ ጠጠው ዝበል ሰብ ኢዩ ብጻይ ዝኾነካ። ብፍላይ ናይ ሓባር ራኢ ሃሊካ ብናይ ሓባር ዕላማ ትቃለስ እንተሃሊኻ ሓቢርካ ንዕላማኻ ጠጠው ምባል ብጻያዊ መምዚኒኻ ‘ዩ።

ናይ ሎሚ ሓቂ ብናይ ሎሚ ሓቂ ‘ምበር ብናይ ዝሓለፈ መርገጺ ኣይኮነን ክረአ ዘለዎ። መርገጺ ሓቂ እንተሃሊዎ ብተዓጻጻፍነት ዝእለ ናይ ቃልሲ መምርሒ ‘ዩ። ንቕጽና ምስ ክውንነት ዝኸይድ ባሕሪ ወዲ ሰብ ኣይኮነን። “ያልተገላበጠ ያራል” ከምዝበሃል ክገላበጥ ስለዘይክእል ንውድቀት ‘ዩ ዝዕድም። ውድቀት ፖለቲካ ኤርትራ ብሓፈሻ ውድቀት ፖለቲካ ህግደፍ ብፍላይ ከኣ ምስ ‘ዚ ባህሪ ዝተሓሓዝ ይመስለኒ። ዓለም ብተክኖሎጂ መጢቃትሉ ኣብዘላትሉ እዋን፡ ድኽመትን ትምክሕትን ዝወለዶ ንቕጽና፡ ብሰበብ “መትከል” ዝብል ንቁጽ መርገጺ፡ ፖለቲካ ኤርትራ ንድሕሪት ይስጉም ኢዩ ዘሎ።

ገድሊ ሃኒጹ ዘምጸኦ፡ ኣተሓሳስባ፤ ኣከዳድናን ኣካይዳን ጽቡቕ ባህሊ ‘ዩ ነይሩ።  ኩሉመንትኦም ሓደ። ተጋዳላይ፡ ብቀዳድ ጁባ፡ ብሓደ መንፈስ ኣብ ትሕቲ እቲ ግንባር ምስ ህዝቢ ብሓባር ተጋዲሉ ናጽነት ኣምጺኡ። ሕጂ ግን ኣይግድን። ዝነበረ ምትሕልላይ፡ ሓድነት፡ ምክብባር ኣብዞም ተቃወምቲ ውድባት ክንጸባረቕ ነይርዎ። ኣብ ጽላል ሓንቲ ባንዴራ እንኮለና ኩለንታናና በበይኑ ኮይኑ። እቲ ሓድነት ተዘሪጉስ ፋሕ ብትን ኣቲዎ። ኩሉ ነንበይኑ ክንህውልል ትርእዮ። የእዊኻ ዘይተርደኣሉ፡ ሓቲትካ መልሲ ዘይትረኽበሉ ጽውጽዋይ።

ተመኩሮ ዓቢ ቤት ትምህርቲ ክነሱ ካብ ሕሉፍ ጌጋና ክንማሃርን ክንእርምን ዘይምኽኣልና ድኽመት ‘ዩ።። ምጥርጣር ጽቡቕ እንተኾነ ንኹሉ ፍጻሜታት ብዓይኒ ኣሉታ ምጥማት ከኣ ቅኑዕ ኣይኮነን። ጌጋታት ምፍጻም መናብርትና ‘ዩ። ይንኣሱ ይዕበዩ ብዙሕ ጌጋታት ተፈጺሞም ‘ዮም፡ ይፍጸሙ ከኣ ‘ለዉ ክፍጸሙ ከኣ ‘ዮም። በቲ ጌጋ ኣክንዲ ምጥዓስ ኮነ ኢልካ ካልእ ጌጋ  ምግባር ‘ዩ እቲ ሕማቕ ነገር። ሕመቕካ ምፍላጥን ድኹም ጎንኻ ምልላይን እቲ ዝዓበየ ሓያል ጎኒ ወዲ ሰብ እዩ። ነዚ ንምትግባር ድፍረትን ትብዓትን ዝሓትት ጉዳይ ‘ዩ። እቲ ቀዳማይ መዐቀኒ ቅኑዑን ሓያል ሰብ ዝበሃል ከኣ እዚ ይመስለኒ።

  1. ምጥርጣር

ኣሰራርሓና ግሉጽነትን ተሓታትነትን እንተጎዲልዎ ተኣማንነት የብሉን። ምትእምማን ኣብዘይብሉ ከኣ ስክፍታን ምጥርጣርን ይነግስ። ምጥርጣር ንምስሉይነት ባይታ የርህው። ምስሉይነት ከኣ ብዝወቀቡ ቃላት ተኾሓሒሉ ዘይባህሪኡ ‘ዩ ክመስል ዝፍትን። እዚ ከኣ ምቹእ ሃዋሁ ብሓባር ዘቃልስ ባይታ ካብ ምፍጣር ይዕንቅፍ። ፖሊቲካዊ ኣካይዳና ንጽህናን ቅኑዕን ኣተሓሳስባ ክሳብ ዝይተዓጠቀ ስድር ‘ውን ንቅድሚት ከሰጉመና ኣይክእልን ‘ዩ። ምትእምማን ከኣ ኣብዘን ንጹህን ቅኑዕን ኣተሓሳስባ ‘ዩ ዝርከብ። ምትእምማን ዘለዎ ፖለቲካ ንምህናጽ ከኣ ጻዕሪን ትዕግስትን ዝሓትትን ጊዜ ዝወስድን ኢዩ።

  1. ገለ ዲያስፖራ

ኣብወጻኢ ዝነብሩ ዘለዉ ገለ ኤርትራዊያን ብፍላይ ከኣ እዞም ዜግነት ናይ ዘለዉዎ ሃገር ዝረኸቡ፡ ትርጉም ሓርነትን ደሞክራሲን ብግብሪ ይርእይዎ ‘ዮም። እንተኾነ ግን ምስቲ እኩይ ገባሪ ሓቢሮም ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ የናውሕዎ ‘ለዉ። እቲ እከይ ስራሕ ክልተ ሚእታዊት ምኽፋል ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ምኽሃዶም ‘ዩ። እቲ ዘገርም ፈሪሆም ሪዒዶም ከይትብሎም ዘርዕድን ዘፍርህን ነገር የብሎምን። ሓለፋ ሃሊዎም ከይትብል ሓለፋ ‘ውን የብሎምን። ናይ ባዶ ተስፋ ጥቅማ ጥቅም ጌሮም እንተኮይኖም ከኣ ማይ ከም ምሑቋን ‘ዩ። ነቲ ሓቂ ነቲ ክውን ነገር ኣይርእይዎን ኣለዉ ክትብል ኣይከኣልን። ደብዚዝዎም ከይትብል ከኣ ይሰምዑን ይርእዩን ኣለዉ። እዚ ንህግደፍ መሐየሊ፡ ንተቃወምቲ ከኣ ኣንጻር ሓድነት ከም መሳርሒ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ሓደገኛ ባህሪ ‘ዩ።

  1. ሓቢርካ ንምስራሕ ዘይምብጋስ

ሓደ ፕሮጀክት ከይተጀመረ ኣይውዳእን ‘ዩ። ንምጅማር ከኣ ምብጋስ የድሊ። ዓቢ ብድሆ  ተቃወምቲ ውድባት ኤርትራ ሓቢረን ክሰርሓ ዘይምኽኣለን ‘ዩ። ብቅንዕና ሓቢረን ክሰርሓ ክሳብ ዘይተበገሳ ከኣ ሓቢረን ክሰርሓ ኣይክእላን ‘የን። ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜ እዚ ናይ ምጥርናፍ ስራሕ ብዝተፈላለየ ኣካላት ከይተፈተነ ተሪፉ ኣይኮነን። ከምቲ ንሰምዖ ብስልዃ ሕግደፋውያን ይኹን ብድሕሪ ምፍራስ ስርዓት ህግደፍ ክህሉ ዝኽእል ገና ብዘይተጨበጠ መንግስቲ  ብናይ ናይ ስልጣን መን ክሕዝ ኣለዎ ዝብል ቁሩቁስ ይኹን ካልእ ስውር ተንኮል፡ እዘን ውድባት ሰሚረን ክስርሓ ኣይከኣላን።

ኣብ ዝተፈላለያ ውድባት ናይ ሓሳብ ፍልልይ ክህሉ ባህርያዊ ‘ዩ። ናይ ሓሳብ ፍልልይ ሱር ዲሞክራሲ ምዃኑ ተቀቢልካ ኣብቲ ከቀራርበካ ዝኽእል መሰረታዊ ሓሳብ ብምርድዳእ ሓቢርካ ምስራሕ እዋኑ ዝጠልቦ ዕማም ‘ዩ። ተቃወምቲ ውድባት ኤርትራ ይዕበያ ይንኣሳ ብዘየገድስ መዕለቢ ራኢአን ዕርበት እቲ ገባቲ መንግስቲ ክኸውን ግድን ይብል። እዚ ናይ ሓባር ራኢ ‘ዚ ከምረቛሒ ከኣዩ ኣብ ሓደ ክጠምረን ዝኽእል። ጥምረት ሓይሊ ‘ዩ። ጥምረት ንዕርበት ገባቲ መንግስቲ መበገሲ መስርሕ ‘ዩ ካበልና ነዚ ሓይሊ ‘ዚ ንምግታእ ወይ ንምስንካል መንግስቲ ህግደፍ ዘለዎ ዕቅሙ ኣኻኺቡ ሰለይቱን ዕሱባቱን  ከዋፍር ምዃኑ ጥርጥር የብሉን። እዚ ጥምረት እዚ ክሕይል፡ ክንክን ክግበረሉ ናብቲ ዝድለ ቅኑዕ መንገዲ ከምርሕ ሓላፍነት ተቃወምቲ ውድባትን ዝምልከቶም ኣካላትን ‘ዩ።

ካልኣይ ክፋል ይቕጽል

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Yemane March 6, 2016

    ኣዚ ኣቕሪብክዮ ዘለኻ ሰነ ሓሳብ ኣዘዩ ኣገዳሲን መሃሪንዩ ነዚ ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ብሓባር ከይንሰርሕ ስርዓር ህገደፍ ኣብ ልዕሊ ሕዝብና ዘዉርዶ ዝስሎ ዘይሱዳእ ግህስት ነዞም ኣብ ላዕሊ ዘርዚርካዮም ዘለኻ ተመሊስካ ምስ ትምልከት ክሳብ ክንደይ ዲሒርና ከም ዘለና ብሓባር ከይንስጉም ህዝቢ ሃገር እናበረሰ ኣብ ክንዲ ነዚ ስርዓት ንምክቶ፡ እቲ ኩናት ኣብ ዉሽጢ ደለይቲ ፍትሒ ምትእምማንን ጠፊኡ ኣብ ነንሕድሕዱ ምኽሳስ ከይኑ ንቀዳይ ጸላኢና ዕድል ሂብናዮ ድላዩ ክገብር፨ ሓድነት ሓይሊዩ፡ ፍልልያትና ኣወንዚፍና ኩሉ ዓቅምና ጠርንፍና ሳቮያ ንበል።

POST A COMMENT