Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተስፋና’በር………

ተስፋና’በር……… ብ.ኣበባ ኣብርሃ (ቶሮንቶ ካናዳ) 20/03/2014 ተስፋና’በር ደሚቑ ተወሊዑ ቃልሲ ደቂኣንስትዮ ኣብ ዓለም ኣጒላዕሊዑ ሓይሉ ፣ወሲኹ፣ መሊሹ ተርኒዑ ተላዒልና’ሎና ሃየ ተበገሱ ንዑ፡ ቃልስና’በር ተወንጪፉ ብናህሪ መንእሰይና ይብል ኣሎ ንመክት ኣብ ግብሪ ኣይረሳዕናን ይብል ኣሎ ሰራዊት ሕድሪ ኣጆኺ፣ ምሳኺ’ዩ ሓፍቲ አእጃምና ዝግበር ግበሪ፡ ቆላሕታ’በር ኣንቢሩ ዝበዝሐ ስቕ-በሃሊ ዝጠቕሞን

ተስፋና’በር………

ብ.ኣበባ ኣብርሃ (ቶሮንቶ ካናዳ)

20/03/2014

ተስፋና’በር ደሚቑ ተወሊዑ

ቃልሲ ደቂኣንስትዮ ኣብ ዓለም ኣጒላዕሊዑ

ሓይሉ ፣ወሲኹ፣ መሊሹ ተርኒዑ

ተላዒልና’ሎና ሃየ ተበገሱ ንዑ፡

ቃልስና’በር ተወንጪፉ ብናህሪ

መንእሰይና ይብል ኣሎ ንመክት ኣብ ግብሪ

ኣይረሳዕናን ይብል ኣሎ ሰራዊት ሕድሪ

ኣጆኺ፣ ምሳኺ’ዩ ሓፍቲ አእጃምና ዝግበር ግበሪ፡

ቆላሕታ’በር ኣንቢሩ ዝበዝሐ ስቕ-በሃሊ

ዝጠቕሞን ዝጎድኦን ጀሚሩ ከለሊ

ጓልሄዋን ፈንጢሳ ንጸቓጢ ባህሊ

መሰለይ ትብል ኣላ ብግቡእ ብዕሊ፡

ኣመንቲ ሃይምኖታትና’በር ምስ ሓቒ ወጊኖም

ሎምስ ኣቃሊቦም ክዕመጽ ወገኖም

ንጽድቂ ኢልካ’ኳ ሓቒ ዘይትቕበር

ንብዓትኪ ሓቒዩ! ኣብ ጎንኺ ኢሎማ፡ ስለፍትሒ ንንበር፡

ተላዒሉ’በሪ ኩሉ ብሓበራ

ምባል ገዲፍዎ ከስዐ’ደ ጉራምራ

ከከም ገጹ ተሪፉስ ከከም ግብሩ

ሸለል ገዲፍዎ ከም እንደነገሩ

ኢድኩምያ ኢልዎም ነቶም ዓይኒ ዘንቊሩ፡

ምሁር ዘይተማህረ ቃልሲ ምስ ጎሃረ

ክብልበር ጀሚሩ ከም ድላይካ ሕረ

ወይ ህይዝብኻ ኣድሕን ተቓለስ ንሕልና

ወይ ምስ ሽፍታ ወግን ዝሰኣነ ዋና፡

ሕጂዩ ሰዓቱ ሕጂዩ እቲ እዋን

ተሳዒሩ ኹሉ ተነጽሎን ጽምዋን

ዕጠቕ! ትብል ኣላ ውጽዕቲ ጓልሄዋን

ንዕብየት ሃገርናን ንመሰልን ራህዋን፡

ክውከስ ደልየ፡

ተስፋና’በር……….

ምስ ርአኻ፣ ብ ኣርእስቲ ኣሉታዶ እወንታ ተጸቢኻ!

ኣሉታ እንተኔሩ ተኸታተል ጉዕዞ

እወንታ እንተኔሩ ወስኸሉ የዕዝዞ

ኩልና ንመሰልና ኢና ገጥ ኣቢልና ንሓዞ

ፍትሒ ንሕልናኻ’በር ፍልስፍና ኣይኮነ ሓዲሽ ምህዞ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • ተወልደመድህን March 21, 2014

    ዝኸበርኪ ወይዘሮ ኣበባ።ቅድሚ ኩሉ ነዛ ርእይቶ’ዚኣ ምላሽ ክህብ ከለኹ፡ኣቦ ኣዋልድን ሓው ኣዋልድን ስለዝኾንኩ ወቐሳ ከይተዝንብለይ ሕድርኺ።
    ከም ኩሉ ኅብረተሰባት፡ኅብረተሰብና ኣብ ሕሉፍ ማሕበራዊ ሕይወት ዝተጠቀመሎም ጽቡቓትን ሕማቓት ባህሊ ኣለው።ኣብዚ ባህልዚ ከኣ ዝተፈላለዩ ንጓል ኣነስተይቲ ዝጸቐጡ ባህልታትን ባህርታት ሰባት ኣለው።ነቲ ባህሊ ግን ብጸቓጥነቱ ጥራሕ ምርኣይ ጽቡቕ ኣይኮነን።ሕጂ ኣብዛ ሃጻር መልእኽቲ ኣዝን ኣትን እንተዘይበልኩ፡እቲ ካብ ኣቦታትና ዝተረከብናዮ ማሕበራዊ ሕይወት ናቱ ጽቡቕ ጎድንታት ኣለዎ’ዩ።ንሕና ክንገብሮ ንኽእል ግን ንኹሉ ኣብ ክንዲ ብሓፈሻ ጸቓጢ ኢልና ምጉሓፍ፡ነቲ ጽቡቕን ሕማቕን ክነለልዮ ኣሎና።ኩሉ ሕማቕን ጎዳእን ኢልና ክንጉሕፎ እንተኾይና ከኣ፡እቲ ዝቐረብናዮ መተካእታ ዘወጻጽእ ምኳኑ ክነስተውዕለሉ ይግባእ።
    ” ጓልሄዋን ፈንጢሳ ንጸቓጢ ባህሊ ” ዝብል ጠቕሲ ምሰ’ንበብኩ፡ንድሕሪት ነቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ዝነበረ ኩነታት ጓል ኣነስተይቲ፡ነታ ማዕረ ወዲ ተባዕታይ ትቃለስ ዚነበረት፡ነተን ስደት ዘምረሓ፡ነተን ቆልዑ ሒዘን ምስ’ንዳ ሑማን ምስ ስድረአን ክመሳሰላ ግዜአን ዘሕልፈኦ፡ነተን መሳቱ ኣን ኣብዘይብሉ ኦኣዲ ተሪፈን ዘዘው ክብላ ሕይወተን ዘሕለፈኦ የዘካክረኒ።ብፍላይ እተን ተወዲበን በረኻ ዝሓደራ’ውን መመሊሱ ትዝ ይብለኒ።
    ንስኺ ነቲ ብረት ሒዘን ምቅላስ ጥራሕ’ኺ ምፍንጣስ ጸቓጢ ባህሊ ወሲድኪዮ።ነቲ ጸቓጢ ባህሊ ፈንጢሰን ምስ’ወጻ ክወጸኦ ዝግበአን ዓቐበትን ጸቕጢ ሽግር ግን ኣብ ግምት ኣየእተኺዮን።ምናልባት ንዓይ ኣይት ኣምንን ትኾኒ፡ግን ንዝተጋደላ፡ተወዲበን ንዝሰርሓ፡ኣብ ዓዲ ንዝነበራ፡ንዝተሰደዳ ኣዘራርብኪ ኣብ ከምዝነበራ እንተዘይሓበራ እቲ ቃላተን ክርደኣኪ’ዩ።
    እምበኣር ኣቦታትና ድሑር ባህሊ ይጥቀሙ እንተነበሩ፡ጓል ኣነስተይቲ ውሕስነት ዘድልያ ተነቃ ፊት ፍጠረት ስለዝኾነት፡ብዝከኣሎም የከላከሉ ኔሮም’ዮም፡” ጓል ኣፋ’ዩ ምስክራ፥ በጃኣ ኩን ነንስተይቲ ከምዚ ክትገብር …..” ዝብሉ ኣዘራርባታት ምስክር’ዮም።ኣብቲ ህጊ እንዳባ እንተሪኢኺ ከኣ፡ሕማቕ እንተ ለዎ ንጓለ’ንስተይቲ ዝከላከል ኣለዎ።
    ጓል ኣነስተይቲ ሃገርና ክሳብ ሎሚ ካብ ጸቕጢ ኣይወጸትን።ምኽንያቱ እቲ ጸቕጢ ውልቀሰባት ንኅብረተሰብ ሓኒቑ ሒዙዎ ስለዘሎ።ኣብዚ ማሕነቕቲ’ዚ ከኣ ቀዳመይቲ ተወጺዓ ዘላ ጓል ኣነስተይቲ’ያ።ካብ ግዜ ቃልሲ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ኣብ ርእሺ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጠመ ተማሂረናሉ’ሞ ነቲ ዝተረፈ ጉዕዞ በቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዘበገሰኦ ዘይኮነ ብካልእ ክጅምረኦ ኩሉ ዝጽበዮ ዘሎ’ዩ።እንተ’ቲ ካብ ጸቓጢ ባህሊ ፈንጢሳ ትብልዮ ዘሎኺ ግን ኣይኮነን፡ኣብ ጸቕጢ ኣናነበርካ ጸቕጢ ኣይፍንጠስን።ምኽንያቱ ጓል ኣነስተይቲ መሰላን ግቡ ኣን ኣጸቢቓ ዝፈለጠት ምዕብልቲ ጓል ኣነስተይቲ ክሳብ ዘየላ፡ካብቲ ጸቓጢ ባህሊ ክትወጽእን ካብቲ መሳርሒ ዝገበረን ፖለቲካ ክወጻ ከምዘይክእላ ክንርዳእ የድሊ።

    • ተወልደመድህን March 21, 2014

      ብሕጽር ዝበለ ኣብቲ ጸቕጢ ጢሒሰናሉ ትብልዮ እዋን ዚነበረ ብኽያትን ምድንጋርን ኣስተውዕልሉ።

POST A COMMENT